ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ብዝለዓል ሓጐስ ካብ ዝተቐበለሉ ህሞት

24 ጉንበት ቅድሚ 34 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ግዝኣታ ነጻ ዝወጸሉ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን መልእኽቲ ዮሃና ነቕርብ።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሕገ-መንግስታዊት ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ጠርጠራ ኣይነበሮን ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ጉጅለ ዘይትግበር መብጸዓታት የስምዕን ይጽሕፍን ስለ ዝነበረ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ኩሉቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ህልቂት ህዝብን ጥሪትን  ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ነይሩ።  ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም እትበጽሕ ርግጸኛ ነይሩ።

እተንኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ሎሚ’ውን ኣብ ትጽቢትን ቃልስን እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓበ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንክቱር ጭቆና ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብሓባር ቃልስኻ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ይግበኣና ።

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና ነይሩ።  ካብቲ ነዚ ትጽቢት ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ እዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ ኤርትራ ናተይ ጥራሕ እያ  ዝብል ጉጅለ ክህሉ ግምት ኤርትራውያን ኣይነበረን።  ምስዚ ግና፡  ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፡  ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝጸውዑ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ትጽቢት ህዝብና ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ኮይኑ።  እቲ እምበርከ፡ እቲ 2 ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 34 ዓመቱ መሊኡ። ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጐደ፡ ግና ከምኡ ከጋጥም ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮነ። ንናይ ህዝብና ናይ ንዕብየትን ሰላምን ትጽቢት ከኣ  ንቁልቑል ነቚትዎ ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። እንተኾነ ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ  ድሌት  ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደጋጊምካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊሙ ዘረጋግጸሉ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ መዓልቲዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ’ሎ።

እቲ ካልእ ንመበል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣህጉርና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ዝደረኾ ናብ  ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ምትፍናን፡ ብኣተኩሮ እንከታተሎ ኣብ ዘለናሉ ኢና  መበል 34 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንዝክር ዘለና።

ኩለ-መዳያዊ ዝምድና ክልል ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ እዩ ዝርከብ። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ዝያዳ ክልተ ዓመቱ’ኳ እንተሓለፎ፡ ናይ ሰላም መልክዕ ኣይሓዘን።  ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተመሓየሸ’ኳ እንተመሰለ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ግና ዘተሓሳስብ’ዩ። እዚ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ዝተኣጐደ  ህውከት ኢዱ ካብ ምእታው ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕድሮ ዘሎ ሰግኣት   ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ስግኣታት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ልምዓታዊ ዝሕተላን እውን ዘሰክፍ’ዩ።

እዚ ዘይርጉእ ዘቤታውን ከባብያውን ምዕባለታት፡ ምስቲ ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቐያየረ ክመጾ ዝጸንሐ፡  ሎሚ ድማ “ጽምዶ” እናጨረሐ፡ ክፈጥሮ ዝደሊ ዘሎ ሓሸውየ ተወሲኽዎ፡ ህዝብና መፍቶቲ ኣብ ርጉእ ኩነታት ዘይነብር ጉጅለ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን።  ድሮ ዝውሰድ ዘሎ  ዘሎ ግዱድ ግፋ፡ ነጋርቲ ውግእ ምድሳቕን ምእጋድ ካብ መገሻን እኹል ምልክት ሰግኣት’ዩ።  ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ  ኣንጻርቲ ናይ ኩሉ መከራኡ ጠንቂ ዝኾነ ዓመጸኛ ጉጅለ ድምጹ ናይ ምስማዕን ቃልሱ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ከም ዘለዎ   ምዝኽኻሩ እዋናዊ እዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

24 ጉንበት 2025

ኣብ ታሕቲ ብተባዕታይ ጾታ ተጻሒፉ ዘሎ እንተላይ ንኣንስታይ ጾታ ከም ዝምልከት ብቐዳምነት ከፍልጥ እፈቱ

24 ግንቦት 2025 ሃገርና ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ መበል 34 ዓመት እዩ።  ነዛ ክብርቲ ምዓልቲ እዚኣ ክርእዩ እተመነዩ ግን ክርእይዋ ዘይትዓደሉ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣሽሓት እዮም። ምእንቲ ናይ ህዝብና ናጽነትን ሓርነትን ክቡር ህይወቶም በጃ ዝሃቡ ብኣማእት ኣሽሓት እዮም ዝቝጸሩ። ሳላ ክቡር መስዋእቶም፡ ድማ ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነታ እተፈልጠላ ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኰይና ኣላ። በዚ ኣጋጣሚዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ዮሃና እብል።        

         እንተዀነ ግን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝወደቐት፥ ህዝብና መሰሉ ተጋሂሱ፡ ሓርነታቱ ተገፊፉ፡ ብደረት ኣልቦ፡ ዓስቢ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሃነኑ ጠፊኡዎ ጊላዊ ናብራ ከሕልፍ ዕጫኡ ኰይኑ ኣሎ። ብሓንቲ ራድዮን ሓንቲ ቲቪን ሓንቲ ጋዜጣን መርበብ 03 መደናጋሪ  ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንዳዘርግሐ ኣእሙሮ ህዝቢ ኣደንዚዙ፤ መላኺ ስርዓት  ጸጋታት ሃገርናን፡ ንህዝብና ብቐንዱን ፊን ከም ዝበሎ ኣብ ድላዩ ከውዕሎ ጸኒሑን ኣሎን።  እቲ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ ኵነታትዚ ወዲቕና? ከመይ ጌርና ኢናኸ ምልኪ ደርቢና ሓራ ክንከውን እንኽእል? ዝብል'ዩ።

         ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ቅዋማዊ ምሕደራ ክንተክል ኢና፤ ማሕበራዊ ፍትሒ ከነስፍን ኢና እንዳበለ ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ  ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።

         ምልካዊ ስርዓት የእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ስለ ዝዀነ ነብሱ ክጽግን ዘይሕሰብ እዩ። በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከም ዝብሃል፡ እቲ ፍታሕ ህዝብና ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። ብዘይፍቓድካ ክገዝኣካ ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የልቦን። እቲ መልሲ እምቢ ንምልኪ እወ ንሓርነት! እዩ።

         ንመሰልካ ተልዓል! ስዉኣት እኮ ኣብ ሃገርካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ክትከይድ እምበር ኣብ ምዓልቲ ናጽነት ንኸይትግፈፍ ተሸቝሪርካ እንዳትሓባእካ ንኽትነብር ኣይኮኑን ተሰዊኦም። እወ ከም ድላይካ ክትኣምን፡ ክትሓስብ፡ ክትገልጽ ክትውደብ፡ ክትንቀሳቐስ፡ ክትምሃር፡ ክትሓርስ፡ ክትጓሲ፡ ክትሰርሕ ብሓጺሩ ሓፈሻዊ ሓርነታትካ ተኸቢሩልካ ብሕግን ብቕዋምን ንኽትምሓደር እዮም ክቡር ህይወቶም ሂቦሙልካ። ግዴኻ ነታ ብኽቡር መስዋእቲ ዘረከቡኻ ልዑላዊት ሃገር ምዕቃብን ዝተገፈፈ መሰላትካ ምምንዛዕን እዩ።

         በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ።  ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ንውድቐት ምልኪ ከኣ ዘቐላጥፍ ስጉምቲ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን።

ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስማእታትና!

ብሓድነት ንሓርነት!!  

Thursday, 22 May 2025 21:53

Dimtsi Harnnet Kassel 22.05.2025

Written by

ሓንቲ ካብተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ፍርዲ መቐለ

ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ መቐለ ዝርከባ ሓንቲ ላዕለወይትን 7 ናይ ክፍለ ከተማን ኣብያተ-ፍርዲ ካብ 20 ጉንበት 2025 ጀሚረን ከም ዝተዓጽዋ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮ-ኢንሳይደር ንማሕበር ዳያኑ ትግራይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ነዚ ብዝምልከት በተን ኣብያተ- ፍርዲ ዝወጸ ስምዕታ ከም ዝሓበሮ፡ ጠንቂ ናይቲ ምዕጻውን ምቁራጽ መስርሕ ፍርድን ናይ ዳያኑ ድሕንነት ውሕሰት ብዘይምርካቡ ምዃኑን እቲ ስግኣት ክሳብ ዝፍታሕ እቲ ዕጽዋ ከም ዝቕጽልን ተሓቢሩ። 

ፕረሲደንት ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣቶ ዳዊት ሃይለስላሴ፡ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር  ክልል ትግራይ መፍትሒ ንክረክብ ኣቒረበምዎ ካብ ዘለዉ ሕቶታት ምስ ድሕንነት ዳያኑ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ንሓለዋ ኣብ ዝምደቡ ኣካላት ጸጥታ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መገባእያ ዝምደቡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ጥራይ ስለ ዝኾኑ፡ ቁጽሪ ኣባላት ፖሊስ ወሲኹ ዘተኣማምን ሓለዋ ንክህሉ  ከም ዝሓተቱ እቶም ፕረሲደንት ጠቒሶም።

እቶም ፕረሲደንት ብተወሳኺ ከም ዝጠቐስዎ፡ ቤተሰብ ተኸሰስቲ፡ ኣብ መገባእያ ኮነ ካብኡ ወጻኢ ነቶም ዳያኑ ስለ ዘፈራርሕዎም ነዚ ዝምልከት ውሕስነት ንክረኽቡ ከኣ ኣካልቲ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቕሪበምዎ ዘለዉ ሕቶ እዩ። ብዘይካዚ ዳያኑ ብባህሪ ስረሓሖም፡ ክሳብ ናይ ሞት ብይን ክህቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ብሰንክዚ ኣካረይቲ ካብ ዝተኻረይዎ ከም ዘውጽእዎም ኣብቲ ጥርዓን ካብ ዝተጠቕሱ እዩ። 

እቶም ዳያኑ ናብ ከምዚ ደረጃ ንክበጽሑ ካብ ዝገበሮም፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ብዛዕባ ቅትለት ዘውዱ ሃብቱ ዝተባህለት መንእሰይ ጓለንስተይቲ ዳያኑ ኣብ ልዕሊ ብቕትለታ ዝተኸሱ ጥርጡራት ናይ መወዳእታ ብይን ንክህቡ ኣብ ዝተጋብእሉ፡ ብቤተሰብ ጥርጡራት ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነ ተሃቂኑ እቲ መስርሕ ስለ ዝተበተነ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንምዝራግ ዝተገብረ ፈተነ ላዕለዋይ መዝነት ዘለዎም  ከም ዝሳተፉ’ውን ኣብቲ እቲ መርበብ ዝተጠቕሰ  ስምዕታ ተመልኪቱ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ነቲ ዝቐረቦ ጥርዓን ኣጻርዩ፡ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዕንቅፋት ዝፈጠሩ ኣጻርዩ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ቃል ኣትዩ’ሎ።  

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከማል እድሪስ

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ብርሃን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝመዘዘን፡ በቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝካየድ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝገደደ ይቕጽል ከም ዘሎን ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብቀዳማይ ምኒስተርነት ዝተመዘ፡ ዶር ከማል ኣል ጠይብ እድሪስ ኣተባህለ ክኸውን እንከሎ፡ ክልተ ኣባላት  ደቂ ኣድንስትዮ እውን ምብራቓውን ማእከላይን ሱዳን ብምውካል ንኣባልነት ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ከም ዝተመዛ እቲ ብ19 ጉንበት 2025 ዝተዘርግሐ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ዝተመዘ፡ ሓደ እዋን ዲረክተር ሓለዋ  ምሁራዊ ንብረት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልእ ግዜ ድማ  ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጸሓፊ ማሕበር ንሓለዋ ዝተፈላለዩ እጻዋት  ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ተነጊሩ። ብዘይካዚ ኣብ 2010  ፕረሲደንት ሱዳን ንምዃን ምስ ዑመር ኣል በሺር ተወዳዲሩ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። 

ከማል ኢድሪስ ድሕሪ እቲ  ብ2022 ብፈቓዱ ዝለቐቐ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብደረጃ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዝምዘዝ ዘሎ ናይ መጀመርያ እዩ። ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪቲ ናይ 25 ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምምዛዙ፡ ስምምዕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምፍጣር ምስ ሰኣነ እዩ ካብ ስልጣኑ ስሒቡ። ድሕሪኡ ክሳብ ሎሚ  ቤት ምኽሪ ካቢነ ሱዳን ብግዝያዊነት’ዩ ክምራሕ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ ከም ዝሕገዝ ዝንገረሉ፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ  ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ፡ እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጀመሮ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምቕጻል ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ቀጺልዎ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታላትን ተመዛበልቲ ዝተዓቑብሉ ቦታታትን ከይተረፈ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ከቢድ ናይ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ኣሎ። እቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ብሰንክቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡  ናብ ምዕራዊ ከባብታት ኤርትራ ከይልሕም ዝሰግኡ ወገናት’ውን ኣለዉ።

Page 7 of 607