×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

“ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ”

2014-08-26 12:05:30 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 18468 times

ኣርዓዶም በርሀ

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ኢንታታት ሓደ ምኽዋል ወይ ምጭዋይ ሓቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ህዝቢ ብገዛእ ዋኒኑ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ሓበሬታ ንከይረክብ ዝዓግቶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምናልባት እውን እቲ ህዝቢ ብናቱ ጻዕሪ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ክይዛረብን ከይዝትን እሞ ካብቲ ዲክታቶርያዊ መቑሕ ምእንቲ ከይወጽእ ኮነ ኢሉ ይሕልዎ። ክሳብ ኣብ ገዝኡ እውን ስለያዊ መውረርያ ይዝርገሓሉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ኣብ ነንሕድሕድ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ናይ ህዝብን ሃገርን ኣብነታዊት መሰረት ዝኾነት ቤተሰብ’ውን ዘይምትእምማን ይፈጥር። ብኸምዚ ደረጃ ኣብ ዝፈጠሮ ናይ ምጥርጣር ዓለም ድማ እቲ ጉጅለ ዓገብ ዝብሎ ዘየብሉ ክዕንድር ይውጥን። እዚ መርዛም ጉጅለ ምናልባት ብሰንኪ እዚ ሓደገኛ ምህዞኡ ንዝተወሰነ ግዜ ትንፋስ ይረክብ ይኸውን። እንተኾነ ህዝቢ ናይዚ ሓደገኛ መውረርያ ቀንዲ ተሃሳዪ ንሱ ምዃኑ እንዳ ሓደረ ስለ ዝተረድኦ፡ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሕማቕ ምህዞ እቲ ጉጅለ ምቅላዑ ኣይተረፎን። እዚ ከም ሓደ ኣብነት ናይቲ “ሓቅስ ብርእሳ ተሓዝካያ ብእግራ ትወጽእ” ወይ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ጌርካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ።

እቲ ጉጅለ ነዚ ሓቐኛ ባህሪኡ ንምሕባእ ብዙሕ ብልሓታት እዩ ዝምህዝ። ፈስቲቫላት፡ ኤግዚብሽናትን ዑደታት ዕሸል መንእሰያት ካብ ወጻእን ነዚ ከገልግሉ ዝድኮኑ መናውሒ ዕድመ መደባት እዮም። ናይ ጸጥታ ትካላቱ ስራሕ ቀንዲ መርኣያ ምሕባእ ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ እዩ። ናይ መራኸቢ ብዙሓን ትካላቱ ቀንዲ ዕማም እውን ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ህዝቢ ምስትምሃርን ንናይ መጻኢ ምዕባለ ከማዕዱን ኣካል ናይቲ ምዕባለ ንክኸውን ምጉስጓስን ምጽዋዕን ምስትምሃርን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ እቲ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ንከይሓስብ ምስ ኤርትራ ዝምድና ዘየብሉ፡ ብዛዕባ ሓደጋታት፡ ህቦብላ፡ ውሕጅ፡ በረድ፡ ምንቅጥቃጥ መሬትን ዓሌታዊ ጐንጽታትን እንዳቐረምካ ነቲ ህዝቢ ኣብ ምርዓድ እየን ዝጽመዳ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣካይዳ ድማ እቲ ጉጅለ ሳላ ናቱ ክቱር ጥበብን ብልህነትን፡ እንተላይ እቲ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣብ ኤርትራ ከጋጥም ከም ዘይከኣለ ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ንኹሉ እቲ ጸረ ህዝቢ ኣበሳታቱ ሓቢኡ ብጹእ ኣብ ኩሉ መዳያት መሲሉ ንምቕራብ ዝገብሮ መላኺ ፈተነ እዩ። ነቲ ካልእ ከባብታት ኣጸልሚትካ እታ ብርሃን ሳላይ ኣብ ኤርትራ ጥራይ እያ ዝብል መልእኽቲ ናይ ምትሕልላፍ ሃቐነ ጉጅለ ህግደፍ’ውን ኣብ ቦታኡ እዩ። ዘይጭበጥ መብጸዓታት ምእታው’ውን ከምኡ። “ሎሚ ስራሕ ራህዋ ጽባሕ” ጽባሕ ድማ መወዳእታ የብሉን።

እንተኾነ ከምቲ “ሰራቒ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ” ዝብሃል፡ በቲ ናይቲ ህዝቢ ልቡ ዝልቡ ስቕ ምባል ስለ ዘይቀሰን ባዕሉ ይለፋለፍ። ኮታ ህዝቢ ኣንጻሩ ከም ዘሎ፡ እቲ ህዝቢ’ኳ ባዕሉ ዓው ኢሉ እንተዘይነገሮ ንህግደፍ ነብሱ ክነግሮ ናይ ግድን እዩ። ኣብ መደብ ተለቪዥን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሰሙን ነዊሕ ሰዓታት ዘባኽን “ጋህዲ” ዝበሃል ብደበሳይ ወልዱ ዝምራሕ መደብ ነዚ ዘዘኻኽር እዩ። ደበሳይ ወልዱ ኣብ ትሕቲ “ጋህዲ ኣብ ዘየብቁል” ምድረበዳ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ጋህዲ ዝበሃል ባህሊ ክህሉ ከም ዘይክእል ይፈልጥ እዩ። ብዘይካ ኣነ ዝበልኩኹም ጥራይ ግበሩ፡ ኣነ ዝሓገግኩልኩም ጥራይ ፈጽሙ ወይ ድማ ኣነ ብዝመደብኩልኩም ጥራይ ተመርሑ ኢሉ ዘገድድ፡ ባህሊ ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን ዘይቅበል ስርዓት፡ ጋህዲ ዝበሃል ጉዳይ ምጽባይ ከም ማይ ምሕቋን ምዃኑ ደበሳይ ወልዱ ይጠፍኦ እዩ ኢለ ኣይግምትን። ስለምንታይ እንዳ ዝዓበየሉ ጃንዳ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ “ክበልዕ (ክነብር) ዝበለ ገደል ኣፉ” ከም ዝበሃል ምስ ውሽጡ እንዳ ተባእሰ፡ ዝውዕሎ ክኸውን ይኽእል። በቲ ኮነ በቲ ግና ናይዚ ኣሳናዳዊ ጋዜጠኛ ቀንዲ ስራሕ ናይቶም ንጉዳያት ብኸመይ ብጋህዲ ከም ዝተሓዝ ሓሳብ ክህቡ ዝዕደሙ ተሳተፍቲ ከመይ ጌርካ ናብታ መንግስቲ ዝደልያ መሽቆራቑር ተእትዎም ምእላይ እያ ቀንዲ ዕላምኡ። ሓደ ሓደ ተሳተፍቲ ጋህዲ ዘይኮነ ጉዳያት ጋህዲ ምባሉ ኣጸጊምዎም ሓቂ ከምልቑ እንከለዉ፡ ኣሳናዳዊ መደብ ክሳብ ክንደይ ልቡ ሰንፈላል ከም ዝኸውን ተዓዚብናዮ ኣለና። “ደሓር ክንምለሶ ኢና፡ ምስዚ ኣርእስቲ ኣይተሓሓዝን እዩ … ወዘተ” ብዝብሉ ሓረጋት ተጐዝጒዙ ክሃድምን ነብሱ ከድሕንን ክፍትን እንከሎ’ውን ብዙሕ ግዜ ተዓዚብናዮ ኢና።

ኣብ ባህልና “ ተዛሪቦም የዛርቡኻ ” ዝብል ልሙድ ኣበሃህላ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ካብዚ ብመደብ ጋህዲ ኣመላኺዑ ዝዝርገሖ መጻወድያን ዝወሃብ ርኢቶታትን፡ ነቒሉ ሽዑ ንሽዑ”ኳ ስጉምቲ ተዘይወሰደ፡ ካብቲ ዝደልዮ መጻኢ ዝዛረቡ’ሞ ንመጻኢ ብጐቦ ዓይኒ ዝቋመቶም ጥርጡራት ኣይህልውዎን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ብጉልባብ ጋህዲ ዝግበር መድረኻት ናይ’ቲ ኩሉ ግዜ ንስምዒታት ንድሕሪት እንዳመለሰ ኣብ ዛንታ ክነብር ዝደሊ ጉጅለ ህግደፍን፡ ናይቲ እቲ ዝሓለፈስ ሓሊፉ’ዩ፡ ናይ ሎሚንዶ ንግበር ክብል ዝደሊ ህዝብን፡ ምውጣጥ ንሓንሳብ ብፍሩዩ ንሓንሳብ ድማ ብረቂቑ ይረአየካ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣርእስቲ መደብ ጋህዲ “ኤርትራዊ ናይ ስራሕ ባህሊ ከመይ ኣሎ” ዝብል ነይሩ። እቲ ሓላው ዓራት ጉጅለ ህግደፍ ኣዳላዊ መደብ ትጽቢቱ “ባህሊ ስራሕ ሎሚ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ” ዝብል ዓብላሊ ርኢቶ ንምሕፋስ እዩ ነይሩ። ነዚ ንምርጓድ ከም ኣብነት ክቐርብ ዝጽበዮ ድማ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ መንእሰይ ብዘይ ክፍሊት ከበድቲ ስረሓት ይሰርሕ ምንባሩ ደጋጊምካ ክጥቀስ ጭልም ይብል ከም ዝነበረ ካብቲ ኣብ ቅድሚ እኩባት ምኹዝዛዩ ምርዳእ ይከኣል። እቶም ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ምናዳ ገሊኦም እቲ ድሌቱ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝተረድእዎ፡ ከምቲ ዝተጸበዮ ካብ ልቦም ዘይኮነስ ካብ ኣፎም ክነግርዎ’ሞ ቀልጢፎም ካብቲ ኣኼባ ተፈዲሶም ናብ ካልእ ዋኒኖም ክኸዱ ድሌት ነይርዎም። ነቲ እቶም ደሓር ብጉጅለ ህግደፍ ጽቡቕ ዘይተፈደዩ መንእሰያት ተጋደልቲ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት፡ ብዘይ ክፍሊት (ደሞዝ) ጀሪካን ማይ ተሰኪሞም ጐቦታት ዝሓኹሩዎ ዝነበሩ፡ መህነጺ መዛግብ ኣጉናድ ዘጓርትዎ ዝነበሩ፡ ብዘይመግቢ መዓልታት ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ከም ኣብነት ይጠቕስሉ ነይሮም። ሽዑ ዘርእዮ ዝነበረ ክምስምስ ከዓ ዘገርም እዩ።

ገሊኦም ግና እዚ ንሓቅታት ብምዚ ዓይነት ኣገባብ ካብ ክውንነትን ወድዓውነንት ኣርሒቕካ ምህዳምን ነቲ ሓቂ ጐድፋ ኣውዲቕካሉ ምሕላፍን ግዲ ኣሕሪቕዎም፡ “ ሎሚ እቲ መንእሰይ ምድካም ይደክም ኣሎ፡ ውጽኢት ግና የለን፡ ዕቤት ኣይተራእየን፡ ውጽኢት ዘየብሉ ድኻም ድማ ዝነኣድ ስራሕ ክበሃል ኣይከኣልን” ክሳብ ምባል ዝሰጠጡ ነይሮም። ሓደ እውን “እቲ ዝሰርሕ መንእሰይኮ ሃገር ገዲፉ ይስደድ እዩ ዘሎ” ኢሉ ብምጅማር፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገር ዘየለ መንእሰይ ኢና ናይ ስራሕ ባህሉ ንዛረብ ዘለና ዝላዝኡ ርኢቶ ሂቡ። እዚ ንዋሕዚ መንእሰይ ናብ ስደት ብዝምልከት ካልእ ግዜ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ ጌርና ክንዛረበሉ ኢና ተባሂሉ ተደፊኑ። እቲ ዝድለ መልእኽቲ ከም ዝተመሓላለፈ ግና ኣይትዘንግዑ። ደሓር ቀጺሉ ሓደ ተሳታፊ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ርኢቶታት ስለ ዘይማእመኦ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለና እስኪ ንርአ፡ እስከ ናይ ስራሕ ሃዋህውከ ኣሎ ድዩ ኢሉ? ኢልና ነነብስና ንሕተት ምስ በለ፡ ንኹሉ ጥበባት ናይቲ ኣሰነዳዊ መደብ ጋህዲ ሃዶሽዶሽ ኣቢልዎ። በዚ ጠጠው ኣይበለን። ኣብ ግዜ ቃልሲ ብዘይደሞዝ ተሰራሕና፡ ገዛ ክራይ ኣይነበረናን፡ ዝመሃሩ፡ ዝቕለቡ፡ ዝሕከሙን ዝኽደኑን ቆልዑት ኣይነበሩናን፡ ኣብ ጉዳይ መነባብሮ ወለድና ንፈልጦ ኣይነበረናን ንሳቶም’ውን ካባና ዝጽበይዎ ኣይነበሮም። ሎሚ ግና ኣብ ካልእ ዓለም ኢና ዘለና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ብዘይደሞዝ ደሞዝ ብደሙዙ እውን ርትዓዊ እንተዘይኮይኑ ልብኻ መሊእካ ዝዝውተር ምስጉን ናይ ስራሕ ባህሊ ክህልው ምጽባይ ኣይከኣልን ኢሉ። ኣብዚ ኩነታት እቲ ኣሰናዳዊ መደብ ጋህዲ ክልተ ምርጫ እየን ዘለውኦ። ወይ ነቲ ርትዓዊ ናይ ተስታፍቲ ሓቂ ምቕባልን ተረቲዕካ ምምላስን፡ ወይ ድማ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ መንግስትና ጥጡሕ ናይ ስራሕ ህዋህው ፈጢሩ ርቡሕ ደሞዝ ይኸፍል ኣሎ ኢልካ ልቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣረስሪስካ ንገዛእ ርእስኻ ግና ኣብ ትዕዝብቲ ምውዳቕ። ፍሉጥ ኣብ ሕቝፊ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ምርጫኡ እታ ዳሕረወይቲ እያ። በቲ ይኹን በዚ ግና ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ከም ሓደ ኣውንታዊ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ንኡድ ናይ ስራሕ ባህሊ ብምብላሉ ተሓታቲ’ዩ’

ሕራይ ዝምድና ሓቅን ርትዓውነት ምስ ጉጅለ ህግደፍ እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ርእሲቲ ካብ ቅድምውን እንፈልጦ፡ ሓደሓደ ነጥብታት ጠቓቒስና ኣለና። ንሕና ከም ናይ ለውጢ ሓይልታትን ናይ መተካእታ ሕጹያትንከ ክሳብ ክንደይ ኢና ባህሊ ጋህድን ግሉጽነትን እነዕብን ካብ ሸፋጢ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ እንመሃርን? ክንምልሶ ካብ ዝግበኣና መሰረታዊ ሕቶታትን ሓደ እዩ’ሞ ሃየ ደኣ።

24 ነሃሰ 2014

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 15:15