ርእይቶይ ንመግለጺ ሓው ኻልድ ዓብዱ ኣብ ስመር ሩምን ስመር ቲቪን

2015-04-02 20:43:57 Written by  ብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2839 times

"ዘይብሉ ኣይህብን ኢዩ"

ንመግለጺ ሓው ኻልድ ክትሰምዑ ኣብ'ዚ ሊንክ ጠውቑ

https://www.youtube.com/watch?v=L2K9MyROYWc&feature=youtu.be

ሓው ኻልድ ዓብዱ ኣብ ስመር ሩምን ስመር ቲቪን ብዛዕባ ልኡላውነት ዝሃቦ መግለጺ፡ እዝነይ ውን ክኣምኖ ስለዘይከለ ደጋጊመ ሰሚዐዮ። ዘደንጹ መግለጺ ኢዩ ነይሩ። እቲ ካብ መዓሙቕ ልቡ ዝግንፍል ዝነበረ ስምዒት፡ ንሕና ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምቕያር ካብ ሰኣና ስለምንታይ ኢትዮጵያ ክትቕይረልና ዘይንቕበል: ስለምንታይ ኢትዮጵያ ገለ መጥቃዕቲ ክትገብር ከላ ልዑላውነትና ተደፊሩ ንብል ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ ኢየ ረኺበዮ።

ንዕግበቱን ርእይቶን ናይ ኵላትና ዕግበት ንምግባር ኢሉ ድማ፡ ብዛዕባ ዲክታቶርን ቶታሊታርያንን ዘስደምም ፍልስፍናታት ኢዩ ከቕርበልና ፈቲኑ። ግን፡ ኣብ ናይ ትርጕም ንትርኽ ከይኣተኹ፡ ኣብ'ተን ዘቕርበን መብርሂታት ወይ መበገሲታት ከተኩር ኢየ።

1. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዲክታቶር ጥራሕ ዘይኰነስ ቶታሊታርያን ኢዩ። እዚ ስርዓት፡ ናይ ህዝቢ ድሌት ስለዘይሰምዕ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ዜጋታቱ ኢድ ስለዘእቱ፡ ህዝቢ የጽንት ስለዘሎ፡ ኢትዮጵያ ኣትያ ነዚ ስቓይና መደምደምታ ክትገብረሉ ቅቡል ኢዩ ይብል።

ኣብ ስዑድያ ይኹን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ነገስታት፡ ንመሰላት ናይ ዜጋታቶም ዘየኽብሩ ዲክታቶርያውያን ምዃኖም ፡ ኵላትና ዘይንፈላለይሉ ሓቂ ኢዩ ዝመስለኒ። ብመሰረት መጎት ወይ መበገሲ ሓውና ኻልድ፡ ጐረባብቲ ናይዘን ሃገራት ዝዀኑ መንግስታት ወይ ካልኦት ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ሃገራት ብኢደ ወነነን ኣትየን ነቶም ንጉሳውያን ስርዓታት ከልግስኦም ቅቡል ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ፡ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ንሩስያን ቻይናን ከም ቶታሊታርያን ሃገራት ኢየን ዝፈልጥአን። በዚ ኣብሃህላ ናይ ሓውና ኻልድ ኣመሪካ ይኹን ነቶ፡ ንሩስያን ቻይናን ወሪሮም ናቶም ስርዓታት ክምስርቱ ቅቡል ገርና ኢና ክንወስዶ ማለት እዩ።

እዚ፡ ዝኾነ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝቕበሎ ኣይኮነን። ንምዃኑ'ኸ፡ ኣመሪካ ብሓይሊ ወሪራ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ክትቅይር ኣብ ዝፈተነቶ ቦታታት፡ ከምቲ ኻልድ ዝብሎ ሰላምን ዲሞክራስን በሽበሽ'ዶ ኢሉ እዩ? ኣብ ዒራቕ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ሱርያ ዝሃልቕ ዘሎ ሰብን ዝበርስ ዘሎ ንብረትንከ ግናይ ገጽ ናይ ኢድ ምትእትታው ምዃኑ ስለምንታይ እዩ ክርድኦ ዘይከኣለ።

2. ሉኣላውነት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝሕብኣሉ መጋረጃ ኢዩ። ናይ ህዝቢ ሉኣላውነት ከይተሓለወ ናይ ሃገር ሉኣላውነት ክሕሎ ኣይክእልን ኢዩ። እቶም ሉኣላውነት፡ ሉኣላውነት ዘብዝሑ ሓደ ክልተ ጕጅለታት ኢዮም። ንሶም ውን እንተኾነ፡ ብኢትዮጵያ ዝመጽእ ለውጢ ዘይቕበሉ ወይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክቓለሱ ዘይደልዩ ኢዮም ይብል።

ኤርትራ ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር ክትከውን ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኢዩ ተቓሊሱላ። ስለዝኾነ ድማ፡ ተሓላቒ ናይ ሉኣላውነት፡ ኢሳያስ ወይ ስርዓቱ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ከም በዓል ኻልድ ዝኣመሰሉ ገለ ውሑዳት ሰባት ገዲፍካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኢዩ። ልዕሊ 100 ሽሕ ሰማእታት፡ ካብኡ ዘይውሑድ ስንኩላት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ዝተኸፍለላ ሃገር እኳ ምእንቲ ሉኣላውነታ ኢዩ። ሓውና ኻልድ ከመይ ቀሊልዎ ኢዩ ንጕዳይ ሉኣላውነት ከም መጋረጃ ጥራሕ ክርድኦን ፊን ከምዘበሎ ክቐዳድዶ ዝፍትን ዘሎ። ኪኢለዮ ኢሉ ድማ፡ ናይ ህዝቢ ሉኣላውነት ዘይሓለኻስ ናይ ሃገር ክብል ደጋጊሙ ክዛረብ ሰሚዐዮ። ሃገር እኮ ህዝቢ፡ መንግስቲ፡ ናይ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ክሊታትን ጸጋታትን፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣውራጃታት፡ ምምሕዳራት ...ወዘተ ዘጠቓለለ ኣምር እኳ እዩ። ስለምንታይ ኢዩ ንሃገር ኣቃሊሉ ክርኢ ዝፍትን። ብዘይ ሃገር ክብረት ከምዘየለ ዘንጊዑ ድዩ?!!!! ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዝበሉ ኤርትራውያን ኢትዮጵያን ሞትን ከምዝረኸብወን ኣይፈልጦን ድዩ ወይስ ረሲዕዎ ድዩ?!!!

ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ብኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ወጻኢ ሓይሊ ለውጢ ክመጽእ ዘይደልዩ ሓይልታት ምህላዎም ዘካትዕ ወይ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቶም ለውጢ ዘምጽኡ ናይ ግዳም ሓይልታት ንረብሓታቶም ጐስዮም ኣይኰኑን ናይ ገንዘብን ጉልበትን መስዋእቲ ዝኸፍሉ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ንቕበል ኢና ኢሎም ክልቲኦም ሸነኻት ድሕሪ ምስምማዖም እኳ'ዩ፡ ውጽኢት ናይ ፍርዲ ዘየሐጎሳ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ኣብ ግብሪ ከይውዕል ትዕንቅፍ ዘላ። ስለ'ዚ፡ ንዑ እሞ ልኡላውነትና ደፊርኩም፡ ዘድሊ መስዋእቲ ከፊልኩም፡ ነቲ ስርዓት ኣውድዱቕልና፡ ብድሕሪኡ ሃገርና ገዲፍኩምልና ትወጹ ምባል የዋህነት ኢዩ።

ሓውና ኻልድ ሕንኽ ከይበለ፡ ንሕና ዓቕሚ ስለዘይብልና፡ ሕጂ ንሉኣላውነትን ኣድፊርና ነቲ ስርዓት ነቐይሮ፡ ጽባሕ ህዝቢ ተጋጊኹም እንተደኣ ኢሉ ኣይምረጸና፡ ንሕና ስልጣን ንህዝቢ ከነስረክብ ኢና ክብል ኢዩ ተሰሚዑ።

"ዘይብሉ ኣይህብን ኢዩ" ዝብል ምስላ ብዓረብኛ ኣሎ። ዓቕሚ እንተዘትብልካ፡ ንህዝቢ ተረክቦ ስልጣን የብልካን። ስልጣን ዘረክብን ዝኸልእን እቲ ነቲ ስርዓት ዝቐየረ ሓይሊ ወይ ዓቕሚ ዘለዎ ኣካል ኢዩ። ከሎ ገና ስዑር ምዃኑ ዝኣምን ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ፡ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ዝኾነ ይኹን ግደ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።

3. ነቲ ጠንቂ ገዲፍካ፡ ኣብ ሳዕቤን ምዝራብ መፍትሒ ኣይኮነን። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ክህውክ ከሎ ኣይንዛረበሉን፤ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ክትህብ ከላ ግን ጫውጫው ንብል ይብል ሓውና ኻልድ ዓብዱ።

እዚ ኣልሚምካ ንኹሉ ብሓደ መጕድእ ምውቓጡ ቅኑዕ ኣይኮነን። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብ1998 ናይ ዶብ ውግእ ከባርዕ እንከሎ፡ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንጻሕታሪ ግርጭት ዝኾነ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኮኒኖሞ ኢዮም። ምኹናን ጥራሕ ዘይኮነስ ሰራዊቱ ናብቲ ቅድሚ ግንቦት 1997 ዝነበሮ ቦታታት ክምለስ፤ እቲ ናይ ዶብ ግርጭት ድማ፡ እንተተኻኢሉ ብክልትኣዊ ርክብ እንተዘይኮይኑ ድማ መንጎኛታት ሓዊስካ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ መጸዋዕታኦም ኣቕሪቦም ኢዮም።

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብሓይሊ ተደሲቑ ምስ ወጸ፡ ከምቲ ኻልድ ዝበሎ ንሉኣላውነት ናይ ኤርትራ ዝቖራርስ ስምምዕ ክቕበል ተገዲዱ እዩ። ድሕሪ ብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን፡ እቲ ጠንቂ እቲ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ዝዕንቅጽ ዘሎ ኣካል ኢዩ።

ሓው ኻልድ ከም ኣብነት ዘልዓሎ ናይ ከልቢ ምንካስ ጕዳይ ብስፍሕ ዝበለ ኣመለኻኽታ ምጥማቱ ኣገዳስነት ኣለዎ። እወ ከልቢ እንተደኣ ነኺሱካ ንዋንኡ እምበር ንዕኡ ከምዘይትኸሶ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዋና ግን ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ከልቡ ስለዝነኸሰ፡ ይኽሰስ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ሓጹር ወይ ካንቸሎ ዘሊሉ ዝኣቱ ሰራቒ ይኹን ካልእ ገበነኛ እንተደኣ ተነኺሱ፡ ንዋና ገዛ ክኸስስ ኣይክእልን ኢዩ። ስራሕ ናይቲ ከልቢ እኳ፡ ነቲ ገዛ ካብ ገበነኛታት ምሕላው ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ እቲ ከልቢ ካብ ቀጽሪ ገዝኡ ወጺኡ ንንጹሃትን ሰላማውያን ሰባትን እንተነኺሱ፡ ዋና ክኽሰስን ክቕጻዕን ናይ ግድን ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ዝኾነ ስርዓት፡ ዶባቱ ሰጊሩ ኣብ ዶባት ናይ እንዳማቱ መጥቃዕቲ ክገብር ቅቡል ኣይኮነን።

ምትእትታው ቅቡል ዝኾነሉ ምኽንያት ግን ኣሎ። ንሱ ከኣ፡ብስም ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ንኣህጉራዊ ውዕል ዝጥሕሱ ፡ ንህዝቢ ዘጽንቱ፡ መንግስታት ናይ ምቕጻዕን ምጥቃዕን መሰል ከምዘለዎም ርዱእ እዩ። ስለዚ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝውሰድ ምትእትታውን ሃገራት ብተናጸል ዝገብርኦ ምትእትታዋትን ደዋዊስካ ምቕራቡ ንገዛእ ርእሱ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ብርሃነ ኣብርሃ

Last modified on Friday, 03 April 2015 10:33