ተጋዳላይ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊለይቲ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2014 ብሞት ካብ'ዛ ዓለም ምፍላዩ፡ ንቤተሰቡን ንመቓልስቱ ደልዪቲ ፍትሕን ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ተረኽቦ ኢዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ'ቲ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
ስውእ ተወልደ ቫካሮ ብስጋ እኳ ካባና እንተተፈልየ፡ ብመንፈስ ግን፡ ዝኽሩ ነባሪ ኢዩ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
23 ጥቅምቲ 2014
نعي أليم
تلقت قيادة حزب الشعب الديمقراطي الارتري ببالغ الحزن والأسى نبأ وفاة المناضل/تولدي تسفاماريام (ودِّي فكارو).
وأمام هذا الفقد الوطني الجلل لا يملك حزبنا إلا أن يشارك أسرة الفقيد الأحزان متمنياً للفقيد الرحمة ولأسرته وشعبه جميل الصبر وحسن العزاء.
منقستئاب أسمروم
رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري
23 اكتوبر 2014م
ብዕለት 12-10-2014 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዝተሳተፉዎ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ሓጅ ሳልሕ እዩ ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩምን አጀንዳ ኣኼባ ብምግላጽን ተኸፊቱ።

ቀጺሉ፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ብምልውዋጥን፡ መለለይታት ሰልፍኻ ምፍላጥን ዝብሉ ኣርእስትታት ብምልዓል ኣስተምህሮታት ብምቕራብ ስሩዕ መደብ ኣኼባ ተኻይዱ።
ኣብቲ ቀዳማይ ኣርእስቲ ናይ ሓበሬታታት ምልውዋጥ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምሉእ ዓለም ክካየድ ዝቐነየ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱሳ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ናይ ጀርመን ከተማታት ዳርምሽታትትን ፈራንክፎርትን ቃሬዛታት ሒዝካ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ነቲ ጠንቂ ናይ‘ዚ ኩሉ ጸገማት ዝኾነ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን፡ ብስም ኣገልግሎት ዝካየድ ዘሎ ባርነትን ውርደትን መንእሰያትናን ዝገልጽ፡ ብመንእሰያት ዝቐረበ ድራማን ከም ዝነበረ ተንቲኑ ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ ኣብቲ ህልቂት ዝተፈጸመሉ ደሴት ላምፓዱዛ ዝተኻየደ ዝኽሪ፤ ተሳትፎ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ፍራንሲስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳን ሰበ-ስልጣን ጣልያንን ንስደተኛታት ዝምልከት ዘቕረብዎ መግለጽን ድሕሪ ምሕባር፡ ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው ወልደሱስ ዓማርን ካልኦት ተወከልቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትንውን ተሳቲፎም ምንባሮም ገሊጹ። መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲከኛታት ሕብረት ኤውሮጳን ንዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ብዘስካሕክሕ ጥፍኣት ክዝክሩ እንከለዉ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ግን ብሩሑቕ ይኹን ብቐረባ ዘይምዝካሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣባላቱ ዕጅብ ከይበሎም ኣብ ጀርመን ከተማ ጊስን ንጓላይን ዕንደራን ዝኸውን መደባት ሰሪዖም ኣብ ትልሂት ምሕዳሮም፣ ናይ ሕፍረት ሕፍረት ምዃኑውን ኣዘኻኺሩ።
ብተወሳኺ ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ኩሉ ጸገማት‘ዚ ክፍታሕ ዝኽእል፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምቕያሩ ብምቅላስ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ከም ውዑይ ሓይሊ መጠንን ተካእቲ ወለዶ ብምዃኖምን ተቢዖም ክቃለሱ ሓላፍነት ክወስዱ ከም ዘለዎምን ተማሕጺኑ። ኣብ ርእሲዚ‘ውን፡ ገለ መንእሰያት፡ ካብቲ ናይዚ ኩሉ ናይ ምድረበዳን ባሕርን ህልቂት ጠንቂ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኣምሊጦም ከብቕዑ፡ ኣብ ዝዕቆቡሉ ቦታ በጺሖም ኣብ ስደቶም ናይ ምንባር መሰላቶም ምስ ኣረጋገጹ፡ ተመሊሶም ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ክትርኢ ከሎኻ ኣዝዩ ሕማቕን ዘሕፍርን ተግባር ስለ ዝኾነ፡ ኩላቶም መንእሰያት ካብዚ ጌጋ ስጉምቲ‘ዚ ተቖጢቦም ኣብ ዝመረጽዎ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ውዳቤታት ጸኒዖም ክቃለሱ ተላብዩ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ መንእሰያት ክብሮምን ፌቨንን፡ ኣባላት ጨንፈር ሽማግለ ብወገኖም፡ ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሎም፡ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዘሎ ናይ ኣቀላልሳ ሃለዋቶምን፡ ብሕጂ ከኣ ከም ናይ ቃልሲ ተካእቲ መጠን ክገብሩዎ ዝግባእን ብምጥቃስ አተባባዕን መሃርን መግለጺ ኣቕሪቦም።

ካብዚ ብምቕጻል፡ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ናይ ኣጀንዳ ብምእታው፡ መለለይታት ሰልፍኻ ምፍላጥ ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓል፡ ብፍላይ ንሓደስቲ ኣባላት ኣስተምህሮ ክኸውን ዝኽእል ፖለቲካውን ማሕበራውን መለለይታት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕብር ሰፊሕ መግለጺ፡ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ቀሪቡ። ኣብ ርእሲኡ‘ውን ገለ ኣባላት በብተራ ተወሳኺ መብርሂታት ብምቅራብ፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ሰልፎም ዝህልዎም ተረድኦን ኣፍልጦን ንኽሰፍሕ ሓጋዚ ግደ ኣበርኪቶም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት መሪሕነት ጨንፈር፡ ብዛዕባ ኣገባባት ስርርዓዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንጨንፈር ዝምልከት መግለጺ ብምሃብ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።
ንጉጅለ ህግደፍ እንኸሰሉ ምኽንያታት ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ፍሉጥን ቅድሚ ሕጂ ደጋጊምና ዝዘርዘርናዮ መዓንጣ ከብድና ዘሕረረ ስለ ዝኾነ ሕጂ መሊስካ ምድግጋሙ ኣድላይ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ኣጠቓሊልካ ንምስፋሩ ግና “ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ሎሚ ኩነታት ዘይድህስስ፡ ናይ ጽባሕ ዘይእምትን ኣብ ናይ ትማሊ ኩነታት ክነብር ዝህቅን ካብ ናይ ሎሚ ውድዕነት ክሃድም ዝፍትን መታለሊ እዩ” ኢልካ ገሊጽካዮ ምሕላፍ ዝከኣል ይመስለኒ። እዚ ጉጅለ ነቲ ናይ “ሪትለስ ወይ ንድሕሪት ተመለስ” ጉዕዘኡ ብዙሕ ስም እዩ ዝህቦ፡ ኣበሩ ንምሕባእ ዝምህዞ ማእለማታት እውን ከምኡ ብዙሕ እዩ። እቲ ጉጅለ በታ ብሕታዊት ተሓቢኡላ ዘሎ ልሳኑ ኤሪ-ቲቪ ኣቢሉ፡ ንሓንሳብ መደብ “ጉዳያት ብጋህዲ” ንሓንሳብ ድማ መደባት “መርሓባ” ይምህዝ። ንውርሻን ያታን ዝግደስ መሲሉ ክቐርብ ድማ ይመጣጠር። እቲ ናይ ዝሓለፈ ገድሊ ያታን ውርሻን ምዝካርስ ንሕናውን ኣይመጸላእናዮ። ግና ብዋጋ ምሕባእ ህልዊ ኣጸጋሚ ኩነታት ህዝብና ክኸውን እንከሎ ምትላል እዩ ዝኸውን’ሞ ንቃወሞ። ጉዳይ ህልቂት ደሴት ላምፓዱሳ ጓሲኻ፡ ብዛዕባ ሓደ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእን ሽዑ ዝተማረኸ ኣጽዋርን ክትዛረብ ምውዓልስ ምስ ምንታይኮን ይቑጸር።
ኣብ 60ታት፡ “ለኣሎ ላሎ፡ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ፡ እቲ ገዛና ዓብዪ ህድሞ ቁንጪ ቱኻን መሊኦሞ፡ ሽገይ ሃቡኒ ኣይተታልሉኒ … ወዘተ” ክድረፍ እንከሎ፡ መግለጺ ናይቲ ሽዑ ኣብ ልቢ ህዝብና ተደጒሉ ዝነበረ ሃረርታ ነጻነትን ትጽቢት ሃገርነትን ስለ ዝነበረ እዋናውነቱ ዘዳዲ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ልብን ቀልብን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክሳብ ሎሚ ምድሙድ ቦታ ረኺቡ። ከምቲ ዝነቐለሉ ድማ ኣድሚዑ። ከምቲ “እንዳ ኣንበሳስ ዓጽሚ ኣይሰኣኖን” ዝበሃል፡ እቲ ናይ ሽዑ ርሾ ፍቕሪ ሃገር ሎሚ እውን ካብ ሕልና ህዝብና ኣይተሓኸኸን እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ቀጻልነቱ ግና ዘተሓትት እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ደርፍታት ኣብዚ ሎሚ ህዝብና ዘለዎ ኩነታት ቅድሚት ሰሪዕካ ከተቃለሖ ምፍታን ዕላምኡ ንህዝብና ንድሕሪት ክትመልሶ ምፍታን እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም ክወህቦ ኣይከኣልን። ሎሚ ህዝብና ዘለዎ ኩነታት ተመዚኑ ንዓኡ ዘንጸባርቕ መዝሙር፡ ዜማን ግጥምን እንተ ዝዝውተር ኣብ ልቢ ህዝብና ቦታ መረኸበ “ኣብዚ እነኻ ዘረባ” ድማ መተባህለሉ። እቲ ምስ ናይ ሎሚ ርኡይ ኩነታቱ ዘየሳኒ ዜማታት ክሰምዕ እንከሎ ህዝብና “እንታይ ዋጋ ኣለዎ ሽዑስ ግዜ ነይሩ፡ ንሕበን ድማ ኔርና፡ ሎሚ ግና ብሰንኪ ባዕልና ተማህሊልና ዘምጻእናዮ ጉጅለ ህግደፍ ከምሽንቲ ገመል እንዲና ንድሕሪት ተመሊስና፡ ናይ ሎሚ ግዳ ዘይንገብር” ናብ ዝብል ጣዕሳ እዩ ዝወስዶ። እዞም ነዚ ዘሳስዩ ዘለዉ በዓል ኣስመሮም ሃብተማርያም ድዩ ኢንጅነር ኣስጐዶም ወልደሚካኤል፡ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ወይ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣብ ልቢ ህዝብና ሞያዊ ቦታ ንክረኽቡ፡ “ ፍሽኽታ ኣመለይ ወይ እምኒ መሲሉካ ከይትረግጽ ዓፍራ” ንዝብሉ ግዜ ዘይሓለፎም ማዕረ ህልዊ ስምዒት ህዝብና ዝጐዓዙ፡ ዜማታት ግቡእ ቦታ ክህብዎ ምተገብኦም። ምስ ህግደፍ ኣይመሳነዩን ብህዝብና ግና ክብሪ ኣምበይተፈልዮምን። ካብኡ ሓሊፎም ቀደም ናይ ህዝቢ ትርግታን ክውንነትን ዳህሲሶም ሃገራዊ ምልዕዓል ከም ዘይፈጠሩ፡ ሎሚ ናይ ሓደ ገበነኛ ጉጅለ ኣበር ሓባእቲ ኮይኖም ክልተሻብ ካብ ዝረኣዩ ስቕ መሓሾም። “ይገርመና ኣሎ” ንዝብል ዜማ ቦታ እንተዝህብዎ’ሞ ከከም ተርጓሚኡ እንተዝትርጎም’ውን ኣምበይመኸፈአን።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ተስፋኡ ጸንቂቑ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ልቢ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይርህርህ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተረዲእዎ እዩ። ከም መግለጺ ናይ’ዚ ዘሻቕል ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ኣማንየይ “ነዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባራትሲ ከመይ ትርእዮ?” ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ “እዚ ሓደ ስርዓት ኣሪጉ ናብ ሞት ገጹ ብቕልጡፍ ክጐዓዝ እንከሎ ዘርእዮ ምልክት’ዩ” ኢሉ ዝመለሰለይ ንዝነበረኒ ግምት ኣድሚቑለይ። ሕጂ ህዝብና ናብቲ “ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊደ ለውጢ ከረጋግጽ እየ” ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ደንበ ተቓውሞ እዩ ብምሉእ ልቡ ዘጨናጭን ዘሎ። እሞ እዚ ደንበ ተቓውሞኸ ልቢ ኤርትራዊ ኣረስሪሱ ነቲ ወሳኒ ፈተና ክሓልፎ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን? ጌና መዕለቢ ዘይረኸበ ኣብ መስርሕ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ወዮ በቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጠልሞ፡ ግዲ ሰኪሑ፡ ንመብጽዓታት ደንበ ተቓውሞ ሃንደፍ ኢሉ ክቕበሎ እንጽበዮ ኣይኮነን። ህዝብና “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ከይኮኖ እንተተጠራጠረ ኣይፍረዶን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሕልሚ ፈሪሕካ ካብ ድቃስ ምህዳም ከም ዘይከኣል፡ ህዝብና”ውን እምብዛ ከይረሓቐ፡ ንውድባቱ ገናጺሉ ብምርኣይ “እዚ ጥዑይ እዚ ግና ኣይፋሉን” ናይ ምባልን ምስቲ ጥዑይ ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ከም ዘሎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ከምኡ ዘይምግባር ግና ተሓታትነት ከስዕብ ባህርያዊ’ዩ። ደንበ ተቓውሞና ከዓ ኣብ ልቢ ህዝብና ቦታን ተቐባልነትን ንክረክብ ኣዝዩ ግሉጽ፡ ጸዋር፡ ገዳፍ፡ ሓላዪን ሓላፍነታውን ዋጋ ምኽፋል ይጽበዮ ከም ዘሎ ክግንዘብ ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝቐበጸ ጥራይ ሓላይን ደጋፍን ደንበ ተቓውሞ ክኾነልካ ምጽባይ ቅቡል ኣይኮነን። ህዝብና ካብ ብእምነትን ግርህነትን ምድጋፍ ፍረ ስለ ዘይረኸበ፡ ንኩነታት ብግብራዊ ውጽኢት ክዕቅኖ ግድን ክኸውን እዩ። ተቓውሞና በታ ውስንቲ ዓቕሙ’ውን፡ ኣብ ልብን ቀልብን ህዝብና ቦታ ንምርካብ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝያዳ ሓላይ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋግጽ ተግባር ክፍጽም ይግበኦ። ህዝብና ነዚ መረጋገጺ ክሳብ ዘይረኸበ ኣይምስ ህግደፍ ኣይምስ ተቓውሞ ናይ ምዃን ኩነት ዘይፍጠረሉ ምኽንያት የለን። ድሮ ነዚ ዝመስል ምልክታት ስለ ዘሎ እዩ ድማ “ተሳትፎ ህዝብና ኣብዚ ቃልሲ ከም ዘንቀሳቕሶ ማዕበል ስለ ዝሰኣነ ዝረግአ ባሕሪ” ዝምሰል ዘሎ።
ናይ ሓደ ሓይሊ ወይ ውድብ ብቕዓት ዝልከዓሉ መምዘንታት፡ ከከም መድረኹን ናይቲ ዝተሰለፍሉ ቃልሲ ባህርን ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት እቲ ጐሊሑ ዝመጽእ መምዘኒ ናይ ሓደ ውድብ ብሓይሊ ናይ ጸላኢ መዛግብ ምፍራስን ቦታታት ምሕራርን ናይ ብቕዓት መምዘኒ ነይሩ። ሓቂ እዩ ድማ እቲ መድረኽ ከምኡ ዝጠልብ’ዩ ነይሩ። ንህዝቢ ባህግታቱ ኣለሊኻ ኣብ ጐንኻ ንምስላፍ ምንቃሕ፡ ምውዳብን ምንቃሕን እውን ከምኡ ካብ ቅድም ካልእ መምዘኒ ነይሩ። እቲ ናይ ቃልሲ እዋንን ናይ ቃልሲ ባህርን ክቕየር እንከሎ ድማ እቲ በሪኹ ዝረአ ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ናይ ብቕዓት መምዘኒ ሓቢሩ ዝቕየር’ዩ። ክምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና፡ ነቲ ናይ መድረኽን ባህሪ ቃልስን ለውጢ ኣብ ግምት ከየእተኻ ኣብቲ ግዜኡ ዝሓለፎ መምዘኒ ተወጢሕካ ምንባር ግና “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ነቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ “ኣብዚ ኣለኹ” ዝብል እዋናዊ ሕቶታት ዝምልስ፡ ናይ ነበረያነበረ ኣረግቶት ታንክታት ከሰልፍ ዝሃልኽ ማለትና እዩ።
ብናተይ ርኢቶ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ እቲ ናይ ብቕዓት መምዘኒ ክኸውን ዝግበኦ ነቲ ቀንድን መሰረታውን ሕቶታት ከከም ክብደቱ ክትምልስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣየናይ እዩ እሞ እቲ ቀንዲ መድረኻዊ ዕማም ኣብ ደንበ ተቓውሞ? ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ምምላስ ምናልባት ፍልልያት ክህልወና ይኽእል ይኸውን። ክሳብ ተመሳሳሊ መልሲ ንውንን ከኣ ክንጽዕት ናይ ግድን እዩ። ብናተይ እምንቶ፡ እቲ ቀንዲ እዋናውን መሰረታውን ጉዳይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዚ ብሓባር ክስለፍ ስለ ዘይከኣለ፡ ዓቕሙ ተበቲኑ፡ ክብደቱ ንኢሱ፡ ተቐባልነቱን ከዓ ሃሲሱ ዛህሩ ጠፊእዎ በታ ዝርካባ ዓቕሙ ኣብ ሕድሕዱ ክናቖት ዝውዕል ዘሎ ሓይልታት ብሓባር ከተሰልፎ ምኽኣልን ዘይምኻልን ሓደን ቀንድን ናይ ውድባትና ናይ ብቕዓት መለክዒ እዩ እብል። ካለኦት በብደረጃኦም ዝስርዑ ዕማማት የለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ርኡይ ሓላፍነታዊ ሓቛፊ እጃም ዘበርከት ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር፡ ምናልባት እውን ግዱስ ኤርትራዊ ባእታ “ከምዚ ገይረ እየ” ኢሉ እንተዝንየት ጥራይስ የውዕሎ እምበር መመልከዓሉን ምተመጐሰን በሃላይ እየ። እቲ ዝጽላእስ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ተሰንጠቕኩ ምባልን ኣብ ልዕሊ መሓዛኻ ውድብ ኲናት ከፊትካ መን ከማይ ምባልን እዩ። ሎሚ ሓጥያት ደንበ ተቓውሞና በዚሑስ “ኩዳ ብዘይ ስብራ” ዝብል ምድጋሙ ዘሰክፍ ስም ክወሃቦ እንከሎ ዘየሳሕየና እንተኾይኑ፡ ብሓቂ “ብደውና ሞይትና ወይ ጥዕና ስኢና ኣለና” እንተበልና እንተዘይውሒዱና ይበዝሓና እዩ ኣይብልን።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብዙሕ ዓይነት ኣወዳድባ ኣለና። ኣብዚ ብዙሕነታዊ ኣወዳድባ ዘለና ኣረኣእያ ዝተፈላለየ እዩ። ምናልባት ገሊኡ ውዳበታት ምስ ኤርትራዊ ባይታ ዘየሳኒ፡ ትርግታ ህዝቢ ዘየጨናጨነ እቶም ወደብቱ ካብ ጸቢብ ድሌት ዝፈጠርዎ ክኸውን ይኽእል። ገሊኡ ውዳበ ከዓ ኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝፈጠሮ ካብ ኤርትራዊ ትንፋስ ዝነቅል መግለጺ ብዙሕነትና እዩ። በዚ ይኹን በቲ እዚ ዝተፈላለየ ኣወዳድባ መልክዕናን ግርማናን እምበር መጻልኢና ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ካብ ጸቢብ ባዕላዊ ድሌት መሃዝቱ ዝነቅል፡ ኣብ ኤርትራዊ ኣከዋውና ግና ባይታ ዘየብሉ ውዳበ እውን ክሳብ ኣብ ግዜኡ ህዝባዊ ፍርዲ ዝወሃቦ’ሞ ንወደብቱ ቅቡል ካብ ኮነ፡ ተቐቢልናዮ ብውሕልነት ንሓባራዊ ጉዕዞ ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይዕንቅጽ ኣገባብ ክንቃወሞ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ ዘይገሃስ ሉኣላዊ መሰል መንዚዕና ካብ ሕጂ ካብ መድረኽ ቃልሲ ከነወግዶ ክንፍትን ቅኑዕ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ኣይኮነን። ንሓደ ርኢቶ ኣኽቢርካዮ ማለት ናትካ ገይርካዮ ማለት ከም ዘይኮነ ንፈላለዩ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለኒ። ነቲ ዘይንቕበሎ ርኢቶ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ኣብቲ እዋኑ ህዝቢ ኣእሚና ባይታ ከነስእኖ ክንቃለስ ግና ዝኽልክለና የለን። እቲ ቃልሲ ንሰባት ኣእሚንካ እቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ከም ናቶም ቅኑዕ ገይሮም ከም ዝወስድዎ ናይ ምኽኣሎም ሰላማዊ መስርሕ ምዃኑ ግና ኣይንረስዕ። ኣዚ እምንቶና ንቓለ ዓለም ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብዚ መስርሕ ምእማንን ምትግባሩን ሓደ ካብ በሓቲ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ዝፈልየና፡ ኣውንታዊ መምዘኒ ኮይኑ ክም ዝምዝገብ ከዓ ኣይንረስዕ። እቲ ናተይ ቅኑዕ ንዓኻትኩም’ውን ቅኑዕ፡ እቲ ናተይ ግጉይ ድማ ንዓኻትኩም’ውን ግጉይ እንተዘይኮነ ኢልካ ከተገድድ ምፍታን ግና ብባህሪኡ እምንቶ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ በሃላይ እየ። ከምቲ ወለድና “ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝብልዎ፡ ከሎ ጌና ኢና ነዚ “ብፈቓድ ህዝቢ ዝምእዘዝ” ናይ ብዙሕነት ኣመሓዳድራ ክንርዕሞን ከነኽብሮን ዝግበኣና። እቲ ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና መርገጻትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ኤርትራ ናይ ኩላትና ምዃና እዩ። ብዘይናይኩላትና እኩብ ድምር ኣበርክቶ ድማ ክርህዋ ኣይኮነን። ስለዚ እየ ድማ ኣይንገዳደፍ ንከይንጸድፍ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፡ ቅድሚ ሕጂ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበልኩን ሎሚ ናይዚ ጽሑፈይ’ዚ ኣርእስቲ “ንዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” ኢለዮ ዘለኹ።
ዓይኒ ጸላኢ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት.ኮም ይደፈን
16 ጥቅምቲ 2014
5 ኣባላት ገበነኛ ጕጅለ ነጋዶ ደቂ ሰባት ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ውዒሎም
Thursday, 16 October 2014 11:51 Written by ዶን ማከይ mirro.co.uk | dailymail.co.ukዶን ማከይ mirro.co.uk | dailymail.co.uk
ኣብ ንግዲ ኣካላት ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣብ ቍጽጽር ከምዝወዓሉ ሰበስልጣን ጣልያን ኣፍሊጦም። እዞም 5 ኤርትራውያን፡ ካብ'ቶም ብጀላቡ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ዝነበሩ እሞ ናይ መጓዓዚኦም ወጻኢታት ክኸፍሉ ዘይክእሉ ስደተኛታት ኰላሊታቶምን ካልኦት ክፍላት ናይ ኣካላቶምን እናተቐንጠበ ክሽየጥ ተሓባቢሮም፤ ከምኡ ድማ፡ ካብ'ቶም ምሉእ ናይ መጓዓዚኦም ዋጋ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ስደተኛታት፡ ኣብ ኣውሮጳ ምስ በጽሑ ሰሪሖም ክኸፍልዎ የገድዱ ነይሮም ብዝል ክሲ ተኣሲሮም ምህላዎም ሰነዳት ቤት ፍርዲ የረጋግጹ ይብል ዶን ማከይ።
ብላምፓዱዛ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት 150,000 ኣቢሎም ምዃኖምን ካብኦም ድማ 3,000 ኣቢሎም ኣብ ባሕሪ ከምዝሃለቁ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
እቶም ተታሒዞም ዘለዉ፡ ሚኪኤል ብርሃነ ዝብሃል ተሓዝ ገንዘብ ናይ'ቲ ገበነኛ ጕጅለ፡ ምስ ሃይለ ሰይፉ፡ ርእሶም ገብረሚካኤል፡ ሚኪኤል ሀኖክን ተስፋይ ባህታን ዝተባህሉ ብጾቱ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገዳልያ ቶበር እተባህለ ፍሉጥ ናይ ክፍለ-ኣካላት ናይ ደቂ ሰባት ኣብ ምንጋድ ዝተዋፈረ እስራኤላዊ ኣብ ጣልያን ከምእተታሕዘ ዝፍለጥ ኢዩ። ንሱ ካብ ብራዚል ኰላልቲ ብሕሱር ዋጋ እናገዝአ ኣብ እስራኤል ብኽቡር ይሸጦ ምንባሩ ይዝከር። እቲ መጥባሕቲ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይፍጸሞ ምንባሩ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።
http://eastafro.com/Post/2014/10/14/5-eritrean-gang-members-arrested-for-human-trafficking/
ኣብ ሃወኽን ተርባጽን ዝነብር፣ ንኩነታት ካብ ስነ-መጎት ወጻኢ ከምድላዩ ገይሩ ዘቕርብን፣ እቲ ንሱ ጥራሕ ዝረኣዮ እምበር፣ ካልእ ሸነኽ እንታይ ከምዝሓስብን ከምዝምድብን ፈጺሙ ኣብ ግምት ከየእተወ ትኽ ኢሉ ኣብ ምጉጅጃል ገጹ እዩ ዘድህብ። ቀጺሉ ድማ ኣፋ ዝሃቦ ይምድርን ይገልጽን። በቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብ ምስ ካልኦት ተወሃሂዱን ተዛሚዱን ክኸይድ ከኣ ፈጺሙ ኣይሓስቦን። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ቅድሚ ሎሚ በታቲኑናን ጎጃጅሉናን እዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበርና ኩልና ተቓለስቲ ተራ ይኹን መሪሕነት ንናጽነትን ንዲምክራስን እዩ ነይሩ ቃልስና። እዚ ከኣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ሃገርና ኣልጊስካ መተካእትኡ ሰላም ራህዋ ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ሓቢርና ክንሃንጽ ዝነበረ ዕላማና ብሰንኪ ዝፈጸምናዮ ጌጋታትን ምጉጅጃልን፣ ሃገርና ክንሃንጽ ኣይከኣልናን። ኣብ ክንድኡ ከኣ ኣብ ዝገደደ ሽግራትን ፍልልያትን ብምጥሓል ምትእስሳርን ሓድነት እቲ ሕብረተሰብና ከም ዝበታተኽን ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ከምዝኣቱን ገይርናዮ ንርከብ። ኩልና ኤርትራውያን ደግፍቲ ይኹን ደለይቲ ፍትሒ ዝተጋገናዮ ጌጋ ኣርሒቕና ክንሓስብ ዘይምኽኣልናን ናይ ጽባሕ ዘይምሕሳብናን እነሆ ንስደትን ብረሰትን ተሳጢሕና ንርከብ ኣሎና። ሕጂ እውን ነዚ መላኺ ስርዓት ክነልግስ ብሓዲሽ መንፈስ ኣብ ክንዲ ንለዓዓል በቲ ዝሓለፈ ወይ ብስምዒት ተደሪኽና፣ ነቲ ናይ ጽባሕ ኣብ ግምት ከየእቶና፡ በቲ መዓልታዊ ቅጥዒ ዝሰኣነን፡ ምርምር ዘይተኻየደሉ ዝጸሓፍ ጽሑፋትን፡ መልሓሱ ዝሃቦ ዝውርውርን ነቲ ሓቂ ካብቲ ሓሶት ነጺልና ንኸይንፈልጥ ዓጊቱና ኣሎ። እዚ ኩሉ ሓቁን ሓሶቱን ተሓዋዊሱ ዝዝረብን ዝጸሓፍን ከኣ ብመን ይውንጨፍ ኣሎ ብዘየገስ ነታ እንኮ ዝነበረትና ርእሰ ተኣማንነት ተጎጃጂልና ከም ነህስሳ እዩ ጻዕርታት ዝካየድ ዘሎ።
ብሓፈሻኡ ደምበ ደላይ ፍትሒ እምበኣር፣ ውድባቱ ይኹን ሰልፍታቱ ወይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ተራ ውልቀሰባትን፡ ንሃገራዊ ጉዳይ ዘዕኵኽ ጉዕዞ ጌና ስለዘይተተሓሓዞ ሃገራዊ ጥምረት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ። እዚ ከኣ ዘይተኣደነን ሕልኽልኽ ዝበለን ፍልልያት እናተጋፈሐን እናተንዝሐን ይቕጽል ኣሎ።እዚ እውን ብግዲኡ ንውሽጣዊ ዲሞክራሲያዊ ህይወት ዝሰኵዕ ኣገባብ ከይምዕብል ጋሪድዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሓባራዊ ወይ ሓድነታዊ ቃልሲ ከውሕስ ዝኽእልን፣ ንሃገራዊ ስምዒትን ጥምረትን ዘደልድል መርሆ ከይሕንጽጽ ተጸጊሙ ኣሎ።
ስለዚ ደምበ ተቓውሞና፡ ካብቲ ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ወጺኡ ንሕሉፍ ጉዕዞኡ ዳግመ ገምጋም ብምግባር ናብ ከዋጽእ ዝኽእል ሃገራዊ ራኢ ክጥምትን ክሕንጽጽን የድሊ። ምኽንያቱ ኩሉ ንፍትሕን ዲሞክርስን እቃለስ ኣሎኹ ዝብል ሓይልታት ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ራኢ ዘየዕስሎ ምኽንያት ዋላ ሓንቲ የለን። ስለምንታይ ደኣ ነቲ ካብ ምልኪ ንዲሞክራሲ ዝብል ኣምር ገዲፉ፡ ነቲ ሓደ ክሰጉግ ነቲ ሓደ ክሓቍፍ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ መዋጽኦ ስኢኑ ገሊኡ ውዳበ ኣየድልን፡ ገሊኡ ድማ ጋድምዶ ትኹል እናበለ ትልኽ ዝብል ዘሎ።? እዚ ዘብርሆ ጉዳይ እንተልዩ እቲ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ጠለብ ህዝብና ክምልስ ዝኽእል ሓባራዊ ራኢ ዘይምውናን እዩ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ዘተሓቓቝፍ ዝበታትን፣ ነቲ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ስሒቱ ኣብ ጓል ነገር ብምሽማሙ፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዛዕባ ንፍልልያትናን ሽግራትናን ከመይ ንፍትሕ ዝብል የለን እንትርፎ ንመቓልስቱ ክፈላልን፡ ክድውንን ከካፍእን ከነውርን።
ብመሰረቱ ኩሉ ኣባል ደምበ ተቓውሞ፣ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ክዝንግዕ የብሉን። ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ካብ ፈለጠ ድማ ክተሓሓዞ ዝግበኦ ስራሓት ኣብ ክንዲ ደገፍቲ ህግድፍን ተቓወምትን፣ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ጐነጻውን ዘይጐነጻውን፣ በርጌሳውን ዘይበርጌሳውን፡ እንበለ ዝጐጃጀል፣ እዛ ሃገር ንኹሉ ከምእትምልከትን፡ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብማዕረ ከምትብጽሖን ገይሩ ክቐርብ እዩ ዝግባእ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ንሓባራዊ ረብሓ ዘደልድል ኣዕኑድ ገዲፉ፡ ንኹሉ ብዘይጥርንፍ ኣገባብ ኣሰራርሓ እዩ ዝኽተል ዘሎ። ንኣብነት ንጉዳይ ሃገር ዝምልከት ሓቢርካ ናይ ምብጋሱን ቅጥዒ ናይ ምትሓዙን ፈጺሙ ኣየዘውተርን። እቲ ዝገደደ ድማ እቶም ንሰላማዊ ቃልሲ ዝብሉ ተጠርኒፎም ኣለዉ፡ ንሕና ድማ እቶም ብጐነጽ እንበል ክንጥርነፍ ኣሎና ዝብል ሓሳብ ምጉጅጃል ናይ ደለይቲ ፍትሒ ድዩ።? እታ እንደልያ ፍትሒኸ ብብረት ክትመጽእ ትኽእል ድያ።?
ስለዚ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ግዝኣተ ሕግን ከምኡ እውን ፖለቲካዊን ቁጠባውን ማበራውን ምዕብልናታት ንመላእ እቲ ዜጋ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ እቲ ንቕሎኡን ኣበጋግሳኡን ንመላእ ህዝቢ ዝጠመተን ዘሳትፍን ክኸውን እምበኣር ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ንካልኦት ከየሳተፈ ዘዳሎ ፖለቲካ ንኹሉ ብሒቱ ብኣነ ዝበልኩኹም ጥራሕ ኢኹም ዝዓይነቱ ኣካይዳ ስለዝኸይድ፣ ጽባሕ ንግሆ እውን እታ ኣሰያስ ፡’’ ስልጣን ብሓይለይ ኣምጺኤያ፡ ብሓይሊ ከኣ ውሰድዋ’’ ዝበላ ኢያ ክትከውን። ስለዚ፡ ኩሉ ጻዕርናን ቃልስናን ምጉጅጃል ዝውገደሉን ሃገራዊ ርኢና ዝሰምረሉን ኣገባብ ክንክተል ኣሎና ። እዚ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዋሕስ ናይ ዲሞክራስን ሰላምን ስለዝኾነ ንፍቶ ንጽላእ ንኣና ንህዝቢ ኤርትራ ንሱ ጥራሕ እዩ ዝዋጻኣና። ስለዚ ሰላም ፍትሒ ንደሊ እንተዀንና ነቲ ናይ ጐነጽን ሰላማውን ኣገባብ ዝብል ስነፍልጠታዊ ትንታኔኡ ተገንዚብና ንምጉጅጃል ኣብ ክንዲ ንጥቀመሉን ስምዒታዊ ሚዛናት ንህበሉን ኣየናዮም እዩ ንረብሓ ህዝብናን ዋሕስ ዲሞክራሲያውነትናን ዝውዕል መሚና ክንፈልጦን ክንርድኦን የድሊ። በዚ ኣቢልና ድማ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ሓድሕድ ንቃለስን ንጎጃጀልን ንረብሓ ኩሉ ሓብርና ምስራሕ ክንጸምድ ይግባእ።
ሓደ ህዝቢ ዝልለየሉን ከም ባህሊ ዝወሰዶን መፍለዪ ሐለገት ኣለዎ። እዚ ከም ባህሊ ዝወስዶ መለለይኡ ብዓይኒ ካለኦት ክረኣይ እንከሎ ብኣውንታ ወይ ብኣሉታ ክምዘን ይኽእል። ነቲ ዋናኡ ግና ኣርማኡ እዩ። እዚ መለለይ ባህሊ’ዚ ኣውንታዊ እንተኾይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ናይ ምስግጋር፡ ኣሉታዊ እንተኾይኑ ድማ ከም ዝውገድ ናይ ምግባሩ ዕማም ናይቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ሓላፍነት እዩ። እቲ ተካኢ ወለዶ ነዚ ክገብር እንተዘይክኢሉ ግና ኣብ ታሪኽ ተሓታትን ተወቃስን እዩ ዝኸውን። ነዚ ሓላፍነት ዝስከም ድማ መንእሰይ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብዙሓት ከም ባህሉ ዝወሰዶምን ዝንየተሎምን መለክዕታት ነይረምዎን ኣለዉዎን። ነዚ መለለይታት’ዚ ናይ ምቕጻልን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ናይ ምትሕልላፍን ሓላፍነት እምበኣር ናይዞም ሕጂ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዘለና ኤርትራውያን ዜጋታት እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምዕዋት ቅድሚ ናይ ብዙሓት ጠቕሚ፡ ውልቃዊ ረብሓ ብምስራዕ፡ ወይ ድማ ንበይናዊ ጻዕሪ ቅድሚ ሓባራዊ ጻዕሪ ብምስላፍ ዝረጋገጽ ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ይግበኣና። ኣብዚ ሎሚ ናይ ጉዳያት ሕድሕድ ምጽልላውን ምምልላእን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጸሓሉ ናይ ግሎባላይዘሽን መዋእል ሓባራዊ ሃገራውን ህዝባውን ዕማም ኣወንዚፍካ፡ በይንኻ ውልቃዊ ፍታሕ ከተምጽእ ዝረአ ዘሎ ስደትን ካልእ ብሕቱው ተበግሶታትን ክውገድ ዝግበኦ ምዃኑ ብጽሞና ክንርደኦ ዝግበኣና እዩ። በይነይ ምባል በይንኻ ስለ ዘትርፍ።
ታሪኽ ህዝብና ከም ዝምስክሮ፡ ፍቕሪ ስራሕን፡ ፍቕሪ ሃገርን ክምኡ’ውን ናይ ሕድሕድ ምትእምማን፡ ካብቶም ብዙሓት ህዝቢ ኤርትራ ዝልለየሎምን ከም ባህሉ ወሲዱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከመሓላልፎም ዝጸንሐን መለለይኡ እዮም። እዞም ከልተ መለልዪ ህዝብና ኮይኖም ዝጸንሑ ናይ ጽንዓት መለክዕታት ብባህሪኦም ብሓባር እምበር ብውልቂ ዘይዝውተሩን ንዝኾነ ጸቢብነት ገጽ ዘይህቡን ብምዃኖም ንእግረ መንገዶም ጽኑዕ ሓድነት ህዝብና ዘመልክቱ እውን እዮም። ናይ ኣርበዓታት ፖለቲከኛታት ወለድና ንከይጣለሙ፡ ኣስላማይ ዝሓረዶ ብሓባር፡ ክስታናይ ዝሓረዶ’ውን ብሓባር ከም ዝተመገቡ ዘዘንቱ ቀንዲ ብልዕቲ ናይ ሓድነት ታሪኽና ኣይንርሰዖን ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ኣቀማምጣ ጉዳይ ሃገርን ሃይማኖትን ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ እውን ዘመልክት እዩ። ሎሚኸ ንሕና ከምኡዶ ኣለና ወይስ ኣይፋልናን ንምንጻር ድማ እስከ ኣብ ገገዛና ኮይና መምስ ሕልናና ንዛተ። ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክለዓል እንከሎ እውን ናይ ኤርትራውያን ፍቕሪ ስራሕን ፍቕሪ ሃገርን ሓቢሮም ክለዓሉ ዝጸንሑ መግለጺ ክብሩ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ብረሃጽ ጥራይ ዘይኮነስ ብደም እውን ኣረጋጊጽዎ እዩ። እዚ ድማ በቲ ንዓለም ዘደነቐ፡ ነዊሕ፡ መሪር፡ ክቡር ደም ዝተኸፍሎን ዕዉትን ቃልሱ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ኣመስኪርዎ እዩ። እዚ ብኸምዚ ክልለ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ተወፋይነቱ ብላሽ ኮይኑ፡ መለለይኡ ስደትን ዘይምትእምማንን ካለኦት ናይ ዕቤት ዕንቅፋታትን ክኸውን ምርኣይ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝብና “ክልተሻብ ከይረአ” እውን ዘየስግእ ኣይኮነን።
ናብዚ ኣሰካፊ ኩነታት ገጽና ከነምርሕ ጠንቅታት ካብ ዝኾኑ ምኽንያታት ሓደ ጉጅለ ህግደፍን ወጻዒ ፖሊሲታቱን ቀዳማይ እጃም ከም ዝወስዱ ንፈላለየሉ ኣይኮነን። እንተኾነ ኩሉ ንዓኡ ኣላጊብናሉ እናሻዕ እንዳተራገምናና እንዳሓርቀምናን ጠጠው ክንብል ቅቡል ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍስ ሕራይ ነቲ ምዕሩግ መርኣያ ህዝብና ኮይኑ ዝጸንሐ ውርሻና ኣፍሪሱ፡ ናይ ህዝብና ሕልናን ንያትን ኣምኪኑ፡ ናቱ ሃንጐሊማ ባህልን ኣሰራርሓን ከተኣታቱ፡ ካብዚ ዝረኽቦ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ዕድል ኣሚቱ ዘንቀደ ኣዕናዊ ጉጅለ እዩ’ሞ ስራሑ ዋኒኑ’ዩ ዝገብር ዘሎ ንበል። በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ከረጋግጾ ዝደሊ ኣዕናዊ ሸቶን ከብርሶ ዝደሊ ህዝባዊ ጸጋን ከም ዘለዎ ድማ ዘዳዲ ኣይኮነን። ንሕና እቶም ረብሓና ምስ ረብሓ ህግደፍ ዘይኮነን ብኣንጻሩ እንስራዕንከ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና። ደድሕሪ ጉጅለ ህግደፍ ዲና ናብ መቓብር ክንወርድ ዝግበኣና ወይስ ናትና ህዝባዊ ምርጫ ኢና ክንወስድ ዝግበኣና ክንሓስበሉ’ሞ ዘዋጸኣና ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ቀራና መንገዲ ከም ዘለናኸ ይረኣየናዶ ኣሎ። ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ስቕ ምባል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ታሪኹን ንክዕንድር መንገዲ ካብ ምጽራግ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከምዘይህልዎ ክንርስዕ ኣይግበኣናን።
ናይ ጸገማትና መሰረታዊ መፍትሒ ዘይኮነ ስደት ክንመርጽ ዘገደደና ጸረ ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ኩልና ዘይንፈላለየሉ እዩ። ሎሚ ስደት ኣብ ኢርትራ ካብ ሓደ ስድራቤት ሓደ ወይ ክልተ ኣባላት ዝወስድዎ ስጉምቲ ዘይኮነስ ሓንቲ ስድራ ቤት ብምሉኣ፡ ወረ ኣብ ገሊኡስ እንተላይ እንስሳ ዘቤታን ሓርጪ ቤታን ጠቕሊላ እትጐዓዝሉ “ ስደት” ዝብል ቃል ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ ዝመረረ እዩ። እዞም ስድራቤታት ነዚ ስጉምቲ ክወስዱ እንከለዉ ኣብ ዝበጽሑ ምዕራባዊ ዓለም እንተበጽሑ “ገዛና ጠዋሪ ዘየብሉ ክዓኑ እዩ” ዝብል ስኽፍታን ሻቕሎትን ዕረፍቲ ከም ዝኸልኦም ፍሉጥ እዩ። እዚ ሻቕሎት’ዚ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ እቲ ዕንወት ግና ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ዓብይ ዕንወት ናይቲ ትማሊ ብፍቕሪ ሃገሩ፡ ሓድነቱን ተወፋይነቱን ዝግለጽ ዝነበረ ህዝብን፡ ናብታ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋን ኩርኳሕ ናይ ቃልሲ ጉዕዞን ዝተረኽበት ሃገር ኤርትራ ክልሕም ከም ዝኽእል ኩልና ኣብ እንሰግኣሉ ናይ ፈተነ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ብመንጽር’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ትኸል ወይ ንቐል መድረኽ፡ ብክንድኡ ደረጃዶ ንሻቐልን ንስከፍን ኣለና ንዝብል ግና መልሰይ እንድዒ እዩ። ማዕረ ክብደት ናይቲ ሓደጋ ንስከፍ ዘለና ኣይመስለንን። ርግጽ’ዩ ሓደ ጸገም ይልመድ እዩ። ኢትዮጵያውያን’ኳ ኑሮ ካሉት መቃብርም ይሞቃል (መነባብሮይ ኢንተኢልካዮ መቓብር’ውን ይመውቕ) ኢሎም ይምስሉ እዮም። እቲ ምስ ጸገም ምልማድ ክሳብ ነቲ ጸገም ተቓሊስካ ተወግዶ፡ ምኽኣሉ እንተኾይኑ ባህርያዊ እዩ። ንሓዋሩ በቲ ጸገም ተመሊኽካ ተለማሚድካዮ ክትነብር እንተተቐቢልካዮ ግና ከለኻ ሞት እዩ ዝኸውን።
ንሕና ኤርትራውያን ትማሊ ብጽንዓትን ጅግንነትን ንረኣየሉ ዝነበርና ባህልናን ክብርናን ተደዊኑ፡ ሎሚ ክልተሻብ ከይንረኣ፡ ምስካፍና ንቡር ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ናይ ምስካፍና መግለጽስ ካብዚ ገጢሙና ዘሎ ናይ ትኸል ወይ ንቐል ግዜ ብኸመይ ኢና እንወጽእ?” ንዝብል ሕቶ ምልሲ ንክትረክብ ብምህርኳትን ምብልሓትን እዩ ክረጋገጽ ዝግበኦ። ነዚ ንክትበቅዕ ድማ ዓይነቱ ብዘየገድስ መስዋእትነት ዝሓትት እዩ። ብመሰረታዊ ዕላማኡ፡ እቲ ነጻነት ንምምጻእ ኣብቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ኣሻኽ ጉዕዞ ዝተኸፍለ መስዋእትነትን፡ እዚ ሕጂ ዝጽበየና ዘሎ መስዋእትነትን ሓደ እዩ። ህዝባውን ሃገራውን ክብርን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ዝዓለመ። ኣብ ኣፈጻጽማኦምን ክብደት ዝሓትዎ ዓይነት ዋጋን ግና ክፈላለ ይኽእል። እዚ ፍልልይ ካብቲ መስዋእትነት ዝኽፈለሉ መድረኽን ባህሪ ናይቲ ግጥምን ዝነቅል እዩ። እቲ ናይ ቅድም ቃልሲ ዝያዳ ኣብ ናይ ዓውዲ ውግእ ጅግንነት ዘተኩር ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ሎሚ ድማ ዝያዳ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘተኩር እዩ። ነቲ ናይ ቀድም ኮነ ናይዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ መስዋእትነት ሓደ ካብ ዝገብሮ ካልእ መሰረታዊ ጉዳይ ክልቲኡ ጅግንነት ብሓባር እምበር ብውልቂ ዘይዕመም ምንባሩን ምዃኑን እዩ። ውጽኢቱን ረብሓኡን’ውን ከምኡ ሓባራዊ እዩ። ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቀደም “ሎሚ ዘይከተት ዳርጋ ዝሞተ” እንተበልና ዘኽፈኣልና ኣይኮነን። ቀደም ኣንጻር ባዓዳዊ መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ሎሚ ድማ ኣንጻራ ሃገራዊ ወጻዒ ጉጅለ።
ሓደ ጸገም፡ ከምዚ ሎሚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ገጢምዊ ዘሎ ከጋጥም እንከሎ፡ እቲ መፍትሒ ካብቲ ጸገም ምህዳም ከም ዘይኮነ ንረዳደኣሉ እዩ። ክትሃድመሉ እንከለኻ መሊሱ ሻዲኑ ናብቲ ዘለኻዮ ስለ ዝስዕበካ፡ እቲ ህድማ ናይቲ ጸገም መወዳእታ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ጸገም ደድሕሬኻ ዝኸይድ ምዃኑ ኣብ ናትና ተመኩሮ፡ በቲ ጉጅለ ህግደፍ 2% ካብ ኣታዊኻ ክፈል ዝብለካ ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓዲ ገዲፍካዮ ዝኸድካ ህዝብን ክብሪ ሃገርን በደል ክፍጸም እንከሎ ምስማዕን ብኣኡ ምኽንያት ወትሩ “ዓሕ” ምባልን ካብቲ ጸገም ብኣካል ሃዲምካ ብሕልና ግና ከም ዘይህደም ዘመልክት እዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ እንኮ እቲ መዋጸኦ፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ፊትንፊት ምግጣም ጥራይ እዩ ዝኸውን። ጸገም ምስ ኣጋጣመ ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ምምራሕ ኣብቲ ዘለኻዮ ኮይንካ ምስቲ ናይ ስደት ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ምግጣም ሓደን ቀዳማይን ተመራጺ እዩ። እዚ ግጥምያ ኣብቲ ዘለኻዮ ጉጅለ ህግደፍ ዝዕንድረሉ መሬት ኤርትራ ኮይንካ ኣብ ዘይተኻእለሉ፡ ቦታ ቀይርካ ማለት ኣብ ስደት ኮይንካ ምጥምጣም ድማ ካልእ ኣገባብ ኣገጣጥማ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ እትፈትዋ ሃገርን ህዝብን ክትገድፍ ተገዲድካ ከተብቅዕ፡ ደሓር መጻንዕ ምስ ሓዝካ ተመሊስካ፡ ንዓኡ ንጉጅለ ህግደፍ “እንታይዶ በዲሉኒ እዩ፡ መን ኣሎ ካብቲ ጉጅለ ዝሓይሽ” ብዝብሉ ሓረጋት እንዳኮሓሓልካ ምሕላቕ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ ድማ ኣብ’ቲ ሳዕሪ በቚልዎ ዘሎ ኤምባሲታት ናይቲ ኣኼስ ጉጅለ ከይድካ ኢድ ምንሳእ፡ ዘገርም፡ ዘተዓዛዝብን ኤርትራዊ ጽንዓት ዘህስስን እዩ። ብመንእሰያት ክፍጸም እንከሎ ድማ የስደምም። ከምዚ ዓይነት ዘሕፍር ተንበርካኺ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ድኽመት፡ ብሓባር ዘይምስራሕን ዘይኣሳታፍነትን፡ ከም ምኽንያት ምቕራብ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን። ሓቀኛ ትሕዝቶኡስ ቅድሚ ህዝብኻን ሃገርካን ነብስኻ ካብ ምፍታው ዝሓልፍ ኣይኮነን። ርግጽ እዞም ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ድኽመታት የለዉን ንምባል ዘይኮነስ፡ እዞም ጸገማት እዚኣቶም ብቓልሲ እምበር ነብስኻ ካብ ቃልሲ ብምግላል ዝውገዱ ከም ዘይኮኑ ንምእማት እዩ። እዚኣቶምን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉን ጸገማትን እንተዘይህልዉ’ሞ ኸዓ ብመሰረቱ ቃልሲ’ውን ኣይመድለየናን።
8 ጥቅምቲ 2014

ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ፡ ሎሚ 8 ጥቅምቲ 2014 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ከም እተፈልየና ዝሕብር ኣሕዛኒ ወረ ሰሚዕና።
ብስመይን ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን መቃልስቱ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም፡ ጠሉ ድማ የውርደልኩም ብምባል ናይ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
8 ጥቕምቲ 2014
ኣርዓዶም በርሀ
ሞትን ሕልፈትን ኩሎም ናይ ደሓን መግለጺ ኣይኮኑን። ሞት ካብ ሕልፈት ዝፍለ ሓንሳብ ምስ ኮነ ዘይምለስ ብምዃኑ ክኸውን እንከሎ፡ ሕልፈት ግና ብህይወት እንከለኻ ብሰንኪ ድኽመትካ ዘጋጥመካ ካብ ሞት ፈሊኻ ዘይርኣ መሪርን ጣዕሳኡ ዘይወጸልካን ተረኽቦ እዩ። ከምዚ ኣንበሳሲ “ ኣሽንኳይ ሞትስ እርጋንኳ ኣሎ” ኢሉ ንእርጋን ዝያዳ ሞት ዝመረረ ንምዃኑ ይገልጾ ዝበሃል፡ ናይ ሕልፈትን ሞትን ዝምድና እውን ብኸምኡ እዩ ዝምሰል። እቲ ዝመዉት ኮነ ዝስዋእ ክሓልፍ እንከሎ ናብቲ ተራፊ ኣረኪብዎ ዝኸይድ ከቢድ ኩለመዳያዊ ሕድሪ ኣለዎ። እቲ ተራፊ ከም ዘይሞተ ዝፍለጥ ድማ ናይቲ ዝተረከቦ ሕድሪ ክትግብር እንተኽኢሉ እዩ።
ኣብዚ ቅንያ’ዚ ጉዳይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ወርሕዚ ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱሳ፡ ዝሃለቑ 368 ኤርትራውያን ግዳያት ኣዛራቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ዝያዳ ዝኸበደን ዓለም ዘናወጸን፡ ምናልባት ብሓንሳብ ክንድዚ ምጥፋኦም እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ህልቂት ብኣኣቶም ዝጀመረ ዘይኮነ ቅድሚኡ ዝነበረ ድሕሪኡ’ውን ዝቐጸለ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓምሳ ሞይቶም፡ ሚእቲ ተደጊሞም ዝብል መሪር ከብድኻ ዝበልዕ ዜና ምስማዕን ምንባብን መናብርትና ኮይኑ ኣሎ። መርከብ ጥሒላ ክበሃል እንከሎ እቶም ግዳያት እንተኾነ ኩላቶም እንተዘየለ ገሊኦም ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ ከም ርዱእ ተወሲዱ፡ ንምርግጋጽ ኢልና ምሕታት ካብ ንገድፎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣሕዋትና ከም ዝሃልቁ ልሙድ እንዳኾነ፡ ነዚ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከም ሓደ ርዱእ ትዕድልቲ ናይ ኤርትራውያን ወሲድናዮስ፡ ኣብ ክንዲ ምሽቓልን መዋጽኦ ንምርካ ምብልሓትን ከም ሓደ ቅቡል ነገር ከይንርዕሞ ዘስግእ እዩ። ሎሚ ሎሚ እቲ ዘግርመናን ከም ሓድሽ ዜና ዝውሰድን፡ ክንድዚ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝብል መርድእ ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ብምሉኦም ብሰላም ኣብ ኢጣልያ ኣትዮም ዝብል ብስራት እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። እቲ ገለ ካብእቶም ሞይቶም ዝብል ልሙድ ስለ ዝኾነ።
ብባህልና ኮነ በተዓባብያና ክረአ እንከሎ፡ ኣይኮነንዶ ብኣማኢት ናይ ዝቑጸሩ፡ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት እሞ ድማ ብሓደጋ ሓሊፉ ክበሃል እንከሎ፡ ክንሓዝንን ማይ ዘይኮነስ ደም’ውን ክንነብዕ ልሙድ እዩ። ኣብ ባህልና ኣብ ግዜ ድንገተኛ ሞት እዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝረአ፡ በኺኻን ሓዚንካን ነቲ ዝሞተ ከተምልሶ ከም ዘይከኣል’ውን ሓፈሻዊ ተረድኦ ኣለና። ኣብ ክንዲ ኣብ ሓዘን ምኒን ምባል ብዛዕባ ህልዋት ምሕሳብ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ምዃኑ እውን ኣብ ባህልና ግንዛበ ዘለዎ እዩ። ንሓደ ሓዘንተኛ ከተጸናንዖ እንከለኻ እውን “ንሱ ወሰኑ ይግበሮ” ኢልካ ኢኻ ንቅድሚት ንክሓስብ ተዘኻኽሮ። ሕጂ ድማ ንሕና ዓመት መጸ ብዛዕባቶም ብሓንሳብ ዝሃለቑ እሞ ንቡር ሓመድ ድበ ዘይረኸቡ ኣሕዋትና ምሕዛንን ሽምዓ ምብራህን ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ህልዋት ኢና ቀንዲ ክንዛረብ ዝግበኣና። እዚ ማለት ግና በቲ ደረጃኦ ናይቶም ረኸብቲ መከራ ዝኽሪ’ውን መለበሚ ብዝኾነ መልክዑ፡ ክርሳዕ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ነዞም ዝሃለቑ ኮነ ንቤተሰቦም እንድብሰሉ መንገዲ ንዓኣቶም እንዳዘከርካ ምንባዕን ምሕርቃምን ዘይኮነስ፡ እዚ ካባና ሓሊፉ ዓለም ዘናወጸ ሓደጋ ንከይድገም፡ ጠንቁ ኣለሊኻ ከተወግዶ ብምጽዓር እዩ ክኸውን ዝግበኦ በሃላይ እየ። ስለዚ እየ ድማ ብኽያትና ብዛዕባቶም ዝሞቱ ዘይኮነስ ብዛዕባቶም ብህይወት ከለና ዝሞትና ክኸውን ይግበኦ ክብል ዝደፈርኩ። “ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ”።
ሎሚ ሃገራት ዓለም ከከም ዝመረጸኦ ናይ ዕቤት መንገዲ፡ ብኢንዱስትሪ ድዩ ብንግዲ፡ ብሕርሻ ድዩ ብወፍሪ፡ ብትምህርቲ ድዩ ብዲፕሎማሲያዊ ዝምድና፡ ብጥዕምና ድዩ ብምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ ኮታ ኣብ ኣፈጻጽማ መደብ ፕሮግራም ዕብየትን ምስግጋርን፡ ብዘመዝገበኦ ዓወታት ደረጃታት ክወሃበን እንከሎ፡ ኤርትራ ግና “ዝለዓለ ስደተኛታት ዘመዝገብት ዕሸል ሃገር” እናተባህለት ኣብ ናይ ሕማቕ መዝገብ ክትጽዋዕ ኢና ንሰምዓ ዘለና። ናይዚ ገበንዚ ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ’ኳ ንጹር እንተኾነ፡ እዚ ክንሰምዕ እንከለና ከም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ክሳብ ክንደይ ጸጉርና ከም ዝቐውምን ሕልናና ከም ዝሽቑረርን ነፍሲ ወከፍና ዝርደኦ እዩ። ነዚ ሰሚዕና ቁሩብ እንተዘየሳሕዩና ግና፡ ከለና ሞይትና ኣለና ማለት እዩ። ሕልፈት ማለት ድማ ንሱ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኣበይ እዩ ሃገርካ?” ክንበሃል እንከለና ኣብ ሓደ እዋን “ኤርትራዊ እየ” ብምባል ከምዘይተሐበና፡ ሎሚ ግና “ኤርትራዊ እየ” ምባል ዘሸቑርር ኮይኑ ኣሎ። ካልእ ሃገር ስለ ዘየብለይ ግና ሽልብግልብ እንዳበልና እንብሎ ኮይኑ ኣሎ። ኣይበሃል እዩ።
ኩሉ ዝነብዕ ሓዘንተኛ እዩ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ዝስሕቕ’ውን ሕጉስ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ጭካነ ሓቢኡ ምስ ከባቢኡ ንምምሳል ብደግኡ ዝነብዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ሓዘን እንዳተሰምዖ ከባቢኡ ንምምሳል ዝስሕቕ ኣሎ። እዚ እቲ “ውሽጡ ሕሩር” እንብሎ እዩ። ብስም እቶም ረኸብቲ መከራ መንእሰያትና እንዳ መሓለ እንዳ ጠሓለ ኣብ ውሽጡ ግና “ሕራይ ደኣ ኮኑ” ዝብል እውን ኣይሰኣንን። ናይዚ ሰብኣውነት ዝረሓቖ ዕብዳን ቀንዲ ሃንዳሲ ብዓብይኡ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ምናልባት ደኣ ናይ ቀረባ ፈለጥጡ ይፈልጥዎ እምበር፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ንኹሉ እቲ ናይ ስዉኣት ቃል ብጋህዲ እንዳጠለመ “ስጋ ስዉኣት” ኢሉ ይምሕል ይኸውን። ብዓብይኡ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዓለም ከይሓፈረ፡ ኣንጻር ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተዋሰአ ተጠሊዑ “ዓወት ንሓፋሽ” ክብል ንሰምዖ ኣለና። ተጸሊሉ ስለ ዘጸለሎም ነዚ ጠላም ቃሉ ዝደግሙ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ዝተጠልመ ጭረሖ ዝደግሙ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ወገን ህዝቢ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት ክትሰምዕ እንከለኻ የገርመካ። እቲ ቀደም “ብዘበን ዉበ ዝጸመመስ ዝባን ዉበ ነበረ” ዝብል ምስላ ብዘይምኽንያት ከም ዘይተመሰለ ድማ ይርደኣካ። እምበኣር እዚ ኣጋጢሚና ዘሎ ተረኽቦታት ብልቢ በዞም ዝሓለፉ ግዳያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓዝን እንተኾይናን ዘይኮይናን እንምዘነሉ እዩ። ሓቀኛ ናይ ሓዘና መግለጺ ከዓ ብዛዕባ ምረት ናይ ህልቀቶምን ጨንቆምን ምጭራሕ፡ ምጽሓፍ፡ ምምዳርን ሽምዓ ምብራህን ዘይኮነስ ነቲ ናብዚ ዘብጸሖም ጠንቂ ንምውጋድን መተካእታ ንምርካብን ነርእዮ ቅሩብነትን ተወፋይነትን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ውፉይ ኮንካ ምቕራብ፡ ብኣዋጅን ብምቁር መደረታትን ዘይትግበር መብጸዓን ዝግለጽ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ እቲ ዕማም እምብዛ ከቢድን ዘይትግበርን ዕማም እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ መሰረታዊ ሕቶ ተኸቲልና ብዙሓት ተመሳሰልቲ ሕቶታት እንዳሓተትና፡ ጽሒፍናን መዲርናን ኢና። እስከ ሕጂኸ ነቲ ጉዳይ ካባና ንጀምሮ እሞ “ኣነኸ ኣበይ ኣለኹ?” ኢልና ንሕተት እሞ፡ ከይሓባባእና “ኣበይ፡ ምስመን፡ እንታይ ንገብር፡ ኣለና?” ንዝብል ሕቶታት ምስ ነብስና እንዳተላዘብና ንመልስ እሞ እቲ ድኽመታትና ኣብኡ ክንረኽቦ ኢና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ክሳብ ሕጂ ነዚ ሕቶታትዚ ብዘይምልዓል እውን ሕጽረታትና ኣይንፈልጦን ኢና ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቁስ ድኽመታትና ንፈልጦ ክነስና ንምእራሙ ትብዓት ምስኣና እዩ።
ናይዚ ኩሉ መከራ ቀንዲ ጠንቂ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ዘይንፈላለየሉ ሓቂ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ይቕረ ዘይበሃል ገበኑ ዝኸፍለሉ ዋጋ ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ናብቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ዝጀመሮ ጉዕዞኡኳ ዘይቃረጽ እንተኾነ፡ ናትና ግደ ከዓ ነቲ ጉዕዞ ምቅልጣፍ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሓንቲ ዓመትስ ይትረፍ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ስንብራታ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ሃገርናን ህዝብናን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንርእዮ ዘለና ስለ ዝኾነ። ከይንዕሾ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝሓልፍ ዘሎ ህይወትን ዝሃስስ ዘሎ ክብርን ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ማሕበራት ጥራይ ኣይኮነን። እቶም በቲ ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲ ንሓዝን ኤርትራውያን፡ እቲ ራህዋ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት፡ ናይ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት ጥራይ ጌርና ብምውሳድ፡ ከይነራጥጥ ሓደራ ንብል። ብፍላይ ድማ ብጉዳይ ስደተኛታትን ኣብቲ ናይ ስደት መስርሕ ዝወርዶም ዘሎ መቕዘፍትን ክንዛረብ እንከለና፡ “ኪድ” ኢልና ነተባብዕ ወለድን፡ “ናብኡ ሕለፍ እሞ ኣነ ገንዘብ ክልእኽ እየ” እንብል ናይቶም ግዳያት ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ኣዝማድን፡ ከቶ ብዛዕባ ተግባርና ክንሓስብ ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና። እስከ “ ንስኻ እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ንዝብል መሃሪ ኣበሃህላ ወለድና ግዜ ሂብና ነስተውዕሎ። ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ መዕንደሪ እንገድፈሉ ሃገር ዘይኮነትስ ንሕና እቶም ውጹዓት ነቲ ዝውጸዓና ዘሎ ጉጅለ ኣንበርኪኽና እቲ ዝተጠለም ክብራ ክንመልሰላ ዝተረከብናዮ ናይ ሓባር ሕድሪ ከም ዘለና ኣይንሓስብን ዲና። ኤርትራ ብዓባያ ከይደሓነት፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድካ ምድሓን ትርጉም ከም ዘየብሉ’ውን ንስሕቶ ኣይመስለንን።
ኤርትራዊ መንእሰይ ቀጥዒ ብዘየብሉ መንገዲ ሃገሩን ቤተሰቡን ራሕሪሑን ዝኸይድ ዘሎ፡ ብሰንኪ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ዘይወሓጠሎም ልሳናት ጉጅለ ህግደፍ፡ ከኮማሰዐኦ ዝውዕላ ክሲ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ኣሎ። ሕራይ ነዚ ክሲ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይንንጸጎ። እንተኾነ እቲ ወሳኒ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ዘይኮነስ ውሽጣዊ ኩነታት እዩ እሞ፡ ጉጅለ ህግደፍከ ውሽጡ ጥዑይ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ቀዳምነት ሂብና ክንምርምሮ ይግበኣና። እዚ ብፍላይ ነቶም ንጉጅለ ህግደፍ ኣንጺሆም፡ ደድሕሪ መራኸቢ ሓፋሽ ህግደ ስዒቦም፡ ንምዕራባውያን ክራገሙ ዝውዕሉ ወገናት ዝወሃብ ዕዮ ገዛ እዩ። ሕራይ ንሓሳዊ ስብከት ጉጅለ ህግደፍ ንስመዓዮን ነንብቦን። ነቲ ዝበሃልን ዝምደርን ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘሎ ኩነታት ከነመዛዝኖ ግና ናይ ግድነት እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣባል ቤተሰብና ክንድውለሉ እንከልና ጐረቤት ከይሰምዖ ድምጹ ነክዩ “ ንጠሚ፡ ንዓርቕ፡ ንጸምእን ንጽልምትን ኣለና” እንዳበለና እንከሎ፡ ብድምጺ ሓፋሽን ኢረቲቪን ቀልብና ተሰሊቡ “ኣብ ኤርትራ መዓር ዘኒቡ ብላዕ ወስተ ኮይኑ” ኢልና ንዝምር እንተኮይና፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን መስሓቕ ሸራፋት ኢና ክንከውን።
ርሑስ በዓል ዓረፋ
4 ጥቅምቲ 1014
04.10.2014
ዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት ኣፍሪቃውያንን ዘይኣፍሪቃውያን ዜጋታት ኣብ ብዕለት 03.10.2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑን ጌና ዝሃልቁ ዘለዉ ዜጋታት ብፍላይ ክኣ ኤርትራውያን፣ሶሞላውያን ፣ሶራዊያን፣ ዒራቓውያን ወዘተ… ካብ ኣብ ሃገሮም ዘጓንፎም ጭንቀት ዲክታተራዊ ግፍዕን ውግኣትን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ጸገማትን: ህይወቶም ከድሕኑ ኢሎም ንኹሉ ጸገማት ከም ሳህራን ካልኦት ዓበይቲ ጽንኩር ብድሆታት ሲዒሮም ኣብ ሊቢያ በጺሖም ንወሽመጥ ውቅያኖስ ሊብያ-ኢጣልያ ክሳገሩ ዝሞቱ ጌና እውን ዝሞቱ ዘለዉን ትማሊ ዕለት 03-10-2014 ኣብ ሃገረ ጣልያን ተዘኪሩ።
ኣብዚ ዝኽሪ ናይ ላምፐዱዛ ተረኺቦም ዝነበሩ፡ መንግስታውያን ትካላት ከም ኣቦ ወንበር ፓርላማ ኤውሮዻ ኣቶ ሹልዝ ፣ ኣደወንበር ባይቶ ኢጣልያ ወይሮ ቦልደሪኒ ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ኢጣልያ( ኣብዚ ቁረባ እዋን ናይ ኤውሮዻ ወጻኢ ጉደይን፣ ጉዳይ ስደኛታት እትካታተል እተመርጸት) ወይዞሮ ፈደሪካ ሞርጊኒን ካልኦት ዓበይቲ ሓለፍቲ ካብ ኤውሮዻን ኢጣልያን እዮም። ከምኡ እውን ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለሱ ኤርትራውያን ከም ኣባ ሙሴ ፣ምንቅስቓስ ሰብኣዊ መሰል ጋንዲ ወይዘሮ ኣልጋነሽ፣ ምትእስሳር ኤርትሮ - ኢጣልያ፣ ወይዘሮ ርብቃ ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮ። ብፍላይ ክኣ እቶም ካብታ ብሓዊ ባርዕ ዝነደደት ጃልባ ብህይወት ዝደሓኑ፣ ካብ ተዓቚበምሉ ዘለው ሃገራት ነቒሎም ናብ ላምፐዱዛ ተመሊሶም ነቶም 366
ብሓንሳብ ዝሞቱን፥ እንተላይ እቶም ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ዝሞቱ ንምዝካር ምስ ህዝቢ ላምፐዱዛን መንግስታዊ ትካላት ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ኣካይዶም።
ብሰንኪ ዲክታተራት ዘጓንፎም ዘሎ ዘይተኣደነ ግፍዕታት፣ ንስደት ዘምርሕ ሕልና ደው ይበል። ከምቲ ክቡር ዻዻስ ፍራንሲስኮ ዝበልዎ፡ ‘’ዘይተኣወጀ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣብ ዝተፋላለየ ዞባታት ይገታእ፡ ዓለምና ሰላም ራህዋ ቅሳነት ዲምክራሲ ዓለም ምትሕግጋዝ እምበር ናይ ነንሕድሕድካ ምውጋእ ስርዓተ መእሰርትን መቕተልትን ምድቋስ መሰል ደቂ ሰባት ጠጠው ይበል’’ ዝብል መደረታት ተሰሚዑ።
እቶም ሰብ መዚ መንግስታውያን ትካላት ብዝካኣሎም ዓቕሚ ብግብሪ ክቃለስዎ ምዃኖም ቓል ዝኣተውሉ መዓልቲ እያ። ብወገን ህዝብን ፓለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን’ከ ንእንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ከመይ ዝበለ መልሲ ኮይን ተመባጺዖም ይኾኑ።? ብርግጽ ድማ እቲ ክግበርኦ ዝለዎን እዚ ዝስዕብ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን። ንሱ ድማ፣ ቅድም ሓድነትና
ኣጠንኪርና ሓበራዊ ጽላል ሃሉዩና ብሓባር ነዚ ገባት ኣግላልን ዝኾነ ውልቀ መላኺን ሰዓብቱን ብስሩ ኣልጊስካ፣ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲን ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ንምብቃዕ ዕዙዝ ስርሓት ምክያድ። ከምኡ እውን እቲ ንስደት ዘሳጥሕ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ንኸብቅዕ ኣትክሮና ህዝብኻ ንምድሓን ሓቢርካ ምቅላስ ክኸውን ይግባእ።
ብወገን ኤርትራዊን ትካላት ፖለቲካዊ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት ሲቪካዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ዜጋታት ከምተን ኩለን ብኣኽብሮትን ወይ ፉሉይ ተዘክሮ ዘለወን መዓልትታት ኮይና ክትዝከርን መብጽዓታት ዝሕደሰላ ክትከውን ብምምሕጻን እነሆ መንግስቲ ጥልያን ንዕለት 03.10.2013 ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ተዘክሮ በዓላት ተሰዂዓስ ትማሊ ቢዒላ ዊዒላ።
ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ
ዜናን ባህሊን ሓላፊ
ፍትዊ ክፍለ