ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
03.10.2014
ቀዳማይ ክፋል
ትማሊ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2014 ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት መንእሰያትን ህጻውንትን ኤርትራውያንን ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብናይ ሓዘን መዛሙርን ናይ ሓርነት ጭርሖታትን ከቢሩ ውዒሉ። እዚ ዝኽርዚ ምእንቲ እቶም ኣብ ሃገሮም ብሓለንጊ ድክታቶርያዊ ስርዓት ተለብሊቦም መጻኢ ዕድሎም ንምርኣይ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም እንከለዉ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዱሳ ምስ በጽሑ ማእከላይ ባሕሪ ጠሊሙ ብሓደ መዓልቲ ዝዋሓጦም 367 ነፍሳት ኤርትራውያንን ገለ ካልኦት ዜጋታትን ውን ዝርከብዎም ንኽብሪ ዝተገብረ ምስንዳእ እዩ ነይሩ። ዝኽሪ ሓደ ዓመት ህልቂት ላምፓዱዛ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ ፍራንክፎርት ዝርከብ ኮንስላዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓት ህግዲፍ ብዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ’ዩ ተጀሚሩ። ኣብዚ ናይ ሓዘን ሰልፊ’ዚ ዝተሳተፉ 98% እቶም ዕድሎም ኣጸቢቕሎም ነቲ ኩሉ ጸገማት ናይ ስደት ጉዕዞ ሰጊሮም ብሂይወት ዝተረፉ መንእሰያት እዮም ነይሮም። 
ሰላማዊ ሰልፊ ኣለም ኣሰፋው (ዕንባባ) ዝመርሖ ናይ ሳክስፎን/ጡሩምባ ናይ ሓዘን መዝሙር እዩ ተኸፊቱ። ኣለም ኣሰፋው ብዘለዎ ብልጫታት ነቲ ህዝብና ዝርድኦ ዝተፈላለየ ናይ ሓዘን መዛሙር ኣብ ጥቓ’ቲ ኣብ ማእከል ጽርግያ ተቐሚጡ ዝነበረ ክልተ ናይ ሬሳ ሳናዱቕ ቀሪቡ ከስምዕ ምስ ጀመረ፡ ተሳተፊ ናይ ሓዘን ሰልፊ ብትካዘ ተዋሒጡ ዘየስተንተነ ኣይነበረን። ኣዒንቲ ብዙሓት በቑባቛት ንብዓተን ዛርዩ፡ ገለውን ኣዒንቶም ቁጽርጽር ምስ በሎም ካብ ሰልፊ ወጺኦም ተኸዊሎም ክነብዑ ተራእዮም። ፍዳ ናይታ ብደም ህዝቢ ነጻነታ ዘረጋገጸት ሃገርን ህዝባን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ከምዚ ኰይኑ ክትርእዮ እንከለኻ ድማ ተደራራቢ ሓዘን እዩ ዝፈጥረልካ።

ድሕርዚ፡ ኣማሓደርቲ ናይቲ ሰልፊ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፡
ህልቂት ላምፓዱዛ የብቕዕ!
ስደት ኤርትራውያን ንኸብቕዕ ብሓባር ንላዓል!
እምቢ ንምልኪ፡ እወ ንፍትሒ/እወ ንዲሞክራሲ
ውድቐት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ
ሕሰም ህዝብና ብራህዋ ክድበስ፡ ምልኪ ይደምሰስ ዝብሉን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ሓርነት ጭርሖታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብተደጋጋሚ ክቃልሑ ጀመሩ።

ስዒቡ ሓደ ካብ ኣሰናዳእቲ ናይ ሓዘን ሰልፊ፡ ንጠቐማጦ ናይቲ ከባቢ እቲ ብስም ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጥቕኦም ሰፊሩ ዘሎ ኣካል፡ ተሓታትነቱ ዘጥፋኤ፡ መጥፍእ ህዝብን ጠላምን ምዃኑ፡ ኣብ ውሽጦም መሳርሒ ዲክታቶርነት ሓቚፎም ይነብሩ ምህላዎን፡ ንህዝቢ ናይቲ ከባቢ ዝልክም ስራሓት ከካይድ ከምዝኽእልን ዝሕብርን እንታይነቱ ዝገልጽን ብጀርመንኛ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ብዘይካዚ፡ ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ዝገልጽ ብጀርመንኛ ዝተዳለወ ጽሑፋት ብብዝሒ ኣብ ህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ተገይሩ። ምስዚ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፡ ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ፡ ዝብል ምልክት ዝሓዘ ማልያታትውን ንተሳተፍቲ ቀሪቡ።

እቲ ብስም ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራ ዝፍለጥ ገዛ ግን፡ ብስም ዝተፈላለየ ግብርታት መእምረሪ ገንዘብ ካብ ኤርትራውያን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዝገብሮ ኣገልግሎት ከምዘይብሉ ኩሉ ዝፈልጦ እዃ እንተኾነ፡ ሰልፈኛታት ምርኣይ ዓቕሉ ስለዘጽብበሉን ተጻዋርነት ዝብሃል ስለዘይፈልጥን ትማሊ ንሳልሳይ ግዝያኡ ተዓጽዩ ምውዓሉ ዝዝከር እዩ።
ናይ ሓዘን ሰልፊ፡ ኣብዝተመደበሉ ሰዓት 12፡00 ብሰላም ክድምደም ከሎ፡ ኣብቲ ካልኣይ ዝግበር ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰልፊ ንምርኻብ ግዜን ቦታን ብምዝኽኻር ተዓጽዩ።
ናብ ክቡር ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ
ጉዳይ ፣ጠለብ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ብይቶታት
እቶም ቅድሚ ሕጂ ፊርማና ኣሰኒና ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ክትጽውዕ ዝጠለብና ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብቲ ትጋገዩ ኣሎኹም ዝብል መልስኻ ስለ ዘይዓገብና ብኣኼባ ክፍታሕ ኣለዎ እንብሎ ሽግርን ንውሕስነት ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ሰርዓት ብህጹጽ ክውሰድ ኣለዎ እንብሎ ስጉምትታት ስለ ዘሎን ሕጂ እውን ደጊምና እቲ ስሩዕ ግዜኡ ድሮ ዘሕለፈ ምዱብ ኣኼባታት ባይቶታት ኣብ ውሽጢ ወርሒ ማያዝያ ክትዕድም ንጠለብ ኣሎና ።
ናይቲ ዝርኣየና ሽገር ኹነታትን እንጽብዮ ፍታሕን ዝገልጽ ጽሑፍ ድማ ኣተሓሒዝና ንሰድድ።
ተፈጢሩ ዘሎ ሽግርን ፍትሑን ።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ፤ ቅድም ናጻነት ክውን ንምግባር ውግእ ምስ ወያኔ ምስ ተጋህደ ድማ ልዑላውነት ሃገር ንምኽባር ፣ ዝፈትዎም መእሰያት ደቁ ኣሰሊፉ ፤ዝነበሮ ገንዘብን ንብረትን ክእለትን ብምሉእ ወኒ ንሃገር ኣፈውዩ ። ዕላማኡ ድማ ናጻ ኤርትራ ንምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ሓድነት ህዝቢ ተራጋጊጹ ኩሉ መዳያዊ ማዕርነት ማሕበራዊ ፍትሒ ፣ ህዝባዊ ምቁጽጻርን ፍቅርን ሰላምን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርኣይን ዝነበሮ ሕልምን ሃንቀውታን ምዃኑ ማንም ኤርትራዊ ብምስትንታን ካብ ዝዛረበሉ ዘሎ ሓቂ እዩ።
እቲ መዘከር ይቅጽል ----======።
ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ ዘይሕጋውን ዘየድልን ኣገባባት ይእመት እዃ እንተሎ ፣ ብዘይካ ብሰላማዊ ደሞክራሲያዊን ሕጋዊ ልዝብን ፣ ካልእ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣጋባባ የለን ። ክንዲ ዝኮነ ሕጂ እውን ህጹጽ ኣኬባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ተጸዊዑ ጉዳያት ክዝርበሎምን ስጉምትታት ክውሰደሎምን የድሊ ።
ስለ ምንታይ ህጹጽ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት የድሊ ?
ሀ/ ህግሓኤ ክቓለሰሎም ዝጸንሔ ዕላማታት ክውን ንምግባር
ቻርተርን ቅዋምን ህግደፍ ዝሓንጸጾም ራእይ ፡ ዓላማታትን ዕማማትን ብጭቡጥን ብግብርን ንምትግባር ፡
መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ብኣዋጅ 37/1993 ዝተሓንጸጸን ቃሉን መንፈሱን ንክኽበር ፡
ቁዋማዊ ባይቶ ኣብ 23 ግንቦት 1997 ዘጽደቆ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ንምትግባር
ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ኣብ ጥርን ብፍላይ ድማ ኣብ ነሓሰን መስከረምን 2000 ዓ.ም ካብ ዝገበሮ ገምጋምን ዘሕለፎ ውሳኔታታን መሰረት ብምግባር ስሩዕን ደሞክራስያዊን ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ።
ንስሩዕን ደሞክራስያውን ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ስርዓት ተደለይቲ ዝኮኑ ክፍጸሙ ዘለዎም ዕማማት ከም እኒ ----
ህጹጽ ህዝብዊ ክትዓት ኣብ ሕግታት ሃገራዊ መርጫን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ምጽዳቅ ኣብ ሃገርዊ ባይቶ ።
ንሓራን ርትዓውን ሃግራዊ ምርጫ ኣቀዲሙ ክፍጥር
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ.)፣ ኣኼባ ምስ ኤራትርውያን ተቐማጦ ቺካጎን ከባቢኡን ኣካይዱ
Monday, 29 September 2014 07:32 Written by EPDP North america
28 መስከረም 2014
3ይ ዞባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምዝዛም ሰለስተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ተስፋይ ወልደሚካኤልን ኤርትራ ኣልኣዛርን ዝመርሕዎ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ በብተራ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ከምኡ’ውን ኣብ ጕዕዞ ስደትን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ስቓይ ብዝርዝር ሓቢሮም። ጠንቂ ናይዚ ስቓይ ዝዀነ ስርዓት ኢሳያስን ጕጅልኡን ንምልጋስ ነብስና ወዲብና ክንቃለስን ከይወዓልና ከይሓደርና ሃገር ከነድሕን ንጥለብ ብምባል ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣቋቕማን ዕላማታትን ሰ.ደ.ህ.ኤ. ማለት ካብ ድሕረ-ባይታ ተሞክሮ ሰውራና ዝዀና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ዝቖመ፣ ንዝሓለፍናዮ ናይ ፍልልያት መናድቕ ዘፍረሰ ናይ ሓድነት ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሮም። ሓድነት ህዝብን መሬትን ዝዓቀበት ሰላማዊትን ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ ዝቃለስ ሰልፊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፤ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝዕወት ለውጢ ስለዘይህሉ ህዝብና ኣብ መኣዲ ቃልሲ ክሳተፍን ዓወቱ ከቃላጥፍን ኣገንዚቦም።
ኤርትራ ኣልኣዛር ኣብነታት ካብ ማህደር ተሞክሮታት ቃልሲ ዓለም ብምውካስ፣ ንታሪኻዊ ግደ ደቀንስትዮ ዓለም ኣብ ለውጥን ምዕባለን ኣመልኪታ መብርሂ ኣቕሪባ። ኣብ ኤርትራ’ውን ብተሳትፎ ደቀንስትዮ ዝተረጋገጸ ዓወታት ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ ምዃኑ ኣስሚራትሉ። ኣብ ዝኸይድ ዘሎ መሪር ጭቆና ዝያዳ ውጹዓት ደቀንስትዮ ምዃነን ብምብራህ እቲ እነማዕድዎን እንጽበዮን ለውጢ ድማ ንኽብርን መሰልን ደቀንስትዮ ዘዕቆበ ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚራትሉ።
መደብ ሕቶን መልስን፡
Ø ንሓድነት ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዝምልከት
Ø ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎናን ክህልወና ዘለዎን ዝምድና
Ø ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ
Ø ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኢሳያስ ዝተቐረበ መሰጋገሪ መደብ እንታይ እዩ
ዝብሉ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረቡ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ተዋሂቡ ከምኡ’ውን ካብ ተሳተፍቲ ዝተውህበ ርእይቶን ለበዋን ተቐቢሉ፤ ንዝኽሪ ህልቀት ላምፓዱዛ ሽምዓ ብምብራህ ናይ ሕልና ጸሎት ተገይሩ ኣኼባ ዛዚሙ።
3ይ ዞባዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ.)፣
Monday, 29 September 2014 07:25 Written by EPDP North americaመስከረም 27 – 28, 2014 ዓ.ም.
ኣብ ከተማ ቺካጎ / ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተኻይዱ።
ኣሳናዳኢ ሽማግለ ዞባ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ብዝሰርዖን ዝወደቦን መደብ፣ ወከልቲ ጨናፍር ሰልፊ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ከተማ ቺካጎ ተራኺቦም ጉባኤኦም ብዓወት ኣሰላሲሎም።
ኣኼባ ብኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቃለኣብ ክፍለጌርጊስ ብሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ተገዲስኩም ኣብ ቦታ ጉባኤ ምርካብኩም ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለን ጨንፈር ቺካጎን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፤ ጉባኤ ጀሚርና ክሳብ ንውድእ ዝምልከት ቅደም ተኸተል ዕማማት ሓበሬታ ኣቕሪቡ።
ወልዱ ነጋሲ፣ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ፣ ኣስዒቡ ክሳብ’ዚ ጉባኤ መሪሓ ዘብጽሐት ዞባ ሽማግለ ብምምስጋን፤ ንዝመጽእ ከተገልግል እንመርጻ ሽማግለ ዞባ፣ ኣዳልያ ሕጹያት ናብ ጉባኤ እተቕርብ ሓጻዪት ሽማግለ ከም ዘቖሙን ተዳልያ ከም ዘላን ኣፍሊጡ። ቀጺሉ ጉባኤ ንምስንዳእ ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቱ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ መሓሪ በርሀን ቃለኣብ ክፍለጌርጊስን ኣመስጊኑ።

ኣለም ዮውሃንስ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምኽትል ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብ ሰልፍና መዓልታዊ ልሉይ ግደ ዝጻወቱን ዘበርክቱን ንኸመስግን ኣሳናዳኢት ሽማግለ ብዝሓተተቶ መሰረት፡
Ø ምሉእ ጊዚኦምን ዓቕምታቶምን ወፍዮም ንሰልፍና ዘገልግሉን ዘቐድሙን ኣባላትና ልዑል ምስጋና ይብጽሓዮም
Ø ቅድሚ ናጽነት ብህዝባዊ ግንባር ንሸውዓተ ዓመት ተኣሲሩ ወጺኡ፣ ኣብ ሰልፍና ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኰይኑ እናገልገለ ከሎ ብዘይተፈልጠ ተጨውዩ ሃለዋቱ ክንፈልጥ ዘይከኣልና፣ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ክንዝክሮን ሃለዋቱ ክሳብ ንረክብ ጻዕርታትና ከቋርጽ ከምዘይብሉን ኣዘኻኺሩ።
Ø ዘይሕለል ንጡፍ ብቐጻሊ ኣብ ዕማማት ሰልፍን ስነጽሑፋቱን ግብራዊ ዕማማትን ዘበርክት ዶክተር ገረመስቀል ነመስግኖ
Ø ንመትከላት ሰልፍና ዝከላኸሉን ዘቐድሙን ዘይሕለሉ ተዋሳእቲ ግርማይ ተመስገን፡ ተስፋይ ካሕሳይ፣ ኣንቶንዮ ተስፋይ፡ ጸሃየ ኣርኣያ፡ ወልዱ ነጋስን ተስፋይ ደጊጋን ኣለልዩን ኣመስጊኑን።
ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስርርዓዊ ጉዳያትን፣ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ጨንፈር ቺካጎን ጉባኤና ንምስልሳል ዘበርከትዎ ግደ ኣመስጊኑ። ቀጺሉ ብደረጃ ሰልፊ ሓበሬታ ድሕሪ ምቕራብ፤ ዘጋጥሙና ብድሆታትን ክንቅርቦም ዘሎና ፍታሓትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።
ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳያትን፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ መንግስትኣብ ኣስመሮም ንጉባኤ ዝሰደዶ ደብዳበ ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ብስመይን ብስም ማእከላይ ሽማግለን እንቋዕ ን3ይ ጉባኤ ኣብቃዓኩም ድሕሪ ምባል፤ ዕዉት ጉባኤ ክዀነልኩም እምነ ክብል ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ። ቀጺሉ ሰልፍና ኣብ ኵሉ መዳያት ቃልስና ዘሰላሰሎ ስራሓትን ዘጋጥሞ ብድሆታትን ብምምልካት ብሰንኪ ሕሱም ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ስቓይ ብፍላይ ብተረኽቦ ህልቂት ላምባዱዛ ናብ ኣቓልቦ ህዝቢ ዓለም ብምብጻሕ ዝገደፎ ጽልዋን ኣስሚርሉ። ሰልፍና ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ማሕበራትን መንግስታትን መዘክራት እናለኣኸ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከባቢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ትምህርትን ናይ ሞያ ስልጠና ኣገልግሎትን ክግበረሎም ጥርዓናት ካብ ምቕራብ ከምዘይቋረጸ ኣነጺሩ። ናብ ብሰላም ሰሪሖም ክመሃሩሉን ክሰርሕሉን ዝኽእሉ ውሑስ 3ይ ሃገር ከስግሮዎም ሰልፍና ደጋጊምና መዘክራት ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ዞባዊ ጸብጻብ ብኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ዮሴፍ ሃይለ ቀሪቡ። ዮሴፍ እንቋዕ ናብ ቦታ ጉባኤ ለውጥን ምዕባሌን ንምሕንጻጽ ኣብዚ ተራኸብና ብምባል ዝርዝር ጸብጻቡ ኣቕሪቡ፡
· ንኣጀማምራ ስራሕ ዞባን ቅርጻ መሪሕነትን ሓላፍነታት ሽማግለን ብዝርዝር ኣብሪሁ
· ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠሞም ብድሆታትን ዝገበርዎ ፍታሓትን ኣብሪሁ
· ዝተራእዩ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ብደረጃ ጨናፍርን ዞባን ኣቕሪቡ
· ንመጻኢ ከነመሓይሾም ዘሎና ነጥብታት ብምቕራብ፣ ጉባአ ክዛረበሎምን ፍታሕ ከናድየሎምን ተላብዩ
ገንዘባዊ ጸብጻብ ብዞባዊ ገንዘባዊ ሓላፊ ትኩእ ተስፋይ፡ ቀጺሉ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡
· ኣብ ክልተ ዓመት ካብ ኣባላት ዞባ ዝተገብረ ኣታዊ
· ብወፈያታትን ወፍርታትን ዝተገብረ ኣታዊ
· ጠቕላሊ ጸብጻብን ኣወጋግንኡን ዘርኢ ሰሌዳ ኣቕሪቡ
ጉባኤ ብ5 ዝኣባላታ ሰክረታርያ፡ ኣለም ዮውሃንስ፣ ኤፍረም ታፈረ፣ ወይኒ ወልደስላሴ፣ ግርማይ ተመስገን (ቀሺ)ን ተወልደ መሓሪን ተመሪሑ ንዝቐረበ ጸብጻብ ተኻቲዑ ድሕሪ ምብሳሉ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።
ብሓይሊ ዕማም ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ሰነድ፡
ንትሕዝቶ መጽናዕቲ ብሰሌዳን ጽማቝ መግለጽን ተሰኒዩ ብዶክተር ገብረመስቀልን ላይነ ካሕሳይን ቀሪቡ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ብምቕራብ ዕቱብ ምይይጥ ኣካይዶም። እቲ መጽናዕቲ ብተሳትፎ ውልቀ-ኣባላትን ብኣኼባ ጨናፍርን ዝተገብረ ኰይኑ፡ ድኹምን ሓያልን ጎድንታት ሰልፊ ብፍላይ፣ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ ክውንነት ኣጕሊሑ ዘርኣየ ነይሩ።
ኤርትራ ኣልኣዛር ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቀንስትዮ፤ ኣብ ሰልፊ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ብግዱሳት ኣባላት ዝካየዱ ንጥፈታት ማሕበር ኣብሪሃ።
ውሳኔታትን ለበዋታትን ጉባኤ
ኣብ ምድምዳም ጉባኤ ውሳኔታት ብፍልይቲ ሽማግለ ንድፊ ቀሪቡ ጉባኤ ተኻቲዑ ዘጽደቖ ብፍሉይ መግለጺ ክወጽእ’ዩ፡ ካብ ጉባኤ ዘተኰረሎም ቀንዲ ትሕዝቶ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ንጠቅስ፡
1. “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ብመራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተዘርግሐ ንምረት ህዝብና ዘቃለሐን ለውጢ ዝጠልብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጉባኤና ከምዝቕበሎን ዝድገፎን ዳግማይ ኣረጋጊጹ
2. ኣብ ጥሪ 2013 ብወዲ ዓሊ ዝተመርሐ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዘኪሩ ንተባዕ ተበግሶኡ ኣሞጊሱ
3. ኣብ ናይ 2014 ዋዕላ ፕረቶርያን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርትን ቦሎኛን ተደጊሙ ንዝሃብተመ ልዝብን ውሳኔታትን ብመትከል ከምዝድግፎ ኣረጋጊጹ
4. ኣብ ሓድነት ዘሎና ማእከላዊ ራእይ ኣብ መትከል ብዙሕነት ዝተሰረተ ምዃኑ ብግሉህ መልክዕ ኣቕሪቡ
5. ብጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን፣ ዘጋጥሞም ጸገማትን እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶን ርእዩ
6. ስርዓት ኢሳያስ ኣልጊስካ ብደሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምትካእ፣ ናይ ውሽጥን ድያስፖራን ቃልሲ ዝውሃሃደሉ መስኖታት ዳህሲሱ
7. ብ”ደለይቲ ፍትሒ” ዝፍለጥ ዝጕሃሃር ዘሎ ምንቅስቓስ ንለውጢ ብሓሳብን ግብርን ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ኣጥቢቑ ተማሒጺኑ

ድሕሪ ናይ ክለተ መዓልታት ነዊሕ ሰዓታትን ዝወሰደ ምምይያጥን ክትዓትን ጉባኤኛታት ናይ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ዞና ምምሕዳር ሽማግለ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ብምምራጽ ጉባኤ ብዓቢ ዓወት ብምዝዛም ተሳተፍቲ ጉባኤ ብዓቢ ፍናን ቃልሶም ከነሃህሩ ቃሎም ብምሕዳስ ናብ ቦቶኦም ተመልሶም።
28 መስከረም 2014
ብዝሒ ሓተትቲ ዑቑባ ብዝያዳ ወሲኹ
Saturday, 27 September 2014 18:55 Written by ካብ ተለቭጅን ሽወደን ናይ ዕለት ዕለት 27 መስከረም 2014 ዜናብዝሒ ሓተትቲ ዑቑባ ኣብ ወገን እንዳስትራልውያን ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዓመት ብ 24% ወሲኹ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR) መግለጺ ሂቡ። ኩናት ኣብ ሲርያ ቁሉውላው ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኤርትራን ገለ ካብቲ ጠንቅታት ምዃኑውን ብምብራህ መብዛሕትኦም ካብቶም ሓተትቲ ዑቑባ ኣብ ሹዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ጀርመን፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ሽወደን፡ ቱርክን ጣልያንን ዮም ዝመጹ ዘለው። ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይዚ ዓመትዚ 330,700 ሰባት ፖለቲካዊ ዑቑባ ኣብ 44 ሃገራት ማለት ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኢስያን ክሓቱ ከለው፡ ብድምር ኣብዚ ዓመትዚ 700,000 ዑቑባ ንምሕታት ኣብ ትጽቢት ኣለው።
ኣብ ባህልና ሓደ ሰብ ብብርቱዕ ሓሚሙ ሞተ ሰተዀ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ “እዛ ትንፋሱስ ኣበይ እያ ተሰዂዓ ዘላ?” እዩ ዝበሃል ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ሓደ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣዝዩ ዘጨንቖን፡ እቲ መዋጸኦ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘሓርበቶን መቓርብተይ ብቖጸራ ተራኺብና ነዕልል ነይርና። ኣብዚ ዕላልና ናይ መጀመርያና’ኳ እንተዘይኮነ ንኹሉ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከካብ ዝሰማዕናዮን ዘንበብናዮን እንዳተበገስና፡ ካብ ዋሕዲ ጀሚርካ ክሳብ’ቲ ቀጥዒ ዘየብሉ ክብሪ መሰረታዊ ነገራት፡ ነቲ ካብ መብራህትን ማይን ጀሚርካ ክሳብ ዕንጸይቲ ዘሎ ስእነት፡ ካብ ብዘይ ፍርዲ ምእሳር ጀሚርካ ክሳብ ብዘይፍርዲ ምቕታል ዘሎ ግህሰት መሰረታዊ መሰላት፡ ካብ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ጀሚርካ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትእምማን፡ ካብ ኣብ መደበር ስደተኛታት ጀሚርካ ክሳብ ኤውሮጳ ዘሎ ኣሰቃቒ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እንተላይ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘሎ ምስኣን ዓቕምን በታ ዘላትካ ዓቕሚ ተቐራሪብካ ዘይምስራሕን ኣብዚ ዕላልና በጺሕናዮ።
ደሓር ንሱ እቲ መዓልልተይ ከም መግለጺ ናይ ምስድማሙ፡ ኩሉ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ተፈታሕካስ ቁጻር ምዃኑ ኣስተብሂሉ፡ ነቲ ናይ ወለድና ኣበሃህላ ዘኪሩ፡ “እዛ ትንፋስ ጉጅለ ህግደፍስ ኣበይ ደኣ እያ ተሰዂዓ ዘላ?” ምስ በለኒ “ እዋእ ኣብ ተለቪዥን (ኤረ ቲቪ) እምበር” ኢለ ካብቲ ምስቁርቋሩ ናብ ግዝያዊ ሰሓቕ ኣውጺአዮ ናብ ካልእ ዕላልና ከይድና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ካብቲ ምትእምማን ዘይፈጥር ዘሎ ኣቀራርባታት እትብሎን እትገብሮን በበይኑ ምዃን ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣትኪልካ ንመጻኢ እንዳማዕዶኻ መፍትሒ ከተምጽእ ምጽዓር ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ዛንታ ክትነብር ምፍታን እውን ካልእ ጸገም እዩ። እዞም ክልተ ባህርያት እምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝግለጸሎም እዮም። ኣብታ መሕለዊት ትንፋስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤረ ቲቪ ዝቐርቡ ማይ ዘይጠዓሙ ኣብ ዝሓለፈ ፍጻመታት ጥራይ ዘኹድዱ መዳህለልቲ መደባት ብዙሓት ስለ ዝኾኑን ምዝርዛሮም ስለ ዘጸግምን ብድብድቡ ኩሉ ዝብልዎ ብትሕዝቶኡ፡ ብእዋናውነቱ ኮነ ብህዝባውነቱ ባዶ እዩ ኢልካ ምሕላፉ እቲ ዝሓሸ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ናይ ኤርትራውያን ማህበር ደቂ ኣንስትዮ 7ይ ጉባአን ስምፖዝየምን ዝብል ሃውለካ ኣብታ ተለቪዥን ክንዕዘብን ክንሰምዕን ቀኒና። ኣብዚ ኣጋጣሚ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጅግንነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክግለጽ’ውን ተዓዚብና። እዘን ጅግንነት ዝፈጸማ ደቂ ኣንስትዮን ዝወለደኦም ደቀንንከ ሎሚ ናይ እንዳመን ከደምቲ ኮይኖም ኣለዉ? ዝብል ሕቶ ግና ጉጅለ ህግደፍ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ ስለ ዝኾነ እውናዊ ክነሱ ኣይተላዕለን። ብዙሓት ነዚ ናይ ኣሽካዕላል መደባት ዝተዓዘቡ ኣካላት “ኣየ ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጸባ” ክብልዎ ሰሚዐ። ማለት ጉጅለ ህግደፍ ብዓቢኡ ዘጸልመቶ ኤርትራዊ ኣዳራሽስ ያኢ ብሓደ ኣብ ትሕቲኡ ጭርኡ ደጒሉ ዝነብር መሳርሒኡ ማሕበር ክበርህ ማለት ዘበት እዩ ንምባል ዝኣክል። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኤርትራውያን ኣደታት ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብዘይካቲ ንተጋደልቲ ደቀን ሰንኪተን ምዕንጋለን፡ ማይ ቀዲሐን ምርስራሰንን፡ ኣብ ግዜ ግጥም ብደም ዝጨቀወ ክዳኖም ምሕጻብን ኣብ ሆስፒታላት ምልዓሎምን “ስልማተይ ድሕሪ ሃገረይ” ኢለን ወርቀንን ጨርቀንን ከወፍያ እንከለዋ፡ ዘርኢ ስእልታት ምርኣይ ከብድኻ ዝበልዕ ዛንታ እዩ። ምዃን ኤርትራውያን ኣደታት ካብ ጉልበታዊ ኣበርክቶን ስልማትን ዝኸብር ውላደን እውን መሪቐንን ኣስኒቐንን ናብ ቃልሲ ብምልኣኽ ኣብነታዊ ታሪኽ ሰሪሐን እየን። እዚ ታሪኽ’ዚ ግና እነሆ ሎሚ ከምቲ ስሙ ኣብ መስርሕ ዝተኾልፈ ጉዛምዛ ታሪኽ ወይ ዛንታ ኮይኑ ተሪፉ። እዘን ሓደ እዋን ውላደንን ስልማተንን ምእንቲ ኩለመዳያዊ ራህዋ ህዝብን ሃገርን ዝሃባ ተበዓትን ለወሃትን ኣደታት፡ ኣብቲ በዚ ዋጋ’ዚ ዝመጸ ነጻነት ደቀን ሓርቢትዎም ካብኣተን ብምፍላዮም ጠዋሪ ስኢነን ምዝኽታም ከይኣኽለን፡ ኣብ መንገዲ ናብ ስደት ኣብ ምድረበዳ መይቱ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ብጨወይቲ ኣካላቱ ከም ታራ ንዋት ተመዝሒቑ ተሸይጡ ብዝል መርድኣት ይልለዋ ምህላወን ድቃስ ዝኸልእ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ወገናት እዮም እምበኣር “ቀደምስ ወርቀን ሂበን፡ሎሚኸ ደቀን ኣበይ ኣለዉ?” ክብሉ ዝግደዱ። ሓቃቶም እዮም ድማ። ከምቲ “ንወሃብ ጸባ ነይትኸልኦ ማይጸባ” ዝበሃል ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራውያን ኣደታት ወርቀን’ኳ ተዘይሃበን፡ ቅሱን ህይወት ግና ክነፍገን ኣይነበሮን።
“ህዝብና ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ” ዝብል ሓረግ ኩሉ ግዜ ኢና ነዘውትሮ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግና ሓደ ሰብ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ሓደ ሕቶ ኣቕሪቡለይ። “ሓደ ኣካል ንሓደ ካልእ ኣካል ጠሊምዎ ዝበሃል እኮ፡ እዚ ክገብረልካ እየ ኢሉ ቃል ኣትይሉ ነይሩ ክንሱ ደሓር ቃሉ ክዓጽፍ እንከሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ብቐደሙ ንህዝቢ ኣእሚኑ ዘይኮነስ ኣገዲዱ እንዳኾብኮበ ተንኩላቱ ሓቢኡ ንሃገራዊ ፍቕርን ስምዒትን ህዝብና መዝሚዙ ብዘይግሉጽ ጐደና ዝመጸ በሓቲ ስለ ዝኾነ ካብቲ ቅድም ዝሓዞ መስመር ዓመጽ ኣይወጸን። ሓንሳብ ስኑ ምስ ነኸሰ ኣይሰደደን። እቲ ክሕተት ዝግበኦ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። “ ቀደምከ እንታይ ርኢኻ ኢኻ ንጉጅለ ህግደፍ ዝኣመንካዮን ሎሚ ሰናይ ከምጸኣልካ እትጽበዮን?” ብዝብል ቃና። ኣነ እውን ህድእ ኢለ ስምዒተይ ኣውሊለ እንተ ሓሰብኩዎስ እቲ ዝበለኒ ገለ ሓቂ ረኺበሉ። እንተኾነ ኣብ ህዝቢ ጌጋ ከም ዘይነበረ ንምርድኡ “ የለን ህዝቢ ኤርትራ ዓሽዩ ዘይኮነስ፡ በቲ ሓደ ወገን ኮንደኾን ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝበሃል ነቲ ጉጅለ ናብ ቀልቡ ተተመለሰ ዕድል ክህቦ ደልዩ ይኸውን። ብዘይካዚ ኣብቲ ተገዲዱ፡ ዝስለፈሉ፡ እዚ ዘይገብርካ እንዳተባህለ ዝእሰርን ዝርሸንን ዝነበረሉ ግዜ፡ ሕቶን ተቓውሞን እንተ ኣልዒሉ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ከይኩለፍ’ሞ መፍቶ መግዛእቲ ከይንኸውን ብዝብል ልቢ ኣዕብዩ ክኸውን ይኽእል ኢለዩ። ደሓር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ሽዑ ሎሚ እውን ንጉጅለ ህግደፍ ዘሻቕል ውዳበ ዘይነበሮን ዘየብሉን ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግበኣናን ኢለዮ። እንተኾነ መዓልልተይ ነዓይ እውን ከቐይመኒ ስለ ዘይደለየ ደኣ “በል እስኪ ደሓን ይኹነልካ” ኢሉኒ እምበር ውሽጡስ ካልእ እዩ ነይሩ። “ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ገጢምዎ ዘሎ መከራ፡ ብሰንኪ ነዚ ሎሚ ናብ ዓዲ ዕንወት ገቢሉ ዘሎ ጉጅለ ብዓንተብኡ ባልህ ኢሉ “እዚ ቃልሲ ናተይ ናይ ህዝቢ እዩ፡ ህዝቢ ድማ ናይ መሬት ነጻነት ጥራይ ዘይኮነስ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ልምዓትን ራህዋን እዩ ዝደሊ” ዘይምባሉ እዩ። ኮታ “ህዝቢ ኤርትራ ዝዘርኦ እዩ ዝሓፍስ ዘሎ” ክብል ከም ዝደለየ ተዓዚበዮ።
እንተኾነ ብናይ ካለኦት ኣብ ክንዲ ንህልዊ ምድህሳስን ንመጻኢ ምእማትን ኣብ ዝሓለፈ ክነብሩ ምድላዮም እንዳ ነቐፍኩ ኣብዚ ዝሓለፈ ዛዕባዚ ግዜ ክወስድ ስለ ዘይደለኹ ናብዚ ናይ ሎሚ ሃለዋትና ክመጽእ መሪጸ። እቲ ንጉጅለ ህግደፍ ምቁጽጻር ኣብቲ ቀደምስ ሓሊፉ፡ እቲ ዘሕዝን ድማ ሎሚ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቲ እዚ ጉጅለ ዝፍጽሞ ዘሎ ሓጥያት ዝምርቕሉ፡ ነቲ ዝረአ ክፋኡ ዘይርእዩ፡ ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ ውሱናት ኤርትራውያን ምህላዎምን ኣብኡ ክንዛረብ ከም ዝግበኣናን ኣፍኢመሉ ብኣኡ ድማ ተረዳዲእና። እቶም ብቐጥታ ንጉጅለ ህግደፍ ንምድጋፍ “እንታ ንበረልና” ዝብልዎ፡ ጸገማት ህዝብና ሃዲእካ ንከይዝረበሉ “ንኺድ ጥራይ” ዝዝምሩ፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ንምንባር “ሎሚ ስራሕ ራህዋ ጽባሕ” ዝጭርሑ እቶም ንፈልጦም ውሱናት ኮይኖም፡ ሎሚሎሚ ቁጽሮም እንዳማሰን፡ ድምጾም ድማ እንዳተሓተ ዝመጽእ ዘሎ እዮም። እቶም ብተዘዋዋሪ ምናልባት እውን ብዘይምስትውዓል ንጉጅለ ህግደፍ ዝሕግዝዎን ዕድመ ዝልምንሉን ዘለዉ ድማ ክቃወምዎ ወሲኖም ኣብቲ ናይ ተቓውሞ መስርዕ ተሰሊፎም ክንሶም፡ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ዘየሰስን ምናልባት እውን ዘዳኽም ፍልልያት ከጉልሑ ሒጊግ ዝብሉ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሰማማዕካ በቲ ሓደ ወገን፡ ነቲ ዝፈላልያካ ድማ በቲ ሓደ ገጽ ወጊንካን ኣመሓዲርካን ኣብቲ ዘሰማመዓካ ብሓባር ምቅላስ ነቲ ዘሰማማዓካ ረሲዕካን ነቲ ዝፈላልየካ መሊስካ ከተባልሖ ምውዓል ይፈቶ ይጸላእ ንጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን። ክትስማዕ እምበር ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን፡ ክትህብ እምበር ክትቅበል ቅሩብ ዘይምዃን፡ ክትነኣድ እምበር ክትንእድ ዘይምድፋር እውን ንህልውና ህግደፍ ሓገዝቲ ምዃኖም ኣይንዘንግዕ።
እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ናብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝወስድ ብናቱ ውሽጣዊ ምዕልባጥ ዝውሰን ዳይናሚካዊ መስርሕ ከቶ ኣይክዕገትን እዩ። እቲ ንሓንሳብ፡ ሃይማኖት፡ ንሓንሳብ ኣውራጃ፡ ንሓንሳብ ድማ ክመሓደር ዝግበኦ ናይ ኣረኣእያ ብዙሕነት ዘይመልክዑ እንዳትሓዝካ ዝፍጠር ኣዕናዊ ፈንጠርጠር ኣስጋኢ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንጉጅለ ህግደፍ ካብ ሞት ከየድሕኖ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ውድቀት እዚ ጉጅለ ኣብ ዘሎ መስርሕ እውን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ስለ ዝህልዎ እዩ። ምናልባት እውን ናይ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ሕማቕ ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ክደግም ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ ካብ ሕጂ ኢና ልብና ኣስፊሕና ሓላፍነት ተሰሚዑና፡ ካብ ናይ ዝገበረኒ ክገብሮ ዘይቅዱስ ህልኽ ወጺእና፡ ካብ ኣተሓሳስባ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ወጺእና ከነስተብህል ይግበኣና።
26 መስከረም 2014
ኣኼባ ቦሎኛ 2014 ኣኼባኡ ብምድምዳም ናይ ሓይሊ ዕማም መዚዙ ድሕሪ ምብጋሱን ኣብ ዕለት 17.09.14 ንመጀመርያ ጊዜ ብስካይፕ (SKYPE) መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ኣዋሃሃድቲ ሓይሊ ዕማም (TASK FORSE) ቦለኛ ፎርም ኣኼብኡ ብምክያድ መደብ ስራሓቱ ተሊሙ።
እዚ ኣኸባ እዚ ብሓጺሩ፡ እቲ ካብ ቦሎኛ ዝተዋህበና መደብ-ዕዮ ብዘይ ውዓል ሕደር ኩነታት ህዝብና ኣብዚ እዋን እዚ ኣድህቦ ዓለም ክረክብ ኣይክእልን ይኽውን፡ ከምኡ እውን ስርዓት ውልቀ መላኺ ድማ እቲ ዓለምና ኣትያቶ ዘላ ቅልውላውን ኣብ ርእሲኡ ጠልጠል ኢሉ ዓቕሉ ከጽብበሉ ጀሚሩ ዝነበረ ኣድህቦ ዓለም ተበሊጹ ግፍዓዊ ስራሓቱ ኣበርቲዑ ንህዝቢ ኣደራዕ የኻዕብቶ ምህላዉ ተገንዚቡ።
እቲ ‘’ሽግር ኤርትራውያን፣ ኤርትራዊ ፍታሕ ’’ ዝብል ቅኑዕ ጭርሑኡ ብዝያዳ ሕጂ ክስርሓሉ ከም ዘለዎ ብምግንዛብ ኣብ ዝቐልጠፈ ማለት ኣብ 28 መስከረም 2014 ንኹሎም ቦለኛ ፎርም ዝተጋብኡ ብምዕዳም ኣብ ዝተበጽሔ መደብ- ዕዮ ተሞርኲሰን፣ እተን ወጺኤን ዘለዋ ናይ ዕማም ሓይልታት ናታተን ስትራተጅካዊ መደብ-ዕዮ (strategical plan) ዘቕረብኦ ውጥን ርእዩ ዘድሊ ምእራምን፣ ለበዋን፣ ክቕስም ተራዳዲኡ።
ኣብዚ ዝመጽእ ኣኼባ ቦለኛ ፎርም: ሐደ መልክዕ ንኽህልዎን ኣጋባብ ምምሕዳሩ ብኸመይ ክከናወንን ህዝባዊ ተሳታፍነቱን ስረታቱን ብኸመይ ይማላእ ዘኣመሰሉ ኮታ ዘድሊ ቅርጻ ከትሕዝ እዩ። በዚ መሰረት፡ መትንታቱ ኣወሃሂዱ እቲ መስርሕ ሓቢርካ ምስራሕ ብስራሕ ኣቢልካ ዝምድናታትን፡ ተኣማንነትን ብምድልዳል ንኹሉ ዘሳትፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ጽላል ንምምስራት ዓቢ ጻዕርን ስራሕን ዝሓትት ኮይኑ ግደን ጉቡኡን ቦለኛ ፎርም ዕዙዝ ምዃኑ ተራዳዲኡ።
ብድሕሪዚ ንዕለት 15 ጥቕምቲ 2014 ክኣ ኩለን እተን ሓይሊ ዕማማት ተራኺበን እቲ ዘውጽእኦ ስትራተጂካዊ መደብ-ዕዮ ብቦለኛ ካርቱም ምምሕያሻትን መኣረምታን ምሕጽንታን ብጽፉፍ መልክዕ ተቐቢለን ኣብ ጎደና ስራሕ ኣትየን ጉዕዘኤን ብኑጹር ኽጅመራ ተሳማሚዔን።
እዚ ፈለማ ኣኼባ ናይ ኣዋሃሃድቲ ሓይሊ ዕማም(Task Forse) ቱኩርን ህዱኡን ድልየት ስርሓት ዝሓዘለ ኣወንታዊ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ኣብ ደገ እውን ዓቢ ትጽቢት ይጽበዮ ከም ዘሎ ተገንዚቡ። ብዘለካ ዓቕምን ጊዜን ብዘይ ምሕላል ኽትሰርሕን፣ ህዝብኻ ተሳታፊ ጥራይ ዘይኮነስ ተዋሳኢ ዝኾነሉ ጊዜን ባይታን እዩ ዘሎ እሞ ኣይንሕመቕ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ፣ንኽእል ኢና እወ ንኽእል ፣ ብምባል ንዝመጽእ ቆጸራታቱ ክራኸብ ተሳማሚዑ።
ንስውኣትን፡ ነቶም ብዘይ በደልዎ ገበናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ የሕዋትን ኣሓትን ዓበይቲ ዓድን ዕለት 18.09.2001 ብምዝካርን ብዓቢኡ ኽኣ ዕለት ወርሒ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ሰውራና ሽግ ናጽነትናን ዘበሰረት ብምዃና ነዛ ተኾሊፋ ዘላ መስርሕ ሓርነት ንምቕጻል ተመባጺዑ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

Paltalk Eritrean Harnet Discussion Room
ዕዱም ጋሻ፡- ኣቶ ዶክተር ኣዳነገብረመስቀል ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ
ንዕለት፡- ቀዳም 27-09-2014
ዛዕባ፡- ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን መሰረትን ዕላማን ሃገራዊምንቅስቓስ
ሰዓት ፡- 20፡00 ብበርሊን ኣቆጻጽራ
ብደሓን ምጹ
Invites all:-
Guest speaker: Dr. Adane Ghebremeskel
Topic: National dialogue and reconciliation a bsais and objective of a national movement
Date: - Saturday 27-09-2014
Time:- 20:00 Berlin time
02:00 New York
11:00 Vancouver Everyone is welcome
تدعو غرفة حارنت بال للحوار جميع المهتمين بالشأن الوطني الإرتري إلى أمسيتي حوار رصين.
يوم السبت 27-9-2014 ورقة حوارية تحت عنوان: الحوار الوطني والمصالحة الوطنية أساس و هدف حركة وطنية يقدمها السيد كلوبرهان أبراهام تولدي مدهن
يوم الأحد 14-9-2014 يقدمها الدكتور اداني قبرمسكل.
بداية الندوتين ستكون في تمام 8:00 مساءاً بتوقيت برلين و02:00 بتوقيت نيويورك و11:00 بتوقيت فانكفر.
ترحب بجميع الضيوف والمتحاورين من أجل بناء أرضية صلبة للرأي والرأي الآخر.