ሽወደን ንሓደ ኤሪትራዊ ዲፕሎማት ስጉጓ

2014-09-05 19:18:37 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ካብ ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 30974 times

እዚ ቀዳማይ ጸሓፊ ኣብ ናይ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ኤምባሲ ክሰርሕ ዝጸንሐ  ዲፖሎማት፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ንሃገር ሽወደን ገዲፉ ክወጽእ ተኣዚዙ ኣሎ። እዚ ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 5 መስከረም 2014 ብናይ ሽወደን ተለቭዥን ወጺኡ ዘሎ ዜና፡ ብወጻኢ ጉዳይ ምኒስትሪ ሽወደን፡ ዲፕሎማትን መንግስቱን ስለምንታይ ከም እተስጎን ከይገለጸ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማት ሃገር ገዲፉ ክወጽእ ከምዝኣዘዞ ኣራጋጊጺ።

 

እንተኾነ ጋዜጣ ተልግራፍ ሽወደን ንዝተፋላለዩ ነጻ ምንጭታት ብምሕታት ናይ ኤርትራ ዲፕሎማት ኮይኑ ቀዳማይ ጸሓፊ ምዃኑን ኣብሪሁ። እዚ መስርሕ ንነዊሕ ግዜ ክሕሰበሉ ዝጸንሐ ምዃኑውን ስሙ ንኸይጥቀስ መብጽዓ ዝተኣትወሉ ሰብ ከም ዘራጋገጸሉ ግዜጣ ተለግራፍ ገሊጹ። ዲፕሎማት ምስጓግ ንቡር ኣይኮነን። ብዝግብሮ ገበን ኣብ ቤት ፍርዲ ክኽሰስ ዝከኣልውን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ግን ኣድላይነት የብልካን ማለት ፐርሱና ኖን ግራታ ተባሂሉዩ ዝስጎግ።

ብዝሑሃት ሽወደናውያን ኤርትርትራውያን ከም ዝምስክርዎን ዝነብርዎን ኤምባሲ ኤርትራ በኣስገዳድ 2% ግብሪ ከም ዘኽፍል እንተዘይከፍሎም ድማ ዝኾነ መንነት ኤርትራዊ ከምዘይህቦምን ወሎድም ወይ መቕርቦም ኣብ ኤርትራ እብ ጸገም ከምዝእትዎምን'ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ኤርትራውያን ናይ ስለላ መርበብ ዘርጊሑ ኣብ ልዕሊ ኣዚዩ ጸቓጢ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ነቐፈታዊ ኣረኣእያ ንዘለዎም ከም ዝስሊውን ይፍለጥ። እዚ ስርዓት በቲ ንኤርትራዊ ጋዘጠኛ ዳዊት እሳቕ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣሲሩ ምህላውዩ ዝልለ።

Last modified on Monday, 08 September 2014 06:59