ዲክታቶር ኢሳይያስ ናብ ሳዑዲ ዓረብ ገይሹስ፡ ናብቲ ኣብ ልዕሊ የመን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፈራ ዝሳተፉ ወተሃደራት ክሰድድ እሞ ዓስቢ ሚልዮናት ዶላራት ክወሃቦ እዩ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ቁሩብ ሰልዲ ለጊስሉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 5 ዓመታት ዝትግበር ልዕሊ 300 ሚልዮን ዩሮ ክትህቦ እያ ፡ ዝተወሰና ሃገራት ኤውሮጳ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ኢሳይያስ ዝርእዮ ዓይኒ ክርእየኦ ጀሚረን ኣለዋ .. ወዘተ ዝብሉ ንጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ዘለዎ መዋጥር ከም ዘውጽእዎ ኣምሲልካ ዝውረዩ ወረታት ክንሰምዕ ወሪሕና። ርግጽ እዞም ዝውረየሎም ዘሎ ተረኽቦታት ሓሶት ዘይኮኑስ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና እውን ክበሃሉ ዝቐነዩ እዮም። እቲ ጉዳይ “እሞ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ሕዱር ሕማም በዞም ዝጠቐስናዮም ምዕባለታት ዝፍወስ ድዩ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል እዩ።
ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነቲ ዝሰሓግ ዘሎ ህግደፍ ህይወት ዝሰኹዓሉ ኣምሲልካ ዝቐርብ ወረታት ቀለም ከይነቐጸ እንከሎ፡ እነሆ እቲ ጉጅለ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ፈጺሙ ናብ ዝብል ዝመጣጠር፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጸንዐ ሰፊሕ ጸብጻብ ብወግዒ ተገሊጹስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ሰፊሕ ቦታ ይረክብን ቀልቢ ብዙሓት ይስሕብን ኣሎ። እሞ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣየናይ ምዕባለ እዩ እቲ ገዛእን ሓያልን፡ እቲ ንህግደፍ ትንፋስ ዝሰኩዕ ዝመስል ወረታት ወይስ እቲ ንገበናቱ ዘቃልዕ ብጥንቃቐን ብተሳትፎ ኤርትራውያን ግዳያት ዝተኻየደ መጽናዕቲ? ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ንዘይኤርትራዊ ኣካላት ውሱን ግዜ ምውሳድን ምምዝዛንን የድልዮም ይኸውን። ንዓና ንኤርትራውያን ግና ቅድሚ እዚ ብዛዕብኡ ንዛረበሉ ዘለና መጽናዕቲ ምውጻኡ ጉዳይና ኮይኑ ስለ ዝጸንሐን ዘሎን ሓድሽ ኣይኮነናን። ነዚ ሕቶ ንምምላስ ንማተኣሉ ጉዳይ’ውን የብልናን። ንጹር ሓጺርን መልሱ ከዓ “ኩሉ እቲ ምዕባለ ደሚርካ ክረኣይ እንከሎ ነቲ ስርዓት ሓድሽ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘይኮነስ ንጉዕዘኡ ናብ መቓብር ዘቀላጥፍን ኣበስኡ ዘቃልዕን እዩ” ዝብል እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ነቲ ውሱን ወካዕካዕ ደገፍቲ ህግደፍ ንምግላጽ “ደጊፎም ተሳዕስዕዎስ ዘሎ ይመስሎ” ዝበልናዮ።
እቲ ወሳኒ እቲ ናይ ደገ ወዘኽዘኽ ዘይኮነስ እቲ ውሽጣዊ ክውንነት እዩ። እዚ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝሰርሕ ስነ-መጐት ዘይኮነስ እንተላይ ንዓና ነቶም ንጉጀለ ህግደፍ ኣወጊድና ብዝሓሸ ስርዓትን ኣተሓሳስባን ክንትክእ እንቃለስ ዘለና ደለይቲ ለውጢ እውን ዝገዝእ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ብመንጽር እዚ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ኣብቲ ናይቲ ኮሚሽን መጽናዕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን ገበናት ኣይወጸን። ንሱ እዩ እምበኣር ናይ ውሽጣዊ እንታይነቱ መርኣያ። ኣብዚ ውሽጣዊ መግለጺኡ ዝኾነ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ዘምጸኦ ለውጢ ክሳብ ዘየለ ከዓ ከቶ በቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ከንቆልቁል እንተዘይኮይኑ ከይክሓውን እዩ። እቲ ብደገ ዝግበረልካ ደገፍን ዝወሃበካ ጽቡቕ ምስልን ግደ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ሃብትኻ ተዝውስኹኻ ኣብ ርእሲ ልብኻ ኸዓ ተዝምዕዱኻ፡” ዝበሃል። በቲ ሓደ ወገን ከዓ ዘይወሳንነት ግዳማዊ ጽልዋ ንምግላጽ “ልቢ ማዕዳ ምሸት ናብ ዋንኡ” ከም ዝበሃል ኣይንረስዕ።
እዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ንዓና ንኤርትራውያን ኣሉታዊ ኣካል ህይወትና ኮይኑ ዝጸንሐ እምበር፡ ሓደሽ ኣይኮነን ኢለ ኣለኹ። ጸገምን ወጽዓን ህዝብና ብጉጅለ ህግደፍ ተሓቢኡ ኣብ ክንዲ ዝነብር ብኸምዚ ኣብ ቅርዓት ዓለም ምውጽኡ ግና ቀሊል ኣይኮነን። ምናልባት ነዓና ምስቲ ውሱን ዓቕምናን ልሕሉሕ ናይ ሕድሕድ ዝምድናናን ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ከነቕርቦ ነዊሕ ግዜን ከቢድ ጻዕርን ምሓተተና። ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝግምቶ ተሓቢኡ ክነብር ግና ባህርያዊ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከዓ ንደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ክብሎም ዝደሊ፡ እዚ ብግዳማዊ ተርእዮታት ንጉጅለ ህግደፍ ኣጸባቢቕካ ንምቕራብ ዝግበር ፈተነ፡ ናብ ራህዋ ዘይወስድ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ጉጅለ ዘናውሕ ጥራይ ምዃኑ ክርድእዎ ይግባእ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝቕየር እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ፡ ምስ ተወገደ ኣብ ክንድኡ ብሓድሽ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ስርዓት ክመጽእ እንከሎ ጥራይን ጥራይን እዩ። እቲ ቃልሲ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ንምውጋድ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ነቲ ናይ ወጽዓ ባይታን ኣተሓሳስባን ካብ መሰረቱ ምውጋድ እዩ። እቲ ወጻዒ ምስ ተወገደ እውን እቲ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕጻልን ሓድሽ ወጻዒ ናይ ምፍራይን ዕድል ከም ዝህልዎ ክንስሕት ኣይግበኣናን። ስለዚ ቃልስና ኣንጻር ወጻዒ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንዲ ኣንጻር ወጽዓ ምቅላስ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ክንፈልጦ ዝግበኣና፡ ድሕሪ ሕጂ ብድሌት ጉጅለ ህግደፍ ዝውሰድ እሞ ድማ ንራህዋ ህዝብና ዘርብሕ ለውጢ ክመጽእ ከምዘይክእል ብሩህ እዩ። ህግደፍ ዝኣልሞ ማእለማ ንዕኡ ዝጥዕሞ ጥራይ እዩ። ምርጭኡን ምርጫ ህዝቢ ኤርትራን ከዓ በበይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ተጻራሪ እዩ። ምርጫ ህግደፍ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምኡ’ዩ ናይ ህግደፍ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ “ንግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክገብረሉ እየ። ናብቲ ብኣዋጅ ዝገለጽኩዎ ናይ 18 ኣዋርሕ ናይ ትምህርትን ኣገልግሎትን ግዜ ክመልሶ እየ” ዝብሉ መብጸዓታት ካብ ዘቃልሕ ሕያሎ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ብፍላይ ነቶም ውሱናት ናብ ኤርትራ ዝገሹ ወጻእተኛታት ዝወሃቦም መምለስ እግሪ ሸፈጥ እዩ። እዚ እውን ስለ ዝተባህለ ክትግበርዩ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ ካብ ዝልለየሎም ባህርያት ሓደ ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ዘይምቕራብ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ህግደፍ ከምኡ ተዝገብርከ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ኣዕሚቑ ዝተተኽለን ጸፋር ጸገማት መተፈትሐዶ? እዚ ግዱድ ውትህድርናኮ ሓደ ካብ መርኣያታት ወጻዒ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ እምበር ናይቲ ጸገም ሱርን መሰረትን ኣይኮነን። ማለት እቲ ናይቲ ወጽዓ ሱርን ጉንድን ኣብ ቦታኡ እንዳሃለወ ሓደ ጨንፈር ሰሊዕካ ምድርባይ ለውጢ ኣየምጽእን እዩ። ናይ መልክዕ እምበር ናይ ፍረ ለውጢ ዘየብሉ ጠጥዒ ከጨብጭብ ስለ ዝኽእል። ምናልባት ነዚ ሃገርዊ ኣገልግሎት ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባርነት ጠጠው ተዘብሎ እውን ካልእ መልክዕ ወጽዓ ሒዙ መቐረበ እምበር ምስ ህዝቢስ ኣይዕረቕን ንምባል ዝኣክል’ዩ።
ግደ ሓቂ ንምዝራብ እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ብህይወት የለን። ኣፍ ኣውጺኡ “የለኹን” ክብል ግና ኣይንጽበዮን ኢና። ዘየለኻ ክንስኻ “ኣለኹ’ እምበር” ምባል ክዓ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ናይ ኩሎም ዲክታቶራት ባህሪ እዩ። እቲ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ናይቶም ንዘየለ ኣሎ ኢሎም ዝከራኸሩ ኤርትራውያን ደገፍቱን ደጋጊፎም ከሳዕሶዎን ንእስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ብሂጎም መሳርሒ ክገብርዎ ዝደልዩ ሓይልታትን እዩ። ኣብዚ ሓደ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ናይቲ ጉጅለ ድኽመት ምናልባት እውን ሞት ብኡብኡ ናይ ተቓወምቲ ብርታዐ ክኸውን ከም ዘይክእል። ናይ ጸላኢኻ ድኽመት ውሱን ፍናን ዝህብ እምበር፡ ቀንዲ ብርታዐኻን ሓይልኻን ብናትካ ጸዓት ጥራይ ዝመጽእ እዩ። እዚ ቁምነገር ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብግቡእ ከነስተማቕርዎን ክሓስብሉን ዝግበኦም መሰረታዊ ሓቂ እዩ።
15 ሰነ 2015
ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ.
Saturday, 13 June 2015 09:01 Written by ህዝባዊ ምልዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ - ሰሜን ኣመሪካ፡ብብዝሒ ተሳትፎ ናይ መንእሰያትን ተቓዉሞ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀሳብትን ደቂ ኣንስትዮን ዓበይትን ነኣሽቱን ቆልዑትውን ከይተረፉ ዝተኻፈልዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጉንበት 23, 2015 ኣብ ርእሲ ከተማ ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ነቲ ኣብ ሃገርና ብኹሉ መዳያት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ከሙኡውን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ነፊጾም ኣብ ስደት ከምርሑ ከለዉ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድረበዳታት ሲናይን ዝጋንፎም ዘሎ ናይ ሞትን ክፋል ኣካልቶም ተቐንጢቡ ናብ ዕዳጋ ዝወርደሉን ዘሎ ህሞት ይኣክል ንምባልን ንህዝቢ ዓለም ንምቕላሕን መንግስታት ዓለም ንኤርትራዊ ሰደተኛ መሰሉ ከዕቁባሉን ንምምሕጻን ኢዩ ነይሩ።
ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ዋይት ሃውስ ብምስላፍ ብነድሪ ንህዝቢ ኣመሪካን ንፕረሲደነት ኦባማን ኣብ ሀገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ህጊዲፍ ከም ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት፡ ብዘይ ፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ምእሳርን፡ መጭወይቲን፡ ናይ ምእካብን ናይ ሓሳባትካ ምግላጽ መሰል ምእጋድን ህዝብን መንግስትን ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ ጸዊዑ።

ካብዚ ብምቕጻል ሰልፈኛታት ካብ ዋይት ሃውስ ነቒሎም ብየማን ጸጋምን ብፖሊስ ብኽብሪ ተዓጂቦም ብሕምብርቲ ዋሺንግቶን ዲሲ ሰንጢቖም ብጎደና ፐንሲልቫኒያ ተጋዒዞም ናብ ካፒቶል ሂል መረሹ (ጎደና ፐንሲልቫኒያ ኣብ ኣመሪካ ሓዲሽ ፕረሲደንት ምስ ተመርጸ ካብ ካፒቶል ሂል ናብ ዋይት ሃውስ ብእግሩ ዝጋዓዘላ ውርይቲ ጎደና ኢያ) ሰልፈኛታት ብመጉልሕ ድምጺ "ይኣክል በቃ፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ምስ ህግዲፍ ንውጋን ሃገራውነት ኣይኮነን፡ ይኣክል ንባርነት ንስመር ንሓርነት፡ ስቕያት መንእሰያትና የብቅዕ፡ ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ፡ ንሰብ ዘይብሉ ፈጣሪ ኣለዎ። ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ፡ ብምባል እናጨደሩ መረሹ። ኣብ ቀስሪ ካፒቶል ሂል ምስ በጽሑ ድማ ነቲ ናብ ናይ ኮንግረስ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ናብ ስተይ ደፓርትመንት፡ ናይ ኣፍሪቃ ደስክ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተዳለወን ዝተላእከን ደብዳቤ ተነቢቡ።
ኣብ መጠርሽታ ሰልፈኛታት ንዳርጋ ክልተ ማይል ብምጉዓዝ ኣብ ጉደና ኤልን ሽዱሽተን ደበኽ በሉ፡ እዚ ቦታዚ ብስም ኤርትራዊ ሲቪክ ማሕበር ዝፍለጥ ናይ ህጊዲፍ ናይ ምዝመዛን፡ ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ምጥፍፋእን ንህዝቢ ኤርትራ ጎዛዚኻ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶር ተቖሪኑ ንኽነብር ሸቕጥን እከይ ማእለማታትን ዝፍጸመሉ ቦታ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ገለ ተባዓት ኤርትራውያን ነዚ ዘይሕጋዊ ትካልዚ ከሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ ዘለዉ ነቶም ተሓባበርቲ ህግዲፍ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝብኹም ደው በሉ፡ ምስ ዲክታቶር ምውጋን ሃገራውነት ኣይኮነን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ትምህርታዊ ኣብነት ብምቕራብ ናይ ሰልፊ ጉዕዞ ኣኸተመ።
ንጽባሒቱ ድማ ነቲ ብኣዳለውቲ ሰልማዊ ሰልፊ ዝተመደበ ኮንፈረንስ ካብ ሰዓት ሾሞንተን ፈረቓን ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ካስብ ፍርቂ ለይቲ ቀጸለ። "ሓድነት ምስ ብዝሑነት ንሃገር ድሕነት" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ መጀመርያ ኣቶ ጎይትኦም፡ ኣቶ ኑረዲን፡ ወ/ሮ ፍረወይኒ ቀዳማይ ፓነል ዲስካሽን ከቅርቡ ከለው፡ ናይ ክልቲኦም ሓሳብ ተመሳሳሊን ተደጋጋፍን ክከውን ከሎ ጥቅሚ ማሕበረኮማትን ህዝባዊ ምንቅስቃስን ክገልጹ ከለው፡ ሓፍቲ ፍረወይኒ ግን ባይቶ ስለዘሎ ካልእ ማሕበራት ከምዘየድልን ኩሉ ህዝቢ ኣብኡ ኽኣቱ ከምዘልዎ ሓቢራ። ሲዒቦም ዝቀረቡ ዶር. ገብረ፡ ኣቶ ስሄል፡ ኣቶ ሓሰን፡ ብወገኖም ሓድነትን ስምረት ኤርትራዊያን ኣድላይነቱን ህጹጽነቱን ኣስፊሖም ገሊጾም። ሃገር ኣብ ሓደጋ ምህላዋን ህዝቢ ይጸንት ስለ ዘሎ ናይ ኩሉ ሓይልታት ሓድነት ናይ ሓሳባትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን እዋኑ ምዃኑ፡ ገሊጾም።
ኣሜሪካዊ ጆን ስታፈርን መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ጌርካ ምዕቡል ዲፕሎማሲያዊ ስራህ ተሳላስልን ትረክብን ንህዝብካ ትጣበቅን ኣስተምህሮ ሂቡ፡ ከምኡ እውን መንእሰይ ሜሮን ዝገብሮ ዘሎ ብሃገር ደረጃ ዝውክል ስራሓት ኣብሪሁ።
ዶር. ኣልጋነሽ ኣብ ሲናይ ብነጋዶ ደቂ ሰብ ብኤርትራውያን ከይተረፈ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ካብ ኢድ በደዊን ማእሰርቲ ዘውጽኣቶም መንእሰያትን፣ ነቲ ኣብ መደበር ስደተኛታት ትገብሮ ዘላ ኣግልግሎት ናይ ህጻናት ወለዲ ዘይብሎምን ምእላይን ብስእላዊ ሰነድ ዝተሰነየ መግለጽታት ኣቅሪባ። ኣማኒኤል እያሱን ናይ ፓነል ዲስካሽን ኣቕረብትን ኣድላይነት ናይ ህዝባዊ ማዕበልን ፍልልያቱ ምስ ውድባዊ ቃልስታትን ኣብሪሆም። ውድባት ንቀጻሊ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ዝኣትዋ ክኾና ከለዋ፡ ህዝባዊ ማዕበል ግን ዋና ስልጣን ህዝቢ ኮይኑ ንዝመረጾ ዘደይብን ዘውርድን ድኣ እንበር ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከም ዘይኣቱን ኣብሪሆም። ስለዚ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ ማዕበል እዚ ክዓስልን ንከዔውቶ ክጽዕርን እዋናዊ ህጹጽ ጻዊዒት ሃገር ምድሓን ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ሃገር ማለት ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኤርትራ ድማ ብዘይ ደቃ ሃገር ክትበሃል ስለዘይትኽል መንእሰይና ከነድሕን ኩሉ ሰብ እጃሙ ከበርኽት ከም ዘለዎ ኣብሪሆም።

ካልኦት እውን ዝተፈላለየ ትምህርታትን መደረታትን ዘስምዑ ኔይሮም፡ ብሓፈሽኡ ኣዝዩ ሃብታም ዝኮነ ንሃገር ንምድሓን ዘምርሐ ኣስተምህሮታት ድሕሪ ምሃብ ኮንፈረንስ ተዛዚሙ።
ንጀነቭ ንምኻድ ቀዲምካ ተመዝገብ
ኣብ ምድሓን ነፍስኻ እንታይ ትንገባገብ
ዓለም እንዳጸዓሩ ሽግርካ ክገልጹ
ዋና ከንደሓርሕር ኣዝዩ ዘደንጹ
ሓጋዚ ረኺብና መዲድና ንሓብእ
ኣጋልጽ ነብሎም ናይ ሃገርና ኣዛብእ
እንታይ ይዓብስ ፤ ብከብዲ ጉሪምሪም
ኣብ ጀነቭ ምኻድዩ ጸላኢ ክትሃርም
ብመንእሰይ ሃገር ትትክዝ ትጉሂ
ከድካ ብኸየሎም ካብ ምውዓል እንዳሻሂ
ንቓሕ ተበራበር ጸላኢኻ ኣለሊ
ተዓጺፍካ ኣይትውዓል ከም ወኻርያ ኣውሊ
ኣብ ሕጊ ዘለዎ ሃገር ተቐሚጥካ
ሽግርካ ክትገልጽ እንታይ ኣፍርሃካ
ድሕሪ ምዕናው ሃገር እንታይ ክመጸካ
ስዒቡ ዝመጽእ ምሕካኽ ዜግነትካ
ኣዴታት ሃገርና ጸሎሎ ለቢሰን
ሓሪሩ መዓንጣ ከብደን ተሓሚሰን
ደቀን ተዋሒጦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ
ገሊኦም ጠፊኦም ኣብ ሰሃራ ምድሪ
ኣብ ሰሃራ ሲናይ ደሞም ዝተኸዖ
ዘስካሕክሕ ዘሕዝን ብእዝኒ ኽትሰምዖ
በለጽ ተዓጢቖም ቀደም ዝሃደሙ
ዕላማ ዘይብሎም እዮም ብቐደሙ
ጠወርቲ ናይ ህግዲፍ ህዝቦም ዝጠለሙ
ነቲ ጅግና ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ዘዕጠቖም
ካብ ሜዳ ምስ ወጹ ሂቦሞ ሕቖኦም
ካብዚ ዝገደደ ኣብ ህግደፍ ተዓስቡ
ኣንጻር ዕላምኦም ነገር ኣሳበቡ
ሃገር ነጻ ኰይና ብጉያ ንዓዲ
ገንዘቦም ነጊፎም ተዓጽዩ መንገዲ
ቁሊሕ ምሊሕ ኰይኑ ገንዘቦም ከሲሮም
ህዝቦም ከይኽሕሱ ሕማቕ ኒሕ ኰሊሶም
ዓው ኣሎም ከይበኽዩ ሞት ሕጹይ ኰይንዎም
ብውሽጦም ሓሪሮም ጣዕሳ ሓኒቕዎም
ፓልቶክ ተክኖሎጂ ኣገዳሲ ነይሩ
ኵሉ እቲ ዝዝረብ እንተተግቢሩ
ምልፍላፍ በዚሑ ብታኒካ ፓልቶክ
ፈጺሙ ዘይሃርም ጥራይ ድምጺ ቶግቶግ
ሓቂ ይመስለካ ብለይቲ ክፍከር
ተግባር ዘይሕወሶ ነይብሉ ቁምነገር
ሾሞንተ ኣውቶቡስ ይመልኣ ብለይቲ
ንግሆ ምስ ተንሳእካ ዘይትርከብ ሓንቲ
ተግባር ዘየሰኒ ኵሉ ሕልሚ ደርሆ
ብዘይ ምንቅስቓስ ኣይመጽእን መርሆ
ኣብ ዕላማ ኣልቦ ዘይምባል ዕንክሊል
ሽግር ናይ ሃገርና ግዳ ዘይነቃልል
ኣብ ፋይዳ ዘይብሉ እንዳበልና ዘብዘብ
ብዋጋ መሰልና ኣይንሕሰቦ ገንዘብ
ሓቦ ጸዓት ንግበር ኣብ ጀነቭ ንሰለፍ
ንመውቃዕቲ ህግዲፍ ከመይልካ ክሕለፍ
እስከ ሕሰብሉ መዓልቲ ኣኺሉ
ሽግር ናይ ሃገርና ማዕረ እያ ንዅሉ።
ካብዚ ዝተረፈ ይሕተት ብታሪኽ
ንህዝቡ ኣሕሲሩ ንሂግደፍ ዘምልኽ
ዓወት ዘይተርፍዩ ውዒሉ ሓዲሩ
ነዚ ንምዕዋት ትገብሩ ግበሩ
ባሳት ተኻሪና ጥራየን እንተኸዳ
ፖለቲካል ንድየት ንዋታዊ ዕዳ
ንዅሉ ገዲፍና ኣብ ጀነቭ ምርኻብ
ክንሰምዖ ኣሎና ናይ ህዝብና ጸብጻብ
ነዚ ርኹስ ሂግደፍ ነልግበሉ ደናብ
አብ ካልአይ ክፋል ጹሑፈይ ሓቢረዮ ከምዝነበርኩ መሰረታውያን ዕንቅፋታት አብ ጉዕዞ ንሓርነት ቀጺለ ኣሕጽር አቢለ ከቕርብ ክፍትን።
1. ቃልሲ ዝጠልቦ ተመጣጣኒ ፍልጠትን ንቕሓት ዘይምህላዉ
ንምንታይ ቃልሲ ኣድለየ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ከይመለስካ አካል ናይ ቃልስን ተቓላሳይን ክትከውን ፈጺሙ አይከአልን። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ’ዩ እምበአር ሓደ ውልቀ ሰብ ተቓላሳይ ቅድሚ ሙዃኑ እኹል አፍልጦን ንቕሓትን ናይቲ ቃልሲ ክህልዎ ዝግባእ። ንቕሓትን አፍልጦን ናይቲ ተጸንቢርዎ ዘሎ ጉዕዞ ዘይፈልጥ ተቓላሳይ፤ ውዒሉ ሓዲሩ ካብ እቶቱ ንላዕሊ ዘርዕኡ ወይ ጉድአቱ ይበዝሕ። ደቂ ሰባት አብቲ ዝሳተፍዎ ቃልሲ ዕምቆት ኣፍልጥኦም ክፈላለ ንቡር ኮይኑ አብቲ መሰረታዊ ሕመረት ቃልሲ ግና ሚዛናውን መሰረታውን መረዳእታ ክህልዎም አገዳሲ እዩ።
እዚ አብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ተቓሊሱ ዘረጋገጾ ናጽነት ሙሉእ ንምግባሩን ሓርነት ህዝቢ ንምርግጋጽን ዝግበር ቃልሲ እዩ። እዚ ሓርነት እዚ ሕቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝምልስ ስለዝኾነ ካልእ ጓል መንገዲ ዘድልዮ አይኮነን። የግዳስ ሰባት ብዝጥዕሞም መንገድን ውዳቤን ንኽቃለሱ ዘፍቅድን ዝኽልክልን አካል ወይ ባእታ ስጋብ ዘይሃለወ ዝመስሎም ናይ ምግባር ምሉእ መሰል አለዎም። እቲ ዝገብርዎ ውዳቤ ኮነ ቃልሲ ግና ንህዝብን ሃገርን ዝሃስይን ዘዕንውን ክኸውን አይግባእን። ሰባት ናብ ቃልሲ ብዝተፈላለዩ ስሚዒታትን ብዘይቡቑዕ መረዳእታን ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ ተረዲኡና ንቕሓቶምን አፍልጦኦምን ዘበርኽሉ ባይታ ክንፈጥረሎም ቃልሲ የገድደና።
ካብዚ ተበጊስና ኩነታት ንቕሓትን ፍልጠትን ደምበ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን አብ ከመይ ኩነታት አሎ ክንግምግም አገዳሲ ይኸውን። ህዝብና አብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዓሙቕ አፍልጦ የብሉን እንድሕር ተባሂሉ፤ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ንምፍዋሱ ክንሰርሕን ክንጽዕርን እምበር ነቲ ዝተዋህበ ርእይቶ ከም ንህዝቢ ምንእአስ ጌርካ ክውሰድ የብሉን። አብ ፖለቲካ ትንታኔታት ክወሃብ እንከሎ ነቲ ዝተዋህበ ትንታኔ ግምገማ ክትገብረሉ ሓጋዚ ኮይኑ፤ አክንዲ ርእይቶኻ ምፍሳስ ግና ነቲ ዝተዋህበ ትንታኔ ክትቶዃኽቦን ዘይተባህለ ትርጉም ሂብካ ኣብ ሰባት ቅርሕንቲ ምጽሕታርን ክኹነን አለዎ። ቃልሲ ብንቕሓትን እኹል አፍልጦ ዘይብሎም፤ ብስሚዒት ተደሪኾም ዝተጸምበሩ ሰባት ክዕብለል እንከሎ ማእዝኑ ብቐሊሉ የጥፍእ ወይ’ውን መፍቶ ናይቶም ርእሰ ምትአምማን ዘይብሎም ብዘይ ብቕዓትን ክእለትን ስሚዒት ሰባት እንዳመዝመዙ ናብ ቅድሚት ዝወጣወጡ ተበለጽቲ ይኸውን።
ደምበ ደለይቲ ለውጢ ንቕሓትን ፍልጠትን አለዎ ኢልካ አፍካ መሊእካ ክትዛረብ አዝዩ ከቢድ እዩ። እቶም ብሰንኪ መወዳእታ አልቦ ሃገራዊ ጊልያነት ስርዓት ህግደፍ ሃገር ራሕሪሖም ናብ ስደት ዝወጹ እሞ አካል ናይዚ ቃልሲ ኮይኖም ዘለው መንእሰያት አብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኩቱር ጽልኢ እዩ ዘለዎም እምበር፤ ንምንታይ እዮም ዝቃለሱ ዘለው ኩላቶም ብርግጽ ይፈልጥዎ እዮም ክትብል አዝዩ አጸጋሚ እዩ። እዚ ክኸውን ዝኸአለ ድማ እዞም መንእሰያት አብ ውትህድርናን ድፈዓትን ንነዊሕ እዋን ብዘይ ዕድል ትምህርትን ንቕሓትን ጅሆ ተታሒዞም ስለ ዝጸንሑ እዩ። ናይዚ ሓደ አብነት ንምጥቃስ ገለ ማሕበራት ክብገሳ ከለዋ ሚዛናዊ ገምጋም ከይወሰዱ አብ ናይ ቋሕ ሰም ሰዓታት ይዓስልወን፤ ብተመሳሳሊ ገለ ጸገማት ምስ ዘጋጥም እውን ከምኡ አብ ሰዓታት ረጥሪጦመን ክዕዘሩ ይረአዩ። ካልእ አብነት ንምጥቃስ እኹል ንቕሓትን ፍልጠትን እንተዝህሉ ኔሩ እዚ ደምበ’ዚ ገዚፍ ጸላኢ አቐሚጡ አብ ሓድሕዳዊ ግርጭት አይምተጸምደን። ዝኮነ ይኹን ሽግራት ምስ ዝኽሰቱ ብዓንዲ ሕግን ራእይ ማሕበርን ተወኪስካ ሽግራትካ ክትፈትሕ ምስተኻእለ። በንጻሩ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ንአፈታትሓ ግርጭት ምንም ቦታ ዘይህብ ብንቕሓት ዘይኮነስ ብስሚዒታዊ አካይዳ ዝተዓብለለ ደምበ እዩ። ካብ መራሕቲ ውድባት ኮነ ማሕበራት ብዛዕባ ካልእ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ፍልጠት ይትረፍ ብዛዕባ ዓንዲ ሕጊ ማሕበሮም ኮነ ብዛዕባ እቲ ናብ ዓወት ከብጽሖም ዘርቀቕዎ ራእይ ማሕበር ብዕምቆት ዝፈልጡ እቶም አዝዮም ውሑዳት መራሕቲ እዮም።
ካብ ከምዚ ዓይነት መሪሕነት እንታይ ዓይነት አባላት ክህልው ኢልካ ምግማቱ አየጸግምን። መብዛሕትኦም ካብቶም ንልዕሊ ርብዒ ዘመን አንጻር ውልቀ ምልኪ ዝተቓለሱ ገዳይም ሓርበኛታት ነቲ ቃልሲ ዋላ’ኳ ስኖም ነኺሶም ይቕጽልዎ እንተሃለው፤ ነቲ ዝቃለሱሉ ዘለው ፍትሕን ዲሞክራስን መሰረታውያን ሞቖምያታቱ አኾምሲዖም ዝወሓጥዎ እዮም ኢልካ ክትዛረብ ዝከአል አይኮነን። ደንበ ደለይቲ ለውጢ ብንቕሓትን ፍልጠትን ስለዘይዓበየ እዩ ድማ ቁጽሪ ሰባት ዋላ እንተወሰኸ ኣድማዒ ክኸውን ፈጺሙ ዘይከአለ። ደምበ ደለይቲ ለውጢ ከምቲ ቀዳሞት ዝበልዎ “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ውጽኢት ክርከቦ እንተኾይኑ ክነቅሕን ክውቀርን ዘለዎ፤ እንተዘየሎ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ምዃኑ ተሪፉ ደምበ ተጻረፍትን ተቛዮቕትን ኮይኑ ብሕጂ’ውን ንዓመታት ክቕጽል እዩ። ከምቲ አባላት ኤምዲሰመ (EMDHR) ብድሆ አንጻር አተሓሳስባና ኢሎም ጀሚሮሞ ዝነበሩ፤ ሕጂ’ውን ብዘይ ወዓል ሕደር ደምበ ደለይቲ ለውጢ አብ አተሓሳስብኡ ኮነ አካይድኡ ዳግመ ግምት ክገብርን ነዚ ዘሎ ትሑት ደረጃ ንቕሓትን አፍልጦን ፍትሕን ዲሞክራስን ብጹዑቕ ፖለቲካዊ አስተምህሮን ስልጠናን ክስዕሮ አለዎ። ሰባት ከየንቃሕካን ናይ ቃልሲ አፍልጥኦም ከየማዕበልካን እትሃንጾ ቃልሲ ከም አብ ሑጻ ዝተሃንጸ ገዛ ምዃኑ ካብ ተሞክሮና ክንመሃር ይግባእ።
2. ሕጽረት ለባማት ዓበይቲ ዓድን ብቕዓት ዘለዎም መራሕትን
ሰብ ዝቃለስ ነቲ ግጉይ ስርዓተ ምሕደራ ክቕይር፡ ልዕልና ሕጊ ከንግስን ብኡኡ አቢሉ መነባብሮ ሓፋሽ ህዝቢ ንክቕይርን ከመሓይሽን እዩ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ አብ ሸትኡ ንምብጻሕ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ነብስኻ አንጺህካ ውልቃዊ ዝና ኮነ ሕልምታት ንጎድኒ ገዲፍካ ውፉይ ቅድሚ ነብሱ ንሕብረተሰቡ ዝሰርዕ ናይ ለውጢ ሃዋርያት ክትከውን ይግባእ። አንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንዓሰርተታት ዓመታት ቃልሲ ዘካየዱ ኤርትራውያን ዋላ’ኳ በቲ ስርዓት ኩሉ መዳያዊ ናይ ምንጻልን ምግላልን ውዲታትን ሽርሕታትን ከምዝተኻየደሎም ኩልና ንፈልጦ እንተኾነ፤ ነዚ ኩሉ ተንኮላት ህግደፍ ብብልሕን ብቕዓትን በዲሆም አብ ከባቢኦም ከም መራሕቲ ኤርትራዊ ናይ ዲሞክራስያዊ ራእይ ወይ ከም ዓበይቲ ዓዲ ክኾኑ ዝበቕዑ አለውና ክትብል አዝዩ አጸጋሚ እዩ።
ንምንታይ ዝብል ሕቶ ምስ ዝቐርብ፤ መብዛሕትኦም እዞም ተቓለስቲ ጊዜኦም ንሕብረተሰቦም ኣብ ምንቃሕን ምልዋጥን ወይ’ውን አገልገልቲ ኤርትራዊ ፍቕርን ሓድነትን ኮይኖም ዘይኮነስ፤ አብ ነንሓድሕዶም ክወዳደሩን ክተሃላለኹን እዮም ጊዜኦም አዕሪቦሞ። ንአብነት ምጥቃስ አብ ፈለማ አብ ምሕዝነት ቀጺሉ አብ ኪዳን (ኤዲኪ) ዲሒሩ አብ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበረ ፖለቲካዊ ፍሕፋሔ አዝዩ አህላኽን ዓቕሚ ተቓለስቲ ዘዳኸመ ክንሱ፤ በቲ ኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ምንም ተፈላጥነት ዘይብሉ ምንባሩ ክጥቀስ ይከአል። እዚ አብ ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻባት ዝጠፍእ ፍልጠትን ጉልበትን ብቐጥታ አብ ሕብረተሰብና ተዋፊሩ እንተዝነብር ሓያል ጽልዋ ክፈጥር ተኽእሎ ምስ ሃለዎ። ብመንጽሩ አብ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ባይታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተዋስኤ ተቓላሳይ ህይወቱ ኮነ ተሞክርኡ አብ ምትህልላኽን ምውድዳርን እምበር፤ አብ ከባቢኡ ይትረፍ አብቲ ዝዋስአሉ ደምበ’ውን ከም ዓብይ ዓዲ ወይ አብነታዊ ዜጋ ክኸውን ዘለዎ ዕድል አዝዩ ጸቢብ እዩ። ሳዕቤን ናይዚ ከይኮነ አይተርፍን ነዞም ገዳይም ተቓለስቲ እግሪ እግሮም ሲዒቡ ዝቃለስ ዘሎ ወለዶ’ውን ነቲ ቅርሕንቲ፡ አጉል ረብሓ ዘይርከቦ ናይ በለጽኩኻባ በለጽካኒባ ውድድር ወሪሱ አብ ዕንክሊል ሓሸውየ አትዩ ዝርከብ። አብ መንጎ እቲ አብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተመስረት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን(EYSC) ድሒሩ ዝተመስረተ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገርን (EYSNS) ዝተፈጥረ “ራዛ ናይ አብኡ ሓዛ” ዝዓይነቱ ዘይምቅዳው ካብቶም ቀዳሞት ዝፍለይ አይኮነን።
ሓያል መራሒ ውጽኢት ናይ ሓያል ሕብረተሰብ ክኸውን እንከሎ በንጻሩ ድኹም መራሒ’ውን ውጺኢት ናይ ድኹም ህብረተሰብ እዩ ዝብል ሙጉት ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፤ እዚ ዝከይድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ሉሉያት መራሕቲ ክፈጥር ፈጺሙ አይከአለን። ብሓጺሩ መራሒ ማለት ካብ ሕማቓት እቲ ዝሓሸ ሰብ ወይ’ውን ካብ ንፉዓት ድማ እቲ ዝበርትዔ ሰብ ማለት እዩ። ካብዚ ተበጊስካ ይሕመቕ ይጸብቕ መራሒ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። የግዳስ ከምቲ ኩልና ንዕዘቦ ዘለና መራሕቲ ውድባትን ማህበራትን እምበር መራሕቲ ቃልሲ ክንፈጥር አይበቓዕናን። ብግስ ንዝበለ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ንዘለዎ ሰብ ኩርሲ ኢሰያስ ወሰዳ ኢልና ንጭነቕ። አብዚ ቃልሲ እቲ ቀንዲ ጸገም ውዒልና ሓዲርና እኮ መራሒ ብመራሒ ተተኪኡ ብሰብ ክንመሓደር ምዃንና ዝረሳዕናዮ እንታይ ደአ አብ ጃፓን ዝተሰርሓ ሮቦት ንኽመርሓና ንጽበይ ዘለና ኢና ንመስል። መን ደአ ይብሉዎ እዚ? አስላማይ ከመይ ጌሩ ይመርሓና? ኣበይ እዩኸ ዓዱ? ካባና ዲዩ ዋላስ አይፋሉ? እንዳበልካ ከመይ ተዳኽሞ እምበር ከመይ ካብ ዝነበሮ ናብ ዝሓሸ መራሒ ትቕይሮ ዝብል ባህሊ ፈጺሙ አይጸንሓናን። እዚ ድማ ሳዕቤን ናይቲ መርዛም ጠንቂ ክቱር ህርፋን በትረስልጣን ክትጭብጥ ምድላይ እዩ።
ንክትመርሕ ምምናይ ወይ ምድላይ ምንም ነውሪ የብሉን፤ ሃገር ንኩሉ ወዲ ሃገር ሃይማኖቱ፡ ብሄሩ ኮነ አውራጅኡ ብዘየገድስ ብማዕረ ስለእትብጽሖ። እቲ ጸገም ግና ንክትመርሕ ዘኽእለካ ብቕዓትከ አለካ ዲዩ? ዋላስ ከምዛ ንርእያ ዘለና ብዘይ ብቕዓት ብዘይ አኻእሎ፤ አብ ቃልሲ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዞባዊ ሰራዊት ክሳድ ሓዝ ብታሕቲ ታሕቲ ወዲብካ መጺኻ ብሰበብ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ማሕበራትን ውድባትን ምጭዋይ እዩ። ዕድመ ንህግደፍ ህዝብና ሎሚ ነቒሑ’ዩ ከምኡ ዝዓይነቱ ናይ ምርጫ ድራማ ከእንግድ ሸውሃት የብሉን። ካብኡ ብዘይፍለ እቶም ብቕዓቶም ከየመስከሩ ብሑጓ ቃልሲ ሓፋሽ ንክመርሑ ሓያል ጎስጓስ ዝተገብረሎም ሰባት እውን ከምቲ ዝድለ አይሰጎሙን። ቀደሙ አባ ጓይላ ወይ አቦ ዳስ እምበር መራሒ ህዝባዊ ቃልሲ ብኸምኡ ክትፈጥር ዘይከአል። እኩብ ድምር ናይዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ሕጽረት መሪሕነትን ተመራሕነትን ድማ ቃልስና አይንላዕሊ አይንታሕቲ ሰንፈላል ኮይኑ ንረኽቦ።
እምበአርከስ ብሰንኪ ክስምዑ ንጌጋ ብትብዓት ክእርሙ ንዝተጋገየ ክገንሑን፤ ካብ ተሞክርኦም ተበጊሶም ማዕዳን ምኽርን ክልግሱን ግርጭታት ክፈትሑን ዝኽእሉ ዓበይቲ ዓዲ ዘይምህላዎም እዚ ቃልሲ ንቕድሚት ፊሒት ክብል አይከአለን። እቲ አዝዩ ዘሕዝን እዞም ገዳይም ሓርበኛታት፤ እዚ ሓድሽ ወለዶ በቲ ንሶም ዝሓለፍዎ ክሓልፍ እንዳረአዩ አክንዲ ፍታሕ ከናድዩ ዝጽዕቱ፤ ንህዝባዊ ቃልሲ ብዓይኒ ውድቦምን አብ ሰማይ ዘሎ መጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣንን ስለ ዝጥምትዎ መዳመቕትን አቦ ጓይላ ፍልልያትን ክኾኑ ክትርእዮም አዝዩ የሕዝን። ብዛዕባ ሕጽረት መራሕትን ዘይምህላው ዓበይቲ ዓድን ብዙሕ ክበሃል ይከአል’ኳ እንተኾነ ንምሕጻሩ ዝአክል ናብቲ ካልእ ዕንቅፋት ጉዕዞ ቃልሲ ክኸይድ። (ይቕጽል)
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ - ካሊፎርንያ
Upsala New Newspaper 4th Jun 2015

ደገፍ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኤርትራ ይቐየር፡ ንደለይቲ ፍትሒ መታን ከርብሕ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንኤውርጳ ንምብጻሕ ዝፈተኑ ማእለያ ቁጽሪ ዘይብሎም መርከብ ዝተጸዓኑ ንደላሎን ንዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ዘይተመጣጠነን ዘይምዕሩይን ክቡር ዋጋ ከፊሎም ብዘይንቡር ዝተጓዕዙ ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ስኢኖም።
ዝዓበየ ቁጽሪ'ዞም ስደተኛታት ክንበር ካብ ዘይከኣል ከቢድ መነባብሮ ሂወትን ኣብ ኤርትራ ንስደት ዘምርሑ'ዮም። ኣብኡ ብምሕሱም ምልከት ዘመሓድር መንግስቲ፡ ብዲክታቶሪያዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዝተቃለሰ ዝምራሕ'ዩ።
ነጻነት፡ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን፡ ደሞክራስን ኣይመጽኤን እንታይ ደኣ፡ ብኣንጻሩ'ዩ
መንእሰይ ኤርትራ፡ ገደብ ዘይብሉ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ዝተገደዱ፡ ንመዓልቲ ትሕቲ $ 2 (ትሕቲ ክልተ ዶላር)፡ ንመናበሪኦም ይኽፈሎም። ድሕሪ ነጻነት ዝተነድፈን፡ዝጸደቐን ቅዋም ኣይተተግበረን። ወታሃደራውያን መራሕቲ፡ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ተኣሲሮም። ሓሳብካ ምግላጽን፡ ነጻ ጋዜጣን ዘይብላ ሃገር ከኣ'ያ።
ሽወደን-ኤርትራዊ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ክስን ፍርድን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ። ምልካዊ ስርዓት ንተጻረርቱን ነቐፍቱን ኣሲርሉ ዘሎ ቦታ ዘስካሕክሕን፡ ዘይሰብኣዊ ብጨካን ኣተሓሕዛ፡ እሱራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከብሉ ብቀረባ ዓይኒ መሰኻኽር ዝገልጹ፡ መን ኣበይ ተኣሲሩ፡ ህሉዉን ምዉቱን ዓለም ዘይትፈልጠሉ'ዩ።
ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሽማግለ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ብኩነታት ኤርትራ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ብዕለት 16 መጋቢት 2015 ጸብጻባ ኣቕሪባ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንሰብኣዊ መሰል ክትምርምር ዝመዘዛ ሽማግለ ኤርትራ ንኸይትኣቱ ስለ ዝተኸልከለት፡ ንኣስታት 500 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሰኻክር ኣዘራሪባ።
እቶም መርማሪት ሽማግለ ዘዛረበቶም ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ንመጻኢ ተስፋ ከም ዘይብሎም ዝገለጹ'ዮም። መጻኢ ዕድሎም፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ፡ ሞያ፡ መርዓን መውስቦን፡ እምነቶም ኣብ ኣገደስቲ ውሳኔታቶም ምርጫ ከም ዘይብሎም፡ መረዳእታ ዘይርከበሉ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ግፍዒ፡ ሰብኣዊ መሰሎም ዝተነፍጎምን ናይ'ዚ ግዳይ ተምክሮታት ዘለዎም ብዙሓት'ዮም።
ዕላውን ዘይዕላውን፡ ኣብ ልዕልን ትሕቲ መሬት ማእሰርቲ ኣሎ። ኣብ'ዚ ማእሰርትታት ከኣ ብርቱዕ መቅጻዕትን ስቓይን ኣለዎ። ይኹን'ምበር ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ተግባራት ገበናት ዝፈጸመ ተሓታቲ ንፍርዲ ዝቐረበ የለን።
እቶም ዝተሰደዱ ሰባት ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ይነብሩ ኣለዉ። ገገለ ካብኣቶም ኣብ ሽወደን ይነብሩ። ክፋል'ዞም ስደተኛታት ብምኽንያት ዶባዊ ግርጭት ኤርትራ-ኢትዮጵያ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዝወጹ እዮም። ሎሚ ከኣ ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ይወጹ ኣለዉ። ኣብ 2000 ዓ.ም ኩነታት ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ደረጃ ወዲቑ፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ይርከብ። ኣብ'ዚ ፋሕ'ሉ ዘሎ ህዝቢ፡ ንመሪርን ሓደገኛ ጉዳይ ኤርትራ መታን ክውዳእ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብሉ ዝተፈላልዩ ምትእኽኻባትን ውዳበታትን ኣሎ።
ካብ'ዚ ውዳበታት ሓደ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መጽሔት ሓርነት ወርሒ ግንቦት ዝወጸ ሕታም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝመደቦ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዘጽኦ ቕሬታ፡ ደገፍ ኢውሮጳዊ ሕብረት ንመሐየሊ መላኺ ስርዓት፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዲሞክራስን ዓቓፊ'ዩ በሃልቲ እዮም።
ካልኦት ሓይልታት ምስ ርእይቶን ሓሳብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ይሰማምዑ
ንመጀመሪያ ግዜ ኣይኮነን ሎሚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ ዝሰልዕ ዘሎ። ድሕሪ ዶባዊ ግርጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998 ኤውሮጳዊ ሕብረት ምኽንያት ረኺቦም ሓባርዊ ስራሕ መደብ ዕብየት ምስ ኤርትራ ክደፍእሉ ጀሚሮም።
ብተመሳሳሊ 2009 ንዝተሰልዐ ሓገዝ ቅድሚ ኣብ ውሳኔ ምብጽሑ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዛ ሰባት ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘሎ ጽሒፉ፡ እዚ ኩነታት እንተደኣ ተማሓይሹ ጥራሕ'ዩ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ክረጋገጽ ዝኽእል ዝብል እምነት ነይሩ።
ብዕለት 15 ሚያዝያ 2015 ላዕለዎ ሰበ ስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረት ወኪል ጉዳያት ወጻኢ፡ፖለቲካዊ ጸጥታን ሓላፊት ዝዀነት ወ/ሮ ፈደሪካ ሞርጋኒ ሓገዝ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ስርዓት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንክመሓየሽ ዝግበር ጸቕጢ'ዩ ክትብል ኣብ'ቲ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰደደቶ መልእክቲ ጠቒሳ። ግን ዝዀነ ምምሕያሽ ዛጊት ኣይተራእየን።
ኣብ 2015 ዓ.ም ንርከብ። ካብ ምልኪ ብምህዳም ነበርቲ ህዝቢ ኤርትራ ቁጽሮም ካብ ግዜ ንግዜ እንዳወሓደ መጺኡ ኣሎ። ንሕና ልክዕ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ሓገዝ ጠጠው ከብል ኣለዎ ንብል። ምኽንያቱ ከኣ ንሰብኣዊ ክብሪ መሰል ዝሕለወሉ ምምሕያሽ ዝመርሕ ወይ ዘምጽእ ብዘይምዃኑ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባላት መንግስታት፡ ረዲኤታዊ ማሕበራት ንደሞክራስን ሰብኣዊ ክብርን መሰላትን ንዝሰርሑ ብዝበለጸ ክሕገዙ ከም ዘለዎም እኹል ፍልጠት ኣለዎም። ንሕና ከም ሰ.ዲ.ህ.ኤ እዚ ኣፍልጦ'ዚ ግድን ክስርሓሉ ዘለዎን ንኤርትራ ከኣ ዘዋጽእ እዩ።
ብዝሒ ትምህርታዊ ወፍሪ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ፡ ሞያዊ ስልጠና ወይ'ውን መሰረታዊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ፡ ነቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ምብራቓዊ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ምሕጋዝ ካብ'ቲ ብዙሕ ሓደ ኣገባብ'ዩ። ከም መረዳእታ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ብድሩት ምንጪ ንመሰረታዊ ፍልጠትን ትምህርትን ክቐስሙ ዝቃለሱ ንዘለዉ ህጻናት፡ ኣብ ከም'ዚ ዝብለ ኩነታት ንዝርከቡ ወይ ንዝነብሩ ሰባት ምሕጋዝ፡ ድሕሪ ምውዳቕ መላኺ ስርዓት ተሳትፎ ኣብ ህንጻት መጻኢ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እግሪ ንምትካል ክሕይል ግድነት ክዳለዉን ክድልድሉን ይግባእ።
ብምኽንያት መጠን ዘይብሉ ሰብኣዊ በደላት ኣብ ኤርትራ፡ ንብዙሕ ዓመታት ሓገዛት ጠጠው ዘበላ ሃገራት ሓያሎ'የን። ነዚ ዓይነት መደብ ከኣ ሰፊሕ ደገፍ ዝግብኦ'ዩ።
ትጽቢታትና፡ ሽወደን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኤርትራ ንዝወሃብ ሓገዝ፡ ክትጸልዎን ክትሰርሓሉን ከም'ቲ ልዕሊ ኢሉ ዝተጠቕሰ ኣገባብ፡ ምምሕያሻት ዝተኸተለ መስመር መልሲ ዝርከበሉን፡ ብቀሊሉ ብተግባር መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘዘውትሮ ቀጻሊ ግፍዒ ጭቆና ዘፋዅስ ክኸውን ይኽእል።
ዮሬል ሴቭቦሪ ሉንድግሬን... ኣባል እምነት ምድግጋፍ
ረዘነ ተስፋጽዮ ኣባል ባይቶ ሽወደን ነበር
ካር ሊንድበሪ ኣባል ምምሕዳር ወረዳ ኡፕሳላ
ቦ ንይሉንድ ዶ/ር ኤች ኣር ቲኦሎ
ሲግበርት ኣክሰልሶን ፕሮፌሶር ኢ ኤም
እቲ ብዶብ ኣልቦ ዝፍለጥ ተሓላቒ ንናጽነት ስነ-ጽሑፍ፡ (ፕረስ) ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ኣብ ኣውጺኡዎ ዘሎ ልሙድ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኩለን 180 ሃገራት ዓለም ናብ መሰረትን ጋዜጠኛታተን ዝህብኦ ነጻነትን፡ ሕጋውነትን፡ ባይታን መሳለጥያታቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እተን ሃገራት ዘለወን ሓውሲ ፍኑው መትከላትን ኣመልኪቱ፡ ንደርጃ ብሉጽነተን ዘቃልሕ ብተርታ ዘርዚሩ ኣውጺኡ’ዎ ኣሎ።
ከምቲ ልሙድ ኣብ’ዚ ዓመታዊ ጸብጻብ እውን፡ ሃገራት ስካንዳናቭያ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይን ደንማርክን እተን ሰለስተ ዝበለጻ ሃገራት ክኾና ከሎዋ፡ ብኣንጻሩ እተን ሰለስተ ግን ቱርከሚኒስታንን፡ ሰምየንኮርያን፡ ሃገርና ኤርትራን ተባሂለንኣሎዋ።
ምስ’ቲ ኣብ 2014 ቀሪቡ ዝነበረ ጸብጻብ ብምውድዳር፡ ኩነታተን ኣመሓይሸን ዝተባህላ ሃገራት፡ ሞንጎልያ፡ ቶንጋ፡ ማዳጋስካር፡ ጆርጂያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ነፓል፡ ቱኒሲያ፡ ብራዚል፡ ከምኡ’ውን መክሲኮእየን። ካብተን ኣብ 2014 ኩነታተን ኣብ ዝተሓተ ደርጃ ተሰሪዐን ዝነበራ 20 ሃገራት፡ እተን 15 ካብአን ኩነታተን ካብ ዝኸፍኣ ኣንቆልቁሉሎ ክብል’ውን እቲጸብጻብ ገሊጹ።
ብምቕጻል’ውን፡ ጸቕጢ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ምልካውያን ስርዓታት ርዱእን ውሁብን እንተኾነ፡ ገለ ካብ እተን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራስያውያን ስርዓታት ዝመሓዳደራ ዘለዋ ሃገራት እውን፡ ንስለ ድሕነት ሃገር ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ንናጽነት ይረግጻ ምህላወን ኣይሓብአን።
5 ሰነ 2015
በይ ኤርያ ኤርትራዊያን ንመዓልቲ ናጽነት ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ኣኽቢሮም
Thursday, 04 June 2015 21:43 Written by በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (Bay Area Eritreans for Democratic Change)
ኤርትራዊያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ንመበል 24 መዓልቲ ናጽነት ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ብዕለት ግንቦት 23 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ኣኽቢሮማ ዊዒሎም። እቲ በዓል
ብኣቦ-መንበር በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (Bay Area Eritreans for Democratic Change)፡ ኣቶ ኤፍረም ናይዝጊተኸፊቱ። ብኣቶ ተኪአ ድራር ኸኣ ብናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ተጀሚሩ። ኣቶ ተኪአ ኸኣ ነቶም ኹሎም ተኻፈልቲ "ዝኽሪ ስዉኣት" እንታይ ማለት ምኽዋኑ ከነስተብህልን አጸቢቕና ክንሓስበሉን ይግባኣና ብምባል አዘኻኺሩ።
አቦ-መንበር ኣቶ ኤፍረም ነዚ ጀጋኑ ኤረትራዊያን ህይወቶም ከፊሎም ዘምጽእዎ ነጻነት ኩሉ ኤረትራዊ ሕቡን ከም ዚኾነን ብክብሪ ከም ዝዝክሮን ዲሕሪ ምጥቃስ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ነጻነት ፍሉይ ዚገብሮ ግን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኤረትራዊያን መንእሰያት ኣብ ዝተቐዘፍሉ እዋን ይብዕል ብምህላዉ ኢዩ። በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተኻፈልቲ ሓዘንን ሽግርን ህዝብና ስለዚኾና ድማ ናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ናጽነት ከምቲ ናይ ህግደፍ ብጋይላን ዳንኬራን ዘይኾነስ፡ ነዞም ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ዝተቖጽዩ ኣሕዋትን ኣሓትን እንዝክረሉን ነንሕድሕድና ንጸናንዓሉን ሽግርና ንምፍታሕ ድማ ኢሂን ምሂን ንበሃለሉን እዋንኢዩ ብምባል መደርኡ ዛዚሙ።
ድሕሪ እዚ ብቀደም ተኸተል እዞም ዝስዕቡ መደባት ቀሪቦም።
- "ሳውንድ ኦፍ ቶርቸር " (Sound Of Torture) ዘርእስታ ዶኪመንታሪ ፊልሚ (documentary film):
- ሰሚናር በቲ ህቡብ ደራስን ተቓላሳይን ኣቶ ሳልሕ ጆሃር (ጋዲ)፡
- ኣብ መወዳእታ ዲማ ህዝቢ ኣብ መንጎ ደሞክራሲያውያን ሓይልታት ዘለዉ ሽግራትን መፍትሒኦምን ዘቲዩን ተኻቲዑን::

- እዛ ብሜሮን እስቲፋኖስ ዝተዳለወት ዶኪመንታሪ ፊልሚ “Sound Of Torture” ኩሉ ልዕሊ ኤረትራውያን ዚወርድ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ ግፍዕን ዓመጽን ኣጉሊሓ ተርኢ ብልጽቲ ስነ-ጥበባዊት ስርሓት ኢያ። ትሕዝቶ ናይዛ ፊልሚ ልቢ ኩሉ ተሳታፋይ ዝተንከፈን ዘንበዐን ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካላእ ድማ ምእንቲ ህዝበን ሂወተን ኣብ ሓደጋ ብምእታው ታሪኽን ጅግንነትን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ክምዘለዋና ዘጉለሐት ኢያ ኔራ። እዛ ፊልሚ ትነግረና ሓቂ እንተ ሃሊዩ ኤረትራውያን ክሳብ ክንደይ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ሕስረት ወሪድና ከም ዘለና ተርእየካ። http://www.soundoftorturefilm.com/
- ብምቕጻል ዋና ዓዋተ ዶት ኮም (Awate.com) ኣቶ ሳልሕ ጆሃር ነታ "ሚርያም ኣብዚ ኔራ" “Miriam Was Here” ትብል መጽሓፉ ከዳልዋ ከሎ ዝገበሮ
መጽናዕቲ መወከሲ ብምግባር ኣዝዩ መሳጥን መሃርን ሰሚናር ብዛዕባ ኩነታት ኤረትራዊያን ስደተኛታትን ዘጋጥሞም ሽግራትን፡ ብመሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ (human traffickers) ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ መፈጠርካ ዘጽልእ ግፍዕን ዓመጽን ኣብነታት ብምስናይ ኣብሪሁ። ነዛ መጽሓፍውን ናብ ትግርኛ ተርጙሙ ከም ዝቐረባ ሓቢሩ፡ ካብዛ ክትሕተም ቀሪባ ዘላ መጽሓፍውን ሓደ መዕራፍ ኣምቢቡ። ብሕልፊ ግና ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዝቐረቡ ኣብ ክንዲ ብጋይላን ብዳንኬራን ናይ ለብዘበን መዓልቲ ናጽነት በዚ ኣገባብ ንኸሕልፍዎ ስለወሰኑ ብዙሕ አመስጊኑ።
ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ መካትዒ ዛዕባ: ብዶ/ር መብራህቱ ኣራኣያ ምክትል-ብኣቦ-መንበር በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተኸፊቱ፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤረትራ ንምጽናትን፡ ኤርትራ ከም ሃገር ከይ ትህሉ ንኽድምስሳን ከይ ደቀሰ ይሓድር ኣሎ። ብኣንጻሩ እዞም ንህዝቢ ኤረትራ ካብ መንጋጋ ህግደፍ ንኽድሕን ንቃለስ ዘለና ደለይቲ ፍትሒ ህጹጽነት ናይዚ ኩነታት ተረዲኡና ኪንዲ ኩሉ ዓቕምናን ሓይልናን ኣንጻር እቲ ቀታሊን ሓራድን ስርዓት ክንዲ ነተኩር ኣብ ነንሕድሕድና ኪንወናጀል ግዜ ይዓርበና ኣሎ። ህግደፍ ድማ ነዚ ዕድል ተጠቒሙ ብዝሰፈሐን ዝተራቐቐን ኣገባብ ህዝብን ሃገርን ምጽናት ይቕጽል ኣሎ። ስለዚ ተሳተፍቲ: ናይ ለውጢ ሓይልታት ተረዳዲኡን ተደጋጊፉን ንከይሰርሕ ዝዕንቅፍዎ ዘለዉ ሽግራት እንታይ ኢዮም፡ መፍቲሒኦም ከ እንታይ ኢዩ ኣብ ዝብል ዘትዩ። ከመኡ ውን ነቲ በዓል ዘንጸባርቑ ግጥምታት ብወ/ሮ ፍረወይኒን ብኣቶ ጆርጆን ድሕሪ ምቕራብ፡ ተሳታፋይ እቲ በዓል ነዚ ናጽነትና ጨውዩ ኣብ ባርነት የእቲዩና ዘሎ ስርዓት ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ፍልልያትና ብምውጋድ ብሐደ ኢድ ኾይና ኣንጻር እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ደው እንብለሉን ቃልስና እነሐይለሉን እዋን ምኻኑ ብምስማር በዓሉ ብዓወት ዛዚሙ።
ሰነ 6, 2015 ሰእሊ ብኣቶ ብጹኣምላክ ሓድሽ
ኤርትራ ከም ሃገር ንዘንተ እለት ክትህሉው'ያ ጠፊአ አይክትጠፈን እያ። እንታይ ደአ እቲ አብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወርድ ጥፍአት ብቐሊሉ ዘይሓዊ በሰላ ክገድፍ ተኽእሎ አሎ። ሓንቲ ሃገር ዓማጺ ወይ መላኺ መራሒ ስለ ዝሓዘት ጠፊአ ትተርፍ ማለት አይኮነን። ሓንቲ ሃገር ናብ ክትሓውየሉ ዘይትኽእል ጥፍአት እትወድቕ እኩብ ድምር ናይ ዜጋታታ አበርክቶ ረቢሑ ጥፍአት ምስ ዝኸውን እዩ። ካብዚ ተበጊስና እምበአር ጭፍራ ህግደፍን መራሒኦምን ንጥፍአት ኤርትራ ካብ መረጹ፤ እቲ አስቂጡ ዘሎ ኣብዝሓ ህዝብና ኮነ እቲ ንለውጢ እቃለስ አለኹ ዝብል ክፋል ሕብረተሰብና አካል ድሕነት ዶስ ዋላስ መወሰኽታ ጥፍአት ኢልካ ክትመምይ ግድነት ይኸውን።
ኩሉ ዜጋ ሓንቲ ሃገር ነቲ ቃልሲ ብማዕረ ክሳተፎ እዩ ኢልካ ምጽባይ የዋህነት እዩ። ቃልሲ መሪር አሰልቻውን ነዊሕን ክኸውን ስለ ዝኽእል ተሳታፍነት ህዝቢ እውን ብመንጽሩ እዩ። ነዚ አሚንካ ነቲ ቃልሲ ምስ እትአትዎ ፈጺምካ ተስፋ አይትቖርጽን፤ እንተዘይኮይኑ ቃልሲ ከም አባልዓ እንጀራ መሲሉካ ወይ'ውን ዓወት አብታ ኩርናዕ ኢያ እትህሉ ብዝዓይነቱ ዘሊልካ ጦምቦላሕ ኢልካ እንተ አቲኻዮ ብዝኾነን ዘይኮነን ቀልጢፍካ ተስፋ ክትቖርጽ ትኽእል። አብዚ ሎሚ ቕነ ህግደፍ አብ ሙሉእ ዓለም ጓይላን ዳንኬራን አዳልዩ ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ ፈንጠርጠር ምስ በለ ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ተስፋ ሙቕራጽ ስሚዒት ክራአዮምን ቃላት ከምሉቕን ትሰምዖም። እዚ ስሚዒት እዚ ባህርያዊ ምስ ብቕዓትን ተሞክሮን ደቂ ሰባት ዝፋላለ ተርእዮ ስለዝኾነ ከም ንቡር መስርህ ቃልሲ ክንወስዶን ነቶም ከምኡ ሲሚዒታት ዝሓደሮም ብጾትና ከነረጋግኦምን ከነበራትዖምን ይግበአና።
እዞም አብ ዳስ ህግደፍ ከም ናይ መስቀል ዑፍ ሎሚ ዘመን ዝተቐላቐሉ መንደልሓቕቲ፡ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ቃልሲ ውጹዓት ፉሕ ፉሕ ኢሉ ተዋዓዊዒሉ አብ ዝነበረሉ እዋን ሕብኡኒ ሕብኡኒ ኢሎም ናብ ውሻጠ አትዮም ዝነበሩ፤ ስርዓት ኢሰያስ ዘኽተመ መሲሉዎም አነኮ ቀምሽ አደይ'ዩ ዓንቂፉኒ እምበር ደላይ ለውጢ እየ ክብሉ ዝተሰምዑ፤ ሕጂ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ አብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ሓድሕዳዊ ክርፍስ ክዳኸም ይርእይዎ ስለ ዘለው ናብ እንዳ ህግደፍ ትፋኦም ከልምጹ ዝተመልሱ ብወዶ ገባ ዝምሰሉ ብድምቀት ድምጺ ከበሮ መርገጺኦም ዝለዋወጥ ሽዩጣት ሕልና እዮም። እቲ ዘገርም ዝተአከቡ እንተተአከቡ ዝበዝሑ እንተበዝሑ ድላዮም ዓይነት ዳንኬራን ፈንጠዝያን እንተገበሩ ክውንነት ኤርትራ ክቕይሩን አብ ቅድሚ ሓቂ ደው ክብሉን ከትክሉን አይኽእሉን እዮም። ስለዝኾነ እዩ ድማ ንዓና ደለይቲ ለውጢ ሓቀኛ ቃልሲ ዘድልየና፤ መታን ጉዳይና ወጮ እንተገልበጥካዮስ ወጮ ኮይኑ ከይተርፍ።
ብዛዕባ ህግደፍ ጺሒፍካን ተዛሪብካን ዝውዳእ አይኮነን ከምቲ ''ዘይሰምዓካ ደብሪ አይትማህለል ዝበልዎ'' ብዙሕ ትርጉም አለዎ እውን አይብልን። ህግደፍ ዝመስሎን የቐንየኒ እዩ ዝበሎን ክገብር እንከሎ ንሕና ደለይቲ ለውጢኸ እንታይ ንገብር አሎና ? ንቕድሚት ዶ ንግስግስ አለና ዋላስ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ? ዓሚ አብ ከመይ ደረጃ ኔርና ሕጂኸ አብ ከመይ አለና ? ነዛ ናይ ርድኡኒ አውያት እተቃልሕ ዘላ ሃገር ንፍውሳ ዶ አለና ዋላስ አብ ርእሲ ቃንዛ ተደራቢ ቃንዛ ንውስኸላ ? ጠንቂ እዚ ኹሉ ጸገማት ከ እንታይ እዩ ? ጸገማት ካብ ሃለወኸ ንምንታይ ተሓታትነት ዘይህሉ ? ዓገብ ክብል ዝኽእል ትብዓት አብ ደምበ ደለይቲ ለውጢኸ አሎዶ፡ ዋላስ እዚ ደምበና’ውን ብ ንኺድ ጥራይ እዩ ዝዝወር ? ዝብሉ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ክወሃቦም ይግባእ። አብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ነቐፌታ ኮነ ነብሰ ነቐፌታ ንዘቕረበ አክንዲ ጉቡእ ግብረ መልሲ ዝውሃቦ ከም ተቓዋማይ ናይ ተቓወምቲ ዝብል ስያመ እንዳሃብካ ስም ተቓለስቲ ምብላል ስጋብ መዓስ እዩ ከኺደና።
ካብዚ ተበጊሰ እምበአርከስ ሓደ ሓደ ትዕዝብቲታተይ ከቕርብ ክፍትን። አብዛ ዝሓለፈት ሰሙን ደለይቲ ለውጢ አብ ሙሉእ ዓለም ንበዓል ናጽነት ብዳንኬራን ጓይላን አይንጽንብሎን ኢና፤ እንታይ ደአ ብዘተን ልዝብን ኢና ክነሕልፎ ኢሎም አብ ሓደ ሓደ ከተማታት ናይ ሰሚናር ዘተ ከምኡ’ውን ነቶም ግዳያት ናይ ሓዘን ዝኽርን ናይ ሽምዓ መደባትን ከምዘዳለው ተዓዚብና። እታ ቀዳማይቲ ናብ አእምሮኻ እትመጽእ ሕቶ ብሓቂ ነቶም ገጾም ከማን እንታይ ይመስሉ ዘይረአናዮም አብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝተቐዝፉ፤ እሞ ኸአ ሰሊጥዎም እንተዝሰግሩ ደገፍቲ ህግደፍ ኮይኖም አብ ዳስ ህግደፍ ድዮም ከዳኽሩ ወይስ ምሳና ደምበ ደለይቲ ለውጢ ክውግኑ ዘይንፈልጦም ጥሒሎም ኢሉ ዝሓዝን ቦቕባቕ ርህሩህ ከብዲ ብሓቂ አለና ዲዩ ? እንድዒ እዩ እቲ መልሲ። ከመይሲ ንሓደ ደላይ ፍትሒ ጊዜኡ፡ ጉልበቱን ገንዘቡን አወፍዩ ካብ ገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ክረኽቦ ንዝኽእል አገልግሎት ተሓሲሙ አብ ጎድንና ደው ኢሉ ግንባሩ ሂቡ ዝቃለስ ሰብ፤ ካብቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሜላ ብዘይፍለ ብጸለመን ጠቐነን ክንቅንጽል ወጊሑ እንዳዓረበና፤ ብሞት ዘይንፈልጦም ዜጋታት ዝሓዝን ከስዒ ኣለና ኢልና መደባት ከንዳሉስ ትርጉም ይህልዎዶ ? እወ ኩልና ተቓለስቲ ኢና እንብል ንነብስና ክንወከሳ ይግባእ።
ናይ ዘተ መደባት አዳሊና ካብ 40,000 ስጋብ 50,000 ኤርትራዊ አብ ዝነብረሉ ከባቢ፤ ካብ 25 ስጋብ 35 ዘይበዝሑ ሰባት እንተዘይኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ ተጋባእቲ ክንእክብ ከምዘይንኽእል ነስተብህል ዶ አለና። ሰላማዊ ሰልፊ ወዲብና ካብ 300 ስጋብ 400 ሰባት ብቐሊሉ ነሳትፍ ዝነበርና እንታይ ደአ ተረኽበ ሕጂ፤ “አያየ በጃኻ ጎርጉራ ጁባኻ፡ አያይ ወርቂ ሰዓቱ ኦፔል መዛወሪቱ” ዝብሉ እኩባት ህጻውንቲ ናይ ሓንቲ ገዛውቲ ክንመስል ካብ 30 ወይ 40 ዘይበዝሑ ሰባት ሒዝና ተረፊና። ሱቕ ኢልና ካብ ምህውታት ፋይዳ ስለ ዘይርከብ ሕማማትና ደአ ንመርምር እምበር ጉዕዞ ንኺድ ጥራይ ደአ አንኳይ ዶ ንዓና ሰራዊት ኮነ ንዋት ዘይብልናስ ነቲ ሽሾ ሰራዊትን ንዋትን ሃገር ገቢቱ ዘሎ ህግደፍ እኳ ኣይጠቐሞን።
ህዝባዊ ቃልሲ ንኩነታቱ ብዕምቆት ክምርምርን ክፍትሽን፤ እንድሕር ጸገማት አጋጢሙ'ውን ነቲ ወሪዱ ዝበሎ ጉድለት ክእርምን ከስተኻኽልን እንድሕር ዘይኪኢሉ ብምንም ተአምር ስድሪ'ውን ትኹን ንቕድሚት ክስጉም አይክእልን እዩ። አብ ሓደ እዋን ቃልሲ ጊዜያዊ ዓወት ከተምዝግብ ይከአል እኳ እንተኾነ ዘላቒ ሓርነት ከትጭብጥ ግና ቀሊል አይኮነን። እዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ አብነታት ድማ ሳዕቤን ናይቲ እንኽተሎ ዘለና ዝንቡዕ ጉዕዞ እምበር ጠንቂ አይኮነን። እምበአርከስ ካብዚ ተበጊስካ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ምቅላሱ ካብ ዘይተረፎ፤ አበርክትኡ አብ ምድሓን ሃገር ንምንታይ ከምቲ ዝድለይ ዘይከውን ክትብል ትግደድ። ነዚ አገዳስን ሕመረት ዓወትናን ዝኾነ ሕቶ ንምምላስ ነቶም መሰረታውያን ጸገማት ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ፊሒት ምባል ከሊኦሞ ዘለው ነጥብታት ክትዝርዝር አገዳሲ ስለ ዝኾነ ድማ ተሞክሮይን ክውንነትን ተወኪሰ ነጥብታተይ ከቐምጥ። አብ ውልቃዊ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መሰል ተሪር እምነት ኣሎኒ፤ ሓሳባተይ ናይ ግድን ምስ ሓሳባት ካልኦት ክሰማማዕ አይጽበይን ካልኦት እውን ንሱ ተረዲኡዎም ሓሳባተይ ናይ ምግላጽ መሰለይ ከኽብሩለይ ይጽበዮም። እንድሕር ነቲ አነ ዘቕርቦ ሓሳባት ዝብድህ ርእይቶ ኮነ ሓሳባት አለዎም ኮይኑ ብስልጡን መገዲ ክምልሱለይ የተባብዖም። ሰብ ካብ ሰብ እዩ ዝመሃር እሞ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ ክመሃር ዘሎኒ ቁሩብነት ክገልጽ ይፈቱ። ብዝኾነ ነቶም ጠንቂ ዕንቅፋት ጉዕዞ ሓርነት ዝበልኩዎም ነጥብታት አብ ቀጻሊ ጹሑፈይ ከቕርቦም እየ።
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ - ካሊፎርንያ
ባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን:
ብ16 ጉንቦት 2015 ኣብ ከተማ ኦታዋ ተጋቢእና በዚ ዝስዕብ እማመ ደምዲምና:-
ስም ህዝባዊ መጋባእያ:- ባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን
መበገስን ዕላማን ባይቶ:-
1. ህዝብና ኣደዳ ጃምላዊ ስደትን ውርደትን ኮይኑ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን እንዳሃለቐ ትም ኢልና ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሕልናና ስለዝወቐሰና:
2. ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ-ክስን ብዘይ-ፍርድን ብዘይ-ሰብኣዊ ኣታሓሕዛን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይሳቐን ይበልን ምህላው ኣዚዩ ስለዘቖጣዓና:
3. ሃገርና ኣብ ከበድቲ ቅልውላዋት(ናይ-ፍትሒ ናይ-ቁጠባ ናይ-ጸጥታ ናይ-ሞራል ናይ-ዲፕሎማሲ… )ተሸኪላ ትሰሓግ ብምህላዋ ኣዝዩ ስለዘሻቐለና:
4. ብመወዳእታ ዘይብሉዕስክርናንሳዕቤናቱን ዝተሰብረት ኤርትራዊት ስድራቤትን ኣዝዩ ስለዘተሓሳሰበናን ካልኦት ሃገራዊ ዛዕባታት ኣልዒልና ብምዝታይ ፍታሕ ኣብምንዳይ ኣበርኩቶና ከነወፊ ተበጊስና ኣለና::
ዋላኳኣብ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ክንሳተፍ ካብ ማንም ፍቓድ ዘይንሓተሉ ግቡእናን መሰልናን እንተኮነ- ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ካብቶም ንሃገርና ዝውጡሩ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብ ተባራዕን ተኣፋፍን ጥርዚ ስለዝበጽሑ ተሳትፎና ኣዝዩ ወሳኒ ምኻኑ ከነዛኻኽር ንግደድ::
ባይቶ ኦታዋ በብእዋኑ ስሩዕ ኣኼባታት እንዳጸወዐ ውሳነታቱ ብኣዋጅ ንኩሉ ዝምልከቶ ከፍልጥ እዩ:: ንኹሉ ኤርትራዊ ተቀማጣይ አብ ኦታዋን ከባቢኣን ተርኡ ክጻወት ብዕሊ ንጽውዕ::
በዚ ኣጋጣሚዚ:-
ሀ. ንኩለን ከተማታት ካናዳ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ንጽውዕ:
ለ. ንተቐማጦ ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮፓን ኣወስትራሊያን ኤርትራዊያን ተመሳሳሊ
ተበግሶ ክወስዱ ነተባብዕ:
ሐ. ነተን ድሮ ቆይመን ዘለዋ መጋባእያታት ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ትኩር ቃልሲ ክነጥፋ ንዕድም:
ህዝብና ሰብኣዊ ክብሩ ተቀንጢጡ ናብ ግኡዝ ተቀይሩ መዛረቢ ካልኦት ኣህዛብን ሃገራትን ኮይኑ ከብቅዕ ንሕና እቶም ቀንዲ ኣካሉን ተምሳሉን ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሰብውን ኣየቁጽረናን እዩ::
ኤርትራዊ ተስእ ተለዓል!! ቅድም-ቀዳድምሃገርካ ኣብ ዝግኣተ-ሕጊ ሰርታ!!
ይኣክል! ይኣክል !! ይኣክል !!!
ለውጢ መዓስ? ሕጂ !!!
ለውጢ ብመን? ብኣይ !!!
ባይቶ ተራ ኤርትራዊ ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን: