3ይ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ

2014-10-31 17:33:26 Written by  ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ጨንፈር ኖርወይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4018 times

ጨንፈር ኖርወይ ብ18 ጥቕምቲ 2014 ሳልሳይ ዓመታዊ ጉባኤኡ  ኣብ ቲሕቲ «ለውጢ ብናይ ሓባር ቓልሲ እዩ ዝረጋገጽ!»  ዝብል ጭረሖ ብዓወት ኣሰላሲሉ::

ኣብ መእተዊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንተጋባእቲ ንኩነታት ሃገርን፣ ሓርነታዊ ቓልስን፣ ኩነታት ሰልፍን ጨንፈርን ዝድህስስ ሰፊሕን ዓሚቑን ሓበረታ ኣስኒቁ:: ብጻይ ዳዊት ንስፍሓተ ተቓውሞ ናይ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብሪሂ፣ እቲ ንዓመታ ብናይ እግሪ ተቓውሞ ማለት ሃገር ገዲፍካ ንስደት ብምምራሕ ዝገለጽ ዝጸንሐ ተቓውሞ፣ ሎሚ ብፍላይ ድማ ካብ ስርሒት ፎርቶ 23 ጥሪ 2013 ጀሚሩ ግብርን ድምጽን ዘለዎ ናይ ተቓውሞ ስጉምትታት እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር እንዳ ሰሰኑ ይመጹ ከምዘሎ ኣብሪሁ:: 

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝር ብጻይ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመሊሻን ዕቁር ሰራዊትን ዝግበር ዘሎ ናይ ምኽታት እምቢታ፣ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ ኣብ ቲሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተዘርገሐ ገታር ሰፊሕ ጽሑፋዊ መተሓሳሰቢ፣ ብሽድሽተ ኣድባራት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝተጻሓፈን ዝተዘርገሓን ዘየናሕሲ ናይ ኩነኔን ውገዛን ዕላዊ ቅሉዕ መልእኽትን ጠቒሱ:: ንሱ ብተወሳኺ ምትእኽኻብን ምሕያልን ደለይቲ ለውጢ እውን እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቀኛ መስመሩ እንዳሓዘ ኣብ ዘተስፉ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎን ሓቢሩ:: ከም ገለ ካብ ጨቡጥ ኣብነት ናይዚ ነገር እዚ ኢሉ ብጻይ ዳዊት ንኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ዝተበጽ ብኣዋጅ ፕሪቶርያ ዝፍለጥ ናይ ምሁራት ነጥበ ስምምዓትን፣ ንኻልኣይ ግዜኡ ዝተኻየደ መትእኽኻብ በሎኛን፣ ብኣላይነት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነሓሰ 2014 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ፍራንክፎርትን ንሱ ዝፈጥሮ ናይ ምቕርራብን ዘተን መድረኽን በብሓደን ብሰፍሕን ገሊጹ:: ብጻይ ዳዊት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ እውን ብኣባልነት ዝርከቦ ጽላል ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኢርትራውያን ሓይልታት ኣብ ኖርወይ እውን ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማትን ምቕርራብን ምጥርናፍን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላኣትን ቀሊል ታራ ይጻወት ከም ዘየሎን ናይ ምትእኽኻብ ኣብነታዊ ሞደል ኮይኑ ከምዘሎን እውን ጠቒሱ::

ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣስዒቡ ኣብ ህይወት ጨንፈር ዘተኮረ ዓመታዊ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ርኽካውን፣ ማሓበረ ሰብኣውን ጉዳያትን ዘጠቃለለ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ሂቡ:: ንሱ ኣብ መወዳታ ምስ ናይ ዕቁባ ኩነታትን ክበድ መነባብሮናን ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ ኣብ ኩሉ መዳያት ዓቅምና ንገብር ኣሎና ክንብል እኳ እንተኺኢልና፣ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና ዝጠልቦ ዘሎ ንምምላስ ግን ካብ ዘገምታዊ ኣካይዳ ናብ ዝተዓጻጸፈ ናህሪ ኣብ ዘለዎ ቃልሲ ክንሰጋገር የድልየና ብዝብል ለበዋ ጻብጻቡ ድምዲሙ::

ቀጺሉ ብጻይ ማሕደር ዑቁባዝጊ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር፣ ኣብ ገንዘብን ካልእ ንብረትን ዘተኮረ ሰልፋውን ጨንፈራውን ጸብጻቡ ብዝርዝር ኣቕሪቡ::

ንሕቶን ርኢቶን ኣብ ዝተዋህበ ግዜ፣ ጉባኤኛታት ብዝተዋህበ ጻብጽብ ዕጉባት ምዃኖም ሓቢሮም:: ብምቕጻል ድማ ተጋባእቲ ብመሰረት ኣብ ቁዋም ሰልፊ ዝሰፈረ ዓንቀጽ መረጻ መርሕነትን ኣገባቡን፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንኣብ ስልጣን ዝጸንሓ መርሕነት ከምዘሎ ሕጅውን ንዝመጽእ ዓመት ከገልግል መሪጽም::

ኣስዒቦም ተሳተፍቲ ኣብ ዛዕባ ማሕበረ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ኩነታት ኣብ ካሳላ ሱዳን ዝርከቡ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ፣ ንኣብ ወዲ ሸሪፎይ ዝርከም ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኩነታቱን፣ ንመደባት ናይ ማዕዶ ወላድን፣ ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሓተቲ ዕቁባን ዝተኮረ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዶም. ኣብ መወዳእታ እውን ነዚ ነገራት እዚ ሓላፍነት እትወስድ ክልተ ዝኣባላታ ሽማገለ ኣቚሞም::

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ ነቲ ከይተሓለለን ደኺመን ደኽየን ከይበለን ብተወፋይነት ዝቓለስን ዝመርሕን ዘሎ መርሕነት ሰልፊ ሞጒሶም፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰልፊ እውን ኣሰር መርሕነት ሰልፉ ተኸቲሉ ድርብ ተወፋይነት ብምርኣይ ንድሕነት ህዝቡን ሃገርን ከቐላጥፍ ተላብዮም::

ጉባኤ ብዝኽረ ሰማዕታት ተዓጽዩ.

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Friday, 31 October 2014 18:41