ዕድመ መጋቢት 8 2016 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ

2016-01-30 08:51:33 Written by  ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1680 times

Womens Day

ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኔትዎርክ ደቂንስትዮ ኤርትራን ጀርመን ከምኡ’ውን ንሰፊሕ ጥርናፈ ደቂኣንስትዮ ዝቃለሳ ወልቀ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብምትሕብባር፡ ንሸሞንተ መጋቢት ዕለት 12.03.2016 ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ክነብዕልስለ ዝኾንና፡ ንዅሉ ደላዪ ፍትሕን ማርነትን ንዕድም ኣለና። ኣብዚ ንመሰልና ኣሎና ባዕልና! ኢልና ነዳልዎ ዘለና በዓል 8 መጋቢት ብዛዕባ፡-

  1. ንዓና ንደቂኣንስትዮ ኤርትራ ተጠርኒፍና ብግቡእ ንኸይንቃለስ ዝዕንቅፉና ዘለው እንታይ’ዮም?
  2. ሰፊሕን ድልዱልን ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራኸ ብኸመይ ክንምስርት ንኽእል?

ዝብሉ ነጥብታት ክንመያየጥን ክንካታዕን ምዃንና ንሕብር።

 በዓል ንገብረሉ ቦታ

 Saalbau Nied Heinrich – Stahl – Str. 3

65934 Frankfurt - Nied

 ዕለት፡ 12.03,2016

ሰዓት፡ 1500-2200

 ብደሓን ምጽኡ

ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል 8 መጋቢት 2016

Last modified on Saturday, 30 January 2016 09:56