ግርም እባ!! ንረገጽቲ ፍትሕን ሕግን እንዳ ኣገልግልካስ፡ ንነብስኻ ሕጊ ምድላይ

2016-01-29 09:23:40 Written by  EPDP Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1828 times

ብረቡዕ ዕለት 27 ጥሪ 2016 ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ከምኡ እውን ሆላንዳውያን ብሓባር ኣብቲ ፕሮፈሶር ምርያም ዝተባህለት ሆላንዳዊት ብሓደ ኣባል ናይቲ ብስርዓት ህግዲፍ ዝምራሕ ማሕበር መንእሰይ YPFDJ ተኸሲሳ ዝቀረበትሉ ቤት ፍርዲ ተረኺቦም ነይሮም። ዕላማ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኤርትራውያንን ሆላንዳውያንን ድማ፡ ንተኸሳሲት ፕሮፈሶር ምርያም ሞራላዊ ደገፎም ንምግላጽን፡ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝነበራን ብዘለዋን ምድግጋፍ ንምድንጋጽን እዮም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ። ፕሮፈሶር ምርያም ንኤርትራውያን ስደተኛታት እትጣበቕ መምህር ኣብ ዩንቨርስቲ ቲልብሩኽ እያ። ፕሮፈሶር ምርያም ተኸሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ንኽትቀርብ ዝገበር ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ንሓደ ኣባል  ካብ መጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ንዝነበሮ ናይ ስራሕ ቦታ ተጠቒሙ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብምትላል፤ ንኣገልግሎት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት የካይዶ ንዝነበረ ስራሓት፡ ብጋዜጣን ብቴለቪዝዮንን ስለዘቃልዐት እዩ።

ቤት ፍርዲ፡ ብጠበቓታት ክልቲኡ ሸነኻት ከሳስን ተኸሳስን ንዝቐረበሉ ቃል ድሕሪ ምስማዕ፡ እቲ ፍርዲ ንዕለት 10 ለካቲት 2016 ንኽብየን ብቖ`ጸራ ኣማሓላሊፍዎ ምህላዉ ድማ ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ከሳሲ ካብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናይ ምትርጓም ስራሕ መባረሪኡ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ነቶም ኣብቲ ስራሕ ዘዋፍርዎ ዝነበሩ ዝምልከት እኳ እንተኾነ፡ ንሱ ግን እቲ ፕሮፈሶር ምርያም ብጋዜጣን ቴለቪዝዮንን ብዛዕብኡ ዘቕረበቶ መግለጺ፣ ጠንቂ ናይ ካብ ስራሕ መስጐጒኡ ምኽንያት ገይሩ፤ ኣብ ልዕሊኣ ክሲ መስሪቱ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ብYPFDJ ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ማሕበርዚ ኣብ ወጻኢ ዓይንን  እዝንን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ፊን ክምዘበሎ ንዜጋታት ዝኣስርን ዘጥፍእን ዘሎ ስርዓት ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብተን ንመነባበሪኦም ዝረኽብወን ሓገዝ ከይተረፈ 2% ንኽኸፍሉ ዝላዓለ ጐስጓሳት ዘካይድ ማሕበር እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅዋምን ሕጋጋትን ንዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ከተናውሕ እንዳጸዓርካስ፡ ንነብስኻ ተጠቓሚ ህዝብታት ተቓሊሶም ናይ ዘረጋገጽዎ ሕግን ፍትሕን ክትከውን ምፍታን ድማ ስጊጢርነት ኣባላት ምልኪ እዩ።   

Last modified on Friday, 29 January 2016 19:56