ንምንታይ’ያ ዓለም ጸቢባትኒ?

2015-04-28 15:55:27 Written by  ሃይለ ወልዱ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2421 times

እዛ ዓለም ንምንታይ ትጸበኒ፡

ብሰፋሓ’ወ  ትንእሰኒ፡

ብምውቕታ ትቖረኒ፡

ብርኽብታ ንዓይ ዝጠምየኒ።

ኣነ እምበር’የ ናታ፡

ፍጡር ካብ ከርሳ ካብ ባይታ፡

መሰለይ እምበርዩ መሰላታ፡

ንምንታይ ደኣ ሓኒቓ ዓትዒታ።

ወዲ ዓለም እንድ’የ ውሉዳ፡

ዝብጽሓ ናይ ከርሳ ናይ ከብዳ፡

ኣካል’ቲ ኣቑጸልታ ጉንዳ፡

ሰርቢ ጠፈራ፡ ዝናባ በረዳ።

ትብጸሓኒ እምበር ማዕረ፡

ባህገይ ኣብ እምነታ ዝተደረ፡

ርሒብ’ዩ  ንስፍሓታ ዝጾረ፡

ንምንታይ ኣብ ዓደይ ቆሪረ፡

ከይፈቶኹ መብጽዓታት ሰይረ።

ደስ ከይበለነ መረበተይ ገዲፈ፡

ንወላዲተይ ራሕሪሐያ ተጸርጊፈ፡

ዘይፈልጦ ረጊጸ ሃጓፍ ዝጸደፈ፡

ይውዳእ እንተበልኩስ ጉዳም ዝሓለፈ።

መስክሪ ዓለመይ ተስፋይ ተሰሪቑ፡

ጠሊ ሓሪሙዎ ሕልናይ ደሪቑ፡

ሃጽ ኢሉ ቀልበይ ሃውቲቱ ርሒቑ፡

ዓገብ በሉለይ ዓለምይ ጨኒቑ።

እወ! ቀላያት ክሰግር ካብ ዝርኢ ንዑ፡

ምድረበዳ መሪጸ ድምጹ ካብ ምስማዑ፡

በል ቀታል ተስፋይ  ይግፋሓልካ ሽዑ፡

ተካል ፍጥረት ዶኽብል፡ በላዒ ግዛዑ።

እንተ ጠፋእኩሉ ደኾን’ዩ፡ ክገፍሖ?

ካን ዘርኢ ኣበዋተይ ከምዘይነበረ ክምሖ፡

ንተስፋፋታተይ ሸንኪሩሉ መርሖ፡

ቁንቁነ ኮይኑኒ ዘየናሕሲ ፍልሖ።

ዓዱ ዝለቕቐ ንዓለም ኣሚኑ፡

ወዮ ምድረ-በዳ’ውን ዋና’ሎዎ ኾይኑ፡

ክረግጾን ክነብሮን ዓለሙ ዋኒኑ፡

ተስፋኡ ኣንቢሩ ዘውደቐሉ ጎድኑ።

ኣይጥዓመን ኣሕዋት ሂወት ብሓረጣ፡

ሂወት ተቐዪሩ ጠላዕ ከም ገበጣ፡

ንተስፋ ክረትዕ መንብሮይ ክሰልጣ፡

ግን ኩሉ ሓደ ኮይኑ፡ ዓለመይ ጎቢጣ።

ለካ ኢሎም  ኔሮም ሽዑ ንሪአክን፡

ኣይገደፉን ጎራሓት ንሕና ንሕሸክን፡

ካን ገምድ ክቕየረለይ ኣብ ዓዲ እንዳማትክን፡

መለሳ ጎይታ ነየለ ናብዝን ናብትን ኢልክን።

ጎይቶት ኩኑ እንዶ’ሞ ቀልቡ ተስፋና፡

ዓቕሊ ምለሱሉ ኣልዕሉ መድፈና፡

ንዓኹም ክንብል ኣኽሊል ምሰቕልና።

እሱ ካብ ኮነ ጸወታ ዓለምና።

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!

ሃይለ ወልዱ።

Last modified on Tuesday, 28 April 2015 17:59