እዚ ብናይ ኡክረንያ ቁልውላው ተዋጥሩ ኣብ ኣውስትረልያ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሕመኣ ፕረስደንት ባራክ ኦባማ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኡክረንያ ትገብሮ ዘላ ወተሃዳራዊ ምትእትታው ኮኒኑ። እዞም ናይ ዓለም መራሕቲ ብ ጉጅለ 20 ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ብሪስባነ ኣውስትረልያ ኢዮም ተራኺቦም። ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዘረብኡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኡክረንያ ትገብሮ ዘላ ምጽባእ ዘባህርር ኮይኑ ንዓለምውን ዘስግእዩ ኢሉ። ቀዳማይ ኣጀንደኦም ቁጠባን ዕብየትን ኮይኑ ቁልውላው ኡክረንያ ነቲ ኻልእ ኣጀንዳ ካብ ዘጻላልወዩ።
ናይ ኤውሮጳ ወጻኢ ምኒስተራት ንሰኑይ ንቑልውላው ኡክረንያ ክዛረብሉዮም። ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክግበር ከም ዘለዎ ከኣ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቦ መንበር ሄርማን ቫን ሮምፒው ኣተንቢሁ ኣሎ። ሩስያ ምጉራት መሳርያ ውግእን ወታሃደራትን ካብ ምድሪ ኡክረንያ ጠጠው ከተብልን ድሮ ኣጓሪታቶ ዘላ ክትስሕብን ካብቲ ጠለባትዩ። ሩስያ ግን ንኢድ ኣእታውነታ ኣይትኣምንን ዘላ። ናይ ሩስያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኣፈኛ ዩሪ ይስያኮቭ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ የብልናን ክብልዩ ኣዊጁ ዘሎ። ናይ ጀርመን ቻንስለር ኣንጀላ መርከል ምስ ናይ ሩስያ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብዚ ዓመትዚ ርክብ ክትገብር መደብ ኣለዋ። እንተኾነ ካብ ርክባ ዓይነታዊ ለውጢ ዲፕሎማሲ ከምዘይትረክብዩ ዝትንባህ ዘሎ። ብመሰረት ናይ ጀርመን ሓላፊ ንሮይተር ዝሃቦ ቃል ፑቲን ንሰንበት ነቲ ኣኼባ ገዲፉ ከም ዝኸይድውን ገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣኼባ ግን ብጉዳይ ኡክረንያ ጥራይ ኣይተታሕዘን። ንተላገብ ኤቦላ ንምጥፋእ ተስማሚዑ ኣሎ። ኣባላት ጉጅለ መራሕቲ ዓበይቲ መንግስታት ንኣህጉራዊ ዋሕስነት ን ቫይረስ ኤቦላ ካብ ሱሩ ንምጥፋእን ንዋጋ ቁጠባን ሰብኣውነትን ናይዚ ሓደጋ ንምሕጋዝን ከም ተስማምዐ ገሊጹ ኣሎ።
እዚ ቀዛፊ ቫይረስ ድሮ ካብ 5000 ሰባት ዝበዝሑ ኣብ ጉነያን ላይበርያን ሰራልዮንን ኣጥፊኡ ኣሎ።
ካብ ጋዜጣ ሽወደን ስቨንስካ ዳግብላደት ዕለት 16 ሕዳር ዝተተርጎመ።
ኣርዓዶም በርሀ
ኣብዚ ግዜ እዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኤርትራ ዳርጋ ምስ ኩለን ጐረባብታ ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ሕማቕን ንጹልን እዩ። ሓደ ካብቲ ካልእ ዝምድና ናይ ደረጃ ፍልልያት ስለ ዘለዎ፡ ብፍላይ ኢርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶ ናይቲ ሕማቕ ዝምድና ግዳያት ኤርትራውያን ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሻቕል ዘሎን ምግላጹ ዘጸግምን እዩ። ብዝኾነ ኣብ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” (no war no peace) ደረጃ ዘሎ ዝምድና እንዳተባህለ እዩ ዝግለጽ። “ኣይክዩድ ኣይቅሙጥ” ወይ ድማ “ኣይርግኦ ኣይጸባ” ከም እንብሎ ኩነት። እዞም ንህልዊ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ተላፊኖም ዝገልጽዎ ዘለዉ ሓረጋት ክልቲኦም ማዕዶ ንማዕዶ ዝስለፉ፡ ወርትግ ዘይቃደዉ ኣዕናውን ኣድማዕን ኣምራት እዮም። ውግእን ሰላምን። ድሌትን ትጽቢትን ብሓፈሻ ናይ ዝኾነ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናይቲ ብነዊሕን መሪርን ውግእ፡ እቲ ዝቐደመ ከይቀምረረ ዳግማይ እንዳረኸሶ ዝኸርደደን ሰላም ዝሓረሞን፡ ሕጂ እውን ዓለም ብብርሃና ኣብ ጸልማት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ባህግን ውግእ ተወጊዱ ሰላም ክነግስ ከም ዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን። ድሌትን ድሌትካ ከተትግብረሉ ዓቕሚ ምውናንን በበይኖም ምዃኖም ግና ኣይንረስዕ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና፡ ዝያዳቲ ኤርትራ ምስ ካለኦት ሃገራት ተሕልፎ ዘላ ንጹል ሃለዋት ኣሻቓልን ኣዛራብን ዝኸውን፡ ኣዝዩ መሪር ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣጋጢሙ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግም መሪር ውግእ ዝሓለፎ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ጀኦግራፊያዊ፡ ባህላዊ፡ ቋንቋዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቁጠባዊ ኮታ ደሚርካ ኩለ-መዳያዊ ኣከዋውናኡ ኣዝዩ ዝዛመድ ብምዃኑ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝመርሕ ዘሎ ኣካላት ቅድሚ እቲ ትማሊ ኣብ ሕድሕዱ ዘካየዶ መሪር ደማዊ ውግእ፡ ቅድሚ ትማሊ ሓቢሩ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ደሪጉ ተዋጊኡ ናይ ሓባር ደም ኣፍሲሱ ናይ ሓባር ዓወት ኣመዝጊቡ ናይ ብዙሓት ናእዳ ሓፊሱ ዝነበረ ብምዃኑ ድማ ነዚ ናይ ሕጂ ኢኖ ሓርፋፍ ሓርፊፉ ዘሎ ዝምድና ቆላሕታ ብዙሓት ንክስሕብ ሓጊዝዎ እዩ። “ክቱር ፍቕርስ ክቱር ጽልኢ ፈጠረ” ኢሎም ዝገልጽዎ መሰልቲ’ውን ብዙሓት እዮም። ክልተ ግዜ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ፡ ሓንሳብ ብኣውንታ ደሓር ድማ ብኣሉታ። እዚ ኣሉታዊ እጃምን ተሓታትነትን ጉጅለ ህግደፍ በሪኹ ዝተራእየሉ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ክብ ለጠቕ ብዝብል ዋሕዚ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ፡ ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ግና ንሓንቲ ካልኢት እውን ካብ ኣእምሮኡ ዘየልግስ መናብርቱ ኮይኑ ዘሎ ዘይተፈትሐ ግድል እዩ።
እዚ ክልቲኡ ህዝብታት በቲ ኩነታት ምሽቓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሐሕልናኡ ተቐይሩ ማለት እዚ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ሃለዋት ምሉእ ሰላማዊ ኮይኑ ናይ ምርኣዩ ሕልምን ትጽቢትን ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ክልቲኡ ህዝቢ ትምኒቱ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ትምኒቱ ናብ ተግባር ንምስግጋር ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ግና ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ሕቶ ሰላም ምስ ጐረቤት ህዝቢ ጥራይ ዝተደረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወቱ ምዃኑ ከዓ ክንዝንገዖ ኣይግበኣናን። እቲ ኣብ ሀገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ግዜ ብሰንኪ ተንኮላት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣይኮነንዶ ምስ ህዝቢ ኢትዮዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ምስቲ ኣብ ጥቕኡ ኣብ ገጠር ድዩ ኣብ ከተማ ዘሎ ጐረቤቱ ብኽመይ ተመላሊኡ ከም ዝነብር ንምቕያስ ዝዛረበሉን ዝዛተየሉን ኩነታት የለን። ምስቲ ኣብ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ብመንገዲ ሕገመንግስታዊ ምርጫታት ተተይ ዝብል ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ሰላማዊ ዝምድና ናብቲ ንቡር ደረጃኡ ንምምላስ ድሌት እምበር ዓቕምን ተኽእሎን ከም ዘየብሉ ኣፍና መሊእና እንዛረቦ ይመስለኒ። ብመሰረቱ እውን ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ልዕልና ዘውሕስ መድረኽ ስለ ዝበኾረ ኢና ዳግማይ ንምምላሱ ንቃለስ ዘለና። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘርዩ ዘሎ ዲያስፖራ እንብሎ ኤርትራዊ’ውን ካብዚ ኣብ ህዝብና ዘሎ ናይ ዘይምትእምማን ጸግመ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ እዩ” ኢሉ ነብሱ ከየዕሹ ከዓ ሓደራ እብል። ብወገን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ገዚፍ ኣገንዳ ሰላም ናይ ምሕሳብን ናይ ምዝራብን ዝሓሸ ዕድል ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ እዩ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጊዮን ሆቴል “ዓለም ለኻዊ ትካል ኢትዮጵያ ንሰላምን ልምዓትን” ዝተባህለ ኣካል ዘሰናድኦ ኣኼባ ዝተኻየደ። ኣብዚ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ሰላማዊ ቦታኡ ናይ ምምላስ ተኽእሎታት ንምድህሳስ ዝተወደ ኣኼባ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ፡ ብዕድመ፡ ብዝተዋፈርዎ ስራሕን ብእምነትን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ትጡሕ ኩነታት ተጠቒሞም ነቲ ኣጋጣሚ ንዝፈጠሩ ወገናት ምስጋና ይብጸሓዮም።
ኣብዚ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ (citizen diplomacy) ንከሕይል ተስፋ ዝተነብረሉን ናይ “ክንገብሮ ንኽእል ኢና” ኒሕ ዝተንጸባረቐሉን ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ፡ ነቲ ኩለመዳያዊ ጥቡቕ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዘትርሩ ኣብነታትን ተመኩሮራታን ቀሪቦም። ኣብቲ ዝርዝር ካብ ግዜ ንእስነቶም ብሓደ ዝተማህሩ፡ ብሓደ ዝሰርሑን ኣብ ስደት ብሓባር ሓበሻ ዝብል ስም ዝተጠመቑን ተመኩሮም ብሰፊሑ ተገሊጾም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰናይ ዘበን ግዜ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” መድረኽ እውን ጌና ተስፋ ዝህብ ዝከናኸኖ እንተረኺቡ ክጥጥዕ ዝኽእል ናይ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድናታትን ተስፋታት ከም ዘሎ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ምስ ዘዝፈልጥዎ ኣብነታት እንዳሰነዩ ገሊጾም። ብፍላይ ድማ ካብቲ ዝዳወብ ከባቢታት ዝመጹ ተሳተፍቲ ኣብቲ ከባቢ ኪኖ’ቲ ጀኦግራፊያዊ ደረት ናይቲ ህዝቢ ማሕበራዊ ዝምድና ከም ዝዓዝዝ ኣስማት ሰባት ከይተረፈ እንዳጠቐሱ ገሊጾም። ነዚ ዓቢሩ ዘሎ ዝምድና ንምህጣሩ ነንኽእሎ ክንገብር ኢና ኢሎም ቃል ዝኣተዉ ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍልጠት ክኢላታት እውን ንከበርክቱ ቃል ኣትዮም። ሓደ ርዱእ ጉዳይ ግና ኣሎ እዘን ብዛዕባ ዝምድና ህዝበን ንዛረበለን ዘላና ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናተን ነጻነት ኣለወን። ነናተን ሉኣላውነት’ውን። ፖለቲካዊ ባህርያቶምን ንህዝቢ ዝህብዎ ክብርን መሰልን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ነናተን መንግስታዊ ምምሕዳራት’ውን ኣለወን። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዛዕባ ኤርትራ ክንሓስብ እንከላና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ፡ ጸረ ደሞክራስን ኩሉ ነጻነታትን መሰላት ህዝብን ጓዕጻጺ ጉጅለ ህግደፍ እያተመቊሓ ዘላ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝባዊ ሰላማዊ ዲፕሎማሲ ክንፈጥር፡ ክንብል እንከለና ነቲ ህዝቢ ካብቲ መንግስታቱ ፈሊና ነናቱ ሃገር ክንፈጥረሉ ማለትና ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ። ነዓይ ከም ዝረደኣኒ እዚ ህዝብታት ኣገዳስነት ሰላምን ጥዑይ ዝምድናን ኣብ ዕቤቱን ቀጻልነቱን ወሳኒ ምዃኑ ተገንዚቡ ነኒመንግስቱ ናብዚ ሃናጺ መድረኽዚ ንክመጽእ ከገድደሉ ዝኽእል ዓቕሚ ክፈጥር ምኽኣሉ ማለት እዩ። ሰላማዊ ዝምድና ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉሙ ዘይምውጋእ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ነንሕድሕዱ ቀጻሊ ተጠቓቓምነትን ሓቢርካን ተማላሊእካን ናብ ዓዲ ዕቤት ምግስጋስ ማለት እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
እዚ ዕማምዚ ንምዕዋት ቅድም ቀዳድም እዚ ኣብ ሰላም እምበር ኣብ ውግእን ህውከትን ረብሓ ዘየብሉ ህዝቢ ኣብ ሃሃገሩ ክሰርሖ ዝግበኦ ዕዮ ገዛ ኣለዎ። ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድዩ ምስ ህዝቢ ካልእ ጐረቤት ሃገር ሰላማውን ሓባራውን ዝምድና ምፍጣሩ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናቱ ሰላምን ነጻነትን ኣብ ኢዱ ክጭብጥ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ኤርትራ እያ ካብ መግዛእቲ ነጻ ወጺኣ እምበር ህዝባ ካብ ኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ነጻ ከም ዘይወጸ ርኡይ ስለ ዝኾነ። ኣብ ገዛእ ባይታኡ ኣጣጢሑ ዘይረገጸ ሰላም፡ ምስ ጐረቤት ዝቛጽሮ ዝምድና ጽባሕ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓዲ ዘይጣጠሐ ባይታ ተደጊሱ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ክንርስዕ ኣይግበኣናን። እዚ ሰላም ምስ ጐረባብቲ ናይ ምርግጋጽ ዕማም እምበኣር ካብቲ ሓፈሻዊ ንኤርትራ ናብ ሓድሽ መድረኽ ደሞክራሲን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ንምብቃዓ ዝግበር ቃልሲ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ጉዳይ ሰላምን ህዝባዊ ዲፕሎማስን ካብ ጉዳይ ፖለቲካ ፈሊኻ ምርኣዩ ዘጸግም። ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ሰላም፡ ደሞክራሲን ልምዓትን ዝጸውር ባይታ ዘይፈጠረ ህዝቢ ምስ ጐረባብቱ ሰላም ክህልዎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነን። ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ብሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ንከይነብር ዓጊትዎ ዘሎ መጻወዲያ መንቀሊኡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተዘሪኡ ዘሎ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ምትእምማን ንከይፍጠር ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጻወደ መፈንጠርያ እዩ። ኣብ ሕድሕዱ ዝጠራጠር ህዝቢ ቀዳምነት ክህቦ ዘለዎ እምበር ኣብ ውሽጡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምውጋን እዩ። እቲ ናብ ጐረባብቲ ዝልሑዅ ሰላም ኮነ ህውከት፡ እቲ ናይ ምሽጢ ምስ መለአ ዝፈስስ እምበር ካብቲ ናይ ውሽጢ ተነጺል ኣብ ደገ ዝፍጠር ዘይምዃኑ ከዓ ፍሉጥ እዩ።
17 ሕዳር 2014
ብዕለት 31-10-2014 ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ምስ ንኡስ ዞባታትን ጨንፍርን ኤውሮጳ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ።
መዛረቢ ዛዕባ፡-
1- ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሀገርናን ዓለምን፡
2- ሃለዋትን ጉዕዞን ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን (ደምበ ተቓውሞ)
3- ኩነታት ሰልፍናን ተተሓሒዝዎ ዘሎ መደብ ዕዮ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ዞባ ኤውሮጳ ምግምጋም።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምዝታይ ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ ንኹሎም ኣካየድትን ኣባላትን ዝካፈልዎ ኣኼባ እዚ ንዝተራእየ ጉድለታት እንግምግመሉን ንመጻኢ ንኽንሰርሓሉ እንኽእልል ኣብ ዝብል ሓሳባት ጠርንፍና ነቲ ዝምልከቶ ኣካል እነመሓላልፈሉ ብምባል ዝዓለመ ንኹሉ ኣባላትና ኣብ ውድብ እኹል ኩፉት ብምዃን ዝነቅፍ ውዕውዕ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ኣቦ መነበር ዞባ ኣቶ ብርሃነ ገበረክርስቶስ ድሕሪ ሕውነታዊ ሰላምታን ንምንታይ እዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ ምጽዋዕ ምግላጹ ኣብ ኣርእስታትት ኣትኵሩ መግለጺ ብተረታ ኣቕሪቡ።
ሀ) ህልው ከነታት ሃገርናን ዓለምን ዝብል፡
ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዘጓንፎ ዘሎ ጸገማት ብሓቂ ወደሲብ ክረኽቦ ዘይግበኦ ጸገምን ግፍዕን ይረክብ ምህላዉ ኩላትና እንርድኦን እንሰምዖን ዘለና እዩ። ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ውሽጢ ሃገርና ቀረብ መግቢ፡ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ ።ሕክምና ስእነት ኣፋውስ፡ ትምህርቲ ትሕቲ ምድሪ ዘቢጡ ህዝቢ ዓቕሊ ኣጽቢቡ እምቢታኡ ብምስማዕ፡ ከምዚ ኢልካ ንቕድሚት ክኸየድ ኣይካእልን ምባል ጀሚሩ ኣሎ። ኣብነት ብምጥቃስ ቅድም ብኣቡናት ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ኣበይ ኣሎ ሓውካ ዝብል ጽሑፍ ኣንቢብናን ስሚዕናን፡ ብድሕሪኡ ካብ ሽዱሽተ ደብርታት ኣቡናት ቤተ ክርስትያን ተውህዶ ዝተጻሕፈን ዘስዓቦ ውጽኢትን እውን ናብ ናዕቢ ግጹ ዝጎዓዝ ምዃኑ ብሩህ ኮይኑ ብወገና ትኩር ኣድህቦን ነዚ ምዕቡል መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ነዚ ናይ ህዝብና ናዕቢ ምትብባዕን ዝተወደበ ኣሰራርሓ ክካየድ ዘድሊ ሓበረታን ጥርኑፍ ኣገባብ ክነውፊ የማሕጽን። እዚ ኮይኑ ነዚ ምዕባሌ ውሽጣዊ ምንቅስቓስ እንተኾነ ኣቐዲምና ብዝተረፈ ማዕረ ማዕሪኡ እኹል ምቅርራብን ጽኑዕ ምትእስሳር ሰልፍና ምስ ህዝብና ዓቢ ጻዕርን ስራሕን ይጽበየና ከም ዘሎ ምግንዛብ ምውሳእን የድሊ ክብል ኣብሪሁ። ብምቕጻል ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ዘሎ ዘይርጉእ ሃለዋት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኹላትና ብሩህ ኮይኑ ገለ ገለ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዝግበር ምቅርራብ ንስርዓት ኢሳያስ ዝያዳ የነጽሎ ዘሎ ስለዝኾነ ውልቀ መላኺ ብወገኑ ዘይተኣደነ መናፍሕ ምግባርን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ንኽፋጠጣ ዝኽእላ ናይ ቦታ ምዕዳልን ዝተጠዋወየ ጽንኩር ፖለቲካ ከካይድ እንስተብህለሉን እንከታትሎን ዘሎና እዩ። እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ይካየድ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ምግምጣል መንግስቲ ኣብ ቦርኪና ፋሶ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተላዕለ ኣብ ጀነራላት ወዲቑ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ከምኡ ኣብ ኩሉ ዞባ ኤውሮጳ በብዓይነቱ ምንቅስቓሳት ንርግኣት ኣፍሪቃን ዲሞክራስን ዝነግሰሉ ክፍሊ ሃገር ከይትኸውን ዝዕንቅጽ ዘሎ ጉዳይ ኣትኵርና ክነስተብህለሉ ዝግባእ እዩ።
ኣብ ሓድ ክፋል ሃገረ ኣፍሪቃ ኤቦላ ዝበሃል ሕማም ተላገብ ንደቂ-ሰባት ዘይምሕር ኣሽሓት ዜጋታት ኣፍሪቃ ዝሃልቁሉ ዘለዉ ሕማም እዚ ንዓለም ኣስጋኢ ብምዃን ዓለምና ብምሉእ ኣትኩሮ ዝርእዮን ዝዛተየሉን ፍታሕ ንምርካብ ሃሰውሰው ዝብለሉ እዋን ምዃኑ እውን ኩልና ብማዕከናት ዜና እንሰምዖ እዩ። እንተ ናይ ውግእ ወረ ውግእ ግን ኣብ ኤውሮጳ ዩክረን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዒራቕ፣ ሶርያ፣ ሊብያ፣ ዝካየድ ዘሎ ውዑይ ውግኣት ህንጸት ህዝብታት እንታይ ንመሃር እውን ኣገዳሲ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ናይ ህዝባዊ ናዕቢ ብኸመይ ክተመሓድሮ ዝብል ብተደጋጋሚ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ኣርእስቲ ስለዝኾነ ብዝለዓለ ኣካል ዝሳተፍዎ ሰፊሕ ትምህርትን ምሉእ ምይይጥ ክግበር ክንዕድም ኢና ክብል እውን ኣብሪሁ።
ለ) ሃለዋት ጉዕዞ ደንበ ፍትሕን ዲሞክራስን (ደምበ ተቓውሞ)
ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ከም ትዕዝብትና ሓዲሽ ኣገባብ ኣዋዲዱ ንኹላትና ዘጽልል ጽላል ንኽህሉ ዝብል እቲ ዝለዓለ ክግበር ዘለዎ ስራሕ ምዃኑ እኳ ተረዲኡ ናብዚ ንምብጻሕ ህርድግ ይብል ከምዘሎ ንዕዘብ። እቲ ብወገን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት የካይድ ምዃኑ ኩላትና ዘይንስሕቶ እኳ እንተኾነ እዚ እቲ ቀንዲ ጻዕርታቱ ነቲ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ኣብ ሃገራውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ዝምስረት ኣዋዳድባ ምዃኑ ክንሱ፡ ህዝብና ግና ጌና ዘይተገንዘቦ ወይ ተገንዚብዎ ንምእራሙ ቅሩብ ዘይምዃኑ የርእየካ። ይኹን እምበር ሰልፍና ብዘይሕለል ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን መሰል ዜጋታት እተኽብር ሃገር ንምምጻእ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ሓደ ጽላል ንምብጻሕ እተን በረኣእያአን ሓደ ዝኾና ኣብ ሓደ ክጥርነፋን ምስተን ብኣረኣእያ ዝፈላለየና ድማ ሓቢርካ ብምስራሕ ነቲ ንኹላና ዘጽልል ዲያስፖራዊ ጽላል ጽኑዕ ምትእስሳር ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ምንቅስቓሳት ንምብጻሕ ጻዕሩ ብተደራረቢ ይካየድ ምህላ ከም ዝቕጽሎ እውን ኣብሪሁ። ከም እንርእዮ ዘሎና ናብዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለየ ኮንፈረንስን ሰሚናራትን ተግይሩን ይግበር ከምዘሎን ንምሕባር ኣብ ደቡባፍሪቃ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብድሕሪኡ እውን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ንብዙሓት ተቃውሞ ዘሳተፍ ሓባራዊ ሰሚናር፡ ከምኡ እውን ቦሎኛ ፎርም ኣብዚ መጠረስታ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ብዕድመ ናይ ምሁራት ኣካላት ኤርትራዊ ንምጥጣዕ ዘተ ዝብል ኮነፈረንስ ብዝለዓለ ኣካል ሰልፍና ተኻፊልዎን እቲ ብወገን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይጠቅምን ኣድላይን ዝበሎ ፍታሕ ኣቕሪቡን ንብድሕሪ ሕጂ እውን ድሕር ከምዘይብል ርጉጽ እዩ ክብል ሰፊሒ መብርሂ ሂቡ።
ሐ) ኩነታት ሰልፍናን ተተሓሒዝዎ ዘሎ መደብን፡-
ብወገን ዞባ ኤውሮጳ በጺሕናዮ ዘለና ፍጻሜ መደብ ዕዮ ንምግምጋምን እንእምቶ ስራሕን ከመይ ይመስል ዝብል ነዊሕ ዘካተዐን ኣገድሰቲ ኣርእስትን ንጉድለታትና ዝእርሙ ሓሳባትን ጠሊቑ ተዛትዩ። እቲ ዘሕጉስ ድማ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ካብ ሓለፍቲ ንኡስ ዞባን ጨናፍርን ውልቀ ኣባላትን በቲ ዝተሰርሐ እኳ እንተተናእደ ጌና ከምቲ ኣባላትናን ብማዕዶ ዝርእዩና ዘሎው ዜጋታትና: (እቶም ብዓይኒ ጽልኢ ዝርእዩናን ባእታታት ገዲፍካ) ዕጉባት ኣይኮናን ዝያዳ ክንሰርሕን ምምሕዳራዊ፣ንምዕቡል ምንቅስቓሳትን ሓሳባትን ምስ ብመትከል ካባና ዘይፍለዩ ሓቢርካ ምስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ መንደቕ ምፍልላይ ስዒርና እንሕይለሉ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ዝድንፍዓሉ ክነማልእ ይግባእ ብምባል ምሕጽንታቶምን ድሌት ቃልሱ ብምግላጽ፡ ርሱንን ምክብባርን ዝመልኦ እወንታዊ ዘተ ተኻይዱ።
ብሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ
ፍትዊ ክፍለ
ኣርዓዶም በርሀ
ሎሚ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ሃለዋት ሃገርና ኮነ ደንበ ተቓውሞና ክንዕዘብ እንከለና ብጸገም ዘይኮነስ ብጸገማት ተኸቢብና ከም ዘለና ንኹላትና ብሩህ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ጥሜት፡ዕርቃን፡ ጽምኢ፡ ጸልማት፡ስደት፡ ብዓብይኡ ድማ ሞትን መጭወይትን እንዳ ኩልና ስለ ዘሎ ብዛዕባኡ ሓደ ኣዘንታዊ ሓደ ድማ ሰማዒ ዛንታ እንኾነሉ ኩነታት የለን። ሎሚ ጸገም ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ማዕጾ ኤርትራዊ ኣብ ዝኩሕኰሓሉ ዘይኮነስ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ እንዳ ኩሉ ማዕጾ ተኸፊትሉ ኣብ ምድሪ ቤትና ሸናዕ ይብል ኣብ ዝሃለወሉ ደልሃመት ኢና በጺሕና ዘለና። ከምቲ ሃገርና ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደቃ ብጽንዓት፡ ሕድሕድ ምፍቓርን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓቢርካ ብምኽታትን ዝልለዩላ ዝነበረት፡ ሎሚ ግና እነሆ፡ ወረ ደሓን ሓሪምዋ ናይ ኩሉ ጸገማት መጉሓፊ ኮይና ኣለና። ብዛዕባ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዜና ክንገር እንከሎ ስማ ይጽዋዕ። ሰናይ ዜና ክዝርጋሕ እንከሎ ግና “ኤርትራየ” እንተበልካስ ወይከ። ኣብ ከምዚ ደረጃ ምህላውና ዘሕዝን ኮይኑ፡ ካብዚ ጸገምዚ መውጽኢ መንገዲ ጠፊኡና ኣብ ሕንብሊል ምህላውና ድማ “ኣዝዩ ዘሕዝን” ዝብል ሓረግ ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ እዩ። ንጸገማት መፍቲሕኦም መንገዲ ወጢንካ በቲ ዝወጠንካዮ መንገዲ ምጉዓዝ እምበር ደጋጊምካ ምጽብጻቦምን ምምራርን መፍትሒ ኣይከውንን’ዩ። ናይዚ ሓቅነት ድማ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዝያዳ 23 ዓመታት ተመስኪሩ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት እቲ ዝዓበየ መርኣያ ናይ ጸገማትና እዩ። ንህዝብና እቲ ካብዚ መውጽኢ መንገዲ ይጠፍኦ እዩ ኣይብልን። ዓይነስውር እንተኾይንካ እቲ መሰረታዊ ድሌትካ ክትርኢ ዘኽእለካ ዘመናዊ ሕክምና ድዩ ማይጸሎት ከም ዘድሊ ነቲ ናይቲ ጸገም ግዳይ ዝኾነ ኣካል ኣይጠፍኦን እዩ። ምፍላጡ ጥራይ ግና እኹል ፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕስ በቲ መዋጸኦ እዩ ኢልካ ዝኣመንካሉ መንገዲ ብቐጻሊ ክሳብ ውጽኢት እትረክብ ክትምርሽ ምብቃዕ እዩ። ስለዚ ኣብ ተመኩሮና እቲ መዋጸኦ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን በቲ ዝፈለጥካዮ መንገዲ ናይ ተግባር ጉዕዞ ምክያድን ጌና ኣይተመጣጠነን እንተ ኢልና፡ እዚ ንኩነታትና ካብ ዝገልጹ ተረኽቦታት ሓደ። እኳደኣ እቲ ቀንዲ ገለጻና እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕማቕ መዓልቲ ዝስለፈሉ ፈታዊ የብሉን። ብኣንጻሩ ብመትከል “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ሎሚ ንዝፈተዎ ጽባሕ እንዳኣሰረን እንዳቐተለን ዝጐዝ “ንኺድ ጥራይ” ዝመምርሒኡ ዛርቲ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ዋላ ነቲ ተጋዲሉ ኣብዚ ዘብጸሖ ተጋዳላይ እውን ንዝኣተወሉ ቃል እንዳዓጸፈ ዘየናሕስየሉ። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ክፋእ በቶም ቁንጣሮ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ምስ ዲክታቶር ኢሳያስ ክሰኣሉን ክምድሩን እንዕዘቦም ካልእ ኩሉ ንሕስያ ገዲፍካ፡ ሰብኣውነት እውን ዝረሓቖም ሰባት ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ነዞም ዝበልኩዎም ውሑዳት ዘርኢ መርገም በብውልቆም እውን እንተጸላእናዮምን ሕማቖም እንተተመነናን ኣየኽፈኣልናን። እቲ ቀንዲ ክንጸልኦን ከነወግዶ ክንቃለሶን ዝግበኣና ግና እቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ኣረሜናዊ ምህዞ ምዃኑ ብብሩህ ክንግንዘቦ ዝግበኣና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ወይ ኢሳያስ ወይውን ካብዞም ዕማኾ ዝኾኑ ደቂ መዛሙርቱ፡ ብተፈጥሮ ይኹን ብኢድሰብ እንተዝሓልፉ’ውን ጉዳይና ይፍታሕ ማለት ኣይኮነን እንብል። ፍታሕ ክርከብስ እቲ ንሳቶም በቚሎምስ ከም ሮማዲ ከስፋሕሉ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ግና ማይ ከም ዝሰኣነ ዋላኻ ፍንካሕካሕ ኢሉ ዝነቅዕ ዘሎ ፖለቲካዊ መሬት ብህዝባውን ደሞክራሲያውን ኣርሒቑ ዝጥምት ባይታ ክትካእ ይግበኦ እንብል ዘለና። ነዚ ኣተኻኽኣ መሰረታዊ ድዩ ጽገናዊ ዝብል ስም ኣብ ምጥማቕ ዘይኮነስ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ ምስፋርን ምትግባሩን ኢና ክንጭነቕ ዝግበኣና። ኣብ ተግባር ዘይኮነስ ኣብ ምዕዳል ኣርእስቲ ክትወራዘ ምፍታን ግና ምናልባት ምስቲ “ኣዴኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝብል መደዓዓሲ ኣበሃህላ ይሰማማዕ ይኸውን። እስኪ “ርቡሕ እቶት ኣይካብ ባይታን ካብ ባይቶ” ዝበሃል ወረጃ ኣዘራርባ ወለድና ንዘክር። ባይቶ ህግደፍ እምበኣር ፍትሒ ጥራይ ኣይኮነትን ተቐይንን፡ ማእቶት ኣህጒጓ ጥሜት፡ዓጸቦን ሕማምን እውን እትዕድም እያ።
ጸገማትና ካብ ኣረሜናዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ካብ ናትና ድኽመት ዝቕዳሕ ምዃኑ ከይንርስዕ ሓደራ እብል። ብዛዕባ ህግደፍ ክንዛረብ፡ መፍትሒ ከነነናድን ክንራገምን ናይ ግድን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘምሕረልና ግና ብዛዕባናን ድኽመትናን እንተላይ ክንዛረብ እንከለና እዩ። ምናልባት እውን ብኣኡ እንተንጅምር ዝያዳ የምሕረልና። እቲ ንህደፍ ወቒዑ ዘድምን ንህዝቢ ጸዊዑ ዘስምዕን ዓቕሚ ኣብዚ ናትና መድረኽ ስለ ዝፍጠር። እዚ ዓቕሚዚ ውድባትን ማሕበራትን ተኣኪብካ ብምስራሕ ዘይኮነስ ቅድም ኣብ ውድብካ ዝጅመር እዩ። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና “ ናታ ኣቐሚጣስ ናይ እንዳማታ” ክንበሃል ናይ ግድን እዩ። ብናተይ እምነት ጉጅለ ህግደፍ ናትና ኣቐሚጥና ብዛዕባኡ ጥራይ ክንራገም ውዒልና ክንራገም እንተሓደርና ኣይከሻቕሎን እዩ። ንዕኡ ዘሻቕሎስ፡ እቲ ኣርዑት ካብ ዝባኑ ከየውረድና ውሽጥና ንምጥዓይ ብዛዕባና እሞ ድማ ካብ ልብና ክንዛረብ እንተኽኢልና ሽዑ እዩ ጉጅለ ህግደፍ ከይደቀሰ ዝሓድር። ብሰንኪ ንጉዳይና ርኢና ከምዘይረኣና ኮይና ክንሓልፍ ምጽናሕና ዝኸፈልናዮን ንኸፍሎ ዘለናን ዋጋ ቀሊል ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ቃለዓለማዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ውድባትና ሎሚ እውን ኣይሓየላን ድኹማት እየን። ድኻም በቲ ዋናኡ ኣፍልጦ እንተረኺቡ ኣበሳ ዘይኮነስ መምህር እዩ። እንተ ተሓቢኡ ግና ካልእ ለኪሙ ክጠፍእ ናይ ግድን እዩ። ድኽመት ኣብ ደንበ ተቓውሞና፡ ብብዙሕ ኣገባብ ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቲ ዝኸበደ በሰላ ናይቲ ድኽመት፡ ኣብ ልቢ ናይቲ ካብ ለውጢ ረብሓ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ቦታ ክንረክብ ዘይምኽኣልና እዩ። ህዝብና ኣብዚ እዋን’ዚ “ለውጢዶ ትደሊ ኢኻ?” ክበሃል እንከሎ፡ መልሱ ብዘየማትእ “እወ እደሊ እየ” ዝብል ከም ዝኸውን ብቐጻልን ንጹርን ቋንቋኡ ኣሚቱልና እዩ። “እሞ እቲ ለውጢኸ ብመንዩ ክመጽእ?” ዝብል ሕቶ እንተ ኣስዒብናሉ ግና፡ መልሱ “እንድዒ” ዝብል ናይ ዝሓርበቶ ኣካል መልሲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ንሕና እቶም መሪሕ ግደ ከም እንጻወት ዝኣወጅና ኣካላት ሓርቢቱና ኣብ ኣቕጣጫኡ ዘይተፈለጠ መኼዳ ከነኹድድ እንከለና፡ እቲ ኣብ ቀጥታዊ ኣርዑት ሓጺን ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና እንተሓርበቶ የምሕረሉ እዩ እኳ ተዘይበልና ኣየኽፈኣሉን እዩ። ንድኽመት ፖለቲካዊ ውድባትና ክገልጽ እንከለኹ ኣበሃህላይ ሓፈሻዊ ኮይኑ፡ እቲ ጽዕነት ናይቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ብደረጃታት ከም ዝፈላለ ዘንጊዐ ኣይኮንኩን።
ብግቡእ ዘይረገአ ጸባ ሓቚንኳ ጠስሚ ከም ዘይርከብ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ንሕና ግና ሓደሓደ ግዜስ እቲ መባእታዊ ነገራት እውን እንዳጠፈኣና ነዚ መስርሑ ብግቡእ ዘይሓዘ ውዳበታት ኣላጊብና ዘድምዕ፡ ናይ ሓባር ግንባር ድዩ፡ ኪዳን ወይ ጻላል ክንምስርት ንምነ። ተግባር ዝያዳ ዘይጭበጥ ትምኒት ስለ ዝዛረብ ግና እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ውድባትና ዘሎ ስንፍና ተኣኪቡ ሓያል ውሕጅን ህቦብላን ፈጢሩ ሰንከልከል ከብለና ንዕዘብ ኣለና። ኣይኮነንዶ ሓደራ ህዝቢ ዝስከም ፖለቲካዊ ምቅርራብ፡ ሓዊ እውን ምስ ኣጐድካዮ እንተዘይ ኣንበድቢድካዮ እቲ ካብ ሓዊ እትጽበዮ ብርሃን ድዩ ሙቐት ኣይርከብን እዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ተመኩሮ፡ ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን ርኢና ከም ዘይረና ክንሓልፎ እንተዘይኮይና ተነጊሩና እዩ። እንተኾነ ናይዞም መድረኻት ተዋሳእትን ኣለይትን እውን ነቲ ብመንጽር ትጽቢት ኤርትራን ህዝባን ዝየሕጉስ ተመኩሮኦም ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ዓባቢጠምዎ ክሓልፉ እንተደለዩ፡ እቲ ኩነታት ግና ይርእዮም ከም ዘሎ ከስትብህሉ መተገብኦም። ነዚ ኩነታት ኣብ ክንዲ ተመሊስካ፡ ጉዕዞኻ ኣህዲእካን መሚኻን ካብ መሰረቱ ከተእርሞ ምፍታን፡ መመሊስካ ነቲ ኣብ ዘዝኸድካዮ ኩርናዕ ዝጸንሓካ ጌጋታት፡ ጌጋ ምውሳኽ፡ “ዘየለኻ ክነስኻ ኣለኹ እምበር” ካብ ምባል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። መሰረቱ ዘይጠዓየ ንቕሎ ኣብ መስርሕ፡ ነቲ ክትልግብ ነቲ ክትውትፍ ዝግበር ጻዕሪ ግዜን ጉልበትን ካብ ምብላዕ ሓሊፉ ጠቕሚ ከም ዘየብሉ እነሆ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ።
እዞም ዝጠቐስኩዎም ናይ ምቅርራብ ተበግሶታት “ስለምንታይ ክዕወቱ ኣይከኣሉን?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ነዊሕ ዝርዝር ስለ ዘለዎ ሕጂ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፈይ ኣይክትንክፎን እየ። ፈውሲ ግስም ሓደ ጉዳይ ንምጥቃስ ግና “ናብ ምምስራት ናይዚ ግንባራት ከነንቅድ እንከለና፡ ኣብ ክንዲ በዚ መሳርሒ ኣቢልካ ንጉጅለ ህግደፍ ክትስዕር ምምዕዳው፡ ንሓደ ካብቲ ምሳኻ ዝወፍር ግና ድማ ብርኢቶ ዝፍለየካ ውድባት፡ ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ምድኻም ቅድሚት ምስራዕ ብሩህ መርኣያ ናይቲ ዘይምዕዋት እዩ። ነዚ ዝምልከት ኣብነት እንተዘይጠቐስካ ዝብለኒ ኣካል እንተልዩ፡ ንተሳትፎ ናይ ሽዑ ኣቦመንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኮንፈረንስ ብሩሰልስን ኣንጻሩ ዝተደርበየ ዘይምኽኑይ ኣእማንን ዘኪረ እየ ዝሓልፍ። እዚ ዘሕዝን ግጉይ ኣሰራርዓ ጐንጽታት፡ ናይቶም መሃዝቱ ድኽመትን ብናይ ህዝቢ ዕድል ምጽዋትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተንኮላቶም እውን ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ እዩ። ንድኽመትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ተንኮል ክወሰኾ እንከሎ እቲ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝኸውን ዝርዝር ዘድሎ ኣይመስለንን። ንመጻኢ’ውን እዚ ተንኮልዚ ክሳብ ዘይተወገደ፡ እቲ ዝምስረት ግንባር፡ መድረኽ፡ ምሕዝነት፡ ባይቶን ጽላልን ዝኾነ ስም ይጠመቕ ኣብ ድልዱልን ፍልልያት ዝጸውርን ባይታ ክሳብ ዘይተመስረተ ኣይክዕወትን እዩ፡ ምባል ካብ ተመኩሮኻ ክትመሃር ምብቃዕ እምበር ሕማቕ ምምናይ ኣይኮነን። ካብ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ተበጊሰ ከምዚ ብምባለይ “ነጋሪ ሕማቕ ፋል” ከምዘይትብሉኒ ተስፋ እገብር። ነዚ ክውንነትዚ ከምቲ ዘለዎ ኣቕሪብካ ኣብ ክንዲ ትመሃረሉ፡ ካባኻ ከተርሕቖ ጥራይ ምፍታን ከኣ ብግዜኻ ካብ ምጽዋት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ኣብ ባህልና ነቲ ሓቂ ከም ዘለዎ ምቕባል፡ ኣድላይ ግና ድማ ከቢድ ምዃኑ ንምብራህ “ሓቂ ተዛረብ’ሞ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ” ይበሃል እዩ።
ኣብ ርእሲ እዚ ንሃይማኖታዊ፡ ብሄራውን ከባቢያውን ብዙሕነት ካብቲ ዝግበኦ ንላዕሊ ብምምጣጥን ልዕሊ ዓቕሙ ቦታ ብምሃብን ክሳብ ክንደይ ንሻቐል ከም ዘለና ንሪኦ ኣለና። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ምስ ጉዳይ እዞም ዝጠቐስኩዎም ስምዒታት ብምድብላቕና ዘዝሓሰብናዮ ኣብ ፍረ ከከይበጸሐ ዝብተነና ዘሎ ከይኣክል፡ ጸገምን መፈላለዪ ስምዒታትን ከም ዝውሓደና፡ ካልእ ንሓቢርካ ንናይ ሓባር ዕላማ ምውፋር ዘሰኩን ተወሳኺ ዕንቅፋት ክትፈጥር ከይደቀስካ ምሕዳር ዘገርም እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ቅድም ኢሉ ብዙሕ ዘይዝረበሉን ዘየሰንብድን ዝነበረ ኣውራጂዊ ፍልልያት ዝበሃል ሓዲሽ ቁንቁኛ ብዘሕዝን መልክዑ ምቅልቓሉ ስለ ዘሻቐለኒ እየ ኣምበኣር ንኣርእስቲ ጽሑፈይ “ኣብክንዲሓድሽፍታሕስ፡ሓድሽጸገም፡ስለምንታይ?” ክብሎ ተገዲደ ዘለኹ’ሞ እስኪ ኩልና ንሕሰበሉን ንጨነቐሉን። ከምቲ “ብውሽጥኻ እንተሕዚንካ ንብዓት ኣይኣብን” ዝበሃል ብልቢ እንተተሻቒልና መዋጸኦ’ውን ክገሃደልና ስለ ዝኽእል።
6 ሕዳር 2014
ሪፖርታጅ - ኣብ 3 ዓመት ዝካየድ ጉቡእ አኼባ ዞባ ኤውሮፓ ተኻይዱ
Wednesday, 05 November 2014 21:33 Written by ብሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ክፍለብዕለት 17.10.14 በርሊን ኣቋጻጽራ ስዓት 20h30 ብምጅማር ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ግቡእ ፖላዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ተኻይዱ።
ዛዕባ
፩ ገምጋም ስራሕ ሓደ ዓመት ሽማግለ ዞባ ኤውሮዻ
፪ ብቤት ጽሕፈታት ቦርድታት ዞባ ኤውሮዻ ዝተኻየደ ስራሓት
፫ ኦዲትን ኣሳራርሕኡን
ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዛዕባ ብኣቦ ወንበር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ንምዝካር ክቐርብ ከሎ ብቐዳምነት ግን ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ዞባናን ዓለምናን ሓጺር መእተዊ ኸምዚ ዝስዕብ ሂቡ።
ዓለምና ኣብ ርእሲ እቲ ብተለቪዚዮናት እንርእዮን እንሰምዖን ዞሎና ወረ ውግኣት ኣብ ኢራቕ፣ ሶርያ፣ ሊብያ ፣ኻልእ ኽፍሊ ዓለም ቸቸንያ ሰላማዊ ስልፊ ተማሃሮ ብደገፍ ህዝቢ፣ ሆንግ ኮንግ ወዘተ…
ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ተፈጥራዊ ሕማም ተላግቦ ኤቦላ ፣ ዝስየም ምሕረት ዘይህብ ንኩሉ ፍጡር ዜጋ ዓለምና ኣሳጋኢን ለባዲን ብምዃኑ ብቕድም ዝስራዕ ዓለምለካዊ ዘተ ብፍላይ ክኣ ናይ ሓያላን መንግስታት ርክባት ዘተታት ብምግባር ህጹጽ ፍታሕ ንምርካብ ሃሰው ዝባሃለሉ ናይ ሕክምና ተማራመርቲ ኣንጻር እዚ ዓይነት ሕማም ፈውሲ ንምርካብ ዓለምለኻዊ ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዝካወነሉ ፣ኸምኡ ኤንጅኦ ናይ ሑቡራት ሃገራት ኽፍሊ ጥዕናዊን መግባዊን እትካታተል ኣብ ዓለምና 12 ሃገራት መግቢ ብምስኣን ህልቀት ህጻናትን ዝበዝሔ ስኡን ዜጋታት ይካየድ ከም ዘሎ ጸብጻባ ኸትቕርብ ኸላ ኤርትራ ኻልኣይቲ ኻብተን ብሕጽረት መግቢ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት ኾይና ቐሪባ።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ መርማሪት ሽማግለ ዓለም ውልቀ መላኪ ስርዓተ ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ቀጻሊን ምንም ሕድገት ዘየሪኢ ብምዃኑ እቲ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ክቕጽል ምዃኑ ዝሕበረሉ እዋን እውን እዩ።
እዚ ገባቲ ኣግላሊ መጻይ ስርዓት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ዝወስዶ ስጉምታት ካብ ዓለምና ተፈልዩ ፍረ ክህብ ስለ ዘይኽእል ህዝብና ኻብ ጸገም ናብ ዝገደደ ሕሰም እዩ ኽማሓላለፍ ዝኽእል ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ስርዓተ ውልቀ መላኺ ብህዝብን ድርጅታት ወይ መንፈሳውያን ትካላት ዝወርዶ ዘሎ ምንጻል ጥራይ ዘይኮነስ ኩናኔ እምቤታ ፣ንኣገልገልቱ ውጋዜን የጋጥሞ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ላምፐዱዛ ዝተገብረ ዝኽሪ ህልቀት ዜጋታትና ኣብ ባሕሪ መዲተራንያ ኣቦ ወንበራት ፓርላማ ኤውሮጳን ሓላፊት ወጻኢ ጉዳት ኢጣልያ ካልኦት ሓለፍትን ዝተሳተፍዎ፣ ሰ. ደ .ህ. ኤ. ክኣ ብሉኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ወልደ እየሱስ ዓማር ምስ ካልኦት ተቃለስቲ ንፍትሕን ዲሞክራሲን ውድባት ሲቪካዊ ማሕበራት ውልቀ ሰባት ኤርትራውያን እውን ዝተረኽብዎ ተሳቲፉ ከምዝነበረ እንፈልጦ ኢዮ።
ኣብ ዞባና በቢዓቕመን ኑኡስ ዞባታትን ጨናፍር ኤውሮፓ ኣመሪካን ካልኦት ክፍልታት ዓለም ምስ ኩለን ደለይቲ ፍትሒን ብምትሕብባር ንዝኽሪ ህልቀት ላምፐዱዛን ንኹሉ ብሰንኪ እዚ ስርዓት ዝጸንቱ ዘለው ዜጋታት ዝኽሪ ንምኽባር ነጥፍታት ተኻይዱ።
ኸም እተዓዘብናዮ በቶም ኣርባዕተ ካተሊካዊ ዻዻሳት ዝተጻሕፈ ሓውኻ ፣ሓብትኻ ፣ኣበይ ኣለዉ ሕጂ ክኣ ሸውዓተ ኣቡናት ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኻብ ማእከላይ ምስራቕ ፣ካብ ኤውሮዻ፣ ኣመሪካ ንኣልገልቲ ስርዓት፣ ኣቶ ዮፍታሔር ድሜጥሮስ ገብረ ማርያም፣ ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ብኡ ኣቢልካ ግብረ ውልቀ መላኺ ዝውግዝ ጠርናፊ ጽሑፍ ብዕለት 1.10.14 ዝወጸ ኩላትና ኣንቢብናዮ ኣለና ።
እዚ ዓይነት ብሓለፍቲ ቤተክርስትያናት ዝወጽእ ዘሎ ንናይ ህዝቢ ጠለብ ዘንጻባርቕን እምቢ ንምልካዊ ስርዓት ተላዒሉ ኸም ዘሎ ዝሕብር ኾይኑ ፡ብወገን ደምበ ፍትሕን ዲሞክራሲን ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ሰ. ደ. ህ .ኤ. ነዚ ጠለባት ህዝብናን ድልየት ዜጋታትናን ኣብ መዓልኡ ክውዕል ዓቢ ስርሓት ኣብ ቅድሜና ይጽበየና ኣሎ።
ብወገን ጎረባብትና ሃገራት እንተ ኾይኑ ኻብቲ ናይ ቅድም ዝጸንሔ ምንጻል ስርዓተ ኢሳያስ ሓሊፉ ዝተራእየ ለውጢ ኣሎ ክብሃል ዝክኣል የለን።
ኻብዚ ሓሊፉ ውሽጣዊ ጉዳይ ዞባ ኤውሮዻ ብምምልካት ገምጋም ስርሓት ኣካይዲትን ቦርድታትን፣ ዘሎ ምትእስሳር ምስ መሪሕነት ሰልፍን ንኡሳት ዞባታትን ጨናፍርን ኣቕሪቡ።
ብድሕሪኡ ኹሎም ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈታት፣ ቦርድ ዝተማልኡ ስርሓትን ብፍላይ ክኣ ጌና ኽማልኡ ዝግብኦም ዘይተስርሑ ጉድለታት ብምማይ ኣነጺርናን ኣተኲርና ከነካውኖም ከም ዘለና ዝብል ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ።
ኣብ መደምደምታ ድሕሪ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ሓሳባቶም ምቕራብ ፣ኣቦ ወንበር ዞባ ኤውሮዻ ንዝመጽእ 5.12.14 ደምዳሚ ኣኼባ ዓመት ስለ ዝኸውን ንዝመጽእ ዓመት መደብ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ቦርድ ኣቐዲማ ናብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚት ኣካል ዞባ ኤውሮጳ ኽትልእኽን ኣብዚ ዝተሞርኮሰ ጠቕላሊ መደብ ዕዮ ዞባ ኽሳናዶ ብዝብል ድሕሪ ምርድዳእ ናይ ሓደ ደቒቕ ሕልናዊ ተዘክሮ ንኹሎም ስውኣት ዜጋታትና ብምግባር ኣኼባ ተደምዲሙ።
ብሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ
ፍትዊ ክፍለ
ሪፖርታጅ፤ ጨንፈር ኮለንን ( Köln) ከባቢኡን ሃገር ጀርመን ሰዲህኤ ( EPDP) ወርሓዊ ምዱብ ኣኼብኡ ኣካይዱ
Monday, 03 November 2014 04:31 Written by .ዜና ጨንፈር ሰዲህኤ ኮለንን ከባቢኡንኣብ ዕለት 01.11.2014 ጨንፈር( Köln) ከባቢኡን ሃገር ጀርመን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዝተሳተፍዎ ወርሐዊ ምዱብ ኣኼብኡ ኣካይዱ፡፡ብመጀመርያ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት እዩ ተጀሚሩ ፡፡

ኣባላት ጨንፈር ኮለነን ካባቢኡን ኩሎም ኣባላቱ መንእሰያት ከም ምዃኖም ይፍለጥ፡፡እቲ ኣኼባ ብግዝያዊ ኣካያድነት ጨንፈር ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስን ኣቶ ኣብራሂም ስራጅ ዓብደላን ዝተዳለወ ኮይኑ ፡ ኣኼባ ብኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብይንቛዕ ድሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ጨንፈር ከማእክሉ ዝመጹ ኣባላት መሪሕነት ንኡስ ዞባ ጀርመን ንኣኼበኛታትብምልላይን ኣጀንዳ ኣኼባ ብምግላጽን ተኸፍተ፡፡

ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ኩነታት ጨንፈር ኮለንን ካባቢኡን ድሕሪ ምቕራብ መድረኽ ንኣቶ ተስፋማርያም ክብርኣብ ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ሃገር ጀርመን ኣረከበ፡፡ ኣቶ ተስፋማርያም ከብርኣብ ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ሃገር ጀርመን ንኣኼበኛታት ናይ እንዃዕ ድሓን መጻእኩም ሰላምትኦም ድሕሪ ምቅራብ ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ማዕረማዕሪኡ ድማ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን እንታይ ከምዝመስል ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም ፡ ድሕሪዚ ገለጻዚ እቲ ኣኼባ ዝነውሐ ግዜኡ ኣብ ስርርዓዊ ጉዳያት ዘድሃበ ኮይኑ ቀንዲ ረቓሒ ዛዕባ ሰልፋዊ ዲስፕሊን ምሕላውን ምትግባርን ስትራተጂ ናይ ዓወትካን መጻኢ ራኢካን ከምዝኾኑ ኣሚንካ ተወፋይነትን ተገዳስነትን ዓጢቅካ ብዓቢኡ ድማ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰሚዑካ በርቲዕካ ንክትሰርሕ ካብ ዝድርኹ ኣምራት ከምዝኾኑ ነዊሕ ገለጻ ተዋህቦም ፡፡

ብተወሳኺ በጉባኤኻ ጌርካ ዘጽደቅካዮ ቁዋም ተማእዚዝካ ናይ ምስራሕ ብቅዓት ምስ እተጥሪ ኣብቲ ንኸተዐውቶ እትቃለሰሉ ዘሎኻ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምትካል ኣብ ኤርትራ ተስፋ ዘንብር ስለዝኾነ ካብ ኣግኡ ብኡ ክትምልመል ከምዘሎካ ስለዝድለ ኣብነታት ንምኻን ክጥረ ከምዘሎዎ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ፡፡ከም ተወሳኺ ናይ ካልኦት ጨናፍር መራሕቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኣቶ ሓጅ ሳልሕ ሲዒድ ኣቦ ወንበር ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብወገኖም ተሞኩሮ ናይቲ ንሶም ዝመርሕዎ ጨንፈር ሓጋዚ ዝኾነ ቁዋማዊ ኣሳራርሕን ምትሕግጋዝ ናይ ተራ ኣባል ዝመልኦ መሪሕነት ከምዘድልን ጠቃሚን ጽቡቅ ውጺኢታውን ዝተርኽቦ ኣብነታትኣቅረቡ፡፡ኣኼባ ድሕሪ እዚ ኩሉ መግለጽታት ምስ ተወድአ ናብ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ተዋህበ።

ብኣኼበኛታት ዝመጸ መብዝሕተኡ ርእይቶታት ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ድንግርግራት ዝተሓዎሶ መድረኽ ብምንባሩ ሓያል ንጥፈታት ንምክያድ ዓጊትዎም ከም ዝጸንሓብግልጺ ተዘሪብሉ፡፡
ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሐተትቲ ዑቕባ ኣብ ሃገር ጀርመን፡ስለምነታይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ከምዘሎ ክበርሃሎም ከምዝሓተቱ፡
ጉዳይ ኤርትራውያን ተቋውሞ ደምበ ብሓንሳብ ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ ቅሬታኦም ከም ዝገለጹ ፡ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝኣክል ኣስተምህሮን ክትዕን ክትግበሩ ካብ ዘሎዎም መምርሕታትን ብምሃብ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ።
መእተዊ መደረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ዘአንግዶ ኮንፈርንስ ዋሽንግተን ዲሲ
Saturday, 01 November 2014 02:50 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራጥቅምቲ 23-25, 2014
መን ኢና?
ንሕና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውደባታት ክንጐዓዝ ዝጸናሕና፣ ደምን ሞትን ዘሰነዮ ታሪኽ ውግእ ሓድሕድ ክንሰግር ዝበቓዕና፡ ደቂ ሃገር ኢና። ሰልፍና፡ ውጽኢት ወይ ፍርያት ዘተን ዕርቅን ኰይኑ፡ ንቕድሚት ዝጥመተ ውላድ ሓድነታዊ ጻዕሪ እዩ። ንኤርትራዊ ብዝሑነት እንግንዘብ፡ ንሓደነት ህዝብን ልዑላዊ መሬትን ኤርትራ ድማ እነኣምን ንነብስና፡ ከም ሓደ ኣካል ናይ ደምበ ተቓውሞ እንቖጽር ሰልፊ ኢና።
ኣብ ኤርትራ ንባህግታት ህዝብና ዝጠለመ፡ ምልካዊ ስርዓት ይገዝእ ምህላው፡ ናይ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ናይ ጥዑይ ምሕደራን፡ ግዝኣተ_ሕግን ብኩራት ከም ዘሎን እንፈልጥ፣ ምህላው ዘይጥዑይ ምሕደራን ዓመጻዊ ሲስተምን ድማ ኣደ ድኽነትን ብርሰትን ምዃኑ እንግንዘብ፡ ሰልፊ ኢና። ብሓጺሩ ኤርትራና፡ መላእ ህዝባ ዝሳቐየላ፡ መንእሰያታ ዝባረሩላ፡ ሰብኣዊ መሰላታ ዝገሃሰላ መካነ-መቓብር ኮይና፡ ልዑላውነታ ኰነ ናጻ መንነታ ናብ ሓደጋ ክወድቕ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነት እትርከብ ናብ ፍሽለት ሃገር አተምርሕ ዘላ ምዃና ዘስተውዓልና ሃገራውያን ኢና። ኣወንታዊ ለውጢ ዝሕላገቱ ቃልሲ ኣብ ምክያድ እንርከብ ተቓልስቲ ኣብ ልዕሊ ምዃንና፡ ንኩሉ'ቲ ንኤርትራን ህዝባን ሰላም ቅሳነትን ዕቤትን ከምጽእ፡ ኣብ ኣህጉር ድማ ልዑላዊ ክቡር ቦታኡ ከትሕዝ ዘኽእል ቅድመ ኩነታት ንምፍጣር ክኽፈል ዘለዎ፡ መስዋእቲ ክንከፍል ዝተቐረብና ሰልፊ ኢና።
በቲ ካልእ ሸነኹ፡ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ንሕና ከም ስልፊ ንበይና ጥራይ ከምዘየሎናን፡ ኣብ'ዚ ዕማማዚ ብደምበ ተቕውሞ ወይ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝፍለጡ መሻርኽቲ ከም ዘለውና ንፈልጥ። ይኹን'ምበር እዚ ንሕና እውን ኣካሉ ዝኾና ደምበ'ዚ ንባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ዘይስኒታዊ፡ ኩነታት ኣትዩ፡ ፋሕ ብዝበለ መንገዲ ድምጺ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ከም ዘይበቕዐ እንርዳእ ሰልፊ ኢና። እቲ ናይ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ማእከላዊ ጐንጺ ኣብ መንጎ፡ ውሑድ ግን ብወተሃደራዊ ስርርዕ፡ ብገንዘባዊ ዓቕሚ፡ ብጸጥታን ስለያን ኣዝዩ ዝተወደበ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ብሓደ ሸነኽ፣ በቲ ካልእ ድማ ዝሰፍሐ፡ ግንከ ዘይተጠርነፈ፡ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ዘይብሉ፡ ብስሙር ድምጺ ክሰርሕ ዘይከኣለ ደምበ ተቓውሞ ምዃኑ እንግንዘብ ሰልፊ ኢና።
ካብዚ ተረድኦ'ዚ ብምብጋስ ዘተን ልዝብን ከም ቀንዲ መሳርሒ ብምጥቃም፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ፍልልያት፡ ዘይምርድዳኣት፡ ጸለመታትን ዓንቃፊ ስጉምትታትን ብምልጋስ ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ዕቱብ ስራሕ ክንኣቱ ብቐጻሊ ክንቃለስ እንመርጽን ዝጸናሕናን ኢና።
የግዳስ እቲ መሪር ሓቂ፡ እዚ ውጥን ሓባርዊ ዕዮ'ዚ ክዕወት ኣይከኣለን። ጸዓታት እውን ንከንቱ ክባኽን ጸኒሑ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቕ ኣይኰነን። ዝተደጋገመ ፈተነታት ክዕወት ካብ ዘይከኣለ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና " ናይ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ዘተ" ተብግሶ ክዕወት ድዩ? እንታይ እዩ እቲ ጸገም? እንታይ እዩ"ከ እቲ ፍታሕ? ዝብል ሕቶታት ከልዕል ግድነት እዩ። ነዚ ድማ ብኣትኩሮን ዕቱብነትን ክንጥምቶ፡ ንድሕሪት ዘይብል ስጉምታት ኣብ ምውሳድ ከብጽሓና ዝኽእል ኩሉ ሓቆፍ መጽናዕትታት ከነካይድ የድልየና። እዚ መጋባእያ'ዚ፡ ንባዕሉ ሓደ ካብ'ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተወስደ፡ ወይ መቐጽልታኡ፡ ቈጺሩ፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ናይ ልዝብን ዕርቕን ከአትወና ድማ ንምነ።
ብወገንና እምበኣር ነቲ “ዝሰመረ ናይ ሓባር ቅልጽም”ብምፍጣር ኣብ ውራይ ምውዳቕ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቕንዐ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ብኸመይ ይደልድል? ደንበ ተቓውሞ፡ ንድሕነት ሃገርን፡ንቕሳነት ህዝብን ብዝተሓተ ፕሮግራም'ውን ተጠርኒፉ ብሓባር ናይ ምስራሕ ዘጋጥሙ ዘለው ዓበይቲ ፈተነታት፤ ሓዲሽን ተበላሓቲን ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ኣፈታትሓ ፍልልያት ብኸመይ የተኣታቱ... " ዝብል ጥሙረ ሓሳብ ንምምላስ፡ መጀመርያ እንታይ እዩ'ቲ ጸገም፡ ምልላይ ከድልየና እዩ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ብርእይቶና ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከነዋጽእ ንኽእል፤
1. ንጹር ሓባራዊ ተረድኦ ብዛዕባ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ዘይምህላው
መጀመርያ ኩልና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና፡ ሓይልታት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ክፍጠር እንብህግ፡ ብዛዕባ ሓድነታዊ መስርሕ ክንዛረብ ከሎና፡ ንዕኡ ዘንጸባርቕ ክትዓት ኢና ከነካይድ ዝግበኣና። ግን ኣብ ተመክሮ ብዛዕባ ሓደ ፓርታዊ ስርዓት ምዕዋት ብዘስምዕ መንገዲ ኢና እንጐዓዝ። ማለት ክንዮ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ዘማዕዱ ፍልልያት ከም ዘሎና ክንኣምን የድለየና። እዚ ድማ ንባህሪ ናይ'ቲ ስኒታዊ ጉዕዞ ይውስኖ። ሃይማኖት ተንከፍ ብሄር ተንከፍ፡ ወይ ድማ ሕብረ-ብሄራዊ ተንከፍ፡ መትከላት ዝሓቖፍና ኢና። ስለዚ ባህሪ ናይቲ ዘተን ልዝብን ማዕረ'ቲ ኣረዳድኣታት ክኸይድ የድልዮ። ዝመሳሰል ውድባት ወይ ፓርትታት ክሳብ ዝለዐለ ደረጃ ሓድነት ክጐዓዝ። ዘይመሳሰል እምነታት ዘለዎ ድማ ብንጹርን ግሁድን መንገዲ ኣብቲ ንኹሉ ከርብሕ ይኽእል'ዩ ዝብሎ ስምምዓት ክኣቱ የድሊ። ዝተፈላለየ መትከላዊ ወይ ፍልስፍናዊ እምንቶታት ድማ ምቅርራቡ እንተተኻእለ ጽቡቕ እንተዘይከይኑ፡ ብሰላማዊን ፍትሓውን መንገዲ ልዑልነት ግዝኣተ ሕጊ ኣረጋጊጽካ፡ ሓቢርካ ምንባርን ንሓባራዊ ረብሓ ምስራሕን ይከኣል እዩ።
2. ድኽመት ውድባትን፡ ናይ ኣወዳድባና ሃለዋት በቲ ልክዕ ኣገላልጻኡ ዘይምቕማጥን ኣብኡ ንጹርነት ዘይምህላውን
ኣብ ደምበ ተቓውሞ አሎ ዝበሃል ኣወዳድባታት ብመትከላቱ ኰነ መልክዑ ወይ ጠባያት ኣሰራርሓኡ ዝተፈላለየ ምዃኑ ምግንዛብን ምንጻርን የድሊ። ኣብ ተግባር ክእቶ እንከሎ ድማ፡ ናይ'ዚ ንጹርነት'ዚ ቅደም ተኸተል ዝሰርዐ ክኸውን ይግባእ። እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ውደባታት እምበኣር፤
· ሃገር ሓቆፍ ውደባ ዘለዎ፤
· ብሄራዊ ጠቀስ ውደባ ዘለዎ፤ ብባህሪኡ መጀመርያ ዘገድሶ ረብሓ ናይ ፍሉይ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ።ብወድዕነት ናይ መላእ ሕብረተስብ ኤርትራ ረብሓ ቀዳምነት ኣየቐምጥን።
· ሃይሞኖታዊ ጠቀስ ውደባ ዘለዎ፤ እዚ አውን ቀዳምነታቱ ናይ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ረብሓታት ዘገድሶ እዩ። ኣብ ብዙሕነታ ዘለለየት ሓንቲ ሃገር ዘይኰነስ ኣብ ካዕባውነት ህዝባ ዝምርኰስ ፖሊሲታት የንጸባርቕ።
· ኣብ ውልቀሰብ ዝተማእከለ ውደባ ዘለዎ፤ እቲ ውልቀሰብ ብዝደልዮ መንገዲ ዝኸይድ፡ እቲ ውልቀሰብ እንተሎ ዝህሉ፡ እንተ ዘየሎ ግን ቀጻልነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ውደባ ኣሎና
· ኣብ ሳይበር ስፐይስ ዝተዘርግሐ፤ ብኣካል ብዙሕ ዘይትረኽቦ ወይ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ጥራሕ ዝርአ፡ ግን ክውላዕን ክጠፍእን እትርእዮ ወደባ ዘለዎ እዩ።
እዚ ውደባታት'ዚ ብመሰረቱ ክንጸር ቀጺሉ ድማ ኣበይ ይራኸብ ኣበይ'ከ ይፈላለ? ብሓባር ከስርሕዎ ዝኽእሉ እንታይ እዮም? ዝፈላይዎ'ኸ ይፈትሖም'ዶ የወንዝፎም? ንዝብሉ ሕቶታት ዝተቓልዐ እዩ። ስለ'ዚ "ኣበይ ጠጠው ከም እትብል ከፈልጥሲ፡ ኣበይ ኮፍ ኢልካ ከምዘለኻ ንገረኒ" እንድዩ፡ መን፡ መንዩ ምፍላጥን፡ ብመሰረት እዚ ኣፍልጦ'ዚ ዘተን ልዝብን ምክያድን የድሊ። ከምዚ ምስ ዘይግበር ግን እቲ ጉዳይ ካብ ምትሕውዋስን ምትሕልላኽን ንላዕሊ፡ ንኹሉ አሲሩ ብምሓዝ ንቕድሚት ክስጉም ኣይክእልን ወይ ከጸግሞ እዩ።
3. ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ኣገባብ ተረድኦ ዘይምህላው
ብርእይቶና ምድግጋም ከም ዘየድልዮ፡ ብመትከላዊ እምንቶ ኰነ ብተግባራዊ ጠለባት ናይ'ዚ መድረኽ፡ ንሕጂ ኰነ ንመጻኢ መዋእል ሓራ ኤርትራ፡ ናብ ናይ ሰላምን ዕቤትን ጐደና ዘሰጋግር፡ ድቂ ሓደጋን ዓመጽን ዘበርዕን ኣገባብ ቃልሲ ዲሞክራስያዊ ዘይጐነጻዊ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ነዚ ስርዓት'ዚ ብብረትን ዕጥቃዊ ቃልስን እዩ ከወድቕ ዘለዎ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ብዕጥቂ ዝሰዓረ ሰላም ከንግስ ድዩ? ዝብል ሕቶ ንጐድኒ ገዲፍና ኣብ ተግባርውነቱ እነተረአና፡ እቲ ዕጥቃዊ ጐነጻዊ እምነት ዘለዎ ሸነኻት ነቲ ኣምር ከም ናይ ሰላማዊ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ደኣዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ እምበር ካብኡ ሓሊፉ ዝኸዶ ጉዕዞ ከም ዘይብሉ ኢና እንግዘብ። ስለ'ዚ ኣብ ጣውላ ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ናይ መከራኸሪ ናይ ዘይስኒት ባእታ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንሰላምን ዲሞክራስን ባይታ ብዘንጸፍ መንገዲ ዝተጓዕዞ የብሉን። ከም'ዚ እንከሎ ግን እዚ ኣረዳድኣታት'ዚ ነቲ ናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዝተሓተ ነጥቢ ክዕንቅፎ ይግባአዶ ዝብል ኣልዒልካ ክዝረበሉን ክጽናዕን የድሊ። ህልዊ መድረኽ ንዝጠልቦ ኣገባብ ስራሕ ብዘይዕንቅፍ ክስራዕ ድማ ክጸዓረሉ የድሊ። ኣብ'ዚ እውን እቲ እምነታት ይዘረበሉ፡ ሓቅታት ይውጻእ ይነጸር። እቶም ዘይጐነጻዊ ዝብሉ ኮነ እቶም ጐነጻዊ ዝብሉ ኣካላት ቅድም ቅዳድም ንነብሶም ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ክጸምዱ፡ ደሓር ድማ ምስቲ ካልእ ሸነኻት ዘራኽቦም ሓባራዊ መድረኻዊ ዕዮ እንተሎ ከናድዩን ክሰርሕሉን ይግባእ። ኣውራ ዘሻቅል ግን፡ ዘይንጹርነት ምህላው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኹሉ ክሰላሰል ዝከኣል ሓባራዊ ዕማማት ንጐድኒ ገዲፍካ፡ ንጉዳያት ዘይትርጉሙ ብምሃብ ኣብ ምፍሕፋሕን ቢዛንጣዊ ክትዓት ኣብ ምእታውን ኰይኑ ካብ ረብሓታቱ ክሳራታቱ ዝይዳ ዝመዘነ ናይ ዕንክሊል ሃለዋት እዩ ዘስዕብ።
4. ተራን ክብደትን ውድባት ከምዝን ዝኽእል መዕቀኒታት ዘይምህላው " ኩለን ውድባት ሓደ ኢየን..ኩለን ፍሹላት እየን"
ኩለን ውድባት ሓደ እየን ምባል ዓማሚ መግለጺ እዩ። ኣዕሚምካ፡ ምንጻግ ወይ ኣዕሚምካ ምቕባል፡ ድማ ንዕቤት ሓይልታትካ፡ ኣይሕግዝን። ንቅኑዕ ቅኑዕ፡ ንግጉይ ግጉይ ካብ ምባልን መአረምታታት ካብ ምስንዛርን ዝገትእ ባህሊ እዩ።
ኩልና ሓደ ዲና? ሓደ ዓይነት ኣሰራርሓን ውድባዊ ባህልን ኣሎና ድዩ? መን እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ? ኣብ ኣየናይ መዳይ'ከ የገልግል? ብምጽናዕ፡ ካብ ኩሉ ከም ዓቕሙን ክእለቱን ንምኽሳብ ምውጋን የድልየና። ኣብዚ መዳይ'ዚ ተራ ፈሊጣውያን ወይ ምሁራት ኣካላት፡ ባህላዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ብኩራት ኣሎ። ዝርጋሐ ተሳትፎ ምሁራት ኤርትራውያን፡ እነተረአና። ብዙሓት ህዝባዊ ምሁራዊ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ንምልክን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራን ዝድግፉ፣ እንታይ ገደሰና ብምባል ዘጽቀጡ፣ ውሑዳት ከኣ ኣካል ደልይቲ ፍትሒ ኰይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ እዮም። ኣብዚ ክስመረሉ ዘለዎ ናይ ምሁር ኣካል ህዝባዊ ሓላፍነት፡ ንሓቂ ምምጓትን ኣብ ጐድኒ ሓቅን ፍትሕን ጠጠው ምባልን ምዃኑ እዩ። ንሓደ ነገር ንፈልጦ ኢና ክንብል ክንዕቅኖ ክንክእል ኣሎና። መዐቀኒታት ምግባር ድማ ብፍላይ ንምሁራት ከቢድ ኣይኰነን። ብሓጺሩ፤
· ምሉእ ቅርጻ ኣሎዎ'ዶ? መሪሕነታቱ ከመይ ይመርጽ፡ ስፍሓት መሰረታቱ ከመይ እዩ? መሰላት ኣባላቱ እንታይ ይመስል፡ እዉጅ ፕሮግራምን፡ ቅሉዕ ቅርጻ ስርዒታትን ኣለውዎ'ዶ?
· ስፍሓት ቅሉዕ ስርርዓቱ ክሳብ ክንደይ ዝድህሰስ ዝርጋሐ ኣለዎ?
· ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታቱ፡ ኰነ ህዝባዊ ውድባዊ ንጥፈታቱ ከመይ ይመስል። ዝዕቀን ንጥፈታት ኣለዎ'ዶ?
· ዜናዊ ንጥፈታቱ ከመይ እዩ? መጽሔታቱ፡ ናይ ቲቪን ረድዮን ኣገልግሎታቱ፡ ናይ ዲጂታል ዓለም ሃለዋቱ፡
· ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ትምህርቲ ኣበርክቶኡ ከመይ እዩ?
· ቀጻልነቱ ዘተኣማምን ድዩ? ድሕሪ መራሕቱ ክጸንሕ ይኽእልዶ?
· ፊናንሳዊ ዓቅምታቱን ምንጭታቱን ከመይ እዩ?
· ድልየትን ዓቕምታትን ዝወነነ ድዩ... ወዘተ ኣብ ዝብሉ መጽናዕታት ክካየድን ብኡ መሰረት መዐቀኒታት ክግበርን የድሊ።
እዚ ክምዕብል ዝኽእል መዐቀኒታት ምስ ዝግበር፡ ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ኣበርክቶ ኰነ ውክልና ክንጸር፣ ኣብ ተሳትፎ ተወጺዕና፣ ተገዲዕና ወይ ተዋሲንና ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ ንኸይእቶ ምሓገዘ።
በቲ ክሳብ ሕጂ ክርአ ዝጸንሐ ግን፡ ኩሉ ዝተሓዋወሰ እዩ። ኣብ መሪሕነታዊ ትካላት ምቛም ብማዕረ ተባሂሉ ውክልናታት ይወሃብ፡ ኣብ ዕለታዊ ስራሕ ብማዕረ ዝሰርሑ ሃቡና ከበሃል ከሎ ድማ ተወከልቲ ባእታታት ኣይርከቡን። ስለዚ ሓደ ሰብ ጥራይ ካሳብ ሰለስተ ወይ ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ሓላፍነት ይሕዝ። በዚ ድማ እብ ስራሕ ክውዕል ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ፡ ንቑጽ ቀለም ኣብ ወረቐት ከይኑ ይተርፍ። ኣብ ኣበርክቶ ክመጽእ እንከሎ ድማ ማዕረ ውክልና ክበሃል ጸኒሑ ድሓር ገንዘባዊ ወይ ጉልበታዊ ኣበርክቶ ይድለ ኣሎ ክበሃል እንከሎ ንሕና ዓቕሚ የብልናን ብማለት እታ ንእሽቶ ውድብ ኢና ትብል ግንዛቤ ሽዑ ትገሃድ።
ሓቀኛ ስራሕ ንኽዕመም በቲ ዝተኻእለ ፍትሓውን ሓቀኛን ናይ መዐቀኒታት ተረድኦ ክሰርጽን ክትግበርን ይግባእ። እዚ ስለ ዘየሎ ግን፡ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ግዳይ ናይ በላ-ቤለው፡ ክኸውን፡ ኣብ ዘየድሊ ክርክር ክእቶ፡ ወይ'ውን ብዘይ ወድዓዊ ስያሜታት፡ ምኩሓት፣ ንሕና ኢና ጥራሕ በሃልቲ፣ ከምኡ'ውን ናይ ሶፋ ውድባት ወዘተ ብዝብል ክንግዛእን ካብቲ ዓቢ ስእሊ ከነንሻትትን ይከኣል እዩ።
5. ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ውደባን ሲቪላዊ ውደባን ንጹርነት ናይ ኣረዳድኣን ስራሕን ዘይምህላው
ብመሰረት ስፍሓት ናይ'ቲ ኣርእስቲ ኣብ ዝርዝር ምእታው እኳ እንተዘይተደልየ፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ኣረዳድኣ ኰነ ኣብ ዕማማት ናይ'ዚ ክልተ ሸነኻት ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣካላት ምትሕውዋስ ከም ዘሎ ግሁድ እዩ። ርግጽ፡ ኣብ ኤርትራዊ ሃለዋትና ንባዕሉ እቲ ናይ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ዕዮ መሰረታዊ ዕዮኡ፡ ፖሊቲካውን ሰብኣውን መሰላት ዜጋታት ዘውሓሰ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ንምስሳኑን፡ ሓለዋ ምዃን፡ ሰላምን ጥዑይ ውድድርን ክህሉ ማእከላዊ ዓራቂ ተራ ዝጻወትን እዩ። ብሓጺሩ ንባዕሉ ባህጊ ፖሊቲካዊ ስልጣን ዘይብሉ ክነሱ ኣብ ፖሊቲካዊ ስልጣን ብልሽውና ከይተኣታቶ ዝቆጻጸር ኣካል እዩ። በዚ ክርአ ከሎ ፖሊቲካዊ ባህሪ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ገለ ሲቪላዊ ማሕበራት ድማ ብልክዕ ንዕማማቶም ሰሪዖም፡ ዓቢ ኣበርክቶ ሰሪሖም እዮም። ብሳላኦም እውን፡ ዓቢ መኽሰባት ተረጋጊጹን፡ ክርድኡ ዝግበኦም ኣካላት ህዝብና ተሓጊዞምን እሱራት ተፈቲሖምን፡ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቦምን እዮም። የግዳስ ዓቢ ክፋል ናይ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ስሞም እንተዘይኰይኑ ኣብ ተዋስኦ ናይ ፖሊቲካዊ ውድባት ተጸሚዶም፡ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ገለ መድረኻት እውን፡ ብዝተሓዋሰ መልክዑ፡ ሲቪላዊ ስሞም ከይሓኸኹ፡ ወይ ናብ ፖሊቲካዊ ውድብ ከም ዝነጠሩ ከይአወጁ፡ ኣብ ናይ ውድባት ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝደየቡ/ ዝሓዀሩ ኣለዉ። እተን ውድባት ድማ፡ ከም ፖሊቲካዊ ደገፍ፡ ከም ተሓባበርቲ ናይ ዕላማታቶም ወይ ድማ፡ ኣንጻርቲ ካልእ ውድባ ኣብ ዝገብርዎ መኸተ ንምውፋሮም ኣብ ዙርያኦም ክጸንሑን ዝተፈላለየ ስልጣን ክዕድልዎምን ጸኒሖም እዮም። ከም መሳርሒ ስለ ዝወስድዎም ድማ እቲ ሓቀኛ ስልጣን ከርክብዎም ኣይደልዩን፡ ናጽነቶም ክዕቅቡ እንተ ፈቲኖም ይስገጉ። ወይ ድማ ብዝኸፍአ መልክዑ እቲ ዘይንቡር ዝምድና ናብ ናይ ግርጭታት እቶን ይቕየር። ከምዚ ዝበለ ኩነታት መሰረታዊ ጠንቁ፡ ካብ ዘይንጹርነት ዝምድናታት ፖሊቲካዊ ውደባን ሲቪላዊ ውደባን ዝምንጩ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ "ናይ ህዝቢ ድሌት" ወይ ብኣንጻሩ "ናይ ስልጣን መሳልል" ብዝብል መሸፈኒታት ክኒኡ ሰጊርካ ምፍታሽን፡ ካብ ዘይተመጻረየ ዝምድናታት ምርሓቕን የድሊ። ኩሉ ሸነኻት በቲ ተበጊሱሉ ዘሎ ዕላማ እንተተጊሁ ኣብ መንጎ ኩሉ ሸነኻት ድማ ዝተጸንዐ፡ ምትሕስሳብ ዘለዎ ዝምድናታት እንተተፈጢሩ፡ ናብ ሓድሽ ንዝድለ ለውጢ ከቀላጥፍ ዝኽእል መድረኽ ምስግጋር ይከኣል እዩ።
6. ኣብ ጉዳይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ደለይቲ ለውጢ ሓባራዊ ተረድኦ ዘይምህላውን፡ ኣብ ክንዲ ኣድማሳዊ ደገፍ ናይ ውድባት ናይ መወዳደሪ ባይታ ምቝጻሩ
ካብ ንውሕ ዝበለ እዋን ጀሚሩ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ምጥርናፋት፡ ብስም ደለይቲ ፍትሒ፡ ወይ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ወዘተ.. ፍሉይ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ጸጊዕ ዘይብሉ ህዝባዊ ጸረ-ምልካዊ ውደባታት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ቦታታትን፡ ክቐውምን ክዓኩኽን ተራእዩ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ህልቂት ላምፐዱዛ፡ ናህሪ ወሲኹ፡ ዳርጋ ንመላእ ደላይ ለውጢ ክሓቁፍ ብዝኽእል መንገዲ ዕርድታት ደምበ ህግደፍ ከፍርስ ጀሚሩ እዩ። ኣብ ፖሊቲካዊ ውድባት ይሃሉ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ወይስ ብደረጃ ውልቀ ባእታታት ኣባላት ክጽንበርዎ ተራእዮም፡ ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ውድባት ንዝነበረ፡ ጋግ እውን ከጻብቦ ተበጊሱ። ይኹን'ምበር ነዊሕ ከይተጓዕዘ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድባት ዘሎ ፍልልያት ኣቡኡ ክንጸባረቕ ተራእዩ። በብቦታኡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት እኳ ይኹን'ምበር ናይ እከለ ውድብ/ሰልፊ ስያሜታት ክወሃቦን፡ ህዝቢ ነኸይስዕቦ ገስጓሳት ክካየድን፡ ኣብ ገለ እዋን ድማ ውድባዊ/ሰልፋዊ ግርጭታት ዝዋስኣሉ ባይታ ክኸውን ተራእዩ። እዚ ተምክሮ'ዚ ብዓቢኡ ኣዳኺምዎ፡ ብዝወሓደ ድማ ነቲ ናህሪ ኣጕዲልዎ። ዳርጋ ናይ ኩለን ውድባት መርሖ ለውጢ ብህዝቢ'ዩ ዝመጽእ ዝብል ኣምር ይርከቦ እዩ። ሰፊሕ ህዝቢ ክለዓዓል ክጅምር እንከሎ ግን ካብቲ ምልዕዓል ፍርሒ ዘሎ ይመስል። ስለዚ ብደረጃ ውድባት/ሰልፍታት ብዛዕባ ሕኑን ህዝባዊ ምልዕዓላት ዘለወን መርገጻት ንጹርነት ክህልዎ፡ ሓባራዊ ደጋፊ ኣንፈታት ክህሉ፡ ኣባላተን ድማ ከም ውልቀ ባእታታት ኣትዮም ክዋስኡን፡ ናይ ዘተን ምቅርራብን ባይታ ክገብርዎን ይድሊ።
7. ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ውሳኔ፡ ናይ ሓድሕድ ምጥርጣር ምህላዉ
ኤርትራዊ ሽግራት ኤርትራዊ ፍታሓት ከም ዘድልዮ ንጹር ኰይኑ፡ ብፍላይ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዝምድናታት፡ ተሃዋስን፡ ንዝዀነ ጥርጠራታት ዝተቓልዐን ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ናጽነት ፖሊቲካዊ ውሳኔ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ነዚ ጥርጠራታት'ዚ ዝምግብ ክኸውን ኣይግባእን። ካብ'ዚ ዝተበገሰ ብፍላይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝህሉ ዝምድናታት፡ ንጹርነቱን ግሉጽነቱን ከጥፍእ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ናይ መን ቀረበ ወይ መን ረሓቐ ውድድራት ጥራይ ዘይኰነስ ኣሕሊፍካ ናይ ምውህሃብ ተግባራት ከሰንዮ ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብ ተግባራዊ ስራሕ፡ ፈተውትና ወይ ጐረባብትና ኣይደልይዎን ወይ ኣይፈትውዎን፣ እዚ እንተዘይተገይሩ ዝኣክል ምወላ ክረክብ ዝኽእል ምንቅሳቕስ ኣይክህሉን'ዩ ብማለት፡ ውድባት ውሽጣዊ ግርጭታተን ንግዳም ዘሳጥሓሉ፡ ኰነ ድሌታተን ንምዕዋት ዝጥቀማሉ ናይ ተጽዕኖታት፡ ባይታ ኰይኑ ጸኒሑ። ነዚ ብዝምልከት፡ ምስ ጐረባብቲ ዝህሉ ዝምድና ብዝተጋህደ መልክዑ፡ ናይ ኤርትራዊ ልዑላውነት ዘረጋግጽ ኢደ ጣልቃነት ዘየፍቅድ፡ መርሖ ምኽታል ናይ ኩለን ናይ ተቓውሞ ውድባት አዉጅ ፖሊሲ ክኸውን ይግባእ።
8. ናይ ሕጂ ንሕጂ ናይ ጽባሕ ንጽባሕ ብማለት ናይ ጉዳያት ቅደም ተኸተል ክንሰርዕ ዘይምኽኣል
ኣብ ዘተ ኰነ ኣብ ናይ ምቅርራብ ፈተነ፡ መድረኻዊ ተደላይነቱ ዝሓለወ ጉዳያት ጥራይ ኣይኮነን ዝለዓል። ገለ ካብ'ቲ ጉዳያት ክሳብ ድሕረ ስርዓት ምልኪ ዝጸንሕን ኣብ ጉዕዞ እናተፈትሐ ዝኸይድን እዩ። ንናይ ሕጂ ስራሕ መሰረታዊ ዕንቅፋት ክሳብ ዘይኮነ ድማ ክውንዘፍ ዘየኽእሎ የለን። ግን እቲ መስርዑ ናይ ድሕሪት ንቕድም ብምምጻእ ከም መሰረታዊ ስለ ዝቐርብ፡ ካብ'ቲ መትከላዊ ወይ መሰረታዊ ዝበሃል ኣርእስታት ኣውጺኡ ኣብ ናይ ክርክር ታኼላ ይሽምም።
ገለ ካብዚ ነጥብታት'ዚ
· ጉዳይ ታሪኽ - ቦታ ታሪኽ ሕሉፍ ዩ። ኣብ ታሪኽ ዝተፈላለየ ግንዛበታት ክህሉ ድማ ባህርያዊ እዩ። ግን ንታሪኽ ክትመሃረሉ'ምበር ካብ ቦታኡ ኣልዒልካ ኣብ ህልው ኩነታት ምስ እተቐምጦ ከም መንደቕ ንጉዕዞኻ ክጋርድ እንተዘይከይኑ፡ ክትቅይሮ ኣይትኽእልን። ብዛዕባ ታሪኽ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተራእየ ተመክሮ ፈንጪሉ'ምበር ኣየስመረን። ክውንዘፍ ዝከኣል ምኻኑ ምርዳእ።
· ጉዳይ ምምሕዳራዊ ምምቕቓል ኤርትራ፡ ጉዳይ ቅዋም፡ ጉዳይ መሬት ጉዳይ ባንዴራ ወዘተ ናይ ድሕረ ወድቀት ምልካዊ ስርዓት ዕማም'ዩ፡ ኣብ ህልዊ መድረኽ ብእንካን ሃባን ክስገር ዘለዎ ምዃኑ ምግንዛብ።
· ጉዳይ ናይ ብሄራት መሰል ክሳብ ምግንጻል ዝብል ድሕሪ ውድቀት ምልኪን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ምትካልን ምዃኑ ምርዳእ።
9. ሓባራዊ ባህሊ ስነ ምግባር ዘይሰሰነ ምዃኑ
ዝኾነ ውድብ ይኹን ባእታ ዝዀነ ይኹን፡ ጉዳይ ኣልዒሉ ኣብ ሓቂ ዘይተመርኰሰ፡ ወይ ድማ ዝተሓሳሰቦ ብዘይብሉ መንገዲ ክዋሳእ ዕድል ዝህብ ሃዋህዉ ኣሎ። ሓሓሊፉ እውን፡ ናይ ምንጭታት ገንዘብ ምኽዕባት መደብ ይኸውን ኣሎ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝከኣል ነጥብታት
· ጸለመታት
· ጥርጠራታትን ዘይምትእምማንን
· ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዘይተጻረየ ሓበሬታት ምዝርጋሕ ዝኣመሰሉ ኣለዉ።
እዚ ብስራሕን ብስነ ምግባራዊ ስምምዓትን ተሰንዩ ከም ባህሊ ክጥረ ዘለዎ ስለ ዝዀነ ሓያሎ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንጥብታት እንተተፈቲሑ እዚ'ውን ኣሰሩ ክኽተል ይኽእል እዩ።
10. ናይ ዘተን ዕርቅን መኣዲ ተብግሶታት ምጥርናፍ
መኣዲ ዘተ ዕርቅን፡ ንምእንጋድ ተብግሶታት ምውሳድ ሰናይን፡ ዓቢ ትጽቢት ክንበረሉን ዝኽእል እዩ። እዚ እውን ኣብ ክንዲ ናይ ምቅርራብ ናይ ምርሕሓቕ ንከይከውን ምጥንቃቕ የድልዮ። ከምቲ ዝበሃል እቲ ድፍኢት "ንዝተማህዘ መንኮርኮር ክብ ምምሃዝ" ብምቁጣብ ነቲ ድሮ ዝተማህዘ ምምዕባልዩ ክከውን ዘለዎ፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ኤርትራ ብፍላይ ናይ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ኣውራ ኣብ ሳይበር ስፐይስ ካኣባዊ መልክዕ ዘለዎ ክመስል ናይ ትግርኛ ናይ ዓርብኛ መርበባት፡ ኣዝዩ ድኹም ብዝኾነ መልክዑ እዩ ዝጐዓዝ ዘሎ። ነዚ ጉዳይ ምልዓሉን ምውህሃዱን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ብድሆ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ዕርቂ ተበግሶታት በብዘለዎ ክብገስ ባህርያዊ እኳ ኣንተኾነ፡ ክራኸብን ከወሃሃድን መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ናይ ዘተን ዕርቅን እዩ። ኣብ ፕረቶርያ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተጋህደ ተበግሶታት፡ ሓደ ነቲ ካልእ ዝምልእ እምበር፡ ነቲ ካልእ ንኸድክም ዝመጸ ከይኑ ንኸይርአ፡ ዕቱብ ስራሕ የድልዮ።
ካብ'ዚ ጸገማት'ዚ ንምውጻእን ታሪኻዊ ነባሪ መስመር ደምበ ደለይቲ ለውጢ ብምርግጋጽ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዓወት ንምርግጋጽን እንታይ ክግበር ኣለዎ?
ብመሰረት እቲ ናይ'ዚ መጋባኣያ'ዚ ርእሰ ነገር፡ " ሃገራዊ ጸዋዒት ንሓባራዊ ዕዮ፣ ለውጥታትን ብድሆታትን ደምበ ተቓውሞ" እንታይ ክግበር የድሊ ንዝብል ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ብርእይቶና፡ ሓፈሻዊ ሓባሪ ነጥብታት ኣቐሚጥና ኣሎና። ፍሉይ ኣትኩሮ ንምግባር ብዝጥዕም መንገዲ ንምቕራቦም ድማ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንጠቅስ።
I) ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ፡ ዝርአ ፍልልያት፡ ውድድራት፡ ብባህሪኦም ኣይዲዮሎጅያዊ ይኹኑ ፖሊቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወይስ ታሪኽ ጠቀስ ጉዳያት፡ ኣብ ወግዓዊ ቦታኦም ክዝረበሎም፡ ናይ ምንቃፍ ናጽነቶም ድማ ብግሉጽነት ኣብ ሓቂ ዝተመርኰሰ ጭብጥታት ብዘለዎን ክኸውን፡ ክስርሓሉ፡ ኣብ ዝኽእል ውዕላት ክእቶ።
II) ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተፈላለየ፡ ክሳብ ድሕረ ስርዓተ ኢሳያስ ነናቱ ፓርትታት ሒዙ ክቕጽል ዝኽእል ተረድኦታት፡ ኣተሓሳስባታት ምህላዉ፡ ከም ወድዓዊ ክውንነት ፖሊቲካ ኤርትራ ብምውሳድ፡ ምቕባሉን፡ ኣብ ክሊ'ዚ ኩነታት ክትሰርሓሉ እትኽእል ሓባራዊ ግንዛቤ ምምዕባልን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ተመሳሳሊ መደባት ዕዮ ዘለዎም፡ ሸነኻት፡ ኣብ ዕቱብ ዘተ ክኣትዉ ዘኽእሎም ባይታታት ክፍጠረሎም። ከም ናይ መጀመርያ ዕማም መሰረት ድማ ኣብ ኣረኣእያታት ምቅርራብ ዝተመርኰሰ፡ ግንባራት ወይ ምሕዝነታት ወይ ምንቅስቓሳት ከም ዝፍጠር ምግባር ምጽዓር።
III) ኣብ ክሊ'ዚ ኣብ ቁ. II ዝተቕሰ ነጥቢ፡ ደምበ ተቓውሞ ፍልልያቱን ዘዛምዶ ነጥብታትን ዕማማቱን ብዛዕባ ምርዳእ፡ ዝሓሸ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ፡ ኣብ መንጎ'ቲ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዘለዎ ምሕዝነታት ወይ ሸነኻት፡ ብዛዕባ ናይ ዝተሓተ ፕሮግራም መደብ ኣብ ዕቱብን ናይ ሕድሕድ ምክብባር ዘለዎን ሰፊሕ ምርድዳእ ንምብጻሕ መኣዲ ዘተ ምኽፋትን፡ ብኡ መሰረት ተኣማንነት ዘጥረየ፡ ናይ ሕድሕድ ረብሓታት ዝሕሉ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማታቱ ዘነጸረ ዘየጓኒ፡ ሰፊሕ ኤርትራዊ ጽላል ምምስራት።
IV) ናይ ዘተን ዕርቅን ተበግሶታት፡ ከምዚ ዘለዎ ኣብ ዝተፈላለየን፡ በብዝመስሎን ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፡ እዚ ተበጊሱ ዘሎ ዕማማት፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ፡ ናብ ዘየድሊ ምስሕሓብ ንኸይኣቱ፣ እቲ ኣብ ውድባት ዝተራእየ መሪር ናይ ምፍንጫል ተመክሮ፡ ኣብ ውሽጡ እውን ንኸይድገም፣ ወይ በዚ ይኹን በቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ፍሉይ ውድብ ወይ ውድባት ኣትዩ ብማለት ብጭብጢ ይኹን ብዘይተጨበጠ ክስታት ንከይምረዝ፡ ናብ ሓባራዊ ሃገራዊ ተበግሶ ክምዕብል ኣብ ልዝብን ዕዉት ተግባራዊ ስራሕን ከም ዝኣቱ ምግባር። ኣብዚ ነጥቢ'ዚ ክንጸር ዘድልዮ፡ ፍሉይ ተበግሶ ንፍሉይ ዕማም ኣይሃሉ ማለት ኣይኰነን፡ ንኣብነት ብሄራዊ ውድባት ጥራይ፡ ወይ ሃይማኖታዊ ውድባት ጥራይ ወይ ዓልማናዊ ውድባት ጥራይ ንኸራክብ ወይ ንኸስምር ዝብገስ ምንቅስቓስ ብመሰረት ፍሉይ ዕማሙ፡ ናይ ግድን ኣብቲ ሃገር ሓቆፍ ተበግሶ ዝገብር ዘሎ ምሕዝነት ክኣቱ፡ ግዱድ ዘይምዃኑ እዩ። ንጹር ኣሰራርዓ ናይ ዕማማት እንተሎ፡ ግዜ ከሕጽር ዕዉት ስራሕ ድማ ከሰላስል ይከኣል እዩ።
V) ኣበየ ቦታኡ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት፡ ከም ናይ ዲሞክራሲ መጫጭሒ፡ መስርሕ ክእመነሉን፡ ብወግዓዊ መንገዲ፡ ኩሉ ሸነኻት ደምበ ተቓውሞ ክድግፎን፡ ክሕብሕቦን፡ ምቅላስ። ጽልዋታቱ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ንክዓኩኽ፡ ብሃገር ደረጃ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ዘኽእሎ ባይታ ንኽፈጥር ድማ ኹሉ ዝከኣል ደገፋት ክግበረሉ። በዚ ተረድኦ'ዚ መሰረት ኣንጻሩ ዝካየድ ወፈራታት ጠጠው ክብል ጻዕርታትን ናይ ሓባር ተረድኦን ምጥራይ።
VI) ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ዝብሕቶ እምበር ሕጋዊ ህዝባዊ ስልጣን የለን። ስለዚ ቀዳማዊ ዕማም ናይ'ዚ መድረኽ'ዚ፡ ሕጋዊ ህዝባዊ ስልጣን ንምትካልን ምስሳኑን ምቅላስ እዩ። ስለ ዝዀነ ፖሊቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ብሓባር ክዋስኡሉ ተደላይነት ኣለዎ። እቲ ጸገም ኣብ ምትሕውዋስ ዕማማት ብምዃኑ ግን፡ ንባህርን ተራን፡ ዘነጸረ፡ ኣብ መንጎ ፖሊቲካውን ሲቪላውን ውደባታት ምትሕብባር ዘኽእል ንጹር ተርድኦ ምጥራይ።
VII) ሓባራዊ፡ ቅቡል ዝዀነ መራሒ ካርታ ክሳብ ውድቀት ምልኪን፡ ኣብ ድሕረ ምልካዊ ስርዓት ዝህሉ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ መደባትን ብዝተጸንዐ መንገዲ ንምቕራብ፡ ዕቱብ ቀጻሊ መጽናዕታት ምክያድ። ኣብዚ ንምብጻሕ ድማ፥
· ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን፡ ሒዛቶ ዘላ ኣሰካፊ ኣንፈታትን ዘሎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት፡ ብምጽባብ ሓባራዊ ተረድኦ ከም ዝጥረ ምግባር
· መተካእታ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ሓባራዊ ግንዛቤን ራእይን ከም ዝፍጠር ምግባር
· ካብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ (ምልካዊ ስርዓት) ናብ ተመራጺ መተካእታ (ዲሞክራስያዊ ስርዓት) ብከመይ ይከየድ፡ ናይ ሓባር ህዝባዊ ቃልሲ ጉዕዞ ምትላም የድሊ።
ነዚ ዕማም'ዚ ንምስልሳል ከኣ፡ ኣብ መደባት ዕዮ ውድባት፡ ኰነ በብሸነኹ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝቐረበን፡ ክቐርብ ዝኽእልን መጽናዕትታት፡ ብምእካብ፡ ጽፉፍ ምስንዳእ ምግባር።
ናይ ሃገራዊ ዘተ ምጥጣዕ ተበግሶ እናነኣድና፡ ዕዉት ኮነፈረንስ ክገብረልና ንምነ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
__________________________________
ምልክታ ንእንበብቲ፥
1. እዚ ጽሑፍ'ዚ ብምሉኡ ክንበብ ዕድል ስለ ዘይነበረ ብጽሑፍ ከም ዝዕደል ተገይሩ።
2. ብተወሳኺ እዚ ስዒቡ ዘሎ ብ 2010 ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ቀሪቡ ዝነበረ ርእይቶ ሰልፊ ብዛዕባ መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራን፡ ካልእ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘሎና መርገጺታት ዝገልጽ ሰነዳትን ተዘርጊሑ
ጨንፈር ኖርወይ ብ18 ጥቕምቲ 2014 ሳልሳይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ቲሕቲ «ለውጢ ብናይ ሓባር ቓልሲ እዩ ዝረጋገጽ!» ዝብል ጭረሖ ብዓወት ኣሰላሲሉ::
ኣብ መእተዊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንተጋባእቲ ንኩነታት ሃገርን፣ ሓርነታዊ ቓልስን፣ ኩነታት ሰልፍን ጨንፈርን ዝድህስስ ሰፊሕን ዓሚቑን ሓበረታ ኣስኒቁ:: ብጻይ ዳዊት ንስፍሓተ ተቓውሞ ናይ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብሪሂ፣ እቲ ንዓመታ ብናይ እግሪ ተቓውሞ ማለት ሃገር ገዲፍካ ንስደት ብምምራሕ ዝገለጽ ዝጸንሐ ተቓውሞ፣ ሎሚ ብፍላይ ድማ ካብ ስርሒት ፎርቶ 23 ጥሪ 2013 ጀሚሩ ግብርን ድምጽን ዘለዎ ናይ ተቓውሞ ስጉምትታት እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር እንዳ ሰሰኑ ይመጹ ከምዘሎ ኣብሪሁ::

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝር ብጻይ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመሊሻን ዕቁር ሰራዊትን ዝግበር ዘሎ ናይ ምኽታት እምቢታ፣ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ ኣብ ቲሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተዘርገሐ ገታር ሰፊሕ ጽሑፋዊ መተሓሳሰቢ፣ ብሽድሽተ ኣድባራት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝተጻሓፈን ዝተዘርገሓን ዘየናሕሲ ናይ ኩነኔን ውገዛን ዕላዊ ቅሉዕ መልእኽትን ጠቒሱ:: ንሱ ብተወሳኺ ምትእኽኻብን ምሕያልን ደለይቲ ለውጢ እውን እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቀኛ መስመሩ እንዳሓዘ ኣብ ዘተስፉ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎን ሓቢሩ:: ከም ገለ ካብ ጨቡጥ ኣብነት ናይዚ ነገር እዚ ኢሉ ብጻይ ዳዊት ንኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ዝተበጽ ብኣዋጅ ፕሪቶርያ ዝፍለጥ ናይ ምሁራት ነጥበ ስምምዓትን፣ ንኻልኣይ ግዜኡ ዝተኻየደ መትእኽኻብ በሎኛን፣ ብኣላይነት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነሓሰ 2014 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ፍራንክፎርትን ንሱ ዝፈጥሮ ናይ ምቕርራብን ዘተን መድረኽን በብሓደን ብሰፍሕን ገሊጹ:: ብጻይ ዳዊት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ እውን ብኣባልነት ዝርከቦ ጽላል ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኢርትራውያን ሓይልታት ኣብ ኖርወይ እውን ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማትን ምቕርራብን ምጥርናፍን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላኣትን ቀሊል ታራ ይጻወት ከም ዘየሎን ናይ ምትእኽኻብ ኣብነታዊ ሞደል ኮይኑ ከምዘሎን እውን ጠቒሱ::

ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣስዒቡ ኣብ ህይወት ጨንፈር ዘተኮረ ዓመታዊ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ርኽካውን፣ ማሓበረ ሰብኣውን ጉዳያትን ዘጠቃለለ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ሂቡ:: ንሱ ኣብ መወዳታ ምስ ናይ ዕቁባ ኩነታትን ክበድ መነባብሮናን ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ ኣብ ኩሉ መዳያት ዓቅምና ንገብር ኣሎና ክንብል እኳ እንተኺኢልና፣ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና ዝጠልቦ ዘሎ ንምምላስ ግን ካብ ዘገምታዊ ኣካይዳ ናብ ዝተዓጻጸፈ ናህሪ ኣብ ዘለዎ ቃልሲ ክንሰጋገር የድልየና ብዝብል ለበዋ ጻብጻቡ ድምዲሙ::

ቀጺሉ ብጻይ ማሕደር ዑቁባዝጊ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር፣ ኣብ ገንዘብን ካልእ ንብረትን ዘተኮረ ሰልፋውን ጨንፈራውን ጸብጻቡ ብዝርዝር ኣቕሪቡ::
ንሕቶን ርኢቶን ኣብ ዝተዋህበ ግዜ፣ ጉባኤኛታት ብዝተዋህበ ጻብጽብ ዕጉባት ምዃኖም ሓቢሮም:: ብምቕጻል ድማ ተጋባእቲ ብመሰረት ኣብ ቁዋም ሰልፊ ዝሰፈረ ዓንቀጽ መረጻ መርሕነትን ኣገባቡን፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንኣብ ስልጣን ዝጸንሓ መርሕነት ከምዘሎ ሕጅውን ንዝመጽእ ዓመት ከገልግል መሪጽም::
ኣስዒቦም ተሳተፍቲ ኣብ ዛዕባ ማሕበረ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ኩነታት ኣብ ካሳላ ሱዳን ዝርከቡ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ፣ ንኣብ ወዲ ሸሪፎይ ዝርከም ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኩነታቱን፣ ንመደባት ናይ ማዕዶ ወላድን፣ ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሓተቲ ዕቁባን ዝተኮረ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዶም. ኣብ መወዳእታ እውን ነዚ ነገራት እዚ ሓላፍነት እትወስድ ክልተ ዝኣባላታ ሽማገለ ኣቚሞም::
ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ ነቲ ከይተሓለለን ደኺመን ደኽየን ከይበለን ብተወፋይነት ዝቓለስን ዝመርሕን ዘሎ መርሕነት ሰልፊ ሞጒሶም፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰልፊ እውን ኣሰር መርሕነት ሰልፉ ተኸቲሉ ድርብ ተወፋይነት ብምርኣይ ንድሕነት ህዝቡን ሃገርን ከቐላጥፍ ተላብዮም::
ጉባኤ ብዝኽረ ሰማዕታት ተዓጽዩ.
ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ጨንፈር ኖርወይ
ኣርዓዶም በርሀ
ኣድማዕነታቱ ከመይ ነይሩን ኣሎን? ንዝብል ሕቶ ሰፊሕን ምሁራውን መልሲ ዘድልዮ ኮይኑ፡ ህልውና ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ’ውን ማሕበር ኣብ ኤርትራ ካብ ኣርበዓታት ዝጀመረ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ መድረኽ ካብ ሓደ ንላዕሊ ውዳበታት የድልያ ነይረንን ኣለዋን ዝብል እውን ከምኡ ነብሱ ዝኸኣለ ከከም ፍሉይ ኩነታት ናይተን ውድባት ወይ ሰልፍታት ዝምስረተለን ሃገራትን ነናይ እዋኑ ምዕባለታትን ኣዛሚድካ፡ ብዝካየድ መጽናዕቲ ክንጽር ዝግበኦ እዩ። ብሓጺሩ ግና ናይዘን ዝበልናየን ፖለቲካዊ ትካላት መስረትን ሰዓብተንን፡ ከካብ’ቲ ዘጋጥም መድረኻዊ ፖለቲካዊ ጸገማት ወጺእካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ በበይኑ መንገድን ኣገባብን ስለ ዝመርጹ እዩ ውዳበታት ዝበዝሕ። እዚ ኣብ ሃገርና ካብ ኣርበዓታት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ብዙሕነታዊ ውዳበ ሎሚ ከም ሓደ ዲሞክራሲያዊ መርኣያ ዝውሰድ ዘሎ እዩ። እቲ ፍልልይ ከምቲ ኣብ መንጎ ሕድሕድ ውድባት ዝረአ ደኣ ኣይከውንን እምበር ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣብ ዝተሰለፉ ኣባላት እውን ኣይጠፍእን እዩ፡ ግና ድማ ኣብ ክንዲ ንናእሽቱ ፍልልያት ንዓበይቲ መሰመማዕቲ ነጥብታት ቀዳምነት ብምሃብ ስለ ዝቕለሱ ጐሊሑ ኣይረአን። ጐሊሑ ክውጽእ እንከሎ ሳዕቤኑ ዘይቅቡል ምፍንጫላት ምዃኑ ብቐረባ ንርእዮ ዘሎና ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ መድረኽ ብዙሓት ነናተን መንገዲ ዝመረጻ ፖለቲካዊ ውዳበታት ክህልዋ እንከለዋ፡ ናይቲ ኣብ ቅድሚአን ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ግና ሓደ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ኣብ ድንበ ተቓውሞና ናይ ኩላትና ቀዳማይ ዕላማ ምውጋድ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ስለዚ ኩሉ ነናቱ ውድብ ወይ ሰልፊ ወዲቡ መፍትሒ ከምጽእ ክቃለስ እንከሎ፡ ከምቲ ዝድለ ነቲ ቅኑዕ ፍታሕ ሒዝዎ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ምናልባት ግና እተን ውዳበታት ልቦናን ሓላፍነትን ዘለወን እንተኾይነን፡ ኣዋጺአን፡ ኣብ ሓደ ማእከላይ ናይ ፍታሕ ቦታ ተራኺበን ኣብ መዋጸኦ ይበጽሓ ይኾና። ነዚ ንምግባር ግና ካብ ናይ “ወይ ነዓይ ወይ ነዓኻ” ናይ ህልኽ ዓንኬል ክወጻ ይግበአን
ውድብ ወይ ሰልፊ ብቐዳምነት ነቶም ወደብቱን ሰዓብቱን ናይ ብሕቶም መቃለሲ መድረኽ እዩ። ብጽቡቑ ዝምጐሱን ብሕማቑ ድማ ዝሕተቱ ንሳቶም እዮም። ውዳበታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሰረታዊ መትከላትን ኣገባባትን ተመስሪተን ይቃለሳ ባዕላተን ኣብ ዝጥዕመን መድረኽ ግይባአ ድዩ ኮንፈረንስ እየን ዝውስና። ኣብዚ መሰረታዊ ውሳነአን ከም መንቀሊ ዝወስደኦ መለክዒ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ድዩ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ብሄር ድዩ ጀኦግራፊያዊ ኣሰፋፍራ ባዕላተን እየን ዝውስነኦ። ኣብ ምርጫ እዚ ውሳነአ ዝኽተለኦ ጥንቃቐ ድማ ንምዕዋትን ዘይምዕዋትን ናይቲ ውዳበ ጥራይ ዘይኮነ ንምህላዉን ዘይምህላዉን እውን ወሳኒ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ዝረኣይ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ናብ ኣውንታ እዩ ዘምርሕ፡ ኣብዚ ዝረኣይ ጌጋ ድማ ናብ ግጉይ መደምደምታ እዩ ዝመርሕ። ስለዚ እዚ ወሳኒ መሰረት ክምድመድ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ብሩህ እዩ። ኣባና ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ሓደሓደ ግዜ ውድብ ንምምስራት ዝካየድ ናይ ሸበድበድ መስርሕ ብመንጽር እዚ ክምመ ዝግበኦ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ውድብ መስሪቱ ከምዝ ኦኣይነት ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣዕዊቱ ዘይኮነስ፡ ውድብ ሃልይዎ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ተሳቲፉ ንክትበሃል ጥራይ ምንቃድ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነስ ዝሕትት እውን ክኸውን መተገብኦ።
ባህርያቱን መንቀሊኡን ብዘየገድስ ሓደ ውዳበ ክድኮን እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግበኦ ናይታ ምእንተኣ ዝቃለሰላ ዘሎ ሃገርን ህዝባን ኩነታት እዩ። ኣባና ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ምርዳእ ማለተይ እየ። ምኽንያቱ እተን ውድባትን ሰልፍታትን እየን ናይ’ቲ ጸቢብ ዋነአን እየን ዝበልናየን እምበር፡ እታ ሃገርስ ናይ ኩሎም እቶም ኣብተን ሰልፍታትን ውድባትን ዘለዉን፡ ብናታቶም ምርጫ ናይ ዝኾነት ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ክኾኑ ዘይመረጹ ዜጋታትን ስለ ዝኾነት። ስለዚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ውዳበኻ ክትሓስብ እንከለኻ ኩሉ ግዜ ምስ ኩነታት እታ “ጽባሕ ዘተኣማምን ተቐባልነት እንተረኺበ ካብ ምንጋጋ ዲክታተራት ኣውጺአ ብዝሓሸ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክመርሓ እየ” እትብላ ሃገርን ህዝብን ዋላ ንሓንቲ ካልኢት እውን ክትዝንግዓ ኣይግባእን። ናይ በይንኻ ሃገር ክትውንን ምህቃን እምበኣር ከቢድ’ዩ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ፈጺምካ ዘይከኣል እውን እዩ። ምናልባት ኣጻዕዲኻ ሕንክኻ ቀንጢጥካ ኣብ ናይ “ሓይሊ ሕጊ እዩ’ ዓመጸኛ ፖሊሲ እንተዘይተወጢሕካ።
እዚ ንጉዳያት ብኹሉ መልክዑ ኣብ ኣብ ግምት ኣእቲኻን ልቢ ኣስፊሕካን ናይ ምጉዓዝ ዕማም ዘድምዕ፡ ብኹሉ ውዳበታት ክኽበር ዝግበኦ መባእታዊ ግዴታ እዩ። ነዚ ጉዳይ ብሓላፍነት ከይረኣየ፡ ብዙሕነታዊ መልክዕ እታ ሃገር ከየገናዘበ፡ ኣጠርሚሙ ኣብ ናይ በይኑ ውዳበ ጸቢብነት ጥራይ ዝተጸምደ ወገን ግና ዓብይ ጉድለት ከም ዘለዎ ክርዳእ ይግበኦ። ምናልባት ውድቡ ወይ ሰልፉ በቶም ውሱናት ሰዓብቱ ዝፍተውን ዝድገፍን ኮይኑ፡ ሃገራውን ህዝባውን ባይታኡ ዘይልሙዕ እንተኾይኑ ናይ ህዝብን ሃገርን ሓላፍነት ናይ ምስካም ዓቕሚ ስለ ዝነእሶ፡ ኣብ ዘይትግበር መብጸዓታት ክንሳፈፍ ዝነብር ዘይስስን ናይ ውሱናት ዜጋታት ምትእኽኻብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ንኩነታት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ምእታው ማለት ብናተይ ርኢቶ፡ ናይታ ሃገር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ናብ ሃገራውነትን ሉኣላውነትን ዝመጸትሉ መስርሕ ቃልስን ዝተኸፍላ ዋጋን፡ ናይ ህዝባ እምነታትን ባላዊ ልምድታትን፡ ምስ ጐረባብታ ብፍላይ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ዝጸንሓ ዝምድናታት፡ ንዕቤታ እትምርኮሰሉ ተፈጥሮኣዊ ጸጋን ቁጠባዊ ጽላትን፡ ናይ ቋንቋታታን ብሄራታን ምንባብ ኣብ ግምት ምእታው እምበር ካልእ ከቢድ ነገር ኣይኮነን። ዝያዳ ንምብራህ፡ ውድብካ ሓደ ብሄር መሰረት ዝገበረ እንተኾይኑ፡ ብዛዕባቶም ካለኦት ውድባት ክትሓስብ ናይ ግድን እዩ። መሰረት ውዳበኻ እምነት እንተኾይኑ’ውን ከምኡ እታ ሃገር ናይ ሓደ ዓይነት እምነት ዘለዎም ዜጋታት ጥራይ ከም ዘይኮነት ኣብ ግምት ምእታው የድሊ ዘይኮነስ ናይ ግድን እዩ ንምባል ዝኣክል እዩ።
በቲ ካልእ መልክዑ ኣብ ከምዚ ንሕና ከም ውድባት ኤርትራ ንቃለሰሉ ዘለና ኩነታት፡ እቲ ፖለቲካዊ ሻቕሎትን ናይ ቃልሲ ኒሕን ሓላፍነትን ኣብ ወውድብና ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነስ ነቶም ካብ ውድባትና ወጻኢ እኳደኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት እንተላይ ኣብ ግምት ዘእተወ መደባት ክንሕንጽጽን ውሳነታት ክንውስንን ከም እንግደድ ከነስተውዕል ይግኣበና። ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ 21 ጥሪ 2013 ምንቅስቓስ ሰራዊ ኤርትራ፡ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳሳት ምልዕዓል፡ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ገዳማት ውግዘት ኣብ ልዕሊ ወከልቲ ህግደፍ ኮይኖም ሃይማኖታዊ ትካላት ክምሕምሱ ዝጸንሑ ልኡኻት ጉጅለ ህግደፍ፡ ከምኡ እውን ንኣብያ ተመሃሮ ጉዕዞ ናብ ሳዋ ብጉልባብ መበል 28 ዙርያ ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ኩሉ ግዜ ኣብ ግምትና ምእታው የድልየና። እዚኣቶ እቶም እዉጃት እዮም። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ገዛ ዘሎ ኣብ ኣደባባይ ናይ ምውጻእ ኦድል ዘይረኸበ ኣንጻር ህግደፍ ዝሓመመ ሕልና ህዝብና’ውን ክንቋመቶ ይግበኣና። እቲ ኣብ መደረኻት ፈስቲቫል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍራንክፈርትን ኣብ ቦለኛን ዝተንጸባረቐ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ተቓውሞታት ምትእስሳሩ ዝብል ሓሳብ ድማ ቀንዲ ሕመረቱ እዚ እዩ።
እዚ ንናይ ለውጢ ሓይልታት ምቅርራብ፡ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ዝተዓወቱ ኮነ ዘይተዓወቱ ቃልስታት ተመኩሮ’ውን ዘረደኣና እዩ። ማለት በይኖም ምስ ኩነታት ሃገሮም ህዝቦምን ከይተናበቡ ደገደገ ዝበሉ ሓይልታት፡ ንፖለቲካዊ ውዳበኦም ካብ ህዝቢ ነጺሎም ንሶም ክንዲ ውድብ ንሶም ክንዲ ሃገርን ህዝብን ገይሮም ዝወሰዱ ከም ዘይተዓወቱ፡ ንውዳበኦም ውድብ ድዩ ሰልፊ ወይ ማሕበር፡ ከም ናይ ውሱናት ኣብ ውሱን ነጥብታት ዝረዳድእሉን ዝተኣከብሉን ናይ ቃልሲ መሳርሒ ወሲዶም፡ ንመትከላቶም ምስታ ናይ ሓባር ሃገርን ህዝባን ዘዛመዱን ንናይ ቃልሲ ሓይልታት ዝኣከቡን ወገናት ድማ ከም ዝተዓወቱ። ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣብቲ ጉዕዞኡ ከመዓድዎ ዝግበኦ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ጥቓኡ ብየማኑ ድዩ ብጸጋሙ ዝተሰለፈ ፖለቲካዊ ውዳበታት እውን ከስተብህለሉ ናይ ግድነት እዩ። ውሳነታት ክውስን እንከሎ’ውን ንመትከላቱ ኣብ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርድ ብዘየኽእል ኣገባብ፡ ናይቲ ካልእ ውድብ ድምጺ ምጭንጫን ናይ ውሕልነትን ሓያልነትን እምበር ናይ ስንፍና ምልክት ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ኩነታት፡ ሓደ ውድብ እቲ መስርሕ ቃልሲ ከመይ ክኸውን ከም ዝደልዮ ምርጫ ኣለዎ። እቲ ካልእ ውድብ ነዚ ምርጫኡ ክቕበለሉ ክደልን ጽልዋ ከሕድር ክቃለስን ድማ ውሁብ እዩ። ንኣብነት ብኸመይ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምስራሕ ከም ዝከኣል ሓደ ውድብ ናቱ እማመ ኣለዎ። እቲ ካልእ ውድባት ነዚ ሓባራዊ እማመኡ ክቕበለሉ ጠለባቱ የቕርብ። እዚ ኣገባብ ጐነጽን ዘለፋን ክሳብ ዘይሓወሰ ቅኑዕ እዩ። ግና ድማ እቲ ነቲ ጠለባትካ ክቕበል’ሞ ብሓደ ክትከይድ ትጽወዖ ዘለኻ ወገን እውን ክትሰምዖ ቅሩብ ምዃን ከም ዘድሊ ምዝንጋዕ ኣይግበኦን።
ብሓፈሻ ከም’ቲ ውድባት ንዓኻ ክኾነኦ እትደልዮ፡ ንስኻ’ውን ሓሳቦም ክትሰምዖምን ዝውሰድ ክትወስድን ዝንጸግ ክትነጽግን ቅሩብ ምዃንካ ምርእዮም ኣድላይ እዩ። እቲ እንካን ሃባን ግና ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ዝቐርብ እምቢታን፡ ገዳፍ ንምምሳል ኢልካ ዝውሰድ ምእዙዝነት ዘይኮነስ፡ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ምድሓን ሃገርን ህዝብን ዝተመስረተ ምኽኑይ ክኸውን ይግበኦ። ከምዚ እንተገይርና ኢና ድማ ኣብ ጥዑይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ፡ ናይ በይንኻ ውድብ እምበር ናይ በይንኻ ሃገር ምውናን ከምዘይከኣል ክንርዳእ እንኽእል። ሓደ መዋጸኦ ይኸውን ተባሂሉ ብዋናታቱ ንዝቐረብልካ መጸዋዕታ መልሲ ዘይመሃብ፡ ወይ ድማ እዚ ድማ ናተይ መዋጸኦ ኣለኒ ክትብል እንተዘይክኢልካ ግና ኣብቲ መድረኽ ቃልሲ ምህላውካ’ውን ኣጠራጣሪ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መግለጺ 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ፡ ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ህልዊ ምርሕሓቕ ኣተሓሳሲብዎ “… ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።” ብዝብል ንዘቕረቦ እዋናውን ሓላፍነታውን መጸዋዕታ በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዋህቦ ምላሽ ከምቲ እዋናውነቱን ህጹጽነቱን ዘይምዃኑ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።
18 ጥቅምቲ 2014
ኣብ ዓለምና፡ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ዘሎናዮ ግዜ ነፍሳት እናሃለቓን እናባደማን ኢየን። ብርግጽ ድማ እቲ ኣብ
ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ከም ዝዝረበሉ ዳርጋ 60 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኢዩ ሃሊቑ። ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀውከ ክንደይ
ነፍሳት ሃሊቐን ኣለዋ ጌና ብሕጂ ክጻረ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ብዝኾነ ግን ካብቲ ናይ 60 ሚልዮን እንተዘይበዚሑ ዝውሕድ ኣይክኽውንን እዩ።እዚ
ኩሉ ህልቂት ድማ ንምስፍሕፋሕ መሬትን ብኡ ኣቢሉ ድማ ንልዕልን ትሕትን ጸጋታት መሬት ንምጉሕጓሕ እዩ። ዓለምና እምበኣር ክሳብ
ሕጂ በዚ ናይ ጅኦፖለቲክ ምኽንያት ጌና ትሕመስ ኣላ። እኒ ሂትለር እኒ መሶሊኒ ከምኡ እውን ካልኦት ክሳብ እቲ ህዝቢ ዝነጽጎም ነዛ ዓለም
በጽቢጾማ ሓሊፎምን ይሓልፉን ኣለዉ። እቲ ናይ ምልኪ ኣሰራቶም እውን ኣብ መላእ ዓለም ሳዕሪሩ፣ ንስልጣኖም ክብሉ ንማሕበርሰባዊ ጥምረት
ብዝዘርጉ ሰባት ጌና ትሳቐ ኣላ።
እቲ ከም ካልኣይ ነጥቢ ንዓለምና ዝሳቕያ ድማ እቲ ናይ ስልጣን ምብሓት ወይ ከኣ ቅኑዕ ምሕደራ ዘይምህላው እዩ። እዚ ከኣ እቲ ነፍሳት
ዝሃልቃሉ ዘለዋ ቀንዲ ጠንቂ እዩ። ንኣብነት ከም ሃገረ ኤርትራ ዝኣመሰላ፡ ህዝቢ ክከላበትን ክእሰርን ኣደዳ ሞት ክሳጣሕ ንርኢ። እቲ መዐቀኒ
ናይ ቅኑዕ ምሕደራ እምበኣር እቲ ስልጣን ህዝቢ ክርከቦ ምግባርን እቲ ህዝቢ ዝቆጻጸሮ መንግስቲ ምፍጣርን ፍትሒ ይነግስ እሞ ሃገርን ህዝብን
ይቐስን። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ንምብጻሕ ግን ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምህናጽ ብቐዳምነት ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ እዩ። ስለዚ ከምዚ
ዝዓይነቱ ምሕደራ ንምህናጽ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝግዝኦ ሕጊ ኣለዎ። እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ስነፍልጠት ሒዙ ምስዝኽተል ምልኪ ብሱሩ
ይጠፍእ። ምኽንያቱ ብሃውሪ ወይ ብሃቦ ተረከቦ ዘይኮንስ ብመጽናዕትን መደበን ንህዝቢ ንኸሳትፍ እሉ ዝምስረት ስለዝኾነ። እዚ ምስ ዘይከውን
ድማ ሓንቲ ሃገር ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ መደያታ ትሀሰን ቅሳነት ትስእንን ።
ኣብ ሃገርና ሓደ ካብቶም ሰለስተ ዓይነታት ምልኪ እዩ ዘሎ። እዞም ሰለስተ ዓይነት ምልኪ እቲ ቀዳማይ ወተሃደራዊ፡ እቲ ካልኣይ ውልቀ፡(ሓደ
ሰብ) እቲ ሳልሳይ ድማ እንኮ ሰልፋዊ ምልኪ እዮም። ስርዓት ኤርትራ እምበኣር ውልቀ መላኺ ወይ ከኣ እቲ ካልኣይ ዓይነት ምልኪ ምዃኑ
ደጊም ኩልና ደቂ ሃገር ንፈላለየሉ ኣይመስለንን። ስለምንታይ ደኣ እሞ ዕድመ ስልጣን ናይ መለኽቲ ዝናዋሕ።? ህዝቢ ዘይቆጻጸሮ ስርዓት ዋላ
እውን ዝቃወሞ ሓይሊ ክለዓል እንተኸኣለ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ዘኽእሎ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። እዚ ዝለዓል ተቓውሞ ሓይሊ እዚ ይብዛሕ
ይውሓድ ናይ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ጸጸኒሑ ክጥጥዕን ዘይተወሃህደን ወይ ከኣ ፊን ብዝበሎ ስለዝቃለስን፣ ነቲ ሃገራዊ መቖሚታት
ስሒቱ ማለት ድሕሪ ምውዳቕ ምልኪ እንታይ ዝዓይነቱ ምሕደራ እዩ ዘድሊ ነቲ ህዝቢ ብሩህ ምስ ዘይከውን፣ እቲ ህዝቢ መሰረት ኣዕኑድ
ናይ ምልኪ ዝተክል ከይከውን ዓቢ ስግኣታት ከሕድር ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ዝዓግበሉ ኣገባብ ኣመራርሓን ምሕደራን ካብቲ ምልኪ
ዝፍጽሞ ዝሓሸን ንወጽዓ ህዝቢ ዝጠመተን ፍትሒ ዘንግስን ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ።ደምበ ተቓውሞ ቀዳማይ ዕማሙ ነዚ ምልኪ ምልጋስ እኳ
ይኹን እምበር ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝኸይድን ክፍታሕ ዘለዎን ጉዳይ ድሕሪ ምውዳቕ እዚ ስርዓት ዝትከል መንግስቲ ብብሩህ ክንጸር ዘለዎ
ጉዳይ እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ ነቲ ምልኪ ጥራሕ ነልግስ ዝብል ኣተሓሳስባ ተበለጽቲ ከይብለጹሉን መሰረት ናይ ምልኪ ከይክውንን ምስትብሃል
ከድልየና እዩ። ካብ ብሕጂ ኣዕኑድን ሰረታት ዲሞክራሲን ዲሞክራሲያውነትን ክነዘውትሮም እንተዘይክኢልና ከይዱ ከይዱ ስልጣን ናይ
ምብሓት ዝእንፍት ምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓይልታት እዚ ካብቲ ስርዓት ንላዕሊ ንሓድነቱን ንልኡላውነት ሃገሩን ዝዘርግ እዩ
ዝብል ስግኣታት ክሓድሮ ከም ዝኽእል ንጹር እዩ።
ካልእይ ኣገዳሲ ነጥቢ ሓደ ውልቀ መላኺ በቲ ዝኽተሎ ናይ ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ምቕታል፡ ምድስካል፡ ምንጪ ሓብረታ ዓፊንካ ምሓዝ …ወዘተ
ከምኡ እውን ነቶም ከገልግልዎ ዝኽእሉ ስባት በቲ ዝጻወቶ ሜላን ሽርሕን ጉርሕን ነቲ ሓደ ሒዙ ደሓር ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ እናገለፈ እዩ
ስልጣኑ ዘደልድል። እዞም ኣገልገልቲ እዚኦም ንውልቆም እምበር ንዓሌታት ወይ ኣውራጃታት ወይ ብሄራት ዝውከሉ ኣይኮኑን። ብኣገልገልቲ
እቲ መላኺ ኣመኻኒኻ ንዝተወልዱሉ ኣውራጃ ይኹን ብሄር መጥቃዕቲ ምክያድ ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘይብሉን ብድሑር ዝምባሌታት
ዝተላዕጠጠን ብዝሓለፈ ተረኽቦታት ዝጽሎን ሰብ ጥራሕ እዩ ዝጥቀመሉ። ኣብ ከምዚ ሃዋህው እዚ ድማ ሓደ መላኺ ስርዓት ብፖለቲካዊ
ይኹን ቁጠባዊ ቅልውልውላው ተዳኺሙ ከሎ ኣብ ስልጣኑ ንኽቕጽል ህይወት ክሶዅዓሉ ይኽእል። በዚ ዝኣክል ኩሎም መለኽቲ እምበኣር
ገለ ንሓጺር ግዜ ገለንከ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከጽንሖም ዝኽእል ከከም ተቐባልነት ናይቲ ህዝብን ኩነታትን እዩ። ስለዚ ስርዓት እስያስ ኣብ
ስልጣኑ ከጽንሖ ዝኽእል ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዋ። ንሳተን ድማ፡ ሓደ እቲ ዝሰፍሐ ህዝቢ ነቲ ስርዓት ኣሜን ኢሉ ክምእዘዞ ከሎን፣
እቲ ስርዓት ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ንኽስለፍ ዝወስዶ ስጉምትታትን ሜላታትን እዩ። ሓደ ካብኡ ነቲ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕምማት ብዝትንክፍ
ወይ እውን ብረብሓታት ኣቢሉ ስለዝጥቀም እዩ። እቲ ናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ከም ምኽኒት ተጠቒሙ ወግሐ ጸብሐ መፈራርሂ ይጥቀመሉ
እሞ እቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ ተዓቝቡ ዘሎ ገይሩ ይወስዶ። ከምኡ እውን ነቲ ደጋዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊኡ ዝወስዶ እገዳ ንዕቤት
ቁጠባዊ ልምዓት ዝዕንቅጽን፣ ኤርትራ ርእሳ ከይትኽእልን ድኽምቲ ሃገር ክትከውን ንምግባር እዩ ብዝብል ነቲ ህዝቢ ንህላዌ ሃገርን ህዝብን
ካብኡ ንላዕሊ ርግእት ዘለዋ ሃገር ዝፈጥር ሓይሊ የለን ኢሉ ንከእምነሉን ናብቲ ተቓውሞ ቁልሕ ንኸይብልን ይሕግዞ እዩ።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ ከኣ እቲ ዝቃወም ሓይሊ ዘይተጥርነፈን ዘይተወደበን ምስ ዝኸውን፣ ማለት ዘይተጥርነፈን ዘይተወሃሃደን ዘይዝሰፍሐን
ተቓውሞ ንምልኪ ፈጺሙ ከዳኽሞ ኣይክእልን። ከምኡ እውን እቲ ደምበ ተቓውሞ ንባዕሉ ተቓውሞ ንተቓውሞ ኮይኑ ከናሹን ከጸልምን፣
ብኣውራጃታት ኣምሲሉ ሓማሴንዶ ሰራየ ኣከለጉዛይ እናበለ ክፈላሊ ዝውዕልን፣ ስርርዕን፡ ጥርናፈን፡ ውዳበን፡ ሰልፍን ኣየድልን እዩ ዝብልን፣
ኩሉ ንረብሓ እቲ ስርዓትን፣ መናዊሒ ስልጣኑን ኮይንዎ ኣሎ። ወረ ሎምስ ብሃገር ደረጃ ተሪፉ በብኣውራጃኡ ተጠርኒፉ ይቃለስ ዝብል ናይ
ዘመነ ክፍልታት ክድገም ዝደሊ ሓይሊ ኣውን ይቀላቀል ኣሎ። እቲ ስርዓት ኣስተሪሑ ድማ ርኢኹምዶ እዚኦም እዮም እምበኣር እቶም
ተቓወምቲ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብታ ሃገር እንተኣትዮምሲ ንሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዝነብረ ክዘርጉ እዮም ብምባል ህዝቢ ናብ ኣብያ ገጹ
ከይየድህብ ይገብሮ ። ከምኡ እውን እቲ ደምበ ተቓውሞ ብብረት ክንዘብጠካ እና እናበለ ክጭድር ከሎ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ነቲ
ስርዓት ፎእ ኣብ ክብለሉ እናተቐራረበ እንከሎ መሓውር ስለያታት እቲ ስርዓት ንኽድልድልን ምስምስ ረኺቡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ
ከምዘይተኣማመንን ከርዕድን፡ ሜላ ንኽፈጥር ይሕግዞ። እቲ ህዝቢ እውን እታ ብሓባር ክትጥርንፎ እትኽእል ናይ ሰላማዊ ኣገባብ ኣቀላልሳ ኣብ
ክልተ ከምቀል ይገብሮ እሞ ሞራሉ የውድቕ እቲ ስርዓት ከኣ ግርም ገይሩ ይብለጸሉ። ምስናይ እዚ ድኽመት ናይቲ ደምበ ተቓውሞ ልዕሊ
እቲ ምልኪ ኮይኑ እታ እንደልያ ኤርትራ ደቃ ሓቝፋ፡ ህዝባ ብፍትሕን ዲሞክራስን ማዕርነትን ዝነብረላን ምዃኑ ዘነጽር ስእሊ ብሓባር ከቐምጥ
ብዘይምኽኣሉ ነቲ ህዝቢ ኣእምኑ ነቲ ምልኪ ከምበርክኾ ኣይከኣለን። ካልእ ክጥቀስ ዘለዎ ድማ፡ እቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ምሁራን ኣብ ክንዲ ኣብ
ጎኒ እቲ ህዝቢ ኮይኖም ብድፍረት ዝምክቱን ንህዝቦም ድማ ዘለዓዕሉን ንገዛእ ርእሶም ኣብታ ዓንኬል ናይቲ ስርዓት ተረባሕቲ ኮይኖም
ስለዝጠሓሉ፣ እቲ ህዝቢ ንሶም እኳ ዘለውዎ ብማለት ኣስቂጡ ይግዛእ ኣሎ።
ስለዚ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ስርዓት እሳያስ ናይ ሓደ ሰብ ምልኪ ማለት ንሱ ገባርን ሓዳግን ንሱ ሕጊ ንሱ ክሉ ነገር ምዃኑ ካብ ፈለጥና ከምቲ
ምስላ ኣቦታት ዝብልዎ፡ ‘’ ንጎይታ ፈሪሆምሲ ንጊላ።’’ ንኸውንሲ ስለምንታይ።? ስለምንታይከ ነቲ ስነፍልጠታዊ ዝኾነ ኣገባብ ገዲፍና ነቲ ስርዓት
ብዘገልግል ውዳበ ክንገብር ንፍትን? እዚ ስርዓት እዚ ንማንም ዝውከል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እቶም ዝድግፍዎ በጻብዕ ዝቑጸሩ እዮም። እቲ
ዝተረፈ በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያታት ኣፉ ሒዙ ሱቕ ክብል ተገዲዱ ዘሎ። እቲ ዕድመ ምልኪ ክናዋሕ ዕድል ዝህቦ ዘሎ ቀንዲ
ምኽንያት እምበኣር እቲ ንተቓውሞ ተቓውሞ ተፈጢሩ ዘሎ ሓይልታት ደው ክነብሎ ዘይምኽኣልናን ወግሐ ጸብሐ ምፍልላይናን እዩ።
ብድራር መንታይ