ሎሚ ኣብ በይ አርያ - ጽባሕ ኣብ ኤርትራ (ኣብ ዓድና)

2016-02-03 09:50:50 Written by  በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ፍትሒ (በአ-ኤደለ) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1821 times

BayAreaLogo 1

ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተቐማጦ በይ አርያ ፡ ኣብ ቀዳም 23 ጥሪ ዘቃንዕዎ ህዝባዊ ኣኼባ ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ኤርትራ ክንርእዮ ሃረር ንብሎ "ቅዋማዊ መስርሕ ምድማጽን ምምራጽን" ኣብ ግብሪ ኣውዒሎሞ። እቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብተሳትፎ ብርክት ዝበሉ ኣባላቱ ዝተቓነዐ ህዝባዊ ኣኼባ ብዝኽሪ ጅግናን ውፉይን ስውእ ወዲ ዓሊ እዩ ጀሚሩ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ትውፊትን ኣበርክቶን እዚ ጅግና ዜጋ ድሕሪ ምጥቃስ ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ድማ ኣብነቱ ክኽተልን ሕድሩ ክጽንዑን ኣዘኻኺሮም። ወ/ሮ ፍረወይኒ ገርግሽ ንልቢ ኩሉ ተሳታፊ ዝትንክፍን ናብ ቃልሲ ዘነቓቕሕን ግጥሚ ኣቕሪባ። (ንምሉእ ትሕዝቶ ጥቢቆ ንወከስ)።

BayAreaLogo 2

ከም ዝዝከር በአ-ኤደለ ኣብ ታሕሳስ 2013 ኣብ "ስምረት" ዝብል ቴማ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ፖለቲካዊ ውድቡ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መድረኽ ንንጥፈት ዝዕድም ኮይኑ ፡ ብመሰረት እቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽደቖ ቅዋም (ሕጊ ህንጻ) ፡ ንበአ-ኤደለ ንኽለተ ዓመት ዘካይድዎ ኣባላት ቦርድን ኣርታዕትን (ኦዲተራትን) ኣብዚ ዕለት እዚ መሪጽዎም። ነዚ ምርጫ ዘካይዱ "ኣምረጽቲ ሽማግለ" ኣብ ታሕሳስ 2015 ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ እዮም ተመሪጾም። እቲ መስርሕ ምርጫ ብኣዝዩ ምዕቡልን ስኒት ዝመልኦን ኣገባብ ፡ ልክዕ በመጠን ኣብ ደሞክራስያዊን ዝበልጸገን ሃገር ከምዘሎውን እዩ ተኻይዱ። ብመሰረት ቅዋም (ሕጊ ህንጻ) ንምርጫ ዘድሊ ብዝሒ ህላወ ኣባላት ኣባላት ድሕሪ ምርግጋጽ ፡ እቲ ግቡኤ ቅደም ተኸተላት "ምርቋሕ ሕጹያት" "ምድጋፍ/ምቅዋም" "ምድማጽ"ን "ምምራጽን" ኣብ መወዳእታ ክኣ ምውሳንን ብዘደነቕ ኣገባብ ተጌሩ። እዚ መስርሕ ምርጫ ደሞክራስያዊን ግሉጽን ምዕቡልን ምንባሩ ንኹሉ ተሳታፊ ኣዝዩ መሃሪን ንትጽቢት ተሳተፍትን ብፍላይ ድማ ነቶም ከይተሓለሉ ነዚ ኣገባብ ንኸንግሱ ዝተጋደሉ ገዳይም ተቓለስቲ ዘዕገበ እዩ ኔሩ።

BayAreaLogo 3

ኣብዚ ምርጫ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሕጽረት ጊዜን ሃልኪ ናብራ ኣሜሪካ ድንብርጽ ከይበሎም ንመሪሕነት ብወለንታ ክቐርቡን ነቶም ኣባላት ቦርድ ዝነበሩ ብጾታቶም ከብርዩ ድሌት ከርእዩ እንከለዉ "ናይ ብሓቂ እቲ ወንን ኒሕን ኤርትርዊ" ጌና ኣሎ ዘብል እዩ ኔሩ። ብክእለቶምን ተመኩሮኦምን ተወፋይነቶምን ኣዝዮኡም ብቑዓት ዝኾኑ ፡ 3 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 7 ኣባላት ቦርድን 3 ተጠባበቕቶምን ንበአ-ኤደለ ንኽለተ ዓመት ከም ኣባላት ቦርድ ክመርሕዎ ተመሪጾም። 70% እዞም ኣባላት ቦርድ ሓደሽቲ ሙዃኖም ነቲ ናይ "ብወለንታ ምትኽኻእ ባህሊ" ዘንጸባርቕ ኮይኑ ፡ ንቐጻሊ ዕማማት ዘድሊ ሕድሽ ሓይሊ ዝህብ እዩ። ነዚ ምርጭ ኣዝዩ ፍልዩ ዝገብሮ ድማ 3 ካብ ኣባላት ቦርድ ደቀንስትዮ ምዃነን (40%)፡ ነቲ ናይ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣሓትን ሕድሪ ዝጽንዓ ምዃነን እዩ።

BayAreaLogo 4

በዚ ኣጋጣሚ በአ-ኤደለ ንኹሎም ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኣኼባ ብፍላይ ድማ ነቶም ከይተሓለሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝመርሕዎን ነዞም ነመጻኢ ክልተ ዓመት ክመርሕዎ እጅገኦም ሰብሲቦም ዘለዉ ኣባላት ብስም ማሕበርን ብስም ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ናይ ልቢ ምስጋና የቕርብ። ኣስዒቡ ድማ ንኹሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ሰሜናዊ ኣሜሪካ ዝቕመጡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን በቢከባቢኦም ብዚ ኣገባብ ክውደቡን ክስርዑን እንዳዘኻኸረ ፡ ኣብዚ መስርሕ ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክገብር ምዃኑ ሰናይ ድሌቱ ይገልጽ። እዚ ድማ ነቲ ኣብዚ ዝስዕብ ኣዋርሕ መዲብናዮ ዘሎና ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ "ስምረት" ንጥፈታት ዘቀላጥፍን ዘደንፍዕን እዩ። ዝያዳ ኹሉ ግን ነቲ ጽባሕ "ኣብ ዓድና ክንርእዮ እንደሊ መስርሕ ቅዎማውነትን ምርጫን" ሎሚ ኣብ ከባቢና ክነተኣታትዎን ክንነግሶን ፡ እዋኑ ዝጠልቦ ዕማም እዩ። ብተወሳኺ ድማን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተቐመጥቲ በይ-አርያን ክንዩኡን ፡ ኣብ ዝስዕበ መድረኽ ቃልሲ ፡ ብወገን በአ-ኤደለ ዘድሊ ምድላዋት ተጌሩ ኣሎ እሞ ፡ ኣብ ጽዕርታት ናጽነንትን ፍትሕን ፡ ኢደይ ኢድካ ንበሃሃል።

BayAreaLogo 5


በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ፍትሒ (በአ-ኤደለ)
ጥሪ 2016 ካሊፎርንያ ሕ.መ.ኣ

BayAreaLogo 6

ስዒድ ጅግና ፎርቶ
                                                         
ከመይ’ዩታ ኔሩ ትብዓት ጅግንነትካ
ታንክታት ኣምሪሕካ ፎርቶ ዝደየብካ
ሚድያታት ሒዝካዮ ድምጽካ ምስ ኣስማዓካ
ከድዓት ጠሊሞም ግዜ ምስ ከሉእኻ
ንክብርቲ ሂወትካ ፍጹም ከይበቐቕካ
ምእንቲ ህዝብካ በጃ ምስሓለፍካ
ብድሆ’ዩ ንዓኣቶም ሐበን ድማ ንህዝብካ።

ኣሻብ’ዩም ወሲኖም ንበይኖም ክከዱ
ዘልሐጥሐጥ ዝኣመሎም ጥዑም ዝለመዱ
ቃልሲ ናይ ሐርነት ኮምኡዩ መንግዱ
ገሊኦም ንህዝቦም ብመሰር ዝኸዱ
ገለ ሕድሪ ስወኣት ፍጹም ዝኸሐዱ
ብዊስኪ ብጮማ ክሳዶም ዘርጎዱ
ኣይውሐጠሎም’ዩ ምሳኻ ክኸዱ
ኮምኡ’ ዩ ዝሕሾም ክሳብ ዝፍረዱ።

እንታይ ምበሉካ እንኤኹ እንተትብሎም
መጋፍዑካዶ ኩሎም በቢ ኢዶም
ወይስ ምጎዛዘዩካ ከም ስጋ ሐሪዶም
መዳቀቁካዶ ከም ዓጽሚ ቀጥቂጦም
ወይስ መእተዉኻ ኣብታ ጋሃነብ ጉድጋዶም
ብኩሉ’ዩም ኔሮም ተዋዲዶም
ሰቢርካዮ እንዶሞ ወዮ ህርፋን ከብዶም።

ናይ ጅግና ታሪክ’ዩ እቲ ውሳኔካ
ከዲዔሙኒ  ኢልካ ምአስ ኢድካ ሂብካ
መስዋእቲ ሐላልዩ ምእንቲ ህዝብካ
ብዓቢኡ ድማ ከይተመራሳሕካ ።

ከመይ አላ  ሃገር’ዶ ትብል አሎካ
ጸቢብዋ ‘ሎ ሃገር ጽልግልግ ኢሉዋ
መንእሰይ ጠፊኡ ሲኢና ሓለዋ
ሞላካ ብዓቅሙ ውሽጣ ፈሊጥዋ
ሰራዊቱ ኣምሪሑ ዶባ ጥሒስዋ።
ተደራሪብዋ’ሎ ሽግር ብድሕሬካ
ዕዳጋ ወሪድን ወዳባት ሃገርካ
ሽሻይ ጓና ኾይነን ህዝበን ዘይሓቆፋ
ዝብላዕ ዘየለ ቀይርዎ ናቅፋ
ኣደ ተሸጊራ ህጻናት ሐቒፋ
ተባዕ ስኢናላ ሃገር ከምቲ ናትካ ብትብዓት ዝምክት ካብ ሽግር ዘናግፋ።

ሕድርኩ ዝትግብር ዝኣቱ መብጽዓ
ንሂወቱ ምእንቲ ህዝቡ ንቕድሚት ዝሰርዓ
ይብገስ ኣሎ መንእሰይ ናይ ውጹዓት እንግድዓ።
ጀጋኑ ስውኣትና ወትሩ ኣብ ልብና !!

23/ 01/ 2016
ወ/ሮ ፍረወይኒ ገርግሽ
በአ-ኤደለ

 


Last modified on Wednesday, 03 February 2016 11:13