ኣቦ መንበርን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ፡ ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን፡ ብ14 መስከረም 2014 ንዝኽሪ መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብክብ ዝበለ ድምቀት ኣብዒሉ።

መስከረም ከም ኩለን ኣዋርሕ ፍልይ  ዝበለ ተዘክሮታት ኣለዋ።  ኣብ ህይወትን ናብራን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ዓለም ለኸ ፍሉይ ዝገብራ  ብባሕቲ መስከረም ማለት  1-9-1961 ዝጀመረ ብረታውን ንቕሎ ናይ ሓርነታዊ ቃልስናን ብምዃና እዩ።  ከምእ እውን  ቅድምን ደሓርን ክሳብ እዛ እዋን ኣዚኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዝለዉ ተዘክሮ ዕለት 18ን፣  ብዙሓት ተበግሶታት እውን ዝተኸናወነላ ወርሒ እያ። ሓደ ካብ ተበግሶታት ካብ ዕለት 28-29-ወርሒ 8 2014 ጀሚሩ ክሳብ 1 -09- 2014 ንሰለስተ መዓልቲ ሰሚናር ዘከናወነ  ቦሎኛ ፎርም እዩ።

 

Paltalk Eritrean Harnet Discussion Room  ንቀዳምን ሰንበትን ዕዱማት ኣጋይሽና

 ዕዱም ጋሻ፡-   ኣቶ ኩሉብርሃንኣብረሃምተወልደመድህን

ንዕለት፡-      ቀዳም 13-09-2014

ዛዕባ፡-        ኣዓዋቲስትራተጂንዲሞክራሲያዊለውጢ

ዕዱም ጋሻ፡-   ዳንኤልገብረሚካኤል

ንዕለት፡-      ሰንበት14-09-2014

ዛዕባ፡-        ውጽኢት ናይ ቦሎኛ ኮንፈረንስ

ሰዓት ፡-      20፡00 ብበርሊን ኣቆጻጽራ

ብደሓን ምጹ

Invites all:-      

Guest speaker:  Kulluberhan Abrham Teweldemedhin

Topic:                  Successful Strategy for democratic change

Date: -               Saturday    13-09-2014

Guest speaker:  Daniel Ghebremichael

Topic:                  Results of Bologna summit

Date: -               Sunday   14-09-2014

Time:-               20:00 Berlin time   

                          02:00 New York  

                          11:00 Vancouver   Everyone is welcome

 

أمسيتين حواريتين في حارنت بال

 

تدعو غرفة حارنت بال للحوار جميع المهتمين بالشأن الوطني الإرتري إلى أمسيتي حوار رصين.

يوم السبت 13-9-2014 ورقة حوارية تحت عنوان: الاستراتيجية الناجعة للوصول إلى التغيير الديمقراطي يقدمها السيد كلوبرهان أبراهام تولدي مدهن

يوم الأحد 14-9-2014  ورقة ثانية تحت عنوان: مخرجات كونفرنس بولونيا 2014 يقدمها السيد دانئيل قبريميكائيل.

بداية الندوتين ستكون في تمام الثامنة مساءاً بتوقيت برلين والعاشرة بتوقيت إرتريا.

 

ترحب بجميع الضيوف والمتحاورين من أجل بناء أرضية صلبة للرأي والرأي الآخر.

እዚ ቀዳማይ ጸሓፊ ኣብ ናይ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ኤምባሲ ክሰርሕ ዝጸንሐ  ዲፖሎማት፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ንሃገር ሽወደን ገዲፉ ክወጽእ ተኣዚዙ ኣሎ። እዚ ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 5 መስከረም 2014 ብናይ ሽወደን ተለቭዥን ወጺኡ ዘሎ ዜና፡ ብወጻኢ ጉዳይ ምኒስትሪ ሽወደን፡ ዲፕሎማትን መንግስቱን ስለምንታይ ከም እተስጎን ከይገለጸ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማት ሃገር ገዲፉ ክወጽእ ከምዝኣዘዞ ኣራጋጊጺ።

ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም፡ ዓለም ብብርሃና ኣብ ጸልማት ወዲቖም ራህዋ ኣብ ዝጽውዕሉ ዘለዉ መድረኽ ኢና እንርከብ። እቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከብድኻ ዝበልዕ ናይ ኣርህዉልና መጸዋዕታ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ፡ ናብ መላእ ዓለም ዝቃላሕ ዘሎ እዩ። ቀንዲ ግና ናብቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝምድናዊ ራህዋ ዘለና ኤርትራውያን እዩ ዘቕንዕ። ምናልባት ናይቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ሻቕሎት ዝወረሮ ዝምድናዊ ሰላም ዘለና ዓቕሚ ውሱን እንተኾነ እውን ንሕና ኢና ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል ኮይና፡ ነቲ ናይ ህዝብና ናይ “ኣድሕኑና” መጸዋዕታ ሓይሊ ወሲኽና ዝያዳ ከነቃለሖ ዝግበኣና። ቅድሚ ነቲ መጸዋዕታ ናብ ካለኦት ምትሕልላፍ፡ ግና ንሕና እቶም ቀዳሞት ሰብ ጉዳይ፡ በቲ ውሱን ዓቕምና እንኽእሎ ናይ ምግባር ግድነት ከም ዘለና ክንስሕት ኣይግበኣናን። ዓቕሚ ተዘይስኢኑ ካብዚ ንድሕሪት ዝብል ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ጸዋዒትካ ሰማዒ ዝረክብ’ውን ቅድም እትኽእሎ እንዳገበርካ፡ እዚ ኣለኒ እዚ ግና መልኡለይ ክትብል እንከለኻ እምበር ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ብምእዋይ ኣይኮነን።

ኣቐዲመውቕ ሰላምታይ አቕርብ።

ኣስዒበ፡ ኣብ'ዚ ፈስቲቫል'ዚ ንምስታፍ ንዚተገብረልና ዕድመ ብልቢ አመስግን። ኣብ'ዚ ሃገራዊ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ምትእኽኻብ'ዚ፡ ብስም መድረኽ ሃገራዊ ዘተ መልእኽቲ ምሕዝነት ከቕርብ ድማ፡ ዓቢ ደስታ ይስምዓኒ።

ኵላትና ከም እንፈልጦ፡ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ደንደስ ጸድፊ፣ ህዝብና ኣብ ሕሱም ስቓይ ኣለዉ። ጠለብን ቃልስን ህዝብና፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ቆራጽ ፈተነ ወዲ ዓሊ፡ ተባዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳሳትና፡ እዚ ናትና ምትእኽኻብ'ዚ፡ ህያው መርኣያታት ናይ'ዚ ተርእዮ'ዚ ኢዮም።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን

ክቡራት ኣቦታትን ኣዴታትን

ክቡራት ደቂ ሃገር ብሓበራ

ብቐዳምነት እንቋዕ ናብ መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቅዓና። ኣስዒበ ድማ፡ እዚ ፈላሚ ተጋድሎ'ዚ፡ ብሳላ ዝረኾቦ ህዝባዊ ደገፍ ዓብዩን ጐልቢቱን ብ1991 ዓ.ም ንሰራዊትን ጐበጣን ባዕዳዊ ገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ደምሲሱ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን ስለዝገበረ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ዮሃና፣ ንሰማእታትና ድማ ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ከብጽሕ ኣፍቅዱለይ።

ከም መእተዊ ክኾነና ብኣኡ ንጀምር እንተዘይኢልና፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣሻዅ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ ስለ ዝኾነ ምጥቃሱ’ውን ኣድላይ ኣይምኾነን። ብዛዕባ “ከመይ ጌርና ካብዚ ዘለናዮ ናይ ሻቕሎት ሃለዋት ናብ ራህዋ ንበጽሕ” ዝብል ግና ጌና ክዝረበሉን ክጸሓፈሉን ዝግበኦ እዩ። እዚ እውን ከም ሓድሽ ኣይኮናን ንግደሰሉ። እንታይ ደኣ ካብ ምጽሓፍን ምዝራብን ሓሊፍና እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይረኽብናዮ፡ ክሳብ ንረኽቦ ከነኮማስዖ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ጀላቡ ልዕሊ 300 ዝዀኑ ስደተኛታት ጥሒሎም። ብድሕር'ዚ ሓደጋ'ዚ፡ ብሰሉስ ዕለት 27 ነሓሰ 2014፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንህይወት ኣድሕን ስርሓት መንግስቲ ጣልያን ዝውዕል ሓገዝ ክውስኽ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

 

“ከም ቤትካ እምበር ከም ጐረቤትካ ኣይንበርን እዩ” ዝብል ናይ ወለድና መስተውዓሊ ዘረባ ብዙሕን ዓሚቕን መልእኽቲ ዘለዎ ምዃኑ ንጹር ኮይኑ፡ እውልል ኣቢልካ ከተስተማቕሮ እንከለኻ፡ ኣብ ኢድካ ዘሎን ባዕልኻ ንእተመሓድሮን ዓቕሚ ኣይትንዓቕ ዝብል ረዚን መልእኽቲ ከም ዘለዎ ዘካተዓና ኣይመስለንን። ኣብ ኢድካ ንዘሎ ኣይተስተናዕቕ ማለት ድማ ንንዋያዊ ወይ ገንዘባዊ ሃብቲ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ ንኣተሓሳስባን ንተቐባልነትን ኣብ ሓደ ጉዳይ እትሕዞ ሚዛንን እውን ዘጠቓልል እዩ።