ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዞባዊ ኣኼባኡ ኣክይዱ

2014-12-11 19:00:49 Written by  ሰደህኤ - ዞባ ሰሜን ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3102 times

 ሰደህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ድሕሪ’ቲ ብመስከረም 27 – 28, 2014 ዓ.ምኣብ ከተማ ቺካጎ ዘካየዶ 3ይ ዞባዊ ዕዉት ጉባኤኡ፣ ብናይ ስልኪ ዋዕላ ንዅሎም ኣባላቱ ዘሳተፈ ቀዳማይ ዞባዊ ኣኼባኡ ብ 7 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ኣሰላሲሉ። ኣኼባ ዝኸፈተ  ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ፣ ወልዱ ነጋሲ፤ ንምይይጥ ተቐሪቡ ዘሎ ዛዕባታት ብዝርዝር ድሕሪ ምሕባር፤ ብቐዳምነት ግን ኣብ ኣኼባና ተሳቲፎም ዘለዉ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰደህኤ፣ ብዛዕባ ሰልፍና ሒዝዎም ዘሎ ዕማማትን ዘሰላስሎም ዘሎ ንጥፈታትን፣ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘጠቓለለ ሓበሬታን መብርህን ምእንቲ ክህቡና መድረኽ ንዓኦም ኣረከበ።

ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስርርዓዊ ጉዳያትን፣ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼብኡ ዝመዘኖምን ዝወጠኖምን መደባት መሰረት ብምግባር ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቡ። ሰልፍና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዕማማት ዝያዳ ይነጥፍ ከምዘሎን፣ ኣብ ተቓውሞ ደምበ ብፍላይ ምስቶም ብራኢ ዝቀራረቡና ሓይልታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ጽዑቕ ርኽክባትን ልዝብን የካይድ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ። ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ህግደፍ፣ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ምረት ናብራን ስቓይን ብምሕባር ስርዓት ኢሳያስ ብውሽጡ ቦኽቢኹ ኣብ ገምገም ውድቀት ትልኽ ዝብል ዘሎ ንምልጋስ ቃልስና ከነዛይድ ከምዘሎና ኣዘኻኺሩ። ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልስታት ሂቡ።

ወልዱ ነጋሲ ዞባ ሽማግለ ተመያይጡ ዝቐረቦም ዛዕባታት፤ ዕማማት ናይ ኵለን ኣብያተ ጽሕፈት ሰልፍና ዝሓቖፈ ኰይኑ፣ ጨናፍር ዞባና ኣብ ዘዝነብራሉ ከባብታት ዕቱብ ምንቅስቓስ ከካይዳሉን ክትግብርኦን ከምዘለወን ብስም ዞባ ሽማግለ ኣዘኻኺሩ። ብምቕጻል ነቲ ንጥፈታት ዝመርሓ ናይ ዕማም ሽማግለታት ቆይመን ከምዘለዋ’ውን ሓቢሩ። ኣባላት ዞባ ሽማግለ ነንዝመልከቶም ቤት ጽሕፈት ወኪሎም ኣብ ርእሲ’ቲ ወልዱ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ ኣቕሪቦም። ኣባላት ኣብ ዝቐረበ መደብ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶን ብምቕራብ ዓሚቝ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ፣ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ምኽትል ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፍስሃየ ሓጎስ፣ ድሕረ ባይታ ናይ’ቲ  ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ኣገልግሎትን ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ዕማም ቤት ጽሕፈት ንኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ብፍላይ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ህጻናትን መንእሰያትን ኣገልግሎት ትምህርትን ረድኤታዊ ንጥፈታትን ምክያድ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ መደብ’ዚ ክዕወትን ዝሰፍሐ ኣገልግሎት ከቕርብን ግን ናይ ንዋትን ገንዘብን ካብ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ውልቀ ለገስትን ክርክብ ምስ ዝኽእል ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣባላትን ጨናፍርን ሰልፊ ነዚ መደብ’ዚ ከዐውቱ ጻዕርታቶም ከዛይዱ ኣተሓሳሲቡ።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት

ፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት’ዩ

ሰደህኤ - ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

7 ታሕሳስ 2014

Last modified on Thursday, 11 December 2014 20:20