×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ቃል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014

2014-08-26 11:40:03 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 14417 times

መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

 

    • ክብርቲ ወይዘሮ ኤሪካ ፍሮይንድሹ ተወካሊት ከንቲባ ፍራንክፈርት፤
    • ክብርቲ ወይዘሮ ሲልቭያ ኩንዝ፡ ተወካሊት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ኣብ ፍራንክፈርት፤
    • ክቡር ኣቶ ሓምዲ ኣሕመድ ዑስማን ኣልዓዛዚ፡ ኣቦ መንበር ትካል ሓድሽ ወለዶ ንሰብኣዊ መሰላት፤
    • ክቡር ኣቶ ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣሰናዳኢት ሽማግለን፤
  • ክቡር ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ተወካሊ ኣውሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ
  • ክቡር ኣቶ ኢድሪስ ሑመድ፡ ተወካሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፤
  • ክቡር ኣቶ መሓመድ ዑስማን ኢድሪሳይ፡ ተወካሊ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ፈደራላዊ ምንቅስቓስ፤
  • ክቡር ኣቶ ኢድሪስ ኑር፡ ተወካሊ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፤
  • ክቡር ኣቶ መንግስተኣብ ኣፍወርቂ፡ ተወካሊ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፤
  • ክቡር ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ ተወካሊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፤
  • ክቡር ኣቶ መሓመድ ኑር ከራኒ፡ ተወካሊ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን፤
  • ክብርቲ፡ ዶር. ኣልማዝ ዘርኣይ፡ ተወካሊት መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፤
  • ክብርቲ ወይዘሮ ኣልጋነሽ ገብረ፡ ኣደ መንበር ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፤
  • ክብርቲ ዶር. ሓርነት በዅረጽዮን፡ ተወካሊት ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ፤
  • ክቡር ኣቶ ተስፋኣለም ኣርኣያ፡ ተወካሊ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን

ኣቐዲመ ዕድመና ኣኽቢርኩም ኣብ ፈስቲቫል 2014 ብምርካብኩም ብስመይን ብስም ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም። እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እናበልኩ ከኣ፡ ሓጐስን ምርድዳእን ዝሰፈኖ ፈስቲቫል ክዀነልና እምነ። ቀጺለ፡ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ፈስቲቫል 2014 ምስ ጨናፍር ዞባ ኣውሮጳ ብምትሕብባር ከም'ዚ ዝኣመሰለ ዕቱብ ምድላዋት ክገብሩ ምኽኣሎም ብስም መሪሕነት ሰዲህኤ መጐሰይን ናእዳይን ከቕርበሎም እፈቱ።

ክቡራትን ክቡራንን

ካብ ፈስቲቫል 2013 ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ናይ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ከምርሕ እምበር ናብ ዝሓሸ ኵነታት ክሰጋገር ኣይተራእየን። ባኒ፡ ማይ፡ መብራህቲ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ናብ ዝሰኣንሉ ደረጃ ኢዩ ተበጺሑ ዘሎ። ኣብ ርእሰ-ከተማና ኣስመራ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝኸውን ግዜ ብዘይ መብራህቲ፡ ብዘይ ተለፎን ምጽናሓ እቲ ኵነታት ከመይ ኣሎ ንምግማት ዘሸግር ኣይኰነን። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቝሑ እናነሃረ፡ ናይ ናቕፋ ናይ ምግዛእ ሓይሊ ድማ እናደኸመ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ናብ ዘይትኽእለሉ ሕማቕ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረክብ ገንዘብ ወይ ስልጣን ዘለዎ ኢዩ። ንሱ'ውን ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ወይ ካልኦት ሃገራት እናኸደ'ዩ ዝረኽቦ።

መንእሰያትና፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ምስምስ ኣብ ወፍሪ ባርነት ተሸሚሞም ናይ ንእስነት ዕድሜኦም ከይተጠቕምሉ ብኸንቱ ኢዩ ዝሓልፍ ዘሎ። እቶም ዝመረሮምን መጻኢ ዕድሎም ጸላም ኰይኑ ዝተራእዮምን ድማ፡ ዝመጸ ይምጻእ፡ ኢሎም ክስደዱን ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲ፡ ዓመጽ፡ ዓዛብ፡ ዘይተደልየ ጥንስን ሕርስን ሞትን ክዀኑን ይርኣዩን ይርኣያን ኣለዉ። ኤርትራዊ ሎሚ ከም ኣቕሓ ወይ ከም ጠለበጊዕ ክሽየጥን ክልወጥን ይርከብ ኣሎ። ውሽጣዊ ኣካላቱ ተጓሕጒሑ ንሕሙማት ሰብ ገንዘብ መተካእታ ዝተባላሸወ ኣካላቶም ክዀኖም ኣብ ዕዳጋ ይወርድ ኣሎ። ዘሕዝንን ዘሕምምን ኣብ ታሪኽና ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ተመኵሮ ኢዩ።

ድሕሪ ፈስቲቫል 2013 ካብ ዝተረኽቡ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ናብ ከቢድ ሓዘን ካብ ዝሸመሙ ምዕባለታት ሓደ፡ ህልቂት ላምፐዱዛ፡ ንመላእ ዓለም ኣስካሕኪሑን፡ ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ኣህጉራዊ መድረኻት ኣቓልቦ ክረክብ ዝገበረ ተረኽቦ ኢዩ ነይሩ። ስርዓት ህግደፍ ናይ ዝጸገቡ ሰባት ህልቂት፡ ወይ ናይ ገለ ኣፍሪቃውያን ሓደጋ ብማለት ከነኣእሶ ክፍትን ከሎ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ሕቡራት መንግስታት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግን በኽዮምሎምን ኣውያቶም ኣቃሊሖምሎምን ኢዮም። ንሕና'ውን ካብ'ዚ መንበር'ዚ መሪር ናይ ሓዘን መግለጺ እናስማዕና፡ ነቲ ቀንዲ ናይ ህልቂቶም ጸገም ዝዀነ ስርዓት ህግደፍ፡ ንምስዓር ቃልስና ክንቅጽል ምዃንና፡ ቃል ንኣቱ።

ክቡራትን ክቡራንን

ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዚ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ንምሽፋን፡ ሃገርና ትለምዕ ኣላ፡ ናይ ምለንዩም መደባት መብዛሕትኡ ተፈጺሙ፡ መንእሰያትና ይምሃሩ ኣለዉ፡ ነፋሪትና ናብ ሰንዓ፡ ጅዳ ወዘተ በጺሓ እናበለ ዘየለ ክወሪ ይውዕል ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ፡ በታ ክፋእ ናይ ካልኦት ጥራሕ እተውሪ ኤሪቲቪ ኣቢሉ ከኣ፡ ኣብ ሃገር እከለ ውግእ ኣሎ፡ ሕማም ኣሎ፡ ስደት ኣሎ፡ ስራሕ የለን ዝብል ወረ ብምዝርጋሕ ንህዝቢ ኤርትራ ከታልል ይርአ ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ኣሎኻ ዘስምዕ ዜናታት ክዝርግሕ ኢዩ ዝስማዕ ። እዚ ግን ንገለ ግሩሃት እንተዘይኰይኑ፡ ነቶም ኵነታት ኤርትራ ብግቡእ ዝግንዘቡ ከጋጊ ኣይክእልን ኢዩ።

ህግደፍ፡ ንመስዋእትን መብጽዓታትን ሰውራና ዝጠለመ ስርዓት ስለዝዀነ፡ ሕጂ ዝገብሮ መብጽዓታት ክፍጽሞ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ወይ ምጽባይ የዋህነት ኢዩ። ብተመን ዝተነኽሰስ ብልሕጺ ተዳህለ ከምዝብሃል፡ ካብ'ዚ ንህዝብና ደም ዘንብዐ ጠላም ስርዓት ኢሳያስ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ክትረክብ ምጽባይ ማይ ምሕቋን ኢዩ።

እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ። ከም'ቲ 4 ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስታያን ዘመሓላለፍዎ ሃዋርያዊ መልእኽቲ፡ ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓብተይ ኣበይ ኣላ? ህዝበይ ከመይ ኣሎ? ኢልና ክንሓትት እሞ ሃገርናን ህዝብናን ካባና ዝጽበይዎ ሓላፍነት ምስካምን ምፍጻምን ጥራሕ ኢዩ መፍትሒኡ። ኣነ ንሓወይ፡ ንሓፍተይ፡ ንጐረቤተይ፡ ንህዝበይ እንታይ ገይረሉ ኢልና ነብስና ክንሓትት ኣለና። ንነብስኻ ከይሓተትካ ንኻልኦት ምኽሳስ ቅኑዕ ኣይኰነን። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ከይርኣኻ፡ ኣብ ዓይኒ ብጻይካ ዘሎ በሰር ምርኣይ ፍትሓዊ ኣይኰነን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓፍተይ ኣበይ ኣላ? ህዝበይ ኣበይ ኣሎ እናበለ ዝሓትት ሰልፊ ኢዩ። ብዛዕባ ሃለዋት ስደተኛታት ከይሰልከየ ብኣካላዊ ርኽክባትን ብመዘክራትን ናይ ርዱእና ኣውያት ናብ ዝምልከቶም ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለምን ተጣበቕቲ ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላትን ከመሓላልፍ ጸኒሑን ኣሎን። ብዛዕባ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘጋጥሞም ጸገማት ምቅላሕን ምጥባቕን ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ኣጀንዳታቱ ገይሩ ክዋስኣሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ'ቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ናይ ሞያን ኣካዳሚካውን ስልጠና ክውሃቦም፣ ብነጋዶ ደቂሰባት ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ከውሊ ክረኽቡ፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰግርሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክኽፈተሎም ክጕስጕስ ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብ ርእሲ'ዚ ኣባላት ሰዲህኤ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣብ ዝጽውዕዎም ሰላማዊ ሰልፍታት ብኣካል ብምስታፍ ይኹን ገንዘባዊ ሓገዝ ብምብርካት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ሓልዮት ክገልጹ ወይ ድማ ሓወይ፡ ሓብተይ፡ ህዝበይ ኣበይ ኣለዉ ኢሎም ክሓቱ ብግብሪ ተራእዮም ኢዮም።

ካብ 650 ንላዕሊ ዝዀኑ ስደተኛታት ህጻናትን መንእሰያትን ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ምቛምን ንምቕጻሉ ከቢድ ሓላፍነት ምጻርን ምትግባርን፡ እሞ ከኣ ምስ'ቲ ትሑት ገንዘባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ግምት ብምእታው ክርአ እንከሎ፣ ሰዲህኤ ክሳብ ክንደይ ኣጆኻ ሓወይ፡ ኣጆኺ ሓፍተይ፡ ኣጆኹምን ኣጆኽንን ደቀይ ዝብል ሓልዮትን ተገዳስነትን ኣብ ህዝቡ ምህላዉ ዘረጋግጽ ህያው ምስክርነት ኢዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሰዲህኤ ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ እምነትን ኣብ መጻኢ ዕድል ህጻናትን ዘለዎ ትጽቢታትን ዘንጸባርቕ መርኣያ ውን ኢዩ።

ኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ ዓመት ሰዲህኤ ኣብ ሶሽያሊስት ኢንተርናሽናል ናይ ተዓዛቢ ቦታ፡ ኣብ ገስጋሲ ምሕዝነት Progressive Alliance ድማ ናይ መስራቲ ኣባል ቦታ ክሕዝ ምኽኣሉ፡ ንደምበ ተቓውሞ ዓቢ መኽሰብ ኢዩ። እዚ ኣህጕራዊ ማሕበር'ዚ ኣብ ዓለምና ፍሉጣት ዝዀኑ፡ ናይ ሃገራት ምዕራብ ዲሞክራስያውያንን ናይ ሶሽያል ዲሞክራስን ሰልፍታት ዝሓቘፈ ጽላል ኢዩ።

ሰዲህኤ፡ ህዝቢ ምንጪ ናይ ስልጣን ኢዩ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነቱ ተበጊሱ፡ ናይ ኤርትራውያን ተበግሶታት ንምጥርናፍ ክድግፍን ከተባብዕን ጸኒሑን ኣሎን። ንመንእሰያት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጥርኑፉ ናጻ ማሕበራት ክቖሙ፡ ብደረጃ ከተማታት፡ ሃገራትን ዞባታትን ዝግበሩ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ክድንፍዑ፡ ናይ ሲቪላውያን ማሕበራት ንጥፈታት ክሕይሉ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ተሰማሚዖም ሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ ከይሰልከየ ክጕስጕስን ከተባብዕን ጸኒሑን ኣሎን ኢዩ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን። እዚ ተቓውሞ'ዚ ግን፡ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ምእንቲ እቲ ንዅሉ ዘርብሕ ዕላማታት ዝቃለስ፡ ኣነ ካባኻ እሓይሽ ኣብ ዝብል ግዜኡ ዘይሓለወ ውድድራት፣ ኣብ ሕድሕድ ምጥርጣር፣ ኣብ ግዝያውን ውልቃን ረብሓታት፡ ኣብ ህልኽ ተጸሚዱ፡ ንትጽቢት ህዝብናን ፈተውትናን ከማልእ ኣይከኣለን ዘሎ። እዋናዊ ናይ'ዚ ሰዓት'ዚ ሕቶ ንህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ምድሓን ኢዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣሊኻ፡ ናብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ዘስፍን ጐደና ምሓዝ ማለት ኢዩ። ከም ተቓወምቲ መጠን፡ ኣብ'ዚ መዳይ'ዚ ብዙሕ ድኽመታት ኣርኢና ኢና። እቲ ጽቡቑ ሎሚ ጠንቅታት ናይ ድኽመታትና እንታይ ምዃኖም ብግቡእ ክንግንዘብ ምኽኣልና ኢዩ። ፈውሲ ክንረክብ ዘይምኽኣልና ድማ፡ ፖለቲካዊ ድሌትን ትብዓትን ዘይምህላውና ኢዩ ዘመልክት።

ናይ'ዚ እዋን'ዚ እዋናዊ ንጹርን ተግባራውን መልሲ ዝደልዩ ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም። እዚ ፈስቲቫልን ካልኦት መጋባእያታትን ድማ ብዕቱብነት ክዝትይሎም ምሕጽንታይ አቕርብ።

1. ተቓወምቲ ሓይልታት በዚ ዘለናዮ ኣተሃላልዋ፡ መተካእታ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ክንከውን ንኽእል ዲና?

2. ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ናይ መንእሰያት ንስደትን ንዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ንምፍታሕ እንታይ ክንገብር ኣለና?

3. ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ተቓውሞታት ንምውህሃድ እንታይ ንግበር?

ኣብ መደምደምታ፡ ደጊመ ዕዉትን ሓጐስ ዝሰፈኖን ፈስቲቫል ክዀነልና እምነ። ንዅሎም ሰማእታትና ብሓፈሻ፡ ካብ'ዚ ውራይ'ዚ ዘይፍለየና ዝነበረ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ዝተሰውአ ብጻይና ኣስገዶም ገብረመድህን (ወድ ባሻይ) ድማ ብፍላይ ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን እናበልኩ መደረይ ክዛዝም እፈቱ።

 ማሕበራዊ ፍትሕን ቅዋምን ንምንጋስ:ብሓባር ንቃለስ!

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ

 

9 ነሓሰ 2014

 

 

 

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 13:41