መእተዊ መደረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ ዘአንግዶ ኮንፈርንስ ዋሽንግተን ዲሲ

2014-11-01 01:50:48 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4479 times

ጥቅምቲ 23-25, 2014

መን ኢና?

ንሕና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ኣብ ዝተፈላለየ ውደባታት ክንጐዓዝ ዝጸናሕና፣ ደምን ሞትን ዘሰነዮ ታሪኽ ውግእ ሓድሕድ ክንሰግር ዝበቓዕና፡ ደቂ ሃገር ኢና። ሰልፍና፡ ውጽኢት ወይ ፍርያት ዘተን ዕርቅን ኰይኑ፡ ንቕድሚት ዝጥመተ ውላድ ሓድነታዊ ጻዕሪ እዩ። ንኤርትራዊ ብዝሑነት እንግንዘብ፡ ንሓደነት ህዝብን ልዑላዊ መሬትን ኤርትራ ድማ እነኣምን ንነብስና፡ ከም  ሓደ ኣካል ናይ ደምበ ተቓውሞ እንቖጽር ሰልፊ ኢና።

ኣብ ኤርትራ ንባህግታት ህዝብና ዝጠለመ፡ ምልካዊ ስርዓት ይገዝእ ምህላው፡ ናይ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ናይ ጥዑይ ምሕደራን፡ ግዝኣተ_ሕግን  ብኩራት ከም ዘሎን እንፈልጥ፣ ምህላው ዘይጥዑይ ምሕደራን ዓመጻዊ ሲስተምን ድማ ኣደ ድኽነትን ብርሰትን ምዃኑ እንግንዘብ፡  ሰልፊ ኢና። ብሓጺሩ ኤርትራና፡ መላእ ህዝባ ዝሳቐየላ፡ መንእሰያታ ዝባረሩላ፡ ሰብኣዊ መሰላታ ዝገሃሰላ  መካነ-መቓብር ኮይና፡ ልዑላውነታ ኰነ ናጻ መንነታ ናብ ሓደጋ ክወድቕ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነት እትርከብ ናብ ፍሽለት ሃገር አተምርሕ ዘላ  ምዃና ዘስተውዓልና  ሃገራውያን ኢና። ኣወንታዊ ለውጢ ዝሕላገቱ ቃልሲ ኣብ ምክያድ እንርከብ  ተቓልስቲ ኣብ ልዕሊ ምዃንና፡ ንኩሉ'ቲ ንኤርትራን ህዝባን ሰላም ቅሳነትን ዕቤትን ከምጽእ፡ ኣብ ኣህጉር ድማ ልዑላዊ ክቡር ቦታኡ ከትሕዝ ዘኽእል  ቅድመ ኩነታት ንምፍጣር ክኽፈል ዘለዎ፡ መስዋእቲ ክንከፍል ዝተቐረብና ሰልፊ ኢና።

 በቲ ካልእ ሸነኹ፡ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ንሕና ከም ስልፊ ንበይና ጥራይ  ከምዘየሎናን፡ ኣብ'ዚ ዕማማዚ  ብደምበ ተቕውሞ ወይ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝፍለጡ መሻርኽቲ ከም ዘለውና ንፈልጥ። ይኹን'ምበር እዚ ንሕና እውን ኣካሉ ዝኾና ደምበ'ዚ ንባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ዘይስኒታዊ፡ ኩነታት ኣትዩ፡ ፋሕ ብዝበለ መንገዲ ድምጺ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ከም  ዘይበቕዐ እንርዳእ ሰልፊ ኢና።  እቲ ናይ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ  ማእከላዊ  ጐንጺ ኣብ መንጎ፡ ውሑድ ግን ብወተሃደራዊ ስርርዕ፡ ብገንዘባዊ ዓቕሚ፡ ብጸጥታን ስለያን ኣዝዩ ዝተወደበ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ብሓደ ሸነኽ፣ በቲ ካልእ ድማ ዝሰፍሐ፡ ግንከ  ዘይተጠርነፈ፡ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ዘይብሉ፡  ብስሙር ድምጺ ክሰርሕ ዘይከኣለ ደምበ ተቓውሞ ምዃኑ እንግንዘብ ሰልፊ ኢና።

ካብዚ ተረድኦ'ዚ ብምብጋስ ዘተን ልዝብን  ከም ቀንዲ መሳርሒ ብምጥቃም፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ፍልልያት፡ ዘይምርድዳኣት፡ ጸለመታትን ዓንቃፊ ስጉምትታትን ብምልጋስ ብዝተጸንዐ መንገዲ  ኣብ ዕቱብ ስራሕ ክንኣቱ ብቐጻሊ ክንቃለስ እንመርጽን ዝጸናሕናን ኢና።

የግዳስ እቲ መሪር ሓቂ፡ እዚ  ውጥን ሓባርዊ ዕዮ'ዚ ክዕወት ኣይከኣለን። ጸዓታት እውን ንከንቱ ክባኽን ጸኒሑ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቕ ኣይኰነን። ዝተደጋገመ ፈተነታት ክዕወት ካብ ዘይከኣለ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና " ናይ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ዘተ" ተብግሶ ክዕወት ድዩ? እንታይ እዩ እቲ ጸገም? እንታይ እዩ"ከ እቲ ፍታሕ?  ዝብል ሕቶታት ከልዕል ግድነት እዩ። ነዚ ድማ ብኣትኩሮን ዕቱብነትን ክንጥምቶ፡ ንድሕሪት ዘይብል ስጉምታት ኣብ ምውሳድ ከብጽሓና ዝኽእል ኩሉ ሓቆፍ መጽናዕትታት ከነካይድ የድልየና።  እዚ መጋባእያ'ዚ፡ ንባዕሉ ሓደ ካብ'ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተወስደ፡ ወይ መቐጽልታኡ፡ ቈጺሩ፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ናይ ልዝብን ዕርቕን ከአትወና ድማ ንምነ።

ብወገንና እምበኣር ነቲ “ዝሰመረ ናይ ሓባር ቅልጽም”ብምፍጣር ኣብ ውራይ ምውዳቕ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቕንዐ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ  ብኸመይ ይደልድል? ደንበ ተቓውሞ፡ ንድሕነት ሃገርን፡ንቕሳነት ህዝብን ብዝተሓተ ፕሮግራም'ውን ተጠርኒፉ ብሓባር ናይ ምስራሕ  ዘጋጥሙ ዘለው ዓበይቲ ፈተነታት፤ ሓዲሽን ተበላሓቲን ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ኣፈታትሓ ፍልልያት ብኸመይ የተኣታቱ... " ዝብል ጥሙረ ሓሳብ ንምምላስ፡ መጀመርያ እንታይ እዩ'ቲ ጸገም፡ ምልላይ ከድልየና እዩ። ነዚ  ብዝምልከት ድማ ብርእይቶና ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከነዋጽእ ንኽእል፤

1.    ንጹር ሓባራዊ ተረድኦ ብዛዕባ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ዘይምህላው

መጀመርያ ኩልና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና፡ ሓይልታት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ክፍጠር እንብህግ፡ ብዛዕባ ሓድነታዊ መስርሕ ክንዛረብ ከሎና፡ ንዕኡ ዘንጸባርቕ ክትዓት ኢና ከነካይድ ዝግበኣና። ግን ኣብ ተመክሮ ብዛዕባ ሓደ ፓርታዊ ስርዓት ምዕዋት ብዘስምዕ መንገዲ ኢና እንጐዓዝ። ማለት ክንዮ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ዘማዕዱ ፍልልያት ከም ዘሎና ክንኣምን የድለየና። እዚ ድማ ንባህሪ ናይ'ቲ ስኒታዊ ጉዕዞ ይውስኖ። ሃይማኖት ተንከፍ ብሄር ተንከፍ፡ ወይ ድማ ሕብረ-ብሄራዊ ተንከፍ፡ መትከላት ዝሓቖፍና ኢና። ስለዚ ባህሪ ናይቲ ዘተን ልዝብን ማዕረ'ቲ ኣረዳድኣታት ክኸይድ የድልዮ። ዝመሳሰል ውድባት ወይ ፓርትታት ክሳብ ዝለዐለ ደረጃ ሓድነት ክጐዓዝ። ዘይመሳሰል እምነታት ዘለዎ ድማ ብንጹርን ግሁድን መንገዲ ኣብቲ ንኹሉ ከርብሕ ይኽእል'ዩ ዝብሎ ስምምዓት ክኣቱ  የድሊ።   ዝተፈላለየ መትከላዊ ወይ ፍልስፍናዊ እምንቶታት ድማ ምቅርራቡ እንተተኻእለ ጽቡቕ እንተዘይከይኑ፡ ብሰላማዊን ፍትሓውን መንገዲ ልዑልነት ግዝኣተ ሕጊ ኣረጋጊጽካ፡  ሓቢርካ ምንባርን ንሓባራዊ ረብሓ ምስራሕን ይከኣል እዩ።

2.   ድኽመት ውድባትን፡ ናይ ኣወዳድባና  ሃለዋት በቲ ልክዕ ኣገላልጻኡ ዘይምቕማጥን ኣብኡ ንጹርነት ዘይምህላውን

ኣብ ደምበ ተቓውሞ አሎ ዝበሃል ኣወዳድባታት ብመትከላቱ ኰነ መልክዑ ወይ ጠባያት ኣሰራርሓኡ ዝተፈላለየ ምዃኑ ምግንዛብን ምንጻርን የድሊ። ኣብ ተግባር ክእቶ እንከሎ ድማ፡ ናይ'ዚ ንጹርነት'ዚ ቅደም ተኸተል ዝሰርዐ ክኸውን ይግባእ። እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ውደባታት እምበኣር፤

·         ሃገር ሓቆፍ  ውደባ ዘለዎ፤

·         ብሄራዊ ጠቀስ ውደባ ዘለዎ፤ ብባህሪኡ መጀመርያ ዘገድሶ ረብሓ ናይ ፍሉይ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ።ብወድዕነት ናይ መላእ ሕብረተስብ ኤርትራ ረብሓ ቀዳምነት ኣየቐምጥን።

·         ሃይሞኖታዊ ጠቀስ ውደባ ዘለዎ፤ እዚ አውን ቀዳምነታቱ ናይ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ረብሓታት ዘገድሶ እዩ። ኣብ ብዙሕነታ ዘለለየት ሓንቲ ሃገር ዘይኰነስ ኣብ ካዕባውነት ህዝባ ዝምርኰስ ፖሊሲታት የንጸባርቕ።

·         ኣብ ውልቀሰብ ዝተማእከለ ውደባ ዘለዎ፤ እቲ ውልቀሰብ ብዝደልዮ መንገዲ ዝኸይድ፡ እቲ ውልቀሰብ እንተሎ ዝህሉ፡ እንተ ዘየሎ ግን ቀጻልነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ውደባ ኣሎና

·         ኣብ ሳይበር ስፐይስ ዝተዘርግሐ፤ ብኣካል ብዙሕ ዘይትረኽቦ  ወይ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ጥራሕ ዝርአ፡ ግን ክውላዕን ክጠፍእን እትርእዮ ወደባ ዘለዎ እዩ።

እዚ ውደባታት'ዚ ብመሰረቱ ክንጸር ቀጺሉ ድማ ኣበይ ይራኸብ ኣበይ'ከ ይፈላለ? ብሓባር ከስርሕዎ ዝኽእሉ እንታይ እዮም? ዝፈላይዎ'ኸ ይፈትሖም'ዶ የወንዝፎም? ንዝብሉ ሕቶታት ዝተቓልዐ እዩ።  ስለ'ዚ "ኣበይ ጠጠው ከም እትብል ከፈልጥሲ፡ ኣበይ ኮፍ ኢልካ ከምዘለኻ ንገረኒ" እንድዩ፡ መን፡ መንዩ  ምፍላጥን፡ ብመሰረት እዚ ኣፍልጦ'ዚ  ዘተን ልዝብን ምክያድን የድሊ።  ከምዚ ምስ ዘይግበር ግን እቲ ጉዳይ ካብ ምትሕውዋስን ምትሕልላኽን ንላዕሊ፡ ንኹሉ አሲሩ ብምሓዝ ንቕድሚት ክስጉም  ኣይክእልን ወይ ከጸግሞ እዩ።

3.   ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ኣገባብ ተረድኦ ዘይምህላው

ብርእይቶና  ምድግጋም ከም ዘየድልዮ፡ ብመትከላዊ እምንቶ ኰነ ብተግባራዊ ጠለባት ናይ'ዚ መድረኽ፡ ንሕጂ  ኰነ ንመጻኢ መዋእል ሓራ ኤርትራ፡ ናብ ናይ ሰላምን ዕቤትን ጐደና ዘሰጋግር፡ ድቂ ሓደጋን ዓመጽን ዘበርዕን ኣገባብ ቃልሲ ዲሞክራስያዊ ዘይጐነጻዊ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ነዚ ስርዓት'ዚ ብብረትን ዕጥቃዊ ቃልስን እዩ ከወድቕ ዘለዎ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ብዕጥቂ ዝሰዓረ ሰላም ከንግስ ድዩ? ዝብል ሕቶ ንጐድኒ ገዲፍና ኣብ ተግባርውነቱ እነተረአና፡ እቲ ዕጥቃዊ ጐነጻዊ እምነት ዘለዎ ሸነኻት ነቲ ኣምር ከም ናይ ሰላማዊ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ደኣዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ እምበር ካብኡ ሓሊፉ ዝኸዶ ጉዕዞ ከም ዘይብሉ ኢና እንግዘብ። ስለ'ዚ ኣብ ጣውላ ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ናይ መከራኸሪ ናይ ዘይስኒት ባእታ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንሰላምን ዲሞክራስን ባይታ ብዘንጸፍ መንገዲ ዝተጓዕዞ የብሉን። ከም'ዚ እንከሎ ግን እዚ ኣረዳድኣታት'ዚ ነቲ ናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዝተሓተ ነጥቢ ክዕንቅፎ ይግባአዶ ዝብል ኣልዒልካ ክዝረበሉን ክጽናዕን የድሊ። ህልዊ  መድረኽ  ንዝጠልቦ  ኣገባብ ስራሕ ብዘይዕንቅፍ ክስራዕ ድማ ክጸዓረሉ የድሊ። ኣብ'ዚ እውን እቲ እምነታት ይዘረበሉ፡ ሓቅታት ይውጻእ ይነጸር። እቶም ዘይጐነጻዊ ዝብሉ ኮነ እቶም ጐነጻዊ ዝብሉ ኣካላት ቅድም ቅዳድም ንነብሶም ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ክጸምዱ፡ ደሓር ድማ ምስቲ ካልእ ሸነኻት ዘራኽቦም ሓባራዊ መድረኻዊ ዕዮ እንተሎ ከናድዩን ክሰርሕሉን ይግባእ። ኣውራ ዘሻቅል ግን፡ ዘይንጹርነት ምህላው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኹሉ ክሰላሰል ዝከኣል ሓባራዊ ዕማማት ንጐድኒ ገዲፍካ፡ ንጉዳያት ዘይትርጉሙ ብምሃብ ኣብ ምፍሕፋሕን  ቢዛንጣዊ ክትዓት ኣብ ምእታውን ኰይኑ ካብ ረብሓታቱ ክሳራታቱ ዝይዳ ዝመዘነ ናይ ዕንክሊል ሃለዋት እዩ ዘስዕብ።

4.   ተራን ክብደትን ውድባት ከምዝን ዝኽእል መዕቀኒታት ዘይምህላው " ኩለን ውድባት ሓደ ኢየን..ኩለን ፍሹላት እየን"

ኩለን ውድባት ሓደ እየን ምባል ዓማሚ መግለጺ እዩ። ኣዕሚምካ፡ ምንጻግ ወይ ኣዕሚምካ ምቕባል፡ ድማ ንዕቤት ሓይልታትካ፡ ኣይሕግዝን። ንቅኑዕ ቅኑዕ፡ ንግጉይ ግጉይ ካብ ምባልን መአረምታታት ካብ ምስንዛርን ዝገትእ ባህሊ እዩ።

ኩልና ሓደ ዲና? ሓደ ዓይነት ኣሰራርሓን ውድባዊ ባህልን ኣሎና ድዩ? መን እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ? ኣብ ኣየናይ መዳይ'ከ የገልግል? ብምጽናዕ፡ ካብ ኩሉ ከም ዓቕሙን ክእለቱን ንምኽሳብ ምውጋን የድልየና። ኣብዚ መዳይ'ዚ ተራ ፈሊጣውያን ወይ ምሁራት ኣካላት፡ ባህላዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ  ብኩራት ኣሎ። ዝርጋሐ ተሳትፎ ምሁራት ኤርትራውያን፡ እነተረአና። ብዙሓት ህዝባዊ ምሁራዊ ሓላፍነቶም  ዘንጊዖም ንምልክን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራን  ዝድግፉ፣ እንታይ ገደሰና ብምባል ዘጽቀጡ፣  ውሑዳት ከኣ ኣካል ደልይቲ ፍትሒ ኰይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ እዮም። ኣብዚ  ክስመረሉ ዘለዎ ናይ ምሁር ኣካል ህዝባዊ ሓላፍነት፡ ንሓቂ ምምጓትን ኣብ ጐድኒ ሓቅን ፍትሕን ጠጠው ምባልን ምዃኑ እዩ። ንሓደ ነገር ንፈልጦ ኢና ክንብል ክንዕቅኖ ክንክእል ኣሎና። መዐቀኒታት ምግባር ድማ ብፍላይ ንምሁራት ከቢድ ኣይኰነን። ብሓጺሩ፤

·         ምሉእ ቅርጻ ኣሎዎ'ዶ? መሪሕነታቱ ከመይ ይመርጽ፡ ስፍሓት መሰረታቱ ከመይ እዩ? መሰላት ኣባላቱ እንታይ ይመስል፡ እዉጅ ፕሮግራምን፡ ቅሉዕ ቅርጻ ስርዒታትን ኣለውዎ'ዶ?

·         ስፍሓት ቅሉዕ ስርርዓቱ ክሳብ ክንደይ ዝድህሰስ ዝርጋሐ ኣለዎ?

·         ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታቱ፡ ኰነ  ህዝባዊ ውድባዊ ንጥፈታቱ ከመይ ይመስል። ዝዕቀን ንጥፈታት ኣለዎ'ዶ?

·         ዜናዊ ንጥፈታቱ ከመይ እዩ? መጽሔታቱ፡ ናይ ቲቪን ረድዮን ኣገልግሎታቱ፡ ናይ ዲጂታል ዓለም ሃለዋቱ፡

·         ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ትምህርቲ ኣበርክቶኡ ከመይ እዩ? 

·         ቀጻልነቱ ዘተኣማምን ድዩ? ድሕሪ መራሕቱ ክጸንሕ ይኽእልዶ?

·         ፊናንሳዊ ዓቅምታቱን ምንጭታቱን ከመይ እዩ?

·         ድልየትን ዓቕምታትን ዝወነነ ድዩ... ወዘተ ኣብ ዝብሉ መጽናዕታት ክካየድን ብኡ መሰረት መዐቀኒታት ክግበርን የድሊ።

እዚ  ክምዕብል ዝኽእል መዐቀኒታት ምስ ዝግበር፡   ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ  ኣበርክቶ ኰነ ውክልና ክንጸር፣ ኣብ ተሳትፎ ተወጺዕና፣ ተገዲዕና ወይ ተዋሲንና ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ ንኸይእቶ ምሓገዘ።

በቲ ክሳብ ሕጂ ክርአ ዝጸንሐ ግን፡ ኩሉ ዝተሓዋወሰ እዩ። ኣብ መሪሕነታዊ ትካላት ምቛም ብማዕረ ተባሂሉ ውክልናታት ይወሃብ፡ ኣብ ዕለታዊ ስራሕ ብማዕረ ዝሰርሑ ሃቡና ከበሃል ከሎ  ድማ ተወከልቲ ባእታታት ኣይርከቡን። ስለዚ ሓደ ሰብ ጥራይ ካሳብ ሰለስተ ወይ ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ሓላፍነት ይሕዝ። በዚ ድማ እብ ስራሕ ክውዕል ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ፡ ንቑጽ ቀለም ኣብ ወረቐት ከይኑ ይተርፍ። ኣብ ኣበርክቶ ክመጽእ እንከሎ ድማ ማዕረ ውክልና ክበሃል ጸኒሑ ድሓር ገንዘባዊ ወይ ጉልበታዊ ኣበርክቶ ይድለ ኣሎ ክበሃል እንከሎ ንሕና ዓቕሚ የብልናን ብማለት እታ ንእሽቶ ውድብ ኢና ትብል ግንዛቤ ሽዑ ትገሃድ።

ሓቀኛ ስራሕ ንኽዕመም በቲ ዝተኻእለ ፍትሓውን ሓቀኛን ናይ መዐቀኒታት ተረድኦ ክሰርጽን  ክትግበርን ይግባእ። እዚ ስለ ዘየሎ ግን፡ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ግዳይ ናይ በላ-ቤለው፡ ክኸውን፡ ኣብ ዘየድሊ ክርክር ክእቶ፡ ወይ'ውን ብዘይ ወድዓዊ ስያሜታት፡ ምኩሓት፣ ንሕና ኢና ጥራሕ በሃልቲ፣ ከምኡ'ውን ናይ ሶፋ ውድባት ወዘተ ብዝብል ክንግዛእን ካብቲ ዓቢ ስእሊ ከነንሻትትን ይከኣል እዩ።

5.   ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ውደባን ሲቪላዊ ውደባን ንጹርነት ናይ ኣረዳድኣን ስራሕን ዘይምህላው

ብመሰረት ስፍሓት ናይ'ቲ ኣርእስቲ ኣብ ዝርዝር ምእታው እኳ እንተዘይተደልየ፡ ብሓፈሻኡ ኣብ ኣረዳድኣ ኰነ ኣብ ዕማማት ናይ'ዚ ክልተ ሸነኻት ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣካላት ምትሕውዋስ ከም ዘሎ ግሁድ እዩ። ርግጽ፡ ኣብ ኤርትራዊ ሃለዋትና ንባዕሉ እቲ ናይ ሲቪላዊ  ምንቅስቓሳት ዕዮ መሰረታዊ ዕዮኡ፡ ፖሊቲካውን ሰብኣውን መሰላት  ዜጋታት ዘውሓሰ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ንምስሳኑን፡ ሓለዋ ምዃን፡ ሰላምን ጥዑይ ውድድርን ክህሉ ማእከላዊ ዓራቂ ተራ ዝጻወትን እዩ። ብሓጺሩ  ንባዕሉ ባህጊ ፖሊቲካዊ ስልጣን  ዘይብሉ ክነሱ ኣብ ፖሊቲካዊ ስልጣን ብልሽውና ከይተኣታቶ ዝቆጻጸር ኣካል እዩ። በዚ ክርአ ከሎ ፖሊቲካዊ ባህሪ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ገለ ሲቪላዊ ማሕበራት ድማ ብልክዕ ንዕማማቶም ሰሪዖም፡ ዓቢ ኣበርክቶ ሰሪሖም እዮም። ብሳላኦም እውን፡ ዓቢ መኽሰባት ተረጋጊጹን፡ ክርድኡ ዝግበኦም ኣካላት ህዝብና ተሓጊዞምን  እሱራት ተፈቲሖምን፡ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቦምን እዮም። የግዳስ ዓቢ ክፋል ናይ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ስሞም እንተዘይኰይኑ ኣብ ተዋስኦ ናይ ፖሊቲካዊ ውድባት ተጸሚዶም፡ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ገለ መድረኻት እውን፡ ብዝተሓዋሰ መልክዑ፡ ሲቪላዊ ስሞም ከይሓኸኹ፡ ወይ ናብ ፖሊቲካዊ ውድብ ከም ዝነጠሩ ከይአወጁ፡ ኣብ ናይ ውድባት ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝደየቡ/ ዝሓዀሩ ኣለዉ። እተን ውድባት ድማ፡ ከም ፖሊቲካዊ ደገፍ፡ ከም ተሓባበርቲ ናይ ዕላማታቶም ወይ ድማ፡ ኣንጻርቲ ካልእ ውድባ ኣብ ዝገብርዎ መኸተ ንምውፋሮም ኣብ ዙርያኦም ክጸንሑን ዝተፈላለየ ስልጣን ክዕድልዎምን ጸኒሖም እዮም። ከም መሳርሒ  ስለ ዝወስድዎም ድማ እቲ ሓቀኛ ስልጣን ከርክብዎም ኣይደልዩን፡ ናጽነቶም ክዕቅቡ እንተ ፈቲኖም ይስገጉ። ወይ ድማ ብዝኸፍአ መልክዑ እቲ ዘይንቡር ዝምድና ናብ ናይ ግርጭታት እቶን ይቕየር።  ከምዚ ዝበለ ኩነታት  መሰረታዊ ጠንቁ፡ ካብ ዘይንጹርነት ዝምድናታት ፖሊቲካዊ ውደባን ሲቪላዊ ውደባን ዝምንጩ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ "ናይ ህዝቢ ድሌት" ወይ ብኣንጻሩ "ናይ ስልጣን መሳልል" ብዝብል መሸፈኒታት  ክኒኡ ሰጊርካ ምፍታሽን፡ ካብ ዘይተመጻረየ ዝምድናታት ምርሓቕን የድሊ። ኩሉ ሸነኻት በቲ ተበጊሱሉ ዘሎ ዕላማ እንተተጊሁ ኣብ መንጎ ኩሉ ሸነኻት ድማ ዝተጸንዐ፡ ምትሕስሳብ ዘለዎ ዝምድናታት እንተተፈጢሩ፡ ናብ ሓድሽ ንዝድለ ለውጢ ከቀላጥፍ ዝኽእል መድረኽ  ምስግጋር ይከኣል እዩ።

6.   ኣብ ጉዳይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት  ደለይቲ ለውጢ ሓባራዊ ተረድኦ ዘይምህላውን፡ ኣብ ክንዲ  ኣድማሳዊ ደገፍ ናይ ውድባት ናይ መወዳደሪ  ባይታ ምቝጻሩ

ካብ ንውሕ ዝበለ እዋን ጀሚሩ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ምጥርናፋት፡ ብስም ደለይቲ ፍትሒ፡ ወይ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ወዘተ..  ፍሉይ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ጸጊዕ ዘይብሉ ህዝባዊ ጸረ-ምልካዊ ውደባታት፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ቦታታትን፡ ክቐውምን ክዓኩኽን ተራእዩ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ህልቂት ላምፐዱዛ፡ ናህሪ ወሲኹ፡ ዳርጋ ንመላእ ደላይ ለውጢ ክሓቁፍ ብዝኽእል መንገዲ ዕርድታት ደምበ ህግደፍ ከፍርስ ጀሚሩ እዩ። ኣብ ፖሊቲካዊ ውድባት ይሃሉ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ወይስ ብደረጃ ውልቀ ባእታታት ኣባላት ክጽንበርዎ ተራእዮም፡ ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ውድባት ንዝነበረ፡ ጋግ እውን ከጻብቦ  ተበጊሱ።  ይኹን'ምበር ነዊሕ ከይተጓዕዘ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድባት ዘሎ ፍልልያት ኣቡኡ ክንጸባረቕ ተራእዩ።  በብቦታኡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት እኳ ይኹን'ምበር ናይ እከለ ውድብ/ሰልፊ ስያሜታት ክወሃቦን፡ ህዝቢ ነኸይስዕቦ ገስጓሳት ክካየድን፡ ኣብ ገለ እዋን ድማ ውድባዊ/ሰልፋዊ ግርጭታት ዝዋስኣሉ ባይታ ክኸውን ተራእዩ። እዚ ተምክሮ'ዚ ብዓቢኡ ኣዳኺምዎ፡ ብዝወሓደ ድማ ነቲ ናህሪ ኣጕዲልዎ።  ዳርጋ ናይ ኩለን ውድባት  መርሖ  ለውጢ ብህዝቢ'ዩ ዝመጽእ ዝብል ኣምር ይርከቦ እዩ። ሰፊሕ ህዝቢ ክለዓዓል ክጅምር እንከሎ ግን ካብቲ ምልዕዓል ፍርሒ ዘሎ ይመስል። ስለዚ  ብደረጃ ውድባት/ሰልፍታት ብዛዕባ ሕኑን ህዝባዊ ምልዕዓላት ዘለወን መርገጻት ንጹርነት ክህልዎ፡ ሓባራዊ ደጋፊ  ኣንፈታት ክህሉ፡ ኣባላተን ድማ ከም ውልቀ ባእታታት ኣትዮም ክዋስኡን፡ ናይ ዘተን ምቅርራብን ባይታ ክገብርዎን ይድሊ።

7.   ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ውሳኔ፡ ናይ ሓድሕድ ምጥርጣር ምህላዉ

ኤርትራዊ ሽግራት ኤርትራዊ ፍታሓት ከም ዘድልዮ ንጹር ኰይኑ፡ ብፍላይ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዝምድናታት፡ ተሃዋስን፡ ንዝዀነ ጥርጠራታት ዝተቓልዐን ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ናጽነት ፖሊቲካዊ ውሳኔ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ነዚ ጥርጠራታት'ዚ ዝምግብ ክኸውን ኣይግባእን። ካብ'ዚ ዝተበገሰ ብፍላይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝህሉ ዝምድናታት፡ ንጹርነቱን ግሉጽነቱን ከጥፍእ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ናይ መን ቀረበ ወይ መን ረሓቐ ውድድራት ጥራይ ዘይኰነስ ኣሕሊፍካ ናይ ምውህሃብ ተግባራት ከሰንዮ ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብ ተግባራዊ ስራሕ፡  ፈተውትና ወይ ጐረባብትና ኣይደልይዎን ወይ ኣይፈትውዎን፣ እዚ እንተዘይተገይሩ ዝኣክል ምወላ ክረክብ ዝኽእል ምንቅሳቕስ ኣይክህሉን'ዩ ብማለት፡ ውድባት ውሽጣዊ ግርጭታተን ንግዳም ዘሳጥሓሉ፡ ኰነ  ድሌታተን ንምዕዋት ዝጥቀማሉ ናይ ተጽዕኖታት፡ ባይታ ኰይኑ ጸኒሑ። ነዚ ብዝምልከት፡ ምስ ጐረባብቲ ዝህሉ ዝምድና ብዝተጋህደ መልክዑ፡ ናይ ኤርትራዊ ልዑላውነት ዘረጋግጽ  ኢደ ጣልቃነት ዘየፍቅድ፡ መርሖ ምኽታል ናይ ኩለን ናይ ተቓውሞ ውድባት አዉጅ ፖሊሲ ክኸውን ይግባእ።

8.   ናይ ሕጂ ንሕጂ ናይ ጽባሕ ንጽባሕ ብማለት ናይ ጉዳያት ቅደም ተኸተል ክንሰርዕ ዘይምኽኣል

ኣብ ዘተ ኰነ ኣብ ናይ ምቅርራብ ፈተነ፡ መድረኻዊ ተደላይነቱ  ዝሓለወ ጉዳያት ጥራይ ኣይኮነን ዝለዓል።  ገለ ካብ'ቲ ጉዳያት ክሳብ ድሕረ ስርዓት ምልኪ ዝጸንሕን ኣብ ጉዕዞ እናተፈትሐ ዝኸይድን እዩ። ንናይ ሕጂ ስራሕ መሰረታዊ ዕንቅፋት ክሳብ ዘይኮነ ድማ ክውንዘፍ ዘየኽእሎ የለን። ግን እቲ መስርዑ ናይ ድሕሪት ንቕድም ብምምጻእ  ከም መሰረታዊ ስለ ዝቐርብ፡ ካብ'ቲ መትከላዊ ወይ መሰረታዊ ዝበሃል ኣርእስታት ኣውጺኡ ኣብ ናይ ክርክር ታኼላ ይሽምም።

ገለ ካብዚ ነጥብታት'ዚ

·         ጉዳይ ታሪኽ - ቦታ ታሪኽ ሕሉፍ ዩ። ኣብ ታሪኽ ዝተፈላለየ ግንዛበታት ክህሉ ድማ ባህርያዊ እዩ። ግን ንታሪኽ ክትመሃረሉ'ምበር ካብ ቦታኡ ኣልዒልካ ኣብ ህልው ኩነታት ምስ እተቐምጦ ከም መንደቕ ንጉዕዞኻ ክጋርድ     እንተዘይከይኑ፡ ክትቅይሮ  ኣይትኽእልን። ብዛዕባ ታሪኽ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተራእየ ተመክሮ ፈንጪሉ'ምበር ኣየስመረን። ክውንዘፍ ዝከኣል ምኻኑ ምርዳእ።

·         ጉዳይ ምምሕዳራዊ ምምቕቓል ኤርትራ፡  ጉዳይ ቅዋም፡ ጉዳይ መሬት ጉዳይ ባንዴራ ወዘተ ናይ ድሕረ ወድቀት ምልካዊ ስርዓት ዕማም'ዩ፡ ኣብ ህልዊ መድረኽ ብእንካን ሃባን  ክስገር ዘለዎ  ምዃኑ ምግንዛብ።

·         ጉዳይ ናይ ብሄራት መሰል ክሳብ ምግንጻል ዝብል ድሕሪ ውድቀት ምልኪን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ምትካልን ምዃኑ ምርዳእ።

9.    ሓባራዊ ባህሊ ስነ ምግባር ዘይሰሰነ ምዃኑ

 ዝኾነ ውድብ ይኹን ባእታ ዝዀነ ይኹን፡  ጉዳይ ኣልዒሉ ኣብ ሓቂ ዘይተመርኰሰ፡ ወይ ድማ ዝተሓሳሰቦ ብዘይብሉ መንገዲ ክዋሳእ ዕድል ዝህብ ሃዋህዉ ኣሎ። ሓሓሊፉ እውን፡ ናይ ምንጭታት ገንዘብ ምኽዕባት መደብ ይኸውን ኣሎ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝከኣል ነጥብታት

·         ጸለመታት

·         ጥርጠራታትን ዘይምትእምማንን

·         ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዘይተጻረየ ሓበሬታት ምዝርጋሕ ዝኣመሰሉ ኣለዉ።

እዚ ብስራሕን ብስነ ምግባራዊ ስምምዓትን ተሰንዩ ከም ባህሊ ክጥረ ዘለዎ ስለ ዝዀነ  ሓያሎ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንጥብታት እንተተፈቲሑ እዚ'ውን ኣሰሩ ክኽተል ይኽእል እዩ።

10.  ናይ ዘተን ዕርቅን መኣዲ ተብግሶታት ምጥርናፍ

መኣዲ ዘተ ዕርቅን፡ ንምእንጋድ ተብግሶታት ምውሳድ ሰናይን፡ ዓቢ ትጽቢት ክንበረሉን ዝኽእል እዩ። እዚ እውን ኣብ ክንዲ ናይ ምቅርራብ ናይ ምርሕሓቕ ንከይከውን ምጥንቃቕ የድልዮ። ከምቲ ዝበሃል  እቲ ድፍኢት "ንዝተማህዘ መንኮርኮር ክብ ምምሃዝ" ብምቁጣብ ነቲ ድሮ ዝተማህዘ ምምዕባልዩ ክከውን ዘለዎ፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ኤርትራ ብፍላይ ናይ ዲያስፖራ ኤርትራ፡ ኣውራ ኣብ ሳይበር ስፐይስ ካኣባዊ መልክዕ ዘለዎ ክመስል ናይ ትግርኛ ናይ ዓርብኛ  መርበባት፡ ኣዝዩ ድኹም ብዝኾነ መልክዑ እዩ ዝጐዓዝ ዘሎ። ነዚ ጉዳይ ምልዓሉን ምውህሃዱን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ብድሆ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ዕርቂ ተበግሶታት በብዘለዎ ክብገስ ባህርያዊ እኳ ኣንተኾነ፡ ክራኸብን ከወሃሃድን መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ናይ ዘተን ዕርቅን እዩ። ኣብ ፕረቶርያ፡  ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተጋህደ ተበግሶታት፡ ሓደ ነቲ ካልእ ዝምልእ እምበር፡ ነቲ ካልእ ንኸድክም ዝመጸ ከይኑ ንኸይርአ፡ ዕቱብ ስራሕ የድልዮ።

ካብ'ዚ ጸገማት'ዚ ንምውጻእን ታሪኻዊ  ነባሪ መስመር ደምበ ደለይቲ ለውጢ ብምርግጋጽ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዓወት ንምርግጋጽን እንታይ ክግበር ኣለዎ? 

 ብመሰረት እቲ ናይ'ዚ መጋባኣያ'ዚ ርእሰ ነገር፡ " ሃገራዊ ጸዋዒት ንሓባራዊ ዕዮ፣ ለውጥታትን ብድሆታትን ደምበ ተቓውሞ" እንታይ ክግበር የድሊ ንዝብል ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም  ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ብርእይቶና፡  ሓፈሻዊ ሓባሪ ነጥብታት ኣቐሚጥና ኣሎና። ፍሉይ ኣትኩሮ ንምግባር  ብዝጥዕም መንገዲ ንምቕራቦም ድማ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንጠቅስ።

I)     ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ፡ ዝርአ ፍልልያት፡  ውድድራት፡ ብባህሪኦም ኣይዲዮሎጅያዊ ይኹኑ ፖሊቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወይስ ታሪኽ ጠቀስ ጉዳያት፡ ኣብ ወግዓዊ ቦታኦም ክዝረበሎም፡ ናይ ምንቃፍ ናጽነቶም ድማ ብግሉጽነት ኣብ ሓቂ ዝተመርኰሰ ጭብጥታት ብዘለዎን ክኸውን፡ ክስርሓሉ፡ ኣብ ዝኽእል ውዕላት ክእቶ።

II)    ኣብ ደምበ ተቓውሞ  ዝተፈላለየ፡ ክሳብ ድሕረ ስርዓተ ኢሳያስ ነናቱ ፓርትታት ሒዙ ክቕጽል ዝኽእል ተረድኦታት፡ ኣተሓሳስባታት  ምህላዉ፡ ከም ወድዓዊ ክውንነት ፖሊቲካ ኤርትራ ብምውሳድ፡ ምቕባሉን፡ ኣብ ክሊ'ዚ ኩነታት ክትሰርሓሉ እትኽእል ሓባራዊ ግንዛቤ ምምዕባልን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ተመሳሳሊ መደባት ዕዮ ዘለዎም፡ ሸነኻት፡ ኣብ ዕቱብ ዘተ ክኣትዉ ዘኽእሎም  ባይታታት ክፍጠረሎም። ከም ናይ መጀመርያ ዕማም መሰረት  ድማ ኣብ ኣረኣእያታት ምቅርራብ ዝተመርኰሰ፡ ግንባራት ወይ ምሕዝነታት  ወይ ምንቅስቓሳት ከም ዝፍጠር ምግባር ምጽዓር።

III)   ኣብ ክሊ'ዚ ኣብ ቁ. II ዝተቕሰ ነጥቢ፡  ደምበ ተቓውሞ ፍልልያቱን ዘዛምዶ ነጥብታትን  ዕማማቱን ብዛዕባ ምርዳእ፡ ዝሓሸ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ፡ ኣብ መንጎ'ቲ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዘለዎ ምሕዝነታት ወይ ሸነኻት፡ ብዛዕባ ናይ ዝተሓተ ፕሮግራም መደብ ኣብ ዕቱብን ናይ ሕድሕድ ምክብባር ዘለዎን ሰፊሕ ምርድዳእ ንምብጻሕ መኣዲ ዘተ ምኽፋትን፡ ብኡ መሰረት ተኣማንነት ዘጥረየ፡ ናይ ሕድሕድ ረብሓታት ዝሕሉ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዕላማታቱ ዘነጸረ  ዘየጓኒ፡ ሰፊሕ ኤርትራዊ ጽላል ምምስራት።

IV)  ናይ ዘተን ዕርቅን ተበግሶታት፡ ከምዚ ዘለዎ ኣብ ዝተፈላለየን፡ በብዝመስሎን ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፡ እዚ ተበጊሱ ዘሎ ዕማማት፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ፡ ናብ ዘየድሊ ምስሕሓብ ንኸይኣቱ፣ እቲ ኣብ ውድባት ዝተራእየ መሪር ናይ ምፍንጫል ተመክሮ፡ ኣብ ውሽጡ እውን ንኸይድገም፣ ወይ በዚ ይኹን በቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ፍሉይ ውድብ ወይ ውድባት ኣትዩ ብማለት ብጭብጢ ይኹን ብዘይተጨበጠ ክስታት ንከይምረዝ፡ ናብ ሓባራዊ ሃገራዊ ተበግሶ ክምዕብል ኣብ ልዝብን ዕዉት ተግባራዊ ስራሕን ከም ዝኣቱ ምግባር። ኣብዚ ነጥቢ'ዚ ክንጸር ዘድልዮ፡ ፍሉይ ተበግሶ ንፍሉይ ዕማም ኣይሃሉ ማለት ኣይኰነን፡ ንኣብነት ብሄራዊ ውድባት ጥራይ፡ ወይ ሃይማኖታዊ ውድባት ጥራይ ወይ ዓልማናዊ ውድባት ጥራይ ንኸራክብ ወይ ንኸስምር ዝብገስ  ምንቅስቓስ ብመሰረት ፍሉይ ዕማሙ፡ ናይ ግድን ኣብቲ ሃገር ሓቆፍ ተበግሶ ዝገብር ዘሎ ምሕዝነት ክኣቱ፡ ግዱድ ዘይምዃኑ እዩ። ንጹር ኣሰራርዓ ናይ ዕማማት እንተሎ፡ ግዜ  ከሕጽር ዕዉት ስራሕ ድማ ከሰላስል ይከኣል እዩ።

V)    ኣበየ ቦታኡ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት፡  ከም ናይ ዲሞክራሲ መጫጭሒ፡ መስርሕ ክእመነሉን፡ ብወግዓዊ መንገዲ፡ ኩሉ ሸነኻት ደምበ ተቓውሞ ክድግፎን፡ ክሕብሕቦን፡ ምቅላስ።  ጽልዋታቱ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ንክዓኩኽ፡ ብሃገር ደረጃ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ዘኽእሎ ባይታ ንኽፈጥር ድማ ኹሉ ዝከኣል ደገፋት ክግበረሉ። በዚ ተረድኦ'ዚ መሰረት ኣንጻሩ ዝካየድ ወፈራታት ጠጠው ክብል ጻዕርታትን ናይ ሓባር ተረድኦን ምጥራይ።

VI)  ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ዝብሕቶ እምበር ሕጋዊ ህዝባዊ ስልጣን የለን። ስለዚ ቀዳማዊ ዕማም ናይ'ዚ መድረኽ'ዚ፡ ሕጋዊ ህዝባዊ ስልጣን ንምትካልን ምስሳኑን ምቅላስ እዩ። ስለ ዝዀነ ፖሊቲካዊ ውድባትን  ሲቪላዊ ማሕበራትን ብሓባር ክዋስኡሉ ተደላይነት ኣለዎ። እቲ ጸገም ኣብ ምትሕውዋስ ዕማማት ብምዃኑ ግን፡ ንባህርን  ተራን፡ ዘነጸረ፡ ኣብ መንጎ ፖሊቲካውን ሲቪላውን ውደባታት ምትሕብባር ዘኽእል ንጹር ተርድኦ ምጥራይ።

VII) ሓባራዊ፡ ቅቡል ዝዀነ መራሒ ካርታ ክሳብ ውድቀት ምልኪን፡ ኣብ ድሕረ ምልካዊ ስርዓት ዝህሉ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ መደባትን ብዝተጸንዐ መንገዲ ንምቕራብ፡ ዕቱብ ቀጻሊ መጽናዕታት ምክያድ። ኣብዚ ንምብጻሕ ድማ፥

·         ኣብ ህልዊ ኩነታት  ኤርትራን፡ ሒዛቶ ዘላ ኣሰካፊ ኣንፈታትን  ዘሎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት፡ ብምጽባብ ሓባራዊ ተረድኦ  ከም ዝጥረ ምግባር

·         መተካእታ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡  እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ሓባራዊ ግንዛቤን ራእይን ከም ዝፍጠር ምግባር

·         ካብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ (ምልካዊ ስርዓት) ናብ ተመራጺ መተካእታ (ዲሞክራስያዊ ስርዓት) ብከመይ ይከየድ፡ ናይ ሓባር ህዝባዊ ቃልሲ ጉዕዞ ምትላም የድሊ።

ነዚ ዕማም'ዚ ንምስልሳል ከኣ፡ ኣብ መደባት ዕዮ ውድባት፡ ኰነ በብሸነኹ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝቐረበን፡ ክቐርብ ዝኽእልን መጽናዕትታት፡ ብምእካብ፡ ጽፉፍ ምስንዳእ ምግባር።

ናይ ሃገራዊ ዘተ ምጥጣዕ ተበግሶ እናነኣድና፡ ዕዉት ኮነፈረንስ ክገብረልና ንምነ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

__________________________________

ምልክታ ንእንበብቲ፥

1. እዚ ጽሑፍ'ዚ ብምሉኡ ክንበብ ዕድል ስለ ዘይነበረ ብጽሑፍ ከም ዝዕደል ተገይሩ።

2. ብተወሳኺ እዚ ስዒቡ ዘሎ  ብ 2010 ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ቀሪቡ ዝነበረ ርእይቶ ሰልፊ  ብዛዕባ መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራን፡ ካልእ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘሎና መርገጺታት ዝገልጽ ሰነዳትን ተዘርጊሑ

Last modified on Saturday, 01 November 2014 04:12