ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ.

2015-06-13 07:01:55 Written by  ህዝባዊ ምልዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ - ሰሜን ኣመሪካ፡ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2976 times

ብብዝሒ ተሳትፎ ናይ መንእሰያትን ተቓዉሞ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀሳብትን ደቂ ኣንስትዮን ዓበይትን ነኣሽቱን ቆልዑትውን ከይተረፉ ዝተኻፈልዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጉንበት 23, 2015 ኣብ ርእሲ ከተማ ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ነቲ ኣብ ሃገርና ብኹሉ መዳያት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ከሙኡውን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ነፊጾም ኣብ ስደት ከምርሑ ከለዉ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድረበዳታት ሲናይን ዝጋንፎም ዘሎ ናይ ሞትን ክፋል ኣካልቶም ተቐንጢቡ ናብ ዕዳጋ ዝወርደሉን ዘሎ ህሞት ይኣክል ንምባልን ንህዝቢ ዓለም ንምቕላሕን መንግስታት ዓለም ንኤርትራዊ ሰደተኛ መሰሉ ከዕቁባሉን ንምምሕጻን ኢዩ ነይሩ።   

DemoinWashingtonDC 1            

ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ዋይት ሃውስ ብምስላፍ ብነድሪ ንህዝቢ ኣመሪካን ንፕረሲደነት ኦባማን ኣብ ሀገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ህጊዲፍ ከም ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት፡ ብዘይ ፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ምእሳርን፡ መጭወይቲን፡ ናይ ምእካብን ናይ ሓሳባትካ ምግላጽ መሰል ምእጋድን ህዝብን መንግስትን ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ ጸዊዑ።

 DemoinWashingtonDC 2

ካብዚ ብምቕጻል ሰልፈኛታት ካብ ዋይት ሃውስ ነቒሎም   ብየማን ጸጋምን ብፖሊስ ብኽብሪ ተዓጂቦም ብሕምብርቲ ዋሺንግቶን ዲሲ ሰንጢቖም ብጎደና ፐንሲልቫኒያ ተጋዒዞም ናብ ካፒቶል ሂል መረሹ (ጎደና ፐንሲልቫኒያ ኣብ ኣመሪካ ሓዲሽ ፕረሲደንት ምስ ተመርጸ ካብ ካፒቶል ሂል ናብ ዋይት ሃውስ ብእግሩ ዝጋዓዘላ ውርይቲ ጎደና ኢያ) ሰልፈኛታት ብመጉልሕ ድምጺ "ይኣክል በቃ፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ምስ ህግዲፍ ንውጋን ሃገራውነት ኣይኮነን፡ ይኣክል ንባርነት ንስመር ንሓርነት፡ ስቕያት መንእሰያትና የብቅዕ፡ ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ፡ ንሰብ ዘይብሉ ፈጣሪ ኣለዎ። ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ፡ ብምባል እናጨደሩ መረሹ። ኣብ ቀስሪ ካፒቶል ሂል ምስ በጽሑ ድማ ነቲ ናብ ናይ ኮንግረስ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ናብ ስተይ ደፓርትመንት፡ ናይ ኣፍሪቃ ደስክ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተዳለወን ዝተላእከን ደብዳቤ ተነቢቡ።

ኣብ መጠርሽታ ሰልፈኛታት ንዳርጋ ክልተ ማይል ብምጉዓዝ ኣብ ጉደና ኤልን ሽዱሽተን ደበኽ በሉ፡ እዚ ቦታዚ ብስም ኤርትራዊ ሲቪክ ማሕበር ዝፍለጥ ናይ ህጊዲፍ ናይ ምዝመዛን፡ ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ምጥፍፋእን ንህዝቢ ኤርትራ ጎዛዚኻ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶር ተቖሪኑ ንኽነብር ሸቕጥን እከይ ማእለማታትን ዝፍጸመሉ ቦታ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ገለ ተባዓት ኤርትራውያን ነዚ ዘይሕጋዊ ትካልዚ ከሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ ዘለዉ ነቶም ተሓባበርቲ ህግዲፍ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝብኹም ደው በሉ፡ ምስ ዲክታቶር ምውጋን ሃገራውነት ኣይኮነን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ትምህርታዊ ኣብነት ብምቕራብ ናይ ሰልፊ ጉዕዞ ኣኸተመ።

DemoinWashingtonDC 3 

ንጽባሒቱ ድማ ነቲ ብኣዳለውቲ ሰልማዊ ሰልፊ ዝተመደበ ኮንፈረንስ ካብ ሰዓት ሾሞንተን ፈረቓን ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ካስብ ፍርቂ ለይቲ ቀጸለ። "ሓድነት ምስ ብዝሑነት ንሃገር ድሕነት" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ መጀመርያ ኣቶ ጎይትኦም፡ ኣቶ ኑረዲን፡ ወ/ሮ ፍረወይኒ ቀዳማይ ፓነል ዲስካሽን ከቅርቡ ከለው፡ ናይ ክልቲኦም ሓሳብ ተመሳሳሊን ተደጋጋፍን ክከውን ከሎ ጥቅሚ ማሕበረኮማትን ህዝባዊ ምንቅስቃስን ክገልጹ ከለው፡ ሓፍቲ ፍረወይኒ ግን ባይቶ ስለዘሎ ካልእ ማሕበራት ከምዘየድልን ኩሉ ህዝቢ ኣብኡ ኽኣቱ ከምዘልዎ ሓቢራ። ሲዒቦም ዝቀረቡ ዶር. ገብረ፡ ኣቶ ስሄል፡ ኣቶ ሓሰን፡ ብወገኖም ሓድነትን ስምረት ኤርትራዊያን ኣድላይነቱን ህጹጽነቱን ኣስፊሖም ገሊጾም። ሃገር ኣብ ሓደጋ ምህላዋን ህዝቢ ይጸንት ስለ ዘሎ ናይ ኩሉ ሓይልታት ሓድነት ናይ ሓሳባትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን እዋኑ ምዃኑ፡ ገሊጾም።

ኣሜሪካዊ ጆን ስታፈርን መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ጌርካ ምዕቡል ዲፕሎማሲያዊ ስራህ ተሳላስልን ትረክብን ንህዝብካ ትጣበቅን ኣስተምህሮ ሂቡ፡ ከምኡ እውን መንእሰይ ሜሮን ዝገብሮ ዘሎ ብሃገር ደረጃ ዝውክል ስራሓት ኣብሪሁ።

ዶር. ኣልጋነሽ ኣብ ሲናይ ብነጋዶ ደቂ ሰብ ብኤርትራውያን ከይተረፈ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ካብ ኢድ በደዊን ማእሰርቲ ዘውጽኣቶም መንእሰያትን፣ ነቲ ኣብ መደበር ስደተኛታት ትገብሮ ዘላ ኣግልግሎት ናይ ህጻናት ወለዲ ዘይብሎምን ምእላይን ብስእላዊ ሰነድ ዝተሰነየ መግለጽታት ኣቅሪባ። ኣማኒኤል እያሱን ናይ ፓነል ዲስካሽን ኣቕረብትን ኣድላይነት ናይ ህዝባዊ ማዕበልን ፍልልያቱ ምስ ውድባዊ ቃልስታትን ኣብሪሆም። ውድባት ንቀጻሊ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ዝኣትዋ ክኾና ከለዋ፡ ህዝባዊ ማዕበል ግን ዋና ስልጣን ህዝቢ ኮይኑ ንዝመረጾ ዘደይብን ዘውርድን ድኣ እንበር ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከም ዘይኣቱን ኣብሪሆም። ስለዚ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ ማዕበል እዚ ክዓስልን ንከዔውቶ ክጽዕርን እዋናዊ ህጹጽ ጻዊዒት ሃገር ምድሓን ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ሃገር ማለት ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኤርትራ ድማ ብዘይ ደቃ ሃገር ክትበሃል ስለዘይትኽል መንእሰይና ከነድሕን ኩሉ ሰብ እጃሙ ከበርኽት ከም ዘለዎ ኣብሪሆም።

 DemoinWashingtonDC 4

ካልኦት እውን ዝተፈላለየ ትምህርታትን መደረታትን ዘስምዑ ኔይሮም፡ ብሓፈሽኡ ኣዝዩ ሃብታም ዝኮነ ንሃገር ንምድሓን ዘምርሐ ኣስተምህሮታት ድሕሪ ምሃብ ኮንፈረንስ ተዛዚሙ።

 

Last modified on Saturday, 13 June 2015 10:17