ኣብ ክንዲ ሓድሽ ፍታሕስ፡ ሓድሽ ጸገም፡ ስለምንታይ?

2014-11-06 22:08:54 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4196 times

ኣርዓዶም በርሀ

ሎሚ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ሃለዋት ሃገርና ኮነ ደንበ ተቓውሞና ክንዕዘብ እንከለና ብጸገም ዘይኮነስ ብጸገማት ተኸቢብና ከም ዘለና ንኹላትና ብሩህ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ጥሜት፡ዕርቃን፡ ጽምኢ፡ ጸልማት፡ስደት፡ ብዓብይኡ ድማ ሞትን መጭወይትን እንዳ ኩልና ስለ ዘሎ ብዛዕባኡ ሓደ ኣዘንታዊ ሓደ ድማ ሰማዒ ዛንታ እንኾነሉ ኩነታት የለን። ሎሚ ጸገም ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ማዕጾ ኤርትራዊ ኣብ ዝኩሕኰሓሉ ዘይኮነስ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ እንዳ ኩሉ ማዕጾ ተኸፊትሉ ኣብ ምድሪ ቤትና ሸናዕ ይብል ኣብ ዝሃለወሉ ደልሃመት ኢና በጺሕና ዘለና። ከምቲ ሃገርና ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደቃ ብጽንዓት፡ ሕድሕድ ምፍቓርን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓቢርካ ብምኽታትን ዝልለዩላ ዝነበረት፡ ሎሚ ግና እነሆ፡ ወረ ደሓን ሓሪምዋ ናይ ኩሉ ጸገማት መጉሓፊ ኮይና ኣለና። ብዛዕባ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዜና ክንገር እንከሎ ስማ ይጽዋዕ። ሰናይ ዜና ክዝርጋሕ እንከሎ ግና “ኤርትራየ” እንተበልካስ ወይከ። ኣብ ከምዚ ደረጃ ምህላውና ዘሕዝን ኮይኑ፡ ካብዚ ጸገምዚ መውጽኢ መንገዲ ጠፊኡና ኣብ ሕንብሊል ምህላውና ድማ “ኣዝዩ ዘሕዝን” ዝብል ሓረግ ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ እዩ። ንጸገማት መፍቲሕኦም መንገዲ ወጢንካ በቲ ዝወጠንካዮ መንገዲ ምጉዓዝ እምበር ደጋጊምካ ምጽብጻቦምን ምምራርን መፍትሒ ኣይከውንን’ዩ። ናይዚ ሓቅነት ድማ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዝያዳ 23 ዓመታት ተመስኪሩ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት እቲ ዝዓበየ መርኣያ ናይ ጸገማትና እዩ። ንህዝብና እቲ ካብዚ መውጽኢ መንገዲ ይጠፍኦ እዩ ኣይብልን። ዓይነስውር እንተኾይንካ እቲ መሰረታዊ ድሌትካ ክትርኢ ዘኽእለካ ዘመናዊ ሕክምና ድዩ ማይጸሎት ከም ዘድሊ ነቲ ናይቲ ጸገም ግዳይ ዝኾነ ኣካል ኣይጠፍኦን እዩ። ምፍላጡ ጥራይ ግና እኹል ፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕስ በቲ መዋጸኦ እዩ ኢልካ ዝኣመንካሉ መንገዲ ብቐጻሊ ክሳብ ውጽኢት እትረክብ ክትምርሽ ምብቃዕ እዩ። ስለዚ ኣብ ተመኩሮና እቲ መዋጸኦ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን በቲ ዝፈለጥካዮ መንገዲ ናይ ተግባር ጉዕዞ ምክያድን ጌና ኣይተመጣጠነን እንተ ኢልና፡ እዚ ንኩነታትና ካብ ዝገልጹ ተረኽቦታት ሓደ። እኳደኣ እቲ ቀንዲ ገለጻና እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕማቕ መዓልቲ ዝስለፈሉ ፈታዊ የብሉን። ብኣንጻሩ ብመትከል “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ሎሚ ንዝፈተዎ ጽባሕ እንዳኣሰረን እንዳቐተለን ዝጐዝ “ንኺድ ጥራይ” ዝመምርሒኡ ዛርቲ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ዋላ ነቲ ተጋዲሉ ኣብዚ ዘብጸሖ ተጋዳላይ እውን ንዝኣተወሉ ቃል እንዳዓጸፈ ዘየናሕስየሉ። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ክፋእ በቶም ቁንጣሮ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ምስ ዲክታቶር ኢሳያስ ክሰኣሉን ክምድሩን እንዕዘቦም ካልእ ኩሉ ንሕስያ ገዲፍካ፡ ሰብኣውነት እውን ዝረሓቖም ሰባት ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ነዞም ዝበልኩዎም ውሑዳት ዘርኢ መርገም በብውልቆም እውን እንተጸላእናዮምን ሕማቖም እንተተመነናን ኣየኽፈኣልናን። እቲ ቀንዲ ክንጸልኦን ከነወግዶ ክንቃለሶን ዝግበኣና ግና እቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ኣረሜናዊ ምህዞ ምዃኑ ብብሩህ ክንግንዘቦ ዝግበኣና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ወይ ኢሳያስ ወይውን ካብዞም ዕማኾ ዝኾኑ ደቂ መዛሙርቱ፡ ብተፈጥሮ ይኹን ብኢድሰብ እንተዝሓልፉ’ውን ጉዳይና ይፍታሕ ማለት ኣይኮነን እንብል። ፍታሕ ክርከብስ እቲ ንሳቶም በቚሎምስ ከም ሮማዲ ከስፋሕሉ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ግና ማይ ከም ዝሰኣነ ዋላኻ ፍንካሕካሕ ኢሉ ዝነቅዕ ዘሎ ፖለቲካዊ መሬት ብህዝባውን ደሞክራሲያውን ኣርሒቑ ዝጥምት ባይታ ክትካእ ይግበኦ እንብል ዘለና። ነዚ ኣተኻኽኣ መሰረታዊ ድዩ ጽገናዊ ዝብል ስም ኣብ ምጥማቕ ዘይኮነስ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ ምስፋርን ምትግባሩን ኢና ክንጭነቕ ዝግበኣና። ኣብ ተግባር ዘይኮነስ ኣብ ምዕዳል ኣርእስቲ ክትወራዘ ምፍታን ግና ምናልባት ምስቲ “ኣዴኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝብል መደዓዓሲ ኣበሃህላ ይሰማማዕ ይኸውን። እስኪ “ርቡሕ እቶት ኣይካብ ባይታን ካብ ባይቶ” ዝበሃል ወረጃ ኣዘራርባ ወለድና ንዘክር። ባይቶ ህግደፍ እምበኣር ፍትሒ ጥራይ ኣይኮነትን ተቐይንን፡ ማእቶት ኣህጒጓ ጥሜት፡ዓጸቦን ሕማምን እውን እትዕድም እያ።

ጸገማትና ካብ ኣረሜናዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ካብ ናትና ድኽመት ዝቕዳሕ ምዃኑ ከይንርስዕ ሓደራ እብል። ብዛዕባ ህግደፍ ክንዛረብ፡ መፍትሒ ከነነናድን ክንራገምን ናይ ግድን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘምሕረልና ግና ብዛዕባናን ድኽመትናን እንተላይ ክንዛረብ እንከለና እዩ። ምናልባት እውን ብኣኡ እንተንጅምር ዝያዳ የምሕረልና። እቲ ንህደፍ ወቒዑ ዘድምን ንህዝቢ ጸዊዑ ዘስምዕን ዓቕሚ ኣብዚ ናትና መድረኽ ስለ ዝፍጠር። እዚ ዓቕሚዚ ውድባትን ማሕበራትን ተኣኪብካ ብምስራሕ ዘይኮነስ ቅድም ኣብ ውድብካ ዝጅመር እዩ። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና “ ናታ ኣቐሚጣስ ናይ እንዳማታ” ክንበሃል ናይ ግድን እዩ። ብናተይ እምነት ጉጅለ ህግደፍ ናትና ኣቐሚጥና ብዛዕባኡ ጥራይ ክንራገም ውዒልና ክንራገም እንተሓደርና ኣይከሻቕሎን እዩ። ንዕኡ ዘሻቕሎስ፡ እቲ ኣርዑት ካብ ዝባኑ ከየውረድና ውሽጥና ንምጥዓይ ብዛዕባና እሞ ድማ ካብ ልብና ክንዛረብ እንተኽኢልና ሽዑ እዩ ጉጅለ ህግደፍ ከይደቀሰ ዝሓድር። ብሰንኪ ንጉዳይና ርኢና ከምዘይረኣና ኮይና ክንሓልፍ ምጽናሕና ዝኸፈልናዮን ንኸፍሎ ዘለናን ዋጋ ቀሊል ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ቃለዓለማዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ውድባትና ሎሚ እውን ኣይሓየላን ድኹማት እየን። ድኻም በቲ ዋናኡ ኣፍልጦ እንተረኺቡ ኣበሳ ዘይኮነስ መምህር እዩ። እንተ ተሓቢኡ ግና ካልእ ለኪሙ ክጠፍእ ናይ ግድን እዩ። ድኽመት ኣብ ደንበ ተቓውሞና፡ ብብዙሕ ኣገባብ ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቲ ዝኸበደ በሰላ ናይቲ ድኽመት፡ ኣብ ልቢ ናይቲ ካብ ለውጢ ረብሓ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ቦታ ክንረክብ ዘይምኽኣልና እዩ። ህዝብና ኣብዚ እዋን’ዚ “ለውጢዶ ትደሊ ኢኻ?” ክበሃል እንከሎ፡ መልሱ ብዘየማትእ “እወ እደሊ እየ” ዝብል ከም ዝኸውን ብቐጻልን ንጹርን ቋንቋኡ ኣሚቱልና እዩ። “እሞ እቲ ለውጢኸ ብመንዩ ክመጽእ?” ዝብል ሕቶ እንተ ኣስዒብናሉ ግና፡ መልሱ “እንድዒ” ዝብል ናይ ዝሓርበቶ ኣካል መልሲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ንሕና እቶም መሪሕ ግደ ከም እንጻወት ዝኣወጅና ኣካላት ሓርቢቱና ኣብ ኣቕጣጫኡ ዘይተፈለጠ መኼዳ ከነኹድድ እንከለና፡ እቲ ኣብ ቀጥታዊ ኣርዑት ሓጺን ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና እንተሓርበቶ የምሕረሉ እዩ እኳ ተዘይበልና ኣየኽፈኣሉን እዩ። ንድኽመት ፖለቲካዊ ውድባትና ክገልጽ እንከለኹ ኣበሃህላይ ሓፈሻዊ ኮይኑ፡ እቲ ጽዕነት ናይቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ብደረጃታት ከም ዝፈላለ ዘንጊዐ ኣይኮንኩን።

ብግቡእ ዘይረገአ ጸባ ሓቚንኳ ጠስሚ ከም ዘይርከብ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ንሕና ግና ሓደሓደ ግዜስ እቲ መባእታዊ ነገራት እውን እንዳጠፈኣና ነዚ መስርሑ ብግቡእ ዘይሓዘ ውዳበታት ኣላጊብና ዘድምዕ፡ ናይ ሓባር ግንባር ድዩ፡ ኪዳን ወይ ጻላል ክንምስርት ንምነ። ተግባር ዝያዳ ዘይጭበጥ ትምኒት ስለ ዝዛረብ ግና እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ውድባትና ዘሎ ስንፍና ተኣኪቡ ሓያል ውሕጅን ህቦብላን ፈጢሩ ሰንከልከል ከብለና ንዕዘብ ኣለና። ኣይኮነንዶ ሓደራ ህዝቢ ዝስከም ፖለቲካዊ ምቅርራብ፡ ሓዊ እውን ምስ ኣጐድካዮ እንተዘይ ኣንበድቢድካዮ እቲ ካብ ሓዊ እትጽበዮ ብርሃን ድዩ ሙቐት ኣይርከብን እዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ተመኩሮ፡ ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን ርኢና ከም ዘይረና ክንሓልፎ እንተዘይኮይና ተነጊሩና እዩ። እንተኾነ ናይዞም መድረኻት ተዋሳእትን ኣለይትን እውን ነቲ ብመንጽር ትጽቢት ኤርትራን ህዝባን ዝየሕጉስ ተመኩሮኦም ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ዓባቢጠምዎ ክሓልፉ እንተደለዩ፡ እቲ ኩነታት ግና ይርእዮም ከም ዘሎ ከስትብህሉ መተገብኦም። ነዚ ኩነታት ኣብ ክንዲ ተመሊስካ፡ ጉዕዞኻ ኣህዲእካን መሚኻን ካብ መሰረቱ ከተእርሞ ምፍታን፡ መመሊስካ ነቲ ኣብ ዘዝኸድካዮ ኩርናዕ ዝጸንሓካ ጌጋታት፡ ጌጋ ምውሳኽ፡ “ዘየለኻ ክነስኻ ኣለኹ እምበር” ካብ ምባል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። መሰረቱ ዘይጠዓየ ንቕሎ ኣብ መስርሕ፡ ነቲ ክትልግብ ነቲ ክትውትፍ ዝግበር ጻዕሪ ግዜን ጉልበትን ካብ ምብላዕ ሓሊፉ ጠቕሚ ከም ዘየብሉ እነሆ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ።

እዞም ዝጠቐስኩዎም ናይ ምቅርራብ ተበግሶታት “ስለምንታይ ክዕወቱ ኣይከኣሉን?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ነዊሕ ዝርዝር ስለ ዘለዎ ሕጂ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፈይ ኣይክትንክፎን እየ። ፈውሲ ግስም ሓደ ጉዳይ ንምጥቃስ ግና “ናብ ምምስራት ናይዚ ግንባራት ከነንቅድ እንከለና፡ ኣብ ክንዲ በዚ መሳርሒ ኣቢልካ ንጉጅለ ህግደፍ ክትስዕር ምምዕዳው፡ ንሓደ ካብቲ ምሳኻ ዝወፍር ግና ድማ ብርኢቶ ዝፍለየካ ውድባት፡ ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ምድኻም ቅድሚት ምስራዕ ብሩህ መርኣያ ናይቲ ዘይምዕዋት እዩ። ነዚ ዝምልከት ኣብነት እንተዘይጠቐስካ ዝብለኒ ኣካል እንተልዩ፡ ንተሳትፎ ናይ ሽዑ ኣቦመንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኮንፈረንስ ብሩሰልስን ኣንጻሩ ዝተደርበየ ዘይምኽኑይ ኣእማንን ዘኪረ እየ ዝሓልፍ። እዚ ዘሕዝን ግጉይ ኣሰራርዓ ጐንጽታት፡ ናይቶም መሃዝቱ ድኽመትን ብናይ ህዝቢ ዕድል ምጽዋትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተንኮላቶም እውን ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ እዩ። ንድኽመትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ተንኮል ክወሰኾ እንከሎ እቲ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝኸውን ዝርዝር ዘድሎ ኣይመስለንን። ንመጻኢ’ውን እዚ ተንኮልዚ ክሳብ ዘይተወገደ፡ እቲ ዝምስረት ግንባር፡ መድረኽ፡ ምሕዝነት፡ ባይቶን ጽላልን ዝኾነ ስም ይጠመቕ ኣብ ድልዱልን ፍልልያት ዝጸውርን ባይታ ክሳብ ዘይተመስረተ ኣይክዕወትን እዩ፡ ምባል ካብ ተመኩሮኻ ክትመሃር ምብቃዕ እምበር ሕማቕ ምምናይ ኣይኮነን። ካብ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ተበጊሰ ከምዚ ብምባለይ “ነጋሪ ሕማቕ ፋል” ከምዘይትብሉኒ ተስፋ እገብር። ነዚ ክውንነትዚ ከምቲ ዘለዎ ኣቕሪብካ ኣብ ክንዲ ትመሃረሉ፡ ካባኻ ከተርሕቖ ጥራይ ምፍታን ከኣ ብግዜኻ ካብ ምጽዋት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ኣብ ባህልና ነቲ ሓቂ ከም ዘለዎ ምቕባል፡ ኣድላይ ግና ድማ ከቢድ ምዃኑ ንምብራህ “ሓቂ ተዛረብ’ሞ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ” ይበሃል እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ንሃይማኖታዊ፡ ብሄራውን ከባቢያውን ብዙሕነት ካብቲ ዝግበኦ ንላዕሊ ብምምጣጥን ልዕሊ ዓቕሙ ቦታ ብምሃብን ክሳብ ክንደይ ንሻቐል ከም ዘለና ንሪኦ ኣለና። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ምስ ጉዳይ እዞም ዝጠቐስኩዎም ስምዒታት ብምድብላቕና ዘዝሓሰብናዮ ኣብ ፍረ ከከይበጸሐ ዝብተነና ዘሎ ከይኣክል፡ ጸገምን መፈላለዪ ስምዒታትን ከም ዝውሓደና፡ ካልእ ንሓቢርካ ንናይ ሓባር ዕላማ ምውፋር ዘሰኩን ተወሳኺ ዕንቅፋት ክትፈጥር ከይደቀስካ ምሕዳር ዘገርም እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ቅድም ኢሉ ብዙሕ ዘይዝረበሉን ዘየሰንብድን ዝነበረ ኣውራጂዊ ፍልልያት ዝበሃል ሓዲሽ ቁንቁኛ ብዘሕዝን መልክዑ ምቅልቓሉ ስለ ዘሻቐለኒ እየ ኣምበኣር ንኣርእስቲ ጽሑፈይ “ኣብክንዲሓድሽፍታሕስ፡ሓድሽጸገም፡ስለምንታይ?” ክብሎ ተገዲደ ዘለኹ’ሞ እስኪ ኩልና ንሕሰበሉን ንጨነቐሉን። ከምቲ “ብውሽጥኻ እንተሕዚንካ ንብዓት ኣይኣብን” ዝበሃል ብልቢ እንተተሻቒልና መዋጸኦ’ውን ክገሃደልና ስለ ዝኽእል።

6 ሕዳር 2014

Last modified on Thursday, 06 November 2014 23:13