ኣብ ባህልና ሓደ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ክገብሮ ከም ዝኽእል መሲሉ ክቐርብ እንከሎ ትግረም እሞ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ኢኻ እትብሉ። ኣብ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ “ተረቲዕና ከይብሉስ እግባይ ይብሉ” ዝበሃለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ክብል እንከለኹ “መሲልካስ እንታይ ኣምጻእካ” ክበሃል ምዃነይ ኣይሰሓትኩን። ስለዚ ነዚ ተተርኢሰ ዝብሎ ስለ ዘለኒ እየ ናብዚ ምስላታት ዘድሃብኩ። ሓንቲ ምስላባ ክደግም “ይበሃል ኢላ ድሙ ተዃሒላ” እትብል። ሕጅስ ምስላታት ይኣኽለኒ እሞ ናብቲ ዘምጸኣኒ ናይዚ ቀረባ ግዜ ቃለ-መሓትት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክኣቱ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ወረዳ ዓረዛ ምክትል ወረዳ ኣፈልባ እትርከብ “ኣይቀበጹ” እትበሃል ቁሸት ኣላ። ሰለምንታይ እዚ ስም ከም ዝተዋህባ፡ ምስ ዝርዝሩ ደቅቲ ከባቢ እዮም ዝፈልጥዎ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ግና ምስ ኣብ ግዜኡ ዝሓለፈ ጉዳይ ጭልም ምባል ዝዛመድ እዩ።
ኣቶ ኢሳይያስ ተስፋ ዘለዎ ዘረባ ከምጽእ ከም ዘይክእል ካብ ዝረጋገጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንሱ ግና ወዮ ከምቲ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ዝበልናዮ ግዲ ኮይንዎ መዓልቲ ቆጺሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወይ ኣብ መዓልቲ ነጻነት ሃለው ምባሉ ኣይገደፈን። ካብዚ ውሽጡ ተሓይኹ ተወዲኡ ደጊኡ’ውን ዘሰንብድ ሰብኣይ፡ ሓድሽ እሞ ድማ ኣውንታዊ ሓሳብ ክመጽእ ዘይትግምቶ ክነሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኮንደኾን ብዝብል ሰዓት ቆጸራ ኣኽቢሩ፡ ክሰምዖ ምጽባዩ ነክዩ እንተዘይኮይኑ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ኣነ እውን ሓደ ካብኣቶም ዝተጸበይዎ ስለዝኾንኩ ንዕኡ ክሰምዕ ካብቲ ናይ ድቃሰይ ግዜይ ክልተ ሰዓት ተለጢጠ። ንዛንታ “ኣይቀበጹ” ካብ ዝደገሙ ድማ ሓደ ኮይነ። እንተኾነ ሰባት ሰሚዖም ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ ዘይኮነስ ከምቲ ዝደልይዎ ሕብርታት ቀቢኦም ካብ ዝሕብሩኻ ባዕልኻ ምስማዑ ስለ ዝምረጽ ምስማዐይ ዳርጋ ኣየጠዓሰንን። ንግሆ ምስ ከማይ ነቲ ቃለ መሓትት ዝሰምዕዎ ኣካላት ምስ ተራኸብና ከዓ “ናይዚ ሰብኣይ ቃለ መጠይቕ ዓጀውጀው እምበር ሓድሽ ነገር ኣይነበሮን” ኣብ ዝብል መድምደምታ ክንበጽሕ ግዜ ኣይወሰደልናን።
ካብቲ ዝበሎ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዝዛመድን ዘዛርብን ስለ ዝሰኣና ዕላልና ናብ ኣከዳድናን ኣካላዊ ኩነታትን ናይ ኢሳይያስ ከዘንብል ግድን ኮይኑ። ኣቀማቅማ ጨጉሪ ርእሱ ተመዛቢሉ፡ ንገጹ ማዳ ዓንድሪሉ፡ ብኣካዳድናኡ ጀልፊፉ ስለ ዝተራእየ፡ ናይዚ ኩነታቱ ምኽንያት ንምግማት፡ መንሽሮ እዩ ሓሚሙ፡ ኩሊቱ ተቐይሩ እዩ፡ ጠንቁ ክቱር መስተእዩ … ወዘተ ዝብሉ ናይ ተዓዘብቲ ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ። የለን እቲ ኣብ ገጹ ዝረአ ዘሎ ማዳ ዘይኮነስ ሰኺሩ ምስ ወደቐ ዝገደፈሉ በሰላ እዩ ዝብሉ እውን ሰሚዐ። እዚ ግምታት እዩ። ብሓፈሻ ሕማቕ ከም ዘሉ ግና ኩሉ ዝረኣዮ እዩ። እንተ’ቲ ሓቐኛ ምኽንያት ናይ ምጉስቛሉ ግና እግዚኣብሄር ዋንኡ። ሓደ ሰብ ደጋዊ መልክዑ ከምዚ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ግና ጠቓሚ ሓሳብ ዘመንጩ እንተኾይኑ “ ገጽ ኣይትርአ” ኢልካ ትከላኸለሉ ኢኻ። ንሱ ግና ውሽጡ እውን ካብ ደጊኡ ከም ዝኸፍእ ካብቲ ተጻዒሩ ዘውጸኦ፡ ክሓብኦ ተፈተነ ዝስዕሮ ዝነበረ ቃላት ተረዲእናዮ ኢና።
ብዛዕባቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋምን መጻኢ ዕድሉን እንተተሓተስ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ጐልሓጥሓጥ እንዳበለ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ “እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ዝሞተ እዩ።” ኢሉ ነቶም ውሽጡ ከይፈለጡ ንኢሳይያስ ንክከላኸሉ፡ ንዘይምትግባር እቲ ቅዋም ምኽንያታት ክኹምሩ ዝጸንሑ ግሩሃት እቲ ሰቲርዎ ዝጸንሐ ሓቂ ደርጒሕሎም። ነዓና ግና እቲ ሓድሽ ካብ ኣፉ ምውጻኡ ተዘይኮይኑ እዚ ሓሳብ ኣብ ውሽጡ ጠኒስዎ ዝጸንሐ ምዃኑስ ዘይተጸበናዮ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር እንተላይ ህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። እቲ ዘይተርፍ ጉዕዞ እምበኣር ከከም ባህሪ ናይቲ ተጐዓዚ ገሊኡ ናብ ልምዓት እዩ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ጥፍእት። ብናትና ሚዛን ጉዕዞ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንቑልቁል እዩ ዝንህል ነይሩ። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ እቲ ብሰንኪ መሪሕነት ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ህውቱት መነባብሮ ዝተረጋገጸ እዩ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና “ ሰማዒኸ እንታይ ይብለኒ” እኳ ከይበለ “ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመት ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና።ኣ ካይዳናን ፖለቲካዊ ብስለትናን ኣማዕቢልናን ብዙሕ ነገር ተማሂርናን ኢና።” ክብል ሰሚዐናዮ። ከምዚ ምባሉ ንእዝነይ ምእማን ስኢነስ ንካለኦት ምስ ሓተቱ’ውን “እወ ሓቅኻ ከምኡ እዩ ዝበለ” ምስ በለ፡ ወዮቲ ናይ ቀደም ሃተፍተፉ ተሓዲሱኒ “ደጊም ቶባ” ክብል ተገዲደ። በዚ ተዝውድእከ፡ ነቲ ብውልቃዊ ውሳነኡ ብናቱ ምሩጻት ሰባት፡ ውድድር ኣብ ዘየፍቅድ ጸቢብ ፖለቲካዊ ሜዳ ባዕሉ ነዲፉ ባዕሉ ዘጽደቖ ናይ 1997 ተወሊዱ ዘይተጠመቐ ቅዋም “መን ነዲፍዎ? ከመይ ገይሩ ተነዲፉ? ናበይ ገጹ እዩ? ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ’ዚ 15 ዓመት ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና።” ከምቲ ንሱ ዝብሎ ሓድሽ ቁንቁኛ ኣምጺኡልና። እዚ እሞ ድማ ምስላታት ደኣ ኣብዚሐልኩም እምበር “ባዕላ ሰቒላቶስ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶስ በሓቘ” ዘብል እዩ።
ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ብዛዕባ ጠንቂ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ልምዓት መደባቱ፡ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ሃገራት …… ወዘተ ተሓቲቱ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ካብ ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ፡ እሞ ድማ ንሃለዋት ኤርትራ ብደረጃ መራሒ ካብ ዝፈልጣ ሰብ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ብሓላፍ መንገዲ ድረጃ እውን ካብ ዝፈልጣ ሰብ እትጽበዮ ኣይነበረን። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ወዮ “መራሒ ኤርትራ” ተባሂሉ እንድዩ መድረኽ ተፈጢሩሉስ ተኾዲጩ ከይሓፈረ ደርጒሕዎ። ብዛዕባ ዘየሎ ግና ድማ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ጉዳያት ይዛረብ ከም ዝነበረ ግና ካብቲ ናይ ኣዒንቱ ጐልሓጥሓጥን “ዳሕራይ ክንምለሶ ኢና” ዝብል ሃዳሚ ስልቱን ምርድኡ ዘጸግም ኣይነበረን። ብዛዕባዚ ጉዳይ ቃለ መጠይቕ ኣቶ ኢሳይያስ ከነዕልል እንከለና እዚ ሰብኣይ ጽቡቕ ናይ ምግባርን ሓቂ ናይ ምዝራብን ዓቅሚ እንዳሃለዎ እዩ “ኮነ ኢሉ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝብሉ ኣሕዋት ረኺበ። ኣነ በቲ ጽቡቕ ይዛረብን ይገብርን ከም ዘየለ ምእማኖም ንኢደዮም። ነቲ “ከጸብቕ እንዳኸኣለ እዩ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝበልዎ ግና ኣይተቐበልኩዎምን። ምኽንያቱ ኣቶ ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ ዝሓበኦ ጽቡቕ ሓሳብን ናይ ምትግባር ዓቕምን ከም ዘየብሉ ዕጉብ ስለ ዝኾንኩ። እቲ ዝርካቡ ሓሳቡን ዓቕሙን እቲ ክንሰምዖ ዝቐነና ሓሶትን ዕንወትን ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ።
እስኪ ንተዓዘብ፡ እዚ ሰብኣይ ከይሓፈረ፡ ማሽነሪ ውሒዱና እምበር ኤርትራ ንምልማዕ ዘኽእል ዝሰልጠነ ምሉእ ዘይጉዱል ሓይሊ ሰብ ኣለና ክብል እንከሎ፡ ብዓብይኡ ንዕኡ ንዓናውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ኮይኑ ኣይስመዓኩምን። ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ ዝርካቦም ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ እንርዳእ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 500 መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉ እንፈልጥ እኮ’ዩ ዲክታትር ኢሳይያስ ከምዚ ዝብለና ዘሎ። ወረ ነቲ እንዳንቀጥቀጠ ነተን ተጻሒፈን ዝተዋህበኦ ሕቶታት ዝሓቶ ዝነበረ ጋዜጠኛ ነታባይስ ተኣምራታዊ ልምዓት ኣብ ኤርትራ ንምርኣይ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ቆጸራ እዩ ሂብዎ ዘሎ። ንከምዚ ዓይነት እንዳኸፈአ ዝመጸ ናይ ብደዐ ኣበሃህላኡ ኣቲ ቀደም “ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ’ዩ” ኢና ንብሎ ኔርና። ናይ ሎሚ ግና ካልእ ሓረግ እንተዘይረኺብናሉ በቲ ናይ ቅድም ኣበሃህላ ዝግለጽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ካብዚ ኣበሃህላ ናብ ዝዓሞቐ ጽላለ የንቆልቁል ስለ ዘሎ።
ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ድሕሪ ሕጂ ናብ ልቦም ናይ ምምላስ ድሌት የብልምን። ክምለሱ እንተደለዩ እውን መምለሲ መንገዲ የብሎምን። ኣቲ ጻዕሪ ነቶም ብሓሳዊ ስብከቱ ተሰሊቦም ምስኡን ጉጅለኡን ናብ ጥፍእት ዝጐዓዙ ዘለዉ ናይ ለውጢ ተረባሕቲ ወገናት ከተድሕን ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኢሳይያስ ከም ኩሎም ዲክታተራት በይኑ ኣይኮነን ዝጽለል ዘሎ። ምስኡ ሓቢሮም ናብ መቓብር ዝወርዱ፡ ዝሓዝካዮ መንገዲ ቅኑዕ እዩ እንዳበሉ፡ ዘስክርዎን ዘሻድንዎን ኣካላት ክህልዉዎ ናይ ግዳን እዩ። ካብዚኣቶም ሓደ እዩ ኢልካ ክትወስዶ እትኽእል ሓደ ኤርትራዊ እየ ዝብል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ አዩ። ህላወ ኤርትራ ምስ ህላወ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተኣሳሰረ አዩ። ዝኾነ ሓይሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጻባአ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምሳስ ድልየትን ሕልምን ዘሎዎ አዩ።” ንዝበሎ እንተ ኣስተባሂልና እዚ ዕኑድ ሰብኣይን መዳመቕቱን ናበየናይ ጸድፊ የምርሑ ከም ዘለዉ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እምበኣር ወዮ ደኣ ርኢኻን ሰሚዕካን ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ኮይኑና ንዛረበሉ ኣለና እምበር እዚ ብዱዕ ኣበሃህላታት ናይ ኢሳይያስ ሓድሽ ኣይኮነን። ትንፋሱ ክሳብ ዘላ’ውን ቀጻሊ እዩ። ደጊም ቀዳምነትና ናቱ ጸሓይ ዝወቐዖን ዓለም ዝፈለጦን ኣበሳ ምዝርዛር ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ብተግባር ዝሓሽካ ምዃንካ ምርግጋጽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።
6 ጥሪ 2015
ኣርዓዶም በርሀ
ኣብ ባህልና ሓደ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ክገብሮ ከም ዝኽእል መሲሉ ክቐርብ እንከሎ ትግረም እሞ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ኢኻ እትብሉ። ኣብ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ “ተረቲዕና ከይብሉስ እግባይ ይብሉ” ዝበሃለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ክብል እንከለኹ “መሲልካስ እንታይ ኣምጻእካ” ክበሃል ምዃነይ ኣይሰሓትኩን። ስለዚ ነዚ ተተርኢሰ ዝብሎ ስለ ዘለኒ እየ ናብዚ ምስላታት ዘድሃብኩ። ሓንቲ ምስላባ ክደግም “ይበሃል ኢላ ድሙ ተዃሒላ” እትብል። ሕጅስ ምስላታት ይኣኽሊ እሞ ናብቲ ዘምጸኣኒ ናይዚ ቀረባ ግዜ ቃለ-መሓትት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክኣቱ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ወረዳ ዓረዛ ምክትል ወረዳ ኣፈልባ እትርከብ “ኣይቀበጹ” እትበሃል ቁሸት ኣላ። ሰለምንታይ እዚ ስም ከም ዝተዋህባ፡ ምስ ዝርዝሩ ደቅቲ ከባቢ እዮም ዝፈልጥዎ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ግና ምስ ኣብ ግዜኡ ዝሓለፈ ጉዳይ ጭልም ምባል ዝዛመድ እዩ።
ኣቶ ኢሳይይሳ ተስፋ ዘለዎ ዘረባ ከምጽእ ከም ዘይክእል ካብ ዝረጋገጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንሱ ግና ወዮ ከምቲ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ዝበልናዮ ግዲ ኮይንዎ መዓልቲ ቆጺሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወይ ኣብ መዓልቲ ነጻነት ሃለው ምባሉ ኣይገደፈን። ካብዚ ውሽጡ ተሓይኹ ተወዲኡ ደጊኡ’ውን ዘሰንብድ ሰብኣይ፡ ሓድሽ እሞ ድማ ኣውንታዊ ሓሳብ ክመጽእ ዘይትግምቶ ክነሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኮንደኾን ብዝብል ሰዓት ቆጸራ ኣኽቢሩ፡ ክሰምዖ ምጽባዩ ነክዩ እንተዘይኮይኑ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ኣነ እውን ሓደ ካብኣቶም ዝተጸበይዎ ስለዝኾንኩ ንዕኡ ክሰምዕ ካብቲ ናይ ድቃሰይ ግዜይ ክልተ ሰዓት ተለጢጠ። ንዛንታ “ኣይቀበጹ” ካብ ዝደገሙ ድማ ሓደ ኮይነ። እንተኾነ ሰባት ሰሚዖም ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ ዘይኮነስ ከምቲ ዝደልይዎ ሕብርታት ቀቢኦም ካብ ዝሕብሩኻ ባዕልኻ ምስማዑ ስለ ዝምረጽ ምስማዐይ ዳርጋ ኣየጠዓሰንን። ንግሆ ምስ ከማይ ነቲ ቃለ መሓትት ዝሰምዕዎ ኣካላት ምስ ተራኸብና ከዓ “ናይዚ ሰብኣይ ቃለ መጠይቕ ዓጀውጀው እምበር ሓድሽ ነገር ኣይነበሮን” ኣብ ዝብል መድምደምታ ክንበጽሕ ግዜ ኣይወሰደልናን።
ካብቲ ዝበሎ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዝዛመድን ዘዛርብን ስለ ዝሰኣና ዕላልና ናብ ኣከዳድናን ኣካላዊ ኩነታትን ናይ ኢሳይያስ ከዘንብል ግድን ኮይኑ። ኣቀማቅማ ጨጉሪ ርእሱ ተመዛቢሉ፡ ንገጹ ማዳ ዓንድሪሉ፡ ብኣካዳድናኡ ጀልፊፉ ስለ ዝተራእየ፡ ናይዚ ኩነታቱ ምኽንያት ንምግማት፡ መንሽሮ እዩ ሓሚሙ፡ ኩሊቱ ተቐይሩ እዩ፡ ጠንቁ ክቱር መስተእዩ … ወዘተ ዝብሉ ናይ ተዓዘብቲ ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ። የለን እቲ ኣብ ገጹ ዝረአ ዘሎ ማዳ ዘይኮነስ ሰኺሩ ምስ ወደቐ ዝገደፈሉ በሰላ እዩ ዝብሉ እውን ሰሚዐ። እዚ ግምታት እዩ። ብሓፈሻ ሕማቕ ከም ዘሉ ግና ኩሉ ዝረኣዮ እዩ። እንተ’ቲ ሓቐኛ ምኽንያት ናይ ምጉስቛሉ ግና እግዚኣብሄር ዋንኡ። ሓደ ሰብ ደጋዊ መልክዑ ከምዚ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ግና ጠቓሚ ሓሳብ ዘመንጩ እንተኾይኑ “ ገጽ ኣይትርአ” ኢልካ ትከላኸለሉ ኢኻ። ንሱ ግና ውሽጡ እውን ካብ ደጊኡ ከም ዝኸፍእ ካብቲ ተጻዒሩ ዘውጸኦ፡ ክሓብኦ ተፈተነ ዝስዕሮ ዝነበረ ቃላት ተረዲእናዮ ኢና።
ብዛዕባቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋምን መጻኢ ዕድሉን እንተተሓተስ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ጐልሓጥሓጥ እንዳበለ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ “እቲሰነድከይተኣወጀዝሞተእዩ።” ኢሉ ነቶም ውሽጡ ከይፈለጡ ንኢሳይያስ ንክከላኸሉ፡ ንዘይምትግባር እቲ ቅዋም ምኽንያታት ክኹምሩ ዝጸንሑ ግሩሃት እቲ ሰቲርዎ ዝጸንሐ ሓቂ ደርጒሕሎም። ነዓና ግና እቲ ሓድሽ ካብ ኣፉ ምውጻኡ ተዘይኮይኑ እዚ ሓሳብ ኣብ ውሽጡ ጠኒስዎ ዝጸንሐ ምዃኑስ ዘይተጸበናዮ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር እንተላይ ህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። እቲ ዘይተርፍ ጉዕዞ እምበኣር ከከም ባህሪ ናይቲ ተጐዓዚ ገሊኡ ናብ ልምዓት እዩ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ጥፍእት። ብናትና ሚዛን ጉዕዞ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንቑልቁል እዩ ዝንህል ነይሩ። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ እቲ ብሰንኪ መሪሕነት ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ህውቱት መነባብሮ ዝተረጋገጸ እዩ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና “ ሰማዒኸ እንታይ ይብለኒ” እኳ ከይበለ “ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመትብዙሕነገርተማሂርናኢና።ኣካይዳናንፖለቲካዊብስለትናንኣማዕቢልናንብዙሕነገርተማሂርናንኢና።” ክብል ሰሚዐናዮ። ከምዚ ምባሉ ንእዝነይ ምእማን ስኢነስ ንካለኦት ምስ ሓተቱ’ውን “እወ ሓቅኻ ከምኡ እዩ ዝበለ” ምስ በለ፡ ወዮቲ ናይ ቀደም ሃተፍተፉ ተሓዲሱኒ “ደጊም ቶባ” ክብል ተገዲደ። በዚ ተዝውድእከ፡ ነቲ ብውልቃዊ ውሳነኡ ብናቱ ምሩጻት ሰባት፡ ውድድር ኣብ ዘየፍቅድ ጸቢብ ፖለቲካዊ ሜዳ ባዕሉ ነዲፉ ባዕሉ ዘጽደቖ ናይ 1997 ተወሊዱ ዘይተጠመቐ ቅዋም “መንነዲፍዎ? ከመይገይሩተነዲፉ? ናበይገጹእዩ? ኣብዝብልዛዕባኣብ’ዚ 15 ዓመትብዙሕነገርተማሂርናኢና።” ከምቲ ንሱ ዝብሎ ሓድሽ ቁንቁኛ ኣምጺኡልና። እዚ እሞ ድማ ምስላታት ደኣ ኣብዚሐልኩም እምበር “ባዕላ ሰቒላቶስ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶስ በሓቘ” ዘብል እዩ።
ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ብዛዕባ ጠንቂ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ልምዓት መደባቱ፡ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ሃገራት …… ወዘተ ተሓቲቱ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ካብ ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ፡ እሞ ድማ ንሃለዋት ኤርትራ ብደረጃ መራሒ ካብ ዝፈልጣ ሰብ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ብሓላፍ መንገዲ ድረጃ እውን ካብ ዝፈልጣ ሰብ እትጽበዮ ኣይነበረን። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ወዮ “መራሒ ኤርትራ” ተባሂሉ እንድዩ መድረኽ ተፈጢሩሉስ ተኾዲጩ ከይሓፈረ ደርጒሕዎ። ብዛዕባ ዘየሎ ግና ድማ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ጉዳያት ይዛረብ ከም ዝነበረ ግና ካብቲ ናይ ኣዒንቱ ጐልሓጥሓጥን “ዳሕራይ ክንምለሶ ኢና” ዝብል ሃዳሚ ስልቱን ምርድኡ ዘጸግም ኣይነበረን። ብዛዕባዚ ጉዳይ ቃለ መጠቕ ኣቶ ኢሳይያስ ከነዕልል እንከለና እዚ ሰብኣይ ጽቡቕ ናይ ምግባርን ሓቂ ናይ ምዝራብን ዓቅሚ እንዳሃለዎ እዩ “ኮነ ኢሉ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝብሉ ኣሕዋት ረኺበ። ኣነ በቲ ጽቡቕ ይዛረብን ይገብርን ከም ዘየለ ምእማኖም ንኢደዮም። ነቲ “ከጸብቕ እንዳኸኣለ እዩ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝበልዎ ግና ኣይተቐበልኩዎምን። ምኽንያቱ ኣቶ ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ ዝሓበኦ ጽቡቕ ሓሳብን ናይ ምትግባር ዓቕምን ከም ዘየብሉ ዕጉብ ስለ ዝኾንኩ። እቲ ዝርካቡ ሓሳቡን ዓቕሙን እቲ ክንሰምዖ ዝቐነና ሓሶትን ዕንወትን ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ።
እስኪ ንተዓዘብ፡ እዚ ሰብኣይ ከይሓፈረ፡ ማሽነሪ ውሒዱና እምበር ኤርትራ ንምልማዕ ዘኽእል ዝሰልጠነ ምሉእ ዘይጉዱል ሓይሊ ሰብ ኣለና ክብል እንከሎ፡ ብዓብይኡ ንዕኡ ንዓናውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ኮይኑ ኣይስመዓኩምን። ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ ዝርካቦም ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ እንርዳእ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 500 መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉ እንፈልጥ እኮ’ዩ ዲክታትር ኢሳይያስ ከምዚ ዝብለና ዘሎ። ወረ ነቲ እንዳንቀጥቀጠ ነተን ተጻሒፈን ዝተዋህበኦ ሕቶታት ዝሓቶ ዝነበረ ጋዜጠኛ ነታባይስ ተኣምራታዊ ልምዓት ኣብ ኤርትራ ንምርኣይ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ቆጸራ እዩ ሂብዎ ዘሎ። ንከምዚ ዓይነት እንዳኸፈአ ዝመጸ ናይ ብደዐ ኣበሃህላኡ ኣቲ ቀደም “ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ’ዩ” ኢና ንብሎ ኔርና። ናይ ሎሚ ግና ካልእ ሓረግ እንተዘይረኺብናሉ በቲ ናይ ቅድም ኣበሃህላ ዝግለጽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ካብዚ ኣበሃህላ ናብ ዝዓሞቐ ጽላለ የንቆልቁል ስለ ዘሎ።
ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ድሕሪ ሕጂ ናብ ልቦም ናይ ምምላስ ድሌት የብልምን። ክምለሱ እንተደለዩ እውን መምለሲ ምንገዲ የብሎምን። ኣቲ ጻዕሪ ነቶም ብሓሳዊ ስብከቱ ተሰሊቦም ምስኡን ጉጅለኡን ናብ ጥፍእት ዝጐዓዙ ዘለዉ ናይ ለውጢ ተረባሕቲ ወገናት ከተድሕን ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኢሳይያስ ከም ኩሎም ዲክታተራት በይኑ ኣይኮነን ዝጽለል ዘሎ። ምስኡ ሓቢሮም ናብ መቓብር ዝወርዱ፡ ዝሓዝካዮ መንገዲ ቅኑዕ እዩ እንዳበሉ፡ ዘስክርዎን ዘሻድንዎን ኣካላት ክህልዉዎ ናይ ግዳን እዩ። ካብዚኣቶም ሓደ እዩ ኢልካ ክትወስዶ እትኽእል ሓደ ኤርትራዊ እየ ዝብል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ህ.ግ.ደ.ፍታሪኽህዝቢኤርትራአዩ።ህላወኤርትራምስህላወህ.ግ.ደ.ፍዝተኣሳሰረአዩ።ዝኮነሓይሊንህ.ግ.ደ.ፍዝጻባአንታሪኽህዝቢኤርትራናይምድምሳስድልየትንሕልምንዘሎዎአዩ።”ንዝበሎ እንተ ኣስተባሂልና እዚ ዕኑድ ሰብኣይን መዳመቕቱን ናበየናይ ጸድፊ የምርሑ ከም ዘለዉ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እምበኣር ወዮ ደኣ ርኢኻን ሰሚዕካን ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ኮይኑና ንዛረበሉ ኣለና እምበር እዚ ብዱዕ ኣበሃህላታት ናይ ኢሳይያስ ሓድሽ ኣይኮነን። ትንፋሱ ክሳብ ዘላ’ውን ቀጻሊ እዩ። ደጊም ቀዳምነትና ናቱ ጸሓይ ዝወቐዖን ዓለም ዝፈለጦን ኣበሳ ምዝርዛር ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ብተግባር ዝሓሽካ ምዃንካ ምርግጋጽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።
6 ጥሪ 2015
ገዲም ተጋዳላይ ዓሊ ዓምር መሓመድ ሓሰበላ ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊ ዕለት 3 ጥሪ 2015 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስውእ ዓሊ ዓምር፡ ብ1958 ኣብ ቃርዑበል (ዓንሰባ) ተወሊዱ። ብ1974 ድማ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ተሓኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተመዲቡ ተቓሊሱ። ኣብ ብሪገድ 77 መራሕ ሓይሊ ነይሩ። ብድሕሪኡ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ወሲዱ ከም ሓኪም ኰይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ መደበር ሸገራብ ድሕሪ ምስግጋሩ ድማ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሸገራብን ከባቢኡን ኰይኑ ክሳብ መስዋእቱ ክቃለስ ጸኒሑ።
ኣብ ሰማንያታት ኣብ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ልሉይ ግደ ተጻዊቱ። ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ምስ ናይ ግዳም ናይ ረዲኤት ማሕበራት ከም ሓኪም፤ ከምኡ'ውን፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ተርጓማይ ኰይኑ ብምስራሕ ንስደተኛታት ንብዙሕ ዓመታት ከገልግል ጸኒሑ። ስውእ ዓሊ ዓምር ኣቦ 8 ቆልዑ ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ'ዚ መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንስደራ ቤቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
ጸብጻብ ኣባዓዕላ ሓድሽ ዓመት - 2015- ኣብ ቤር ኤርያ ካሊፎርንያ
Saturday, 03 January 2015 17:08 Written by ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንሓድሽ ዓመት ብኽብ ዝበለ ጽንብል ተቐቢሎማ። እቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ በቲ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንኹሉም ኣብዚ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ልወጢ ሓይልታት ሓቁፉ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ማሕበር ዝተዳለወ መድብ ‘ዩ ነይሩ።

እቶም ካብ ሰዓት 9፡00 ድ. ቀ. ኣትሒዞም ኣብቲ ናይ ጽንብል ኣደራሽ ዝተረኽቡ ተሳተፍቲ በቲ ብወሓላሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትርውያን ደቂ ኣንስትዮ ተዳልዩ ዝቀረበሎም ጡዑም መኣዛ ዘለዎ መግብን ዝቀረበ መስተን ተሰንዮም ክዛነዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ መድረኽ ሓንቲ ካብ ኣባላት ቦርድ ማሕበር ዝኾነት ትዕግስቲ ካሕሳይ ብዘቕረበቶ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መግለጺ እዩ ብወግዒ ተጀሚሩ። ካብዚ ኣትሒዙ ከኣ እቲ ናይ ምዝንጋዕ መድብ በቶም ንምዕዋት እቲ መደብ ካብ ኤውሮጳን ዝተፈላለዩ ክልፈ ግዝእታት ኣመሪካን ዝመጹ ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ብምውህሃድ ዘቕረብዎም ሙዚቃዊ ጣዕሚ ተጀሚሩ።
ነቲ ሰንይ ናይ ደስታ ምሸት ዕዉት ንምግባር ኣብ መድረኽ ዝተረኽቡ ድምጻውያንን ምዙቀኛታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም ነይሮም ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘመናዊ ትልሂት ኤርትራ ዓቢ እጃም ዘበርከተ፡ ሕጂ ከኣ ሓደ ካብ ቀወምቲ ጋዜጠኛታት ድምጺ ራድዮ ኤረና ኮይኑ፡ ኣዳላዊ እታ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት እትፈኖ ፍትውቲ “መድብ ሸኾሪናታት” ዝኾነ ዮናታን ሃብተ። እቶም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ብስነጥበባዊ ዕዮኦምን ኩቡር ዕድመ ካብ ሂወቶምን ዝወፈዩ ድምጻዊት ቮሮኒካ ሰለሙን፡ ኦርጋኒስታታት ወዲ ኣፍሮን ኣልማዝን፡ ሳክስፎኒስት ጊዶወን ሃብቶም ። እቲ ብዘለዎ ናይ ጊታር ምልከት ካብ ለዛታት ኤርትራ ሓሊፉ ናይ ኢንግሊዝን ካልኦት ህርመታት ኣፍሪቃን ዝጻወት ባሃር ሙዚቀኛ ረዘነ ሃብተን፡ ከምኡ ውን እቲ ሓደ ካብ ወናማት ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብምዃን ኣብ ምኹስኻስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህሊ ልዑል ኣበርክቶ ዝተጸወተ ድምጻዊ ምኪኤል ጎይቲኦምን እዮም ነይሮም።
ተሰተፍቲ እዚ ናይ ሓጎስ ምሸት በቲ ብኩቱር ውህደት ደረፍትን ምዙቀኛታትን ተሰንዮም ዝቀረብሎም ዝተፈላልዩ ጣዕሚ ዜምታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ትግረ፡ ሳሆን እንዳ ተላህዩ ክብረትን ምትሕቑቛፍን ዝመልኦ ጽንብል ኣካይዶም። እቲ ካብ ዓመተ 2014 ናብ ዓመት 2015 ብሰላም ዘሰጋግረና ልዑል ፈጣሪ ፡ ንህርመት ልቢ ኤርትራውያን ሰሚዑ ፡ ንቃልሲ ኤርትራውያን ንቅድሚት ኣሰጉሙ፡ ንህዝብናን ሃገርና ካብዚ ዘለውዎ ከቢድ ኣደራዕ ንኸነናግፎም ፡ ክእለትን ብልሓትን ክህበና ብምምናይ ነዛ ድሮ ክልተ ማዓልቲ ኣልዒልናላ ዘለና ሓዳስ ዓመት ተቀቢሎማ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ካብቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽንብላት ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተ ሃልዩ፡ እቲ መደብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ናይ ግዜ ሰሊዳ (2 ሰሙን) ተወጢኑ ዝተኻየደ ብምንባሩ እዩ። እዚ ዕዉት ኽኸውን ዝኸኣለ ከኣ ብዙሓት ካብ ኣባልት ነዚ መድብ ንምዕምዋት ፋይናንሳዊ ሓገዛት፡ መራላውን ናይ ግዜ ደገፍን ብምካያድ ክዕውትዎ ስለ ዝኻሉ እዩ። ብዘይካዚ እቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ተሓቢሮም ኣውንታዊ መልሲ ብምሃብ ኣብ ቦትኦም ዝተረኽቡ ደረፍትን፡ ሙዚቀኛታትን ውን ኣዝዮም ክምጎሱ ዝግብኦም እዩ።
እቲ ብ ዶር መብራህቱ ተወልደ ዝቀረበ ሓጺር ናይ ማሕበር መደረ ውን ነዚ ዝሞጎሰን፡ እቲ ማሕበር ንኹሉ ዝጋጠሞ ብድሆታት ሰጊሩ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት ንኹሎም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያ ሓቑፉ፡ ናብቲ ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ሓራ ንምውጻእ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብዝሓየለ መዳይ ከም ዝሳተፉ ክገብር ኩሉ ምድላዋቱን ኣካይድኡን ኣጻፊፉ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልኪ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ፡ ከምኡ ውን ነቶም ካብ ኤርትራ ውጺኦም ኣብቲ ዘካይድዎ ናይ ስደት ጉዕዞ ዝብደሉን ዝጋፍዑን ዘለዎ ኤርትራውያን እንኮ ፍታሕ ምውዳቕ እቲ ኣብ ቅርዓት ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልኪ ጥራሕ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ እንጅምሮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ሓድነትና ኣትሪርና ምልኪ ክንስዕር ብምዝኽኻር፡ ዓመተ 2015 ዓመተ ፍትሕን ሰላም ክትከውን ብምምናይ መደረኡ ዛዚሙ። ካብዚ ቀጺሉ እቶም ብዝቀረብሎም ሰነ-ጥበባዊያን ፍርያት እናተዘናግዑ ክሳብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝተዛናዩ ተሳተፍቲ ንሓድሕዶም ርሑስ ሓድሽ ዓመት ብምምናይ ነናብ ቦቲኦም ተበጊሱሶም፡ እቲ ብሕጉስ መንፈስ ዝጀመረ ናይ ደስታ ምሸት ከኣ ሰዓት 2:30 ወጋሕታ ብሰላም ተዛዚሙ።
ዓመት 2015 ምልኪ ፈሪሱ ፡ ፍትሒ ዝነግሰሉ ዓመት ንኽኾነልና ተጊህና ንቃልሰ !
01 ጥሪ 2015
ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያ
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ መጸዋዕታ ብምፍራሕ ነቲ ዘመሓላለፎ ናይ ታዕሊም መጸዋዕታ ሰሪዝዎ
Saturday, 03 January 2015 12:39 Written by ፕሮጀክት ዓርቢ -ሓርነትምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዕለታዊ ናብርኦም ወንዚፎም ንዕለት 3 ጥሪ 2015 ናብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም ክወርዱ ዘመሓላልፎ መጸዋዕታ: ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ ኣብያ ብምፍራሕ፡ ነቲ መጸዋዕታ ከምዝሰረዞ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላትዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም።
ከም ዝዝከር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብኣስገዳድ ብረት ኣሕንጊጥዎም ዘለዎ ኤርትራውያን ኣቦታት ናብ መደበር ታዕሊም ክወርዱ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ብሕሰም ዕለታዊ መነባብሮን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሪዱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ቃል ተቓውሞ ሰጊሩ ናብ ግብራዊ ተቓውሞ ብምስግጋር ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻዊዒት ጸማም እዝኒ ብምሃብ ብተደጋጋሚ የበርዕኖ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ እዚ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ኣብ ኤርትራ ምልኪ ዘይጽረገሉ ምኽንያት የሎን ብምባል፡ ህዝቢ ንሓርነታዊ መሰላቱ ንምውሓስ ቃልሱ ከደንፍዕ ኣዘካኺሮም።
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት፡ ብኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፕሮጀክት ኮይኑ: ነቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብምትእስሳር ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ዝሰርሕ ፕሮጀክት‘ዩ።
2 ጥሪ 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ-ሓርነት
ብፍስሃየ ሓጎስ
ጻድቕ ክመስል ሓፋሽ ኣታሊሉ
ኣብ ጕዕዞ ሰውራ ተደጒሉ
ንየዋሃን ጀጋኑ ኣዳህሊሉ
ንዝፈለጥዎ ኣሲሩ ቀንጺሉ
ኣብ ኮረቻ ስልጣን ኩድጭ ኢሉ
ኢሳያስ ዝብልዎ ድያብሎስ ባዕሉ
ንህዝብና ጨቍኑ ዓቕሉ ኣጽቢብሉ።
ንሰላሳ ዓመታት ተጋዲልና
ብሓያል ኒሕ ሃገራዊ ሕልና
ንመሰል ማዕርነት ተቓሊስና
ሃገራዊ ልዑላውነትና ጨቢጥና
ድሕሪ 24 ዓመታት ናጽነት ሃገርና
እስከ ነብስና ንሕተት ከመይ ኣሎና?
ግዳያት ስደትን ውርደትን ኰንና
ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘሪእና ተበቲንና።
ነቲ ግዙፍ ሓይሊ መግዛእቲ
ብሃገራዊ ኒሕ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ
ጽምእን ጥሜትን ተጻዊሩ ሰፊሩ በረኻ በዓቲ
ቆራጽ ኤርትራዊ ዘጽነተ ጸላእቲ
ዋና ሃገሩ ዝዀነ ታሪኽ ተዓዋቲ።
ባህላውን ፖሊቲካውን ብዙሕነትና
ማሕበራዊ መበቆል ብዘገምታ ምዕብልና
ሃገራዊ ጸጋታትና እዩ ሃብትና
ሓደ’ኳ እዩ ሕብሪ ዓይንና
ሓደ እዩ’ውን ሕብሪ ቆርበትና
እንታ’ዩ ዝፈላልየና ወረ እንታይ ወረደና
ኣሳኒና ሓድነትና ኣትሪርና
ክንነብር ብልዕልና ሕጊ እናተመሓደርና
ሽግርና ንፍታሕ ድያብሎስ ኣልጊስና።
ፍልልያት ዝጽሕትሩ ኣሕዋትና
ዝግዕሩ እናበሉ ኣነ’ባ ንሕና
በጃኹም መዓድዎም ይተኣረሙልና
ኤርትራውነት ይኹን መዐቀኒና
ሃገራውነት ይኹን መምዘኒና
መፍቶ ድያብሎስ ኣይትግበሩና።
ብመግዛእቲ ጥልያን ዶባታ ዝተቐርጸ ኤርትራ
ካብ ጫፍ ቃሮራ ክሳብ ዱሜራ
ኵሉ ዝብህጎ ቀይሕ ባሕራ
ምንኣስ ሮማ ከተማኣ ኣስመራ
ብመስዋእቲ ደቃ ተሓሪራ
ብማዕረ ትብጽሓና ንዅልና ዜጋታታ ብሓበራ።
ሃገራዊ ቅዋም፣ ሓንጻጽን ወሳንን ባይቶ ዘይብላ
ደሞክራስያዊ ምርጫታት ዘይካየደላ
ፖሊቲካውን ሰብኣውን ሓርነታት ዝተሓረመላ
ስርዓት ሞናርኪ’ድዩ ምልኪ ህላላ
ድያብሎሳዊ ውልቀ-ገዛኢ ዝዕንድረላ
እንታይ ንጽበ፣ ተለዓሉ’ባ ተለዓላ።
ሃገር ብዘይ እንኮ ዩኒቨርሲቲ
ብዘይ ትካላት ምርምር መጽናዕቲ
ሓንጎል ሰባት’ኮ እዩ ዝልዓለ ሃብቲ
ብስነፍልጠት ዝምህዝ ዝሃንጽ ተበላሓቲ
ምህዞ ድያብሎስ ግን ኣብያተ ማእሰርቲ።
ህዝቢ ኤርትራ ተለዓል ተበራበር
ፍልልያት ወግድ ሓድነትካ ይትረር
ቀላጽምካ ይሕበር ሓሳብካ ይስመር
ሰውራዊ ተቓላሳይ ኢኻ ናጽነት ይመስክር
ፍትሕን ዲሞክራስን ከተንግስ ድገም ተኣምር።
ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮ ተማሂርና
ንሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ ተዳሊና
ድያብሎስ ነልግስ ብዅሉ ዓቕምና
ንህነጽ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራና
ሰላም፣ ራህዋን ብልጽግናን ዝሰፈና።
ፍስሃየ ሓጎስ

ብቐዳምነት፡ ንህዝቢ ኤርትራን ኵሎም ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ዝዀኑ ፖለቲካዊ ውድባቱን ሲቪላውያን ማሕበራቱን እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2015 ኣብጽሓኩም ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽተይ ከመሓላልፍ እፈቱ። ኣስዒበ፡ ንዅሎም'ቶም ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ህይወቶም፡ ጕልበቶም፡ ገንዘቦምን ኵሉ ዝውንንዎ ዓቕምን ዘበርከቱ ኤርትራውያን ዘለኒ መጐስን ምስጋናን ክገልጽ ክብሪ ይስምዓኒ። ሳላኹም ኤርትራ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ኰይና፤ ህልውን መጻእን ወለዶ ድማ ንዘረከብክምዎ ሕድሪ ተሰኪሙ ኣብ ሽቶኡ ከብጽሖ ሓላፍነቱ ክስከም ከዘኻኽር እፈቱ።
ክቡራትን ክቡራንን
2014 ዓ.ም ዛዚምና ናብ 2015 ዓ.ም ንሰጋገር ኣለና። ከም ውልቀሰባት፡ ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘመዝገብናዮም ኣወንታታትን ኣሉታታትን ገምጊምና ኣብ 2015 ዓ.ም ንጌታትና ኣሪምና ንኣወንታታና ዝያዳ ዘበርኽ ስርሓት ከነካይድ ኢዩ ዝግብኣና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወም ድምጺ እናበርከተን እናሓየለን ምምጽኡ ዘተባብዕን ተስፋ ዝህብን ተርእዮ ኢዩ ነይሩ። ኤርትራውያን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ናይ ዓለምን ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ተቓውሞኦም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ክገልጹ ተራእዮም ኢዮም። ኣብ ርእስ'ዚ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፡ ነዚ ህልዊ ኵነታት ንምብዳህ ኤርትራዊ ዜጋ በብፊንኡ ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓውተይ ኣበይ ኣላ? ሃገረይ ከመይ ኣላ ኢሉ ክሓትትን ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ካብ ነፍስወከፍና ዝጥለቡ ግቡኣት ክንፍጽምን ኣተሓሳሲቦም ኢዮም። ካብ'ዚ ሓሊፎም ውን፡ መንግስቲ ኣብ ጕዳይ ናይ ሃይማኖት ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታው ብግብሪ በዲሆም ኢዮም። ኣብ'ዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት፡ ነዝን ከም'ዝን ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ከነተባብዕን ከነስፍሕን ከድልየና ኢዩ።
ስርዓት ኢሳያስ ብዝፈጸሞም ጌጋታት፡ ንነፍሱ ካብ ዓለም ባዕሉ ነጺሉ ኢዩ። እዚ ኵነታት'ዚ ንደለይቲ ፍትሒ ምቹእ ባይታታት ስለዝፈጠረሎም፡ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኣህጕራዊ መጋባእያታት ቀሪቦም ድምጾምን ድምጺ ውጹዕ ህዝቦምን ከስምዑ ዕድል ረኺቦም ኢዮም። ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት ናይ መንእሰያት ድማ፡ ንሕማቕ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ኢላ ትሓልፎ ዝነበረት ዓለምና ካብ ድቃሳ ክትበራበር ገይርዋ ኢዩ። ነዚ ተረኺቡ ዘሎ መኽሰባት ንምኽዕባት ቃልስና ብዝተዓጻጸፈ ደረጃ ከነበርኾ ንጥለብ ኣሎና።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዝደናግጽ ናይ 15 ሃገራት ሲቪላውያን ማሕበራት ዝካፈልዎ ግብረ ሓይሊ ምቛሙ፡ ነታ ክሳብ ሕጂ ተርኣን ግዴኣን ክንድህስሳ ዘይከኣልና ኣህጕር፡ መእተዊ ዝኸውን ባብ ተፈጢሩ ስለዘሎ፡ ነዚ ማዕጾ'ዚ ኣርሒብና ብምኽፋት፡ ህዝብና ዝርብሓሎም ስርሓትን ዝምድናታትን ንምፍጣር ክንጽዕር ዕዙዝ ኣድላዪነት ኣለዎ።
መንግስታት ኣውሮጳ፡ በቲ ካብ ኤርትራን ማእከላይ ምብራቕን ዝውሕዝ ዘሎ ስደተኛታት ተሰናቢደን ንሃገራዊ ረብሐአን ብምቕዳም፡ ምስ ዲክታቶርያውያን መንግስታት ቀሪበን ክሰርሓ ዝብገሳሉ ዘለዋ እዋን ስለዝዀነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ርእስ'ቲ ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን ክገብርዎ ዝጸንሑ ርክባት፡ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዘትኰረ ንጥፈታቶም ከሐይልዎ ኣለዎም። ንኣህዛብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ጭቆናን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን ግህሰታትን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍልጥኦም ንምዕባይ ተሪር ቃልሲ ምክያድ ግዜ ዘይህብ እዋናዊ ዕማም ኰይኑ ኣሎ።
ክቡራትን ክቡራንን
ኣብ መዳይ ሓድነት ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቃላጥፍ፡ ንፍናን ህዝቢ ዘበርኽ ጭቡጥ ስርሓት ተኻይዱ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን ኢዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣንጻር ሕድሕድ ዝግበሩ ምጽልላማትን ምጥቅቓዕን ብዝያዳ ዝጐልሃሉ፣ ኣብ ዓዳውን ኣውራጃውን ምልዕዓላት ዝተሰረቱ ፋይዳ ዘይብሎምን ንህዝቢ ዘይጥርንፉን ከፋፈልቲ ድምጽታት ዝተቃልሕሉን ዓመት ኢዩ ነይሩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ፡ ነዝን ከምኡን ዝኣመሰሉ ጸበብቲ ኣንፈታት ወጊድና ንዝዓበየ ሃገራዊ ዕላማታት ንምዕዋት መዓንጣና ሸጥ እነብለሉ ዓመት ክንግብሮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ካብ'ዚ ስርዓት'ዚ ብዘይካ ጕድኣት ፋይዳ ስለዘይረኸበ፡ ነዚ ንጹህ፡ ውፉይን ጻዕራምን ህዝቢ ካብ ኣርዑት ህግዲፍ ምንጋፍ ቀዳማይን መተካእታ ዘይብሉን ዕላማና ጌርና ክንወስዶ ኣሎና። ዕላማና ክንዮ ውልቅና፡ ዓድና፡ ኣውራጃና ዝጥምት ክኸውን ይግብኦ።
ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንምዕባይ ናይ 2015 ዓ.ም ቀንዲ ዕላማና ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ፡ ንሃለዋቶምን ሻቕሎታቶምን ብግቡእ ብምግንዛብን ንሕልምታቶም ጋህዲ ዝገብር ስርሓት ብምክያድን ይኸውን። ተሳትፎ ናይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ውሽጠን ለውጢ ንምምጻእ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ምግንዛብ ይግባእ።
ስደት ብዝምልከት ከኣ 2014 ዓ.ም ካብ ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ዝያዳ ናህሪ ወሲኻ ዝቐጸለትሉ ዓመት ኢያ ነይራ። ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ናባዪ ዘይብሎም ህጻናት ከይተረፉ እውን ክስደዱ ዝተራእዩላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ፡ ካብ 3000-4000 ዝዀኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ንሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ኣለዉ። እዚ መንእሰይ'ዚ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሕን ህንጻ ሃገርን ክዋፈር ዝነበሮ ተረካባይ ሕድሪ ናይ ዝሓልፍ ዘሎ ወለዶ ኢዩ። ብዘይ'ዚ መንእሰይ'ዚ ሃገር ክትህሉ ይኹን ክትምዕብል ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ። 2015 ዓ.ም ንዋሕዚ ናይ ስደት ደው ምባል ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ኣጀንዳታት ናይ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ክኸውን ይግባእ። ሰዲህኤ፡ ነዚ ጸገም'ዚ ንምፍታሕ የኽእሉና ኢዮም ኢሉ ዝኣምነሎም ዝዋስኣሎም ዘሎ መደባት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።
1. ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ ስደት ኰይኑ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣሊኻ፡ ብዲሞክራስያዊ ናይ ምስግጋር መስርሕ ምትካኡ፤
2. ነቶም ድሮ ተሰዲዶም ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን የመንን ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ሞያን ኣካዳሚካዊ ትምህርትን ናይ ስራሕ ዕድላትን ምሃብ፤
3. መንግስቲ ኤርትራ፡ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህጕራዊ ማሕበረሰብን ተሓባቢሮም ኣንጻር ነጋዶ ደቂ ሰባት ዘካይድዎ ቃልሲ ከሐይሉ።
4. መንግስታት ዞባና ኣብ ንግዲ ደቂሰባት ንዝነጥፉ ዘለዉ ከም ራሻይዳ፡ በደዊን ....ወዘተ ዝኣመሰሉ ዝተጐስዩ ክፍልታት ሕብረተሰባተን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጣባውን ማሕበራውን ንጥፈታት ናይ ሃገሮም ከምዝሳተፉ ምግባር።
5. ሃገራት ምዕራብ ማዕጹአን ኣብ ክንዲ ምዕጻው፡ ስደተኛታት ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገረን ዝኣትውሉ ዕድላት ከምዘስፍሓ ምግባር።
ክቡራትን ክቡራንን
ኣትኵሮ ናይ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ናብ ውሽጢ ሃገር ገጹ ዘቕንዐ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሕድሕድካ ካብ ምውጣጥን፡ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ካብ ምዅዳድን ወጺእና፡ ናብ'ቲ ዝሰፍሐ ህዝብና ዝርከቦ ሃገርና ቆላሕታ ክንገብር ህዝብና ንዘሕልፎ ዘሎ ሕማቕ ሃለዋት ንምቕያርን ዘኽእል ስትራተጂታትን ስልትታትን ክንሕንጽጽን ኣብ ተግባር ከነውዕልን ይድለ ኣሎ። ስለ'ዚ፡ ነፍስወከፍ ተቓዋሚ'የ ዝብል ኣካል ካብ ዝነብሮ ሳንዱቕ ወጺኡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ዘሎ ህዝብና ዝምድናታት ክፈጥር ጻዕርታት ክገብር ኣለዎ። ንተቓዋማይ ምቅዋም ብዙሕ ዘምጽኦ ረብሓ የለን እሞ፡ ኣዒንትና ናብ ስርዓት ህግደፍን ተግባራቱን ጥራሕ ይጠምታ። ህዝብና ብስእነት ማይ፡ መግብን መብራህትን ዝኣመሰሉ መሰረታያን ጕዳያት ይሳቐ ኣሎ። ንሕና፡ ከም ተቓወምቲ ነዚ ሽግር'ዝን ካልእ ሽግራትን ናይ ምፍታሕ መደብን ዓቕምን ከምዘለና ንህዝብና ከነርእዮ ክንክእል ኣለና። እዚ እንተዘይኣርኢናዮ፡ ኣብ ዙርያና ክዓስል ኣይክእልን ኢዩ። ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ህዝብ ክንፈልጥን ንምቕያሩ ዘሎና መደባት ክንሕብሮን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ኢዩ።
ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት፡ ሃለዋት ዝፍለጠሉ ኵነታት ክንፈጥር ኣለና። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዛዕባ'ዞም እሱራት እዚኣቶም ተሓቢኡ ዘሎ ሓቅታት ከውጽእ ከነገድዶ ክንክእል ኣሎና። ናይ ዘለዉን ዝሞትን እሱራት ሃለዋት ግልጺ ሓበሬታ ዝውሃበላ፣ ህልዋት ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዝፍትሑላ ዓመት ንምግባ፣ ናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ጸቕጥታት ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ስርዓት ኤርትራ ንምሕያል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግብኣና።
ክቡራትን ክቡራንን
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብእኩብን ብክልተኣውን ደረጃታት ኣብ 2014 ከካይዶም ዝጸንሐ ርክባት ኣብ 2015 ክቕጽሎም ኢዩ። እዞም ርክባት እዚኣቶም፡ ናብ ጭቡጥ ስምምዓት ንኽበጽሑ ዘኽእል መጽናዕትታት ክገብርን ግብራዊ ስጕምትታት ከውስድን ኢዩ።
ናይ ሰላም፡ ስኒትን ራህዋን ዓመት ይግበረልና
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
31 ታሕሳስ 2014
እቶም ቅድሚ ናጽነት ዝነበሩ
ከምኡውን ድሕሪ ናጽነት ዝተባረሩ
ንዝተፈጸመ ጌጋታት ሎሚ ክቘጽሩ
ኣብኣ ከለዉ ብሒም ዘይበሉ ከይሓፈሩ
ሓሙሻይ መስርዕ እናበሉ ከምዘይዓንደሩ
ኣብ ሎሚ በጺሖም ሰባት ከደናግሩ
ቤላቤለዉ በዚሑ ሓሶት ሳዕሪሩ
ንደቂ ሰባት ክዝልፉ እንተገዓሩ
ሽሕ እንተለፍለፉ ቁምነገር ነይገብሩ
ውድባት ኣይረብሓን ዝብል ሓሳብ ከዕምሩ
ሕቘኦም እምበር ሕቘመን ተሰይሩ
ኢሳያስ እባ ብድኽመትና ተሓንጊሩ
ድላዩ ይፍጽም ዓጋቲ ዘይብሉ ተገቲሩ
ንኣእምሮና ተቘጻጺሩ ኣብ ልብና ሰፊሩ
ብድንቍርናና ኣስተርሕዩ ከምድላዩ ኣመሓዲሩ
ንውሽጢ ገዲፉስ ንደገ እውን ሰጊሩ
ብሰንኪ ምፍልላይና ኣብ ሕቘና ሓዅሩ።
እቶም ንታሪኽ ብግልባጡ ዝስንዱ
ስም ደቂ ሰባት ዝቕርድዱ
ንጅግና ክዝልፉ ከጸልሙ ከዋርዱ
ዕንጨይቲ ዘናኽስ ሓዊ ኣጕዱ
ጥዑይ ተሳኢኑ ኩሉ ዓቢዱ
ነንሓድሕዱ ክወናጀል ንሰነ-ምግባር ወጊዱ
ለባም ይኹን ዓሻ ኩሉ ሓንጊዱ
ዓሌት ኣውራጃ ክፈላሊ ርሑቕ ዘየማዕዱ
መዓልቲ ኣኺሉ እዩ ክፍለጥ ጉዱ
ስርናይ ክምመ ካብ ክርዳዱ
ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ቀሪባ ኣላ ፍርዱ
ቅዋም ምስ ተተኽለ ኣይኮነን በብኢዱ
ሓቂ ንሓዝ ለማጽ ኣይኮነን መገዱ
ኣይንሕተትን ኢልኩም ክውንን ዘይክውንን ኣይተንጐድጕዱ ።
ብድራር መንታይ
ሱዳናውያን ወተሃደራት ነቶም ዝጨወይዎም 1,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ሰለስተ ከፊሎም፡ ኣብ ከሰላ፡ ሓልፋ ጀዲዳን ግርባን ኣሲሮምዎ ምህላዎም እሙናት ምንጪታት ሓቢሮም።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም እሱራት ብጅምላ ከይባረሩን ገበን ዘይፈጸሙ ድማ ብቐጥታ ተፈቲሖም ናብ መደበር ስደተኛታት ክምለሱን ብዘቕረቦ ተቓውሞ መሰረት 400 ናብ ቦትኦም ተመሊሶም ኣለዉ። ዝተረፉ ድማ፡ ምርመራታት ይካየደሎም ኣሎ። ብድሕር'ዚ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎም ምዃኖም ይስማዕ ኣሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ምውታት ንምርካብ ኣብ ዝተገብረ ፍተሻ ሓደ ተረኺቡ ኣሎ። በዚ ጠቕላላ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሬሳታት ናብ 9 ክብ ኢሉ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ብዝወረዶም ማህረምቲ ኣብ ሆስፒታል ዝእለዩ ከምዘለዉ ዝዝከር ኢዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነቲ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝዅንንን ንላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነቱ ክስከም ዝጽውዕን መዘክር ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና፡ እቲ ኣድማዕነቶም ደኣ ከምቲ ባህግና ኣይኮነን እምበር፡ በብግዜኡ ዝለዓሉ መዛረቢ ኣጀንዳታት ብዙሓት እዮም። ብውድባት ዝግበር ምንቅስቓሳት፡ ብማሕበራት ዝግበሩ ንጥፈታት፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድባት ብሓባር ዘንቅድዎ መድረኻት በብግዜኡ ኣጀንዳና ኮይኖም ይቐርቡ። እዞም ተበግሶታት ብቐንዶም ነናቶም ዘንቀልዎም ውድባት ወይ ማሕበራት ዝምልከቱ’ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ሕድሕዶም ምትእስስሳርን ምጽልላውን ስለ ዝህልዎም ኩሉ ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ክግደሰሎምን ክዛረበሎም ውሁብ እዩ። ምናልባት ገለ ወገናት እቲ ካልእ ብዛዕባአቶም ክዛረብ እንከሎ “እዚ ናትና ጉዳይ እንድዩ፡ እገለ ውድብ ወይ ማሕበር እንታይ ገደሶ ዝትንክፈና” ዝብል ስምዒት ይሓድሮም ይኸውን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ዘይሩ ዘይሩ ኣብቲ ንኹልና ማዕረ ዝብጸሓና ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ዝግበር ጸወታ ስለ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሚዛኑ ከንብረሉ ናይ ግድን እዩ። ወረ ብዓይኒ ቅንዕና ክረኣይ እንከሎስ ሓጋዚ እዩ። ነናትና ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እምበር ነናትና ኤርትራ ከም ዘየብልና ኸዓ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ክዝውተር ዘይግበኦ፡ እንተ ተዘውቲሩ ከዓ ጸገም ዝፈጥር፡ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ነቲ ካልእ ወገን ኢዱ ጠውዩ ኣብቲ ናቱ ክሊ ክኣስሮ ክፍትን እንከሎ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ምግዳድ ብትሕዝቶኡ ዓመጻዊ እምበር ደሞክራሲያዊ ስለ ዘይኮነ።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝነጥፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከከም ናይቲ ዝዋስእሉ ፖለቲካዊ ንፋስን ዝርከብሉ መድረኽን ቀዳምነት ዝህብዎ ዛዕባታት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ጉዳይ ፍልልያትካ ዓቂብካ ብሓባር ክትሰርሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣጀንዳ’ዚ ዘይስገር ምዃኑ ዘመልክት ከዓ እቲ ንዝያዳ 16 ዓመታት ዝተገብረ ግና ኸዓ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተ መስርሕ ምስክር እዩ። ንዘይምዕዋቱ ብዙሓት ምኽንያታት ክህልዎ ዝኽእል ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ግና፡ ናይ ደንበ ተቓውሞና ደሞክራሲያዊነት፡ ግሉጽነት፡ ምጽውዋርን ተወፋይነትን ዓቕሚ ውሱንነት ሓደ ኮይኑ፡ ንዘፈላልዩን ዘሰማምዑን ብግቡእ ከተለልን ክትውግንን ዘይምኽኣል፡ ንናይ ምልዋጥ ዓቕምና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና ሕጽረት እዩ። ካብቶም ኣብዚ ብሓባር ክንሰርሕ ናይ ምፍታን ጉዕዞና ዝተራእዩ ተመኩሮታት እዚ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። እዚ ጌና ክሳብ ሕጂ ወይ ዘየድመዐ ወይ ድማ ብኻብኡ ዝሓሸን ዝሰፈሐን መድረኽ ዘይተተከአ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ፡ ክሳብ ክንደይ ግቡእ ምኽያቱ ኣብ ዘይተነጸረ ጐንጽታት፡ ምስሕሓባትን ምምንጫትን ከም ዝጸንሐ፡ ብዓብይኡ ነቶም ኣብኡ በብደረጃኡ ክዋስኡ ዝጸንሑ ኣካልት ንጹር እዩ። ነቶም ኣብ ከባቢኡ ኮይና ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እውን ስዉር ኣይኮነን።
እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ባይቶ፡ ናይዚ ኩሉ ሽንኮለል ጠንቂ እዩ ዝብልዎ ሚዛን ክህልዎም ናይ ግድነት እዩ። መፍትሒ ኢሎም ወሲደምዎ ዘለዉ ስጉምቲ ድማ ካብዚ ሚዛኖም’ዩ ዝነቅል። እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ግና ድማ ካብ ክሊ መድረኽ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ኮይና እንከታተል ኤርትራውያን “ናይ ሃገራዊ ባይቶ ጸግም እዩ” እንብሎ ሚዛን ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ተቐራሪብካ ምዝታይ ካብ ዘድልየሉ ምኽንያታት ከዓ ነዚ ክልተ ሚዛናት ናብ ሓደ ንምምጻእን ዘየዳግም ናይ ሓባር መፍትሒ ከተቕርብ ንምኽኣልን እዩ። ባይቶ ጸገማቱ ኣወጊዱ እንብል ድማ ነዚ ናይ ሓባር ገምጋም ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ምስ ዝወስድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሃገራዊ ባይቶ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ኣብ መሪሕነት ባይቶ፡ ፈጻሚ ኣካልን ኣሰናዳኢት 2ይ ጉባአኡን ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላቱ ኣውሪዱ ብኻልኦት ኣባላት ተኪእዎም ኣሎ። እዚ ድማ ባይቶ እቲ ጸገም ኣብቲ ሜዳ ዘይኮነስ ኣብቶም ተጻወቲ እዩ ዝብል ገምጋም ከም ዝነበሮ ዘመላኽእት እዩ። ብናተይ ሚዛን ግና ኣብ ብቕዓት ናይቶም ዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነት ብቕዓት ኣፈይ መሊአ ዝከራኸረሉ’ኳ እንተዘየብለይ እቲ ቀንዲ ሽግር ኣብቲ መጻወቲ ሜዳ እዩ ዝብል ግምት’ዩ ዘለኒ’ሞ ብምሉእ ልበይ እቲ ኩነታት በቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ተፈዊሱ’ዩ ኣይብልን። “እቲ ኣወራርዳን ኣተኻኽኣን፡ ኣብ ሓደ ብርኪ ናይ መሪሕነት ብሓደ ይሰርሑ ንዝነበሩ ኣባላት ብሓደ ዓይኒ ዝፈረደን ዝርዝር ገምጋም ሂቡ ነናቶም ተሓታትነት ከነጽር ስለ ዘይከኣለ፡ ንጥዑይን ሕሙምን ብሓደ ዘንቢል ዝጐሓፈ ናይ ፈራሕ ኣተሓሕዛ’ዩ” ናይ ዝብሉ ወገናት ርኢቶ እንተሓወስካሉ ከዓ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብን ንዓቕሚ ናይቲ ባይቶ መሊሱ ዘዳኽምን’ዩ ዝኸውን።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ባይቶ ኮነ ንኻልኦት ኣብቲ ባይቶ ዘየለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ዘንበሮ ሚዛናትን ከም መዋጸኦ ዝኣመቶ መፍትሕታትን ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ ኣሕጺርካ ንምቕራቡ፡ “እቲ መድረኽ ጸቢብ እዩ። ካብዚ ዝሰፈሐን ብዙሓት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ዘሳትፍን ከም ዝኸውን ንምግባሩ ጌና ጻዕሪ የድልዮ። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ኣብ ክንዲ ውሑዳት ኮይንካ ብብዙሓት ጉዳያት እትሰማማዓሉ፡ ብዙሓት ኮይንካ ኣብ ውሑዳት ጉዳያት እትሰማማዓሉ መድረኽ ምኽፋት’ዩ ዝምረጽ” ብዝብል ምጥቕላሉ ዝከኣል እዩ። ካብቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ካብዚ ኣብ ጸቢብ መድረኽ ምኹዳድ ኣውጺኡ ኣብ ሰፊሕ መድረኸ ከዋሰኣና ይኽእል እዩ ኢሉ ከቕርቦ ዝጸንሐ ርኢቶታት እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶኡ “ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።” ብዝብል ዘቕረቦ መጸዋዕታ ብኣውንታዊ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ መጸዋዕታዚ ብቐጥታ ካብ ዝቐረበሎም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ኣካላት ሓደ እዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ተኣኪቡ ዝቐነየ መሪሕነት ባይቶ እዩ። እዚ መሪሕነት ባይቶ ነዚ እዋናውን ርትዓውን መጸዋዕታ መልሲ ንክህብ ክንጽበዮ ባህርያዊ ነይሩ። እቲ ብደረጃ ብውልቀ ኣባላት ባይቶ ዝስማዕ ናይ ጽቡቕ ድሌት ዕላል ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ብዕሊ ዝወጹ ናይቲ ሓድሽ መሪሕነት መግለጽታት ብቐጥታ ናብዚ መጸዋዕታ ዘቕነዐ የለን። ምናልባት ኣማዕዲኻ ዝረአ ናብዚ መጸዋዕታ ዝጠመተ ዝመስል እቲ በታ ሓዳስ ፈጻሚት ሽማግለ ብ24 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ “ካብ ኤሃባደለ ወጻኢ ኮይኖም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ውድባት ይኹኑ ስቪክ ማሕበራትን ኣብ ክሊ እዚ ጽላል ዓቕምታቶም ጠሚሮም ብሓባር ንምቕላስ ተሳትፍኦም ከዕዝዙ፡ ክላዘቦም ቅሩብ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ከረጋግጽ ይፈቱ።” ዝብል ንዕዘብ። ብናተይ እምነት እዚ ኣበሃህላ’ዚ ውጽኢቱ ኣብ መስርሕ ዝረአ ኮይኑ፡ ሓደ ዘተባብዕን ሓደ ዘሰክፍን ሓረጋት ዝሓዘ ኮይኑ ይረኣየኒ። እቲ ዝተባብዕ እቲ “ክላዘቦምቅሩብምዃኑ” ዝብል ኮይኑ እቲ ዘሰክፍ ከዓ እቲ “ኣብክሊእዚጽላል” ዝብል ቅድመ ኩነት እዩ። ኣብ ልዝብ ቅድመ ኩነት በቲ ሓደ ወገን ናይቲ ኣቕራቢ ቅድመ ኩነት ኣገዳድነት በቲ ካልእ ወገን ከዓ ናይቲ ቅድመ ኩነት ዝቐርቦ ኣካል ድሩትነት ዘንጸባርቕ ዘይደሞክራሲያዊ ኣቀራርባ ስለ ዝኾነ። እቲ ቅኑዕን ኣብ ውጽኢት ዝበጽሕን ዘተ ነናትካ ዓቕሚ ሒዝካ፡ ብናይ ኢንካን ሃባን መትከል ተገዚኣካ፡ ኣብ ማእከል ትራኽበሉ እምበር፡ እቲ ሓደ ወገን ኣብቲ በይኑ ዝመረጾ ቦታ ጠጠው ኢሉ፡ ነቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ርሕቀት እቲ ሓደ በይኑ ክጐዓዞ ብዘገድድ ክኸውን ኣይግበኦን። በዚ ኣጋጣሚ መሪሕነት ባይቶ “ክዛተ” ካብ በለ ድኻሙ ከይጸብጸበ ንምሉእ መስርሕ ሓቀኛ ዘተ ክቕበል ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ’ዩ።
ሰደህኤ ምስ ባይቶ ይኹን ምስ ዝኾነ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘቕርቦ ምርጫ ሰፊሕ እዩ። ነቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ መጸዋዕታ ኣብ ዘቕረበሉ ኣጋጣሚ “ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ጕባኤኡ ዘጽደቖ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክሰምሩ፣ ናብ ፍጹም ምጽንባር ክበጽሑ ዘይክእሉ ውድባት ድማ ብዝተሓተ ነጥብታት ተሰማሚዖም ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ሓቢሮም ክሰርሑን ዘለዎ እምነት ደጊሙ ብምዝኽኻር፡ ኵሎም ተቓወምቲ ንተግባራውነቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ጸዊዑ።” ዝበሎ ከዓ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከም ዘመልክቶ፡ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ዝጻወተሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ሜዳ ካብዚ ንላዕሊ ከስፈሖ ምርጫኡ ተዘይኮይኑ፡ ኣብታ ዘለዋ ሜዳኡ ኮይኑ፡ ንገዛእ ርእሱ ውድብ ድዩ ግንባር ሰይሙ፡ ምስ ሰደህኤን ካልኦት ኣብ ባይቶ ዘየለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ዘስርሕ ዝሰፈሐ ፖለቲካዊ ሜዳ ምምድማድ’ውን ከም ዝከኣል ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ሓደ እዋን ኣብ መንጎ ባይቶን ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ኣካላትን ዝነበረ ናይ ምንጽጻግን መንፈስ ተዳኺሙ፡ ባይቶ’ውን ካብቲ “ኣነ እየ በይናዊ ወኪል ተቓውሞ ኤርትራ” ዝብሎ ዝነበረ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ እቲ ናይ ምድልላይን ምጽውዋዕን ስምዒት እንዳዓበየ ምኻዱ ተስፋ ዝህብ’ዩ። እንተኾነ ብሓቀኛን ምዕሩይን ዘተ ኣቢልካ መእሰሪ ክሳብ ዘይተገብረሉ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክኸውን ከም ዘይክእል ክሰሓት ኣይግበኦን።
26 ታሕሳስ 2014