ንዕላማታት መርማሪት ኮሚሽን ንምግላጽን ንመደባታ ንምዕዋት እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ንምብራህን፡ ብዕለት 21 መስከረም 2014:ኣብ ከተማ ጅኔቭ ብዙሓት ካብ ግዳያት ህግደፍ እተረኽቡዎ ኣገሳሲ ኣኼባ ተካይዱ። ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ዝኾና ኣሓት ኤልሳ ጭሩምን: ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝዓበየት መንእሰይ ቨሮኒካ ኣልመዶምን ነቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ኣኼባ ንምብራህ ሰፊሕን ኣገድሳስን መግለጽታት ብትግርኛን ብእንግሊዝን ኣቕሪበን።

እዚ ብመንእሰይ ስዊስ-ኤርትራ ንምዕባለን ሓድነትን (Swiss-Eritrean Youth for Progress and Solidarity - SEYPS) እተጸውዐ ኣኼባ: ብጨንፈር ስዊስ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን እተደገፈ ነይሩ።


ኣቕረብቲ መደረ: እቲ ብናይ 27 ሰነ 2014 ኣኼባ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቖመ መርማሪ ኮሚሽን ኤርትራ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ብስርዓት ህግደፍ ተፈጺሙ ንዝብሃል ገበናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምሉኡ ንምምርማርን ንምምዝጋብን ከም ዝኾነ ሓቢረን።

እቲ ንህግደፍ ዝምርምር ኮሚሽን ዕድሚኡ ሓደ ዓመት ጥራይ ከምዝኾነን: ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒምና ነቲ ተገይሩ ዝብሃል ፓለቲካውን ሰብኣውን ግህሰታት ስርዓት ኤርትራ ንዓለም ከነብርህ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ኣሓት ኤልሳን ቨሮኒካን ናብ ኩሉ ተቓላሳይ ፍትሒ ተሪር ጻውዒት ኣቕሪበን።


ግዱሳት ደቂ ሃገር ዘለዎም ሓበረታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት መንግስታት ይኹን ናብቲ ብሓፍቲ ኤልሳ እትመርሖ ተጣባቒ ማሕበር መሰላት ደቂ ሰብ እተዳለወ ሓዲሽ መርበብ (WWW.coi-eritrea.org) ከመሓላልፉ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

መንእሰይ ቨሮኒካ ኣልመዶም ከም ዝሓበረቶ: ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ጥራይ 4,823 ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊስ ኣትዮም፣ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ስዊስ ዕቝባ ናይ ዝሓተቱ ቊጽሪ ኤርትራውያን ድማ 22,674 በጺሑ ኣሎ። ካብዞም ኣብ ሃገረ ስዊስ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣገዳሲ ሓበረታታት ክርከብ ትጽቢት ኣሎ።  

ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ጅኔቭ ሓደስትን ናይ ቀደምን ስደተኛታት፣ ኣብ ወጻኢ እተወልዱ መንእሰይን ኣባላት ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ተረኺቦም ነይሮም። ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ ሰዲህኤ ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሓላፊ ዝኾነ ኣቶ ወልደሱስ ዓማርን፣ ናይ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ተንቀሳቓሲ ዶክቶር ዳኒኤል ረዘነን እውን ይርከብዎም ነይሮም።

ብመሓመድ ብርሃን ብላታ

22/09/2014 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንዝኽሪ መበል13 ዓመት

  ፖሎቲካውያን እሱራትና እቶም ብውሳኔ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ብዘይ ብቑዕን ቅቡልን ምኽንያት ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ከእትዎም ዝጀመሩሉ ዕለት ስለዝኾነ፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ዝተሞርኮሰ ንቃልሶምን ተወፋይነቶምን ብልዑል ሕልናዊ ስምዒት እንዳዘከርና፡ ነቲ ንሶም  ሕቶ ኣልዒሎም፡ ምእንትኡ ዝተኣስርሉ ቀንድን ኣገዳስን ሃገራዊ ዕማም ንምዕዋቱ ኣሰሮም ተኸቲላና ብልዑል ሃገራዊ ሕልና ንምቅላስ ክኸውን ከሎ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም  እዚ ናይ ሎሚ መዕልቲ ሰሚናር ዘዳለዉ ሓቦኛታት ኤርትራዊያን መንእሰያት ክብ ዝበለ ምስጋናይን ኣድንቖተይን  ብሽመይን ብሽም ኩሎም ፖሎቲካዊያን እሱራትና ዓቢ  ምስጋንይ የቕርብ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ በዚ ኣጋጠሚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንፖሎቲካውያን እሱራትና ክንዝክር ከሎና፡ እቲ ንሶም ምእንታኡ ዝተኣስርሉ ንክንፈትሖን ክንዕወተሉን ኣዝዩ ኣሸጊሩና ዘሎ ዓቢ ሃገራዊ ህመት ንኹልና ብሓባር እዩ ዝምልከተና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ መሬታዊ ናጽነትን ልዕላውነት ሃገርን ወላእኳ እንተ ተዓውተ፡ ንምርግጋጽ ዜጋዊ ሓርነታዊ መሰልን ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምብጻሕ  ግን ጌና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኢዩ ዝርከብ።

ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘርኣዮ ናይ ሰላሳ ዓመት ተባዕ ቃልሱ ኣዝዩ ፍሉይን እምብዛ ዘኹርዕን ዘሕብንን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ፓሎቲካዊ ተመኩሮኡ ዝተሞርኮሰ ብከቢድ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ  ኣብ 1991 ናጽነት ክጓናጸፍ፡  ኣብ 1993 ብረፈረንዱም ኣቢሉ ልኡላውነት ሃገር ክረጋገጽ ከሎ፡ ኣብ 1994 ናይቲ በብእዋኑ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝካየድ ዝነበረ ብሓፍሽኡ ናይ ሰውራና ጉባኤታት  መቐጺልትኡ  ኣብ ናቕፋ ሳልሳይ ወድባዊ ጉባኤ ተኻይዱ ውጽኢቱ ዘኹርዕን ዘሕብንን ዝመስል ዝነበረ፡ ማለት ኣብ ንጹር ራኢ ዝተሞርኮሰ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ሃገራዊ ባይቶ (ሓጋጊ ኣካል) ክመርጽ ከሎ ቀንዲ ሓላፍነት ዝወሰደሎም ዛዕባታት እንተ ነይሮም ህዝቢ ዝተቐበሎ ቅዋም ክዳሎ ብመሰረት ቅዋም ከኣ ብዙሕነት ሰልፊ ክህሉ ነጻ ፕረስ ክስረሓሉ ዶሞክራውን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝነግሰሉ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ልምዓትን ዕብየት ሃገርን ዝሳተፈሉ ዝብል ንጹር ራእይ ምንባሩ ናይ ብሓቂ ኣዝዩ  ዘኹርዕ እኳ እንተ ነበረ  ይኹን'ምበር ኩሉ እቲ ዘካየዶ ቃልሲ ውጽኢቱ ንረብሓ እቲ ዝተቓለሰ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ክትግበር ዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ዘሕዝን ዘሕፍርን ክይኑ እቶም  ናብኡ ከብጽሑ ዝኸኣሉ ቀንዲ ጠንቅታትን ዕንቅፋታትን  ክንገልጾም ኣንተ ዅና ኸኣ ማለት፡-

1.  ብመሰርት ውሳኔ ጉባኤ ናቕፋ ንውሳኔኡ ንምትግባር፡ ምህራት ናይ ሕጊ ሰብ ሞያን  ኣብዚ መዳይ'ዚ ሃብታም ተሞኩሮ ዝነብሮም ብውፍያት ኤርትራውያን ተጋደልትን ካልኦትን፡ ኮሚሽን ቅዋም ቆይሙ፡ ኣብ ተሞኩሮታት ናይ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝተሞርኮሰ ድህሰሳን ገይሩ ሰነዳት ተወኪሱ ድሕሪ እኹል መጽናዕቲ ምግባር ናብ ህዝቢ ወሪዱ ዳርጋ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝውሰደ መስርሕ ቁዋም፡ ብህዝቢ ርጡብ ክትዕ ተኻይዱ ኣብ ርእይቶኡን ሓቀኛ ድልየቱን ዝተሞርኮሰ ተጻፊፉ ተዳልዩ፡ ከም መሰጋገሪ ቅዋም ዝበዝሐ ህዝቢ ብነጻ ድልየቱ ዝተቐበሎ ከምቲ ዝድለ ኣብ ባይታ ንኽትግበር ኣብ ኣዳራሽ ምምሓዳር ከተማ ኣስመራ ኣብ መወዳእታ ናይ 1996 ኩሎም ኣባላት ባይቶ ሃገርን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዲፕሎማሴኛታትን ዓበይቲ ዓድን ዝተረኽብሉ ዓቢ ጽምብል ተኻይዱ፡  ብኮምሽን ዝተዳለወ ቅዋም ንኽትግበር እቲ ሰነድ ናብ ኢድ ፕራሲደንት እሰያስ ተረኪቡ።

2.   ካብቲ ግዜ'ቲ ብዘይ ንጹር ምኽንያት እቲ ተጀሙሩ ዝነበረ ናብ ራብዓይ ጉባኤ ዘብጽሕ ምድላዋት ኣደስኪሉዎ፡ ነዚ ዕመም'ዚ ንምስልሳል ቆይመን ዝነበራ ዝተፋላለያ ኮሚቲታት ውን ብውልቃዊ ውሳኔኡ   ደው ኣቢሉወን።

3.   ኣብ ኩሉ ኣርባዕተ ውርሒ ናይ ማእከላይ ሽማግለ ሃዝባዊ ግምባር፡ ኣብ ኩሉ ሹዱሽተ ወርሒ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ክካይድ ዝነበሮ ስሩዕ ኣኼባ ውን ደው  ኣቢሉዎ፡

4.   ዓበይትን ተኣፈፍትን ንሃገር ዝምልከቱ ጉዳያት ብዘይ ኣፍልጦ ሃገራዊ ባይቶ፡      ከም ንዑኡ ዝመስሎ ውሳኔታት ክወስድ  ምጅማሩ፡

5.   ብዘይ ኣፍልጦ ሓጋግን፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካል ንገለ ናብ ዝተፋለለዩ ዝለዓሉ ጽፍሕታት ክምድብን፡ ንገለ ከደስክልን ንገለ ክኣስርን ውን ብቐጻሊ ወልቃዊ ውሳኔኡ ይወስድ ምንባሩ፡

6.   ኣብመጎ ኤርትራን ኢትዮጽያን  ዘይተደልየ ሃንደበታዊ ኲናት ዝተወለዐ ንምግጣሙ ይኹን ምእላዩ ሃገራዊ ባይቶ ሓላፍነት ክወስደሉ ዝግባእ ነዚ ግምት ከይህበ ንህጹጽ ስሩዕን ኣኼባ ከይጸወዐ  ብውልቁ  ንህልዊን ኣስጋእን ኩነታት ግምት ከይሃበ ዘይተጸንዑ ቁልጡ ውሳኔታት ምውሳዱ፡  እሞ ኣንፈቶም ንሃገር ናብ ሓደጋ ዘውድቑ ምንባሮም፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ዓበይትን ተኣፈፍትን ጉዳይት ንምርኣይ ገለ ካብ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ነዚ ዘስተባሃሉ ተማያይጦም እቲ ግዜኡ ሓሊፉ ዝነበረ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለን ሃገራዊ ባይቶምን ነቶም ተቐልቂሎም ዝነበሩ ሓደሽቲ ዘስግኡ ኩነታት ብዕቱብ ተራእዮም ተገምጊሞም ነቶም ኣሉታዊ ሸነኻት ኣሊኻ ናብ ኣወንታውን ኣድምዕን ንምቕያሮም ምእንቲ እዮም ኣቶም ንልዕሊ 25 ዓመት ላዕለዋይ ጽፍሒ ሒዞም ተቓሊሶም ዘቃለሱ ገዳም ተጋደልቲ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ፈርመኦም ኣንቢሮም ንኣኼባ ምሕታት ከም ኣባላት ባይቶ ንኽሓቱ ሕጊ ዘፍቅዶ መሰለሎም ምኻኑ ኣይሰሓትን።

ውጽኢቱ ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ጠለብ ግምት ተዋሂብዎ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ኣወንታዊ መልሲ ዝወሃቦ፡ ነቲ ሰፊሕ ህዝቢ ዝጽበዮ ዝነበረ ኣወንታዊ መልሲ ገዲፉ ብውልቃዊ ውሳኔኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ካልኦት ገዳይም ውፍያት ኣብ ቀዳምይ ደረጃ ዝስርዑ ካድራትን ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ ክሳብ ሕጂ ውን ይቕጽሎ ምህላዉ ነዚ ናይሎሚ መዓልቲ ንምዝካር ተኣከብናሉ  ዘሎና መብል 13 ዓመት ዘብርሆን ዘረጋግጾን ሓቂ እዩ።

  

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፋላለዩ እዋን ብዙሓት ውልቀ መለኽቲ ተራእዮም ኣዮም እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንደርጋ 25 ዓመት ክጋደል ዝጸንሐ ሎሚ እቲ ሓቀኛ ባህርያቱ ተቐሊዑ ሓደ ካብቶም ግናያት ናይ'ዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝኸፍአ ውልቀ መላኺ ከም ዝኾነ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውርዶ ዘሎ ንክትገልጾ ዘጸግም ግፍዕታት ባዕሉ ዘብርሆ ሓቂ'ዩ፡ እምበኣር ነዚኦም ኣብ ግምት ኣእቲና ካብኣቶም ክንመሃረሉ ንኽእል እንተሃልዮም፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ዓለምና መዳርግቲ ዘይብሎም ብኣወንታ ዝግለጹ ተሞኩሮታትን ዓወታትን፡ ከም ዘለዉ  ኣይሰሓትን ፡ ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰውራ ኣካይዱ ሃገር ወኒኑ መንግስቲ ወላኳ እንተኣቖመ ናይ መጻኢ ዕድላቱ ጽልግልግ ዝበለ ዘደናግር መታን ከይከውን ዋሕስ ክንገብረሉ ዝግባእ ዋንነት ስልጣን ንረብሓ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ክንበጽሖ ስለ ዘይከኣልና፡ ሎሚ ኢርትራ ኣብ እዝዮም ግናያት ዝኾኑ  ንኽትገልጾም ዘጸግሙ ኣእዳው ውሑዳት ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ውልቀሰባት ወዲቓ ትሳቐ  ምህላዋ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ እዩ እቲ ጌና ዘይተዓወትናሉ መዳያት ክበሃል ዝከኣል። ናይዚ ዝተጠቕሰ ዘይምዕዋት ከም ሳዕቤናቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ከቢድ ዋጋታት ይኸፍል ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሻቐለሉ ዘሎን ሓቂ እዩ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ተግባር’ዚ ኸኣ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና መብዛሕተኦም ናይ ኣብ ከባቢ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያት ዜጋታትና ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ባዕዳዊያን ጸላእትና ዝኽፍአ፡ ብምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.  ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕን እከይ ተግባራትን ሂወትቶም ከድሕኑ ክብሉ ተገዲዶም ዝወስድዎ ዘሎዉ ስጉምቲ ኣብ ጉዕዞኦም ዝጓነፎም ዘሎ ካብ ኩሉና ክውል ኣይኮነን፡ ነዚ ክንርእን ክንስምዕን ከሎና ከምሰባት እንታይ ዓይነት ሕልና ክህልወና ይግባእ ንዝብል ሕቶ ኩልና ደቂ ሃገር ሻቕሎት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሕልና ዝተሞርኮሰ ዘላቒ ፍታሕ ከነናዲየሉ ዝጽበየና ዘሎ  ዓቢ ሃገራዊ ዕማም  ከም ዝኾነ ንኹሉና ብሩህ እዩ። 

 እምበኣር ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ሕድገታት ጌርና ንሃገር ቀዳምነት ሂብና ኣብ ድልዱል ሓድነት ሃዝቢ ዝተሞርኮሰ ሓድሽ ማሕበራዊ ሰውራ ንምህናጽ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ሃገርን ሕብረተሰብን ንኽንከውን ብተግባር ክንብገስን ክንቃለስን ይግባኣና፡ እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግበኣና ማሕበራዊ ሰውራ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ ኣዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘሰላሰልናዮ ቃልሲ ዝንእስ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ዝተሓላለኹን ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥሙና እዮም። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላምን ራህዋን ምዕሩይ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣተዕዳድላን ከምኡ ዉን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ማዕረ ዕዳላ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዝተማልአ ተሳትፎ ኣብ ምውሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራውን መንፈሳውን ባህላውን ድልየታቱን ጠለባቱን ብዝተሓተ ደረጃ ዝረጋገጸሉ ህመት እንተዘይ ፈጢርናሉ ኤርትራ ንውሉድ ወሎዶ ወትሩ ኣብ ናይ ጽልግልግ ጎደና ሓደጋታት ዝተሰጥሐት ኮይና ክትርፍ ማለት፡ ንዓና ነቶም ንነዊሕ ዝተቓለስና ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኮይኑ መልሲ ክንረኽበሉ ዝብደሃና ዘሎ ግዙፍ ሓገራዊ  ህመት ከምዝኾነ ውን ኣይሰሓትን።

ዝኺበርኩምን ዝኸበክንን፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተቓባልነት ከምዘይብሉ እዚ ናይ መንእሰያት ክሳብ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ  ብኣሻሓት ገዲፎሞ ናብ ስግር ዶብ ዝጓዕዙ ዘሎዉ ብቑዕ ምስክር እዩ፡ እሞኸደኣ ስለምንታይ ዕድመ ናይዚ ሽፍታ መንግስቲ ነዊሑ ንዝብል ሕቶ፡ ብርእይቶይ፡ ስለስተ ረቛሒታት ክጥቀሱ ይኻሉ፡-

1 ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ይኹን ህዝቢ ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ሓያል ናይ ተቓውሞ ስርርዕ ዛጊት ዘይ ምህላው፡

2 ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ትርጉም ዘብሉ ብኣሉታ ዝግለጽ ናይ ውድባት ምርባሕ ደምበ ኮይኑ ኮለል ዝብል፡ ንጹር ራኢ ሃልዩዎ  ሓድነቱ ኣደልዲሉን ኣረጋጊጹን ሓያል ግንባር ፈጢሩ ክቃለስ ዘይምኽኣሉ፡

3 ማሕበረሰብ ዓለም ብውድቡን ሕግታቱን ኣቢሉ ኣብልዒ'ዚ ሽፍታ መንግስቲ ምስ'ቲ ዝረአ ዘሎ ንሕግታት ዓለም ዝጻረር ምግሃስ ሰብእዊ መሰልን እንዳረኣየ  ዝኾነ ጸቕጢ ከይገበረ ትም ኢሉ ምርኣዩ፡

4 ብመሰረት ስምምዕ ኣልጅሪ ዶብ ተሓንጺጹ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ደስኪሉ ምህላዉ፡ ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ጉዳያት እዮም ንዕኡ ኣሻዲኖም ምልካውነቱ ክናዋሕ ኣኽኢሎሞ ዘሎዉ።

እዚ ክብል ከሎኹ ካብ እንውንኖ ሃብታም ተመኩሮን ናይ ነዊሕ ቃልስናን ከምኡ  ውን ብቐረባ ናይ ጎረባብትና መንግስትታን ሕብረተሰባትን፡ ሃገራት ዓለምና ዝሓለፍኦን ዘጋጠመንን ዘሎ ዝተሓላለኸ ሽግራተን ብምርኣይን ምንቃልን እቲ ሓደጋታት ንዓና ውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝብድሁና ዘሎዉ፡  ኣብ ንራብሓ ህዝቢ ዘይምልከት ህውታታ ንኾልል ከይንህሉ ኣዝዩ ዘስክፍ እዩ። ወትሩ ኣብ ግዝየን ዝተፋላለዩ ኩነታት ዝቀያየሩ ወድዓውን ባዕላውን ተርእዮታት ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም፡ ነዚኦም ከምዚ ብሽም ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ክሕግዙና ዘይከኣሉ ጸቢብ ኣተሓሳስባ እሞ ንታሪኽን ቃልሲ ሰፊሕ ህዝብና ዘይውክል፡ ብሽም ዶሞክራሲ ናይ ወገሐ ጸብሐ ናይ ውድባት ምርባሕን ምምቕቓልን  ከዕውተና ስለ ዘይከኣሉ ብሃገራዊ ሕልና ብዑምቀት ፈሊጥና፡ ንጹር ራእይን ሃልዩና  ቃልስና ኣመዓራሪና፡  ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ድልየትን ሕልምን እንተዘይብልና ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ሃገራዊ ስትራተጂካዊ መደባትና ክንበጽሖን ከነዐውቶን ከምዘይበቓዕና እዚ ዝረአ ዘሎ ኩኑታት ተቓውሞና ብቑዕ ምስክርነት እዩ።

እምበኣር ነዞም ኩሉም ዝተጠቕሱ ኣብ ግምት ኣእቲና ብሓድሽ ቅዲ ክንብገስ ናይ ዝሓልፈን ህልውን ብቑዕ ገምጋም ክንገብር ካብኡ ተበጊስና ኣብ ንጹር ሃገራዊ ራኢ ዝተሞርኮሰ ሓያል ግንባር ክንፈጥር መድረኽ ይሓተና ከም ዘሎ ኣይሰሓትን ብፍላይ ንመንእሰይ ኣብ መሪሕ ግዴኡ ዝተሞርኮሰ ኣወንታውን ኣድማዕን ተረኡ መታን ክጻወት ካብ እንውንኖ ሃብታም ተሞኩሮና ተበጊስና ነተባብዓዮም ንሓግዞም ክብል ከሎኹ ህልዊ መንእሰይ ከኣ ናቱ ተበጉሶ ውሲዱ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ናይ ለውጢ ሰውራ ከካይድ ግዜኡ እዩ  እንዳበልኩ ሓሳበይ  ቅድሚ ምድምዳም ኩሎም ፖሎቲካውያን እሱራትና ሓብርቲ ጽንዓትናን ቃልስናን እዮም ኣስሮም ተኸቲልና ጉዕዞ ቃልስና ክንቅጽሎ ኢና።

                               ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና፡

                               ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

                                          መሓመድ ብርሃን ብላታ።

 

ሰንበት ዕለት 14-09-2014 ፓል ሓርነት ንኣቶ ዳኒኤል ገብረሚካኤል ብዛዕባ ናይ ቦሎኛ ገምጋም ንኽህብ ኣብ ዝሓለፈ ግዚያት ዕድመ ተገይሩሉ ኣብ ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ብወገኑ ነቲ ዕድመ ተቐቢሉ ነዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ዕለት እዚ ሓዲሽ ንመጀመርያ ናይ ተሓባቢርካ ምስራሕ ተበግሶ ፓል (Eritrea Degena and Teshamo Forum) እውን ተጸንቢርዎ ክልትኡ ፓላት ብዝተወሃሃደ መገዲ ኣብ ክልትኡ ገዛ ብምዝርጋሕ ናይ ክልትኡ መስኮት ዝቐረበ መደረ ክሰምዑን ሕቶን ርእይቶን  ከቕርቡን ተኻኢሉ።

እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ብሓቂ ነዘን ክልተ ፓላት ጥራይ  ዘይኮነ ካልኦት እውን ኽጽንበርኦን ኣብቲ ኣድላዪን ኣገዳሲ እዩ ዝበልኦ ንተኸታተልትን መጋቢ፣ ነቲ ተረሓሒቑ ወይ ዘየድሊ ኣብ ነንሓድሕድካ ምጽልላማት ደምሳሲ፣ ንሓያል መድያ ብስነምግባር ዝግዛእ መደብ መራኸቢ ብዙሃን ሓጋዝን  መጀመርታን እዩ ዘሪኡ። ስለዚ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ስለዝኾነ ክቕጽል ብዙሕ ተስፋ ይግብረሉ። ነዚ ዘማእከለት ካብ ፓል ሓርነት ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ክትከውን ከላ ሓው ተስፋይ ካሕሳይ ድማ ተሓጋጋዚ ብምዃን ነቲ ፓል ኣካይዶሞ።

ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ንዕዱም ጋሻ ናብ ሰማዕቲ ክልቲኡ ፓላት ቅድሚ ምቕራባ፣ እዚ ናይ ክልቲኤን ፓላት ሓባራዊ ስራሕ ንድሌት ዱልዱልን ኤቲካዊ ሕጊ ዝግዛእ መድያ ንምብጻሕ መገዲ ስለዝኸፍት ብወገነይ ንፓል ተሻሞ የመስግን። እዚ እቲ ክንበጽሖ ዘሎና መደብ ስራሕ ወይ ዕዮ ስለዝኾነ ቅሩብነት እነሆ ይርአ። ኣብ ቀጻሊ እውን ተራኺብና ነተን ካልኦት ዘልዋ መሳዅቲ ምምሕዳራት ብምርኻብ ናይ ምውህሃድ ስርሓትን ንኹልና ዝኣስር ሕልናዊ ሕጊ ኣቝምና ክንህቦ እንኽእል ናይ እሩም ዜና፡ ትምህርቲ፡ መደብ ዘተ  ንፍትሕን ንዲሞክራስን ልኡላውንት ሃገርን ህዝብን ግዝኣተ ሕግን ክቅራረቡ ዝግበር ዕዮታት ዓቢ ግደ ክዕወት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ እወንታዊ ስራሕ ሚድያ እውን ነማልእ ኣለና ማለት እዩ።

እምበኣርከስ ናብ ሓው ዳንኤል ገብረምኪኤል ብምምላስ እዚ ንጡፍ ዕጉስ ውሕሉል ሓው ከም ትፈልጥዎ ንቦሎኛ ፎርም 2014 እውን  ሓላፍነት ካብ ቦሎኛ 2013 ተዋሂቦም ዝቀረቡ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ኮይኑ ነዛ ሽማግለ እውን ምስ መሳርሕቱ ዘማእክለ ጥራይ ዘይኮነስ ንቦሎኛ 2014 ሰለሰተ መዓልቲ ዝተጋበኤ ፎርም  እውን ከም ኣወሃሃዲ ከፊቱ ኣብ መደምደምታኡ ዘብጸሐ እዩ።

ስለዚ ካብኡ ንላዕሊ ውዕሎ ዘተ- ከመይ ነይሩ ከመይከ ደምዲሙ ዝብል ሕቶ ክምልስ ዝኽእል እውን እዩ። ከዘኻኽር ዝደልዮ እንተሃልዩ ዳንኤል ኣብ ፓል ሓርነት መጺኡ መግለጺ ትሕዝቶ ቦሎኛ ፎርም 2014 ኣመቱን ክበጽሖ ዝደሊ መደብ ዕዮታት ኣብሪሁ ስለዝነበረ፡ ፓል ሓርነት ብተገዳስነት ድሕሪ ምስምዑ ዘድሊ ሓበረታን ለበዋታትን ኣቕሪቡ ምስ ወደአ ገምጋም ክበና ክንዕድሞ ምዃንና ቃል የእትይዎ ስለዝነበረ ነዚ ውዑል እዚ ኣኽቢሩ ብፓል ሓርነት ዕድመ ብምስታፍ፣ ፓል ተሻሞ ዝተወሰኾ እንሆ ኣብ ቅድሜና ይርከብ።

ስለዚ ንዝተዋህቦ ሕድሪ ኣኽቢሩ ምምጽኡ ብሽም ክልቲኡ ፓል ምስጋና እናቕርብኩ ማይክሮፎን ንጋሻና ቅድሚ ምስግጋር ናይ ሓደ ደቂቕ ንዝኽሪ ንኹሎም ስውኣትና ሕልናዊ ጸሎት ብምግባር ንኽጅምር ብድሕሪኡ ብቕጥታ ማይክረፎን ንሓው  ዳንኤል ተመሓላሊፉ።

ካብዚ ብምቕጻል መደረኡ ቅድሚ ምጅማር ነዚ ተበግሶ ናይ ክልቲኡ ሩማት ብኣድናቖት ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ካብ ነዊሕ ዝጸዓረሉ ዝነበረ ጐደና ሓቢርካ ምስራሕ ተጀሚሩስ እዚ ክልትኡ ብሓባር ክሰማማዕ ምብቃዑ ኣዝየ ልባዊ ምስጋና እየ ዘቕርብ። እቲ ናይ ቦሎኛ ተበግሶ እውን እዚ እዩ ነይሩ እቲ ድሌቱ ኩሎም ደቂ ሃገር ካብ ውልቀ ጀሚርካ ብእርኑብ ተወዲቦም ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ሓባራዊ ስራሕ ውህደት ምርድዳእ ዘተ ምስ ዘዘውትሩ ንዕላምኦም ከም ዘዕውትዎ ኩላትና ንፈልጦ እይ እሞ እንደገና የመስግን።

 ኣነ ኣብዚ መጺኤ መብርሂ ዓውደ ስራሕ ቦሎኛ ፎርም ፍጻሜታቱን መደባቱን ከምቲ ኣቕዲማ ሓብቲ ኣድያም ዝሓበረቶ ካብቶም ዘዳለዉን ንምክንዋኑ ዝተሳተፍኩ ኣብ ምውህሃድ ድማ ብዓቕመይ ግደይ ዝማላእኩ ስለዝኾንኩ ከምኡ ኣውን እታ ዝሃብክዋ ሕድሪ ንምምላእ ኣምበር ወግዓዊ መግለጺ በቶም ንዕኦም ዘርኢ ክውጽእ ምዃኑ እየ ዝፈልጥ። ግን ነቲ ውዕሎ ኣገዳስነቱ ድሌት ስራሕ ናይ ቦሎኛ ፎርም 2014 ዝነበሩ ዜጋታትና ውዕውዕ ከሎን ነቶም ኣብኡ ዘይወዓሉ ናይ ምፍላጡ ህርፋኖም ንምርውይ ወይ ሓበረታ ምሃብ ኣንተዘይኮይኑ ብሰፊሑን ናይ ስራሕ መደባቱን ከመይን ብኸመይን ናብ ስራሕ ንጽምድ እቶም ተመዚዞም ዘለዉ ናይ ዕማም ሓይሊ በብእዋኑ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሃን ክገልጽዎ ምዃኖም ኣይጠራጥጠርን።  እቲ ብኣኦም ዝውሃብ ከኣ እዩ እቲ ዕላውን ወግዓውን ። እቲ ናተይ ሓባሪ ደኣ እምበር ካልእ ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ድሮ በብዘለዉዎ ሪፖርታጅ 2014 ብትግርኛ ብእንግሊዘኛ ካብቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ድሮ ኣብ መርበባት ክዝርጋሕ ተጀሚሩ ስለዘሎ እዚ ከኣ እቲ ብዙሕነት ምስ ፍልልያትካ ኣብ ሓድነት ዝሕብር መስርሕ እውን እዩ። ኣነ ክብሎ ዝደሊ ክቡራት የሕዋትን ኣሓትን፡ ቦሎኛ ፎርም 2014 በቲ ካብ ቦሎኛ 2013 ዝተዋህቦ ንምቅርራብ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታትናን ዝተወደቡን ዘይተወደቡን ኮታ ንኣርእስታትን ትሕዝቶ ቦለኛ ፎርም ዝደገፉ (endorse) ዓውደ መጽናዕቲ ከፊትካ ኣብዚ ተዛቲኻ ብምስምማዕ ዘውጻእካዮ ዓወደ ስራሕ ብዕማም ሓይሊ ተማእኪሉ ነቲ ኩሉ ኤርትራዊ ብስራሕ ኣቢሉ ዝምድና፣ ምትእምማን፣ ሽርክነት ስራሓት …ወዘተ ብምፍጣር ኣብ ሓደ ዓቢ ንኩላትና ዘሳትፍ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ዝሃቀነ ኮይኑ ስርሑ ብጽፉፍን ኣዕጋብን ክበሃል ዝከኣል ደምዲሙ።

እዞም ኣብ ስራሕ ተወዚዖም ዘለዉ ዕማም ሓይሊ ንኹሉ ኣብ ደገ ዘሎ ብምርካብ ኣብ ስራሕ ከሳትፍዎ እዩ እቲ ጻዕሪ ስለዚ እቲ ኣብ ቦሎኛ ተጋቢኡ ዝነበረ ዜጋታትና በቲ ዝነበረ ኣርእስታት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ሸውዓተ ጣውላ በቲ ነፍሲወከፍ ኣነ ኣብዚ ክእለተይ ከበርክት ሓሰባይ ክቅርብ ዝብሎ ብድሌቱ ዝተወዘዐ እሞ ነዚ ዓውደ መጽናዕትን ስራሕን ዘማእክሉ ባዕሉ ዝመረጾም ስለዝነበሩ እዞም ኣማእከልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጠረጴዛ ወይ ዓውደ  መጽናዕቲ እቲ ጉባኤኛ ናይ ዕማም ሓይሊ (ታስክ ፎርስ) ክኾኑ መዚዝሞም። ንሶም እውን ተቐቢሎሞ።

ነፍሲ ወከፍ ዓውደ መጽናዕቲ ወይ ጠረጲዛ ከኣ ሽማግለ ናይቲ ሒዛቶ ዝነበረት እርእስቲ ወይ መደብ መጽናዕቲ ኮይና ምስ ኣብ ደገ ዘለዉ ኩሎም ኤርትራውያን ቀሪባ ብምርድዳእ ኣብ ስራሕ ናይ ምጽማድ ዕዮኣ ምዃኑ እውን ኩሉ ጉባኤኛ ኣስሚሩሉ። እተን  ዝወጻ  ሸውዓተ ኣርእስትታት መደብ መጽናዕትን ዕዮን እዘን ዝስዕባ እየን፡-

1-     ምህናጽ ሓደ ዝሰመረ ሃገራዊ ጽላል

2-    ሃገራዊ ዕርቂ

3-   ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምጥርናፍን ምልዕዓልን

4-   ኣብ ሃገራዊ ባህሊ መሃዝቲ ስነጥበባውያን ምስታፍ

5-   ምህናጽ ንኹሉ ዘሳትፍ ሓያል ሚድያ

6-   ግብረ-መልሲ ንናይ ስደተኛታት ሽግር

7-   ውጽኢታዊ ዝኾነ ዓለም ለኸ ዝምድናታት ምፍጣር

ከምዚ ዝጠቐስክዎ ኣብዚ ኣርእስታትት እዚ ህዱእን ርጉእን ኣወንታዊ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ንምትግባሩ ዘድሊ ንድፊ ብምቕራብ ነፍሲ ወከፍ መደብ መጽናዕቲ መሪሓ ዝበጽሓቶ  ጡርኑፍ ሓሳባት ኣብ ሰለስተ ጽሚቛ ብምቕራብ፣ 21 ጡርንፍ ሓሳባት ኣብ ናይ ሓባር ክትዓት ተኣትዩ ጸሚቑ ንመስርሕ ዝኽውን መደብ ዕዮ ኣሚቱ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ናይ ዕማም ሓይሊ ብምውሳን፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጽዑቕ ስራሓት ደምዲሙ። ሕጂ እዚ ኣብ ቦሎኛ ዝተገብረ ኣኼባ ንዘተ ብዘተ ኣቢልካ ብእንካን ሃባን ኣብ ምርድዳእ በጺሕካ፣ ተሰማሚዕካ፣ ሰሚርካ ናይ ምስራሕ በዚ ኣቢልካ እውን ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ዝኸፍት መገዲ ንኹሉ ዜጋታትና ዘራኽብን ዘዛትን ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ  ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ብሩህ ክኾነልና ይምነ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋታት ድሌትን ኣብ ሓርነት ህዝብን፣ ልኡላውነት ሃገርን፣ ዲሞክራስያዊ ዓውደ-ቃልሲ ቁዋማዊት ሃገርን ንምብጻሕ ዘቃልስ ባይታ ኮይኑ ክርኤን ክስርሓሉን ትጽቢት ጉባኤኛታት ጥራይ ዘይኮነስ ክስርሓሉ ከም ዘለዎ እዩ ኣማሕጺኑ። እነሆ  ከእ ድሮ እቲ ድሌት ዘብርህ እኳ እዚ ኣብ ክልቲኡ ገዛ ኮይኑ ብጽሞናን ተገዳስነትን ዝሰምዕ ዘሎ ህዝብና ኣብነት እዩ ብምባል መደረኡ ደምዲሙ።

 ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሕቶን መልስን ባይታ ተኸፍተ። ካብ ክልቲኡ ገዛውቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ሕቶ ኣትኩሮኡ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ሓደ ዓቢ ንኹሉ ዝጥርንፍ ጽላል ኣብ ሓርነትን ዲሞክራስንነትን ዝተሰረተ ጽላል ንኽንበጽሕ ዘድሊ መገድታት ዝድህስስ እዩ ነይሩ።

ሓቢርካ ምስራሕ ናይ ዓወት ጐደና ምዃኑ እዩ ሓቢሩ። ብወገኑ ይጠቅም ዝበሎ መሳሪሕታት ከም ለበዋ ኣቕሪቡ።

ብሓቂ ብህርፋን ናይ ሓርነት ንሃገርና ካብ ጽንኩር ኩነታት ብኸመይ ንምውጽኣ እንታይ ክንገብር፣ ንምልኪ ስዒርናኸ ኣብ ዲሞክራሲን ምዕባሌን ብኸመይ ንጎዓዝ ዝብል ጥሙርን ጥልቕ ዝበለን ሓሳባት የቕርብ ነይሩ። እቲ ሽግርና  ባዕልና ንፈትሖ ምትሕብባር ናይ ወጻእተኛታት ከኣ ነኽብርን  ንቕበልን ዝብል ጭርሖ ክኽፋፍለና ከምዘይክእል እንታይ ደኣ ጽንዓት ምትእምማን ንጉዳይካ ቅድም ባዕልኻ ምዕጣቑ።

እዚ ከኣ ብንቕሓት ፍልጠት ተሰንዩ ናይ ደገን ውሽጥን ተኣሳስርካ እትሰርሓሉ ባይታ ምፍጣር ዝኾነ ዘሎና ጎደና-ዕዮ፡ክንክተል ናብ ስራሕ ብስራሕ ምዃኑ ተገንዚቡን ተረዳዲኡን ክዕየ ዘለዎ እዩ ብምባል ንኣርባዕተ ሰዓታት ዛኣክል ዝምስገን ምይይጣት ተኻይዱ።

ብሓርነት ፓል ዝተዳለወ

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኤርትራ ብእትፍጽሞ ዘላ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምኹናን፣ ኣብ መገልጺኡ ንሽወደናዊ  ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ምህላው ዘኪሩ። ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዓሚቝ ስክፍታ ይፈጥረሉ ከምዘሎ ሕብረት ኤውርጳ ገሊጹ። ብፍላይ መሰረት ሕጋውነትን  ናይ ሕልና፡ እምነትን ምግላጽ ርእይቶን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ሰብኣዊ ሓርነታት ዝበኾረሉ ሃለዋት ምህላው ሕብረት ኤውርጳ ኣብ መገለጺኡ ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ሕብረት ኤውሮጳ ኤርትራ ንእሱራት ኣባላት ባይቶን ጋዜጠኛታትን ካልኦት ብምኽንያት ፖለቲካዊ ርእይቶኦም ተኣሲሮም ዘለው እንተላይ ዳዊት ኢሳቕ ክፍትሑ  ጠለቡ ኣቕሪቡ።

Paltalk Eritrean Harnet Discussion Room  

 

ዕዱም ጋሻ፡-   ወይዘሮኣማልዓሊመሓመድሳሊሕካብዓዲእንግሊዝጋዜጠኛንራድዮኣቕራቢትን

ንዕለት፡-      ቀዳም  20-09-2014

ዛዕባ፡-        ግደናይመራኸቢብዙሃንንሓላፍነትናይምሁራትንኣብምህናጽመራኸቢድልድል

ሰዓት ፡-      20፡00 ብበርሊን ኣቆጻጽራ

ብደሓን ምጹ

Invites all:-       

Guest speaker:  Mrs. Amal Ali Mehamed Salih journalist from Great Britain

Topic:         the role of media and the responssibility of intelectuals in building the bridge.

Date: -               Saturday    20-09-2014

Time:-               20:00 Berlin time   

                          02:00 New York  

                          11:00 Vancouver   Everyone is welcome

تدعو غرفة حرنت بال للحوار جميع المهتمين بالشأن الوطني الإرتري إلى أمسية حوارية.

يوم السبت 20-9-2014 تحت عنوان: دور الإعلام ومسؤولية المثقفين في بناء إعلام فاعل يساهم في تحقيق التواصل البناء.

ضيفة الأمسية السيدة الإعلامية آمال علي محمد صالح

بداية الأمسية ستكون في تمام الثامنة مساءاً بتوقيت برلين واتاسعة مساء بتوقيت إرتريا.

 

أسرة الغرفة ترحب بجميع الضيوف من أجل بناء أرضية صلبة للرأي والرأي الآخر.

ኣገዳሲ ሕዝባዊ ሓበረታ

Thursday, 18 September 2014 12:51 Written by

Svensk-eritreansk Samarbetsorganisation

  För demokratiutveckling

 

 

ኣገዳሲ ሕዝባዊ ሓበረታ

 

ስዊደናዊ - ኤርትራዊ ምሕዝነት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ መበል 53 ዓመትን፣ መበል 13 ዓመት ናይቶም ብ 11 መስከረም 2001 ብህግድፍ ዝተኣስሩ ፖሊቲካውያን መራሕትን ፣ ጋዜጠኛታትን ንምዝካር፣ ንኩሉ ብህዝቡ ዝግደስ ብክብሪ ይዕድም።

 

ንቀዳም ዕለት 20 መስከረም 2014 ፣

ግዜ፣        14.00-21.00

ቦታ፣ Lötsjövägen 29 B- Hallonbergen Centrum- T- Bana mot Akalla

 

 

መደብ ምሸት

1.     ንኡስ ዘተ ምስ ፖሊቲካውያን

2.    ቃል- መስከረም

3.    መዘናግዒ

 

ምስ ሰላምታ

ኣካያዲት ምሸት

"ዘይተሰምዐ'ምበር ዘይተገብረስ የለን" ኢሎም ክዛረቡ ዝሰማዕኩም ብዙሓት ኢኹም። ምኽንያት ናይ'ዚ ከኣ ገበርቲ እከያት ኩሉ ግዜ፡ ዕለተ ዕለት ካብ ስርሖም ስለዝየቋርጹ ንብዙሕ ተንኮላት ስለዝፍሕሱን ዝኣልሙን ዝፍጽሙን፡ እቲ  ግሩህ ሰብ ኣየስተብህለሉን፡ ከይሰምዖ ይሓልፎን። እሞ ኩሉ ግዜ ነቲ እከይ ተግባራት ደንጕዩ እዩ ዝሰምዖ። ሓድሽ ነገር መምስ ሰምዑ ከኣ እዚ በደል መዓስ ተፈጺሙ፡ እዚ ስርሓት መዓስ ተፈጺሙ ቢሉ ይሓትት'ሞ፡ እዋእ እዚ ደኣ ኩሉ ዝሰምዖን ዝፈለጦን እንድዩ ኣበይ ነይርካ ምስተባህሎ፡ ወይ ሰብ ደቀይ እሞ ዘይሰማዕናዮ እምበር ዘይተገብረስ የሎን ይብሉ።

ብዕለት 13-09-2014 ኣብ መስኮት ሓርነት (ፓል ሓርንነት) ‘’ኣዓዋቲ ስትራተጂ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ‘ዝብል ኣርእስቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ሓዘል ምይይጥ ብሓው ኩሉብርሃን ኣብረሃም ክቐርብ ከሎ ነዚ እርእስቲ እዚ ንምህብታሙን ዕምቈት ዘለዎ ትሕዝቶ ንምሃብን`ዶክተር ኣዳነ ምስ ሓው ተስፋኣለም   ዝተሳተፍዎ  ምይይጥ ኣብ ፓል ሓርነት ተኻይዱ።
እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ኣባላት ኤምዲሰመ( ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ)ክኾኑ ከለዉ ካብ ነዊሕ ግዜ ነዚ ኣብ ሃገርና ካብ ምስግጋር ኢሉ  ብግዜያዊ መንግስቲ እናበለ ንሃገርና ገቢቱ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ጸምዱ ሒዝዎ ዘሎ ሃገርን ህዝብን ናጻ ንምውጻኣ ዝተቓለሱን ዝቃለሱን ዘለዉ ንጡፋት የሕዋት ኮይኖም ንህዝብና ብስራሕ ፈሊጥካ እትቃለሰሉ ባይታ ንምጥጣሕ ዝጽዕሩ ጥራይ ዘይኮኑስ ንኩሉ ደላይን ተቃላሲ ፍትሒን ንምንጋስ ዲሞክራሲ ንምጥጣሕ ብሓባር ዝስርሓሉ ፍልልያቱ ሓልዩ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዘቐድመሉ ሰፊሕ ባይታ ወይ  ጽላል ዝከናወነሉ ኣብ ጐደና ዕዮ ዝርከቡ ዘለዉ እውን እዮም። ከምዚ ኣብ ላዕል ተጠቒሱ ዘሎ እርእስቲ ሓው ኩሉብርሃን ኣብ መእተዊኡ ህዝብና ኣብዛ እዋን እዚኣ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ናጽነት ብዘይ ሓርነት ዝነብር ዘሎ። ነዛ ናጽነት እዚእ ካብ ግዚያት ጣልያን እንግሊዝ ኢትዮጵያ ንኽናገፍ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ግና በቲ ተስፋ ኣንቢሩሉ ዝነበረ ናጻ ዘምጽኡ ደቁ ዘይተጸበዮ  ፍትሒ ቅዋም ሰላም ራህዋ ሓሪምዎ ጥራይ ዘይኮነ ግዳይ ማእሰርቲ ቅዝፈት ጽንተት ህዝቢ እውን ዝስዕብ ባድኖት ስርዓተ ሕጊ- ህዝቢ ዝጠምር  ዘሎ ጉጀለ ሕሱም ውልቀ መላኺ ስርዓት እሳያስ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮምን ዝእስሩን ዘለዉ እንዝክረሉ ዕለት 18-09-2014 እኳ እንተኾነ ስእልታቶም ዘለና ምስክርነት እነብርሃሉ ወርሕን እውን እዩ እናበልኩ ንኹሎም ስውኣትና ናይ ሓደ ደቂቅ ሕልናዊ ጸሎት ንግበር ክብል ንሓደ ደቂቅ ኣኽበረ። ቀጺሉ ሓደ ንፍትሒ ንዲሞክራሲ ንልኡላውነት ሃገር ሓድነት ህዝብን ንቃለስ ክብል እንተደኣ ኮይኑ ኣቐዲሙ ንጹር ዝኾነ ራኢን ውጥንን ክህልዎ ይግባእ። እዚ ካብ ኮነ እዘን ወይ ኣዞም ኣብ ቃልሲ ኣለና እንብል ውልቀሰባት ውድባት ምንቅስቓሳት ሰልፍታት እዚ  ራእን ውጥንን ኣለዎምዶ?
ብፍላይ ኣባላት እዘን ውድባትን ምንቅስቓሳትን ንመሪሕነቶም  ብንጹር ይፈልጥዎምዶ?
በቲ ዘውጽእዎ መደብ ዕዮን ንዑኡ ዘገልግል ሕጊ ዘጽደቕዎ ተቐይዶምዶ ይኸዱ? እዚ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ኣልዒልካ ክተምራመረሎም ምስ እትፍትን ፈጺሞም ዘየማልእዎ ወይ ዘየተግብርዎ እኻ ትርኢ። ከም ኣብነት ተኣኪብካ ምፍንጣሕ፡ ቀዳምነት ክወሃብ ዘለዎ ገዲፍካ ኣብ ደቂቅ ነገራት ኣቲኻ ሃለክትን መፈላለዪ ጭርሖታት ኣልዒላክ ምርሕሓቕ ምንጽጻግ ፖለቲካዊ ክሲ ኣብ ነንሓድሕድካ ምዝውታር ክሳብ ከም ፈራዲ ኰንካ ካብ ግዜ ንእስነቶም ኣትሒዞም ዝተቃለሱ በቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተገብረ ገበናት እናዘከርካ፣ ኣብዚ ስርዓት ሓላፍነት ሒዞም ዝነበሩ በቲ ኣብኡ ከለዉ ዝተገብረ ገበናት ተሰከምቲ እዮም እናበልካ ዝግበር ኣፋዊ ቅንጸላታት እንሰምዖን እንከታተሎን ዘሎና ዕለታዊ ብድሆታት ምስክር እዩ። እዚ ዝኽነሉ ከኣ እቲ ፈሊጥካ ኑጹር ራኢን ውጥንን ሒዝካ ንምቅላስ ብቅዋምነት ስቪላዊ መሰል ደቂ ሰባት ኣብዚ ዝተመርኰሰ ግዝኣተ ሕጊ ንምትካል ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ብዝተፈላለዩ መሳርሒታት ማለት መጻሕፍቲ ሰሚናር  ብመራኸቢ ብዙሃን ብውልቀ እውን እናተራኸብካ ፍልጠት ወይ ንቅሓት ክብ ምባል ጌና ዓቢ ስራህ ይጽበየና ኣሎን ክንገብሮ ዘለና ምዃኑን እዩ። እዚ ሎሚ ምሸት በዚ ብኣኹም ኣብ ፓል ዓዲምካ እሂን ምሂን ምባል   ክትዕ ወይ ዘተ ምቕራብ ሓደ ኣብነት  እዩ።እስከ ንሕስብ ኩሉ ግዜ ለውጢ ለውጢ ትብል ቃል ቀላል እኮ ኣይኮነትን። እንታይ ዓይነት ለውጢ፡ ካብዚ ዘሎ ስርዓት ዝኸፍአ ለውጢ ከይመጽእ ተጠንቂቕካን ዓሚቝ ፍልጠት ለውጢ ንፍትሒ ዲሞክራሲ ክተንግስ ቀሊል ጉዕዞ ኣይኮነን። ስለዚ ቅድም ብሰውነትካ እያ ለውጢ ትጅምር።  ሕድገት ንጽህና ብሩህ ራኢ ኣገልጋሊ ዲሞክራሲ ሓቢርካ ምንባርን ምስራሕን ሰናይ ድሌት ምትእምማን ንዘተ ቅሩብ ምዃን መጽናዕቲ ሃብቲ ሃገር ከመይ ዝኣመሰለ መሪሕነት ኣብ ዲሞክራሲ ወዘተ ዘኣመሰሉ ክኢላታትና ኣወሃሂድና ኣዛሚድና ክእለቶም ከወፉዩልና ንምግባር እቲ መሳርሒ ናይ ፍልጠት ኢልና ጠቂስናዮ ዝነበርና ብምጥቃም ካብ ነፍስና ንሕብረተሰብና እዚ ለውጢ ክንጸምዶ ይግባእ። ነዚ ክውን ንምዃን ኣብ ስራሕ በብክእለትና ክንሰርሕ ምስ እንጅምር እወንታዊ ውጽኢት ምስ እንረኢ ህዝብና ናይ ምትእማምን ኣንፈት ይቅይር ክቀርበና ጥዑይ ዘኮነ ግዲኡ ናይ ምግባር እውን የርኢ። ስለዚ ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ከም ኣብ ጸገሙ ምስታፍ ፍታሕ ጸገማቱ ሓቢርካ ምንዳይ ኣብ ስራሓትን ሕጋውን ትምህርቲ ክሕገዘሉ ዘለዎ ግዴኻ ምውፋይን ሓቢርካ ፍታሕ ምንዳይን ነቲ ኣብዚ ዘብጸሐ ጸገማት ወይ ግብሪ ውልቀ መላኺ ምልላይን  ፍታሕ ንኽትረኽበሉ ዘቀራርብን መደብ ዕዮ ክኽውን ይኽእል። ኣብ ደንበ  ፍትሒ ከኣ ብስራሕ ስለትራኸብ እታ ምትእማምን እትብል ባይታ ተጣሒሳ ናይ ሽርክነታዊ ዝምድናታት እውን ይጅምር። ከምዚ ኢልካ ኣብቲ ናይ ሓባር መኣዲ ወይ ጽላል ሃገራዊ ጽላል ትበጽሕ። ስለዚ ብስራሕ ወይ ብስራሕ ኣቢልካ እቲ ሃገራዊ ጽላል ብዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝብል ጭርሖ ክብጻሕ ይከኣል። እዚ ንምግባር ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ዓውደ መጽናዕቲ ዝወጸ እማመን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2014ን ኣብ ቦሎኛ ፎርም 2014 ኣብነታት ብምጥቃስ ኣዞም ዝተፈላለዩ መጋባእያታት ትሕዝቶኦምን ኣጋባቦምን ናብ ሓቢርካ  ንምስራሕ ዝዓለመ ኮይኑ እወንታዊ ውጽኢት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓውደ ስራሕ እውን ተዋፊሮም ይርከቡ። ክብል  መእተዊ  ሂቡ።
የሕዋት ዶክተር ኣዳነን ሓው ተስፋኣለምን  ዝተዋህበ መእትዊ እኹል እዩ ኣሞ ኣብቲ ዝመጽእ ሕቶን መልስን ገጽና ክነውፊ ብምባል ኣብ ሕቶን መልስን ብኣድሚናት ናብ ገዛ ተኸፍተ።  ኣድሚን ናይታ ዕለት እታኣ ድማ ሓው ተስፋይ ካሕሳይን ወይዘሮ ኣድያም ተፈራን  ኮይኖም ነቲ መደብ ብዝግባእ ኣልዮምን  ከስተናግዱን ኣምስዮም።
ቀዳማይ ሕቶ እዚ ዝቐረበ መደረ ብዙሕ ክግበር ዘለዎ ኣብ ዕዮ ተመኵሮና ክፍጠር ዘለዎ ምቅርራብ ሽርክና ክንርድኦ ክኢልና፡ እዚ ግን ብዙሕ ተመክሮ ቃልስታትና ብፍላይ ናይ ገድልና ብዙሕ ተመኩሮ ኣሎ እንድዩ ኩሉ ከኣ እወንታዊ ውጽኢት ዘየውጸ ወይ ከንደይ ሽግርን ፋሕፋሕ እውን ዘስዓበ ተመኩሮ እዩ ዘሎና። ተመኩሮታትና ናይ ውድባትና እውን ከምዚ እንሪኦ ዘሎና እዩ። ብወገንኩም ኣብ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ግደ ህዝቢ እንታይ ክኸውን ኣበየናይን ክስኳዕ ኣለዎ ትብሉ?
ከም እንርኦ  ዘሎና እዚ ኣብ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ብደምበ ተቓውሞ ዝፍለጥ ገለን ብጐነጽ ንውልቀ መላኽነት፣ ገለንከ ብሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ቃልሲ እናበለ ኣይዲዮሎጅካዊ ብምግባር ነቲ ስትራተጂካዊ ገለ ዘርእዮ ዓቢ ጋግን መረሓሓቕን ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ራኢታት እዚ ብኸመይ መዕረፊ ይርከቦ?
ካብቲ ዘቕረብካዮ ኤምዲሰመ እትኽተልዎ ወይ እትምህርዎ ሰነሓሳብ ሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ።  እንተደኣ እዚ ኮይኑ ስለምንታይ ምስቶም ከምኡ ዝብሉ ኣብ ሓደ ዘይትመጹ ምስቶም ብጎነጽ ዝብሉኸ ኣበየናይ መዳይ ክትራኸቡ ትኽእሉ?
ብስራሕ ኣብ ስራሕ ልፍንቲ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ዝቀራረቡ መደብን ስነ ሓሳብን ዘለዎም ኣብ ሓደ ይመጹ እቶም ብስነሓሳብ ዘይቀራረቡ ከኣ ሓቢርካ ብምስራሕ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ክዓዩ ይኽእሉ ትብል ኮይኑ ይስመዓኒ እሞ ደኣ ነዚ ንምብጻሕ ዋላ እኳ ጠቒስካዮ እንተ ሃሊኻ ንምርድኡ ተር ኣቢልካ ሀ- ለ- ሐ እናበልካ ቅድመ ተኸተል ክግበር ዘለዎ ምሓበርካዶ?
ልቢ ምዕባይን ምትእምማን እትብል ዝገለጽካዮ ካብተን ኣተኵረን ክረኣያ ዘለወን እየን ክብል ከለኹ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ተመሊስካ ክተብርሆ ወይ ክተብርህዎ ይዕድም። ምኽንያቱ ልባዊ ዝመልኦ ኣገባብን ስርዓት ዝሓዘ ፖለቲካዊ ስርሓትን ስለ ዘይነካይድ እዚ እንርእዮ ዘለና ኣብ ዘይግዚኡ ምክሳስ ብዘይ ኣገባቡ መሰልካ ምሕታት ሕልና ዝጎደሎ ንዝሰርሑ ምንእእስ ወዘተ ዕለታዊ ናብራና ኮይኑ ኣሎ እሞ እስከ ደጊምኩም ኣብርህዎ?
እዚ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶ ቀሪቡ… ብሓቂ ዓሚቝ ስነፍልጠትታውን መእተዊ ዘለዎ ብሰለስቲኦም ኣዕጋቢ መልሲ ንተሳቲፎሞ ዝነበሩ የሕዋት ዝመገበን ዘብረሀን ነይሩ። ንምጥቃስ ዝኣክል ዶክተር ኣዳነ እቲ ንሕና ክንግንዘቦ ዘለና ህዝብና ኣብ ወጻኢ ዘሎና ዕድል ፍልጠት ምዝራብ ኣብ መሰል ዝሕለወሉ ሃገራት እንርከብ ከምቲ ሓው ኩሉብርሃን ኣስፊሑ ዝገለጾ ኣንካይዶ ቃልሲ ኣብ ፍልጠትን ንቕሓትን ውጥንካ መደብ ዕዮኻን ኣነጺርካ  ኣብ ምትእምማን ዝተመርኮሰ ከም ዝተቐበልናዮ  ሓላፍነት ርጉጻት ምዃን ኩላትና ሓንቲ ንጣብ ማይ ምስ ነፍስስ ፈለግ ምዃኑ ዝበቅዕ ምስ ኣንሰርሕን ንሃገርና እንታይ ክንገብረላ ዝብል ሕልናዊ ድርኺት ተመርኵሱ ዘተ ዘተ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ከኣ እንካን ሃባን ዝዓሰሎ ፖለቲካዊ ስራሓት ምስ እንሰርሕን ክንበጽሖ ንኽእል ጥራይ ዘይኮነስ በብወገንና ጸገም ተሸኪምና ዘይኮነስ ፍትሒ ተዓጢቕና ንሃገርና ንጠምት። እዚ መልእኽትታት እዚ ከኣ በቲ ዘለና መራኸቢታት ኩሉ ዓይነት መራኸቢታት ብምጥቃም ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ብምርኻብ ሓበረታን ክንውፊ ክለዓዓል ወይ ናዕቢ ከምጽእ ባዕሉ ፍትሒ ዲሞክራሲ ቅዋማዊት ሃገርን መሰል ዜጋታታ እተኽብርን ሃገር ንምህናጽ ንኽበቅዕ። እዚ ከኣ እቲ ሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መንጸፍ ረኺቡ ካብ ወለዶ ንወልዶ ዝመሓላለፍ ስነስርዓት ጐደና ሓርነት ክነቕምጥ ንኽእል። እዚ ክብል ከለኹ ነቶም ብጐነጽ ዝብል ምንእኣስ ዘይኮነስ ብኣኽብሮት እናረኤኹ ግን ከም መትከል ብወገንኖም እቲ ኣብ ዓለምና ተዓዊቱን ሰሪጹን ዝስርሓሉ ዘሎ ብሰላማዊ ዲሞክራሲያውን ስልጣን ካብ ህዝቢ ምቕባል ዝብል መሰረታዊ እምነተይ ነቕ ከይበልኩ ብምትግባር ኩላትና ኣብታ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምብጻሕ ናይ ሓባር ቃልሲ እሞ ነካይድ ኣብ ጉዕዞና ሓይልና ኣጠንኪርና ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ሓሳባትና ህዝቢ ተቐቢሉ ግብራዊ ንምግባሩ  ሽዑ እዩ ዝርአ እቲ ውጽኢት። ብወገነይ ህዝብና ከም ኩሉ ምዕቡላት ሃገራት ብዘይ ኣፈላላይ መሰላት ደቂ ሰባት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክጭብጥ ዝድለ ቦታ ናይ ምጥጣሕ ከም ዝዕወት ኣይጠራጠርን እናበለ ሰፍሕን ብሩህን መግለጺ ኣቕረበ። ነተን ካልኦት ሕቶታት እውን ከምኡ ብሩህ መልሲ ሃበለን።
ብድሕሪኡ ተስፋኣለም ብወገኑ እቲ ብየሕዋት ዝቐረበ እኹል እኳ እንተኾነ ብወገነይ ንምክፋል እምበር ካብኡ ንላዕሊ ዝውሃብ መልሲ ኣይነበረን ይኹን እምበር እቲ ሰላማዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ብኤምዲሰመ ብጽሑፍ እውን ቀሪቡ ስለዘሎ ንዕኡ ክተንብቡ ይላቦ። ምእንትዚ ግዜ ከይበልዕ ግን ብዛዕባ ልቢ ምዕባይን ምትእምማንን እዚአን ክልቲኤን ቃላት ኣገደስቲ ጥራይ ዘይኮናስ ምርደአን ኣብ ግብሪ ንምትርጓምን እቲ ዓቕምታትና ክኽዕብትን ክዓኩዅን ዘለዎ እዩ። ብምባል ብሓቂ ሰፊሕ መብርሂ ኣድንቖት ብተሳተፍቲ ዝሓፈሰ መደረ ኣስሚዑ። ሓው ተስፋኣለም እቲ መሃሪ መደረኡ ጥራይ ዘይኮነስ ተፈታዊ ኣቀራርባኡ እውን ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ንሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ክምኡ እውን ዕማም ኣነጺሩ ብምቕራቡ ናይ ፓል ተሳታፊ ንኣርባዕተ ሰዓት ጽን ኢልካ ምስማዕን ኣብ ዝተዋህበ ርእይቶታት ናእዳን ነዚ ዓይነት ኣቀራርባ ተደጋጋሚ ንኽግበር ጉልበቶም ዓቕሞም ንህዝቢ ከበርክቱ ዝግበር ዝነበረ ዕዙዝ ምሕጽንታ ይርአ። ፓል ሓርነት እዚ ኣገባብ ብምቕራብ ስርሓታን መደባታን ቀጻሊ ንኽኸውን ናይ ፓል ስነስርዓት ብምቅባል ኣገባብ ክኢላታት ከትሳተፍ ምሕጽንታ ክቐርብ ከሎ ኣድሚናትን ምምሕዳር ፓል ሓርነት ነዚ ኣገባብ ንምትእትታው ብዘለዎ ዓቕሚ ይጽዕርን ክጽዕርን ምዃኑ ካብ ህዝቡ ምትሕብባር ከም ዘድልዮ ዘድሊ ነቐፈታ ሓበረታ ንኽሳተፍ ዝደለየ ኣብ ኢመይል This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.  ክትጽሕፉልና ወይ ክትልእኩልና ዝብል ብምሕባር ብምስጋና ተወዲኡ።
1)    ወልተም - መኣዲ ንዕዱማት ንምቕራብ ሌማት እዩ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን (Social Demokraterna)፡ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ሽወደን ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሒዶት መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ መሓዛ ሰልፍና ዝዀነ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ብምዕዋቱ፡ ሓጐስ ከምእተሰምዖ ገሊጹ። ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ምስ ተመሳሳሊ ራእይ ዘለዎም ሰልፍታት ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ምሽብሻብ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብ16 መስከረም 2014  ናብ ሕጹይ ንቐዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፍ 80 ዓመታት ዘረጋገጾም  ገዘፍቲ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ሕጂ እውን ብዝሓሸ ኣገባብ ክደግሞም ምዃኑ እምነት ኣሎኒ ኢሉ።

መዘክር ሰዲህኤ ናብ ኣቶ ስተፋን ሎቨን እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ህይወት ናይ ህዝብና ዝገልጽ ጸብጻብ ዘጠቓለለ ነበረ። ካብ'ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ንፈተውትን ኣዕሩኽን ኤርትራ ተሪፍዎም ዘሎ እንኮ ምርጫ ንዘይመንግስታውያን ተዋሳእቲ ፡ መተካእታ ናይ'ቲ ስርዓት ዝዀንሉ ደገፋት ምብርካትን ባይታ ምምድማድን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቶ ስተፋን ሎቨንን ምስ ወይዘሮ ኣን ሊንደን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ክዘራረቡ ከለዉ ዘርኢ ስእሊ

ሓው መንግስተኣብ ብምቕጻል፡ መበል 37 ጕባኤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ዘሕለፎም ክልተ ዓበይቲ ውሳኔታት መጐሱ ደጊሙ ገሊጹ። እዞም ውሳኔታት እዚኣቶም፡  ጕጅለ ህግዲፍ ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ሽወደናውያን ኤርትራውያንን ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምእካብ ንጥፈታት ደው ምባልን ነተን ከም መተካእታ ናይ'ቲ ስርዓት ክዀና ዝኽእላ ዲሞክራስያውያን ናይ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ምድጋፍን ዝብላ ነበራ።

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣቶ ስተፋን ሎቨንን ምስ ሰክረተር ኣህጕራዊ ጕዳያት፡ ወይዘሮ ኣን ሊንደ ኣብ'ቲ ኣኼባ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ ወርሒ ጥቅምቲ 2013  ተራኺቡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ዝከኣሎ ደገፍ ክገብር ምዃኑ ተማባጺዑ ነይሩ ኢዩ።

 

ኣርዓዶም በርሀ

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወርሒ መስከረም ብፍላይ ድማ ካብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ክሳብ መስቀል ኣብ ዘለዉ መዓልታት፡ ኣብ ዝተወሰን ከባቢታት ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ብኹሎም መንእሰያት ብፍላይ ድማ ብመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝዝውተሩ ባህላዊ ፍጻመታት ብዙሓት እዮም። ደቂ ተባዕትዮ ሸግ ሰሪሖም “ሆያሆየ” ብምባል መጻኢ ሰናይ ትምኒት ብምግላጽን ኣብ ሓንባሲት ብምውድዳርን ኣብዚ ዝጠቐስኩዎ ግዝያት ካብ ዘዘውትርዎ ባህላዊ ፍጻመታት ብኣብነት ዝጠቐስ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን ካብ መሮር ዝኣከበኦ  ኣሽንዳ ዝበሃል ሓምላይ ሳዕሪ ዲና ክንብሎ ተኽሊ ኣሊመን ኣብ መዓንጣኣን ዓጢቐን፡ ኣብ ግንባረን ድማ ሕዮባ ዝበሃል ብተፈጥሮ ዝወቀበ ሕብራዊ መልክዕ ዘለዎ ሳዕሪ ወቂበን ብዝተፈላለየ ተወሳኺ ናይ ክሳድን እዝንን ስልማት ኣጊጸን፡ ብዝተፈላለየ ግጥምታት ዝተቓነየ መሳጢ ዜማታት እንዳስመዓ፡ ንዝሓለፈ ዘመን የመጉሳ ብዛዕባ መጻኢ ዘመን ዘለወን ብሩህ ሰናይ ትምኒት ይገልጻ። ኣብቲ መንጎ` ድማ ፍቲ ዝበሃል ተንበርኪኽካ ብምኹባዕ ዝካየድ ውድድር የካይዳ። ኣብዚ ደርፍታተን፡ ጅግንነት፡ ልምዓት፡ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ሃገርን ካልእን የመጉሳ። ንለጋስ ይንእዳ ንበቃቕ ድማ ይነቕፋ። ካብቲ ሽዑ ዘስመዐኦ ግጥምታት፡ “ኣነ ዝምነ ንዓመታ ዛእዋን ከምዛቅነ፡ ዝለል ኮታ ዝለል ኮታ ፍልሖ ኣለዎ”ዚ ባይታ፡ ሃንሰይ መስቀለይ ተሎተሎ ሃበኒ ሹተለይ ክኹልኮሎ፡ እንተላይ እዚ ከም ኣርእስቲ መሪጸዮ ዘለኹ፡ “ንጻወት’ሞ ንተሓዋወስ ዘበን ክምለስ” ዝብል ይርከቦ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ዝበላ እንተበላ ናይ ዘይተሓታትነት ባህላዊ ውሕስነት ኣለወን። ሎሚ ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ናይ መንእሰያት መድረኽ የለን። ስለምንታይ መንእሰያትና ብናይ ግዱድ ዕስክርና ለበዳ ኣብ ዝተሓየርሉ ክፉእ ኣጋጣሚ ንርከብ ስለ ዘለና።

ናይ ጽሑፈይ ቀንዲ መንቀሊ ብዛዕባ’ዚ ዝጠቓቐስኩዎ ባህላዊ መንነትና ዝገልጽ ፍጻመታት ንምዝርዛር ወይ ኣስተምህሮ ንምሃብ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ማሕፉዳ ኩላትና  ዘሎ ንመጻኢ ኢደይኢድካ ኢልና ናብ ቀጻሊ ወለዶ ክነመሓላልፎ ዝግበኣና ሓደ ካብ መግለጺ ኤርትራዊ መንነትና ስለ ዝኾነ ኩላትና እንፈልጦን ክንግድሰሉን ዝገበኣና ምዃኑ ኣብቲ ቅኒኡ ኣዘኻኺርካ ምሕላፍ ግና ኣገዳስነት ኣለዎ። እቲ ቀንዲ መበገስየይ እምበኣር እስኪ ነዚ ከም ኣርእስቲ ጠቒሰዮ ዘለኹ ሓሳብ ናብ “ንቃለስሞ ንተሓዋወስ ዓወት ክምለስ” ቀይርና ነስተማቕሮ ክብል ስለ ዝደለኹ እየ። ብመሰረቱ እቲ ናይ ኣዋልድና ባህላዊ ፍጻመ ኢለ ዝጠቐለስኩዎ ብዜማ ዝተሰነየ ግጥምታት እውን ዘሳዕስዕ ጥራይ ዘይኮነ ከበድቲ ሃገራዊ  ሓደራታት ናይ ምስካም ላዛ’ውን ኣለዎ። እስኪ “ሰስኑ ሰስኑ፡ ሽሕን ዋልታን ኩኑ ኣታ’ዛ ዓድና ከይኣትዋ ጓና” ንዝብል ዝበሃህላአን ነስተብህለሉ። ኪኖ’ቲ መሳጢ ዜማኡ፡ ዓብይ ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘሰክም እዩ። ኤርትራና ከዓ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ቀራና መንገዲ ህሞት እዩ መዓንጣኡ ሸጥ ኣቢሉ፡ ንነገራት ብውልቃዊ ስምዒት ዘይኮነስ ብህዱእ መንፈስ እንዳማመየ፡ ንናይ የማነ ጸጋም ጸፍዒ እንዳወገን፡ ሉኣላውነታን ሓድነታን ከይተተንከፈ ዓዲ ሰላምን ደሞክራስን ክትከውን ሓለዋ ዘድልያ ዘሎ።

ሎሚ ኤርትራናን ህዝባን ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ምድሪ ኮነ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ መረበቶም ኮነ ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት መራግእቲ ዘየብሉ ሕማቕ ምዃኑ ኩልና ኤርትራውያን እንረዳዳኣሉ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ እዩ። እቶም ዝጠምዩን ዝዓርቁን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ዝጸግቡን ዝኽደኑን ዝመስሉ ወገናት እውን ውሽጣዊ ሕልናኦም ጥሙይን ዕሩቕን ምዃኑ ባዕላቶም ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ኣብቲ ጸገምናን ጠንቁን እንዳተረዳዳእና ኣብ ምፍታሑ ዘይምርድዳእናን ሓቢርና ዘይምውፋርናን ድማ ነዓይ ኣዝዩ  የስደምመኒ። ብሓባር ምውፋር ሰሪሕካ ኮነ ተቓሊስካ ዘዕውት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰናይ ዘበን ዝመልስ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ከም ኣርእስቲ ኣስፊረዮ ዘለኹ ናይ ኣዋልድና ነባር ባህላዊ ግጥሚ ተጠቒሱ ኣሎ። በቲ ካልእ ብልሒ ናይዚ ግጥሚ፡ እንተዘይ ተሓዋዊስካን ሰሚርካን፡ ሰሪሕካ ኮነ ተቓሊስካ ከም ዘይተድሚ ከምኡ እውን ሰናይ ዘበን ከተዕቁብ ከም ዘይትኽእል እዩ መልእኽቲ ዘመሓላልፈልና።

ምናልባት ብናይ ቀደም ፖለቲካን ጸገማቱን ኣብ ዘይሳዕረረሉ ግዜ፡ “ዘበን ተመሊሱ ወይ ሰናይ ዘበን ኮይኑ” ክበሃል እንከሎ፡ ፍቕሪ በዚሑ፡ መዓርን ጸባን ፈሲሱ፡ መሬት ለጊሳ እቶት በርኪቱ፡ ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ዝብል ስርዓት ተዘርጊሑ … ወዘተ ዝብል ትርጉም’ዩ ነይርዎ። ኣብዚ ዘለናዮ ሓርካፍ ዘመን፡ “ዘበን ተመሊሱ” ክበሃል ዝኽእል፡ ሰላም ሰፊኑ፡ ልዕልና ህዝቢ ተረጋጊጹ፡ ልምዓትን ደሞክራስን ከምኡ’ውን ልዕልና ሕግን ሕጋውነትን ኣስፋሕፊሑ፡ መሰረታዊ መስል ሰባት ተኸቢሩ፡ ናብ ዝብል ከም ዝማዕበለ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሰላምን ቅሳነትን ናይ ዕቤት ወሰንቲ ረቛሕቲ ምዃኖም፡ ዋላ’ኳ እቲ ኣገላልጻኡ ፍልይ ዝበለ እንተኾነ ኣብ ህዝብና ካብ ቀደም “ ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ዘየብሉ ኣይትሕረስ ወሓለ ሰበይቲ ኣብ ዘየብሉ ኣይትሕፈስ” ብዝብል ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ንግደ ፍትሒ ኣብ ሃገር፡ ንግደ ወሓለ ሰበይቲ ድማ ኣብ ገዛ ብምብራኽ።

“ንሕበር! ሓቢርና ንኩላትና ዘርበሓና ዕማም ንዕመም” ክበሃል እንከሎ ኣዝዩ ቀሊል ኣበሃህላ ይመልስ። ኣተገባብራኡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ግና ተመኩሮና ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣርእዩና ኢና። ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም፡ ልምዓት፡ ደሞክራሲ ልዕልና ፍትሒ፡ ኩላትና ውድባትን ማሕበራትን ንምድርን ንእውጅን። ብዛዕባ ኣዕናውነት ዲክታተርን ሳዕቤናቱን ዝምልከት ንዝምርን ንእውጅን። ሃገርናን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጺን ጉጅለ ህግድፍ የሕልፍዎ ብዛዕባ ዘለዉ ሕሰምን መከራን ንሓዝን፡ ብዛዕባኡ ድማ ንምድርን ንእውጅን። ነዚ ናይ ሕማቕ ዘበን ደልሃመት ናብ ራህዋ ቀይርካ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምኽሓሱ ሓላፍነት ናይ ኩልና ምኳኑ’ውን ብሓሳብን ኣብ ወረቐት ብምስፋርን ንኣምን። ናይ ኩላትና ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ብሓንሳብ እንተዘይደሪጉ በበይንና ምውፋር መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፍና ከም ዘይነድምዓሉ’ውን ኩልና ንረዳደኣሉ ክነስና፡  ብሓባር ክንወፍር ግና ኣይበቓዕናን። እቲ ዝኸበደ ኣብ ክብደት ኩለመዳያዊ ጸገማትና ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምሓዝ ዓቐበት ደይብናዮ ከነብቅዕ፡ ኣብቲ ጫፍ ምስ በጻሕና ሕቖና ተገዚዙ ጥልዕ ንብል። ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ሕድገት ዋጋ ክንከፍል ኣይንተብዕን።

ሎሚ “ ስለምንታይ ኢና ዝከኣል ክኢልና፡ ልቢ ኣዕቢና፡ ንተመኩሮና ዳህሲስና፡ ምእንቲ ዓብይ ጉዳይ ንእሽቶ ሓዲግና፡ ብሓባር ዘይንስለፍ?” ዝብል ሕቶ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ብብዙሓት ዘይኤርትራውያን ክነሶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ሓመድ ድፋጫኡ ሰትዩ ክነሱ ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ዘርሞዘርሞ ብምዃኑ ዘሕዘኖም ወገናት’ውን ዝቐርበና ዘሎ ርሱን ሕቶ እዩ። ውድባትናን ማሕበራትናን፡ ነዚ ዝምልከት መልስና ሓደ ዓይነትን ርትዓውን ከም ዘይኮነ ይርእደኣኒ እዩ። መልስታትና ንነብስኻ ኮነ ንውድብካን ማሕበርካን ካብ ተሓታትነት ኣህዲምካ፡ ንካልእ ኣካል ተሓታቲ ኣብ ምግባር ዝተመስረተ ምዃኑ’ውን ለልብና ዝፈልጦ ፈጣጥ ሓቒ እዩ። ናይቲ ጸገም ኣካል እንዳሃለኻ ነብስኻ ካብ ተሓታትነት ከተውጽእ ምፍታን ድማ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ካብ ምዃን ምህዳም እዩ ዘስዕብ። ሕጂ ሕጂ ሓደ ነገር ትዝ ክብለኒ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ኣብኡ ፍልልያት የብልና ኢለዮ ዘለኹ ጉዳያት እውን ፍልልያት ከይህልወና ሃሰስ ክንበሎ ይግበኣና። ምናልባት’ውን እቲ “ኣብዚ ዛዕባ’ዚ እዚ እዩ ሚዛነይ” እንዳበልና ድሕሪ ኣኼባታትን ጉባአታትን እንእውጆ ካብ ልቢ ዝነቐለ ዘይኮነስ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ናይ ሓሶት ዕግበት ከይከውን።

ምናልባት ከምቲ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል ነቲ ሓቀኛ እምነትና ሓቢእና ብናይ ሓሶት መቃነይ ኣዋጃት ነቲ በሃጊ ለውጢ ህዝቢ ነዳህልሎ ወገናት ከይንህሉ ዘየጠራጥር ኣይኮነን። ብመሰረቱኸ፡ እትእውጆ ካልእ፡ ኣብ ጸቢብ መድረኽ እትብሎ ካልእ፡ እትትግብሮ ድማ ካልእ ምዃን ካብ ዘየዕውት ጭንጭራ ዓበደ ምዃን ሓሊፉ ኣበይ ከብጽሕ ይኽእል። ምናልባት ተመሊሱ ከም ጨው ከሕቅቐካ ከም ዝኽል ምስትብሃል የድልዮ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እንተገደደ ቁሩብ ዕድመ ዘወስኽ እምበር ዘንብር ስለ ዘይኮነ፡ እምንቶና ካብ ኮነ፡ ዋላ ነቲ ካልእ ከነዕሽዎ እንደሊ ወገን ኣይመቅሮ ነዚ ሓቀኛ እምነትና ሒዝና ኢና ኣብ መድረኽ ውድድር ክንወጽእ ዝግበኣና። ኣብ ፖለቲካ ምውሳእ ካብ ውድድር ፈሊኻ ክርአ ስለ ዘይከኣል። እንብሎን እንገብሮን ሓደ ክኸውን ይግበኦ። ስለምንታይ ከምዚ ኢልኩም ግና ከምኡ ኣይገብርኩምን ክንበሃል እንከለና ድማ ኣብ ምስምስ ከይተሓባእና ምእንቲ ናትና ሓቂ ግንባርና ክንህብ ይግበኣና። ንርኢቶና ዝረትዕ ሓያል መርተዖ ክቐርበና እንከሎ ድማ ክንቅበል ይግበኣና። እቲ ሓጥያት ምግጋይ ዘይኮነስ ብብሩህ ጌጋኻ ክንገረካ እንከሎ ክሳደይ ትቆረጽ ኢልካ ኣብቲ ጌጋ ምድራቕ’ዩ። እቲ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ ካብ መሰረታዊ ኣዕኑድ ሓደ ዝኾነ ግሉጽነት ከዓ  ኣብ ከምዚ እዩ ዝምዘን።

ንሓደ ኣካል ውድብ ድዩ ማሕበር ምናልባት’ውን ውልቀሰብ፡ መኻይደይ እዩ፡ ናተይን ናቱን ዓቕሚ ይመጣጠን ኣይመጣጠን ብዘየገድስ ተተደጋጊፉ ጥራይ ኢና ነድምዕ፡ ኢልካ ንዝኣመንካሉ ዓቕሚ፡ ኣብ ክንዲ እንዳደጋገፍካ ምሳኻ ምስላዩ፡ ተመሊስካ ምስትንዓቑን ካብ መድረኽ ቃልሲ ከተጥፈኦ ምህቃን ኣብ ጉዳይና ዝረአ ዘሎ ካብ መግለጺ ድኽመታትና ሓደ እዩ። እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ብኹለመዳያዊ ኣወዳድባኡ፡ ዓቕምን ስፍሓትን ዝውሕዶ ወገንከ፡ ኣብ ክንዲ ብግጉይ ብመትከል “ድልድል ከም ስኒ ኣድጊ” ደሪቑ ኩልና ሓደ ኢና ዝብል፡ ካብ ትምክሕትን ጸቢብነትን ነጺሁ፡ ነቶም ካብኡ ዝሕሹ ወገናት “ካባይ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለኩም” እንተበሎም እሞ እቲ ናይ ሓባር ወፍሪ በዚ ዓዓቕምኻ ምፍላጥ ዝተቓነየ እንተዝኸውንስ ክሳብ ክንደይኮን መሓገዘ። እንተ’ቲ ኣብዚ  ዘለናዮ ናይ ለውጢ ቃልሲ እሞ ድማ ኣይኮነንዶ ብዙሕ ዝጐድለና ውድባትን ማሕበራትን፡ ኣብ ዓለምና ዋላ እቲ ሓያል እየ ዝብል ስርዓትን መንግስትን ብዘይተሳትፎ ናይቲ ድኹም’ዩ ዝብሎ ወገን  ህልውናኡ ኣብ ዘየውሕሰሉ፡ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረት ዓለም “በይነይ እየ” ዝበሃል ብሂል ፍጹም ተቐባልነትን ውጽኢትን የብሉን። ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ከዓ ንጹልነት’ዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ግና ኣብ ሓደ ቦታ ተረይዕካ ብዘይብኣይ ምልኣት ስለ ዘየብሎም ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን” ዝብል ሓረግ እንዳኳማሳዕካ ምንባር ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ማለት ከም ዘይኮነ ከነስተውዕሎ ይግበኣና። እቲ ሰብ፡ እቲ ውድብ፡ እቲ ማሕበር ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ግዜን መድረኽን እውን ናይቶም ዓለውቲ ዕንክሊል ፍጊዕ ምስ በሎ ከም ዝሰግሮም ምርሳዕ ኣይግባእን። ንኹሉ ነገር መጀመርታ ጥራይ ዘኮነ መወዳእታ’ውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ እየ ከዓ “ንቃለስ’ሞ ንተሓዋወስ ዓወት ክምለስ” ዝበልኩ።

15 መስከረም 2014