ቀጻሊ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብሓውተስፋኣለም ኣርኣያ ዝቐረበ መደረ

2014-12-07 18:30:36 Written by  ኣዋሃሃዲት ፓል ሓርነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3281 times

 

ብዕለት 29-11-2014 ኣብ መስኮት ሓርነት ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ዓንድታት ዲሞክራሲ ዝብል መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ኣርኣስቲ ሒዙ ቀሪቡ። እቲ ቅድም ክብል ብዕለት 15-11-2014 ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ዓንቀጽ ንሰማዕቲ መስኮት ሓርነት ቀሪቡ ሰፊሕ መግለጺ ብዛዕባ እንታይነት ዲሞራሲ ክገልጽ ከሎ፡  ነዚ ሰፊሕን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ  ኣብ እዋንናን፡ ጌና እውን ንዝመጽእ ህዝብታት ዝዛተየሉን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንምምዕባሉ ዘጽዕሩሉን ዝጽዕሩን ዘለዉ ጸሚቝካ ናይ ምቕራቡ ኣብ ክልተ መቒልዎ ከምዝነበረ ይዝከር እዩ። ንሳተን ከኣ ፡-

           1) ዲሞክራሲ እንታይ ማለት እዩ

           2) ዓንድታት ወይ መቖሚታት ዲሞክራሲ እንታይ ይመስሉ።

ቀዳማይ እንታይ ማለት እዩ ዲሞክራሲ ፤ኣወዓዕልኡኸ ዝብል  ምስ ኣመጻጽእኡን ጥቕሙን ዋንነቱን ብሰፊሕ ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ብሩህ ኮይኑ፣ ብዕለት 29-11-2014 ከኣ እቲ ካልኣይ ነጥቢ ዓንዲታት ወይ መቖሚታት ዲሞክራሲ ዝብል ብሕጽር ዝበለ ገይሩ ኣቐሪብዎ። ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክግለጽ ከሎ ስልጣን  ናይ ህዝቢ ኮይኑ ህዝቢ ከኣ ብፍላይ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ክፍለ ዘመን ብምርጫኡ ኣቢሉ ንውሱን ግዚ ስልጣን  የስረክብ ድሕሪ እቲ ዝተመደበ ግዜ ከኣ እቲ ስልጣን ተቐቢሉ ዝነበረ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ ይመልሶ። በዚ ኣገባብ እቲ ስልጣን ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝብል ኣገባብ ይካየድ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣሰራርሓኡ ሕገ-መንግስቲ ከም ናይ መንግስቲ መሳርሒ ኮይኑ ይሰርሕ።

ትርጉምን መዝን ሕገ መንግስቲ እስከ ንርኤ፡

ናይ ብላክ (Black) ናይ ሕገ መንግስቲ መዝገበ ቃላት ንሕገ መንግስቲ ከምዚ ዝስዕብ ትርጉም ይህቦ። ‘’ናይ ሃገር ወይ መንግስቲ መሰረታዊ ሕጊ ናይ ኣመሓዳድርኡ ዓይነትን፡ መንፈስን ዝምድብ ውሽጣዊ ናብራ ምስ ሕገ-መንግስቲ ዝሳማማዕ ቀንዲ መትከላት ዝሰርዕን፡ ምምሕዳር ወዲቡ ዝሰርዕ፡ ንኽፍልታት መንግስቲ መዝታት ዝኸፋፍልን ዝውስንን፡ ናይ ልኡላውያን መንግስታት ስርዓትን ኣገባብን ዝገልጽ ስልጣኑ ካብ ህዝቢ ዝኾነ ዓይነት መንግስቲ ’’ እዩ።

ብሕጋውን ክለሳ-ሓሳብን ኣረኣእያን ሃንስ ከሰን (Hans Kelsen) ድማ ከምዚ ገይሩ ይገልጾ፤

‘’እቲ ናይ እወንታዊ ሕጊ ዝለዓለ ደርቢ ቅዋም እዩ፡ ሓፈሻዊ ሕግታት ንምፍጣርን ስርዓቱ ንምምዳቡን ቀንዲ መዙ እዩ። ሓፈሻዊ ሕግታት ተኣኪቡ ሕጋገ ይበሃል። ሕግታት ክሕገግ ከሎ ፡ትሕዝትኡ ዝምድብ ዘፍቅድን ዝእግድን ነገራት ዝውሰን ቅዋም እዩ’’።

ቅዋም ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ሓደ ዓቢ ኣካል እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ብዓይኒ ጥርጠራ ዳርጋ ጽልኢ ጌርና እንሪኦ ዘለና ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዲሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን ኣገደስቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝቅበልኦ እዩ ወይ እየን። ብወገን ህዝቢ ከኣ ናይ ምቁጽጻር ካብ ቅዋም ከይወጽእ ብሲቪካዊ ማሕበራትን በተን ናጻ ዝኾና ማዕከናት ወይ መድያ ይከታተልን ኣወንታዊን ኣሉታውን ገምጋም ስርሓትን ይመዝንን ይፈርድን።

ኣብ  ስልጣኑ ዝተስረከበሉ እዋን ከኣ ናይ ምርጩኡ ግደ ይጻወት።ብተወሳኺ ህዝባዊትካላቱ ፈራዲ ኣካል ‘ውን ናይ ምቊጽጻር ስርሑ የካይድ። ኣብ ርእሲ ስራሕ ናይ ፍርዲ ምክትታል ሕግታት- ስራሓት መንግስትን ካልኦት ምምሕዳራትን ዝካየድ እውን ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ዲሞክራሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ። ተመሊስና ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ክንብል ከለና ከም ቃል ሕጂ እውን ኣብ ናይ ወብስተር (Webster) መዝገበ ቃላት ነታ ብቋንቋ እንግሊዝ ኮንስቲቲትዩት (To constitute) ምቛም እትብል ቃል ጠርናፊ፡ ስሩዕ እርናበ ወይ ኣቘመ ኢሉ ይትርጉማ፡ ማለት ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ተኣርኒቡ ዝቘመሉ ኣገባብ የስምዕ። መብዛሕትኡ ቅዋማት ሕገ-መንግስቲ ካብ ኩሉ ዝለዓለ ሕጊ ናይታ ሃገር ከምዝኾነ ብግልጺ ወይ ብምእማት ይንገር። ግናኸ ሕጊ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን እዩ፣ ምባል ጥራይ እዚ ቅዱስ ሕገ-መንግስቲ እዚ ቅኑዕ ምስ ሕጊ ዝሰማማዕን ምዃኑ ዘረጋግጽ ዋሕስ ኣይክኸውንን እዩ። ስለዚ ሓደ ቅዋም ኣብ ወረቐት ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ናይ ህዝቢ ንቕሓትንምቅርራብንንመሰላቱ ዝሕልው ትካላት፡ ናጻ ፕረስ፡ ክህልዋ ኣለዎ።  ሕግን ማዕርነት ዜጋታትና ናጽነት ውልቀ ሰብ ዝሕለወሉ ብትምምህርቲ ልዑል ፍልጠት ዝድለበሉ ኮታ ምዕሩይ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝረጋገጸሉ ክንበጽሕ ምእንቲ ብወገን ኤምዲሰመ ሓደ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ብፓል ሓርነት ኣቢሉ ንህዝብና መነቓቐሒ ኣርእስትታት እናልኣዓልና ምሳኻትኩም  ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክግበር ኣብ መደብ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ተታሕዝናዮ ዘለና ኣገባብ ኣሰራርሓ ኮይኑ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ብሰፊሑ ዝተገልጸ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ናይ ሓደ ሃገር ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዓቢ እጃም ዘለዎ እዩ።

መንግስቲ ሕጊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምርካብን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ዘረጋግጽ ወግዓዊ ሕጋውነት ጥራይ ማለት ኣይኮነን፤ ግናኸ ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ልዑል ክብሪ ኣብ ምፍላጡን ፣ኣብ ምቕባሉን ፣እተሰረተ ፍትሒ ፡ምሉእ ሓሳቡ ንምግላጽ ድማ ብትካላት እተተግብረሉ መረጋገጺ ማለት እዩ።

ብዛዕባ ‘’መንግስቲ’’ ሓሙሽተ  ሓሳባት ንምጥቃስ፡-

  1. መንግስቲ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ
  2. ምፍልላይ መንግስትን ቁጽጽርን ሚዛንን
  3. ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ዘለዎ ዝውሰን ስርዓት    ምሕላው ሓርነትን ክብርን ሰብ
  4. ደረት ዘለዎ መንግስትን ምእኩል ምሕደራን
  5. ብዛዕባ ሕገ-መንግስትን ኣሰራርሓኡን ዘርኢ ናጻ ቤት ፍርዲ

እዘን ሓሙሽተ ሓሳባት ተላዒለን ዘለዋ ዋላ እኳ ትንክፍ ኣቢልናዮ እንተ ኣለኣጸቢቕና  ምርዳእናሉዑልክኸውን ክንጽዕርን ኣብ ዲሞክራሲያዊትን ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ንምብጻሕ ክንገብሮ ዘለና ነዊሕ ጉዕዞ ኩላትና እንግንዘቦ እዩ።

ንምጥቕላሉ ኣከፋፍላ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ጫለዳታት ይምቀል

እዘን ቀንዲ ዓንድታት ናይ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ሃገር ክኾና ከለዋ ነዚኤን ዓንድታት ዝገልጹን ዝከታተሉን መሰላቶም ዝሓቱን ኮታ ናጻ ኮይኖም ንምዕባለ ሃገር ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ከይጉዕጸጹ ስራሓት ናይ ዝተወደቡ ትካላት ከም መድያ፣ መሰል ደቂ-ስብ ዝከታተላ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ናይ እምነት ውድባት፣ ካልኦትን በብዓይነቱ መሰረታት ህዝብታት በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ ተወዲበን ይኹና ብውልቀ ዝዋስኣ ክህልዋ እቲ ግቡእን መሰልን ኣጸቢቕና ምፍላጡ ከድለየና እዩ። እዚ ስለዝኾነ ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተባህ ኩላትና በብዓቕምና ክኢላታት ማለት ኦሊጋርኪታትና ይኹኑ ኤሊታትና ድሮ ኣብ ሓላፍነት ውድባት ዘለው የሕዋት፣ ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ፣ ሚድያ ፣እናመጹን ኸምኡ ሰሚናራት፣ፈስቲቫላት ዝግበረሉ እዋንን፣ኣገደስቲ ኣስተምህሮን መርሆ ቃልሲ ዝብልዎ መግለጽታት ክህቡ ዘለኒ ትምኒትን፣ባህግን፣ድልየትን ዓቢ እዩ ብምባል መደርኡ  ደምደመ።

ካብ ኣዋሃሃዲት ፓል ሓርነት

Last modified on Sunday, 07 December 2014 19:45