መጸዋዕታ ንክቡራት ደቅናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ወጻኢ ትነብሩ መንእሰያት ኤርትራውያን
Sunday, 05 April 2015 11:37 Written by ተቓወምቲ ሓይልታትን መንእሰያትን ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራብምቕዳም ሰላምታና ነቕርበልኩም።
ኣስዒብና እዚ መልእኽቲ ኣብ ወጻኢ ትነብሩ ዘሎኹም ኤርትራውያን ክንብል ኰሎና ነቶም በዚ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ተታሊልኩምን ፤ተሓቢልኩምን ከም ሪሞት ኮንትሮል ተዘዊርኩም ኣብ ዘይትፈልጥዎ ቦታ ዓመታዊ ተዓጺኹም በቲ ግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግዲፍ ትማሃሩን ኣእምረኹም ትምረዙን ዘሎኹም መንእሰያት ምዃና ከነብርህ ንፈቱ።
መንእሰያት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ዝረኽብዎ ዘለዉ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ደሞዝ ብባርነት ብምትሓዝ፡ ባዕሉ ፈራዲ ባዕሉ ሓጋጊ፡ ብዘይ ምርጫ ልዕሊ 24 ዓመት ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ/ገባቲ ፕረሲደንትን ጉጅለኡን፡ ህዝቢ ሓሪሱ ከይበልዕ መሬት ባዕሉ ዝወነነ፡ ህዝቢ ሰሪሑ ዝበልዓሉ ትካላት ዘይብሉ፡ ትምህርትን ሕክምናን ዘይብሉ ዝነብር ዘሎ ህዝቢን መንእሰይን ኢዩ። ካብዚ ሃለዋት ንምምላጥ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከምልጥ ንጐረባብቲ ሃገራት ክኸይድ እንተተረኺቡ ድማ በቶም ንሱ ዝመልመሎም ምሕረት ዘይብሎም ወተሃደራቱ ብጥይት ይርሸኑን ይጠፍኡን ኣለዉ። ካብዚ ሽግር ዝሓለፉ ድማ ብጉሒላታት ኤርትራውያን፤ ራሻይዳን በደዊን ግብጺን ጨካናት ሊብያን ወዘተን ….ተታሒዞም ኣሸሓት ዶላራት ክኸፍሉ ዝሕተቱ ዘለዉ ኢዮም። ነዚ እንተዘይከፊሎም ድማ ኰላሊቶም ብማሕረዲ ተወሲዱ ይሽየጥ። ስርዓት ህግዲፍ ካብዚ ስርሒት እዚ ሓራ ክወጽእ ዘይገብሮ ሓደ ጭብጢ ድማ እቲ ናይ ግዳያት መንእሰያት ተኣሲሮም ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኣብ ኣስመራ ከም ዝኽፈል ምዃኑ ሓደ ምልክት ኢዩ። ብሓደ ሸነኽ ብሲናይን ግብጽን ሱዳንን ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ብሰሃራ ሊብያን ተሳጊሮም ክመጹ ዝሞቱን ዝጠፍኡን ማእለያ ዘይብሎም ክኸኑ ኰለዉ፡ ብሊብያውያን ዓመጽቲ ዝረኽብዎ መግረፍትን ግህሰት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብሓደ ወገን፤ ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ንኤውሮጳ ክመጹ ኣሸሓት ባሕሪ ከም ዝውሓጡን ዓለም ዝፈልጦ ኣስቃቒ ታሪኽ መንእሰያት ኤርትራ ኢዩ። እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኻሕዱ ብሃገራት ዓለም ዝተመስከረሎም ሰማእታት ላምፓዱዛ እኹል ምስክር መንእስያት ኣሕዋትኩም ኤርትራውያን ህልቂት ከም ዝዀነ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኢዩ።
ስርዓት ህግደፍ ዕንወት መንእሰያትን ህዝብን ሃገርን ከይኣኽሎ ድማ ህዝቢ ክበታተንን ምእንቲ ከይቀስንን ጨቐቕ ኢሉ ዝሰርሖ መንበሪ ገዝኡ ብግረደር ገይሩ ከፍርሶን ነዚ ዝተቓወሙ ድማ ኣደዳ ማእሰርትን ሞትን ተበጺሑ ከም ዘሎ እዋናዊ ግፍዒ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ይርኤ ኣሎ።
እቲ ዘሔፍርን ዘነውርን ንስኻትኩም ኣብ ዲሞክራስያዊን መሰልን ቅዋምን ትምህርትን ዘለዎ ሃገር ትነብሩን ትመሃሩን ዘሎኹም መንእሰያትን ኢኹም። ነዚ ክዉንን ርኡይን ነገራት ሰርዓት ህግዲፍ ኣብ ጐድኒ ውጹዓት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኰንኩም ንሽሪሒትን ተንኰልን ስርዓት ህግደፍ ክንዲ ምኽሻሕ፤ መስዋእቲ መንእስያት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ሕልፈት ህዝብኹምን ውድቀት ሃገርኩምን ክሒድኩም ትኸዱ ምህላውኩም ክትግንዘቡ ይግባእ። ሰራቒ ጸልማት ኢዩ መንገዱ ሰርዓት ህግደፍ ድማ ሰራቒ ምዃኑ ንዓኻትኩም ብሕቡእ ከም ንብረት ተሰኪሙ ኣብ ዝደለዮ ብገንዘብ ህዝብን ሃገርን ፈቐዶ ሆተልን መጓዓዝያን ተኻርዩ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ከም ዘለዎ ከምስል ብስም እገዳን ዶብን ኣሳቢቡ መርዛም ትምህርቲ ከስንቐኹምን ዓመት ዓመት ከታልለኩምን ኣንከሎ ክትፈልጥዎን ክትርድእዎን ኣይከኣልኩምን።
እቲ ዘሔጉስን ምሉእ ተስፋ ዝንበረሉን ዘሎ ኣብ ዓለምለኻዊ ዝነብር ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ቁጽሩ እንዳውሰኸን ሕድሕዱ እንዳተራዳርኤን ምስ ዓበይቲ ኣቦታቱን ኣያታቱን ኣብሻታቱን ተቓወምቲ ብምትሕብባር ብኣንጻርኩም ንዲክታተራዊ ስርዓት ኣውዲቑ ዲሞክራስያዊን ቅዋማዊትን ሓዳስ ኤርትራ ክተክል ቃል ዝኣተወ መንእሰይ ምህላዉ ክትርድኡ ነማሕጽነኩም። ብዝዀነ ዲክታተር ዕድሜኡ ነዊሕ ከምዘይኰነ፡ ብፍላይ ስርዓት ህግዲፍ ከም ቁንቁነ ብውሽጡ ማህሚኑን ዓንዩን ከም ዘሎ ርዱእ ኰይኑ ፤ ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ጉሒላ ስርዓት እዚ ትወጸሉ ሰዓት ነዊሕ ብዘይምዃኑ፤ ካብዛ ዕለት እዚኣ እንተዘይተቘጢብኩም ንስኻትኩምን እቶም ደድሕሪ እዚ ስርዓት እዚ ዝኸዱ ዘለዉ ኰራኩሩን ኣብታ ብደም ጀጋኑ ህዝባን ደቃን ትህነጽ ቤት ፍርዲ ብኸቢድ ገበን ተሓተቲ ኰንኩም ክትቀርቡ ምዃንኩም ኣይትዘንግዑ።
ዕንወት ንዲክታተራዊ ስርዓት ኤርትራ
ዓወት ንውጹዕ ሃዝቢ ኤርትራ
ተቓወምቲ ሓይልታትን መንእሰያትን ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ
ሓንቲ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ብመሰረቱ ኣብ ትሕቲ ምሉእን ዝለዓለ ሓላፍነት ናይ ህዝባ ኢያ ትኸውን። ምእንቲ ሃገር ኢሉ ደሙ ዘፍሰሰ ኩሉ ብዘይ ኣድልዎ ዓሌት፡ ሃይማኖት ኣውራጃ ወይ ብሄር፡ ውልቀመላኺ፡ ዲሞክራሲያዊ ..ወዘተ፡ ዋና እዛ ሃገር ምዃኑ ድማ ዝከሓድ ኣይኮነን። ልኡላውነት ሃገርን ልኡላውነት ህዝብን ተባሂሉ ድማ ኣብ ክልተ ክምቀል እኳ እንተተኻእለ፡ ኣብ ነንሕዳሕዱ ግን ዝተኣሳሰረን ዝተወሳሰበን ኢዩ። ከመይሲ፡ ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ክቐውም ኣይክእልን ኢዩ።
እዛ ከም ሃገር እትቐውም መንግስቲ ኣለዋ። እዚ መንግስቲ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝጥቀመሉ ሕጊ ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ፡ እዚ ከኣ ‘’ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ መሬታዊ ልኡላውነት’’ ‘’Territorial sovereignty’’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ማለት ዋንነትን ንብረትን ናይ መሬት ወይ ግዝኣት ዝምልከት ኮይኑ፣ እቲ መንግስቲ ስልጣንን ምሕደራን ኣብ ልዕሊ እቲ መረት ክጥቅም ማለት ኢዩ።
ትርጉም ልኡላውነት ብምሰረቱ ዝለዓለ ሓላፍነት ወይ ህዝባዊ ስልጣን ኢዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ምስ ናጽነት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ብዓለም ለኻዊ ድማ ኣብ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ብዘይካ ስምምዕ ናይታ ደውላ ዝኾነ ይኹን ተጽዕና ክግበር የብሉን ማለት ኢዩ። እቲ ህዝባዊ ስልጣን ዝብል ከኣ እቲ ቅዋም ኢዩ ልዕሊ ኩሉ። ካብዚ ነቐሉ ድማ እቲ ልኡላውነት ህዝብን ልኡላውነት መሬት ወይ ሃገር ዝበሃል ዘይፈላለ ኣብ ነንሓድሕዱ ውስጠ-እስስር ዘለዎ ኢዩ። ስለዚ ሃገርዶ ትቕድም ወይ ህዝቢ ኢልና ክንዛረብ ከሎና ደርሆዶ እንቋቁሖ ኢዩ ክኸውን ነገሩ። እዚ ማለት ሓደ ብዘይካ እቲ ሓደ ህይወት የብሉን ስለዝኾነ፡ ልኡላውነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ፈጺሙ ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን።
ሓንቲ ሃገር ናጽነታ ተጐናጺፋ ልኡላውነታ ኣውሒሳ ክበሃል ከሎ፡ እቲ መሬት ምስ ኩሉ ዶባቱን ኩሉ እቲ ህዝብን፡ ባህሪያዊ ሃብትን እንተላይ ጎቦታቱን ስንጭሮታቱን ወሓይዙን፡ ቀቢላታቱን፡ እንዳታቱን ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ነዚ ንምምሕዳር ወይ ምምእካል ዝለዓለ ሓላፍነት ዘውስድ ድማ እቲ መንግስቲ ኢዩ። ኣመጻጽኣ እዚ መንግስቲ እዚ ኣብ ክልተ ክኽፈል ይከኣል። ንሱ ድማ ብኢደወነኑ ወይ እውን ብቃልሲ ኣቢሉ ነቲ ስልጣን እናጨበጦን እናመርሖን ክመጽእ ዝጸንሐን፡ ወይ እውን ብህዝባዊ መረጻ ኣቢሉ ካብቲ ህዝቢ ውክልና ዘወሰደ ክኸውን ይኽእል። እዚ ኮይኑ እቲ ግና እታ ሃገር ናይ መንግስቲ ዘይኮነትስ ናይ ኩሉ እቲ ዜጋ ኣባኣ ዝቕመጥን ዝተተኽለ መንግስትን ኢዩ።
ልክዕ ኢዩ እታ ሃገር ናይ መንግስትን ናይ ህዝብን ተባሂላ ኣብ ክልተ ክትምቀል ኣይትኽእልን ኢያ። ምኽንያቱ ዋና እታ ሃገር እቲ ህዝብን ካብቲ ህዝቢ ዝወጸ ብኢደ ወነኑ ይኹን ብህዝቡ ዝተመርጸ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎን ኢዩ። ኣብዚ እቲ መንግስቲ ነታ ሃገር ክከላኸል ጊዴታ ኣለዎ፡ ይኹን እምበር ነታ ሃገር ክከላኸል እንተኾይኑ ህዝቢ ሒዙ ኢዩ ክከላኸል ዘለዎ። እቲ ህዝቢ እውን ንሃገሩ ክከላኸል ግዴታ ኣለዎ፡ ንሃገሩ ከከላኸል እንተኮይኑ ድማ መንግስቲ ሒዙ ኢዩ ንሃገሩ ዝከላኸል። ስለዚ እቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት ኢዩ ብዘየገድስ ኣብ ምክልኻል ሃገር ክመጽእ ክሎ ቅድሚት ዝስራዕ እቲ ሃገር እምበር እቲ መንግስቲ ኣይኮነን። እቲ ምክልኻል ከበሃል ከሎ እምበኣር ንምእንቲ ህላዌ እቲ መንግስቲ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ምእንቲ እቲ ሃገርን ህዝብን ዘሎ ልኡላውነት ንኸይገሃስ ኢዩ።
መዐቀኒ ሃገር ንምክለኻል እምበኣር እቲ ዘሎ ስርዓት መላኺ ዲዩ ወይ ዲሞክራሲያዊ ኢዩ ተባሂሉ ዝውሰን ኣይኮነን። ሃገርን መንግስትን ህዝብን እኳ ፈላሊኻ ክርአ ዘይብሉ እንተኾነ፡ እቲ ዶባት እታ ህዝቢ ዝቕመጠላ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዋንነት ናይ ህዝቢ ደኣ እምበር ዋንነት ናይ መንግስቲ ንበይኑ ኣይኮነትን። እቲ መንግስቲ ከማእክል ደኣ ኢዩ ስልጣኑ እምበር ውሕስነት ናይ ቀጻልነትን ዶባታ ሓልያ ናይ ምንባርን ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኢዩ እቲ መንግስቲ ድማ መላኺ ይኹን ዲሞክራሲያዊ ኣካል ናይቲ ህዝቢ ኢዩ።
ሎሚ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ስልጣን ናይ ሓደ ውልቀመላኺ ስርዓት ከምዘሎ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ይኹን እምበር እቲ ሃገር ብጓና ክውረር ከሎ እቲ ስርዓት መላኺ ኢዩ፣ ወይ እውን ንሱ ብዝበደሎ ተባሂሉ እቲ መሪት ክድፍር ዘይግበኦ ኢዩ። ናጽነት ህዝብን መሬትን ካብቲ ስርዓት ፈሊኻ ምጥማት ዝተሳእኖ ሰብ ግና፡ ሃገር ትጥፋእ ደይ እቲ ስርዓትሲ ዘጥፋኣ ዘሎ ኢልካ ናይ ይበተኹ ዝዓይነቱ መረረ ተደሪኽካ ሃገር ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ኢድካ ኣጣምርካ ምርኣይ፣ እቶም ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ኩሎም ናይ ውልቀመላኺ ስርዓት ኣገልገልቲ ኢዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ሓደ መንግስቲ ውልቀ-መላኺ ይኹን ወይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብዝገብሮ ጉድለታት ወይ እውን ንዝተሰማማዓሉ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣህጉራዊ መቕጻዕቲ ዳኣ ኢዩ ዝብየነሉ እምበር ንልኡላውነት ( ናጽነት) እታ ሃገር ጥሒስካ ከከም ሓይሊኻ ክትደፍር ፈጺሙ ፍቑድ ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ ንኹሉ ስራሓት ብብቕዓት ክገጥሞ ክእለት ክህልዎ ይግባእ፣ ነዚ ዘየተግብር እንተኾይኑ ግደን ስልጣንን ናይ ህዝቢ ኢዩ ነዚ መንግስቲ ክቕይሮ። ከመይሲ ነቲ ስርዓት ንምልጋስ ዝምልከት ዋንነት ናይ ህዝቢ ደኣ እምበር ናይ ካልእ ወጻእተኛ ኢድ ምትእትታው ክኸውን ፈጺሙ ክፍቀድ ዝይግበኦ ኢዩ። ብዓይኒ ሓቂ እቲ ናይ ባድመን ናይ ዶብ ምሕንጻጽን ብኣህጉራዊ ብይን ተበይኑ ከሎ ንኸይትግበር ዝሕንግድ ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ከምኡ እውን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ሓደ ነቲ ሓደ ዝቃወም ሓይልታት የተባብዕን ይሕግዝን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ዶብ ሓንቲ ሃገር ብኻልእ፡ እሞ በታ ነቲ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ደው ኣቢላ ዘላ ሃገር መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከላ ሕራይ ገበረት ዝብል ኣይኮነን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዶባት ሃገረ ኤርትራ ጥሒሳ ኣብ ክልተ ቦታ ደብዳብ ኣካይዳ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፣ ገለ ካብ ኤርትራውያን ሕራይ ገበርዎ፡ ይበልዎ ደኣ፣ ዝበሉ ነይሮም። ኢሳያስ ዲዩ ተሃሪሙ? መን ኢዩ ተሃስዩ? እቲ ሓቂ ከይንዛረብ ክንብል ነቲ ዋጋ ዝኸፍልናሉን ነቲ ሃገራውነት ዝህስስ ሱቕ ኢልና ክንቅበሎ ኣይግባእን። ደሓርከ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ኢያ ኣብዚ ግዜ እዚ ነዚ መጥቃዕቲ ክትወስድ ተገዲዳ ክንምልስ ይግባእ። ካብ ስርዓት ኢሳያስ ብርግጽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህድድ ተግባራት ገይሩ ዲዩ ዝብል ሕቶ ኣይኮነን ኢዩ እቲ መልሱ። እቶም ደምሒት ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ኣዕቍቡ ንስርዓት ኢትዮጵያ ንምግምጣል የዳልዎም ስለዘሎ ኢዩ እንተኾይኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያስ ንተቓወምቲ ኤርትራዊ ሓይልታትሲ ኣዕቍባ ተዳልዎምዶ የላን ኢያ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኢሳያስ ተዳኺሙ ኢዩ ዝብል ሚዛን እናሃለዋ፣ ንዝተዳኸመ ሓይሊ ዶብ ጥሒስካ ደብዳብ ርትዓዊ ዲዩ? ጽባሕ ንግሆኸ እቲ ድኹም ነቲ ናይ ኣባይ ግድብ እንተጥቅዖኸ ከምቲ ክቡር ጠቕላይ ሚኒስተር ኣቶ ሃየማርያም ደሳኣለኝ ዝበልዎ’’ተጠቒዐ ዝብል ኣካል እንተዘይሃልዩ፡ ንሕና ክንብሎ እንኽእል ነገር የለን’’ እንተተባህለ ኢድ ሸናሒት ጸናሒትዶ ኣይከውንን? ደሓር ከኣ ንረብሓ ክልቲኡ ኣህዛብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዲዩ? ዝብሉ ሕቶታት ብልቦና ክስተብሃለሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። እንቲ ንሕና ኤርትራውያን ግና ነቲ ንሃገርና ዝሃሲ ብቕንዕናን ርትዓውን እንተገለጽና ህግዲፍ ኢዮም ከይንበሃል ክንብል ሓቂ ደፊናያ ንጎዓዝ ኣለና።
ስርዓት ኢሳያስ ብዝገብሮ ዘሎ ማንም ኤርትራዊ ሕጉስ ኣይኮነን። ነዚ ስርዓት'ዚ ናይ ምቕያር ድማ ናይ ኤርትራውያን ሓላፍነት ኢዩ። ጎረባብትና ክድግፉና እምበር ኣብ ክንዳና ኮይኖም ስርዓት ክቕይሩልና ቅቡል ኣይኮነን።
ስለዚ ነቲ ናይ ወጻኢ ኢድ ምትእትታው ሰለስተ ዓይነት ከምዘለዎ ምሁራት ክገልጽዎ ከለዉ ከምዚ ይብሉ።’’ ንሱ ድማ ሓደ ናይ ወጻኢ ኢድ ምትእትታው ብእወንታ ዝድግፉ ምእንቲ ናይ ቍጠባን ፖለቲካዊ ረብሓኦም ከም ናይ ዒራቕ ሊብያ ምእንቲ ነዳዲ ክብሉ ዝገብርዎ ምትእትታው። ካልኣይ ንቁጠባውን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁጽጽር ናይታ ሃገር ክኸስቡ ክብሉ ኣንጻር ምልኪ ተዓጢቖም ዝኣትዉዎ፡ ከም ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝግበር ዘሎ ኩነት። እቲ ሳልሳይ ድልዱል ተቓውሞ እንተልዩ ኣብ መጻኢ ረብሓኦም ዝተመርኮስ ክኸውን።’’ ስለዚ ናይ ኢድ ምትእትታው ንፍቶ ንጽላእ ከይዱ ከይዱ ጐበጣ ኢዩ። ብውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ምጽናት ፖሊሲ ንዘተግብር ስርዓት ንምልጋስ ዝውሰድ ስጕምታት ጥራሕ ኢዩ ሕጋውነት ዝህልዎ።
ስለዚ ሃገርን መንግስትን ህዝብን ፈላሊኻ ዝረኣየሉን ዘይረኣየሉን ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝተመርጸ እንተኾይኑ ህዝብን መንግስትን ሃገርን ሓደ ኢዮም ክትብል ትኽእል ኢኻ። ምኽንያቱ ሰለስቲኦም ሓደ ብዘይካ እቶም ክልተ ክነብር ኣይክእልን። እዚ ማለት እቲ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኮይኑ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም ወይ ዘርብሕ ክገብርን ከመሓድርን ፍቓድ ህዝቢ ኣማሊኡ ንዘሎ ቅልውላው እውን መገዲ ከትሕዝ ስለኾነ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኣዋን እዚ እታ ሃገር ክትውረር ከላ ወይ ዶባታ ክጠሓስ ከሎ ህዝቢ ምእንቲ ሃገሩን ምእንቲ ክብሩን ምእንቲ ህላዌ መንግስትን ክቃለስ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ከም ውልቀመላኺ ማለት ብህዝቢ ዘይተመርጸን ንሕጊ ዘይግዛእን ምስ ዝኸውን ግን እቲ ህዝቢ ምስቲ መረት ደኣ እምበር ምስቲ መንግስቲ ወይ ስርዓት ዝተኣሳስሮ ፈትሊ የልቦን። ስለዚ ወራር ክመጽእ ከሎ ምእንቲ ክብሪ ልኡላውነት ሃገሩን ንነፍሱን ክከላኸል እምበር ነቲ ስርዓት ኢሉ ከምዘይለዓል ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ብምኽንያት ኢሳያስ ዝገብሮ ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ካብ ዘሎ ግፍዕን ተደሪኽና ንልኡላውነት ሃገር ናይ ኢሳያስ ወይ ናይ ደምበ ተቓውምቲ ኢልና ኣብ ክልተ ክንመቅል ኣይከኣልን ኢዩ። ንስርዓት ኢሳያስ ሽሕ ግዜ ንጽላኣዮ ልኡልውነት ግን ክድፈር የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ሓንቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ልኡላውነት ውልቀመላኺ ኣብ እትህልወሉ ግዜ ምስ እትውረር፣ ብሰንኪ እቲ ክፉእ ተግባራት ናይቲ ስርዓት ልኡላውነት ክድፈር ቅኑዕ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ቃልሲ ኣንጻር እቲ ዝወርር ዘሎ ባዕዳዊ ክቐንዕ ከሎ ነቲ ስርዓት ከደልድል ኢሉ ከምዘይኮነ ርዱእ ክኸውን ይግባእ።
ብድራር መንታይ
ሽግርና ምልኪጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎና፧ (ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል)
Saturday, 04 April 2015 18:27 Written by መድሃኔ ሃብተዝጊ (LLM)ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል
ኣብ ዝሓለፉ 4 ክፋላት ጽሑፋተይ ካብ ውልቀ ትዕዝብተይን ተረድኦይን ተበጊሰ፣ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምልኪ ወይ ስርዓት ህግዲፍ ጥራሕ ዝተደረተ ከምዘይኮነ፣ እኳ ድኣ ብቀንደርእሱ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን ከምዘሎ ኣብሪሀ:: ኣብ ባህርያት ስርዓት ኣስመራ መጺእካውን፣ ከምቲ ካልኦት ዝርድኦዎ ናይ ብሔረ ትግርኛን፣ ከበሳውያንን፣ ክርስትያንን ከምዘይኮነ፣ በንጻሩ ግን ስርዓት ህግዲፍ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ፣ ወዘተ ዘይፈልጥን ዘይብሉን፣ ሓደ ኣረሜናዊ ስርዓት ከምዝኾነ፣ ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ መታሕታውን መለለይታት ዘለወን ፖለቲካውያን ናይ ተቃውሞ ውድባትን ማሕበራትን ንምህላው ዘገደደ ኩነታት እውን ብስርዓት ኢሰያስ ኣሉታዊ መልሲ ዝረኸበ መሰረታዊ ሕቶ፣ ሕቶ ምስ መንነትካን፣ ዋንነትካን፣ መለለዪታትካን ምንባር ከምዝኾነ፣ እንተኾነ ንብሔረ ትግርኛን ከበሳዊ ተቀማጣይን ምስ ስርዓት ህግዲፍ ወጊንካ ምርኣይ ግጉይ ተረድኦን ዝዓበየ ክፋል ጸገምናን ከም ዝኾነውን ተንቲነ ነይረ:: ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ብዝምልከት እውን ንፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ፈኸራ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝሰነየ ዝመስል ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ዞባውን ኣወዳድባ ደምበ ተቃውሞን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመጽዋትነቱ፣ ኣንጻር ዕላምኡን ኣንጻር ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራን ዝኾነ ንናይ ምጉጅጃል መስርሕ ክሳብ ናይ ምንጻል ርእሰ ውሳኔ ከም ዲሞክራስያዊ መሰል ተቀቢሉ፣ ኣፍልጦ ዝሃበ ኤርትራዊ ዋዕላታት ኣብ ኢትዮጵያን፣ ውጺኢቱ ዝኾነ ንምንባርዉ ውን ጥዕና ዝጎደሎ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ልውጥኝ ብሓፈሽኡ ንስግኣት ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ኣብ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ኢሰያስ ኣዝዩ ከምዘበረኾ፣ ንብሔረ ትግርኛን ንከበሳዊ ዘርእን ድማ ኣመና ከም ዘሰምበዶ::
እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ብግዲኡ ብሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ሲኢኑ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ልኡም ኮይኑ ከምዝተርፍ ከምዝገበሮ: ንገሊኡ ለውጢ ከምጽእ እንዳተቃለሰ ምርድዳእ ስኢኑ ኣብ ዓሰርተታት ተጎጃጂሉ ካብ ሰጓምን ተዓዋትን ቃልሲ፣ ፈራይን ነባርን ቃልሲ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ከምዝገበሮ፣ ገለውን ምስዚ ተስፋ ዘይህብ ደምበ ተቃውሞ ተወጊኑ፣ ነቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝምጥዎ መጠበሪ ዝኾነ ናይ ዕለቱ ሓለፋታት ከየምልጦ ኢሉ፣ ናይቲ መላኺኡ ዝኾነ ስርዓት ጎኒ ንኽሕዝ ከምዝገደዶ፣ ነቲ ገባትን መላኽን ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ድማ ኣብ ስልጣን ከም ዝነብር ገይርዎ ከም ዘሎ ሓቢረ ነይረ::
ዓበይቲ ካድራትን ኣመትቲ ውጽኢት ህልው ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ብዘለዎም ርኢቶ ኣብ ክልተ ይጉጀሉ: ገሊኦም ስርዓት ኢሰያስ ጥራሕ ይልገሰልና: ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ይርኢ: እንተገደደ ድማ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ኣይክኸፍኦን እዩ ይብሉ:: ገሊኦም ድማ ፍልልያትና ከየጸበብና፣ ንናይ ጽባሕ ኩነታት ንምቁጽጻር ዘብቅዕ ኩልንትነኣዊ ምድላው ከይገበርና ውድቀት ስርዓት ኢሰያስ እንተ ኣጋጢሙ ኩነታት ዝበኣሰ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ:: ወነንቲ ናይዚ ዳሕረዋይ ሪኢቶ ምስ ርኢቶ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝመሳሰል ርኢቶ ኣለዎም:: ማለት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታትንን ዘቁሰለን ዘይምትእምማንን ዘይምርድዳእን ሰፊኑ ካብ ሃለወ፣ ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝበኣሰት ክትከውን ትኽኢል እያ ዝብል ስኽፍታ ኣለዎም:: ደራሲ ናይዚ ጽሑፍ እዝውን እንተኾነ ካብዚ ዳሕረዋይ ርኢቶ ዝፍለ የብሉን:: ከመይሲ ብቀረባ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን እንተጠመትና ብብሔር፣ ብዓሌት፣ ብዞባ፣ ብእንዳ፣ ብሃይማኖት ወዘተ ተወዳዲቦም ነንሕድሕዶም ዝፋለሱ ኣህዛብ ከምዘለዉ መዓልታዊ ንዕዘብ ኣሎና:: መጀመሪኡ ከምዚ ናትና ወይ እውን ካብዚ ናትና ዝነኣሰ ጉዳያት ነይሩ ክኸውን ይኽእል:: ኣብ ምጅማሩ ግቡእ ምእላይ ዘይረኸበ ሃገራዊ ጉዳያት ካብ ሰረት/እያድ ናብ ባርዕ ተቀዪሩ መዓልታዊ ህይወት ኣሽሓት ንጹሓት ዜጋታት ክቀዝፍ ይርከብ ኣሎ:: ህልው ኩነታት ደምበ ተቃውሞ ከምዚ ከየስዕበሉ ዝሰግአ ሓያል ክፋል ህዝብና ድማ ኣይ ምስ ስርዓት ኣይምስ መንኮርኮር ለውጢ እየ ዝበለ ደምበ ተቃውሞ ከይተወገነ ስቑታ መረጸ::
እቲ ሕቶ እምበኣር ንህዝብና ከመይ ገርና ካም ምልኪ ስርዓት ህግዲፍ ነናግፎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ከመይ ገርናውን ካብ ናይ ጽባሕ ስኽፍታኡ ነውጽኣዮ እውን እዩ:: እዚ ሃዋህው እዚ ደምበ ተቃውሞ ንሕሉፍን ህልውን ታሪኹን ኣቃውማኡን ግምገማ ብምግባር መሰረታዊ ጽገና (essential reformation) ክገብር ይጠልቦ ኣሎ:: ብወገነይ ስዒቡ ንዝጥለብ ዘሎ መሰረታዊ ጽገና ንምርግጋጽ እዞም ስዒቦም ዘለዉ ነጥብታት ክውሰዱ ካብ ዘለዎም ስጉምትታት ገለ እዮም.
- ግቡእ ተረድኦ ባህግን ድሌትን ህዝብና፣ ሓንትን እንኮን ድሌት መላእ ህዝቢ ኤርትራን ነፍሲ ወከፍ ብሔርን ብሔር ብሔራዊ መንነቱን፣ ዋንነቱን፣ መለለዪኡን ዓቂቡ ምስ ዝተረፉ ካልኦት ብሔራት ብስኒትን ምክብባርን ዝነበረላ ሓድነታን ልዑላውነታን ዘረጋገጸት ኤርትራ ምውናን እዩ:: እዚ ማለት ብሓደ ሸነኽ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ብሔራዊ መንነቱ ኣሕሊፉ ዝህብ ህዝብን ብሔራትን ኣይኮነን:: ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብዋጋ ሃገራውን ህዝባውን ሓድነቱ ብሔራዊ መሰላቱ ከረጋግጽ ዝህንጠ ናይ ንዓይ ይጥዓመኒ (egoistic) ባህርያት ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን:: ስለዚ ንብሔርና፣ ሃይማኖትና፣ ዞባና፣ ጥራሕ ዝውክል ፖለቲካዊ ኣወዳድማ ምስ ህዝብና ኣይሰርሕን እዩ::
- ግቡእ ተረድኦ ባህርያትን ኣካይዳን ስርዓት ህግደፍ፣ ንስርዓት ኣስመራ ከም ናይ ከበሳ፣ ብሔረ ትግርኛ፣ ሓማሴን፣ ክርስትያን ገርካ ምውሳደን ምርዳእን ዓቢ ጌጋ እዩ:: ውጺእቱ ውን ንሎሚ ዘይምትእምማን ንጽባሕ ድማ ቂመ በቐል ምዝራእ እዩ:: ክሳብ ዕለተ ሎሚ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ኢሰያስ መጋበርያ ዝኾኑ ውልቀሰባት ንጎኒ ገዲፍካ እንትርፊ ማዕረ ግፍዕን ወጽዓን ብዝኾነ ምኽንያት ሓለፋን ጉነዖን ዝረኽበ ዞባ፣ ብሔር ኮነ ሃይማኖት ኮታ የልቦን:: ስርዓት ኢሰያስ ንኹሊ ፖለቲካውን ባህላውን መሰላት ህዝብን ብሔራትን ብ ሃገራዊ ባህሊ ተኪኡ፣ ንኹሉ ቁጠባዊ ጸጋታት ገቢቱ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ ስርዓት እዩ:: ነዚ ዕላማዚ ንምትግባር መጋበሪ ዝኾነ ጥራሕ እዩ ድማ ናቱ:: ማንም ብሔር ግን ፍቃደኛ ኣይኮነን ነዚ ዕላማዚ::
- ናይ ዝኾነ ብሔርን፣ ዞባን፣ ሃይማኖትን ሽግር ኮነ ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕቶ ከም ሃገራዊ ሽግር ድኣምበር ከም ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ኣካልን ዞባን ጥራሕ ከረአ ከምዘይብሉ: ብትሕተ ሃገራውነት ዝልለን ዝግለጽን ኣወዳድባን ቅርጻን ክህልወና ካብ ዝገደዱ ኩነታት ቀንዲ እዚ ጸገምዚ እዩ:: ንሽግራት ሃይማኖታትን እምነታትን ከም እኒ ጅሆባ፣ ምስልምና፣ ሓደስቲ ምንቅስቃሳት ክርስትና፣ ከም ኡውን ተወጺዕና ወይ ዝያዳ ተገፊዕና ናይ ዝብሉ ብሔራትን ክፋላትን ሕቶ ኣብ ክንዲ ከም ሃገራውያን ጸገማት ገርካ ምርኣይን፣ ሃገራውን ሓባራውን ፍታሕ ክትረኽበሎም ምፍታንን፣ ንነፍሲ ወከፍ ውጹዕ ክፋል ዝውክል ዝተጎዛዘየ ኣቃውማ ኣቊምካ፣ ብሔራዊ ጽገም ብብሔራዊ ውደባ፣ ሃይማኖታዊ ጸገም ብሃይማኖታዊ ውደባ፣ ከባቢያዊ ጸገም ድማ ብከባብያዊ ጸገም ከም ዝፍታሕ ኣሚንካ ንዑኡ ዝውክል ኣሰላልፋ ምትእትታው ኣዝዩ ሃስዩና:: ካብ ሕሉፍ ጌጋን ዘስዓቦ ኣሉታን ተማሂርና ክንእረመሉ ከምዘሎና ድማ ግዜን ኩነታትን ይጠልበናሎ:: እምበኣር ድሕነት ህዝብና ዝቀላጠፈሉ ዓወት ቃልስና ዝረጋገጸሉ ብኩልንትነኣዊ ሃገራዊ ኣረኣእያ ብዘለዎም ኣብ ሓድነትን ሃገራውነትን ዝተደኮነ ውደባን ኣሰላልፋን ብዘለዎም ማሕበራት እምበር ኣካላውን መንፈሳውን ውህደት ብዘይብሎም ኣብ ትሕቲ ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ሃገራዊ ባይቶ፣ ወዘተ ዝብሉ ጽላላት ዘጽለሉን ዝተሻረኹን ውድባትን ማሕበራትን ኣይኮነን:: ስለዚ ፈቲና ጸሊእና ዘዕውተናን ዘዋጽኣናን ሎሚ ኣብ ግዜ ቃልሲ ጽባሕ ድማ ኣብ ግዜ ዓወት ንነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታውን፣ ብሔራውን፣ ከባብያውን ሕቶን ጸገምን ከም ሃገራውን ሓባራውን ጸገም ተሸኪሙ ሃገራውን ሓባራውን ፍታሕ ንምርካብ ሓላፍነት ዝወስድ ንኹሉ ዝውክል ሃገራዊ ኣወዳዳ ከምዝኾነስ ናተይ ማዕዳ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ እዩ::
ካብዚ ዓዲ ውዒል ገሩና ዘሎ ሕሉፍ ጌጋታትና ተኣሪምና፣ ቅኑዕ ተረድኦን ኣብ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝተደኮነ ሃገራዊ መልክዕ ዝሓዘ ኣሰላልፋ ወኒና ንዓወትን ዲምክርስያዊ ለውጥን ክንበቅዕ ግን ናይ መን ታራ እዩ፧ በርግጽ መልሱ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ:: ግን ንእመት እውን ስድሪ ኣላታ ከም ዝበሃል፣ ኩሉ ዜጋ ማዕረ ሓላፍነት ሃልይዎ፣ ምሁራውን ዓቅማውን ብቕዓት ዝወነኑ ዜጋታት ግን ኣብዚ ጉዳይዚ ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዎም::
- እጃም ኤርትራዊ ምሁራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምምጻእ ዲሞክራስያዊ ልውጥን ምርግጋጽ ሓድነት ህዝብን ሃገርን፣ ምሁር ክበሃል ከሎ ካብ ታራ/ዘይተማህረ/ ሰብ ዝፈልዮ ነገር እንተሎ እቲ ዝቀሰሞን ዝወንኖን ልዑል ኣፍልጦ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዝስከሞ ዝያዳ ሓላፍነት እውን እዩ:: ኣብ ምውጋድ ሃገራውን ከባብያውን ጽገማት፣ ኣብ ምርግጋጽ ፍትሕን ሰላም ኮነ ኣብ ምዕዋት ልምዓታውን ቁጠባውን መደባት ምሁር ካብ ዘይምሁር ዝያዳ ከበርክትን መርሕ ታራ ክጻወትን ትጽቢት ይንበረሉ:: ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ሃዋህው ቁልሕ ኣብ ትብለሉ ግዜ ግን፣ ብኽልተ ምኽንያታት ምናልባት ኤርትራዊ ምሁራዊ ማሕበረሰብ ንጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ብዝምልከት ምሁራዊ ሓላፍነት ኣብ ምውሳድ ዘንጊዑ ከይህሉ ትጠራጠር:: ክሳብ ሕጂ ዝተወሃሃደ ናይ ኤርትራዊ ምሁራዊ ማሕበረሰብ ግብራዊ ስጉምቲ( action) ጋና ኣይተወስደን:: ዝበዝሐ ክፋሉ ከምቲ ታራ ዜጋ ስቁታ ዝመረጸ፣ ገለ ክፋሉ ምስ ስርዓት ህግዲፍ ተወጊኑ ንዓዕናዊ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ክድግፍ ዝርከብ ኮይኑ ገለ ዝወሓደ ክፋሉ ድማ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣፋውን/መደረኣዊን ጽሑፋውን ቃልሲ ዝተደረተ እዩ:: ብሓደ ወገን እዚ ጸጋ ህዝብን ሃገርን ዝኾን ምሁራዊ ዓቅሚ ከምቲ ኣብ 2014 መንፈሳውያን ኣበው ዝወሰድዎ ግብራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ሰሚሩን ሓቢሩን እዚ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ናይ ምብትታንን ምጭኽኻንን ሃዋህው፣ ብቅጽበት ደው ክብልን፣ ህዝቢ ሰላምን እፎይታን ረኺቡ ትረጋጊኡ ንቡር ህይወት ዝመርሓሉ ሃዋህው ንኽፍጠር ድማ እንተ ዝጠልብ፣ ኣብ ሊዕሊ እቲ ዓንዳሪ ስርዓት ስግኣት መሕደረ፣ ንህዝቢውን ተስፋን መበራበርን መኾነ:: ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቃልብቦ ከምዝረክብ እውን ምገበረ ነይሩ:: ብኩራት ምሁራዊ ዓቅሚ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ግን በዚ ዝተሓጽረ ኣይኮነን:: ምሁር ኣካል ምሁራዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ እንተዝዋሳእ ነቲ ልውጢ ከምጽእ እንዳተመነየን እንዳጸዓረን ኣብ ፍልልያት ዝነብር ንዘሎን ደምበ ተቃውሞ እውን ምስ ኣተዓራቅን ጸጋንን ሓሳባትን እማመታትን እንተዝቀርብዎ፣ ደምበ ተቃውሞውን ክሳብ ሕጂ እንተዘይተዓወተውን መንገዲ ዓወት ሒዙ ክጐዓዝ መተረኽበ ነይሩ:: እዚውን ግን ኣይተረኽበን::
- ዓቅማዊ ክፋል ደምበ ተቃውሞ/ብናይ ዕድመ ጸጋ ምኽንያት ናይ ግብርን ክለሰሓሳብን ተመኩሮ ዝደለቡ ዜጋታት/ እንተኣይ እዩ እጃሙ፧ ብጀካ እዚ ድሒሩ ዝተቀልቀለ ዘይተጠርነፈን ግቡእ ቅርጻ ዘይሓዘን መንእሰያዊ ምንቅስቃሳት፣ ብበርገሳውን ፖለቲካውን ምሓበራት ዝፍለጥ ብ10ታት ዝቁጸር ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቅስቃሳትን ናይ ምሕዝነትን ሽርክነትን ጥርናፌታትን ኣሎ:: መርሕነታትን ባእታታትን ናይ ነፍሲ ወከፍ በርገሳዊ ኮነ ፖለቲካዊ ምሕበራትን ጥርናፌታትን ድማ ውጺኢት ናይ በቢእዋኑ ምጉጅጃላት እዮም:: ገሊኦም ብፍላይ ድማ ኣብ ዝዓበየ ናይ መርሕነት ጽፍሕታት ዝርከቡ ኣባላት ንፖለቲካ ኤርትራ ካብ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣትሒዞም ዘሰንይዎ እንክኾኑ፣ ዝበዝሑድ ኣማ ንሰውራ ኤርትራ ቅድሚ ኲናት ሕድሕድ ዝተጸበርዎ እዮም:: እዚ ነገርዚ ፍልላያት ከብ እንታኣይን ብኸመይን ከምዝመጽእን ከምዝምዕብልን ንኽፈልጡ ኮነ ውጽእት ምፍልላይን ምጉጅጃልን ክሳብ ክንደይ ሃሳዪ ከምዝኾነ ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጡን ብግብሪ ዝረኣዩን እዮም::
ኮይኑ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንተቃለሳይ ድማ ብፍላይ ጋና በቲ ንሊዕሊ ፍርቂ ዘመን ተኸቲሎም ዘይተዓወቱሉ ናይ ምጉጅጃል ስልቲ ክመርሕዎን ከቃልስዎን ይርከቡ ኣለዎ:: እዞም ሰብ ዕድመን ሰብ ተመኩሮ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህልን ዝኾኑ መርሕነታት ፖለቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ካብ ሕሉፍ ጌጋታት ተማሂሮም፣ ኣብ ክንዲ ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ሃገራዊ ባይቶ ወዘተ እንዳበሉ ንነፍሶም ዘተዓሻሽዉን ንህዝቢ ዘድክሙን፣ ስልቲ ምጉጅጃል ቀይሮም ኣብ ግምባር ስምረትን ሓድነትን ክመጹ ትጽበዮም:: እዚውን ግን ጋና ኣይተረኽበን:: ኣብ ክንድኡ ወግሐ ጸብሐ ሓዲስ ምጉጅጃላት እንዳተፈጥረ ሓድነት ህዝብን ሃገረን ኣዝዩ ተቋሲሉ ይርከብ:: ንውጺእት መሰረት ኣልቦ ዝኾነ ምፍንጫል ሰውራና ኣብ ታሪኽ ብውግእ ሕድሕድን ኣብ ምድንጓይ ነጻነት ሃገርን ጥራይ ኣይንለክዓዮ:: ሎሚ ካብ ትማሊ ብዝገደደ መልክዑ ንመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሓይልን ድርዕን ኮይኑ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተስፋ ኣቍሪጾ፣ ካብ ሕድሕድ እውን እምነት ከምዘጉድል ገይርዎ ይርከብ:: ስለዚ ኩሎም እዋናውያን ሃንደስቲ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ዓሚቍ ሃገራዊ ዘተ ተጸሚዶም ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ድማ ብሓላፍነት ዝምልስ ግምባር ኣብ ምቛም ወሳኒ ታራ ክጻወቱ ትጽቢት ይንበረሎም ኣሎ::
መድሃኔ ሃብተዝጊ
(LLM)
እዚ ጕዳይ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ላምፓዱሳ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዕለት 03.10.2013 ኮይኑ፣ ዉሱናት ናይ ቀረባ ዘመድ ኣብ ናይ DNA-test ተሳቲፍና። ኩላትና በዚ ጕዳይ ዝተተንከፍና ናይ ቀረባ ስድራኤት (ኣቦ፡ ኣደ፡ ሓው ወይ ሓፍቲ) ኣብ ውሽጢ 23-24 ሚያዝያ 2015 ናይ DNA ምርመራ ክንገብር ነዘኻኽር። እዞም ነዚ ጕዳይ ሒዞሞ ዘለዉ ሰባት ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ ንምልላይ ናይ ሬሳና ዝኸውን ሓበሬታ ካብ ቀረባ ስድራቤት ይሓቱ ኣለዉ። ሰ'ዚ ኵላትና ብቐረባ ክንንቀሳቐስ እንኽእል ሰባት ብዝተኻእለና መጠን ክንተሓባበር ንላበው። ከም ተወሳኺ፡ ስእሊ መሳሊ ወይ ፍሉይ መለለዪ ኣሎ ትብልዎ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ።
ሓበረታ ደንጉዩ ስለዝበጽሓና ኣብዘን 10 መዓልታት ኣብዚ ደውልኩም ትምዝገቡ ተልፎን 00393409802196 ዩዲት ግላትስ። ዮዲት ንምርድዳአ ጣልያን ኢንግሊሽ ጀርመን ትዛረብ ያ።
ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓልኤርትራ 2015 ኣብ ፍራንክፎርት
Thursday, 02 April 2015 23:46 Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015
ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ዝዳሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ሎሚ ዓመት 2015 እውን፣ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ምድላዋቱ ጀሚሩ ይርከብ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር መኽሰብ ኣልቦ ትካል ኰይኑ፡ ዓመት መጸ ንኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ብዘይኣፈላላይ ዓዲሙ፡ መጋባእያ ዘተን ልዝብን ዝኸስት፣ ተሳታፊ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ርእይቶታቱን ሓሳባቱን ብነጻ ዝገልጸሉን ምስ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሓይልታቱ ዝራከበሉን መድረኽ ዘጣጥሕ ማሕበር እዩ። ካብዚ መሰረታዊ እምነትን ተልእኮን እዚ ተበጊሱ ድማ'ዩ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር፤ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015 ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 02 ነሓሰ 2015 (31.07 ክሳብ 02.08.2015) ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ምድላዋቱ ጀሚሩ ዘሎ።
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር፡ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015 ክሰርዕ እንከሎ፡ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ፈስቲቫላት ህዝባዊ ረብሓ ንምርግጋጽ ሓላፍነት ናይ ምስንዳእ ምውሳዱ ማለት እንተዘይኰይኑ፡ ፍሉይ ጠቕምን ረብሓን ከምዘይብሉ ብምርዳእ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን መደባት ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ረብሓ ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ተገንዚብና ዓዳምን ተዓዳምን ዘይብሉ፡ ተሳትፎና ከነዕዝዝን ብሓሳብ ከነሀብትሞን ከነዐውቶን ብኣኽብሮት ንጽውዕ ምህላውና ንሕብር።
ቦታፈስቲቫል፡
Campus der Johann Wolfgang Goethe-Universität
Mertonstr. 26-28
60325 Frankfurt/Main
ዝርዝር መደባት ፈስቲቫል 2015 ስዒቡ ክቐርብ እዩ።
ኣኽበርትኹም!
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015
"ዘይብሉ ኣይህብን ኢዩ"
ንመግለጺ ሓው ኻልድ ክትሰምዑ ኣብ'ዚ ሊንክ ጠውቑ
https://www.youtube.com/watch?v=L2K9MyROYWc&feature=youtu.be
ሓው ኻልድ ዓብዱ ኣብ ስመር ሩምን ስመር ቲቪን ብዛዕባ ልኡላውነት ዝሃቦ መግለጺ፡ እዝነይ ውን ክኣምኖ ስለዘይከለ ደጋጊመ ሰሚዐዮ። ዘደንጹ መግለጺ ኢዩ ነይሩ። እቲ ካብ መዓሙቕ ልቡ ዝግንፍል ዝነበረ ስምዒት፡ ንሕና ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምቕያር ካብ ሰኣና ስለምንታይ ኢትዮጵያ ክትቕይረልና ዘይንቕበል: ስለምንታይ ኢትዮጵያ ገለ መጥቃዕቲ ክትገብር ከላ ልዑላውነትና ተደፊሩ ንብል ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ ኢየ ረኺበዮ።
ንዕግበቱን ርእይቶን ናይ ኵላትና ዕግበት ንምግባር ኢሉ ድማ፡ ብዛዕባ ዲክታቶርን ቶታሊታርያንን ዘስደምም ፍልስፍናታት ኢዩ ከቕርበልና ፈቲኑ። ግን፡ ኣብ ናይ ትርጕም ንትርኽ ከይኣተኹ፡ ኣብ'ተን ዘቕርበን መብርሂታት ወይ መበገሲታት ከተኩር ኢየ።
1. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዲክታቶር ጥራሕ ዘይኰነስ ቶታሊታርያን ኢዩ። እዚ ስርዓት፡ ናይ ህዝቢ ድሌት ስለዘይሰምዕ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ዜጋታቱ ኢድ ስለዘእቱ፡ ህዝቢ የጽንት ስለዘሎ፡ ኢትዮጵያ ኣትያ ነዚ ስቓይና መደምደምታ ክትገብረሉ ቅቡል ኢዩ ይብል።
ኣብ ስዑድያ ይኹን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ነገስታት፡ ንመሰላት ናይ ዜጋታቶም ዘየኽብሩ ዲክታቶርያውያን ምዃኖም ፡ ኵላትና ዘይንፈላለይሉ ሓቂ ኢዩ ዝመስለኒ። ብመሰረት መጎት ወይ መበገሲ ሓውና ኻልድ፡ ጐረባብቲ ናይዘን ሃገራት ዝዀኑ መንግስታት ወይ ካልኦት ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ሃገራት ብኢደ ወነነን ኣትየን ነቶም ንጉሳውያን ስርዓታት ከልግስኦም ቅቡል ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ፡ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ንሩስያን ቻይናን ከም ቶታሊታርያን ሃገራት ኢየን ዝፈልጥአን። በዚ ኣብሃህላ ናይ ሓውና ኻልድ ኣመሪካ ይኹን ነቶ፡ ንሩስያን ቻይናን ወሪሮም ናቶም ስርዓታት ክምስርቱ ቅቡል ገርና ኢና ክንወስዶ ማለት እዩ።
እዚ፡ ዝኾነ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝቕበሎ ኣይኮነን። ንምዃኑ'ኸ፡ ኣመሪካ ብሓይሊ ወሪራ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ክትቅይር ኣብ ዝፈተነቶ ቦታታት፡ ከምቲ ኻልድ ዝብሎ ሰላምን ዲሞክራስን በሽበሽ'ዶ ኢሉ እዩ? ኣብ ዒራቕ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሱርያ ዝሃልቕ ዘሎ ሰብን ዝበርስ ዘሎ ንብረትንከ ግናይ ገጽ ናይ ኢድ ምትእትታው ምዃኑ ስለምንታይ እዩ ክርድኦ ዘይከኣለ።
2. ሉኣላውነት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝሕብኣሉ መጋረጃ ኢዩ። ናይ ህዝቢ ሉኣላውነት ከይተሓለወ ናይ ሃገር ሉኣላውነት ክሕሎ ኣይክእልን ኢዩ። እቶም ሉኣላውነት፡ ሉኣላውነት ዘብዝሑ ሓደ ክልተ ጕጅለታት ኢዮም። ንሶም ውን እንተኾነ፡ ብኢትዮጵያ ዝመጽእ ለውጢ ዘይቕበሉ ወይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክቓለሱ ዘይደልዩ ኢዮም ይብል።
ኤርትራ ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር ክትከውን ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኢዩ ተቓሊሱላ። ስለዝኾነ ድማ፡ ተሓላቒ ናይ ሉኣላውነት፡ ኢሳያስ ወይ ስርዓቱ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ከም በዓል ኻልድ ዝኣመሰሉ ገለ ውሑዳት ሰባት ገዲፍካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኢዩ። ልዕሊ 100 ሽሕ ሰማእታት፡ ካብኡ ዘይውሑድ ስንኩላት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ዝተኸፍለላ ሃገር እኳ ምእንቲ ሉኣላውነታ ኢዩ። ሓውና ኻልድ ከመይ ቀሊልዎ ኢዩ ንጕዳይ ሉኣላውነት ከም መጋረጃ ጥራሕ ክርድኦን ፊን ከምዘበሎ ክቐዳድዶ ዝፍትን ዘሎ። ኪኢለዮ ኢሉ ድማ፡ ናይ ህዝቢ ሉኣላውነት ዘይሓለኻስ ናይ ሃገር ክብል ደጋጊሙ ክዛረብ ሰሚዐዮ። ሃገር እኮ ህዝቢ፡ መንግስቲ፡ ናይ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ክሊታትን ጸጋታትን፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣውራጃታት፡ ምምሕዳራት ...ወዘተ ዘጠቓለለ ኣምር እኳ እዩ። ስለምንታይ ኢዩ ንሃገር ኣቃሊሉ ክርኢ ዝፍትን። ብዘይ ሃገር ክብረት ከምዘየለ ዘንጊዑ ድዩ?!!!! ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዝበሉ ኤርትራውያን ኢትዮጵያን ሞትን ከምዝረኸብወን ኣይፈልጦን ድዩ ወይስ ረሲዕዎ ድዩ?!!!
ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ብኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ወጻኢ ሓይሊ ለውጢ ክመጽእ ዘይደልዩ ሓይልታት ምህላዎም ዘካትዕ ወይ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቶም ለውጢ ዘምጽኡ ናይ ግዳም ሓይልታት ንረብሓታቶም ጐስዮም ኣይኰኑን ናይ ገንዘብን ጉልበትን መስዋእቲ ዝኸፍሉ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ንቕበል ኢና ኢሎም ክልቲኦም ሸነኻት ድሕሪ ምስምማዖም እኳ'ዩ፡ ውጽኢት ናይ ፍርዲ ዘየሐጎሳ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ኣብ ግብሪ ከይውዕል ትዕንቅፍ ዘላ። ስለ'ዚ፡ ንዑ እሞ ልኡላውነትና ደፊርኩም፡ ዘድሊ መስዋእቲ ከፊልኩም፡ ነቲ ስርዓት ኣውድዱቕልና፡ ብድሕሪኡ ሃገርና ገዲፍኩምልና ትወጹ ምባል የዋህነት ኢዩ።
ሓውና ኻልድ ሕንኽ ከይበለ፡ ንሕና ዓቕሚ ስለዘይብልና፡ ሕጂ ንሉኣላውነትን ኣድፊርና ነቲ ስርዓት ነቐይሮ፡ ጽባሕ ህዝቢ ተጋጊኹም እንተደኣ ኢሉ ኣይምረጸና፡ ንሕና ስልጣን ንህዝቢ ከነስረክብ ኢና ክብል ኢዩ ተሰሚዑ።
"ዘይብሉ ኣይህብን ኢዩ" ዝብል ምስላ ብዓረብኛ ኣሎ። ዓቕሚ እንተዘትብልካ፡ ንህዝቢ ተረክቦ ስልጣን የብልካን። ስልጣን ዘረክብን ዝኸልእን እቲ ነቲ ስርዓት ዝቐየረ ሓይሊ ወይ ዓቕሚ ዘለዎ ኣካል ኢዩ። ከሎ ገና ስዑር ምዃኑ ዝኣምን ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ፡ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ዝኾነ ይኹን ግደ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።
3. ነቲ ጠንቂ ገዲፍካ፡ ኣብ ሳዕቤን ምዝራብ መፍትሒ ኣይኮነን። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ክህውክ ከሎ ኣይንዛረበሉን፤ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ክትህብ ከላ ግን ጫውጫው ንብል ይብል ሓውና ኻልድ ዓብዱ።
እዚ ኣልሚምካ ንኹሉ ብሓደ መጕድእ ምውቓጡ ቅኑዕ ኣይኮነን። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብ1998 ናይ ዶብ ውግእ ከባርዕ እንከሎ፡ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንጻሕታሪ ግርጭት ዝኾነ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኮኒኖሞ ኢዮም። ምኹናን ጥራሕ ዘይኮነስ ሰራዊቱ ናብቲ ቅድሚ ግንቦት 1997 ዝነበሮ ቦታታት ክምለስ፤ እቲ ናይ ዶብ ግርጭት ድማ፡ እንተተኻኢሉ ብክልትኣዊ ርክብ እንተዘይኮይኑ ድማ መንጎኛታት ሓዊስካ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ መጸዋዕታኦም ኣቕሪቦም ኢዮም።
ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብሓይሊ ተደሲቑ ምስ ወጸ፡ ከምቲ ኻልድ ዝበሎ ንሉኣላውነት ናይ ኤርትራ ዝቖራርስ ስምምዕ ክቕበል ተገዲዱ እዩ። ድሕሪ ብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን፡ እቲ ጠንቂ እቲ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ዝዕንቅጽ ዘሎ ኣካል ኢዩ።
ሓው ኻልድ ከም ኣብነት ዘልዓሎ ናይ ከልቢ ምንካስ ጕዳይ ብስፍሕ ዝበለ ኣመለኻኽታ ምጥማቱ ኣገዳስነት ኣለዎ። እወ ከልቢ እንተደኣ ነኺሱካ ንዋንኡ እምበር ንዕኡ ከምዘይትኸሶ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዋና ግን ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ከልቡ ስለዝነኸሰ፡ ይኽሰስ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ሓጹር ወይ ካንቸሎ ዘሊሉ ዝኣቱ ሰራቒ ይኹን ካልእ ገበነኛ እንተደኣ ተነኺሱ፡ ንዋና ገዛ ክኸስስ ኣይክእልን ኢዩ። ስራሕ ናይቲ ከልቢ እኳ፡ ነቲ ገዛ ካብ ገበነኛታት ምሕላው ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ እቲ ከልቢ ካብ ቀጽሪ ገዝኡ ወጺኡ ንንጹሃትን ሰላማውያን ሰባትን እንተነኺሱ፡ ዋና ክኽሰስን ክቕጻዕን ናይ ግድን ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ዝኾነ ስርዓት፡ ዶባቱ ሰጊሩ ኣብ ዶባት ናይ እንዳማቱ መጥቃዕቲ ክገብር ቅቡል ኣይኮነን።
ምትእትታው ቅቡል ዝኾነሉ ምኽንያት ግን ኣሎ። ንሱ ከኣ፡ብስም ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ንኣህጉራዊ ውዕል ዝጥሕሱ ፡ ንህዝቢ ዘጽንቱ፡ መንግስታት ናይ ምቕጻዕን ምጥቃዕን መሰል ከምዘለዎም ርዱእ እዩ። ስለዚ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝውሰድ ምትእትታውን ሃገራት ብተናጸል ዝገብርኦ ምትእትታዋትን ደዋዊስካ ምቕራቡ ንገዛእ ርእሱ ቅኑዕ ኣይኮነን።
ብርሃነ ኣብርሃ
መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ ምሸትን
Tuesday, 31 March 2015 16:17 Written by ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡን
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ዝመርሖ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ንዕለት 11 ሚያዝያ 2015 (11.04.2015) ኣብ ከተማ ከለን ክካየድ ኢዩ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገርን ሰዲህኤን መብርሂ ከቕርብ ኢዩ።
ድሕሪ ኣኼባ ድማ፡ ብወናማት ሙዚቀኛታት ሰላም ዑቕባይ፡ ኢዮብ ተስፋማርያም፡ ሰሚር ክፍላይ፡ ሰናይ መሓርን ኣለም ኣሰፋውን (ዕምባባ) ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ ምሸት ተዳልዩልኩም ኣሎ።
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለንን ከባቢኣን ንዅሉ ግዱስ ዜጋን ወጻእተኛን፡ ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ ተዳልዩ ናይ ዘሎ መደባት ተኻፋሊ ክኸውን ብትሕትና ይዕድም።
ህዝባዊ ኣኼባ ዝጅመረሉ ግዜ፡- ሰዓት 14፡00 ( ወይ ሰዓት 2፡ ድሕሪ ቀትሪ)
ኣድራሻ ወይ ቦታ ኣኼባ፡- Quäker Nachbarschftsheim
Kreutzerstrße 5-9
50672 köln
መጓዓዝያ፡- U-bahn 5 ካብ köln HBF ይጽዓኑ። ኣብ ( Haltestelle ) Hansbockler platz ይወርዱ። ንቕድሚት ምስ ወጹ፡ ናብ ቦታ ኣኼባ ዝሕብር ምልክት ተኸቲሎም ናብ ቦታ ኣኼባ ከበጽሑ ይኽእሉ።
ብደሓን ምጹ!!!
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡን
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብ27 መጋቢት 2015 ዝተረኽበ፡ ናይ ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ዜና ዕረፍቲ ብመሪር ሓዘን ተቐቢልዎ። ተጋዳላይ ተስፋማርያም፡ ወልደማርያም ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኣቦ መንበር ከይኑ፡ ንነጻነት ኤርትራ ዝተቓለሰን ተመሃሮን መንእሰያትን ኣብ ምውዳብ ዝተዋፈረን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሓላፍነት ዘገልገለ ተጋዳላይ እዩ። ብ1975 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከኣ፡ ኣባል መሪሕነት ኰይኑ ከገልግል ተመርጸ'ሞ ክሳብ 1981 ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ናይ ቤት ጽሕፈት ዜና ሓላፊን ኰይኑ ኣገልገለ። ተሓኤ ናብ ሃገር ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ፡ ተጋዳላይ ተስፋማርያም ከም ሓያሎ ተጋደልቲ ናብ ስደት ኣምሪሑ፡ ኣብ ሃገር ኣመሪካ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሰላማዊ መነባብሮኡ ከካይድ ጸንሐ። ተጋዳላይ ተስፋማርያም ከም ናይ ተሓኤ ሓላፊ ዜና መጠን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኰነ ኣብ መዳይ ፖሊቲካዊ ሓሳባዊ ዕቤት ሰውራና ኣሰር ዝገደፈ ተጋዳላይ ምዃኑ ይዝከር። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ዕረፍቲ ተጋዳላይ ተስፋማርያም፡ ንመላእ ስድራቤቱን፡ ንመቓልስቱን ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እናገለጸ፡ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራቤትን ፈተውትን ድማ ጽንዓት ይሃብ፡ ይብል።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
መጋቢት 28, 2015
ሽግርና ምልኪጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎ፧ (ራብዓይ ክፋል)
Tuesday, 24 March 2015 23:38 Written by መድሃኔ ሃብተዝጊራብዓይ ክፋል
ኣብ መዛዘሚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ብሔረ ትግርኛን ተወላዲ ከበሳን እውን ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሔራትን መታሕታውያንን ብኽልተ ምኽንያት እምነት ከምዘጕደለ ውስ ኣቢለ ኣቋሪጸ ነይረ: ክቕጽል እምበኣር::
እቲ ብሔረ ትግርኛን ከበሳውን ኣብ ልዕሊ መታሕታውያንን፣ ካልኦት ብሔራትን፣ ሃይማኖት ምስልምናውን ከይተረፈ እምነት ከምዘጉድል ክገብሮ ዝገደዶ ምኽንያታት ብቀንዱ ክልተ እየን:: ንሳተን ድማ ፖሊሲ መንግስቲ እትዮጵያን ኣብ ሊዕሊ ኤርትራን ምስኡ ተዛሚዱ ዝመጸ ምስሳን ብሔራውያንን ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያን ውድባትን፣ መታሕታውያን ብከበሳውያን ተበዲልና ዝብል ሓዲሽ ናይ መታሕታውያን ክስን ምውድዳብን እዩ::
ሕማቅ ዕድል ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ኮይኑ፣ ዕርክነት ስርዓታት ኣዲሳበባን ኣስመራን ኣብ 1998 ናብ ጽልኢ ምስ ተለወጠ፣ ክሳብ ሎሚ ዝቅጽል ዘሎ ጻዕርታት ክልቲኦም መንግስታት፣ ሓደ ነቲ ሓዲ ንምዕናውን ንምድምሳስን ኮነ:: ነቲ ኣብ ጽባሕ ዓወታቶም ብቃሎም ብደም ዝተፈራረምናሉ ዘይጥለምን ዘይሕከኽን ምሕዝነት ኣሎና ዝበልዎ፣ ድሕሪ 7 ዓመት ዳግማይ ኲናት ብምብራዕ ብደም ንጹሓት ዜጋታት ሓኺኾም ናብ ጉሁር ጽልኢ ቀየርዎ:: እቲ ላዕለዋይ ሽፋን መወሊዒ ኵናት ናይ ክልቲኦም መንግስታት ዶባትን ልዑላውነትን ሃገር ዝብል እኳ እንተነበረ፣ ሓቁ ግን ካልእ ከምዝኾነ ታራ ሰብ እውን ዝርድኦ እዩ:: ክፋል መሬቱ ዝተመንዘዐን ልዑላውነት ሃገሩ ዝተደፍረን ህዝን መንግስትን እንተተኻእለ ብልዝብን ሕግን፣ በዚ እንተዘይተኻእለ ድማ ብቃልሱ ይግበኣኒ እዩ ዝምሎ ዝተመንዝዐ መሬቱን ልዑላውነቱን ክመልስ ንቡርን መሰሉን እዩ:: ኣብ ስርዓታት ኣዲሳበባን ኣስመራን ግን ከምኡ ኣይተራእየን:: ነቲ ድሕሪ ምፍሳስ ደምን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ክልቲአን ሃገራትን ዝተበጽሐ ስምምዓቶም ኮነ ከም ሳዕቤኑ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝበየኖ ናይ ዶባት ፍርድውን ክቅበልዎን ከኽብርዎን ኣይተራእዩን:: ኣብ ክንድኡ ገና ሓደ ንህልውና ናይቲ ካልእ ካብ ገጽ መሬት ክጥፍእ ብዝዓቅሙ ይቃለስ: ይፍክር እውን::
ኣብ ከይዲ ኲናት ኢትዮ - ኤርትራ 1998 - 2000 ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንመግስቲ ኤርትራ ከም መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ዕቡይ ሓይሊ ከበሳን ብሔረ ትግርኛን ክገልጽዎ ተረኽቡ:: ኣብ መደረታቶም እውን ነዚ ትዕቢት ከበሳውያን ክነምበርክኾን ክነምክኖን ኢና ዝብል ናይ ኣይትሓዙኒ ፈኸራ ኣስምዑ:: ጋናውን ይቅጽሉ ኣለዉ:: ክሳብ ሕጂ ንስርዓት ኢሰያስ ዋላ ኣስመራ ኣትዮም ብዝኾነ ከውድቅዎ እንተዘይኮይኑ ዝኸሰርናዮን ዘኽሰርናዮን ይኣክል፣ ከም ቃልናን ስምምዕናን ሕጊ ዝሃበና ብጽሖትና ወሲድና፣ ዶባትና ክንሕንጽጽ እሞ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት እፎይታ ረኺቡ ንቡር ህይወት ከስተማቅር ክነፍቅደሉ ዝብል ነገር ኮታ ኣብ ሓንጎሎም እውን የለን:: መራሒ ሰርዓት ኣስመራ ብወገኑ፣ ነቲ ብምኽንያት ዓንዳሪ ኣካይድኡ ካብ ህዝብን መንግስታት ዓለም ኣጋጢምዎ ንዘሎ ተነጽሎ ከመኽንየሎ፣ ንዝምድናን ርክባትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ዝተረፈ ክፍሊ ዓለም ብመጋበርያነት ጥራሕ ክገልጾ ይርከብ:: ንመንግስትን መራሕትን ኢትዮጵያ ኮራኹርን መጋበርያን ናይ ምዕራባውያን እዮም ዝብል ብደዐ ዝመልኦ ዘረባ መኽፈትን ኣፍን ቀንዲ መልእኽቲ ነፍሲ ወከፍ መደረ ፕረሲደንት ኢሰያስን እዩ::
እዚ ብመርሕነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኣስመራ ከም ናይ ከመሳን ናይ ብሔረ ትግርኛን ዕቡይ ሓይሊ ገርካ ናይ ምግላጽ ስጉምቲ እምበኣር፣ ምስቲ ብብሔረ ትግርኛ ተወሪርና ተዓብሊልናን ዝብል ናይ ውሽጢ ሃገር መረረ ተሳነየ:: ንብሔረ ትግርኛን ከበሳዊ ክፋልን ድማ ምስ ዝነበሮ ተደሚሩ ኣዝዩ ኣሻቀሎ:: በዚ ውን ግን ኣይተረፈን::
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ኢትዮ - ኤርትራ እተን ካብ 10 ዘይበዝሓ ዝነበራ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ብሔራውን፣ ዞባውን፣ ሃይማኖታውን፣ መልክዓት ሒዘን ናብ 30ታት ደየባ:: መጨጪሒ ቦትአንን፣ ኣብያተ ጽሕፈተንን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ:: በንጻሩ ሃገራዊ መልክዕ ዝለበሳ ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝድለ ቦታ ኣይረኸባን:: እቲ ንኤርትራዊ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ኣወሃሂዱ ብምቅላስ፣ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከቀላጥፍ ትጽቢት ዝተነብረሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንለውጢ እውን፣ ንዝተጫጭሓ ብሔራውያንን፣ ሃይማኖታውያንን፣ ዞባውያንን ውድባት ክሳብ ምግንጻል ንዝብል ጠለባተንን፣ ኣብ ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ዞባውን ከናለታት ተጎጃጂለን ንምህላወን ተቀባልነት (legitimacy) ዝህብን ንዝያዳ ምስሳነን ዝተባብዕን ኮይኑ ምርካቡ እውን ተደራቢ ስግኣት ፈጠረ:: እዚ ተርዮዚ ግን ንብሒረ ትግርኛን ከበሳን ብቀንዱ ኮይኑ ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራውን ኣብ ናይ ስኽፍታ ቃላይ ኣስጢምዎ ይርከብ::
ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይዚ ኩሉኸ እንታይ ነይሩ እንተበልና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል:
- ኣብ መንጎ ከበሳን መታሕትን፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምስልምናን ክርስትናን፣ ኣብ መንጎ ብሔረ ትግርኛን ካልኦት ብሔራትን ምትእምማን ጎዲሉ:
- ኣብ መንጎ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዘለወንን ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ከባቢያውን ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ ዘለወንን ፖለቲካውያን ማሕበራት ምትእምማን ጎዲሉ:
- ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብሔረ ትግርኛ ድማ ብፍላይ ምስ ስርዓት ኣስመራ ክቱር ጽልኢ እኳ እንተሃለዎ፣ ዝዓበየ ስኽፍታኡ ግን ካብዘን ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበረን ብሔራትን፣ ሃይማኖታትን፣ ዞባታትን ዝውክላ ውድባትን ሰልፍታትን ኮይኑ፣ ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝበኣሰት ከይትኾኖ ፈሪሒ ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽሲ እትፈልጦ ሰይጣን ኣብ ምባል በጺሑ ይርከም: ከም ሳዕቤኑ ድማ
- ኩሉ ኤርትራዊ ንለውጢ በሃንቀውታ እንዳተጽበየ፣ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን መብዛሕትኡ ልኡም (silent majority) ኮይኑ ተሪፉ:: ገሊኡውን ካብ ናይ ለውጢ ተቃለስቲ ኢና በሃልቲ ወገናት ናይ ለውጢ ጩራውን ክርኢ ስለዘይከኣለ፣ ስርዓት ኢሰያስ ዝጥቀመሉ ናይ ምትላል ረብሓታት ንኸይሓልፎ ከይፈተወ ናይቲ ስርዓት ጎኒ ክሕዝ መረጸ:
- ካብዚ ዝተበገሰ፣ ድምበ ተቃውሞ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እቃለስ ኣሎኹ እንዳበለ ሰብኣውን፣ ንዋታውን፣ ሞራላውን ሓገዝ ናይቲ ለውጢ ዝምነት ህዝቡ ተሓረሞ:
- ውጺእት ናይዚ ኹሉ ድማ እቲ ብህዝቡ እውን ዝተጸልአን ዝተነፍገን ስርዓት ህግዲፍ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ገደብ ንላዕሊ ተማጠጠ: ከመይሲ ህዝቢ ብሓደ ወገን ንስርዓት ኢሰያስ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ክርእዮ እንከሎ ንድምበ ተቃውሞ ግን ካብኡ ብዝገደደ ንኽትፋእ ዕለቱ ዝኣኸለ ሃገራዊ ኢሳተ ጎሞራ ገይሩ እዩ ዝግምቶ::
እዚ ውድዓውነትዚ ኣበይ ገጹ እዩ ክወስደና፧
- ከምቲ ወገናት ድለይቲ ፍትሒ ዝብልዎ ንስርዓት ኣስመራ ካብ ሱሩ ምሒካ ኣብ ምእላይን ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምፍጣር፧
- ወይስ ከምቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝመነዮ ደምበ ተቃውሞ ኣብ ናይ ጋእ ማን ቃልሲ፣ ሃዝቢ ኤርትራ ኣብ ስኽፍታን ሽቁረራን፣ ንሱ ኣብ ስልጣኑ ዝነብረሉ ሃዋህው
- ወላስ ከምቲ ስኽፍታ ዝበዝሐ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ምስ ወደቀውን ኣብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽን ሕድሕዳዊ ጎንጽን እዩ ከምርሓና ንግዝየ ዝግደፍ እዩ::
ግዜ ኣብ ዘፍቀደሉ ካብ ሰለስቲኡ ዕጫኻ ክትቅበል መጽባይ ግን ናይ ሰነፍ ህዝቢ መለለዪ ባህርያት እዩ:: እቲ ክግበር ዘለዎ ከሎ ጋን ንዘይ ቅድው ኩነታት ኣሊኻ፣ ብህግኻን ድሌትካ ብዝተወሃሃደ ቃልስኻ ምርግጋጽ እዩ:: ከመይ ገርና እሞ ነዚ ኣብ ሊዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ድነ ሞት ደመናታት ክንኣልዮ ንኽእል፧ መንከ መርሕ ታራ ክጻወት ኣለዎ ንዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዝቅጽል ሓምሻይ ክፋል ጽሑፈይ ክምልሶ ክፍትን እየ::
ንሎሚ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!
መድሃኔ ሃብተዝጊ
(LLM)