ሰዲህኤ ንማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ብምዕዋቱ ናይ ዮሃና መልእኽቲ እመሓላሊፉ

2014-09-16 18:25:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 36587 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን (Social Demokraterna)፡ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ሽወደን ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሒዶት መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ መሓዛ ሰልፍና ዝዀነ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ብምዕዋቱ፡ ሓጐስ ከምእተሰምዖ ገሊጹ። ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ምስ ተመሳሳሊ ራእይ ዘለዎም ሰልፍታት ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ምሽብሻብ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብ16 መስከረም 2014  ናብ ሕጹይ ንቐዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፍ 80 ዓመታት ዘረጋገጾም  ገዘፍቲ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ሕጂ እውን ብዝሓሸ ኣገባብ ክደግሞም ምዃኑ እምነት ኣሎኒ ኢሉ።

መዘክር ሰዲህኤ ናብ ኣቶ ስተፋን ሎቨን እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ህይወት ናይ ህዝብና ዝገልጽ ጸብጻብ ዘጠቓለለ ነበረ። ካብ'ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ንፈተውትን ኣዕሩኽን ኤርትራ ተሪፍዎም ዘሎ እንኮ ምርጫ ንዘይመንግስታውያን ተዋሳእቲ ፡ መተካእታ ናይ'ቲ ስርዓት ዝዀንሉ ደገፋት ምብርካትን ባይታ ምምድማድን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቶ ስተፋን ሎቨንን ምስ ወይዘሮ ኣን ሊንደን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ክዘራረቡ ከለዉ ዘርኢ ስእሊ

ሓው መንግስተኣብ ብምቕጻል፡ መበል 37 ጕባኤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ዘሕለፎም ክልተ ዓበይቲ ውሳኔታት መጐሱ ደጊሙ ገሊጹ። እዞም ውሳኔታት እዚኣቶም፡  ጕጅለ ህግዲፍ ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ሽወደናውያን ኤርትራውያንን ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምእካብ ንጥፈታት ደው ምባልን ነተን ከም መተካእታ ናይ'ቲ ስርዓት ክዀና ዝኽእላ ዲሞክራስያውያን ናይ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ምድጋፍን ዝብላ ነበራ።

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣቶ ስተፋን ሎቨንን ምስ ሰክረተር ኣህጕራዊ ጕዳያት፡ ወይዘሮ ኣን ሊንደ ኣብ'ቲ ኣኼባ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ ወርሒ ጥቅምቲ 2013  ተራኺቡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኣቶ ስተፋን ሎቨን ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን ዝከኣሎ ደገፍ ክገብር ምዃኑ ተማባጺዑ ነይሩ ኢዩ።

Last modified on Tuesday, 16 September 2014 20:30