×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

 

               ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ካብ ሽግራት ናጻ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ሽግራት እቲ በዓልቤታዊ ክኸውን ይኽእል ወይ እውን ባህሪያዊ።(subjective or natural) ሽግራት እምበኣር ሓቢርካ እሂን ምሂን እናበልካ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ጸገማት ብግልጺ ብምዝርዛር ንበዳልን ተበዳልን ዝዕግብ ቅኑዕ  ፍታሕ ምንዳይ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ዝቐርብ ፍታሕ ድማ ንኹሉ ብማዕረ ዝጠመትን ኣድልዎን ሻርነትን ዘይብሉ ክኸውን የድሊ። ኣብ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ተመርኵስካ ዝመጽእ ረብሓ ከምዘየለ ተረዲእና ኩልና ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ከተሓቛቝፈና ዝኽእል ክንሓስብን ክንተሓላለን ይግባእ።

ኣብ ዕለት 22.08.14 ብፈጻሚት ኣካል ዞባ ኤውሮጳ ዝተጸውዔ ናይ ሙሉእ ዞባ ኣካየድቲ ንኡስ ዞባታትን ጨናፍርን ንኡሳት ጨናፍርን ዝተሳትፎዎ ፖልቶካዊ ኣኼባ ተኻይዱ።
ኣቦ ወንበር ዞባ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ኣብ መኽፈቲኡ ንኹሎም ዝተሳተፉ ናይ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም ቓል ምስማዑ ፡ንዝኽረ ሱዋኣትና ናይ ሓደ ደቒቕ ስቕታ ብምኽባር ኽጅምር እንኮሎ ንተሳተፍቲ ብድሓን ካብ መገሻታትኹም ነንቦታኹም ተመሊሽኩም ክትህልዉ ብምባል ምንየቱ ብምግላጽ ናይ መኤከቢ ዛዕባታት ዘርዚሩ።

ኣርዓዶም በርሀ

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ኢንታታት ሓደ ምኽዋል ወይ ምጭዋይ ሓቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ህዝቢ ብገዛእ ዋኒኑ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ሓበሬታ ንከይረክብ ዝዓግቶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምናልባት እውን እቲ ህዝቢ ብናቱ ጻዕሪ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ክይዛረብን ከይዝትን እሞ ካብቲ ዲክታቶርያዊ መቑሕ ምእንቲ ከይወጽእ ኮነ ኢሉ ይሕልዎ። ክሳብ ኣብ ገዝኡ እውን ስለያዊ መውረርያ ይዝርገሓሉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ኣብ ነንሕድሕድ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ናይ ህዝብን ሃገርን ኣብነታዊት መሰረት ዝኾነት ቤተሰብ’ውን ዘይምትእምማን ይፈጥር። ብኸምዚ ደረጃ ኣብ ዝፈጠሮ ናይ ምጥርጣር ዓለም ድማ እቲ ጉጅለ ዓገብ ዝብሎ ዘየብሉ ክዕንድር ይውጥን። እዚ መርዛም ጉጅለ ምናልባት ብሰንኪ እዚ ሓደገኛ ምህዞኡ ንዝተወሰነ ግዜ ትንፋስ ይረክብ ይኸውን። እንተኾነ ህዝቢ ናይዚ ሓደገኛ መውረርያ ቀንዲ ተሃሳዪ ንሱ ምዃኑ እንዳ ሓደረ ስለ ዝተረድኦ፡ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሕማቕ ምህዞ እቲ ጉጅለ ምቅላዑ ኣይተረፎን። እዚ ከም ሓደ ኣብነት ናይቲ “ሓቅስ ብርእሳ ተሓዝካያ ብእግራ ትወጽእ” ወይ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ጌርካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ።

ዝኸበርካ ኣቦ ወንበር ኣሰናዳኢት ፈስቲቫል 2014 ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ

ክልተ ዓይኒ ርኢኻ ኣይከውንን እዩ

Tuesday, 26 August 2014 13:50 Written by

ኣርዓዶምበርሀ

ብናተይ ግምት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ መርበብ ሓበሬታታት ኣብ መዓልቲ ብኣማኢት ዝግመቱ ዜናታት፡ ሓተታታት፡ ቃለ መጠይቓት፡ ግጥምታትን መዘክራትን ይዝርግሑ ኣለዉ። ናይ ሬድዮን ካልእ ዘመናዊ ኤልክትሮኒካዊ ሚድያታት ዝርጋሐታት እንተወሲኽናሉ ድማ እቲ ብዝሒ ሰማይ እዩ ዝዓርግ። እዞም ዜናዊ ስረሓት ዝመሳሰልሉ ነጥብታት ኣለዎም። ዝፈላለይሉ’ውን ከምኡ። ገሊኦም መርበባት ናቶም ዘንቅዱ ኣበርከቲ ኣካላት ዘየብሎም ተጸበይቲ ይመስሉ። ገሊኦም ግና ብዘይካቲ ካብ ደገ ዝለኣኸሎም ካብ ውሽጦም ኣንቂዶም ዘበርክቱ ኣካላት ከም ዘለውዎም ምዕዛብ ይከኣል። ብዘይካቶም ውሱናት ኣብ ናይ ጉጅለ ህግደፍ መርበባት ዝወጹ መልእኽትታት፡ ኩሎም እቶም ካለኦት ዕምቆቱ፡ ወድዓወነቱ፡ ርትዓውነቱን ስፍሓቱን ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ይወርድ ብዛዕባ ዘሎ መከራ ይረዳድኡ እዮም። ስርዓት ህግደፍ ንክውገድ ምጽዓት እውን ከምኡ ካብቲ ዘመሳስሎም መምዘኒ እዩ ኢልካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ። ሕጂ እውን ወድዓውነቱን ዕምቆቱን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ናይ ድሕሪ ህግደፍ መተካታ ከመይን ይኹን ኣብ ዝብል’ውን ነናቶም ኣማራጺ ወስ የብሉ እዮም። እሞ እዚ ኩሉ ኣብ መዓልቲ ብክንድዚ ደረጃ ዝዝርጋሕ ዜናዊ መልእኽትታት ኣንባብን፡ ኣንቢቡን ትሕዝቶኡ ተረዲኡን ፍትሓዊ ትርጉም ዝህብ ኣካልከ ይረክብዶ? እቲ ኣብ ምቅዋም ጉጅለ ህግደፍ ዝረዳዳእ መርበባትከ ኣብ ሕድሕዱ ከመይ ይመላላእ? ንዝብሉ ሕቶታት ግና መልሱ ዘዳዲ እዩ።

ብዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት EPDP

ዕዱም ጋሻ፡-   ኣሳናዳእቲ ኣኼባ ቦሎኛ

መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

 

    • ክብርቲ ወይዘሮ ኤሪካ ፍሮይንድሹ ተወካሊት ከንቲባ ፍራንክፈርት፤
    • ክብርቲ ወይዘሮ ሲልቭያ ኩንዝ፡ ተወካሊት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ኣብ ፍራንክፈርት፤
    • ክቡር ኣቶ ሓምዲ ኣሕመድ ዑስማን ኣልዓዛዚ፡ ኣቦ መንበር ትካል ሓድሽ ወለዶ ንሰብኣዊ መሰላት፤
    • ክቡር ኣቶ ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣሰናዳኢት ሽማግለን፤

ኣቦ መንበር ትካል ሓድሽ ወለዶ ንሰብኣዊ መሰላት (New Generation Foundation for Human Rights)

 

ክቡራንን ክቡራትን

መንግስተኣብ ኣፍወርቂ 

 

ክቡር አቦ መንበር አሰናዳኢት ሽማግለ