ጋዜጣዊ መግለጺ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Written by ፈጻሚ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ቴለፎን ርክብ ካብ 8 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ከም ዝተቛረጸ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ገሊጸን። ተጠቀምቲ እውን ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከምቲ ልሙድ ርክብ ተለፎን ከካይዱ ፈቲኖም ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም። እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ብመነኦም ከም ዝተጀመረ ብወግዒ ዝተገልጸ’ኳ እንተዘየለ፡ ብወገን ኤርትራ ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ።
ርክብ ተለፎን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ’ቲ ካብ 1998 ካሳብ 2000 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ምስ ጸንሐ፡ ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ናይ ሃታሃታ ርክብ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 እዩ ዳግማይ ተኸፊቱ።
ድሕሪ ውግእ ትግራይ፡ ንህግደፍ ብዘየሳተፈ ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ምባሉ፡ ህግደፍ ንምቁራጽ እቲ ውግእ ስለ ዘይደገፎ ርክቦም ክዝሕትል ጀሚሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ዝሕተላ ድማ ብወገን ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከካይዶ ዝጸንሐ በረራ ከም ዘቋረጽ ምስ ኣፍለጠ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ እቲ በረራ ቅድሚቲ ኤርትራ ዝወሰነቶ ናይ ግዜ ገደብ ምስ ኣቋጻረጸት እቲ ፍልልይ እናጐለሐ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ናይ ተለፎን ምቁራጽ ከኣ ናቱ መቐጸልታ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኢንተርኔት ዘይምህላዉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን ምስ ቤተሰቦም ናይ ምርኻብ ጸገም ከጋጥም እዩ።
ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብፍላይ ድማ እቶም ስልጣን ዝሕዙ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ክዛረቡ እንከለዉ ኤርትራን ፖለቲከኣን ክጠቕሱ ዝተለመደ እዩ። ኤርትራውያን እውን ምረት መግዛእትን ኣንጻሩ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ክትርኹ እንከለዉ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይጠቕሱ እዮም። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት መንግስታቶም ከይተረፈ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዘልዕሉ ጌና ዘይተዓጽወ ፋይል ከም ዘለዎም ብምምሳል ልኡላውነታ ንድሕሪት ንምምላስ ዘለዎም ህርፋን ንምንጽብራቕ ዓሊሞም እዮም።
ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን፡ ኣንጻር ነጻነት ኤርትራ ኩሉ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ዓቕምታት ኣሰሊፎም ብሓያላት ደገፍቶም እናተገሓዙ ተዋጊኦም። እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ መሰረቱ ዝደልደለን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳዒሮም። መንግስቲ ኢህወደግ ዝመስረቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ህወሓት፡ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ፍትሓዊ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ተቐቢሎም እዮም። ደሓር እውን ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ልኡላውነታ ብመስርሕ ሪፈረንዶም ክጸንዕን ክድልድልን ከም ዝግበኦ ኣሚኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትግባረኡ ድማ ከም ዝተሓባበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ኣፍልጠኦምን ኣበርክተኦምን ከምቲ ገለ ወገናት ዝሓስብዎ፡ ንኤርትራ ዝተለገሰ ፍሉይ ግነዖት ዘይኮነ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓድሽ ናይ ሰላም፡ ሰናይ ጉርበትናን ናይ ሓባር ዕቤትን ምዕራፍ ዝወስድ ንሱ ጥራይ ስለ ዝነበረ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ተሳዒሮም እንተዘይኮይኖም፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ናይ ታሪኽ “ነበረያ ነበረ ዝነብሩ” ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ከም ዝነበሩን ከምዘለዉን ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ዝተሓልፈ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ምትህልላኽን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስዕረቶም ዘይቅበሉ ኣካላት ከጋጥሙ እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሉ ሕጋዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መስርሕ ሓሊፉ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ኤርትራ“ንድሕሪት ተመሊስካ ዝተዓጽወ ማዕጾ ምኩሕኳሕ” ናይ ጥዕና ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን።
ሓደ ጉዳይ ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድለየካ ክትውንኖ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ተደጋጊሙ ዝስማዕ፡ “ኢትዮጵያ ወደብ ስለ ዘድልያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክትውንን ይግበኣ” ዝብል ብሂል ብመንጽርዚ እዩ ዝረአ። “ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና ወደብ ክህልዋ እንከሎ፡ ከመይ ኢላ እያ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል ምስ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ሃገራት ዝጻባእን ኣብ ስነ መጎት ዘይተመርኮሰን ስምዒት እውን ይንጸባረቕ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ሰጥ-ለበጥ ኢሎም፡ ዝተሓትዎ ታሪፍ እናማልኡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናይ ዘለዋ ጅቡቲ ወደብ እናተጠቐሙ ዘቕርብዎ ዘለዉ ነብረያ ነበረ ምዃኑ እዩ።
ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን ኮነ ፖለቲካዊ መለክዒ ዘይምልከተካ ክትረክብ ምፍታን ናብ ትርጉም ሓይልን ምትፍናንን ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ብግብሪ ሓሓሊፉ ብኢትዮጵያውያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና ምጉብዕባዕ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ናይዚ ኣተሓሳስባ ኣንፈት ብመሰረቱ ግጉይን ዓመጸኛን ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈቲኑስ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዝተደምደመ እዩ። በቲ ዘየዐወተካ መንገዲ ክትቅጽል ምድላይ ከኣ ካልእ ስዕረት ዝዕድም እዩ።
ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክለዓል እንከሎ፡ ጐሊሖም ከብ ዝጥቀሱ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሕቶ እዩ። እዚ ብዝያዳ ንኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን (landlocked) ሃገራት ዘገድስ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብዚኣተን እተን 16 ካብ ኣፍሪቃ እየን። ካብተን 44 ሃገራት ብስፍሓት መሬት ዝዓበየት ካዛኪስታን ክትከውን እንከላ፡ ዝነኣሰት ድማ እታ ብከተማ ሮም ዝተኸበት ቫቲካን እያ። ኢትዮጵያ ድማ ብብዝሒ ህዝቢ ቅድሚት ትስራዕ።
ጸገም ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣቀማምጣኣ ተቐቢላ ብስምምዕ እምበር፡ ብሃተምተም ዝፍታሕ ኣይኮነን። እዚ ዛዕባዚ ብዓለም ደረጃ መፍትሒ ዝተቐመጠሉ እዩ። እቲ መፍትሒ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሕዝን ወደብ እትውንን ኣገልግሎት ወደብ እትደልን ሃገራት ሓቢረን ዝጥቀማሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ። ናይታ ዋና ወደብ ዝኾነት ሃገር ፈቓደኛ ምዃን ከኣ ዘይስገር ቀይሕ መስመር እዩ። ከምዚ ዝኣምሰለ ስምምዕ እቶም መንግስታት እንተዘይዓንቂፈምዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ዘይስረሓሉ ምኽንያት የለን። ነዚ ተሓሲምካ “ግድን ካብ ዝርዝር ኣፍደገ-ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት እንተዘይወጻእኩ” ምባል ግና፡ ኪኖ ልኡላውነት ሃገር ምግሃስ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ተመኩሮ ኢትዮጵያ መንግስታት ብውሽጣዊ ጸገም ሓድነቶም ሰንከልክል ኢሉ ክጭነቑ እንከለዉ ብጉልባብ “ሓድነት” ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከም መተኣኻከቢ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ምዃኖም ዘተሓሳስብ እዩ።
ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ኣብ ድልዱል ቦታ ተሰሪቱ እዩ። እንተኾነ ተደጋጊሙ ኣጀንዳ ክኸውን እንከሎ፡ ኣጽቂጥካ ምዕዛብ፡ ነቲ ወስታታት ከም ምቕባል ንከይውሰድ ኣድላይነቱ እናረኣኻ ምልዓሉን ምትራሩን ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ካብ ዝተመስረተሎም ኣዕኑድ ሓደ “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ” ዝብል ክኸውን ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቶም “ስለምንታይ እዋናዊ ኣብ ዘይኮነ፡ ኣጀንዳ ልኡላውነት ንሃልኽ ኣለና?” ዝብሉ ወገናት ከኣ ነቲ ኩነታት ብመጽርዚ ክርድእዎ ይግበኦም በሃልቲ ኢና።
ኣብዚ ኣከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ፡ እቲ ሓጥያት ንዘይቀበጹ ፖለቲከኛታትን መንግስትን ኢትዮጵያ ጥራይ ዝድርበይውን ኣይኮነን። ብወገን ኤርትራውያንከ ክሳብ ክንደይ ኢና ንከምዚ ዝኣመሰሉ ህሩፋት ዘተባብዕ ርኢቶታት ካብ ማሃብ ንጥቀቕ ዝብል ምርኣዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ንልኡላውነትና ዝጻባእ ሕቱኽቱኽ ገለ ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ከይሓፈረ፡ ኤርትራውያን ንናጽነቶም ዝኸፈልዎ ታሪኽ ዘይርሰዖ መስዋእቲ ብምንዓቕ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ተቐባልነትን ናእዳን ካብ ኢትዮጵያውያን ንምርካ ተጠሊዑ፡ ንመራሒ ኢትዮጵያ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ፡ ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ” ዝበሎ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ታሪኽ ብምቕይናን “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢብታት እዮም ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ”፡ ዝበሎኸ ክሳብ ክንደይ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘተባብዕ ንስሕቶ ኣይመስለናን።
ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተደጋጊሙ ብኢትዮጵያውያን ዝረአ ዘሎ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላውነትና ብትሪ እናተቓወምና፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህነት ንዓኣቶም ዘዕንግል ግጉይ ኣካይዳ ኤርትራውያን ‘ውን ክንቃለሶ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ።
ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣቶ ግርማ ወ/ጊዮርጊስ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመን ኣንበሳድር ሳህለወርቅ ዘውደን
ንዝሓለፈ 6ተ ዓመታት ፕረሲደንት ፈደራል ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኮይና ክትመርሕ ዝጸንሐት ኣንበሳደር ሳህለውርቅ ዘውደ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2024 ካብ ስልጣና ወሪዳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ብዝጸንሐ ኣንበሳደር ታየ እጽቀስላሴ ተተኪኣ። ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ብሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ን2ይ ዙር 6ተ ዓመታት ክትቅጽል እናኸኣለት ዝወረደትሉ ምኽንያት ከም ዘይተገለጸን ናይ ስንብታ ቃል ከተስምዕ ከም ዘይተፈቕደላ እውን ተፈሊጡ።
ምስታ ፕረሲደንት ነበር፡ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሮም ኣብ ሓላፍነታት ክትቅጽል ከም ዘይኮነት ከናፍሱ ቀንዮም እዮም። ንሳ እውን ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ናይ “x” ሕሳባ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ምስቲ ብዶር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ምቕጻል ከምዘይጠዓማን ብፍላይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ስቕታ መሪጻ ከም ዝቐጸለት ምጥቃሳ ኣዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ብኸምዚ ኣገባብ ዝወረደት ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ዘውደ፡ እቲ ብሕጊ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ዝረኽብዎ ናይ መንበሪ ገዛ፡ መካይን፡ ደሞዝ፡ ሰራሕተኛ ገዛን ናይ ክብሪ ሓለዋን ሓለፋታት ክፍቀደላ ድዩ ኣይፍቀዳን ድሮ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናይቲ ስማዊ ፕረሲደንትነት ግዜኦም ከይኣኸለ ምስቲ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣብ ፖለቲካዊ ብዘይርድዳእ ካብ ሓላፍነቶም ዝወረዱ፡ ነፍሰ-ሄር ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ መሰሎም ምስተነፍጎም ክሳብ ኣብ ቤት ፍርዲ ምኽሳስ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ካብ ግዜ መንግስትነት ኢህወደግ ጀሚሩ ገሊኦም ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ገሊኦም ድማ ብሞት 8 ዓመታት ምሉእ ብፕረሲደንትነት ዝቐጸለ የለን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልላት ኦሮሞን ዓፋርን ብ6 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት 8.10 ናይ ምሽት ንኣስታት 18 ሰከንድ ዝጸንሐ፡ 4.9 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት ከም ዝተፈጥረ ነበርቲ ገሊጾም። እቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃት መሬት መንቀሊኡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ፈንታለ ኣብ ዝተባህለ ጎቦታት ምዃኑ፡ ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ኣፍሊጦም።
ዶር ኤልያስ ለዊ ዝተባህሉ ናይ ጀኦ-ፍዚክስ ምሁር ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ቀንዲ መንቀሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ጎቦታት ፈንታለ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ቦታታትን ዝተፈጥረ ስምዒት ናቱ ናህሪ ምዃኑን እምብዛ ዘሰክፍ ሓደጋ ከምዘየውርድን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ዓቐኑ ደኣ ንኡስ ይኸውን እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣዋሽ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ክስተት ምኹኑ’ውን ሓቢሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ ሰባት እንታይ ምግባር ከም ዝግበኦም ድማ ምዕዶ ለጊሶም።
ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብወገኖም፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ኮንደምኒየም ኣባይቲ ዝነብሩ እቲ ምንቅጥቃጥ ኣጸቢቑ ከም ዝተሰመዖምን ክሳብ ናውቲ ገዛ ካብቲ ዝተቐመጦ ናይ ምውዳቕ ኩነታት ከም ዝተራእየን ሰባት ካብ ኣባይቶም ወጺኦም ናብ ደገ ምህዳም በጺሖም ከም ዝነበሩን ሓቢሮም። በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተመዝገበ ጉድኣት የለን እውን ተባሂሉ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ28 መስከረምን 5 ጥቅምትን 2024 ፍሉይ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ብደሓን ኣራኸበና” ድሕሪ ምባሉ ኣብ ዘስመዖ መበገሲ ቃል፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት፡ ሰዲህኤ፡ ፖሓኤ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ዘመላኽት ሓበሬታ ኣስሚዑ።
ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣቐዲሙ ከም ኣጀንዳ ብዝሰርዖ መሰረት፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተነዲፉ ዝቐረበ ዓመታዊ ትልምታት 2024-2025 ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ብዘይካዚ እቲ ኣኼባ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ- ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ብዝቐረበሉ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ዛዕባታት ተመያይጡ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ከምኡ’ውን ኣባላት ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት ክኹኑ ንዝተሓጽዩ ኣባላት ተመያይጡ ኣጽዲቑ።
ፈጻሚ ሽማግለ ብፍላይ ኣብቲ 2ይ መዓልቲ ኣኼባኡ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራን ዝተፈላለዩ ንኤርትራን ንከባቢና ዝጸልዉ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝምልከት ገምጋምን ሚዛንን ኣካይዱ። ኣብቲ ዳህሳስ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቀደም ዘይትግበር መብጸዓታት ካብ ምእታው ሓሊፉ ዝተቐየረ ከም ዘየለ ተገንዚቡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ሎሚ’ውን ሓድነቶም ዓቂቦም፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ቃልሶም ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሎም መዚኑ።
ብላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝስማዕ ዘሎ፡ ወደብን ኣብፍደገ ባሕርን ኣሳቢብካ ንሉኣውነት ኤርትራ ዝደናደን ወስታታ፡ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብዚ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይረብሕን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ንዝተደኮነ፡ናጽነትን ሉኣውነትን ኤርትራ ንድሕሪት ዘይመልስ ዛዕባ ኢዶም ከልዕሉ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ናይዚ ስምዒት መንቀሊ ህላወ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያዊ ወገናት ምህላዎም’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ካብ 2018 ጀሚሩ ንዝተወሰነ ግዜ ክካየድ ንዝጸንሐ ንልኡላውነት ዘነኣእስን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዘይህብን ዘይሓላፍነታውን ዘይትካላውን ኣካይዳ’ውን ግደ ስለ ዝነበሮ ዳግማይ ኮኒንዎ።
ኣብ ጐረቤትና ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዝመዘነ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ካብ ተመኩሮ እውን ከም ዝተረጋገጸ፡ እቲ መዋጸኦ ውግእን ምፍንጫላት ዘይኮነ፡ ብስልጡን መንገዲ ዘተን ልዝብን ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ ንዓኡ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሶማሊያን ሱዳንን ዝረአ ዘሎ፡ ናይ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ሓይልታት ምትእኽኻብን ኢድ ኣእታውነትን፡ ነቲ ጸገማት ዘጋድድ ረብሓን ሰላምን ህዝብታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ መዚኑ። በዚ መሰረት ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ዜቤታዊ ሕቶ ንዘይምምላስ ወትሩ ናብ ደገ ጥራይ ዘመዓዱ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ካልኦት ሃገራት ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሕግዙ እምበር ኢዶም ኣእትዮም ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ ኣዕዚዙ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼባ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ልሙድ መደባት ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕዋት ቀዳማይ ዋዕላን ፈስቲቫልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንዘበርከትዎ ተሳትፎ ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ተሳትፈኦምን ኣበርክተኦምን ከበርትዑ ጸዊዑ።
ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ፖርት ሱዳን (3 ጥቅምቲ 2024)
ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ሰላም ንክረጋግጽ ዘለዎ እማመ ንምርካብን ምስ ህዝቢ ሱዳን ዘለዎ ምሕዝነት ንምግላጽን ብ3 ጥቅምቲ 2024 ናብ ፖርት ሱዳን ገይሹ። ሕብረት ኣፍሪቃ በዚ መልክዕ ናብ ሱዳን ልኡኽ ክሰድድ ድሕሪ 2015 ንመጀመርያ ምዃኑ እቲ ዜና ኣረጋጊጹ። ኣባላት ናይቲ ልኡኽ ካብቶም 15 ኣባላት ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ዝተዋጽኡ እዮም። ኣብቲ ጉዕዘኡ ናብ ሱዳን ምስ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ዳርፉር ሚኒ ሚናዊ ወሲኽካ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ተራኺቡ ብዛዕባቲ ናይ ሰላም እማመ ተዘራሪቡ።
ናይቲ ልኡኽ መራሒ ግብጻዊ ኣንበሳደር ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓመድ ዑመር ጋድ፡ ንትሕዝቶ’ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንሰላም ሱዳን ዝቐረበ እማመ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ እቲ እማመ ሱዳናውያን ባዕላቶም ብዘይኢድ ኣእታውነት ዝትግብርዎን ዝምልከቶም ዓለም ለኸ ኣካላት ብዘይኢድ ኣእታውነት ዝሕግዝሉን ምዃኑ ጠቒሱ።
ማኒ ሚናዊ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳንን ነቲ ዘመሓድሮ ከባቢ ዳርፎርን ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብምትሕብባር ገለ ሃገራት ዝተኣጉደ ውግእ ብሰላም ንምፍታሕ ክጽዑሩ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ሱዳን እቲ ድሕሪ ዕልዋ 2021 ተንጠልጢሉ ዘሎ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክምለሰላ ክትሓትት ከም ዝጸንሐት ኣስፊሩ፡ እቲ ልኡኽ እውን ንኣገዳስነት ግደ ሱዳን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ንክህቦ ጸዊዑ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ብዝምልከት ኣብ 2023 ዘውጸኦ እማመ ሰላም፡ ኣብታ ሃገር ህውከት ጠጠው ክብል፡ እኹል ሰብኣዊ ረዲአት ዝቐርበሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ሲቪል ሕብረተሰብ ውሕስነት ክረክብን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ መስርሕ ክቕጽልን ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ብፕረሲደንት ኡጋንዳ የወሪ ሙሰቪኒ ዝምራሕ ላዕለዋይ ኣካል መዚዙ ነይሩ። መራሒ ልኡላዊ ኩሚተ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ሱዳን ነቲ እማመ እትቕበል ዝተወንዘፈ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እንተተመሊሱላ ጥራይ እዩ ብዝብል ከም ዝተቓወሞን ኣብዚ ናይ 3 ጥቅምቲ 2024 መገሻ ናይቲ ልኡኽ እውን ነዚ መርገጹ ከም ዝደገሞ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ኣካል ናይቲ ሱዳን ተልእኮኡ፡ ናብ ካይሮ ኣቕኒዑ ምስ ዋና ጸሓፊ ዓረብ ሊግ፡ ኣሕመድ ኣቡኢል ገይትን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ባድር ዓብደላጢን ተራኺቡ ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣገዳስነት ምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪቃን ዓረብ ሊግን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝተዘራረበ’ውን ተፈሊጡ።
ባህግና Bahgna Media 06 10 2024 ህዝቢ ኤርትራ ማለት ጉጅለ ህግደፍ ማለት ኣይኮነን፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት 1ይ ዋዕላ ፖሓኤ
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን (ማጋሱ)፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ’ ካብ ናይታ ሃገር ትካላት መድያ ትሕተ-ቅርጻ 90% ከም ዘዓነወን ኣሸሓት ጋዜጠኛታት ከም ዝተመዛበለን ሓቢሩ። እቲ ማሕበር ኣተሓሒዙ ብዙሓት ትካላት ዜና ንብረተን ከም ዝተሰርቀን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ድማ ካብ ሃገር ንክስደዱ ከም ዝተገደዱን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ዝተገልጸ እቲ ማሕበር ኣብ ካይሮ ድሕሪ ዘካየዶ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምዃኑ ድማ፡ መርበብ ሓበሬታ ሱዳት ትሪቡን ኣፍሊጣ።
ናይቲ ማሕበር ጸሓፊ ኢማን ፋዱል፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 80% ከባብታት ሱዳን ካብ ኢንተርኔትን ካልእ መራኸብን ስለ ዝተቛረጸ፡ ብዛዕባ ምዕባለ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ህዝቢ ጸብጻባት ምቕራብ ከምዘይተኻእለ ኣፍሊጡ። በቲ ዜና መሰረት፡ ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ኣስታት ልዕሊ 100 ጋዜጠኛታት ብኣካል ክሳተፉ እንከለዉ፡ 220 ድማ ብመራኸቢ ብዙሓት ተሳቲፎም። ናይቲ ኮንፈረንስ ቀንዲ ዛዕባ፡ ናይቲ ኮንፈረንስ፡ ጽልዋ ኣብ ጋዜጠኝነትን ንሱዳናውያን ጋዜጠኛታት ዘጋጠሞም ብደሆን ዝምልከት ምንባሩ ሱዳን ትሪቡን ኣብቲ ጸብጻባ ኣስፊራ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ዝቐረቡ ኣርእስታት፡ ግደ መድያ ኣብ ውግእ፡ ምንዛሕ ናይ ጽልኢ መደረታት፡ ገበን ውግእን መጻኢ ዕድል ጋዜጠኝነት ኣብ ሱዳንን ዝብሉ ይርከብዎም። እቲ ቀንዲ ዝተዘርበሉ ከኣ ንማሕበራዊ ኣቃውማ ሱዳን ዘስግእ ዘሎ ምዝርጋሕ ሓሶት ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ፋዱል ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር 445 ጋዜጠኛታት ግዳይ ሞት፡ ማእሰርትን ስቓይን ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ ካብዚኣቶም 39 ዝተቐትሉ ምዃኖም ሓቢሩ።
Remembering Over 360 Eritrean Victims Of Lampedusa at its 11th Anniversary
Written by Wolde-Yesus Ammarህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ነዊሕ ጉዕዞን ሎሚ ዝርከበሉ ዘሎ ሃለዋትን ባዕሉ ዝተዋሰኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ብኻልእ ኣካል ዝንገሮ ኣይኮነን። እቲ ዝሓለፎ መስርሕ በበይኑ መልከዓትን ትሕዝቶን ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ብሓደ ቃል “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትገልጾ የጸግም። “ህይወት ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን” ምባሉ ከኣ ሓደ ካብቲ ልሙድ ኣገላልጻ ናይ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዘርኣዮ፡ ተወፋይነት፡ ጽንዓትን ኣይንብርከኽን በሃልነትን ብፈተውቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጸላእቱ ከይተረፈ ዝተመስከረሉ እዩ። ብዙሓት ናይ ታሪኽ ይኹን ናይ ፖለቲካ ዓውዲ ተመራመርቲ ከኣ “ውሑድ ክነሱ፡ ኣንጻር ብዙሓት ገጢሙ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዕጥቂ ዝተዓወተ ህዝቢ” ኢሎም ንመስተንክራዊ ኣበርክቶኡ መስኪረምሉ እዮም። ህዝብና ነዚ መስተንክር ክሰርሕ እንከሎ፡ “ከምዝን ክንድዝን ነይሩ” ኢልካ ዓይነቱን ብዝሑን ምጽብጻቡ ዘጸገም ክቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከፊሉ እዩ። ኩሉ መሰረታዊ መሰላቱ እውን ተገፊፉ። ነዚ ኩሉ ጸገማት ተጻዊሩ ተስፋ ከይቆረጸ ነቲ ዋጋ ናይ ምኽፋሉ ምስጢር ከኣ፡ ዝርኣዮ ብርሃን ናጽነትን ሓርነትን ስለ ዝነበሮ እዩ።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ፡ ናጽነት ኤርትራ ወሊዱ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዑናታት መግዛእቲ ክድኮን ዝተቓለሰሉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራሲን ግና ኣይተረጋገጸን። ህዝብና ኣብ ጽባሕ ናጽነት እዩ፡ እቲ ዝተሓተ ከም ናጻ ዜጋ እግርኻ መሊእካ ናይ ምስጓምን፡ ኣፍካ መሊእካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል’ኳ ዝተነፍገ። ብኣንጻሩ ናይ 2ይ ዜጋ ዝመስል ኣስማትን ደረጃን እናተዋህቦ ርእሱ ከድንን ተገዲዱ። ኣብቲ እዋንቲ’ዩ ከኣ “ትርጉም መግዛእትን ናጽነትን ደኣ እንታይ እዩ ፍልልዩ? ዝብል ንደገ ዘይወጽእ ድምጺ ሕቶ ዘቃለሐ። መልሱ ድማ ብዓውታ ደኣ ናብቲ ጉጅለ ኣየብጻሕ እምበር፡ “ገዛኢ ተቐይሩ፡ ተግባራት መግዛእቲ ግና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ” ብዝብል ዝቕለስ፡ “ግዜ ደርጊ ይሕሸና፡ ድርጊ ብኣካል ወጺኡ ባህርያቱ ግና ኣሎ ጋና” ዝብል ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ መስዋእትነት ዘረጋገጾ ዓወት ተጠሊሙ፡ በቲ ጉጅለ ብኣዝዩ ከቢድ ምረትን ክብደትን ኣብ ዳግማይ ወጽዓ ክኣቱ እዩ ዝብል፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ትጽቢት ኣይነበረን። ብግብሪ ግና ምእማኑ ብዘጸግም ተራእዩ። እቲ ቅድሚ ናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ “ኣይንብርከኽን” ድምጹ ግና፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ካብ መዓስ እዩ ክሳብ ክንድዚ ወጽዓ ዝስከም እንግደዓ ኣጥሩ” ክሳብ ዝበሃል ክቱር ስቕታ ኣርእዩ። ብሰንክ’ቲ ስቓታኡ ድማ ብብዝሑ ኮነ ብዓይነቱ ምጽብጻቡ ዘጸግም ዘይተጸበዮ ዋጋ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን።
እቲ ስቕታ ኣብቲ መጀመርያ፡ ናይቲ ሕድሩ ዝጠለመ ኣካል ምፍርራሕን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተወሲኽዎ፡ ምኽንያታዊ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣካላት ነይሮም። እቲ በደል እንዳኸበደ፡ እቲ ግዜ እንዳነወሐን ህግደፍ ከኣ ከም ዝጠለመ ብተግባር እናርኣየን ምስ መጸ ግና፡ እቲ ክቱር ስቕታ ህዝቢ ምኽንያታዊ ዘይምንባሩ በሪሁ። ኣንጻር’ቲ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ስቕታን ኩራን “ጽቡቕ ኣለና፡ ካብዚ ዝዓቢ ናጻነት እንታይ ኣሎ? ዝብል ጠባሪ ድምጺ ዘስምዑ፡ ቅድሚ ጠቕሚ ህዝቢ ረብሓኦም ዘቐድሙ ኣዝዮም ውሑዳት ኣካላት ምስተኸሰቱ ከኣ እቲ ዘይምኽኑይ ስቕታ ሓፋሽ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ እዩ ዓዚምዎ” ኢሎም ዝሓቱ ወገናት በርኪቶም።
እቲ ኣብ ሃገርና ብዘይዝኾነ ህዝባዊ ኮነ ሕጋዊ ቅቡልነት፡ ብኢደወነኑ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ወጽዓ፡ ኣደዳ ጥሜት፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ መሰላት ምሕራምን ተደፊእካ ሃጽ ኢልካ ናብ ስደት ብምምራሕን ጥራይ ዝግለጽ ኣይነበረን። ንህዝብና ኣብ ብዙሓት ዘይምልከትዎ ውግኣት ብምጥባስ እውን ካብቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ ናብ ዝተዓጻጸፈ፡ ኩሉ ናይ ውግእ ሳዕቤናት ከእትዎ ጸኒሑ።
ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ብሰንኪቶም ትዕቢትን ብደዐን ህግደፍ ዝወለዶም ውግኣት ዝሓደሮ ቁስሊ ከየሓወየን ኣብኡ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ መርድእ እናተጸበየን ጌና ካብ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ደበና ኣይወጸን። እቲ ጉጅለ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ደው ምስ በለ፡ “ተኾሊፍና” ብዝብል ዘሕፍር ኣገላልጻ ህርፋኑ ስለ ዘየርወየ ከንባሁቕ ጸኒሑ። ሎሚ ድማ ኢስያስ ኣፈወርቂ ደሃይ ውግእን ዘይምርግጋእን ድምጺ ናብ ዝስመዖ ኩርነዓት መገሻታት የጽዕቕ ኣሎ። ዕላምኡ ከኣ ብውግእ ንዝደላለዩ መንግስታት ክዓርቕ ዘይኮነ፡ ጸግዒ ሒዙ ከሳውር ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና እምበር ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን” እናበለ ዝኣተዎ ውግእ ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተሓታቲ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወገናት ክኸስዎ ጸኒሖም እዮም። ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን ልኡላዊ መድያ ምስ ዝበሃል ዩቱብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ፋብሪካታት መሳርሒ ፈቲሑ ወሲዱ እዩ። ሰባት እውን ቀቲሉ። እቲ ተግባር ቅድም ናይቲ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ሰራዊት ስምዒታዊ ስጉምቲ ይመስለና ነይሩ። ደሓር ግና ኢድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝነበሮ ኣረጋግጽና። ብሰንክዚ ከኣ መንእሰይ ትግራይ ብብዝሒ ኣንጻርና ተሰሊፉ” ብዝበሎ ኣቃሊዕዎ። እዚ ንህግደፍ ከተሓሳስቦ መተገበአ። እንተኾነ ሓንሳብ ብደም ስለ ዝሰኸረ፡ ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራኸ ሎሚ’ውን ነዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ብስቕታ ክሓልፎ እዩ ማለት ድዩ?
ህግደፍ ሎሚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውግእን ህውከትን መኻይዲ ንምርካብ ሃሰው ይብል ኣሎ። ኣብቲ ዝእጐድ ሓዊ ግዳይ ዝኸውን ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መንእሰይ ኤርትራን ቤተሰቡን እዮም። “ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታሲ ክሳብ መዓስ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልስኸ፡ “ንሓዋሩ” ዝብል ድዩ ወይስ “ሎምስ በዚሑ ጉልባብና ቀሊዕና ደኣ ንቃለሶ” ዝብል ክኸውን እንጽበዮ እዩ።