ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ለበዋ ናብ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናብ ምሁራት ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል፡ ብ3 ለካቲት 2025 ብቋንቋ ትግርኛ ወግዓዊ መልእኽቲ፡ ኣመሓላሊፉ። ኣብ መልእኽቱ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብሰላም ንክፍታሕ ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ተደጋጋሚ ውግእን ግጭትን ዝረኸቦ መኽሰብ ከምዘየለ ጢቒሱ።

ኣብ መጸዋዕታኡ፡ "እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ትግራይ ናይ ትማሊ ቁስሉ ከይሓወየ ገና ሕጂ’ውን ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ሰሪሑ ከይኣቱን ከየልምዕን ኣብ ፍርሒ፡ ራዕድን ወረ ውግእን ተሸሚሙ ዝነብር ዘሎ እዩ" ክብል ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታን ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳርን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ኣብቲ ክልልን ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።  ጠንቂ ናይቲ ወጥሪ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ምስቲ ብዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ብምውጋኖም ሕድሕድ ውግእ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ኣንጸባሪቑ።  

ንወገን ጌታቸው ረዳ ከም ዝድግፍ ዝግመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሰላም  ከም ዝፍታሕ ንዝኾነ ዝስወሮ ኣይኮነን’ውን ኢሉ። ኣብ መዳያት ንግዲ፡ ጸጥታ፡ ኣካዳምን መዲያን ተዋፊሮም ዘለዉ ተጋሩ፡ ቅድም ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ፍልልይ ብኢህን-ሚህን ክፈትሑ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ፌደራልን ካለኦት ወገናትን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ንክፍታሕ ጽልዋኦም ከሕይሉ ተላብዩ።

ዶ/ር ኣብይ ኣብቲ መጸዋዕታኡ፡ "ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኩሉ ጉዳያት ዝፍጠር  ፍልልይ  ከም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምውሳድ፡ ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ህዝቢ ካብ ስግኣት፡ ኣዴታት ድቃስ ካብ ምስኣን፡ መንእሰያት ድማ ካብ ስደት ኣብ ምድሓን ክትሰርሑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ንክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ ደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያኳ ጠጠው እንተበለ፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝፍጠር ብዘሎ ፍልልያት ኣስጋእነቱ መመሊሱ ይዓርግ ከም ዘሎ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ናይቲ ደብዳብ ግዳያት

ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልል  ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብ30 ጥሪ 2025 ናይ ድሮን ደብዳብ ከም ዝፈጸመት፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሲያሩ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ብለይቲ ብተደጋጋሚ  ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ልዕሊ 8 ሰባት ሞይቶም፡ 4 ድማ ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዱብቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ነፍሰ-ጾራትን ክልተ ኣሕዋትን ከም ዝርከብዎም  እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብቶም በቲ ደብዳብ ድሮን ዝሞቱ፡ መሓመድ ኣይዳህሲ፡ ዓሊ ኦርቢስ፡ ካኮ ኦርቢስ ዓሊ፡ ዓሊ መሓመድ ካኮን ዓይሻ ባዱል መሓመድን ዝበሃሉ ግዳያት ከም ዝርከብዎም ኣዲስ ስታንዳርድ ካብቶም ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ኢላ ኣስፊራ። ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ደብዳብ ኮነ ኢልካ ብመንግስቲ ጅቡቲ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም ኣብ 2ተ ኣዋርሕ ንካለኣይ ግዜ ምዃኑ ከኣ ሓቢሮም። እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ “ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራሲን ጅቡቲ” ዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝዋጋእ ዕጡቕ ኣካል ከም ዝተወስደ ጌርካ ይግለጽ  ከም ዘሎኣመልኪቶም።

ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ደብዳብ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝበሃሉ ካለኦት ወገናት ከኣ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተወስዶ ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቶም ኣብ ዶብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝሰፈሩ ዕጡቓት ተቓወምቱ ንምጥቃዕን ነቲ ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ሓይሊ ወሲኽካ ንምዝንባል እዩ ዝብል ግምቶም ኣስፊሮም።

በቲ ካልእ ወገን  ኣብ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ሰብኣዊ ማሕበር፡ እቶም ዝሞቱ 14 ከም ዝበጽሑን ካብኣቶም 4 ደቂ ኣንስትዮን ቁጽሮም ዘይተጠቕሰ ህጽናትን ምዃኖም ብምቅላዕ፡ እቲ ለይታዊ ናይ ድሮን ደብዳብ ሰበኽሳግም ኣብ ዝርከብዎ ከባቢ ከም ዝቐጸለ ሓቢራ። እታ ሰብኣዊ ማሕበር ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ነቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ “ናይ ውግእ ገበን” ብዝብል ኮኒናቶ፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ኣካል ብምድጋፍ ተኸሲሱስ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ነይሩ።  ብዛዕባዚ ዳርሕረዋይ ናይ ድሮን ደብዳብ ግና ክልቲኦም መንግስታት ዝሃብዎ መግለጺ የለን። እዚ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምትእምማን ከየጋድዶ እሞ ካልእ ዞባዊ ቅልውላው ከይፈጥር  ዘስግእ እዩ።

Saturday, 01 February 2025 20:25

Dimtsi Harnnet Sweden 01.02.2025

Written by

ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሚናር ኣካይዱ ዝብል ዜና ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ፍጻመ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ኣብታ ምስ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣሉታዊ ምትእሳር ዝጸንሓ ጐረቤት ሃገር ዝተጋበአ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት  ተመኩሮ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ‘ውን እቲ ካልእ ምኽንያት  ኣዛራብነቱ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ዝፈርስ ዘይመስል ዝነበረ ዘይርጡብ ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ከም ዝፈሸለ ዝመልክት ምዃኑ’ውን ካልእ ኣዛራብነቱ’ዩ።

ህላወ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንዲ ነጻነት ኤርትራ ዕድመ ኣለዎ። ብዛዕባ ኣኼባ ምክያድ ንዛረብ ስለ ዘለና ከኣ ኣኼባታት ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ነዊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ብዘይካ’ቲ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ሰሚናራትን ጉባአታትን ብደረጃ “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን” ዝተኻየዱ ጉባአታትን ኮንፈረንሳትን ተጠቀስቲ እዮም። ጎንደር፡ መቐለ፡ ሰመራ፡  ኣዲስ ኣበባ፡ ደረዘይቲ፡ ኣቃቅን ኣዋሳን ከኣ ካብተን ሰፋሕቲ ርክባት ኤርትራውያን ዝካየደለን ዝነበራ ከተማታት ኢትዮጵያ እየን። እዚ እዩ ከኣ ናይ 27 ጥሪ 2025 ኣኼባ ብሪጌድ ንሓመዱ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፉ ኣኼባታት ተቓውሞ ኤርትራ እምበር፡ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይኮነን ዘብሎ። ብመንጽር ብሪጌድ ንሓመዱ’ውን መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት  ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባታት እምበር ሓድሽ ኣይኮነን።

እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ቅድም ኣኼባታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደሉ ግዜን ሎምን ዘሎን ዝነበረን ኩነታት  ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትው ዝግበኦ እዩ። እቲ ፍሉይ ኩነታት ነቲ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኣኼባ ኤርትራውያን ክጸልውዎ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ዝተፈላለየ ምዃኑ ንምብራህ ሓደሓደ  መነጻጸሪ ነጥብታት ምጥቃስ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኤርትራዊ ውድባት ብጉባአታት ዝጸደቑ መደብ ዕዮታትን ዝተመርጹ መሪሕነታት ዝነበሮም ኮይኖም፡ ብኣንጻሩ ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ዝተዘርግሐ፡ ናይ ዝተፈላለያ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት’ውን ዝሳተፍሉ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

ኣብቲ ቅድም ኣብቲ ፖለቲካዊ መስርሕ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ውድባት ድሕረ-ባይተኦም ብዘየገድስ፡ ገዳይም ኮይኖም፡ ብዛዕባቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕ ጽልዋ ዝነበሮ ውድብ ህወሓት በሪኽ ኣፍልጦ ዝነበሮም እዮም። እቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብቐረባ ዝዋሳእ ዝነበረ ኣካል መንግስቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዝነበሮ እዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኼባ ዘካየዱ ኤርትራውያን ኮኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ዘለዉ ሰብመዚ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጠኦም ድሩትን ኣብ ሕድሕዶም ክንድቲ ዝድለ  ዘይፋለጡን  ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ ተመኩሮኦም ይኹን ኣመጻጽእኦም ናብ ቃልሲ ዘመልክቶ እዩ።

ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዝምድናዊ ሚዛን፡ ዘቤታዊ ጉዳዩ ዝወገነን ሰላም ህዝቡ ዘውሓሰን ነይሩ።  ብኣንጻሩ፡ ሎሚ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ክካየድ ዘፍቀደ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ውግእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ዝሳዕረረሉ፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ምስ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ዝጸንሐን፡ ነዊሕ ዝርጋሐ  ዶብ ዘለዋን ክልል ትግራይ ኣብ ዘይህዱእ ርክብ ዘሎ እዩ። ተጋሩ ፖለቲከኛታት ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ወጥሪ ኣትዮም፡ ብዛዕባ ሓድሽ ናይ ኣሰላልፋ ሕርያ ብዙሕ ይውረዮም  ዘለሉ ኩነታት’ዩ።

መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ምትግባር እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ኳ ይዕንቅጽ እንተነበረ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘስግእ  መንግስቲ ኣይነበረን። ብብልጽግና ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ግና ብዕሊ ክሳብ ምውናን ወደብ ዓሰብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምህናጽ ወተሃደራዊ መደበር ዝመጣጠር ጠለባት ዘቃልሕ ዘሎ እዩ።

ስለዚ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ኮይንካ ዝግበር ቃልሲ፡ በቲ ኣብቲ ትዋሰኣሉ ቦታ ዝረአ  ፖለቲካዊ ምዕባለ ክጽሎ ስለ ዝኽእል፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህርፋን ንጉዕዞ’ቲ  “ንወተሃደራዊ ምድላው እሸባሸብ  ኣለኹ” ዝብል  ዘሎ ብሪጌድ ንሓመዱ ከም ዝጽለው ብጽሞና ክሓስበሉ ናይ ግድን’ዩ። በዚ መሰረት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት ብደሆታት ከምዘለዉ ክግንዘብ ይግበኦ።

ብሪጌድ ንሓመዱ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ክመሃረሉ ቅሩብ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ተጸንዐን ኣርሒቑ ዝጥምትን መልሲ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ጌጋ ንዘይምድጋም ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ናይ ምቅብባል ኣካል’ውን  ስለ ዝኾነ።

እቲ ካልእ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ህግደፍን ብልጽግናን ዘይትካላዊ ዝምድናኦም መኺኑ፡ ኣብ ሓያል ምውጣጥን ምጽልላምን ዘለውሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት’ውን ኣብ መንጎ’ቲ መቃለሲ ባይታ ዘፍቅድ መንግስትን ፍቓድ ረኺቡ ዝንቀሳቐስ ወገንን ዝፍጠር ናይ ሓሳብ ምውጣት ክህሉ ርዱእ እዩ። ናይቲ ምውጣት ትርጉም፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ዘዕቆቦ ተቓውሞ ረብሓኡ ዝረጋግጸሉ ልኡኽ ገይሩ ክልእኮ ክደሊ እንከሎ፡  እቲ ኣብዘይሃገሩ ኮይኑ ዝቃለስ ወገን ከኣ  ናይ ምውሳን ነጻነቱን ክብሪ ሃገሩን ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ ክከላኸል ግድን እዩ።  እዚ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብብሩህ ዝተራእየ ቅድሚት ዝስራዕን ዝነበረ ብደሆ እዩ።

እዚ ብደሆ ሎሚ’ውን ከም ዝህሉ ርዱእ ኮይኑ፡ “ብሪጌድ ንሓመዱኸ ክሳብ ክንደይኮን  ተቐሪብሉ ይህሉ?” ዝብል  ክለዓል  ናይ ግድን እዩ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝተራእዩ እሞ ክእረሙ ዝግበኦም ተመኩሮታት ሓደ፡ ፍልልያትካ ወጊንካ ዓቕምኻ ክትእክብ ዘይምብቃዕን ዘይግሉጽነትን ቅድሚት ካብ ዝስርዑ እዮም። እዚ ድኽመት  ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ 2013 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነዊሕ ግዜ ወሲደን ኣብ ዘካየደኦ ዓሚቕ ገምጋም ዝተረዳድኣሉ እዩ።

ብርጌድ ንሓመዱ ምድላዉ ብመንጽር ኣካብነት ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ፡ ኣብ ጉዕዘኡ ካብ “ጽባሕ ነርክበሉ” ወጺኡ ብትብዓትን ጥንቃቐን ዝርእዮ ክኸውን ይግበኦ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኣበይ ይቃለስ ባዕሉ እምበር ህግደፍ ዘይውስነሉ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ጐረቤት ንህግድፍ ሓላል ንደንበ ተቓውሞ ከኣ ሓራም ከምዘይኮነ ዘርኢ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ተረኽቦ’ዩ።  

ናይቲ ጉባአ ተሳተፍቲ ብኸፊል

ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና 31 ጥሪ 2025 2ይ ጉባአኡ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝተሃንጸ ኣድራሻ ሚዝየም ዓድዋ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ወከልቲ መንግስታውን ሃይማኖታውን ትካላት ዓበይቲ ዓድን ከምኡ እውን  ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ዝተመርጹን ኣስታት 50 ናይ ዝኾና ካብ ሃገራት ኣባል ብሪክስን ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝተዓደሙ ኣብቲ መኽፈቲ  ተሳቲፎም። ኣብዚ ጉባአ ይሳተፉ ካብ ዘለዉ እቶም 1700 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታትን ሙዚቃዊ ድራማታትን ዝቐረብሉ መኽፈቲ፡  ፕረሲደንት ብልጽግና ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰልፍታት ጉባአ ታሪኽ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ተወከልቲ ብ ዝሳተፍሉ ዝካየድ ናይ ብልጽግና ጥራይ እዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ጉባአ ብልጽግና ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ምምራጽ ዘኽእል መስርሑን ውጽኢቱን ዲሞክራስያውን  ኣሳታፍን ክኸውን እዩ ክብል ከም ዝገለጾ ብመግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ዝተዘርግሐን ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈን ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ዜና ኣተሓሒዙ እዚ ጉባአ ዝሓለፈ ኣተገባብራ ስራሕ ናይቲ ሰልፊ ዝግምገመሉን መጻኢ መደባት ዝትለመሉን ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ብመንጽርቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ኣገደስትን ወሰንትን ውሳነታት ከም ዝውሰንሉ እውን ተሓቢሩ። ኣብዚ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል ጭረሖ እናተመርሐ ክሳብ 2 ለካቲት 2025 ዝጸንሕ 2ይ ጉባአ ብልጽግና፡ ድሕሪ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን እቲ ሰልፊ ዝምረሓሉ ሕግታትን ምጽዳቑ፡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተን ኣባላት ኢንስፐክሽንን ቁጽጽርን ከም ዝመርጽ እውን ኣብቲ  ናይቲ ጉባአ ኣጀንዳ ተመልኪቱ

Thursday, 30 January 2025 21:04

Dimtsi Harnnet Kassel 30.01.2025

Written by

ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝያዳ ክደጋገማ ዝስመዓ ብሂላት ወይ ሓረጋት “መቃለሲ ቦታ” እትብል ሓንቲ ምንባራ ዝዝከር‘ዩ። መቃለሲ ቦታ ክበሃል እንከሎ ኣብ ኣተረጓጉማ ምምንጣል ከም ዝነበረ‘ውን ርዱእ ኮይኑ፡ “ፖለቲካዊ ዕማምካ ንምዕዋት እትመርጾ መዋፈሪ ወይ መንጠሪ ከባቢ” ምባሉ ሓፈሻዊ ግንዛበ ዝህብ ይመስለና። እዚ ባይታዚ ኣብ ምምራጽ ወይ ኣብ ምውሳን ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ምእታው ድማ የድሊ። ደረጃ ስፍሓትካ፡ ቃልሲ እተካይደሉ ዘለኻ መድረኽ፥ እትምርሓሉ መትከላትን፥ ዘቐመጥካዮ ናይ ዓወት ሸቶን መዋፈሪ ባይታኻ ክትመርጽ እንከለኻ ነናይ ገዛእ ርእሶም ተጽዕኖ ኣለዎም። ንኣብነት ከም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ገዛእ መሬትካ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን፡ ከምዚ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ዘለናዮ ሃለዋት ካብ ሃገርካ ወጻኢ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን ነዚ ኣመራርጻኻ ካብ ዝጸልውዎ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ኣብቲ ትቃለሰሉ ዘለኻ እዋን ዘሎ ባህሪ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት እውን ከምኡ ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። ደሓር ከኣ መቃለሲ ባይታ ንስኻ በይንኻ ጥራይ ትመርጾ ዘይኮነ፡ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቕደልካ ኣካል ክውስኖ እውን ይኽእል‘ዩ።

ኣብ ተመኩሮ ብረታዊ ቃልስና፡ ቀንዲ መዋፈርታትና ኣብ ገዛእ ሃገርና፡ ሓራ ኣብ ዘውጻእናዮም እስትራተጅያዊ ቦታታት ከም ዝነበረ ኣይንርሰዖን ኢና። ኣብቲ እዋንቲ እቲ ጐሊሑ ዝረአ ዝነበረ መምዘኒ ናይቲ ትመርጾ ከባቢ ኣቀማምጣን መጻንዕን ኮይኑ ወተሃደራዊ መዐቀኒ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነትን’ውን ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እዚ ከም መንጠሪ እትመርጾ ናይ ቃልሲ ቦታ፡ መዕቆቢ ጥራይ ዘይኮነ እምነ-መሰረት ህዝባዊ ውደባ እተንብረሉ’ውን ስለ ዝኾነ። እዚ መቃለሲ ቦታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ምስ ናይ ወጻኢ መቃለሲ ባይታ’ውን ምምግጋብ ዝነበሮ እዩ። ማለት ንዲፕሎማሲያዊ ባይታ መባእታዊ ኣንፈት ዝንበረሉ ስለ ዝነበረ። ሽዑ ኣብ መንጎ ናይ ሜዳ መንጠሪ ቦታታትን ሃገረ-ሱዳንን ዝነበረ ምትእስሳር ናይዚ ኣብነት እዩ።

መቃለሲ ቦታ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ባዕልኻ ነጻ ኣውጺእካ ኣብ ዝተቖጻጸርካዮ ከባቢ፡ እቲ እትደልዮ መምዘንታት ምስ ኣመላኣልካ ናይ ካልእ ኣካል ጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ከይተጸበኻ ባዕልኻ እትውስኖ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ሎሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ሃገርና ወጻኢ ዘለናሉ ሃለዋት ግና መቃለሲ ቦታ ክትመርጽ እንከለኻ፡ ናትካ ድሌትን ምርጫን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ከም መቃለሲ ቦታ ዝመረጽካዮ ሉኣላዊ ሃገር መንግስትን ህዝብን ጽቡቕ ድሌት እንተዘይተወሲኽዎ ከም ድላይካ እትገብሮ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣለና። እቲ ዝመረጽካዮ ሃገር ወይ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ከፍቅደልካ እንከሎ ካብ ግብረ-ሰናይነት ወይ ሰብኣውነት ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ናቱ ፖለቲካዊ ረብሓን ሕሳባትን’ውን ከም ዝነቅል ብብዙሕ ተመኩሮ ዝተመስከረ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ሓደ ሃገር ንናይ ኤርትራ ደንበ ተቓውሞ ከም መቃለሲ ባይታ ክፈቅድን ክተሓጋገዝን እንከሎ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ዝምድና ዓብይ ጽልዋ እዩ ዝህልዎ።

ሓደ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን የመንን ኣብ ደሴት ሕነሽ ውግእ ተኻይዱ። ኣብቲ እዋን‘ቲ ዝተወሰና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሰንዓ ቤት ጽሕፈት ክሳብ ዘኽፍት ምድግጋፋት ረኺበን ነይረን። ከምኡ እውን ከምቲ ኩልና ዘይንዝንገዖ፡ መነኦም ነይሩ እቲ ጠንቂ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን ዝምድናኦም ርጉእ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ናይ ዝምድናኦም ዘይርጉእነት ኣብ ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን እውን የንጸባረቕ ነይሩ። ኣብ መንጎ እተን መንግስታት ደሓን ዝምድና ክህልው እንከሎ፡ ቦታ ተቓወምቲ ውድባት ይጸብብ ነይሩ። ይጸብብ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ተቓለስትና ግዳይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝኾንሉ ኣጋጣምታት’ውን ነይሩ። ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት እቲ ዝምድና ክሕርፍፍ እንከሎ ከኣ ሜዳ ተቓወምቲ ውድባት ይሰፍሕ። ዝምድና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝጸነሐ ዝምድናታት ዝጸላሎን ብሓፍዞቛት ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ከም ዝበጸሐን ዝከሓድ ኣይኮነን።

መንግስታት ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝዛመዱን ዝተሓጋገዙን ምስቲ ኣንጻሩ ተቓውሞ ዝለዓል መንግስቲ ክበኣሱ እንከለዉ ብናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ፖሊሲ ተሻቢቦም ጥራይ እዮም ማለት ግን ኣይኮነን። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን ፖሊሲን ነቒሎም፡ ንፍትሓውነት ናይቲ ሓይሊ ተቓውሞ ሒዝዎ ዘሎ መትከላት መዚኖም ዝገብርዎ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን እውን ኣሎ። ካብዚ ነቒሎም ድማ ነቲ ዝምድናኦም ምስ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ከይሓጸሩ፡ ህዝባዊ መልክዕ የትሕዝዎ። እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ይኹን መንግስቲ ሱዳን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ጥራይ ከይተደረቱ ካብኡ ወጻኢ’ውን ክነብሩን ክሰርሑን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ስደተኛታት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ-ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብኣውንታውን ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ሃገራት ዝህልዎም ዝምድና ሓደ ዓይነት ዘይኮነስ ብደረጃታት ዝፈላለ ነናቱ ስፍሓት ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዘርእየና።

ብዙሕ መቃለሲ ወይ መዋፈሪ ባይታ ክትረክብ ምኽኣል ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። ዓቕምን ብቕዓትን’ውን ካብዚ ብዝሒ ስለ ዝቕዳሕ። “ብዙሓት ይሃቡኻ፡ ብዙሓት ግና ኣይውቅዑኻ” ዝበሃል ምስላ’ውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ። መዛምድትኻን ተደጋግፍትኻን ብዙሓት ክኾኑ እውን ዝድገፍ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድን ከተጥርዮ ዘሎካ እውን እዩ። ዋላ’ኳ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዛምድትኻ ግደን ጽልዋን ብደረጃ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ሓደ ኣካል ዋላ ብኣዝዩ ውሱን ደረጃ ክደጋገፈካ እንከሎ፡ ናብቲ ኣንጻሩ ትቃለሶ ዘለኻ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ጸላኢኻ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ምንጻሉን ምስዓሩን ድማ ኣበርክቶ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ሃገር መቃለሲ ባይታ ክትረክብ እንከለኻ፡ ካብኡ ካብ እትጽበዮ ብዙሕ ኣበርክቶታት ሓደ ንሱ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቐደልካ ሃገር፡ ምስ ካልእ ሃገርን ዞባዊ ትካላትን ከላልየካ እሞ ካልእ መቃለሲ ባይታ ክትረክብ ከተባበዓካ እዩ። ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና  መቃለሲ ባይታኡ ከስፍሕ ክቃለስ ሓደ ካብ ዕማማቱ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ካብ ሓደ ንላዕሊ መቃለሲ ባይታታት ክትረክብ እንከለኻ ምስቲ ቀዳማይ ባይታኻ ትጻላእ ወይ ትባተኽ ማለት ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እንተ ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዙሕ መቃለሲ ባይታታት ክንረክብስ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ መርገጺ እግሪ ክህልወና ከም ዘይደልን፡ ካብ ኩሉ ነጺሉ ከሕቅቀናን ዕላምኡ ምዃኑ ውሁብ እዩ። ኣብ ሓደ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ክንውስኽ እንከለና ከኣ ኣብ ስዕረቱ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

ናይ ዝምድናን ምምራጽ መቃለሲ ባይታን ቀዳምነታት ክትሰርዕ እንከለኻ፡ ጉዳይ ጐረቤትን ብዙሓት ዜጋታትካ ዝርከብሉ ከባብን ቀዳምነት ከም ዝሕዝ ንኹላትና ንጹር እዩ። እንተኾነ እዚ ኣሰራርዓ ቀዳምነታት’ዚ ቀዋምን ሓንሳብ ምስ ተሰርሐ ዘይክፈት ዕጹውን ኣይኮነን። ብመሰረቱ ዝምድና ወይ ምምራጽ መቃለሲ ቦታ ሓንሳብ ምስ ተደኮነ ዘይቅየር ዘለኣለማዊ ዘይኮነስ፡ ብዝፍጠር ቀጻሊ ምዕባለታት ዝግዛእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታዊ የለን” ዝበሃል። ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ካብ ዝቐርበካ ኣብ ርሑቕ ምስ ዝነብር ብፖሊሲ ናይ ምዝማድ ቅሩብነትን ዝመሳሰለካ ኣካል ምዝማድ እትመርጸሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ተኽእሎ ኣሎ።  እዚ ሓድሽ መአከቢ ቦታን መቃለሲ ባይታን ምርካብ ኣብ ኩሉ ሃገራት እንተዝላባዕ’ሞ ሜዳ ጉጅለ ህግደፍ እንተዝሽምረር፡ ምጠቐመና እምበር ኣይምጐድኣናን’ሞ ሓደራ ደኣ ነስተብህለሉ።

19 December 2015

Page 10 of 596