ትካል ገንዘብ ዓለም (IMF)፡  ኣብ ዝገበሮ ቁጠባዊ ዳህሳስ፡ ብሰንኪ እኹል ኣሃዛዊ ሓበሬታ ዘይምርካብ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ናይ ሃገራት ዳግማይ ከም ዝዘለላ ኣፍሊጡ። ነዚ ኩነታት መሰረት ገይሩ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ካብ ዓለምለኻዊ ገንዘባዊ ቀጥዒ ወጺኣ ዘላ ሃገር  ዘርኢ እዩ’ውን ኢሉ።

እቲ ትካል ነዚ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዘውጸአ፡ ኣብ 14 መስከረም 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት ዓለማዊ ቁጠባዊ ዕቤት፡ እቲ ኣብ 2025 ናይ 3.2% ዝነበረ ናይ 2026 ድማ 3.1% ከም ዝኸውን ኣሚቱ። በቲ ትንበያ መሰረት መብዝሕትአን ሃገራት ዝርዝር መጻኢ ቁጠባዊ ዕቤተን ከመይ ከም ዝመስል ዝሕብር ዝርዝር ክረኻ እንከለዋ፡ ኤርትራ ግና ካብቲ ዝርዝር ስለ ዝተሰረዘት ንዓኣ ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይወጸ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክደጋገም ዝጸንሐ ምዃኑ ሓቢሩ።.

ትካል ገንዘብ ዓለም፡ ግቡእ ትልሚ ንዘየውጸኣን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ናይ ዘየቕርባ ሃገራት ግምት ከቕርብ ከምዘይክእል ጠቒሱ፡ ኤርትራ ከኣ ብመሰረት እቲ ዓንቀጽ 4 ዝበሃል ምምኽኻር፡ ብዘይካ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ሓደ ግዜ ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶታ፡ ዓቐን ዝቕባበኣ፡ ልቓሕን ንግዳዊ ኣፈጻጽማን ዝሃበቶ ሓበሬታ ከምዘየለ ኣቃሊዑ። 

ብሰንኪ’ዚ ንገንዘባዊ ኣጠቓቕማኣ ዘርኢ ኣህጉራዊ ምልክታ ዘይምህላዉ ካብቲ ዝርዝር ናይ ሃገራት ክትስረዝ ግድን ኮይኑ ኢሉ። በዚ መሰረት ምስ ጐረባብታ ሃገራት ክረአአይ እንከሎ ኣቀራርባኣ ዘይብሩህ ምዃኑ ሓቢሩ፡ ኢትዮጵያ’ኳ ሳላ’ቲ ንትካል ገንዘብ ዓለም ዘቕረበቶ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኣብ 2024 ኣስታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትረክብ ምኽኣላ ኣስፊሩ።

ናይ ኤርትራ ካብቲ ዝርዝርን መርኣያን ናይቲ ትካል ምብኳር፡ ንትካላዊ ቁጠበኣ ኣዝዩ ከም ዘድክሞ ኣስፊሩ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ክቱር ቁጠባዊ ምቁጽጻር፡ ውሑድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዕቋርን ኣዝዩ ድሩት ኣጠቓቕማ ባንክን፡ ድሕሪት ትተርፍ ኣላ ኢሉ። እቲ ብ2019 ኣቕሪባቶ ዝነበረት ጸብጻብ’ውን፡ መርእያ ዝሕተላን መጠንቐቕታ ከቢድ ሕጽረትን ምንባሩ እዩ ኣመልኪቱ።

 ባንዴራ ሒዛ ዘላ ሱዳናዊት ናብ ከተማ መደኒ ካብ ዝተመልሱ ሓንቲ’ያ።

ኣብ ሱዳን ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ካብቶም  ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝነበሩ 2.6 ሚልዮን ሱዳናውያን፡ ሰራዊት መንግስቲ ሓደሓደ ቦታታት ክቆጻጸር ምስ ከኣለ ናብ መረበቶም ከም ዝተመልሱ ዓለምለኻዊ ውድብ ሰደተኛታት (IOM)፡ ብ16 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይቶም ካብ ወርሒ ሕዳር 2024 ክሳብ መስከረም 2025፡ ናብ ቦታኦም ምምላስ ምስ ምምሕዳራት ሲናር፡ ጋዛን ካርቱምን በቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምትሓዝ ከም ዝተሓሓዝ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ካብቶም ናብ መረበቶም ዝተመልሱ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን እቶም 2.1 ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ዝነበሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ  ግብጺ፡ ሊቢያን ደቡብ ሱዳንን ካብ ዝርከብአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተመለሱ ምዃኖም እውን እቲ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስድተኛታት ኣብቲ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ዓለም ለኻዊ ውድብ ጸብጻብ ብተወሳኺ ከም ዘመልከቶ፡ ካብቶም ተመለስቲ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናብ ከተማ ካርቱም፡ ልዕሊ 97 ሺሕ ናብ ጀዚራ፡ 194 ሺሕ ናብ ሲናር፡ 168 ሺሕ ናብ ብሉ ናይልን 102 ሺሕ ከኣ ናብ ሰሜን ዳርፎር ምዃኖም ዝሕብር ዝርዝር ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ካብቲ ካብ ከተማ ካርቱም ተመዛቢሉ ዝነበረ 3.7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ቀረባ ግዜ እቲ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ዝምለስ 2.7 ክበጽሕ እዩ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ህዝቢ ናብ ዝተፈላለዩ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ዝተመዛበለ ጸብጻባት  ክጠቕሱ ምጽነሖም ዝዝከር እዩ።

Saturday, 18 October 2025 18:42

Dimtsi Harnnet Sweden 18.10.2025

Written by

ዳይረክተር  ደቡብ ሱዳን ኣብ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርትን ሜ/ጀነራል ኢሊያ

 ባዓል መዚ ኢሚግረሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ 17 ኤርትራውያን ከም ዝኣሰረ ኣፍሊጡ። እቲ ማእሰርቲ ኣብ ክልተ በበይኑ ኣጋጣሚ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ጠንቁ ከኣ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተሓቢሩ። ናይታ ሃገር ሓላፊ ሲቪላዊ ምዝገባ፡ ዜግነትን ፓስፖርት መጀር ጀነራል አሊኣስ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክሰግሩ ክብሉ ከም ዝተታሕዙ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ 10 ጥቅምቲ 2025 ናይ መጀመርያ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም 14 ኤርትራውያን ኣብ ዶባዊ ከተማ ኣወኢል ኣብ ሰሜን ባሕረ-ጋዛል ከም ዝተስሩን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከቡ እቲ ጀነራል ገሊጹ።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ካለኦት  ከኣት ሕንቲ ጓለንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ጥቓ ፓሎች ዝተባህለት ከተማ ምትሓዞም ጠቒሱ። እዞም ኤርትራውያን ብዘይ ብቑዕ መንቀሳቐሲ ስለ ዝተረኽቡ ናይ ክሲ ፋይል ከም ዝተኸፍቶም’ውንእቲ ዲረክተር ጀነራል ጠቒሱ።

 ጀነራል ቾስታ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገሩ ዝተታሕዙ ጉዕዘኦም ምስቲ ብሰዳን ኣቢልካ  ደሓር ድማ ናብ ሊቢያን ባሕሪ መደትራኒያን ኣቋሪጽካ ናብ ኤውሮጳን ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣተሓሒዝዎ። እቲ ተረኽቦ ናይ መጀመሪያ ከምዘይኮነን ነዊሕ ሰንሰለት ከም ዘለዎን እውን ኣስሚርሉ።  እቶም ዝተኣስሩ ካብ 20 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ምዃኖም ከኣ ብተወሳኺ ገሊጹ።

Thursday, 16 October 2025 23:07

Dimtsi Harnnet Kassel 16.10.2025

Written by

 “ናይ ኬንያ ኣቦ ዲሞክራሲ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ኬንያዊ ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብ15 ጥቅምቲ 2025 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመኡ  ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምናዊ ክንክን እናተገብረሉ   ከም ዝዓረፈ፡ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን። ኦዲንግ ናይ ሃገሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ “ኣዚሞ ላ ኣዚሚዮ ኡሞጃ (ሓንቲ ኬንያ)”   ኮይኑ፡ 5 ግዜ ንፕረሲደንትነት ተወዳዲሩ ከም ዘይተዓወተ ታሪኽ ህይወቱ ይምስክር።

ብ16 ጥቅምቲ 2025 ኣስከሬኑ ካብ ህንዲ ናብ ሃገሩ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀሞ ከኒያታ፡  ዝተኣከበ ደጋፊኡ ስለ ዝበዝሐን ንምቁጽጽጻሩ ስለ ዝኣገመን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንግዜኡ ምሉእ ብምሉእ ንክዕጾ ናይ ግድን ኮይኑ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ኣስከሬኑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ቤተመንግስቲ ተወሲዱ ብህዝቢ ክረአ’ኳ መደብ እንተነበረ፡ ህዝቢ መካበብያ ናይቲ ቤተመንግስቲ ክጥሕስ ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ከተማ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ሞይ ማእከል ስፖርት  ከም ዝተወስደ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ስታድየም እውን ደገፍቲ ኦዲንጋ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተሓዝአ ቦታ ብሓይሊ ጥሒሶም ክኣትዉ ምስ ጀመሩ፡ ፖሊስ ነቲ ዕግርግር ንምቁጽጻር ተኹሲ ከፊቱ 3 ሰባት ከም ዝተወቕዑ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዓሌቱ ኣብ ዝርከብዎ፡ ቦንዶ ኣብ ዝበሃል፡ ካብ ከተማ ኪስማዩ ንወገን ምዕራብ 60 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ናይ ሕርሻ ቦታኡ 18 ጥቅምቲ 2025 ከም ዝቐበር ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኬንያ ናይ 7 መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ’ሎ።

ኦዲንጋ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዃን ምስ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱስፍ ተወዳዲሩ ከምዘይተዓወተ’ውን  ዝፍለጥ እዩ።

ስልጣን ከም ዝመንዝዑ እናኣወጁ

ኣብ ደሴታዊቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማዳጋስካ፡ ኣባላት ፍሉይ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ካብ ፕረሲደንት ኣንድሪ ራጆየሊና ብዕልዋ ከም ዝመንዝዑ ምሕባሮም ኣልጀዚራ ኣፍሊጣ። እቶም ወተሃደራት ስልጣን ዝመንዝዑ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ፕረሲዳንት ዝተላዕለ ቀጻሊ ተቓውሞ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጦም እዮም።

ብዛዕባቲ ተረኽቦ  ብ14 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ቤተ-መግስቲ ናይታ ሃገር ኮይኑ ዘፍለጠ፡ ኮለኔል ሚካኤል ራንድሪኣኒሪና ዝተባህለ ኦፊሰር ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ወተሃደራዊ መግለጺ፡ ድሕሪ 2 ዓመት ምርጫ ክሳብ ዝግበር፡ ዝመርሕ መሰጋገሪ ኣካል ከም ዝምስረት ከኣ ሓቢሩ። ወተሃደራት ኮኑ መንእሰያት ነቲ ዝተገብረ ለውጢ ዘለዎም ደገፍ ኣብ ጐደናታት ከም ዝገለጹ ከኣ ተፈሊጡ።

በቲ ወተሃደራዊ መግለጺ መሰረት፡ ከም ኮሚሽን ምርጫ ዝኣመሰላ ናይታ ሃገር  ቀንዲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት፡ ከም ዝተኣገዱ ክሕበር እንከሎ፡ ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ተቓውሞ ከካይዱ ዝጸንሑ መንእሰያት እውን ኣካልቲ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ኣካል ከም ዝኾኑ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ማዳጋስካር ዝረአ ዘሎ ምዕብልና ንምምያጥ ብ15 ጥቅምቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ናይቲ ቤት ምኽሪ መበል 1306 ኣኼባ ዝተጸወዓ ብዛዕባቲ ስልጣን ብወተሃደራት ምትሓዙ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደጋ ንምምይያጥ እዩ። ነቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ቀንዲ ዘሻቐሎ ከኣ ናይቲ ፕረሲደንት ስግኣት ሓዲርዎ ካብታ ሃገር ምውጽኡ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዩሱፍ ምልከታኦም ካብ ዘቕርቡ ሓደ ክኸውን እዩ።. ፕረሲደንት ኣንጆሊና ናበይ ከም ዝኸደ ብወግዒ ዝተገልጸኳ እንተዘየለ ናብ ምውርሸ ከይዱ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ።

መራሒ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ መራሒ ቐጠር ኣሚር ሸኽ ታሚን ቢንን ፕረሲደንት ቱርክ ጠይብ ኤርዶጋንን ብመሰርት እቲ ኣሚሪካ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም እሞ ሓማስን እስራኤልን ዝተቐበልዎ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ሰነድ ብ13 ጥቅምቲ 2025 ፈሪሞም። ድሕሪ’ቲ ኣብ ግብጺ ሻርም ኢል-ሻይክ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምኽታሞም፡ እቶም ከተምቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ድማ ነቲ ስምምዕን ንቀጻሊ ኣተገባብራኡን ከም ዝድግፉ ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ስነስርዓት ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ሰፊኑ’ሎ ምስ በለ፡ “ፍልጣኤምን እስራኤልን ማዕረ መሰል ክህልዎም ይግባእ” ዝብል ቃል’ኳ እንተቃለሐ፡ መራሕቲ ፍልጥኤምን እስራኤል ዋናታት ናይቲ ዋኒንን ኣቐዲሞም ንእማመ ኣሚሪካ ዝተቐበልዎን ክነሶም፡ ኣካል’ቲ ምኽታም ዘይምዃኖም ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ቀዳሊ ዓብይ ብደሆ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዳግመ-ህንጻ ጋዛ እዩ እውን ኢሉ።

እቲ ዝተፈረመ ሰነድ 6 ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብወግዒ ጠጠው ምባሉ ምእዋጅ፡ ናብ ጋዛ ብህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ንክኣቱ ምፍቃድ፡ ሰራዊት እስራኤል በብምዕራፉ ካብ ጋዛ ክወጽእ፡ ክልቲኦም ወገናት ብመንጎኛ ኣቢሎም ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ መስመር ክኸፍቱ፡ ካብ ኣሚሪካ፡ ግብጺ፡ ቱርክ፡ ቀጠርን ካለኦት ሃገራትን ብኣባልነት ዝርከብዎ፡ መስርሕ ኣተገባብራ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ምምስራት ዝብሉ ይርከብዎ

በቲ ስምምዕ መሰረት ድሮ ብሓማስ ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ እስራኤላውያን ግዳያት፡ 20 ብህይወቶም ተፈቲሖም ክፋነዉ እንከለዉ ናይ ዝሞቱ ኣስከሬናት’ውን ተረኪቡ። ብኻልእ ወገን ድማ እስራኤል ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣሲራቶም ዝጸንሐት ኣስታት 1700 ፍልስጥኤማውያን ፈቲሓ ኣፋንያቶም።

Page 13 of 630