ነቲ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ናብ ሰላም

2014-11-17 18:53:17 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3440 times

 

ኣርዓዶም በርሀ

ኣብዚ ግዜ እዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኤርትራ ዳርጋ ምስ ኩለን ጐረባብታ ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ሕማቕን ንጹልን እዩ። ሓደ ካብቲ ካልእ ዝምድና ናይ ደረጃ ፍልልያት ስለ ዘለዎ፡ ብፍላይ ኢርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶ ናይቲ ሕማቕ ዝምድና ግዳያት ኤርትራውያን ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሻቕል ዘሎን ምግላጹ ዘጸግምን እዩ። ብዝኾነ ኣብ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” (no war no peace) ደረጃ ዘሎ ዝምድና እንዳተባህለ እዩ ዝግለጽ። “ኣይክዩድ ኣይቅሙጥ” ወይ ድማ “ኣይርግኦ ኣይጸባ” ከም እንብሎ ኩነት። እዞም ንህልዊ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ተላፊኖም ዝገልጽዎ ዘለዉ ሓረጋት ክልቲኦም ማዕዶ ንማዕዶ ዝስለፉ፡ ወርትግ ዘይቃደዉ ኣዕናውን ኣድማዕን ኣምራት እዮም። ውግእን ሰላምን። ድሌትን ትጽቢትን ብሓፈሻ ናይ ዝኾነ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናይቲ ብነዊሕን መሪርን ውግእ፡ እቲ ዝቐደመ ከይቀምረረ ዳግማይ እንዳረኸሶ ዝኸርደደን ሰላም ዝሓረሞን፡ ሕጂ እውን ዓለም ብብርሃና ኣብ ጸልማት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ባህግን ውግእ ተወጊዱ ሰላም ክነግስ ከም ዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን። ድሌትን ድሌትካ ከተትግብረሉ ዓቕሚ ምውናንን በበይኖም ምዃኖም ግና ኣይንረስዕ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና፡ ዝያዳቲ ኤርትራ ምስ ካለኦት ሃገራት ተሕልፎ ዘላ ንጹል ሃለዋት ኣሻቓልን ኣዛራብን ዝኸውን፡ ኣዝዩ መሪር ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣጋጢሙ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግም መሪር ውግእ ዝሓለፎ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ጀኦግራፊያዊ፡ ባህላዊ፡ ቋንቋዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቁጠባዊ ኮታ ደሚርካ ኩለ-መዳያዊ ኣከዋውናኡ ኣዝዩ ዝዛመድ ብምዃኑ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝመርሕ ዘሎ ኣካላት ቅድሚ እቲ ትማሊ ኣብ ሕድሕዱ ዘካየዶ መሪር ደማዊ ውግእ፡ ቅድሚ ትማሊ ሓቢሩ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ደሪጉ ተዋጊኡ ናይ ሓባር ደም ኣፍሲሱ ናይ ሓባር ዓወት ኣመዝጊቡ ናይ ብዙሓት ናእዳ ሓፊሱ ዝነበረ ብምዃኑ ድማ ነዚ ናይ ሕጂ ኢኖ ሓርፋፍ ሓርፊፉ ዘሎ ዝምድና ቆላሕታ ብዙሓት ንክስሕብ ሓጊዝዎ እዩ። “ክቱር ፍቕርስ ክቱር ጽልኢ ፈጠረ” ኢሎም ዝገልጽዎ መሰልቲ’ውን ብዙሓት እዮም። ክልተ ግዜ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ፡ ሓንሳብ ብኣውንታ ደሓር ድማ ብኣሉታ። እዚ ኣሉታዊ እጃምን ተሓታትነትን ጉጅለ ህግደፍ በሪኹ ዝተራእየሉ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ክብ ለጠቕ ብዝብል ዋሕዚ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ፡ ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ግና ንሓንቲ ካልኢት እውን ካብ ኣእምሮኡ ዘየልግስ መናብርቱ ኮይኑ ዘሎ ዘይተፈትሐ ግድል እዩ።

እዚ ክልቲኡ ህዝብታት በቲ ኩነታት ምሽቓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሐሕልናኡ ተቐይሩ ማለት እዚ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ሃለዋት ምሉእ ሰላማዊ ኮይኑ ናይ ምርኣዩ ሕልምን ትጽቢትን ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ክልቲኡ ህዝቢ ትምኒቱ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ትምኒቱ ናብ ተግባር ንምስግጋር ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ግና ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ሕቶ ሰላም ምስ ጐረቤት ህዝቢ ጥራይ ዝተደረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወቱ ምዃኑ ከዓ ክንዝንገዖ ኣይግበኣናን። እቲ ኣብ ሀገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ግዜ ብሰንኪ ተንኮላት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣይኮነንዶ ምስ ህዝቢ ኢትዮዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ምስቲ ኣብ ጥቕኡ ኣብ ገጠር ድዩ ኣብ ከተማ ዘሎ ጐረቤቱ ብኽመይ ተመላሊኡ ከም ዝነብር ንምቕያስ ዝዛረበሉን ዝዛተየሉን ኩነታት የለን። ምስቲ ኣብ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ብመንገዲ ሕገመንግስታዊ ምርጫታት ተተይ ዝብል ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ሰላማዊ ዝምድና ናብቲ ንቡር ደረጃኡ ንምምላስ ድሌት እምበር ዓቕምን ተኽእሎን ከም ዘየብሉ ኣፍና መሊእና እንዛረቦ ይመስለኒ። ብመሰረቱ እውን ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ልዕልና ዘውሕስ መድረኽ ስለ ዝበኾረ ኢና ዳግማይ ንምምላሱ ንቃለስ ዘለና። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘርዩ ዘሎ ዲያስፖራ እንብሎ ኤርትራዊ’ውን ካብዚ ኣብ ህዝብና ዘሎ ናይ ዘይምትእምማን ጸግመ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ እዩ” ኢሉ ነብሱ ከየዕሹ ከዓ ሓደራ እብል። ብወገን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ገዚፍ ኣገንዳ ሰላም ናይ ምሕሳብን ናይ ምዝራብን ዝሓሸ ዕድል ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ እዩ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጊዮን ሆቴል “ዓለም ለኻዊ ትካል ኢትዮጵያ ንሰላምን ልምዓትን” ዝተባህለ ኣካል ዘሰናድኦ ኣኼባ ዝተኻየደ። ኣብዚ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ሰላማዊ ቦታኡ ናይ ምምላስ ተኽእሎታት ንምድህሳስ ዝተወደ ኣኼባ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ፡ ብዕድመ፡ ብዝተዋፈርዎ ስራሕን ብእምነትን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ትጡሕ ኩነታት ተጠቒሞም ነቲ ኣጋጣሚ ንዝፈጠሩ ወገናት ምስጋና ይብጸሓዮም።

ኣብዚ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ (citizen diplomacy) ንከሕይል ተስፋ ዝተነብረሉን ናይ “ክንገብሮ ንኽእል ኢና” ኒሕ ዝተንጸባረቐሉን ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ፡ ነቲ ኩለመዳያዊ ጥቡቕ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዘትርሩ ኣብነታትን ተመኩሮራታን ቀሪቦም። ኣብቲ ዝርዝር ካብ ግዜ ንእስነቶም ብሓደ ዝተማህሩ፡ ብሓደ ዝሰርሑን ኣብ ስደት ብሓባር ሓበሻ ዝብል ስም ዝተጠመቑን ተመኩሮም ብሰፊሑ ተገሊጾም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰናይ ዘበን ግዜ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” መድረኽ እውን ጌና ተስፋ ዝህብ ዝከናኸኖ እንተረኺቡ ክጥጥዕ ዝኽእል ናይ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድናታትን ተስፋታት ከም ዘሎ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ምስ ዘዝፈልጥዎ ኣብነታት እንዳሰነዩ ገሊጾም። ብፍላይ ድማ ካብቲ ዝዳወብ ከባቢታት ዝመጹ ተሳተፍቲ ኣብቲ ከባቢ ኪኖ’ቲ ጀኦግራፊያዊ ደረት ናይቲ ህዝቢ ማሕበራዊ ዝምድና ከም ዝዓዝዝ ኣስማት ሰባት ከይተረፈ እንዳጠቐሱ ገሊጾም። ነዚ ዓቢሩ ዘሎ ዝምድና ንምህጣሩ ነንኽእሎ ክንገብር ኢና ኢሎም ቃል ዝኣተዉ ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍልጠት ክኢላታት እውን ንከበርክቱ ቃል ኣትዮም። ሓደ ርዱእ ጉዳይ ግና ኣሎ እዘን ብዛዕባ ዝምድና ህዝበን ንዛረበለን ዘላና ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናተን ነጻነት ኣለወን ነናተን ሉኣላውነት’ውን። ፖለቲካዊ ባህርያቶምን ንህዝቢ ዝህብዎ ክብርን መሰልን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ነናተን መንግስታዊ ምምሕዳራት’ውን ኣለወን። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዛዕባ ኤርትራ ክንሓስብ እንከላና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ፡ ጸረ ደሞክራስን ኩሉ ነጻነታትን መሰላት ህዝብን ጓዕጻጺ ጉጅለ ህግደፍ እያተመቊሓ ዘላ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝባዊ ሰላማዊ ዲፕሎማሲ ክንፈጥር፡ ክንብል እንከለና ነቲ ህዝቢ ካብቲ መንግስታቱ ፈሊና ነናቱ ሃገር ክንፈጥረሉ ማለትና ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ። ነዓይ ከም ዝረደኣኒ እዚ ህዝብታት ኣገዳስነት ሰላምን ጥዑይ ዝምድናን ኣብ ዕቤቱን ቀጻልነቱን ወሳኒ ምዃኑ ተገንዚቡ ነኒመንግስቱ ናብዚ ሃናጺ መድረኽዚ ንክመጽእ ከገድደሉ ዝኽእል ዓቕሚ ክፈጥር ምኽኣሉ ማለት እዩ። ሰላማዊ ዝምድና ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉሙ ዘይምውጋእ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ነንሕድሕዱ ቀጻሊ ተጠቓቓምነትን ሓቢርካን ተማላሊእካን ናብ ዓዲ ዕቤት ምግስጋስ ማለት እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እዚ ዕማምዚ ንምዕዋት ቅድም ቀዳድም እዚ ኣብ ሰላም እምበር ኣብ ውግእን ህውከትን ረብሓ ዘየብሉ ህዝቢ ኣብ ሃሃገሩ ክሰርሖ ዝግበኦ ዕዮ ገዛ ኣለዎ። ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድዩ ምስ ህዝቢ ካልእ ጐረቤት ሃገር ሰላማውን ሓባራውን ዝምድና ምፍጣሩ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናቱ ሰላምን ነጻነትን ኣብ ኢዱ ክጭብጥ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ኤርትራ እያ ካብ መግዛእቲ ነጻ ወጺኣ እምበር ህዝባ ካብ ኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ነጻ ከም ዘይወጸ ርኡይ ስለ ዝኾነ። ኣብ ገዛእ ባይታኡ ኣጣጢሑ ዘይረገጸ ሰላም፡ ምስ ጐረቤት ዝቛጽሮ ዝምድና ጽባሕ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓዲ ዘይጣጠሐ ባይታ ተደጊሱ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ክንርስዕ ኣይግበኣናን። እዚ ሰላም ምስ ጐረባብቲ ናይ ምርግጋጽ ዕማም እምበኣር ካብቲ ሓፈሻዊ ንኤርትራ ናብ ሓድሽ መድረኽ ደሞክራሲን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ንምብቃዓ ዝግበር ቃልሲ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ጉዳይ ሰላምን ህዝባዊ ዲፕሎማስን ካብ ጉዳይ ፖለቲካ ፈሊኻ ምርኣዩ ዘጸግም። ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ሰላም፡ ደሞክራሲን ልምዓትን ዝጸውር ባይታ ዘይፈጠረ ህዝቢ ምስ ጐረባብቱ ሰላም ክህልዎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነን። ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ብሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ንከይነብር ዓጊትዎ ዘሎ መጻወዲያ መንቀሊኡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተዘሪኡ ዘሎ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ምትእምማን ንከይፍጠር ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጻወደ መፈንጠርያ እዩ። ኣብ ሕድሕዱ ዝጠራጠር ህዝቢ ቀዳምነት ክህቦ ዘለዎ እምበር ኣብ ውሽጡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምውጋን እዩ። እቲ ናብ ጐረባብቲ ዝልሑዅ ሰላም ኮነ ህውከት፡ እቲ ናይ ምሽጢ ምስ መለአ ዝፈስስ እምበር ካብቲ ናይ ውሽጢ ተነጺል ኣብ ደገ ዝፍጠር ዘይምዃኑ ከዓ ፍሉጥ እዩ።

17 ሕዳር 2014