×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ቃል ሓው ሓምዲ ኣሕመድ ዑስማን ኣልዓዛዚ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014

2014-08-26 11:37:22 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 23111 times

ኣቦ መንበር ትካል ሓድሽ ወለዶ ንሰብኣዊ መሰላት (New Generation Foundation for Human Rights)

 

ክቡራንን ክቡራትን

 

ኣቐዲመ እግዚኣብሄር፡ ሰላሙ፡ ባርኾትን ምሕረቱን የውርደልና፡ ንዅሉኹም ድማ ሰላም ክብል ክብሪ ይስምዓኒ።

 ኣብ መጀመርያ፡ ንዝገበርኩምለይ ዕድመን ብኣኹም ኣቢለ ምሳኹም ንክራኸብ ዘበርከትኩምለይ ልግሲ ክብ ዝብለ ምስጋናይ ከቕርበልኩም ኣፍቅዱለይ። ከምኡ'ውን፡ ንኣሰናዳእቲ ናይ'ዚ ዓቢ ፈስቲቫል'ዚ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። እዚ ፈስቲቫል'ዚ ብዝዓበየ ደረጃን ኣብ ቀረባ እዋንን፡ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈና ኣስመራ፡ ርእሰ-ከተማ ሓዳስ ኤርትራ ምስ'ቲ ነቶም ሰዓብቲ ነብዪ መሓመድ ዘዕቆበ ናይ ንጉስ ነጋሽ ወለዶ ዝዀኑ ህዝብኹም፡ ከተብዕልዎ ዘለኒ ትምኒት ድማ ክገልጽ እፈቱ።

 ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን

 ንስደተኛታት ንምዕቋብን ንምክልኻልን ብፍቓደይ ምእታወይ ዘገርም ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ኣነ ወዲ 4 ዓመት ከለኹ፡ ሲና ብ1967 ዓ.ም ብእስራኤላውያን ምስ ተታሕዘ ኢየ ተሰዲደ። ትርጕም ናይ ስደትን ኣብ ግዳም ምሕዳርን ካብ'ቲ ግዜ'ቲ ኣትሒዘ ኢየ ፈሊጠዮ። ስለ'ዚ ከኣ ኢየ፡ ኣብ ሲና ማለት ካብ'ቲ ኣነ ተሰዲደ ናብ ዮርዳኖስ ዝኽድኩሉ ቦታ፡ ንስደተኛታት ዘጋጥሞም ጸገማት ኣዝዩ ዘቐንዝወኒ። እንተዀነ ግን፡ ስቅያት ስደተኛታት ሲና፡ ዋላ'ኳ ብጆግራፍን ብኵነታትን ዝመሳሰል እንተዀነ፣ ካብ'ቲ ንዓይ ከም ሕጻን ዘጋጠመኒ ስቅያት ዝተፈልየ ኢዩ።

 ዛንታይ ክጅምረልኩም

 ካብ 2004 ዓ.ም ጀሚረ ን10 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ወለንታዊ ንእሱራትን ንሕሙማትን ኣብ ምድጋፍ ዘትኰረ ስራሕ'የ ተዋፊረ ጸኒሐ። ምስ ገለ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ንመጀመርያ ግዜ ዝተራኸብኩሉ፡ ኣብ ሓደ ክፋል ናይ ሲና ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበሩ ቦታ፡ ኢዩ። ኣነ ድማ፡ ጕንፋዕ ሓሚመ፡ ረስኒ በርቲዑኒ ከለኹ ኢየ ኣብ ማእሰርቲ ኣትየ። ዝተኣሰርኩሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዛዕባ ስርዓት ግብጺ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ስለዝተዛረብኩ ኢዩ። ብዛዕባ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምዝራብ ምሕረት ዘይግበረሉ ዓቢ ገበን ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ። በዚ ምኽንያት'ዚ ከኣ፡ ብጕዳይ ጥሕሰት ሕጊ ተኸሲሰ።

 ኣነ ብሕማም ተጠቒዐ ሃለዋተይ ኣብ ዘይፈልጠሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን ኢየ ኣብ ሓንቲ ናይ ፖሊስ ጣብያ ተሓይረ። ኣብኡ ክኣቱ ከለኹ ጸላም ስለዝነበረ ብዘይካ ድምጺ ናይ'ቶም ብዘይርድኦ ቋንቋ ዝዛረቡ ዝነበሩ መንእሰያት ካልእ ዝርእዮ ነገር ኣይነበረንን። እቶም መንእሰያት ሓጊዞም ኮፍ ኣቢሎምኒ፣ ገለ ኮበርታ ከዲኖም ዝድቅሰሉ ፍርናሽ ድማ ኣንጺፎምለይ፣ ገለ ነቲ ረስኒ ንምቍጽጻር ጨርቂ ኣተርኪሶም ገጸይ ክደርዙኒ ጀመሩ፤ ገለ ጁባ ከደኑኒ፡ ገለ ድማ ብርጭቆ ማይ ኣምጺኦም ባዕሎም እናኣስተዩ፡ ብቋንቋ ዓረብኛ ገይሮም ሕጂ'ዶ ሒሹካ? ክብሉኒ ጀመሩ። ብጽኑዕ ሓሚመ የንቀጥቅጥ ስለዝነበርኩ ክምልስ'ውን ኣይከኣልኩን። ከይተረድኣኒ ድማ ኣብ ዓሚቝ ድቃስ ኣትየ።

 ንግሆ፡ ካብ ድቃሰይ ተበራቢራ፡ ዓይነይ ምስ ፈታሕኩ፡ ገለገለ ጸለምቲ መንእሰያት ብዘይፈልጦ ቋንቋ ዝዛረቡ ረኺበ። ከም'ዚ ሞይተ ኣብ መስርሕ ምጽብጻብ ወይ ምትሕስሳብ ዘለኹ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ኣዒንተይ ብዝያዳ ምስ ከፈትኩ፡ እንቋዕ ኣምላኽ ምሕረት ኣውረደልካ እናበሉ ፍሽኽ ዝብሉን ዝስሕቑን ገጻት ርኣኹ። ሓደ ሱዳናዊ፡ ትማሊ ዳርጋ ምዉት ኢኻ ኔርካ ይብለኒ። እቶም ዝተረፉ ድማ፡ በታ ዝኽእልዋ ቍሩብ ዓረብኛ ፡ ግን ከኣ ኣነ ዝርድኣ ገይሮም፡ ክዛረቡኒ ጀመሩ። ከምኡ'ውን፡ ባንን ቺዝን ንቍርሲ ኣቕሪቦምለይ፡ ምሳይ ኰይኖም ድማ ብሓባር በሊዕና። ጥዕናይ ድማ እናተመሓየሸ ከይዱ።

 ምስኦም ከዕልልን ክስሕቕን ጀመርኩ። ናይ መብዛሕትኦም ዛንታ ድማ ሰሚዐ። ኣስማቶም ብጌጋ የድምጾ ስለዝነበርኩ፡ ክሳብ ብልክዕ ዘድምጾ ደጋጊሞም ይእርሙኒ ነይሮም። ኣብ'ዚ ኵነታት'ዚ፡ ናይ ፍቕሪ፡ ድንጋጸን ካልእ ሰብኣዊ ስምዒታት ክሓድረኒ ጀመረ። ከመይ ኢሎም ከም እተኣስሩ፡ ካብ ሃገሮም ከመይ ገይሮም ወጺኦም ናብ ግብጺ ኣትዮም፡ ብነጋዶ ደቂ ሰብ ገይሮም ከመይ ናብ ሲና ከምዝበጽሑ ሰሚዐን ፈሊጠን። ኣብ'ዚ ወቕት'ዚ፡ ኣነ ተቐማጣይ ናይ ከተማ ሲና ኣይኰንኩን ዝብል ስምዒት ሓዲሩኒ። ምኽንያቱ ድማ፡ እዚ ኵሉ ነገራት ኣብ ሲና እናተፈጸመ እንከሎ፡ ከመይ ገይረ ኢየ ኣነ ዝዀነ ይኹን ነገር ክሰምዕ ዘይከኣልኩ? ዳርፉር ዝብሃል ቦታ ኣብ ሱዳን ምህላዉ፤ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ምህላዋን ሽግራታን ምስ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ውግኣትን ንመጀመርያ ኢየ ዝሰምዕ ዘለኹ። በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከመይ ገይሮም ኢዮም ኣብ መዓስከራት ዘዕቁብዎም ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ምስ'ዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣብ ዝጸናሕኩሉ ግዜ፡ ከም ስድራቤትን ኣሕዋትን ኢዮም ኰይኖምኒ። ምስ ገለገለ ኣብ ጐረቤትና ዝነበሩ ክፍልታት ተኣሲረን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፤ ከምኡ'ውን ኣብ'ተን ካልኦት ዓምበራት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ውን ተፋሊጠ። ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ መዓልቲ፡ መዓልቲ ከበጽሖም ምዃነይ፣ ምስ ቤተሰቦምን ቀረቦምን እናተራኸብኩ ደቆም ድሓን ከምዘለዎ ከተኣማምኖም ምዃነይ፣ ናብ ኢትዮጵያ ንኽምለሱ ናይ ነፈርቲ ትኬታት ይጽበዩ ምህላዎም ክሕብሮም ምዃነይ እማባጽዓሎም ነይረ። ናብ ኤርትራ ዘይኰነ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝተገብርሉ ምኽንያት ከኣ፡ ናብ ሃገሮም እንተደኣ ተመሊሶም፡ መንግስታቶም ጕድኣት ከየውርዳሎም ስለዝተሰግአ ኢዩ ነይሩ። ንሱዳናውያን ውን ከምኡ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ሃገሮም ናብ ኢትዮጵያ ኢዮም ክመልስዎም ዝደልዩ ዝነበሩ። ካብ'ዚ ግዜ'ዚ ጀሚረ ኢየ፡ ጕዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናን ካልኦት ኣውራጃታት ግብጽን ናተይ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ጕዳይ ክኸውን ከምዘለዎ ዝወሰንኩ።

 ብዙሕ ግዜ ድማ፡ መግቢ፡ ክዳውንትን መድሃኒታትን ሒዘ ነቶም ፈተውተይ እሱራት ንምብጻሕ ናብ መደበር ፖሊስ እኸይድ ነይረ። ሓደ መዓልቲ ዳይረክተር ናይ'ቲ መደበር ፖሊስ፡ እዚ ኵሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ሲና ብኣፍሪቃውያን ኢዩ መሊኡ ዘሎ። ነዞም ኵሎም እሱራት ክትሕግዝ እንተደኣ ደሊኻ ይከኣል ኢዩ ኢሉኒ። ካብ ዳይረክተር ናይ ጸጥታ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብ ድማ፡ ንዅሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ሲና እበጽሖ ነይረ። እቶም መኳንንቲ ናይ ፖሊስ ድማ፡ ነቶም በሽሓት ዝቝጸሩ እሱራት ስደተኛታት ክበጽሖም ይተሓባበሩኒ ነይሮም። ሓደ ጽቡቕ ፕሮጀክት ዝገበርክዎ፡ ኣብ ነፍስወከፍ መደበር ፖሊስ፡ ሓንቲ ሞባይል ተለፎን ኣቐሚጠ። ቍሩብ ገንዘብ ድማ ገይረለን። እቶም እሱራት ብአአን ኣቢሎም ናብ ቤተ-ሰቦም miss call ይገብሩ እሞ፡ ቤተሰቦም ደዊሎም የዘራርብዎም ነይሮም። እዚ መደብ'ዚ፡ ሳላ'ቲ ግብጻውያን ፖሊስ ዝገበርዎ ምትሕብባር፡ ዕዉት ነይሩ። ብዙሓት ድማ፡ ጕዳዮም ወዲኦም ቀልጢፎም ክገሹ ሓጊዙ።

 ክቡራትን ክቡራንን ተኻፈልቲ ፈስቲቫል

 ስርሐይ እናሰፍሐ ምስ ከደ ኣብ ዓውዲ ኢንተርነት ኣትየ መጽናዕተይ ክገብር ጀመርኩ። በዚ ኣቢለ ድማ፡ ምስ ብዙሓት ብጕዳይ ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ብጕዳይ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ድማ ብፍላይ፡ ዝግደሳ ኣህጕራውያን ማሕበራት ክፋለጥ ከኣልኩ። ንኣብነት፡ ምስ ሓደ ጆን ስቶፈር ዝተባህለ ማሕበር ኣብ ኣመሪካ፣ ከምኡ'ውን፡ ሮበርቶ ማሊኒ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ኢጣልያ ተፋሊጠ።

 ዕለት ዕለት ካብ ሆስፒታላትን መቓብርን ዝረኸብክዎ ዝሰደሎም ዝነበርኩ ጸብጻባትን ኣሳእልን ብቕልጡፍ ናብ ዜና ማዕከናት የቓልሕዎ ነይሮም። ሃለዋት ናይ'ቶም ስደተኛታት ኣብ ሲና ንምቅላሕ ብዙሕ ጻዕርታት ኢዮም ገይሮም። ኣነ ድማ፡ መታን ብፖሊስ ይኹን ብመንግስቲ ግብጺ ዕንቅፋት ከይፍጠረለይ ብምስጢር ኢየ ዝሰርሕ ነይረ። ድኻምን ትህኪትን ከይተሰምዓኒ ድማ ቀትርን ለይትን እሰርሕ ነበርኩ። ብዝተፈላለዩ ከም ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት፡ ሓይልታት ሓለዋ ዶብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ግብጽን ኣብ ግዳምን ዝርከቡ መዓጹ ናይ ዜና ማዕከናት ብምኽፋት፡ ናይ'ቲ ከባቢ ሃለዋትን ዝርዝር ጸብጻባትን ብምትሕልላፍ፡ መንግስቲ ግብጺ፡ ነዚ ኣብ ሲና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ደው ንምባል ኣድላዪ ስጕምቲ ንኽወስድ ጸቕጥታት ንምግባር ኢዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ስም ግብጺ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ስለዘበላሸኻ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ክትእሰር ኢኻ ብምባል ከፈራርሑኒ ፈቲኖም። ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ዝነበረ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ግብጺ፡ ኣቶ ኣሕመድ ኣቡል ቔጥ፡ ኣብ ግብጺ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሲና ድማ ብፍላይ፡ ናይ ስደተኛታት ጸገም ይኹን ዝካየድ ንግዲ ደቂ ሰባት የለን ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣነ ንሓደጋታት ሃገራዊ ጸጥታ ግብጺ ክቃላዕ ጀመርኩ። ኣብ ልዕል'ዚ፡ ንዓይን ንስድራቤተይን ክንጨውየኩም ኢና ዝብል ብዓሰርተታት ዝቝጸር ታህዲዳት ከመጸና ጀመረ። ገለ ገበነኛታት ጕጅለ ነጋዶ ደቂ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ውሉደይ፡ ናይ ኣእዳዉ፡ ኣእጋርን ገጽን ኣዕጽምቲ መስበርቲ ብምፍጻም፡ እቲ ታህዲዳቶም ናብ ግብራዊ ስጕምታት ኣሰጋገርዎ ። እዚ፡ ካብ'ቲ ጕዳይ ናይ ስደተኛታት ንኽእለ ተባሂሉ ዝኸፈልክዎ ዋጋ ኢዩ ነይሩ።

 ክቡራንን ክቡራትን

 ኣብ መላእ ሲናን ኣብ ደቡብ ምስ ሱዳን ዝዳወብ ቦታታትን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላትን ኣብያተ-ማእሰርትን ሰፊሕ ድህሰሳ፡ ምርምር፡ ጥልቕ ዝበለ ምክትታልን ምስ በማእት ወይ በሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቃለ-መሓትታት ድሕሪ ምግባርን፣ ከምኡ'ውን፡ መብዛሕታኡ ግዜ ብምስጢር ብዘካይዶ ዝነበርኩ ብጽሖታትን እቲ ጕዳይ ዝያዳ እናበርሃለይ ከይዱ። ንሱ ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ዝተወደበን ነንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረን ናይ ገበነኛታት ነጋዶ ደቂ ሰብ መርበብ ምህላውን፤ ኣብ መንጐኦም፡ ካብ ሓደ ናብ'ቲ ካልእ ስደተኛታት እናተቐባበሉ፡ ነፍስወከፎም ዝረብሓሉ ስርሒታት ምዃኑ እናተረድኣኒ መጺኡ። ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ዝሃድምሉ ዝነበሩ ቀንዲ ምኽንያታት ድማ ጭቆናን ውግኣትን ምዃኑ'ውን በሪሁለይ። ስለ'ዚ፡ ካብ'ዚ ገሃነም እሳት'ዚ ወጺኦም፡ ናብ'ቲ ዝደልይዎ ቦታ ንምብጻሕ ገዛውቶም ይኹን ጥሪቶም ብምሻጥ ዓቢ መስዋእቲ ኢዮም ዝኸፍሉ። እተን ዝበዝሐ መስዋእቲ ዝኸፍላ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ዋጋ ናይ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ሰብኡተን ወይ ኣሕዋተን ዝኸፍላ ንሳተን ኢየን። በዚ ምኽንያት'ዚ ድማ ምስ ደቀን ክሃድማ ይግደዳ። ኣብ ጕዕዞ፡ እቲ ጸገማት እናኸረረ እምበር እናፈዀሰ ኣይኰነን ዝኸይድ። እቶም ገበነኛታት ኣብ ጕጅለታት ከፋፊሎም፡ ብእግሮም ንዓሰርተታት ኪሎሚተራት ካብ ምኻድ ጀሚርካ ክሳብ ብዓሰርተታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኻይን ወይ ኣብ ኮንተይነራትን በራሚልን ዓሺግካ ምጕዕዓዝ ኣሎ። ካብ ሓደ መደበር ናብ ካልእ መደበር ክጐዓዙ ከለዉ፡ ብጽምኢ፡ ብጥሜት፡ ብሕጽረት ትንፋስ፡ ብሕማም ...ወዘተ ዝሞቱ ብዙሓት ኢዮም። እቲ ናይ ስደት መንገዲ ካብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ኣትሒዘ ተኸታቲለ፡ ጥቓ'ቶም ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባት ተዋፊሮም ዘለዉ ቀቢላታት ራሻይዳ በጺሐ። መበቆል ቀቢላ ራሻይዳ ካብ ስዑድያን የመንን ኢዩ። ካብ መንግስታቶም ዘምለጡ ኣሸበርቲ ወይ ብኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ዝተዀነን ገበነኛታት፡ ቀቢላ ራሻይዳ ተዕቁቦምን ብሰላም ተንብሮምን ኣላ። እንሆ ከኣ ክሳብ ሎሚ፡ ብጸጥታ ናይ ግብጺን ናይ'ቲ ዞባን፣ ከምኡ'ውን፡ ብህይወትን ዓቕምታትን ናይ'ቶም ብናጽነት ክነብሩ ዝደልዩን በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ፡ ካብ ድኽነትን ውግኣትን ካብ ገሃነም እሳት ዝዀነ መነባብሮን ዘምልጡ እሞ ኣብ መወዳእታ ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰብ ዝዀኑ ዘለዉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ከተሽክዕልል ትርከብ ኣላ። እዞም ገበነኛታት ነጋዶ ደቂ ሰባት ኣብ ደቡብ ግብጺ ዝኽልክሎም ይኹን ዝከታተሎም ዘይብሎም ከምድላዮም ኢዮም ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም። ዶባት ግብጺ ብግብሪ ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኢዩ ጸኒሑ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ እዘን ቀቢላታት እዚኣተን፡ መንግስቲ ሱዳን ኢያ ተዕጥቖምን ንድምጺ ናይ ተቓወምታ ንምዕፋን ትጥቀመሎምን። በዚ ኣገባብ፡ ንስርዓት ናይ ሱዳን ዝቃወሙ፡ ብፍላይ ድማ ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለዎም ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኢዮም። እዞም ገበነኛታት እዚኣቶም፡ ምስ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝምድና ብምፍጣር፡ ነቶም ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝቕተሉን ዝእሰሩን ገይሮም ኢዮም። ካብ'ዚ ሓሊፎም ውን፡ ኣብ ክፉት ዕዳጋ ኣውሪዶም ዝያዳ ንዝኸፈሎም ክሸጥዎም ተራእዮም ኢዮም። ገለ ንስራሕ፡ ገለ ድማ ከም ዕሱባት ወተሃደራት (mercenaries) ተሸይጦም ኣብ'ቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ተኻፊሎም ኢዮም። በሽሓት ዝቝጸሩ ህጻናት ድማ፡ ባሮት ኰይኖም ክገልግሉ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተሸይጦም ወይ ከም መደሰቲ ኣብ ቅድድም ናይ ኣግማል ይጥቀሙሎም ወይ ድማ፡ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ብሕሱር ዋጋ ተሸይጦም ከም ኣናጹ፡ ናይ ስተም ሰል (stem cell) ምርመራታት ይካየደሎም ኣሎ። ወይ ድማ፡ ብሲና ኣቢሎም ናብ እስራኤላውይን ይሽይጡ እሞ፡ ከም መቀያየሪ ሃለኽቲ ኣቝሑ (spare parts) ወይ ከም ኣቕሓ ናይ ሳይንሳዊ ሕክምናዊ መጽናዕቲ ይግልገሉሎም ኣለዉ። ብውሑዱ፡ ቆርበቶም ኣብ ናይ ደቂ ሰባት ባንክ ናይ ክፍለ-ኣካላት ኣቐሚጦም ይጥቀምሉ ኣለዉ። ገንዘብ ንምርካብ ዋላ ምስ ሰይጣን ክሰርሑ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። እዚ ሓቂ ምዃኑ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ እስራኤል ዝንቀሳቐሱ መርበባት ገበነኛታት ዝቐረበ ጸብጻብ ተረጋጊጹ። እቲ ጸብጻብ ካብ'ታ ውርይቲ ኣይሁዳዊት መርበብ ገበነኛታት "ሶፕራኖ" ኣብ ኒው ዮርክ ኣካላት ደቂሰባት ዝነግዱ ኣባላታ ከምእተኣስሩ ኢዩ ዝሕብር። ምናልባት ውን መን ይፈልጥ፡ እስራኤል እታ ሓንቲ ከም ኣካል ሕብረት ኣውሮጳ እትፍለጥ ሃገር፡ ኣብ ምሻጥ ናይ ኣካላት ደቂሰባት ብመሰረት ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚንስተር ኣይሁድ ባራክ፡ ብ1992 ሚኒስተር ናይ ጥዕና እንከሎ ዘሕለፎ ውሳኔ ትተሓባበር ነይራ ክትከውን ትኽእል ኢያ። እዛ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘላ ጕጅለ'ዚኣ፡ ምስ ገለ ሕልንኦምን ሰብኣውነቶምን ዝሸጡ ብምስምማዕ፡ ንሲናን ምስ እስራኤል ዝዳወቡ ቦታታት ግብጽን ከም እሙን ገበን ዝፍጽምሉ መሕብኢ ቦታታት ገይሮም ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ኣብ'ዚ ቦታታት'ዚ፡ ኣካላት ሰብ ሸይጦም ገንዘብ ክእክቡ፡ ንጅሆ ዝሓዝዎም ሰባት ከሳቕዩ፡ ክገፍዑ፡ ክቐትሉን ጾታዊ ዓመጻትን ክፍጽሙ ጸኒሖም ኢዮም። ዝተፈላለየ ቦታታት ሲና መቓብር ናይ'ዞም ብግፍዒ ዝተቐትሉ ስደተኛታት ኰይኑ ኢዩ፣ ሆስፒታላት ሲና ድማ፡ ምስ ዝነበረን ትሑት ዓቕሚታት፡ ብዓሰርተታት ወይ በማእት ዝቝጸሩ፡ ብማህረምቲ ዝተጐድኡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣአንጊደን፡ ናይ ሬሳ ተላጃታተን ድማ ብምውታት መሊኡ ኢዩ። እዞም ድኻታት ስደተኛታት ብመርበብ ገበነኛታት ኣብ ጅሆ ተታሒዞምሉ ዘለዉ ቦታታት ኰይኖም፡ በሽሓት ዝቝጸር ዶላራት ክኸፍሉ ይግደዱ ኢዮም። እንተዘይከፊሎም ከኣ ኣደዳ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግረፍትን ዓዛብን ይዀኑ። ብሓይሊ ኤለክቲክ ይትኵስዎም፡ ወይ ዝመኸኸ ፕላስቲክ ኣብ ዝባኖም የንጥብሎም ወይ የጥምይዎም። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ከም ዝተሓርደ ከብቲ ኣብ ናሕሲ ናይ'ቲ ገዛ ኣንጠልጢሎም ብርሱን ሓጺን ይበስዕዎም ወይ ብፍሓም የንድድዎም። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ከይተረፈ ተመሳሳሊ ግፍዕታት ኢዩ ዝፍጸም። ኣነ ባዕለይ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ዘይቕበሎ ግህሰታት ወይ በደላት ተመልኪተ ኢየ። ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ካብኦም ብድምጽን ብስእልን ኣብ ዝተመዝገቡ ናይ ሓባር መቓብር ኢዮም ተደፊኖም። ናይ ብዙሓት ካብ ኢድ ናይ'ዞም ገበነኛታት ዘምለጡ ሰባት ናይ ዓዛብን ስቓይን ዛንታታት ድማ ሰሚዕና። ገለ ካብኦም ካብ ገዝኦም ክሳብ ዶብ ዝተጓዕዝሉ ስእሊ ኣብ ዕንጸይቲ ዝሰኣልዎ ውን ርኢና። እንተዀነ ግን፡ ገለገለ ናይ ግብጺ ናይ ዜና ማዕከናት፡ እዚ በደላት'ዚ ብመላእ ህዝቢ ሲና ከምዝተፈጸመ ገይሮም ገሊጾሞ።

 ክቡራትን ክቡራንን ተኻፈልቲ ፈስቲቫል

 ናይ መጽናዕተይ ክሊ ዝያዳ ብምስፋሕ፡ ይንኣስ ይዕበ ዝዀነ ሓበሬታ ክምዝግብን ብጕዳይ ስደተኛታት ክግደስን ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታ ዝበጻሕክዎ ዕግበት ድማ እዚ ንግዲ ጥራሕ ዘይኰነስ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ምዃኑ ኢዩ። እቲ ስደተኛ፡ ብህይወቱ ወይ ከኣ ከም ስፐይር ፓርትስ ከፋፊልካ ዝሽየጥ ኣቕሓ'ዩ ኰይኑ። እቶም ነዚ ዘካይዱ መርበባት ድማ፡ ብልሽዋት ሰበልስጣን መንግስታት፡ ቦታውን ዓለማውን ባንክታት ዝተሓውስዎን ኣህጕራውያን ናይ ገበን ኩባንያታት ኢየን። ሲና፡ ዝዓበየ እጃም ናይ'ዚ ስቅያታት'ዚ ዝፍጸመላ ናይ መወዳእታ ጣብያ ወይ ስተሽን ኰይና፣ ስደተኛታት ኣብ ንኣሽቱ ጕጅለታት ተኸፋፊሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ'ቲ ዶብ ኢዮም ዝእሰሩ። ናብ'ዚ ንምብጻሕ ገሊኦም ን7 መዓልቲ ብእግሪ ይጓዓዙ፣ ወይ ብገመድ ወይ ሰንሰለት ከም እንስሳ ተኣሲሮም ኣብ ናይ ጽዕነት መኻይን ተሳፊሮም ይመጹ። ኣብ'ቲ ቦታታት ምስ በጽሑ ድማ ንዝተፈላለየ ዓይነት ዓዛብን ማህረምትን ምዝመዛን ይቃልዑ። ደቂ ኣንስትዮን ንኣሽቱ ኣዋልድን ድማ ይድፈራ። ብኸም'ዚ ኣገባብ፡ ኣዝማዶምን ኣዝማደንን ሰቦም ንምድሓን ክሳብ 60,000 ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ክሰዱ ይግደዱ። እቲ እሱር ስደተኛ ካብ'ዚ ዓዛብ'ዚ ሞት ኢዩ ዝምነ። ክሃድም እንተፈቲኑ ድማ ወይ ብጥይት ይቕተል ወይ ብጽምኢን ብጥሜትን ይመውት።

 ኣብ ዶብ ምብጻሕ

 ሓደ እሱር፡ እቲ ዝተባህሎ ገንዘብ ከፊሉ፡ ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ድሕሪ ምጽባሑ፡ እቶም ጨወይቲ ከመይ ገይሩ ናብ እስራኤል ከምዝኣቱ ይሕብርዎ። ኣብ'ዚ ክልተ ዕድላት ኢዩ ዘሎ። እቲ ሓደ፡ ብሓለዋ ዶብ ናይ ግብጺ ተታሒዝካ፡ ናብ ሓንቲ ካብ'ተን ብዙሓት ኣብ ሲና ዝርከባ መደበራት ፖሊስ ይሰዱኻ። ኣብ'ዚ መደበር'ዚ ንገለ ኣዋርሕ ተኣሲርካ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሓንቲ ካብ'ተን በሽሓት ስደተኛታት ዝቕበላ መደበራት ፒሊስ ኣቢልካ ናብ ሃገርካ ትባረር። ኣብ'ዚ መደበራት'ዚ ንነዊሕ እዋን ምጽናሕ ድማ እንተወሓደ ብናይ ቆርበት ሕማም ትጥቃዕ።

 እቲ ካልኣይ ዕድል፡ ብሓለዋ ዶብ ግብጺ ወይ ድማ ሓለዋ ዶብ እስራኤል ጥይት ተተኲሱልካ ምሟት ኢዩ። እቲ ዝትኰስ ጥይት መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ርእሲ፡ ወይ ከብዲ ወይ ኣፍልቢ ስለዝዀነ ቀታሊ ኢዩ። ተወጊእካ ናብ ሆስፒታል ናይ ዓርሽ እንተደኣ ተሰዲድካ ድማ፡ በቲ ዘጋጥም ምድንጓያት ኵነታትካ እናኸፍአ ይኸይድ እሞ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ትመውት። ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ጥይት ምትኳስ ብኣህጕራዊ ሕጊ ፍቑድ ኣይኰነን። መውጋእትኻ ኣብ ሕቆኻ፡ ወይ ሰለፍካ፡ ወይ እግርኻ እንተዀይኑ ድማ ካልእ ዓይነት ጸገማት ኢዩ ዘጋጥመካ። ፍርቂ ኣካልካ ወይ ምሉእ ኣካልካ ዘልምስ መጕዳእቲ እንተዀይኑ፡ መድሃኒት ከይረኸብካ ወይ መጥባሕቲ ዝገብረልካ ስኢናካ ኣብ ሆስፒታል ንሳምንታት ወይ ኣዋርሕ ክትጸንሕ ትግደድ። ስለዚ፡ እኹል ሕክምና ከይተገብረልካ ብተብተብ ከይሓወኻ ናብ ፖሊስ የረክቡኻ። እቶም ዕድለኛታት ግን፡ ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከባ ግላዊ ሆስፒታላት ዘእትውኦም ናይ ረዲኤት ማሕበራት ይረኽቡ። ኣብ'ዚ ድማ፡ ነቲ ዝተደራቐመ ኣዕጽምቲ ናይ ሰለፎም ወይ ሕቖኦም ወይ እግሮም ዝኣኻኽብ ጀሶታት ይገብርሎም። ከምኡ'ውን፡ ገለገለ ሓካይምን ኣለዪቲ ሕሙማትን በቲ ረኽሲ ወይ ካልእ ምኽንያታት ዘጕረምርሙን ናብ'ቶም ሕሙማት ዘይቐርቡን ኣለዉ። ገለ ብዓይነይ ዝረኣኽዎም ድማ ነቶም ሕሙማት ጡፍ ዝብሉሎምን ዝጸርፍዎምን፤ ናይ እስራኤል ወተሃደራት ኰንኩም ተመሊስኩም ንዓና ክትዋግኡና ዲኹም ትኸዱ ዘለኹም ኣለዉ ይብልዎም። ናይ ዓለም ጋዜጣታትን ተለቪዥናትን ብዛዕባ'ዚ ጸገማት'ዚ ድሕሪ ምዝራበን ዓሰርተ ዓመት ጸኒሐን ኢየን ገለገለ ናይ ግብጺ ጋዜጣታትን ናይ ተለቪዥን መሳዂትን ክዛረባሉ ዝጀመራ። ናይ ግብጺ ማዕከናት ዜና፡ ነዚ ተረኽቦታት'ዚ ብግጉይ መልክዕን ናይ ሞያ ብቕዓትን ተኣማንነትን ብዝጐደሎ ኣገባብ ኢየን ዘቃልሕኦ ዝነበራ።

 ገለገለ ጋዜጣታት ግብጺ፡ ከም ጋዜጣ "ኣልዮም ኣሳብዕ"፡ ከምኡ ውን፡ ግብጻዊት ቲቪ ኣልሓያን (On TV) ኦን ቲቪን በማእት ዝቝጸር ስእልታተይ ብዙሕ ቪድዮታተይን ሰሪቖም፡ ነዚ ኣነ ሰብኣዊ ስምዒታት ዝትንክፍ ኢለ ንነዊሕ እዋን ዝዓቀብክዎ ኣሳእል ሰብኣውነት ብዝጐደሎ ኣገባብ ናብ ጋዜጣታትን ናብ መደበራት ናይ ተለቪዥንን ዘርጊሖሞ። እዞም ንግላዊ ዋንነት ናይ'ዚ ኣሳእል ዘየኽብሩ ጕጅለ ናይ ሰረቕቲ፡ ነቲ ኣነ ስምዒታት ይትንክፍ'ዩ ኢለ ዝዓቀብክዎም ኣሳእል፡ ኣስማት ጋዜጣታቶምን ተለቪዥናቶምን ወሲኾም፡ ከም ናቶም ኣሳእልን ናቶም ምንጪታትን ኣምሲሎም ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ። ኣህጕራዊ ጋዜጣታትን ናይ ተለቪዥን ማዕከናትን ግን፡ ምሳይ ንብዙሕ ዓመታት ብሞያዊ ብቕዓትን ብኣኽብሮትን ኢዮም ሰሪሖም። ስለ'ዚ ከኣ ኢየ ዝረኸብክዎ ሓድሽ ነገር ዝዀነ ይኹን ነገራዊ ረብሓ ከይሓተትኩ ዝሰደሎም ዝነበርኩ። ብማዕከናት ዜና ኣብ ዓለም ዝተራእየ ኣብ ሲና ንብዙሕ ዓመታት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ዘቃልዕ ልዕሊ 90% ዝኸውን ኣሳእልን ፊልምታትን ሓበሬታታትን ምንጩ ኣነ ኢየ ነይረ።

 ሞት ከጋጥም ከሎ፡-

 እዚ ሕማቕ ምርኢት ኢዩ። ብዙሕ ሬሳታት ናብ'ቲ ምርመራ ናይ ሬሳታት ዝካየደሉ ክፍሊ (መሽርሓ) ናይ ሆስፒታል ኣል ዓርሽ ኢዩ ዝመጽእ። ኣብ'ዚ ክፍሊ'ዚ ሕጽረት ናይ ሬሳታት ዝዕቀቡሉ ተላጃታት ኣሎ። ስለ'ዚ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሬሳታት ብሓደ ኣብ ሓንቲ መዕቆቢት ናይ ሬሳታት ወይ ተመዛዚት ኢዮም ዝቕመጡ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዞም ሬሳታት'ዚኣቶም፡ መንነቶም ክሳብ ዝፍለጥ ወይ ኣብ ሕጋዊ መዳይ ዘጋጥም ምድንጓያት ንብዙሕ ኣዋርሕ ኢዩ ኣብኡ ክጸንሑ ዝግደዱ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ሬሳ ይምሽምሽ። ሓደ ሬሳ ንኽቕበር ሕጋዊ ፍቓድ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ሕጋዊ መስርሕ'ዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ካብ ገለ ሳምንታት ክሳብ ንብዙሕ ኣዋርሕ ስለዝምጠጥ፡ ነቲ ንክብሪ ናይ ሬሳ ተባሂሉ ዝወጸ፡ ዝሞተ ሰብ ብቕልጡፍ ክቕበር ኣለዎ ዝብል ሕጊ ዝጥሕስ ኢዩ። እዚ ከኣ ንዓይ ከም ውልቀሰብ ብዙሕ የህልኸኒ ነይሩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ሬሳ መታን ከይምሽምሽ ዝከላኸል ፎርምሊን ዝብሃል መድሃኒት ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ናተይ ጾር ኢዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ክኣ፡ እቲ መዕቆቢ ሬሳታት ዝዀነ ተላጃታት ይበላሾ እሞ ክሳብ ዝዕረ እቲ ሬሳታት ክጨኑ ይጅምር። ክትቀብሮም ከለኻ ከኣ፡ መግነዚ ዝኸውን ናይ ፕላስቲክ ክሻታትን ሳጹን ናይ ሬሳታትን ትስእን። ከምኡ'ውን፡ ካልእ ኣብ ልዕሊ'ቶም ሬሳታት ዝፍጸም ገበን፡ ብዙሕ ሬሳታት ኣብ መካበብያ ዘይብሉ ፍሉይ መቓብር ኢና ንደፍኖም። ዋናታት ዘይብሎም ኣኽላብ ፍሒሮም ኣውጺኦም ይበልዕዎም እሞ፡ እንደገና፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ኣኪብና ንቐብሮ። ንብዙሓት ገበርቲ ሰናይ፡ ሽሕ ግዜ ይኸውን፡ ነቲ መቓብር መንደቕ ክንገብረሉ መጸዋዕታታት ኣቕሪበ። ዝሰምዕ እዝኒ ግን ኣይረኸብኩን። እንተዀነ ግን፡ ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ፡ ጆን ስታውፈር፡ ፕረሲደንት ናይ ኣመሪካዊት ጋንታ ንዝተፈናቐሉ ኤርትራውያን (John Stauffer- President the America Team for Displaced Eritrean) ዝተባህለ ማሕበር ነሽሓት ዝዀኑ ኣብ ሆስፒታላትን ኣብያተ-ማእሰርትን መቓብርን ዝነበሩ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝውዕልመድሃኒት፡ ክዳውንትን መግብን ኣወፍዩለይ። ሓገዙ ድማ ብዙሕ ሽግራት ንምፍታሕ ኣኽኢሉኒ። ብተወሳኺ፡ ንዕኡ ቅድሚ ኵሎም ካልኦት ኢየ ብስእሊ ዝተሰነየ መዓልታዊ ጸብጻባት ዝሰደሉ ዝነበርኩ። እቲ ካብ ፖሊስ ዝመጽእ፡ በስማት፡ ብዜግነትን ካልእ ዝርዝራትን ዝተሰነየ ጸብጻባት፡ ኣዝማዶም ንምርካብ ምናልባት ይሕግዝ ይኸውን። ብጥይት ተሃሪሞም ወይ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ንዝኣትው ድማ፡ ጆን ስታፈር ብዙሕ ሞራላውን ማተርያላውን ደገፍ ኢዩ ዝገብረለይ ነይሩ። ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ቀሊል ስለዘይነበረ፡ ካብ'ዚ ሰብ'ዚ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓገዛት ግን ገለገለ ሽግራት ይፈትሓለይ ነይሩ። ኣብ ማዕከናት ዜና ኣብ ምዝርጋሕን ንዓይ ኣብ ምፍላጥን ውን ብዙሕ ሓጊዙኒ። ኣብ ልዕሊ በሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታትን ስፍሓቱን ንምቅላሕ፡ ኣብ ግብጺ፡ ሰሚናራት ንምክያድ ዘድሊ ገንዘብ የበርክት ነይሩ። ካብ'ዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሲና ብነጋዶ ደቂ ሰብ ዝፍጸም ዝነበረ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ኣብ ናይ ዓለም ጋዜጣታትን ተለቪዥናትን ክዝረበሉ ጀሚሩ። ባርነት ብዝኸፍአ መልክዑ ኢዩ ኣብ ታሪኽ ተደጊሙ። እቲ ንትካል ናይ ጆን ስታፎርድ ዘመሓላልፎ ዝነበርኩ ኣሳእልን ጸብጻባትን ናብ'ቶም ናይ ዝጠፍኡ ወይ ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ሓበሬታታት ክሰደሎም ዝሓቱኒ ዝነበሩ ኢጣልያዊት ጕጅለ ኤቭሪዋን ግሩፕን (Everyone group)መሮን እስጢፋኖስን ውን አመሓላልፎ ነይረ ኢየ። ንመሮን እስጢፋኖስ፡ በብዕለቱ ብስእልን ዝርዝር ጸብጻባትን ዝተሰነየ ሓበሬታታት እሰደላን ናይ ብዙሓት ክረኽበላ ዝሓተተኒ ዝጠፍኡ ሰባት ሃለዋት ውን እሕብራ ነይረ። ነዚ ዝሰደድኩላ በሽሓት ዝቝጸር ኣስማትን ኣሳእልን ናይ'ቶም ግዳያት፡ ንሳ ውን ብወገና ትዝርግሖን ንቤተሰቦም ትሕብርን ነይራ ኢያ። ኣዋርሕ በዋርሕ ተተኪኡ፡ ስቅያት ስደተኛታት ኣብ ሲና እናበኣሰ ከይዱ፡ ኣብ ሆስፒታል ዝበጽሕ ሬሳታት እናወሰኸ ከይዱ፡ በዚ ተገዲደ 10 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸውን ሬሳታት ኣብ ሓደ መቓብር ክደፍን ተገዲደ። ፖሊስ ዝቐተልዎም ወይ ድማ ኣብ ምድረበዳ ተደርብዮም ዝተረኽቡ ሬሳታት ብዙሓት'ዮም ነይሮም። ብዙሕ ግዜ ከኣ፡ ኣብ በረኻታት ሲና፡ ኣብ'ቲ እቶም ሬሳታት ዝተረኽበሉ ቦታታት እቐብሮም ነይረ። መብዛሕትኦም፡ በቶም ነጋዶ ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸምዎ ዓዛብ ዝሞቱ ኢዮም። እዞም ገበነኛታት እዚኣቶም ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዘይግድሶም፡ ፖሊስ ይኹን ሰራዊት ግብጺ ክበጽሖም ኣብ ዘይክእል ምድረበዳን ጐቦታትን ሲና እናዀብለሉ ዝነብሩ ኢዮም። ምኽንያቱ ድማ፡ ነዞም ኣብ ዶባት ግብጺን እስራኤልን ዘለዉ ኣዝዮም ሰፋሕቲ ምድረበዳታትን ጐቦታትን ንምቍጽጻሮም ኣሽሓት ፖሊስ ወይ ወተሃደራት ክተዋፍር የድልየካ። ብመሰረት ኣብ መንጐ ግብጽን እስራኤልን ዝተገብረ ስምምዕ ድማ፡ ግብጺ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ'ቲ ከባቢ ከተዋፍር ኣይትኽእል ኢያ። እዚ ድማ፡ ነቶም ነጋዶ ደቂ ሰባት ይኹን ነጋዶ ዕጸፋርስን ብረትን ብዘይ ስኽፍታ ብናጻ ክንቀሳቐሱ ይሕግዞም ነይሩ። ከም ኣብነት ከኣ ኣመሪካ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ኣመሪካ ዝማዕበለ ተክኖሎጅን ብዙሕ ሰራዊትን ፖሊስን ዘለዉዋ ሃገር ኢያ። ምስ'ዚ ኵሉ ግን ምስ መክሲኮ ዘለዋ ዶባታ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ኣይከኣለትን።

 ኣዋርሕ በዋርሕ ተተክኡ፡ ስቅያት ናይ'ቶም ስደተኛታት እናዛየደ ከይዱ፡ ምውታትን ቍሱላትን እናበዝሑ ከዱ። በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ስርሐይ እናሰፍሐ ከደ። ኣብ ሆስፒታላትን ኣብያተ-ማእሰርትን ዝርከቡ ስደተኛታት መግቢ፡ ክዳውንቲን መድሃኒትን ኣብ ልዕሊ ምብጻሕ፡ ናብ ናይ ውግእ ሃለዋት ተሰጋገርኩ። ምስ'ቶም ኣብ'ቲ ግፍዕታት ዝፍጸሞ ኣብ ዶባት ግብጺ ዝነብሩ በደዊን ብምትሕብባር፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ክንገብርን ኣስማት ናይ'ቶም ኣብ'ዚ ንግዲ ናይ ደቂሰባት ተዋፊሮም ዘለዉ ብኢንተርነት ክንዝርግሕን ጀመርና። ከምኡ'ውን፡ ኣብ መሳጊድ እናኸድና እዞም ስም ናይ ሲና ዝብክሉ ዘለዉ ማእዝኖም ዘጥፍኡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀኑ ካብ 1% ዘይበዝሑ ውሑዳት ገበነኛታት ተቐማጦ ናይ'ቲ ከባቢ ዝዀኑ በደዊን፡ ምዃኖም ክንገልጽ ጀመርና። ብተወሳኺ ምስ ተለቪዥናት ናይ ግብጺ፡ ሃገራት ዓረብን ዓለምን ብዝገበርክዎ ቃለ-መሓትታት እዚ ጕዳይ ብዝሰፍሐ ደረጃ እናተፈልጠ መጺኡ። ከምሳዕቤኑ ድማ፡ ኣብ ሲና ዝፈስስ ዘሎ ደምን ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ንኽብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግብጺ ዝግበር ጸቕጥታት እናዛየደ ከይዱ።

 ኣብ መጀመርያ ሰውራ ግብጺ፡ ማለት ኣብ ጥሪ 2011 እቲ ቅትለት እናዛየደ መጺኡ። ምኽንያቱ ድማ፡ ግብጺ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዝኸፍአ ጸጥታዊ ጸገማት ኣጓኒፍዋ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ብዘይካ ውሕዳት ወተሃደራት ሓለዋ ዶብ ፖሊስ ዘይብላ ቦታ ኰይና። እዚ ድማ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ጕጅለታትን ኣብ'ቲ ቦታ ብናጻ ክነጥፉ ኣኽኣለ። እዚ ውን ብተርኡ ናይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሞት፡ መቝሰልስትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝዛይድ ገበረ። እቲ ኵነታት ብሓጺሩ ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ግብጺ ወጸ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ኣብ'ቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ግብጺ ድማ ብሓፈሻ ዝተፈጥረ ባዶነት ብዙሓት ኣባላት ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ግብጺ ክቕተሉን ክቘስሉን ስለዝጀመሩ እቲ ኵነታት እናተጐሃሃረ መጺኡ። ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ከኣ ኢዮም ዝበዝሑ ስደተኛታት ናብ ሲና ዝኣትዉን ገለ ካብኦም ድማ ናብ እስራኤል ዝሰግሩን ዝነበሩ። እቲ ብመንግስቲ እስራኤል ዝውሃብ ዝነበረ ንብዝሒ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝምለከት መግለጺ ግን ጐደሎ ወይ ፍርቂ ኰይኑ ስለዝተሰምዓኒ ክጠራጠር ጀሚረ። ካብ'ዚ ተበጊሰ፡ እቶም ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ፍርቂ'ኸ ኣበይ ኣበሉ? በሽሓት ዝቝጸሩ ኢዮም ነይሮም። ግን ከኣ ኣይተዘርበሎምን ዝብል ሕቶታት ከልዕል ጀሚረ።

 ድሕሪ ሰውራ ግብጽን ናይ ዘይምርግጋእ ዓመታትን ኣብ ግብጺ ሓድሽ ኵነታት ተፈጢሩ። ኣብ ግብጺ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሲና ድማ ብፍላይ፡ ንግብረሽበራ ምውጋእ ከም ቀዳማይ ዕማሙ ዝወስድ ወተሃደራት ዝመርሕዎ መንግስቲ ቆይሙ። ሰራዊት ግብጺ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ስደተኛታት ዝሕየርሉ ቦታታት ብምትኳር፡ ሀሊኮፕተራትን ታንክታትን ዝርከቦ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ነዋርሕ ዝኸውን ግዜ ኣካየደ። ከም ውጽኢት ናይ'ዚ ውግኣት'ዚ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኣባላት'ቶም ገበነኛ ጕጅለታት መይቶም ብዙሓት ድማ ተማሪኾም። ዝተረፉ ድማ፡ ናብ'ቲ ጐቦታት ሃዲሞም። ከምኡ'ውን፡ በማእት ዝቝጸሩ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሓራ ኰይኖም። ሰራዊትን ፖሊስን ግብጺ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ድማ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሓለፍትን ተራ ወተሃደራትን ኢዮም መይቶም ወይ ተሰዊኦም። ነቶም ኣሸበርቲ ምድምሳስ ድማ፡ ኣብ ዓለም ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ። ምኽንያቱ፡ ናይ ደቂ ሰባት ንግድን ኣብ ሲና ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓዛብን ኵሉ ኣኽቲሙ። ስለ'ዚ፡ ንዅሎም ስውኣት ስደተኛታት፡ ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን ግብጺ፤ ከምኡ'ውን፡ ነቶም ምሳይ ተሓባቢሮም ንገበነኛታት ነጋዲ ደቂ ሰባት ዝተዋግኡን ብሓደ ድምጺ ኣይፋል ንቕትለን ዓዛብን፡ ኣይፋል ነዚ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ዘይቅበሎ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝበሉ፤ ኣብ መሳጊድ ኣኼባታት ብምክያድ ነቲ እከይ ተግባራት ፎእ ተባሂሉ ክዅነን ዝገበሩ ክቡራት ተቐማጦ ሲና ሰላምታይ ከብጽሕ እፈቱ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ስቅያት'ዚ ናብ ማዕከናት ዜና ሓቀኛታት ተሓባበርተይ ጆን ስታውፎርድ፡ ፕረሲደንት ኣመሪካዊት ጕጅለ ንዝተፈናቐሉ ኤርትራውያንን፣ ብዙሕ ሓተታታት ብዛዕባ ስደተኛታት ዝጽሓፈን ናይ ማክዊን ብልጭ ዝሃበንን ሮበርቶ ማሊኒ፡ ኣቦ መንበር ኢጣልያዊት ማሕበር ኤቭሪዋን ጕሩፕን ክብ ዝበለ ምስጋናይ አቕርብ።

 የቐንየለይ። ነዊሕ መግለጺ ብምቕራበይ ድማ ይቕሬታ እሓትት

 

 

 

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 13:39