×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 Featured

2014-08-26 11:30:27 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 16616 times

መንግስተኣብ ኣፍወርቂ 

 

ክቡር አቦ መንበር አሰናዳኢት ሽማግለ

 

ክቡር አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

ኩቡራንን ኩቡራትን መራሕትን አባላትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

ክቡራንን ኩቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2014

 

ስልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ወኪለ አብ ፈስቲቫልኩም ክስአተፍ ምኽአለይ ዝስመዓኒ ሓበን ገዚፍን ዓሚቕን ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ፈስቲቫል እዚ ታተ ኢሉ አብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋንን፡ እዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ክበጽሕ ዝኸአለ ጽንዓት ተቐኒቱ ምኻኑ ንሕና መሰኻክር ስለ ዝኾና ኢዩ። ዮሃና!

 

ክቡር አቦ መንበር

 

ብርእይቶና ሃገርና መስርሕ ምንቷግ ካብ ትጅምር ሓያሎ ርሕቀት ተጒዒዛ አላ። ስርዓት ህግደፍ ቁጠባዊ ሰረቱ ንሂሉ፡ መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ክቕርብ አብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ብዓንተብኡ ተሸምሪሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሰረቱ፡ አብ ጥሪ 2013 ሓላፊ ውድባውን ጸጥታውን ጉዳያት ህግደፍ አቶ ዓብደላ ጃብር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ አባላት መንግስትን ግንባርን ምስ ተአስሩ፤ እቲ ብዓንተብኡ እውን አዚዩ ተሸምሪሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሰረቱ ናብ ቃሬት ተቐይሩ ኢዩ። ከምኡ’ውን አብ ማሕበራዊ መዳይ ቀንዲ መለለዪ ሃገርና ኮይኑ ዘሎ ፍልሰት መንእሰያት ኢዩ። እዚ ናብ ምጽናት ገጹ ዝሰጥም ዘሎ ፍልሰት እውን ገዚፍ መርአያ ናይ ዝነቱግ ዘሎ ስርዓት ኢዩ።

 

እቲ ስርዓት መሊኡ ምስ ዝነቱግ ድማ ምስ’ዚ ጥርናፈ ዝጎዶሎ ደንበ ተቛውሞ ተደሚሩ ዝፈሸለት ሃገር ኢዮም ዝፈጥሩ። እታ ሃገር አብ ደረጃ ፍሽለት እንተበጺሓ ድማ፡ ዳግማይ ንከተዕርያ ቀሊል ዕማም አይኮነን።

 

ኩቡር አቦ መንበር! ኩቡራንን ኩቡራትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል!

 

ብእምነትና እቲ ሽግር እዚ አብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኢዩ። መጀመርታ ናይቲ ፍታሕ ድማ፡ ኩሉ ነዚ ስርዓት ዝቋወም ዘሎ አካላት፡ አብ ስርዓት አስመራ አብ ምእላይ ተሰማሚዑ ብሓንሳብ ክሰርሕ ከሎ ኢዩ። ብካልእ አዘራርባ ነፍሲ ወከፍ አካል፡ እዚ ሃገርና ዘብርስ ዘሎ ስርዓት ንክእለ፡ ጸጸሩ ንክድርቢ ምቹእ ሃዋሁ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት አብ እንግድዓ እቶም ሃገራውያን ሓይልታት ክጸዓን ከሎ ኢዩ። እዚ ሓላፍነት እዚ ምውሳድ ድማ ወዓል ሕደር ክንብለሉ አይግባእን።

 

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የመስግን።

 

ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስውአትና!

 

ዓወት ንህዝቢ!

 

Last modified on Thursday, 28 August 2014 06:15