ክልተሻብ’ባ ከይንርአ

2014-10-15 10:23:58 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 7525 times

ሓደ ህዝቢ ዝልለየሉን ከም ባህሊ ዝወሰዶን መፍለዪ ሐለገት ኣለዎ። እዚ ከም ባህሊ ዝወስዶ መለለይኡ ብዓይኒ ካለኦት ክረኣይ እንከሎ ብኣውንታ ወይ ብኣሉታ ክምዘን ይኽእል። ነቲ ዋናኡ ግና ኣርማኡ እዩ። እዚ መለለይ ባህሊ’ዚ ኣውንታዊ እንተኾይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ናይ ምስግጋር፡ ኣሉታዊ እንተኾይኑ ድማ ከም ዝውገድ ናይ ምግባሩ ዕማም ናይቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ሓላፍነት እዩ። እቲ ተካኢ ወለዶ ነዚ ክገብር እንተዘይክኢሉ ግና ኣብ ታሪኽ ተሓታትን ተወቃስን እዩ ዝኸውን። ነዚ ሓላፍነት ዝስከም ድማ መንእሰይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብዙሓት ከም ባህሉ ዝወሰዶምን ዝንየተሎምን መለክዕታት ነይረምዎን ኣለዉዎን። ነዚ መለለይታት’ዚ ናይ ምቕጻልን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ናይ ምትሕልላፍን ሓላፍነት እምበኣር ናይዞም ሕጂ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዘለና ኤርትራውያን ዜጋታት እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምዕዋት ቅድሚ ናይ ብዙሓት ጠቕሚ፡ ውልቃዊ ረብሓ ብምስራዕ፡ ወይ ድማ ንበይናዊ ጻዕሪ ቅድሚ ሓባራዊ ጻዕሪ ብምስላፍ ዝረጋገጽ ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ይግበኣና። ኣብዚ ሎሚ ናይ ጉዳያት ሕድሕድ ምጽልላውን ምምልላእን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጸሓሉ ናይ ግሎባላይዘሽን መዋእል ሓባራዊ ሃገራውን ህዝባውን ዕማም ኣወንዚፍካ፡ በይንኻ ውልቃዊ ፍታሕ ከተምጽእ ዝረአ ዘሎ ስደትን ካልእ ብሕቱው ተበግሶታትን ክውገድ ዝግበኦ ምዃኑ ብጽሞና ክንርደኦ ዝግበኣና እዩ። በይነይ ምባል በይንኻ ስለ ዘትርፍ።

ታሪኽ ህዝብና ከም ዝምስክሮ፡ ፍቕሪ ስራሕን፡ ፍቕሪ ሃገርን ክምኡ’ውን ናይ ሕድሕድ ምትእምማን፡ ካብቶም ብዙሓት ህዝቢ ኤርትራ ዝልለየሎምን ከም ባህሉ ወሲዱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከመሓላልፎም ዝጸንሐን መለለይኡ እዮም። እዞም ከልተ መለልዪ ህዝብና ኮይኖም ዝጸንሑ ናይ ጽንዓት መለክዕታት ብባህሪኦም ብሓባር እምበር ብውልቂ ዘይዝውተሩን ንዝኾነ ጸቢብነት ገጽ ዘይህቡን ብምዃኖም ንእግረ መንገዶም ጽኑዕ ሓድነት ህዝብና ዘመልክቱ እውን እዮም። ናይ ኣርበዓታት ፖለቲከኛታት ወለድና ንከይጣለሙ፡ ኣስላማይ ዝሓረዶ ብሓባር፡ ክስታናይ ዝሓረዶ’ውን ብሓባር ከም ዝተመገቡ ዘዘንቱ ቀንዲ ብልዕቲ ናይ ሓድነት ታሪኽና ኣይንርሰዖን ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ኣቀማምጣ ጉዳይ ሃገርን ሃይማኖትን ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ እውን ዘመልክት እዩ። ሎሚኸ ንሕና ከምኡዶ ኣለና ወይስ ኣይፋልናን ንምንጻር ድማ እስከ ኣብ ገገዛና ኮይና መምስ ሕልናና ንዛተ። ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክለዓል እንከሎ እውን ናይ ኤርትራውያን ፍቕሪ ስራሕን ፍቕሪ ሃገርን ሓቢሮም ክለዓሉ ዝጸንሑ መግለጺ ክብሩ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ብረሃጽ ጥራይ ዘይኮነስ ብደም እውን ኣረጋጊጽዎ እዩ። እዚ ድማ በቲ ንዓለም ዘደነቐ፡ ነዊሕ፡ መሪር፡ ክቡር ደም ዝተኸፍሎን ዕዉትን ቃልሱ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ኣመስኪርዎ እዩ። እዚ ብኸምዚ ክልለ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ተወፋይነቱ ብላሽ ኮይኑ፡ መለለይኡ ስደትን ዘይምትእምማንን ካለኦት ናይ ዕቤት ዕንቅፋታትን ክኸውን ምርኣይ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝብና “ክልተሻብ ከይረአ” እውን ዘየስግእ ኣይኮነን።

ናብዚ ኣሰካፊ ኩነታት ገጽና ከነምርሕ ጠንቅታት ካብ ዝኾኑ ምኽንያታት ሓደ ጉጅለ ህግደፍን ወጻዒ ፖሊሲታቱን ቀዳማይ እጃም ከም ዝወስዱ ንፈላለየሉ ኣይኮነን። እንተኾነ ኩሉ ንዓኡ ኣላጊብናሉ እናሻዕ እንዳተራገምናና እንዳሓርቀምናን ጠጠው ክንብል ቅቡል ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍስ ሕራይ ነቲ ምዕሩግ መርኣያ ህዝብና ኮይኑ ዝጸንሐ ውርሻና ኣፍሪሱ፡ ናይ ህዝብና ሕልናን ንያትን ኣምኪኑ፡ ናቱ ሃንጐሊማ ባህልን ኣሰራርሓን ከተኣታቱ፡ ካብዚ ዝረኽቦ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ዕድል ኣሚቱ ዘንቀደ ኣዕናዊ ጉጅለ እዩ’ሞ ስራሑ ዋኒኑ’ዩ ዝገብር ዘሎ ንበል። በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ከረጋግጾ ዝደሊ ኣዕናዊ ሸቶን ከብርሶ ዝደሊ ህዝባዊ ጸጋን ከም ዘለዎ ድማ ዘዳዲ ኣይኮነን። ንሕና እቶም ረብሓና ምስ ረብሓ ህግደፍ ዘይኮነን ብኣንጻሩ እንስራዕንከ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና። ደድሕሪ ጉጅለ ህግደፍ ዲና ናብ መቓብር ክንወርድ ዝግበኣና ወይስ ናትና ህዝባዊ ምርጫ ኢና ክንወስድ ዝግበኣና ክንሓስበሉ’ሞ ዘዋጸኣና ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ቀራና መንገዲ ከም ዘለናኸ ይረኣየናዶ ኣሎ። ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ስቕ ምባል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ታሪኹን ንክዕንድር መንገዲ ካብ ምጽራግ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከምዘይህልዎ ክንርስዕ ኣይግበኣናን።

ናይ ጸገማትና መሰረታዊ መፍትሒ ዘይኮነ ስደት ክንመርጽ ዘገደደና ጸረ ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ኩልና ዘይንፈላለየሉ እዩ። ሎሚ ስደት ኣብ ኢርትራ ካብ ሓደ ስድራቤት ሓደ ወይ ክልተ ኣባላት ዝወስድዎ ስጉምቲ ዘይኮነስ ሓንቲ ስድራ ቤት ብምሉኣ፡ ወረ ኣብ ገሊኡስ እንተላይ እንስሳ ዘቤታን ሓርጪ ቤታን ጠቕሊላ እትጐዓዝሉ “ ስደት” ዝብል ቃል ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ ዝመረረ እዩ። እዞም ስድራቤታት ነዚ ስጉምቲ ክወስዱ እንከለዉ ኣብ ዝበጽሑ ምዕራባዊ ዓለም እንተበጽሑ “ገዛና ጠዋሪ ዘየብሉ ክዓኑ እዩ” ዝብል ስኽፍታን ሻቕሎትን ዕረፍቲ ከም ዝኸልኦም ፍሉጥ እዩ። እዚ ሻቕሎት’ዚ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ እቲ ዕንወት ግና ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ዓብይ ዕንወት ናይቲ ትማሊ ብፍቕሪ ሃገሩ፡ ሓድነቱን ተወፋይነቱን ዝግለጽ ዝነበረ ህዝብን፡ ናብታ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋን ኩርኳሕ ናይ ቃልሲ ጉዕዞን ዝተረኽበት ሃገር ኤርትራ ክልሕም ከም ዝኽእል ኩልና ኣብ እንሰግኣሉ ናይ ፈተነ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ብመንጽር’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ትኸል ወይ ንቐል መድረኽ፡ ብክንድኡ ደረጃዶ ንሻቐልን ንስከፍን ኣለና ንዝብል ግና መልሰይ እንድዒ እዩ። ማዕረ ክብደት ናይቲ ሓደጋ ንስከፍ ዘለና ኣይመስለንን። ርግጽ’ዩ ሓደ ጸገም ይልመድ እዩ። ኢትዮጵያውያን’ኳ ኑሮ ካሉት መቃብርም ይሞቃል (መነባብሮይ ኢንተኢልካዮ መቓብር’ውን ይመውቕ) ኢሎም ይምስሉ እዮም። እቲ ምስ ጸገም ምልማድ ክሳብ ነቲ ጸገም ተቓሊስካ ተወግዶ፡ ምኽኣሉ እንተኾይኑ ባህርያዊ እዩ። ንሓዋሩ በቲ ጸገም ተመሊኽካ ተለማሚድካዮ ክትነብር እንተተቐቢልካዮ ግና ከለኻ ሞት እዩ ዝኸውን።

ንሕና ኤርትራውያን ትማሊ ብጽንዓትን ጅግንነትን ንረኣየሉ ዝነበርና ባህልናን ክብርናን ተደዊኑ፡ ሎሚ ክልተሻብ ከይንረኣ፡ ምስካፍና ንቡር ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ናይ ምስካፍና መግለጽስ ካብዚ ገጢሙና ዘሎ ናይ ትኸል ወይ ንቐል ግዜ ብኸመይ ኢና እንወጽእ?” ንዝብል ሕቶ ምልሲ ንክትረክብ ብምህርኳትን ምብልሓትን እዩ ክረጋገጽ ዝግበኦ። ነዚ ንክትበቅዕ ድማ ዓይነቱ ብዘየገድስ መስዋእትነት ዝሓትት እዩ። ብመሰረታዊ ዕላማኡ፡ እቲ ነጻነት ንምምጻእ ኣብቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ኣሻኽ ጉዕዞ ዝተኸፍለ መስዋእትነትን፡ እዚ ሕጂ ዝጽበየና ዘሎ መስዋእትነትን ሓደ እዩ። ህዝባውን ሃገራውን ክብርን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ዝዓለመ። ኣብ ኣፈጻጽማኦምን ክብደት ዝሓትዎ ዓይነት ዋጋን ግና ክፈላለ ይኽእል። እዚ ፍልልይ ካብቲ መስዋእትነት ዝኽፈለሉ መድረኽን ባህሪ ናይቲ ግጥምን ዝነቅል እዩ። እቲ ናይ ቅድም ቃልሲ ዝያዳ ኣብ ናይ ዓውዲ ውግእ ጅግንነት ዘተኩር ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ሎሚ ድማ ዝያዳ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘተኩር እዩ። ነቲ ናይ ቀድም ኮነ ናይዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ መስዋእትነት ሓደ ካብ ዝገብሮ ካልእ መሰረታዊ ጉዳይ ክልቲኡ ጅግንነት ብሓባር እምበር ብውልቂ ዘይዕመም ምንባሩን ምዃኑን እዩ። ውጽኢቱን ረብሓኡን’ውን ከምኡ ሓባራዊ እዩ። ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቀደም “ሎሚ ዘይከተት ዳርጋ ዝሞተ” እንተበልና ዘኽፈኣልና ኣይኮነን። ቀደም ኣንጻር ባዓዳዊ መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ሎሚ ድማ ኣንጻራ ሃገራዊ ወጻዒ ጉጅለ።

ሓደ ጸገም፡ ከምዚ ሎሚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ገጢምዊ ዘሎ ከጋጥም እንከሎ፡ እቲ መፍትሒ ካብቲ ጸገም ምህዳም ከም ዘይኮነ ንረዳደኣሉ እዩ። ክትሃድመሉ እንከለኻ መሊሱ ሻዲኑ ናብቲ ዘለኻዮ ስለ ዝስዕበካ፡ እቲ ህድማ ናይቲ ጸገም መወዳእታ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ጸገም ደድሕሬኻ ዝኸይድ ምዃኑ ኣብ ናትና ተመኩሮ፡ በቲ ጉጅለ ህግደፍ 2% ካብ ኣታዊኻ ክፈል ዝብለካ ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓዲ ገዲፍካዮ ዝኸድካ ህዝብን ክብሪ ሃገርን በደል ክፍጸም እንከሎ ምስማዕን ብኣኡ ምኽንያት ወትሩ “ዓሕ” ምባልን ካብቲ ጸገም ብኣካል ሃዲምካ ብሕልና ግና ከም ዘይህደም ዘመልክት እዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ እንኮ እቲ መዋጸኦ፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ፊትንፊት ምግጣም ጥራይ እዩ ዝኸውን። ጸገም ምስ ኣጋጣመ ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ምምራሕ ኣብቲ ዘለኻዮ ኮይንካ ምስቲ ናይ ስደት ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ምግጣም ሓደን ቀዳማይን ተመራጺ እዩ። እዚ ግጥምያ ኣብቲ ዘለኻዮ ጉጅለ ህግደፍ ዝዕንድረሉ መሬት ኤርትራ ኮይንካ ኣብ ዘይተኻእለሉ፡ ቦታ ቀይርካ ማለት ኣብ ስደት ኮይንካ ምጥምጣም ድማ ካልእ ኣገባብ ኣገጣጥማ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ እትፈትዋ ሃገርን ህዝብን ክትገድፍ ተገዲድካ ከተብቅዕ፡ ደሓር መጻንዕ ምስ ሓዝካ ተመሊስካ፡ ንዓኡ ንጉጅለ ህግደፍ “እንታይዶ በዲሉኒ እዩ፡ መን ኣሎ ካብቲ ጉጅለ ዝሓይሽ” ብዝብሉ ሓረጋት እንዳኮሓሓልካ ምሕላቕ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ ድማ ኣብ’ቲ ሳዕሪ በቚልዎ ዘሎ ኤምባሲታት ናይቲ ኣኼስ ጉጅለ ከይድካ ኢድ ምንሳእ፡ ዘገርም፡ ዘተዓዛዝብን ኤርትራዊ ጽንዓት ዘህስስን እዩ። ብመንእሰያት ክፍጸም እንከሎ ድማ የስደምም። ከምዚ ዓይነት ዘሕፍር ተንበርካኺ ስጉምቲ ንምውሳድ፡  ናይ ተቓወምቲ ውድባት ድኽመት፡ ብሓባር ዘይምስራሕን ዘይኣሳታፍነትን፡ ከም ምኽንያት ምቕራብ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን። ሓቀኛ ትሕዝቶኡስ ቅድሚ ህዝብኻን ሃገርካን ነብስኻ ካብ ምፍታው ዝሓልፍ ኣይኮነን። ርግጽ እዞም ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ድኽመታት የለዉን ንምባል ዘይኮነስ፡ እዞም ጸገማት እዚኣቶም ብቓልሲ እምበር ነብስኻ ካብ ቃልሲ ብምግላል ዝውገዱ ከም ዘይኮኑ ንምእማት እዩ። እዚኣቶምን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉን ጸገማትን እንተዘይህልዉ’ሞ ኸዓ ብመሰረቱ ቃልሲ’ውን ኣይመድለየናን።

8 ጥቅምቲ 2014

 

Last modified on Wednesday, 15 October 2014 12:27