ዛንታ ህ.ግ.ዲ.ፍን ደገፍቱን፡ ፍትሕ ሰብ ቃል ኪዳን

2014-09-18 00:03:12 Written by  ኣንቶንዮ ተስፋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 12883 times

"ዘይተሰምዐ'ምበር ዘይተገብረስ የለን" ኢሎም ክዛረቡ ዝሰማዕኩም ብዙሓት ኢኹም። ምኽንያት ናይ'ዚ ከኣ ገበርቲ እከያት ኩሉ ግዜ፡ ዕለተ ዕለት ካብ ስርሖም ስለዝየቋርጹ ንብዙሕ ተንኮላት ስለዝፍሕሱን ዝኣልሙን ዝፍጽሙን፡ እቲ  ግሩህ ሰብ ኣየስተብህለሉን፡ ከይሰምዖ ይሓልፎን። እሞ ኩሉ ግዜ ነቲ እከይ ተግባራት ደንጕዩ እዩ ዝሰምዖ። ሓድሽ ነገር መምስ ሰምዑ ከኣ እዚ በደል መዓስ ተፈጺሙ፡ እዚ ስርሓት መዓስ ተፈጺሙ ቢሉ ይሓትት'ሞ፡ እዋእ እዚ ደኣ ኩሉ ዝሰምዖን ዝፈለጦን እንድዩ ኣበይ ነይርካ ምስተባህሎ፡ ወይ ሰብ ደቀይ እሞ ዘይሰማዕናዮ እምበር ዘይተገብረስ የሎን ይብሉ።

 

ብዝዀነ ኮይኑ በዚ ሎሚ እዋን ስርሓት መላኺ ስርዓት ህ...ፍ ዘይፈልጥ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትደፍርን። እዚ ስለዝዀነ ከኣ ኣብ'ዚ ዝሓለፈ 23 ዓመት ነጻነት ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ዘይገበሮን ዘይፈጸሞን ዘይሰርሖን ተግባራት የለቦን። ስርዓት ህ...ፍ ብሓሶት፡ ብጥልመት መብጽዓ ብምልኪ ዝተሃነጸ ሰልፊ'ዩ። ነዚ ዘይፈልጡን፡ ፈሊጦም ኣብ'ቲ ናይ ምትላል መብጽዓ ሰልፊ ዝምሕሉ ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ካብ'ዚ ቀጺለ ምስ'ዚ ናይ ደገፍትን መራሕቲ ህ...ፍን ትሰማማዕ ሓንቲ ሓጻር ዛንታ ከዘንትወልኩም። ሃየ........

ሓደ እዋን፡ ንሓንቲ በዓልቲ ሓዳር፡ ምስ'ቲ ኣዝያ ትፈትዎ በዓልቤታ ንምፍታሕ ዝሃቐኑ ክፉኣት ቤተሰብ፡ ሰብኣያ ንባሕሪ ምስ ወፈረ ኣብ ገዝኣ ይመጹ። እታ ሰበይቲ ከኣ ቀረባ ኣዝማዳ ስለዝመጹ ጽቡቕ ገቢራ ትቅበሎም፡ ዝግብኦም መስተናግዶት ትገብረሎም፡ ተብልዖምን  ተስትዮምን ከኣ፡ መቼም ዘይንሱ እንተበልካ ኣብ ዓድና ጋሻ ክቡር'ንድዩ: ባዕሉ እንተዘይሓሲሩ። ጽቡቕ ገቢራ ትቅበሎም። ኣጋይሽ'ውን ብወገኖም ትጽበዮ ወረ ወዲ ወረ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዘራእቲ ጥሪት ቤተሰብ፡ ዝገደፉ ዘይብሎም ኩሉ ከዕሉልን ክጻወቱን ወዓሉ።

 ኣብ መወዳእትኡ ከኣ "ስጋበሊዕኻ ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካ ፈጽሚ" እንድዩ ዝባሃል፡ ቤተሰብ መርዓት በሊዖም: ሰትዮም፡ ኣውጊዖም: ምስወድኡ፡ ኣብ'ቲ ዘምጽኦም ጉዳይ ኣትዮም፡ በሊ ሕጂ ስምዒ ንሕና መጺእናሉ ዘሎና ኣውራ ነገር ምስ'ዚ በዓል ቤትኪ ክትፋትሒ ከምዘለኪ ንምምኻር'ዩ፡ ስለ'ዚ ከይወዓልኪ ከይሓደርኪ ሰብኣይኪ ፍትሕዮ ይብልዋ'ሞ፡ ንሳ'ውን "ብዘይ ሕቶ ርእይቶ ይብል በረኸት መንግስተኣብ"፡ ሰበይቲ ብዘይሕቶ ርእይቶ ብግርህና፡ በቃ ትብሎም፡ ንሳቶም ከኣ በቃ ይብልዋ። ነቶም ብወግዕን ሕግን ዘመርዓዉዋ ቤተሰብ ኣሚና፡ እንታይ ተረኺቡ፡ ስለምንታይ ኢላ ከይሓተተትን ቃሎም ከየዕበረትን፡ ኣብ መጻኢ ዘጓንፋ ከይሓሰበት ከምዘላታ ንምኽሮም ተቀቢላ፡ እሺ ሕራይ ከምዝበልኩሞ ይኹን ኢላ ሓሳቦም ብሙሉእ ትቅበሎ።

እቶም ቤተሰብ፡ ብዛዕባ ሰብኣያ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ከይተዛረቡ፡ ብዛዕባ ጓሎም መጻኢ ዕድላን ናብርኣን ከይሓሰቡ በሊዖም ሰትዮም፡ሕማቕ መኺሮም ንዓዶም ይምለሱ።  ይዋእያ ሰበይቲ ዝመጻ ዕዳን ጸገምን ዘይትፈልጥ ኣጋይሻ ኣፋንያ ብድሕሪኦም ኣብ ቤታ ትተርፍ።

"መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ" ከምዝበሃል፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ኣዝያ ትፈትዎ ክቡር በዓልቤታ ባሕሪ ጸኒሑ ዓዲ ይኣቱ'ሞ ከምቀደሙ ዓዲ ደሓን ዘሎ መሲልዎ፡ ምስ'ታ ዝናፈቃ ሰበይቱን በዓልቲቤቱን፡ ኣብ ባህሪ ተፈልይዋ ዝሕለፎ ግዜ ጽቡቅን ሕማቁን ከዕላል ይጅምር'ሞ፡ ሰበይቱ ግን ከም'ቲ ቀደማ ኣይኮነትሉን፡ ጽቡቕ ኣይተቐባበለቶን። ብዙሕ ከይጸንሐት ከኣ ከም'ዚ ዝስዕብ ትብሎ።

ሰበይቲ - ዘረብኡ ኣቋርጽ ኣቢላ፡ ግርጭ ኢላ ከኣ ከም'ዚ ትብሎ "ስማዕ   ካብ ሕጂ ንደሓር ኣነን ንስኻን ሰብ ሓዳር ማለት ሰብኣይን ሰበይትን ኣይኮናን ተፋቲሕና'" ትብሎ።

ሰብኣይ - ሰምቢዱ፡ እዋእ ኣንቲ ሰበይቲ ናይ ደሓንኪ ዲኺ፡ ከመይ ገቢርኪ ተፋትሕና ትብሊ፡

ሰበይቲ - እሞ ኣነ ይብለካ ኣለኹ ተፋቲሕና ኢና፡ እምበርዶ ይርደኣካ'ዩ።

ሰብኣይ - ሕራይ እስከ ተፋታሕና፡ ግን ኣነ'ኳ ኣብ'ቲ ውዕሎ ፍትሕ ዘይነብርኩ፡ ከመይ ገቢርኪ ከምኡ ትብሊ ይብላ።

ሰበይቲ - ኣየይይይይ ንስኻ፡ ኣነ ከምዝተፋታሕና'የ ዝፈልጥ፡ ስለ'ዚ ተፋቲሕና ኢና እብለካ ኣለኹ፡ ተፋቲሕና ኢና።

ሰብኣይ - እሞ እቶም ሽማግለታትስ እንታይ በሉ?

ሰበይቲ - እቶም ሽማግለታትዶ? ከፋትሑና ከለዉ ንዓኻ'ውንፈጺሞም ኣይዘከሩኻን።

ሰብኣይ - እሞ ንዓይ እንተዘይዘከሩ ደኣ ምስ መን ተፋትሒ ኢሎሙኺ?

ሰበይቲ - ጸገም የለን እቲ ጉዳይ፡ ጉዳይ ፍትሕ'ዩ፡ ንስኻ ምህላውካን ዘይምህላውካን ኣገዳስነት የብሉን ትብሎ።

ሰብኣይ ዝብሎ ጠፊእዎ ገዝኡ ገዲፉ፡ ከምቀደሙ ናብ ናብራ ባሕሪ ይምለስ ንብለኩም።....... ጣጣ የለን ይብል ማይናስ..... ምስ ህ.ግ..ፍ ከኣ ጣጣ የለን......

ስርዓት ህ...ፍ ባዕሉ ከሳሲ፡ ባዕሉ ኣሳሪ፡ ባዕሉ ፈራዲ፡ ባዕሉ መልዓል ዘረባ፡ ባዕሉ ዘርጋሒ ዘረባ፡ ሰብ ጉዳይ ህዝቢ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ሃገር ትሃሉ ኣይትሃሉ ዝገድሶ ኣይኮነን። ስርዓት ህ...ፍ ዘገድስዎ እቶም ዘይሓቱ፡ ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ዘይብሉ፡ ቃል ክልተ ሰብ ነገር ዘይሰምዑ ደገፍቱን ጥራሕ እዮም። እዚ ስለዝዀነ ከኣ ምልካዊ ስርዓት ህ...ፍ ምስ ደገፍቱ ተሓባቢሩ ንኤርትራ ምስ ህዝባ ከፋትሓን ክነጻጽላን ብዙሕ ጻዕርታት'ዩ ዘካይድን ዝፍትንን።

እቲ ፍትሕ ግን ከም'ቲ ዝደለዮ ኣይኮነሉን፡ ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣይፋል፡ ብሕግን ስርዓትን፡ ኣብ ቅርዓት ባይቶ እዋሓስ እግብእ እንዳበለ፡ ንዘንጊ ሓቂ ከሕይልን፡ ንቡር ክምለስ፡ ዝተጠልመ መብጽዓ ከተግብር ይቃለስን ይጽዕርን ኣሎ። ንብለኩም።

 

Last modified on Saturday, 20 September 2014 06:54