ዝመላልኡ እምበር ዝተኻኽኡ ኣይኮኑን

2014-09-05 09:15:33 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 11338 times

ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም፡ ዓለም ብብርሃና ኣብ ጸልማት ወዲቖም ራህዋ ኣብ ዝጽውዕሉ ዘለዉ መድረኽ ኢና እንርከብ። እቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከብድኻ ዝበልዕ ናይ ኣርህዉልና መጸዋዕታ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ፡ ናብ መላእ ዓለም ዝቃላሕ ዘሎ እዩ። ቀንዲ ግና ናብቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝምድናዊ ራህዋ ዘለና ኤርትራውያን እዩ ዘቕንዕ። ምናልባት ናይቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ሻቕሎት ዝወረሮ ዝምድናዊ ሰላም ዘለና ዓቕሚ ውሱን እንተኾነ እውን ንሕና ኢና ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል ኮይና፡ ነቲ ናይ ህዝብና ናይ “ኣድሕኑና” መጸዋዕታ ሓይሊ ወሲኽና ዝያዳ ከነቃለሖ ዝግበኣና። ቅድሚ ነቲ መጸዋዕታ ናብ ካለኦት ምትሕልላፍ፡ ግና ንሕና እቶም ቀዳሞት ሰብ ጉዳይ፡ በቲ ውሱን ዓቕምና እንኽእሎ ናይ ምግባር ግድነት ከም ዘለና ክንስሕት ኣይግበኣናን። ዓቕሚ ተዘይስኢኑ ካብዚ ንድሕሪት ዝብል ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ጸዋዒትካ ሰማዒ ዝረክብ’ውን ቅድም እትኽእሎ እንዳገበርካ፡ እዚ ኣለኒ እዚ ግና መልኡለይ ክትብል እንከለኻ እምበር ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ብምእዋይ ኣይኮነን።

 

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ  ውጽዓ፡ ኣብ ገሊኡ ይኸብድ ኣብ ገሊኡ ድማ ይፈኩስ፡ ኣብ ገሊኡ ይስሑ ኣብገሊኡ ይጽዕቕ፡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያንን፡ ናይ ሰባት መሰል ምግሃስ ዘቐንዝዎም ዘይኤርትራውያንን ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ሰከም ምዃኑ ካልእ ከነስተብህለሉ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ንኩልና ኤርትራውያን ብዘይኣፈላላይ ዝምልከተና ሓባራዊ፡ እቲ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ገጢሙና ዘሎ ወጽዓ ጥራይ ኣይኮነን። ነዚ ወጽዓ ስዒርካ ናብ ራህዋ ንምብጻሕ ዝግበር ቃልሲ’ውን ከምኡ ሓባራዊ እዩ። ዋላ ሓደ ክፋል ሕብረተሰብና፡ ሃይማኖት ድዩ ብሄር መሰረት ገይሩ፡ ነቲ ሓደ ኣግሊሉ በይኑ ዝቕንዘወሉ ወጽዓን ተጓዒዙ ክበጽሖ ዝኽእል ዓወትን የለን። ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ ሓደ ኣካል ነቲ ሓደ ኣዋሲኑ ክወፍር እንተፈቲኑ፡ በቲ ካልእ ኩርናዕ ከዓ እቲ ዘግልሎ ዘሎ ወገን ነዓኡ ኣግሊሉ በይናዊ ወፍሪ ክገብር ከም ዝፍትን ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ግደ ምሁር ከነዕዝዝ እንከለና፡ ምስቲ ዘይተማህረ ወገኑ ሓቢሮም ክቃለሱ እምበር ነቲ ዘይተማህረ ወገን ኣግሊሉ በይኑ ከዕውቶ ዝኽእል ዕማም ኣለዎ ማለትና ኣይኮነን። ግደ መንእሰያት ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ መድረኽ ክነዕዝዝ እንከለና፡ ንግደ ናይቲ ሎሚ ንእስነቱ ዝወደአ፡ ነቲ መንእሰይ ታሪኽ ቃልሲ ዘጽነሓሉ ኣውራሲ ወለዶ ብምንእኣስ ኣይኮነን። ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ናይ ለውጢ ቃልሲ የለን ማለት፡ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ደሪገን ንድርብ ወጽዓአን ክቃለሰኦ እምበር ነሕዋተን ተኪን በይነን ንኹሉ  ዓሚመን ይዕወታ ማለትና ኣይኮነን። እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ፡ ግደ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና ወሳኒ እዩ፡ ክንብል እንከልና ምስቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሳላ ናይተን ዝነብረለን ዘሎ ሃገራት ናይ ኩሉ መሰል ምኽባር ጸጋ ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ መሰል ዘለዎ ኤርትራዊ ወገኑ እንዳተመላለአ ማለትና እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ይረአ ካብ ዘሎ እሞ፡ ክውገድ ዘለዎ ናይ ጉዳያት ኣመሓዳድራ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ጸገም ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንገዛእ ርእስኻ ኣካል ናይቲ ጸገም ምዃንካ ኣሚንካ፡ ደሓር ናይቲ ፍታሕ ኣካል ክትከውን ምፍትን፡ ነታ ናይ ጸገም ኩዕሶ ካባኻ ከተርሕቓ’ሞ፡ ኣብ መስርሕ ምርካብ ፍታሕ ተዓዛባይ ክትከውን  ናይ ምፍታን ዘይሃናጺ ኣተሓሕዛ ጉዳያት እዩ። ሓደ ኣካል ውጽዓኡ ወጽዓኻ፡ ራህዋኡ ድማ ራህዋኻ ብምዃኑ ሓዲግካዮ ክትከይድ ዘይትኽእል መካይድኻ ይኸውን እሞ፡ እቲ ኣሰጓጉማኡ ካብቲ ንስኻ ዝተጸበኻዮ ንታሕቲ ክኸውን ይኽእል። እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ህይወት እውን ዘጋጥም፡ ንኹሉ ክኢልካ ተመላሊእካ ብትዕግስቲ ብምኻድ ዝፍወስ ጸገም እዩ። ሎሚ ኣብ ገዛእ እታ ብደም ደቁ ዝመጸት ሃገሩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝብደል ዘሎ ክፋል ህዝብና፡ ካብቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ሲቪላዊ ማሕበራት ተወዲቡ ውጻኢ ካብ ኤርትራ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ብዙሕ ከም ዝጽበ ዝሰሓት ኣይኮነን። “ደንጒዮምና” ዝብል ናይ ራህዋ ናፍቖት ድምጹ’ውን ይበጽሓና ኣሎ። ብኣንጻሩ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብውዱብ ኮነ ብዘይውዱብ ኣገባብ ዝቃለስ ዘሎ ናይ ለውጢ በሃጊ ኤርትራዊ ሓይልታት፡ ዋላኳ እቲ ከቢብዎ ዘሎ ጸጥታውን ስለያውን ማሕለኻታት ዘይዝንገዖ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ፡ ንግፍዒ ጉጅለ ህግደፍ ዝያዳ ዘስተማቕር ህዝብና ብፍላይ ድማ ካብቶም ብሳላ ናይ ትካሎም ባህርያት ብቐሊሉ ናይ ምርኻብን ዕጥቂ ናይ ምውናንን ዕድል  ዘለዎም ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ኩነታት ኣገዲድዎም፡ ኣንጻር ረብሓኦምን ረብሓ ህዝቦምን ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣገልገልቲ ኮይኖም  ዘለዉ ኣካላት’ውን ናብ ልቦም ንክምለሱ’ሞ ብውሽጢ ካብቲ ወሳኒ ኩርናዕ ኣንጻር ህግደፍ ንክደፍኡ፡ ብዙሕ እዩ ዝጽበ። እቲ ኣብ ግዜ 21 ጥሪ 2013 ተፈጢሩ ዝነበረ ስምዒት ናይዚ ኣብነት’ዩ። ነቶም ሎሚ ካብ ህግደፍ ብዝረኸብዎ ግነዖት ህዝቦም ብኹሉ ዓይነት ስእነት እንዳተሓመሰ ጸጊቦም ዝሓድሩ ዘለዉ  ውሱናት ሰብ ጽሩራ ወገናት፡ “ብልዒ ሓላፊ ስም ግና ተራፊ” ይብሎም ከም ዘሎ ከዓ ከቶ ክዝንግዕዎ ኣይግበኦምን።

ብግሁድ ይኹን ብዘይግሁድ እዞም ክልተ ወገናት ማለት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ኤርትራውያን፡ እቲ ሓደ ብዛዕባ ተሳትፎ ናይቲ ሓደ ዘይዕግበት እንተሃለዎ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ኣብ ሕድሕዶም ክረጋገጽ ዝግበኦ ምትዕግጋብን ምትእምማንን ዝረጋገጽ እምበኣር፡ ግዜ ወሲድካ ብዝካየድ ጸዋርን ዕጉስን ቃልሲ እምበር፡ ብውዑይ ድሌትን ስምዒትን ኣብ ሓጺር ግዜ ብኣቋራጭ ዝጥረ ኣይኮነን።  ኮታ ብናቱ ናይ ዕቤት ሕጊ ዝግዛእ መስርሕ እዩ። ሓደ ኣካል ካብቲ እትጽበዮ ኣብ ትሕቲ ግምትካ ኮይኑ ክደኽመካ እንከሎ፡ ኣንጸርጺርካ “ድሕሪ ሕጂ ካባኻ ዝጽበዮ የብለይን” ኢልካ  ኣይኮንካን ምስኡ ተፋቲሕካ ናብ ካልእ ዘይዕቱብ በይናዊ ፍታሕን ዘይውሑስ ዕርክነትን እተመዓዱ። ብኣንጻሩ እቲ ካባኻ ፈሊኻ ዘይትርእዮ መሻርኽትኻ፡ ዓቕሚ ኣጥርዩ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ንክኸውን ኢኻ ግዜ ሂብካ ናይ ሞራልን ፍናንን ሓገዝ እትገብረሉ። ምኽንያቱ ፈተኻ ጸሊእኻ ብዘይ ናቱ ኣበርክቶ እትሓስቦ ናይ ርሑቕ ጉዕዞ ራእን ዓወትን ጐደሎ ስለ ዝኸውን። ጐደሎ ድማ ከም ስሙ ጐደሎ እዩ። እዚ እንዳተመላላእካ ክሳብ ዓወት ብሓባር ምጉዓዝ ባህ እንተበለካ እትትግብሮ ደስ ተዘይሉካ ድማ ትግገፎ ኣይኮነን። ግድን ክትሓልፎ ዝግበኣካ ናይ ቃልሲ መስርሕ ሓጐጽጐጽ እምበር። “ግዜ ሂብካ” ክበሃል እንከሎ ግና ገደብን ትርጉምን ዘይብሉ ግዜ ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ተስፋ ዘቑርጽ  ውግእ ሕድሕድ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ፡ ሓይልታት መግዛእቲ ነዓኡ መዝሚዞም፡ ህዝብና ካብቶም ዓወት ሒዞም ክመጽዎ ዝጽበዮም ዝነበረ ደቁ ተስፋ ምእንቲ ክቖርጽ፡ “እዞም ደቀይ እትብሎም፡ ንገዛእ ርእሶም ዘይተሳነዩ፡ ነዓኻ ነጻነት ከምጽኡልካ ኣይትጸበዮም፡ ምስ ኢትዮጵያኻ ጥራይ ተመሳሰል” ዝብሉ ሓሞቱ ንከፍስሱ ተማሂዞም ዝዘርሑ መዳህለልቲ ፕሮፖጋዳዊ መጥቃዕትታት ይወርድዎ ነይሮም እዮም። እንተኾነ ህዝብና በዚ ከይተንበርከኸን ተስፋ ከይቆረጸን፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ደቁ ዘነበሮ እምነት ከየጉደለ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንደቁ ጌጋኦም እንተዘይኣሪሞም ኣብ ዓወት ከም ዘይበጽሑ እንዳመኸረ ቃልሱን እምነቱን ኣጽኒዑ፡ ንኹሉ ናይ ጸላኢ መሸንቦባ ስኑ ነኺሱ ተጻዊሩ ሳላ ዝተቃለሰ፡ ኣኽሊል ነጻነት ደፊኡ ኣብ ዓወት በጺሑ ተመጒሱ። ምናልባት ኣብቲ ግዜቲ ህዝብና በቲ ዝሽልብቦ ዝነበረ ኣዕናዊ ናይ ጸላእቲ ፕሮፖጋንዳ ርዒሙ እንተዝነብር እቲ ሓደጋ ክሳብ ክንደይ ኣዕናዊ ከም ዝነበረ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ናይዛ ሎሚ ምእንቲ ህልውናኣን ደሞክራሲያውነታን ንጭነቐላ ዘለና ኤርትራ ህላወ’ውን ኣጠራጣሪ መኾነ።

ሎሚ ንሕና ሓይልታት ተቓውሞን ህዝቢ ኤርትራን ዘለናሉ ኩነታት ብሓፈሻ ንመሳገነሉ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብቲ ናይ ወጽዓ መጋርያ ተጠቢሱ ዘሎ ህዝብና፡ ንሕና ተቐወምቲ ኣብ ሕድሕድና ክንውግኖ ዝግበኣና ዋኒን ወጊና ዓቕሚ ደሊብና ሓበስቲ ንብዓቱ ብዘይምዃና ቅር ከም ዝብሎ ካልእስ ይትረፍ ነነብስና ሓኺኽና እንርደኦ ሓቂ እዩ። ነዚ ኩነታት ምርዳእና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ፡ እቲ ቀንድስ መዋጸኦ ምርካብ’ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እምበኣር ጉጅለ ህግደፍን ኮራኩሩን ንግዚያዊ ድኽመትና መዝሚዞም፡ ምስቲ ንሱ ነዓና ንሕና ድማ ንዓኡ ክንተሓላለይን ክንመላላእን ዝግበኣና ህዝቢ ኤርትራ “እዞም ተቓወምቲ ስኒት ዘየብሎም ድኹማት ስለ ዝኾኑ ኣይትጸበዮም ሰጥለበጥ ኢልካ ብኣና ተገዛእ” ዝብል መርዚ እንተነዘሑ፡ ካብ ጸላኢ እንጽበዮ እምበር ዝሕደሰና ኣይከውንን። እቲ ኣዝዩ ዘገርመና ምናልባት እውን ዘስገኣና ግና፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ቃልሲ፡ ካብ ዝተሰለፉ ወገናት፡ ንድኽመታት ደንበ ተቓውሞ መዝሚዞም ናብ ህዝብና “ ካብ ደንበ ተቓውሞ እትጽበዮ ኣውንታ ስለ ዘየለ በይንኻ እትግብሮ እንተልዩካ ግበር” ዝብል ተንበርካኺ መልእኽቲ ከተሓላልፉ ክደናደኑ እንከለዉ እዩ። ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ወሳንነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብዚ ብህግደፋዊ ልጓም ተቐፊዱ፡ ብጩቕ ክብል ዘይክእለሉ ህሞት ካብቲ ዋላ ድኹም እንተኾነ፡ ናይቲ ድምጺ እንዳሃለዎ ከድምጽ ዘይከኣለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድምጺ ኮይኑ ዘሎ ተቓውሞ ክትፈላልዮ ምህቃንከ እንታይ ማለት እዩ?፡ ንመንከ የርብሕ?፡ ህዝቢ ካብ ውድባት ተነጺሉ እሞ ድማ ኣብዛ ናብ  ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ዘላ ኤርትራ፡ ነቲ ኣትይዎ ዘሎ ህግደፋዊ ሰልሚ በይንኻ ውጽኣዮ ምባልሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ሕራይ ናይ ደንበ ተቓውሞ ድኽመትስ ኣይተሓባእ። ብዓይኒ ናይቲ ለውጢ ዝብህግ ኤርትራዊኸ እዚ ኣበሃህላ ንመንዩ ዘዕንግል። ንደለይቲ ለውጢ ወይስ ልሳን ህዝቢ ንዝዓብሱ ወጻዕቲ? 

5 መስከረም 2014

Last modified on Friday, 05 September 2014 11:54