ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ 2015 ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ

2015-10-11 09:22:12 Written by  ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2285 times

ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ 2015 ምሉእ ዓወት ክጓናጸፍ ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ እዩ። ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንብደረጃ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዘማእክል ዞባዊ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ`ዩ። ኩሎም ኣካላት ናይ`ዚ ምልዕዓል`ዚ፡ በብከተምኡ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ከም ገዛእ ዋኒኖም ክጉስጉሱ፡ ክሳተፉ ነማሕጽን።

ሃብሮማትን ሓርበኛታትን ኤርትራውያን ንነውሕ ክጽዕርሉ ንዝጸንሑ ጅግና ቃልሲ ፡ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግህሰታት ሰኒዱ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዝልለ ፍሩይ ዓወት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ናይ`ዚ መድረኽ `ዚ እዩ። እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝተማለአ ኮይኑ ክድምደም፡ ቀጻልን ንጡፍን ደገፍ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ይሓትት። ስለዚ፡ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከም ሓደ ህዝባዊ መደብ (ፕሮጀክት)፡ ህዝባዊ ዓወት ኣረጋጊጹ ንቕድሚት ክምርሽ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ህዝቢ`ዩ።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከም ናይ ህዝቢ ምትእስሳርን ምጥናፍን፡ ኣብ`ዚ መደብ/ፕሮጀክት`ዚ (ሰላማዊ ሰልፍን ምድግጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽንን) ኮነ ኪንኡ ዝቕጽል ስራሕ፡ ተዓዊቱ ክወጽእ ኣበርቲዑ ክሰርሕ`ዩ። ንግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣነጺሩ ዘቐመጠ ህዝባዊ ትካላዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣታኣታትዩ እናማዕበለ ፡ ንዘየቋርጽ ወሓዚ ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምርግጋጽ ጻዕርታቱ ክቕጽል`ዩ። እዚ ኣሰራርሓ`ዚ፡ እምነ-ኩርናዕ ናይ ቀጻልን ዘላቒን ህዝባዊ ዓወታት ከመዝግብ ዝኽእል መዋጸኦ ኢዩ ኢሉ ይኣምን።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ምድግጋፍ፡ ከም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፕሮጀክት ይወስዶ። ስለዝኾነ፡ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኢድ-ንኢድ ኣተሓሒዙ ክሰርሕ ዝኽእልን ንትግባረ- ኣሰራርሕኡ ዘገልግልን እማመ ኣብ ምድላው ከምዘሎን፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት ንስራሕ ክዋፈረሉ ምዃኑን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንሕብር።

ኣብ መደምደምታ ፡ ብሕኑን ወኒን ተወፋይነትን ክዕወት ዝግበኦ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብብዝሑ ቁጽርን ብዝለዓለ ፍናን ንክሳተፍዎ ደጊምና ብትሕትና ነማሕጽን።

ህዝባዊ ጥርናፈ፡ መድሕን ህዝብን ሃገር`ዩ!!

ውድቀት ንኹሉ መልክዓት ምልኪ!!!

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

10/10/2015

Last modified on Sunday, 11 October 2015 11:25