ክፋል ምስሊ ናይታ ህዝቢ ገዲፍዋ ዝወጽእ ዘሎ ከተማ ካርቱም

ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ማሕበራውን ቁጠባውን ናይ ህልውና ጸገማት ወዲቖም ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ኣፍሊጦም። እዞም ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም ብሰንኪ ውግእን ስእነት ኩሉ ቀረባትን ምቕጻል ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ክወጹ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ካብቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት፡ እቲ ጸጥታዊ ድሕንነቶም ብዓይኡ ኮይኑ፡ ናይ መጐዓዝያ ዘጸግም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝርካቡ ድማ ወጻኢኡ ብብዙሕ ዕጽፍታት ምውሳኹ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ከም ኣብነት ከም ዝጠቕስዎ፡ ካብቲ ዝነበሮ ዳርጋ ብሚእቲ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ካብ ካርቱም ናብ ገዳርፍ ክሳብ 120 ሺሕ ጅኔ፡  ናብ ከሰላ 170 ሺሕ ጅኔ፡ ናብ ዶብ ኤርትራ  ክሳብ 200 ሺሕ ጅኔ ከምኡ እውን  ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ክሳብ 200 ሺሕ ጅኔ ከም ዝበጽሐ ሓቢሮም።

ኤርትራውያን ካብ ካርቱም ከሰላ ምስ በጽሑ፡ ኣብኡ ክነብሩ እንተደልዮም ከምዘይፍቀደሎምን ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከም ዝግደዱን እቲ ሓበሬት የረድእ። ናይ ስደተኛ መንነት ወረቐት ዘለዎም  ከይተረፉ፡ ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከም ዝግደዱን ነዚ ዝከታተላ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብቲ ቦታ ከም ዘየለዋን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ። ካብዚ ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምዃድ እሞ ኣደዳ ማእሰርቲ ምዃኑ ክሃድሙ ካብ ዝፈተኑ እሞ ዝተጐድኡ ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ጌና ናብ ኤርትራ ከም ዝውሰዱ ዝፈለጡ ኣቐዲሞም ካብቲ ዝነበርዎ ቦታ ብሓይሊ ፈንጺጎም  ዝስወሩ ከም ዘለዉ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ  ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብቐንዱ ናይ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተጽዕኖን ውዲትን ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብደቂቕ ዝተኸታተልዎ ኣካላት የቃልዑ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ብወገን መተማ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ። እቶም ምስኣቶም ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ናብ ዝደለይዎ ከባቢ ክኸዱ ክፍቀደሎም እንከሎ፡ ነቶም ኤርትራውያን ግና  ብትርሪ ከም ዝቆጻጸርዎምን ምናልባት እውን ናብ መደበር ስደተኛ ከእትውዎም መደባት ከይህልዎም ይግመት። ንወገን ደቡብ ሱዳን ዝወጹ ኤርትራውያን እውን ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ይንገር ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ “ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ናይ ሓባር ሓይሊ ዕማም”፡ ዝተባህለ መንግስታዊ ኣካል፡ 47 ብምስጢር ተወዲቦም፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ሕገመንግስቲ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም ንዝበሎም  ብተግባራት ምፍጣር ራዕዲ/terrorism  ከም ዝኸሰሰ፡ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ብ30 ማዝያ 2023 ኣፍሊጠን።

እቲ ሓይሊ ዕማም፡ እቶም ዝኸሰሶም ክልላዊ መንግስቲ ከፍርስሉ ሓሲቦም ዝነበሩ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋርን፡ ላፕቶፕ ኮምፒተራትን ሰነዳትን ከም ዝሓዘ እውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ምስጢራዊ ስርርዕ ዘርጊሖም ናይቲ ክልል ሓለፍቲ ብምቕታል ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ዕላማ ከም ዝነበሮም ከሲሱ። እቲ ሓይሊ ዕማም ብዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፡ ናይቲ ምስጢራዊ ስርርዕ ኣወሃሃዲ፡ ኢንተልጀንስ፡ ወተሃደራዊ ንጥፈት፡ ፋይናንስን መዲያን ዶ/ር ወንድወሰን ኣሰፋ ከም ዝበሃልን ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ 16 ሕሉፋት ጸበብቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ርክብ ከም ዝጸንሖ ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዚ ናይ ምስጢር ስርርዕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብህዝቢ ተመሪጾም ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ጽፍሒ ሓላፍነት የገልግሉ ንዘለዉ 450 ሰባት ኣወጊዶም ብናታቶም ሰባት ናይ ምትካእ መደብ ከም ዝነበሮም ሓቢሩ፡ ካብ ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ገንዘቦም ብኸመይ ይመሓድርዎ ከም ዝነበሩ ድማ ካብ መርመራ ብዝበጻሕኩዎ ብዝብል ኣስፊሩ።

ድሕሪ ምውጻእ እቲ መግለጺ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ናይቲ መንግስቲ ክሲ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ከም ዝተሳዕረ ዘመልክት እምበር፡ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኮነን ይብልዎ ኣለዉ።

 

Sunday, 30 April 2023 17:49

Dimtsi Harnnet Sweden 29.04.2023

Written by

ቃልሲ፡ ነዊሕ መስርሕ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቶም ዝጀመርዎ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝዓለምዎ ሸቶ ዘይከብጽሕዎ ይኽእሉ። በዚ መሰረት ነቲ መስርሕ መንእሰይ ወለዶ ይርከቦ እሞ፡ የቕጽሎ። እቲ መስርሕ ካብ ሓደ ንኡስ ምዕራፍ ናብ ካልእ እንዳተሰጋገረ ኣብ ሓደ እዋን ናብቲ ክጅመር እንከሎ ዝተኣመሞ ድሙቕ ዓወት ይበጽሕ። እንተኾነ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ዓወት ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ንተወሳኺ ዓወት መልክዓቱ እንዳቐየረ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ግምት እንዳእተወ፡  ክቕጽል ባህርያዊ እዩ። እዚ መስርሕ ምቅብባል ቃልሲ ወለዶታት ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ እዩ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ  እዩ።

ቃልሲ ኣብቲ ዝምዝገብ ዓወት ረብሓ ዘለዎም ብሓንሳብ  ኣብ ሓደ ግዜ ዝሳተፍዎ ኣይኮነን። ብብዙሕ ነናይ ገዛእ ርእሶም ምኽንያታት፡ ሓደ እንዳቐደመ እቲ ካልእ እንዳሰዓበ እዩ እቲ መስርሕ ተሳትፎ ዝቕጽል። እዚ ናይ ቃልሲ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት ሕብረተሰብ እውን በዚ መስርሕ’ዩ ዝረጋገጽ። ሓደ ኣካል  ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍ እንከሎ፡ እቲ ቃልሲ ሽዑ ዝጅምሮ ዘይኮነ፡ ተሳትፎኡ  መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ቃልስን ውጽኢቱን ምዃኑ ክእመን ናይ ግድን እዩ።

ኣብቲ ቃልሲ ዝጽንበር፡ ካብቲ ዝተሳተፈሉ ጀሚሩ ብዘርእዮ ትጉህ ተሳትፎ፡ ነቲ ኣወንታ ዝያዳ ከሕይሎን ከማዕብሎን፡ ነቲ ኣሉታን ምስ ግዜ ዘይከይድን ድማ   ምስቲ ሕድሽን ዝማዕበለን መድረኽ ንምጥዕዓም ብሃናጺ ሓሳብ ከጐልብቶ እንከሎ ቅቡል እዩ።  ቅድሜኻ ንዝተኻየደ ቃልሲ እናከሓድካ “ኣነ እየ ነዚ ቃልሲ  ጀሚረዮ” ምባል ግና፡ ሰንሰለታዊ ተመላላኢ ባህሪ  ቃልሲ ወለዶታት ዝበትኽን ኣብ ምጅማር ዘንብርን ስለ ዝኾነ ኣዐዋቲ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ መብዛሕትኡ ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝረአ ምዃኑ ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ናይ ምስላፍ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ጽንኩር ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እንተኾነ፡ “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” ከም ዝበሃል፡ መንእሰይ ወለዶ ናብ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክመጽእ እዩ ዝብል ተስፋን ትጽቢትንን ዕጽዊ ኣይኮነን።

ተመኩሮና ክንዕዘብ እንከለና፡ ኣብቲ ነባር ቃልሲ ዘይነበረ ኣተሓሳስባን ሜላ ቃልስን፡ በቲ ሓድሽ ወለዶ ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ መንእሰይ፡ “ከምዚ ዓይነት ጠቓሚ ምስ ህልዊ ኩነታት ዝመጣጠን ኣበርክቶ ኣተኣታትየ ኣለኹ”  እንተ እንተበለ ጌጋ ኣይኮነን። በቲ ሕድሪ ዘረክብ ወለዶ’ውን ክምጐስን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ። ብመሰረቱ እውን ከምዚ ዓይነት ትግሃትን ተበግሶን ካብቲ ተረኪቡ ከቐጽል ሓላፍነትን ሕድርን ዝቕበል፡ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ እዩ። ነቲ ቅድሜኻ ዝተኻየደ፡ ንዓኻ እውን እምነ-መሰረት ዘንበረልካ ናይ ቀዳሞት ውርሻ ምኽሓድን ንዓኣቶም ምንእኣስን ግና ነቲ ዝኽሕድ ኮነ፡ ነቲ ቃልሲ ኣብ ኮለል ዘንበርን ግዳይ ህግደፍ ንክኸውን ዕድል ዝኸፍትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ናትካ ኣስተዋጸኦ ከየርኣኻ፡ ንናይ ካልኦት ኣበርክቶ ምንእኣስ ከም ቃልሲ ምውሳድ ከኣ ካልእ ሓደጋ እዩ።

ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ዋሕዚ ተሳተፎ ወትሩ ቀጻሊኳ እንተኾነ፡ ውሱናት ነቲ ተሳትፎ ብፍላይ ዘንህርዎ መድረኻት ክረኣዩ ጸኒሖም እዮም። ስውራ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ መድረኽ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልሲ ክሰጋገር እንከሎ፡ ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ህዝብና ብህግደፍ ምስተጠልመ፡ ኣብ  መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ተዛዚሙ፡ ብዙሓት ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ተኣሰሩ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ2018 ምስ ኣብይ ኣሕመድ ብዝፈጠሮ ዘይግሉጽን ዘይንጹርን ዝምድና ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓስ ምስተራእየ…… ወዘተ ፍልይ ዝበለ ተሳትፎ ናብ ቃልሲ ዘኸተሉ ተርእዮታት እዮም።

ስለዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ይፈቶ ይጸላእ፡ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ናጽነት እውን ከይተረፈ፡ ኣካይዳ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ናጽነት ሓደገኛ ከምዝኸውን ብዝሓደሮም ስግኣት፡ ምእንቲ መጻኢ ውሑስ ሰላም፡ ምዕቡል ቁጠባን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ክኸውን ብዝእምት ዝጀመረ እምበር፡ ሓድሽን ፍሉይ ጉጅለ ዘንቀዶን ኣይኮነን። ነዚ ሓቂዚ ደፊንካ፡ እቲ ቃልሲ ካብቲ ንስኻ ድሕሪ 10ታት ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዝተሳተፍካሉ ግዜ ዝጀመረን ንነብስኻ ድማ ከም እንኮ ጀማሪ  ኣምሲልካ  ምቕራብን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ “ጌጋ እዩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሎሚ ካብ ቅድሚ ትማሊ፡ ትማልን ጽባሕን ቆሪጽካ ከተንጠልጥሎ ከም ምፍታን ዝውሰድ እዩ። ብግብራዊ መርተዖ ብዝተሰነየ፡ ነቲ ቃልሲ ንሕና መንእሰያት ምስ ተሳተፍናዮ፡ ኣሕይልናዮን ኣበሪኽናዮን ንምባል እንተዝኸውን ቅቡል ምኾነ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ገለገለ ወግናት ከምኡ ንርኢ ከምዘየለና  ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ መዓስ ኣብቲ ቃልሲ ተሰሊፍካን ኣበየናይ ናይ ዕድመ ደረጃ ኣለኻን ዘይኮነ ክሳብ ክንደይ ናብ ምዕቡል ቃልስን ዓወትን ዘሰጋገር ኣተሓሳስባ ይውንን እዩ  እቲ ልቦና።

ኣብቲ መስርሕ ምስግጋር፡ “ግዜን ኩነታትን” ብዝብል ሸፈጥ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክወርዱ ዘይብሎም ብኹሉ ወለዶታት ክረዓሙ ካብ ዝግበኦም ሓደ፡ ክብሪ ናይቶም ኣብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብንጽህና ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ምዕቃብ እዩ። እቲ ዝሓለፍዎ መስርሕ’ውን ጉዕዞ ፍትሓዊ ቃልሲ እምበር፡ ካልእ ኣነዋሪ ስም ዝወሃቦ ከምዘይኮነ፡  ተኣሚንካ ተዓቂቡ ክሰጋገር ዝግበኦ ውርሻ እዩ። ነዚ ዘይርዕም ግጉይ ኣተሓሳስባ፡ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ የለን ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ዝወስድ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ናጽነት  ገዛእቲ ብዘይዋጋ ፈትዮም ዝመጠዉልና ህያብ እያ፡ ናብ ዝብል ሓደገኛ ኣቕጣጫ ዘምርሕ መንገዲ’ውን እዩ።

ምናልባት ንገለ ወገናት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስዉኣትን መስርሕ ቃልሶምን ዘራኽስ ግጉይ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ዝወስድ ዘሎ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዝተራእየን ጌና ቀጻሊ  ዘሎን ሕሰም ከም ዝኸውን ይግመት። እቲ ሓቂ ግና ኤርትራ ኣብዚ ወዲቓቶ ዘላ ዓዘቕቲ ዝወደቐት፡ እቲ መስዋእትነት “ተራ ሞት” እቲ መስርሕ ቃልሲ ድማ “ሽፍትነት” ስለ ዝነበረ ፈጺሙ ኣይኮነን።

 እቲ ሓቀኛ ጠንቂ፡ ናይቶም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ሕድሪ በቶም ህሉዋት ኤርትራውያን ስለ ዘይተተግበረ ዝሰዓበ እዩ። ሰማእታት ንኤርትራ ዝኸበረ ዋጋ ከፊለሙላ ከብቅዑ፡ ብኸምዚ  ሓሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝስማዕ ክከሓዱ እንከለዉ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻሲ ክልተሻብ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ በቲ ሓደ ወገን በቶም ተካእቶም ክኾኑ ዝግበኦም መንእሰያት ስሞም ክድወን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሕድሮም ብህግደፍ ክጥለም እንከሎ፡ ዘሕዝን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ከኣ እዞም ንኤርትራዊ ሓርበኝነት እናጠለሙ፡ ናይ ካልኦት መስዋእቲ ከጸባብቑ ዝመጣጠሩ ምዃኖም እዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ26 ሚያዝያ 2023 ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ሰፊሕ ዳህሳስ ኣካይዱ። ድሕሪቲ ዳህሳሱ መፍትሒ ዝበሎም ነጥብታት መሰረት ብምግባር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ከቕርብ እንከሎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብ20 ሚያዝያ 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምድጋፍ ምዃኑ ኣንጺሩ። 

ኣኼባ ኣብ ዳህሳሱ፡ ህዝቢ ሱዳን ብነዊሕ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ዝሓለፈ፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ዝምራሕ መንግስቲ ንሰላሳ ዓመታት፡ ምስዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝሓልፎ ዘሎ ዝመሳሰል መሪር ህይወት ዘሕለፈ ምዃኑ መዚኑ። እንተኾነ ህዝቢ ሱዳን፡ ነዚ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዘይተቐበለ ተባዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ተኸታታሊ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ብ2019 ንስርዓት ዑመር  ሓሰን ኣልበሽር ምውጋዱ ተስፋ ዝህብ ከም ዝነበረ ዘኪሩ።

ህዝቢ ሱዳን ምምሕዳር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ንምውጋድ ኣብ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ፡ ናይ ሰራዊት ሱዳን ዝተወሰነ ምትሕብባር ምርካቡ ዝተገንዘበ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ ውድቀት ዑመር ኣልበሺር ህዝቢ ሱዳን ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዘብጽሕ መሰጋገሪ ስርዓት ንምፍጣር ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ’ውን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ምኻኑ ኣስተብሂሉ፡፡ ይኹን’ምበር ኣብቲ መስርሕ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊትን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ  ተወርዋሪ ረዳት ሓይልን ከም ነብሶም ዝኸኣሉ ክልተ ተጻረርቲ ወተሃደራዊ ኣካላት ኮይኖም ምስታፎም ሓደ ካብቲ ሎሚ ተፈጢሩ ናብ ዘሎ ውግእ ዘምርሐ ምንባሩ ገምጊሙ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ዝተገብረ መስርሕ፡ ህላወ ክልተ ወተሃደራዊ ክንፍታት ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ንክተሓናፈጹኳ ስምምዕ እንተነበረ፡ ድሕሪ ምትሕንፋጽከ መን ይምራሓዮ?” ዝብል ፍልልይ ናብቲ ተጋሂዱ ዘሎ ውግእ ከም ዘብጸሐ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ብዓብይኡ ንህዝቢ ሱዳን ውሑስ ሰላምን ዲሞክራስን ከምጸኣሉ፡ ኣብ ምርግጋእ ዞባና ድማ ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ዝተነብረሉን ህዝቢ ሱዳን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን መስርሕ ተኾሊፉ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ዕንወት ምውዳቑ ሓዘን ከም ዝስመዖ ብምርዳእ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ደማዊ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ጉዳዮም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑን እቲ ተኾሊፉ ዘሎ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናይ ምስጋር መስርሕ ክቕጽልዎን፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ክልቲኦም ወገናት ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ግዜ ከይበልዑ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ክቐርቡ ንዘቕርበኦ መጸዋዕታ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ዝነብር ህዝቢ ሱዳን፡ ኤርትራውያንን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ገጢምዎም ዘሎ ወጥሪ ዝወጽሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣገልግሎትን ዝረኽብሉን ኩነታት ንክፍጠር ጸዊዑ።

ናይ ቀረባን ርሑቕን መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ኣብ ሱዳን ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክኣትዉ ተጽዕኖአን ከሕይላ ደኣምበር፡ ንረብሐአን ክብላ ነቲ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘጋድድ ኢድ ምትእትታው ከይገብራ ተማሕጺኑ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት  ኣብ ሃገር ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሓደጋ ከይወድቁን ድሕነቶምን መሰላቶምን ክሕሎን ኣብ ልዕሊ ምጽዋዕ፡ ሰርዓት ኢሳያስ ነቲ ኩነታት መዝሚዙ ኣብ ኢዱ ዝወደቑ ኤርትራውያን ካብ ምእሳርን ምዕስካርን ንድሕሪት ስለ ዘይብል፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳን ነዚ ሓደጋ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣዘኻኺሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ሱዳን ሓውን ጐረቤትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮ ልግስን ኣበርክቶን ግቡእ ክብሪ ከም ዝህብ ኣረጋጊጹ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ምእንቲ ራህዋኡን መሰሉን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ጐድኑ ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ።

27 ሚያዝያ 2023

Thursday, 27 April 2023 21:44

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 27.04.2023

Written by

Mekele 27.04.2023ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦለ ኣዲስ ኣበባ

Mekele 27.04.2023 1እቲ ልኡኽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ

ርእሰ-ምምሕዳራት 11 ክልላት ኢትዮጵያ፡ ከንቲባታት ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ካለኦት ዘብ መዚ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ብ27 ማዝያ 2023 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ብምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ኣቶ ኣደም ፋራሕ ተመሪሑ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ኣትዩ። ነቲ ልኡኽ  ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካለኦት  ናይቲ ክልል ሓለፍትንን  ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ተቐቢለምዎም።

ዕላማ ናይዚ ምብጻሕ እቶም ሓለፍቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምዕዛብን ስምምዕ ፕረቶርያ ብግሪ ይትርጐም ከም ዘሎ ንምርግጋጽን ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ በቲ ሓደ ወገን  ክልላት ኣብ መጻኢ ኣብ ዳግመ-ህንጻ ትግራይ ዝተሓባበራሉ መንገዲ ንምድህሳስ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ክልላት ሓገዝ ንምሃብ ቃል ክኣትዋ ድማ ትጽቢት ኣሎ። ኣብዚ ምብጸሖም ዝተመዛበሉ ዝተዓቖብሉ ቦታታትን ካልእ በቲ ውግእ ዝተጐድአ ቦታታን ክበጽሑ እዮም።

ኣብዚ መገሻ ናይቶም ምስ ትግራይ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ዝጸንሑ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምህላዎም፡ ናይ ብዙሓት ስምዒት ዝሰሓበን ትግራይ ኣብ ቀረባ ግዜ  ምስ ጐረባብታ ክልላት ሰላም ክትገብር ተስፋ ዝህብን ኮይኑ’ሎ።

ብ26 ማዝያ 2023 እውን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝሓዘ ፍሉይ ልኡኽ ክልል ኦሮሞ ናብ መቐለ በጺሑ ምስ ዝተፈላለዩ ኽፍሊ ሕብረተሰብ ናይታ ከተማ ተራኺቡ ከም ዝተመያየጠ  ዝዝከር እዩ።

Page 4 of 514