ብኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ዝተጸውዔ ናይ ጥምሮ ኣብያተ ስሕፈት ሃልፍትን ካድራትን ሰሚናር ተኻይዱ

2014-12-10 19:35:58 Written by  ሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ኽፍለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3601 times

ብዕለት 07-12-14 ብኣቦወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ዝተጸውዔ ሰለስተ ቤት ጽሕፈታት

  1. ቤት ጽሕፈት ኣበወንበር 2) ቤት ጽሕፈት ሉኡኽ ወጻኢ ጉዳያት 3) ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህሊን ፣ኩለን ሓለፍቲ ትካላት ሚዲያ ሰልፊና እውን ዝተኻፈልዎ፣ ሓቢርካን ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዝብል መደብ ዕዮ ዝኣመተ ሰሚናር ተኻይዱ።

ኣቦወንበር ሰልፊ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ኣብ ኣኼባ ተረኺቦም ዝነበሩ ኣባላት ሕውነታዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ንኣኼባ መጸዊዕዑ ምኽኒያት እቲ ድሕሪ ነዊሕ ግዜታት ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈታትናን ትካላታትናን፣ ብመደብ ዕዮ ሰልፍና ተመርዂሰን ዘካየድኦ ገና እውን ዘካይድኦ ዘለዋ ኑጡፍ ውድባዊ ስርሓት ኽምስገን ዘለዎ እኳ እንተኾነ፣ ግዚኡ ገምጋም እንግሀብረሉን ኣብ ተሞክሮና ተሞርኲስና ምምሕያሽን ተሞክሮታትና እንላዋወጠሉ ኣብ ስርሓትና ምትሕግጋዝ ኣንገብረሉ ሓዲሽን ሃናጽን መደበ-ዕዮ እነተኣታትወሉ ይጠቅም ብምባል ቤት ጽሕፈታትና ትካላትናን ንምውህሃድ ኣብ 3 ጥምሮ ምትእኽኻባት  ኸፊልናዮስ እንሆ እዚ ሎሚ ጸዊዕናዮ ዘለና ናብኡ ዝዓለመ እዩ ኽብል ኣብሪሁ ። ዘረባኡ ብምቕጻል፣ቅድሚ ኣብቲ ርእሲ ነገር ምእታው ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣነ ኣብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ፣ሓው ወልደየሱስ ክኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንርከብ ከም ዘለና ኩሉኹም እትፈልጥዎ እዩ። ብወገነይ እቲ ምስ ግዜን ኩነታትን ኽግበር ዘለዎ ዑደት ብምምርኳስ፣ዕድመ ብጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበሩልና ምስ ሓው መሓመድ ድራር ኣኬባ ምስ ኣባላትና ሰሚናራት ምስ  ዜጋታትና ወይ ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ክፋል ህዝብናን ውድባትን ውልቀ ሰባትን ምስ ሰልፍታትን ባእታትት መንግስታውያን   ኣካላት ብሪጣንያ ወይ ኣማሓደርቲን ዘካየድናዮ ርክባት ጹቡቕ ውጺኢት ሂቡን ይህብን ኣሎ፣ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ዑደት ኣብ ሙሉእ ኤውሮጳ ፣ኣመሪካ ፣ኣውስትራልያ፣ኣሲያ፣ኣፍሪቃ ኽግበር ዘለዎ ኢልና እናኣምኖን እንደልዮን እኳ ይኹንምበር ምስ ግዜን ምቅርራብ ዞቦታትና ፣ኣብ ዓቕምታት ትሕዝቶና ዝተሞርኮሰ ኸም ዝኾነ ኹላትና እንግንዘቦ እዩ።

ሓው ወልደኢየሱስ ዓማር በቲ ን15 ሃገራት ዝውከል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (Southem African Development Community/SADC) ዝተገብረልና ዕድመ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፣ ኣባል ኣዋሃሃዲ ኣካል ኤርትራዊት መድረኽ ንዲሞክራስያዊ ዘተን ወይዘሮ ሳልዋ ኑር ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሳኢት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካብ ወሽመጥ ዓረብ፣ዝተኻፈልዎ ኹነታት ህዝብና ፣ግብሪ ውልቀ -መላኺ ስርዓተ ኢሳያስ ብደቂቕን ንጹሩን ኣብሪሆምስ ኽዋሃብ ዘለዎ ደገፍን ንተግባረ ዲክታተራዊ ስርዓተ ኢሳያስ ንምግላጽን ኣብ እቲ ዘድሊዮ ኢንስቲትዩሽን ምምልካትን ኽዝተዮ ኽንጽዕር ዝብል ፖለቲካዊን ሞራላዊ ደገፍ ረኺቦም ኸም ዘለለዉ በቲ ቐልጢፉ ዝማሓላለፈልና ሪፖርታጅ ይበርህ፣ ገና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ምንቅስቃሳት ኸምኡ ዜጋታት ኤርትራዊያን ኣኸባታትን ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ርክባት ንምግባር ይቕጽል ኣሎ ኣወንታዊ ውጽኢት ኽርከብ ዘለና ትምኒትን እምነትናን እዩ።

ብወገን ዞባታትናን ኑኡሳት ዞባታትን ጨናፍርናን እውን ጹዑቕ ስርሓትን ጉባኤታተንን ኣኼባታትን ገምጋም ስሪሓተን ብምክያድ ፣ምቅርራብ ንዝመጽእ ጉባኤና ፣ፈስቲቫልና፣ ኸምኡ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ናይ ምቅርራብ ጉዕዞ ተጀሚሩ ኣሎ ኽብል ኣብሪሁ። ብምቕጻል ኣቦ ወንበር ሓደ ሰፊሕ ፕሮግራም ናይ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን ናይ ዜናን ባህልን ዝርዝር ኣንቢቡ ናብ ኹላትና ኽበጽሕ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ድሕሪ ብጽምዋን ጥንቃቐን ምስማዕ ቓል ኣቦ ወንበር ንዝቐረበ ሓበረታን ሓድሽ ምትእትታው መደብ ዕዮ ኣድንቖትን ንተሞክሮታትናን ኣብ ስራሕ ምትሕግጋዝ ኣዚዩ ጠቓሚ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ካብ ዝቐረቡ ርእይቶ ንምጥቃስ ስጋብ ሕጂ ዝርኤ ዝጸንሔ ጻዕሪ ቤት ጽሕፈታትና ትካላታትና ኑኡድ እኳ ይኹን እምበር ተሞክሮታት ምልውዋጥን ምምልላእ ወይ ምትኽኻእ ንስርሓትና የሳልጥ ጥራይ ዘይኮነስ ብቦታ ዝኣክል ተራሓሂቕና ዘለና ሳላ ምዕቡል መራኸቢ ቡዙሃን ኽንቃራረብን ኣብ ስራሕ ተራኺብካ ኣጸቢቕካ ክትላለ ዝሕግዝ፣ ብሓቂ ዝንኣድ ሓሳብን ኣጋባብ ስራሕን እዩ ዝብል ነበረ።

ካብቶም ዝተረዳዳእናሉ ነጥብታት፣

1) ኩሉ ፕሮግራማት ነቲ ቐዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ኣለሊኻ ብምኽፋል ውሱን ግዜ ብምሃብን ጽብጻባት ስርሓት ኽቐርብን ንቕድሚት ዝኸደሉ ወይ ዝስጉመሉ ኣጋባብ ኽሕዝ ምግባር።

2) ኹሉ ዝስራሕ ስራሕ ደቒቕ ጸብጻብ ውሽጣዊ ኮይኑ ንደገ ዝወጽእ ኸም ዜና፣ ሪፖርታጅ ፣ ሓቤረታ ምትሕልላፍ፣ንስራሕ ሰልፍና ምስ ህዝቢ ምልላይ ኣገዳሲ እኳ ይኹንምበር እንጽሕፎ ሕጽር ዝበለ ክኸውን እቲ ዝተመርጸ እዩ። ኹሎም ወረ ዘመሓላኪፉ ካብ ተገዳስነት ልምድን ዝነቐለ ድኣምበር ሞያኛታት ወይ ናይ ጋዜጣ ኺኢላታት ስለ ዘይኮና ንዓቕምታትና ምድላብ የዲሊ እኳ እንተኾነ ሰልፍና ብጨናፍሩ ኣቢሉ ኣብቲ እንነብረሉ ሃገራት ብምድህሳስ ንመንእሰያትና ዕድል ትምህርትን ንስርሓትና ኽኣ ብኺኢላታት ኽስራሕ ዝጠቅም ዓውዲ ስራሕ ኸነማልእ ስል ንኽእል ንምምላኡ ኽንጽዕር ኣለና ዝብል ሓሳባት ቐረበ።

3) ዓውደ-መጽናዕቲ (workshop) ኽንገብርን ኣብ ስርሓትና ኣወንታዊ ምትሕግጋዝን ምምልላእን፣ ጽፉፍ ኣጋባብ ኣሳራርሓ ኸነኻይድ፣ ፍልጠትና ኽምዕብልን ውጺኢት ስርሓትና ኣዕጋቢ ክኸውን ምእንቲ ኸም ስራሕ ኽንትሓሓዞ ኣለና ዝብል ሓሳብ እውን ሰሚሩሉ።

4) ናይ ኹላትና ኢ-መይል፣ ስካይፐ ብምልውዋጥን ንኹላትና ዘራክበና ቦታ ኽንገብርን ኽንጥቀመሉ፣ ቑልጡፍ ሓቤረታት ኽንላዋወጥን ጡርኑፍ ኣሳራርሓ ኸነታኣታቱ እዩ ድልየትና ።

5) ኣዚ ሓዲሽ መራኸቢ ቡዙሃን ከም ትዊተር፣ ፈይዝ ቡክ ፣ይቱብ ኻልእ ሓደስቲ ዝወጹ ናውቲ፣ ቢፍላይ መንእሰያትና ምስ መዘናታቶም ክራኸቡን ከም እዋኑ ዝጠልቦ ሙዕቡል ኣጋባብ ክጥቀሙ ክንታሓባበሮም ኣለና ኽብል ኣኼባ ተደምደመ።

  ሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ

 ፍትዊ ኽፍለ

Last modified on Wednesday, 10 December 2014 20:40