ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ካብ ዝጭወ ድሮ 3 ዓመታት ኰይኑ

2015-02-21 18:01:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2727 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ): ዝኾነ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም: ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ሃለዋቱ ካብ ዘጥፍእ እንሆ ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ  ኣቝጺሩ። ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ካብ ኣጋ ንግሆ ዕለት 14 ለካቲት 2012 ኣትሒዙ ኢዩ ድሃይ ዘጥፍኤ።

ናይ መጭወይቱ ገበን በቲ ኣብ ኣስመራ ዝዓስከረ ጒጅለ ጥፍኣት እተኻየደ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ: ብርግጽ ኣበይ ከም ዘሎ ክሳዕ ሎሚ ብዘይካ ቤላ-በለው ብጭብጢ ክፍለት እተኻእለ ነገር የልቦን። ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ናይ ቃልሲ ብጾቱን: ዝገብርዎ ጠፊእዎም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይነብሩ ምህላዎም ርዱእ ኢዩ።

ከምቲ ብኣግኡ እተሓበረ: መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ምሉእ መዋእሉ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ ወዲ ሃገር ኢዩ። ኣብ ከባቢ 17 ዓመት ዕድሚኡ ብመጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ብ1970 ናይ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ፣ ብ1973 (ኣብ ውግእ ገረግር ከይተረፈ) ናይ ሓይሊ 161፣ ብድሕሪኡ ከኣ ኮሚሽነር ሓይሊ ኰይኑ ኣገልጊሉ። ብ1976 ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ኮርስ ኣብ ደማስቖ ድሕሪ ምስታፍ ብመዓርግ ሙላዝም/ተነንተ ተመሪቑ ንሜዳ ኤርትራ ተመሊሱ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ነታ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ/ፍዳእይን ኣብ ከበሳ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳዕ 1978 መሪሑ። ቀጺሉውን ክሳዕ 1980: ኣብ ትሕቲ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ነታ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ናይ ብሪጌድ 61 መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ  ናይ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ናይ ሕድሕድ ውግእ: ብሚያዝያ 1982 ኣባል ግዚያዊት ሽማግለ: ብ1983 ከኣ ኣባል ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ። ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት/ሸነኽ ሳበ ስምምዕ ድሕሪ ምእታዉ: ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት/ክንፊ ጃስር ምስ ሓያለይ  ብጾቱ ተኣሲሩ። እቲ ሓይሊ ብዓል ጃድር ብህዝባዊ ግንባር ምስ ተተቕዐ ከኣ ከም እሱር ናይ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ክሳዕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምርጫ ምኻድ ምስ ተዋህቦ ከኣ ንሱዳን ተመሊሱ ምስ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ቃልሲ ቀጺሉ። ካብ 1995 ክሳዕ ጊዜ መጭወይቱ ከኣ ከም ኣባል ባይቶን ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ብምዃን ኣብ ክብ ዝበለ ጽፍሕታት መሪሕነት ቃልሲ ተቓውሞ ጸኒሑ።

ከም ዝፍለጥ: መቓልስቲ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ዝነበረኡ: ብጾት ወልደማርያም ባህልቢን፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይ)፡ ካብ ሱዳን ተጨውዮም ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ይበልዩ ከም ዘሎዉ ዝፍለጥ ኢዩ። ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ስዑ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ክልቲኦም ብጾት ብ26 መጋቢት 1992 ተጨውዮም ሃለዋት ካብ ዘጥፍኡ እንሆ 23 ዓመታት ሓሊፉ።

                          

Woldemariam and Wodi bashaiኣብ ውሽቲ ዘሎናዮ ወርሒ: ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጒዳይ እዞም ኣብ ዝለዓለ  መሪሕነታዊ ጽፍሒ ደንበ ተቓውሞ ከለዉ ድሃይ ዘጥፍኡ ሰለስተ መራሕትን፣  ናይ ካልኦት ኣብ ቃልሲ ከሎዉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ እተጨውዩ ኣባላትን   ኣስማት ምስ ኣድላይ ጸብጻባቱ ኣብቲ ቈይሙ ዘሎ ናይ ምርመራ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ዓለም  ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

  

Last modified on Saturday, 21 February 2015 19:09