ደምዳሚ መግለጺ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Written by ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ07 ነሓሰ 2024
እቲ ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ብተበግሶ ሓርበኛ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን-ናው) ዝጀመረ መስርሕ ሓባራዊ ከይዲ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባ)፡ ደጊም ናብ ልዕል ዝበለ ብራኸ ብምውጻእ 1ይ ዋዕላኡ ካብ ዕለታት 05-08 ነሓሰ 2024 ኣካይዱ፡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ እዚ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብኣካልን ብዘሎ ምዕቡል ናይ ማንዛ ርኽክባትን ብምውህሃድ ዝተኸየደ ዋዕላ’ዚ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ራዕድን ሽበራን መቕዘፍትን፡ ኣብ ዞባና ንፈጢሩዎ ዘሎ ጸገማትን ንምዕራፍ፡ ብተወሳኺ`ውን ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ምስ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደሽቲ ዘየቕስኑ ኩነታት ብምዝማድ፡ ህዝብናን ሃገራናን ካብዚ ሽግራትዚ ንምውጻኡ ክግበር ንዝግባኦ መዋጽኦታት ኩሉ ብዕምቆት ዘትዩሉ። ንዝመጽእ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጠመተ ብምግባር፡ ፖሓኤ ዝምርኮሰሎም ፖሊቲካዊ መትከላትን፡ ዕላማታትን ቅዋማዊ መቖሚታትን ሓንጺጹ።
እቲ ካብ መፋርቕ 2020 ዝጀመረ ከይዲ ጉዕዞ ብዙሕ ብድሆታት ዝነበሮ ኮይኑ፡ እሞ`ውን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብኺኖቲ ግናይ ምልካዊ ስርዓት ተጻዒኑዎ ዝጸንሕ ጉድለት፡ ናይ ተቕወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ጸገምን፡ ክብድህ ዝኸኣለ ባና ናይ ዓወት ኣብሪሁ ምህላዉ’ዩ። ብርግጽ`ውን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ሓይልታት ብሃንቀውታ ዝጽበዩዎ ትስፉው መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ’ውን ብኻልኦት ሓይልታት ከምዝትርንዕን ናብቲ ህዝብና ዝደልዮ ናይ ዓወት መንገዲ ከም ዝበጻሕና ዘበስርን ክኸውን`ዩ።
እዚ ዕዉት መስርሕዚ፡ ክዉን ዝገበሩ ኩሎም ኣባላት ናይ እዘን ሰለስተ ውድባትን ሰልፍታትን ዝነኣድ ኮይኑ፡ ብዝያዳ`ውን እቶም ነዚ ቅዱስ ዕማም ናብ’ዚ ብራኸ’ዚ ከብጽሑ ዝኸእሉ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣዚና ነመስግን። ንኹሉ ዝሓለፍዎ ስርሓቶም ዘንጸባርቕ ጸብጻቦቶም ብጽሞና ሰሚዑን ተቐቢሉን፡ ብማዕሪኡ`ውን ኣመስጊኑን። ከምኡ’ውን ነዚ ዕዉት ዋዕላና ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ምሳና ንዝቐነዩን ፡ ነዚ ህዝባዊ ዓወት ንዘቃልሑን ወነንቲ ኤሪትራዊ ማሕበራዊ መራኽቢታት ኤሪሳት፡ ኤሪፒኤም፡ መስከረም 61፡ ስኒትና ኔትዎርክ፡ ኣሰና፡ ራድዮ ኤረና፡ ሃገረይ ቲቪን፡ መላ መድያን ደጋጊምና ነመስግኖም።
ዋዕላና፡ ነቲ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝተነብረ ሃገራዊ መቆምያታት ማለት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፣ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብ፣ ዲሞክራስያዊ መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ንዝብል ቅቡል ጌሩ ንኸዕውቶ ወሲኑ ኣሎ።
ዋዕላና፡ ንላዕለዋይ መሰጋግሪ ሽማግለን፡ ንመስርሕ ምስንዳእ ዋዕላና ብዕትበት ንዝሰርሑን እንዳኣመስገነ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሰንኪ እዚ ገባቲ ስርዓትዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ፡ ሕሰምን ስቅያትን ስድራ ቤታዊ ፍልሰትን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምዕራፍ፡ ምልጋስ ናይዚ ስርዓትዚ መተካኣታ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ህዝብና ነዚ ክዓጥቕን፡ ዘሎዋ ፖሊቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን`ውን ነዚ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ዓወት መሳልል ብሓባር ክድይቡዎን ክጸናበሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ዋዕላና ጸዊዑ።
ዋዕላና፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ክዕመሙ ዝግባኦም ህዝባውን ፖሊቲካውን መደባት ሓንጺጹን ንዝምልከቶ መሪሕነት ሓላፍነት ኣሰኪሙን። ንምክልኻል ልዑላውነት ኤርትራ፣ ንሓባራዊ መኸተ ደምበ ተቓውሞ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ንህዝባዊ ማዕበልን መንእሰያዊ ባህርያቱን፣ ንዝምድናታት ምስ ከባቢናን ዓለምናን፣ ክመጸና ንዝኽእል ዶብ -ሰገር ሓደጋታት፣ ከምኡ`ውን ንሰብኣዊ መሰላት ህዝብና ኣመልኪቱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ወሲዱ። ዋዕላና፡ ኩሎም ኣባላት ፖሓኤ ነዚ ውሳኔታት ምስ ዝምልከቶም ተመሳሰልቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክኸድድዎን፡ ከድምዑሉን ይጽውዕ። ብማዕረዚ`ውን ኣሕዋት ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ንዘሎና ንኣሽቱ ፍልልያት ብምውንዛፍ፡ ንምእላይ ናይዚ ገባቲ ስርዓት ሓቢርና ንኽንሰርሕ ይጽውዕ።
ዋዕላና ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ነዚ ውሳኔታትዚ ንዝመጽእ 2 ዓመታት ዝመርሑ 21 ኣባላትን፡ 3 ተጠባበቕትን ዘሎዉዎ፡ መሪሕነት ኣቚሙ። ፖሓኤ ንቐጺሉ ሒዙዎ ዘሎ ፈላሚ ሓባራዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ንምዕዋት ክሰርሕ ምዃኑኣረጋጊጹ።
ዓለምና ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ክርዳእን ዘድሊ ሓገዛት ንህዝብና ክልግስን ኣንዳጸዋዕና፡ ነቲ ድሮ ተፈጺሙ ዘሎ እንዳኣመስገንና ንዝያዳ ተሳታፍነቶም ንጽውዕ።
ብሓድነት ንሓርነት!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!
ከተማ ቪስባደን፡ ጀርመን
ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ።
ቃል ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ 1ይ ዋዕላ
Written by ብኣቦ መንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ6 ነሓሰ 2024
ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንኽልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኢዩ።
ክቡር ኣቶ ያሲን ዓብደላ ም/ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ
ክቡር ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳያት
ክብርቲ ወሮ/ ኣድያም ተፈራ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ
ክቡራንን ክቡራትን ብኣካልን ብዙምን ተሳታፍቲ ዋዕላ
ክቡራት ብኣካልን ብዙምን ትሳተፉ ዘሎኹም ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን
ብስመይን ብስም ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካልን ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም
እንቋዕ ናብዚ ዋዕላዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና። ዓወትን ኣሳልጦን ዝመልኦ ቅንያት ይግበረልና።
ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣደዳ ስቓይን ሕማምን ድንቁርናን ድኽነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለ ዝዀነት ናብ ህዝባ ከተንብር ዘይትኽእል ሃገር ተቐዪራ ኣላ። ኣብ ኤርትራ እቲ ንቡር ዘይኮነ ኩነታት ከም ንቡር ስለ እተወስደ ዘርዚርካ እውን ስለ ዘይውዳእ ሓደሓደ ኣብነታት ጥራሕ ክጠቅስ እየ።
* ደረት ኰነ ግቡእ ዓስቢ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ካብ 94 ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ኣሎ። መሰሉ ዝፈልጥ ንቑሕ ዜጋ ካብ 18 ኣዋርሕ ንላዕሊ ከገልግል ኣይምፈቐደን። ግን ዘይግቡእ ክነሱ ይቕጽል ኣሎ።
* ኣብ ገዛእ ሃገርካ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክትጓዓዝ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ከድልየካ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።
* 11 ክፍሊ ምስ ወዳእካ ናብ ሳዋ ወይ መደበር ታዕሊም ምኻድ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።
* ብዝንባሌኻን ብዓቕምኻን ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ትኣቱ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝመደበካ ምእታው ንቡር ኰይኑ ኣሎ።
* ብሰንኪ ግጉይ ኣመዳድባ፡ ስራሕ ቈልዑ ብዘይ ኣቦን ኣደን ክዓብዩ ምርኣይ ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ።
* እቲ ውልዕ ኢሉ ብኣጋኡ ዝጠፍኤ ብሕታዊ ጋዜጣታት ካብ ዝእገድ 23 ዓመታት ኣቝጺሩስ፥ ገባቲ ስርዓት ዝዝርግሖ መራኸቢ ብዙሓን ምስማዕ ጥራሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ።
* ብሓጺሩ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጉጅለ ብመሪሕነት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅዋም ብኣዋጃት ጥራሕ ካብ ትማሓደርን ኣብ ኣድላይነት ዘይነበሮም ውግኣት ካብ ትሽመምን፥ ብደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ክትሳቐ ጸኒሓ ኣላ። ብጀካ እቲ ስርዓት ካልእ ስራሕ ክኸፍትን ሰራሕተኛ ክቖጽርን ስለ ዘይፍቀድ ብሕታዊ ጽላት ቦታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሰብ ሰሪሑ ክነብረላ ኣብ ዘይትኽእል ሃገር ስለ እተቐየረት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት ከምርሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ድማ በቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝብና ዝልኣኸሉ ደገፍ ስለዝነብር ናይ ሓዋላ ተጸባዪ ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ዘይንቡር ሃለዋት’ዚ ሃገሩ ናጽነትን ሓርነትን ከጓናጽፍ ን 30 ዓመታት እተቓለሰ ህዝቢ ከቶ ዝግብኦ ኣይኰነን። ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዘይንቡር ኣነባብራ ንምውጋድን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን እቲ እንኮ ፍታሕ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም ምዃኑ ይኣምን፥ ንዕኡ ንምርግጋጽ ድማ ይቃለስ።
እዚ ዕማምዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዕማም እዩ። ፖ ሓ ኤ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ሚነሶታ ብ2019 እተጀመረ ብነብሰሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል (ሱዳን ናው) ኣብ 2020 እተቐጸለ ንሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ንምጥርናፍ ዝዓለመ ምትእኽኻብ እዩ። ድሕሪ ዕቱብ ክትዓትን ምይይጥን ብተሳትፎ ናይ ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ኣካላት ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝስዕባ 4 መትከላት ማለት፥
1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ
2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት
3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ
4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ
መሰረት ዝገበረ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።
ብድሕርዚ ሓያሎይ ሓይልታት ሕጂ ካባና ወጻኢ ዘለዉ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውድብ ሓድነት ኤርትራን እተሳተፍዎ፥ ብምውህሃድ መስርሕ ሓሊፉ፥ ሓያሎይ ግዜ ዝወሰደ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት እተሳተፉሉ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን መርሓ ጎደናን ተነዲፉ ምንባሩ ክጥቀስ ዝግባኦ ሓቂ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንዅሎም ኣብዚ ታሪኻዊ ምስንዳእ ሰነዳት እተሳተፉ ኣካላት
ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርበሎም እፈቱ።
እዚ ሕጂ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መትከላትን ንድፍታትን ተመርኵሱ ዓንዲ ሕጊ ኣቝሙ፥ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓንጺጹ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ሓያሎይ ስጉምቲ ተጓዒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሕዳር (November) 2023 ክሳብ ዕለት 01 ንሓሰ 2024
ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖ ሓ ኤ 26 ኣኼባታት ኣክዪዱ። 2 ግዜ ንመላእ ኣባላት ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ንምልላይን ሓበሬታ ንምሃብን ኣኼባታት ኣካዪዱ።
ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣቚሙ ኣብ ዕለት 05ን 06ን ሰነ (June) 2024 ብክብ ዝበለ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሰበ ስልጣን ብራሰልስ ዕዉት ርኽክባት ኣካዪዱ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካል ናይዚ ዑዶትዚ ክኸውን ነይርዎ ግን ብጸገማቱ ብኣካል ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ኩሉ ካብ ምድላው ዝቐርብ ትሕዝቶ ክሳብ ውጽኢቱ ዝተኸታተለ ስለ ዝዀነ ከም ኣካል ናይዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክቝጸር ይክኣል።
ንዋዕላን ፈስቲቫልን ዘሰናድኣ ሽማግለታት ቆይመን ስርሐን ኣጻፊፈን ናብዚ ዋዕላዚ ክንራኸብ በቒዕና ኣሎና። ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጽሓየን።
ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን ክጸድቕ፥ ነዚ ጽላል ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱን 3 ተጠባበቕቲ ዝህልዉዎ ማእከላይ መሪሕነት ብመሰረት ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ክቐውም እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤኡ ድሕሪ ምግባር ምስ ፖሓ ኤ ሓቢሩ ዝሰፍሐ ጽላል ከቕውም ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ’ውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣካል ናይዚ ፖሌቲካዊ ሓይሊ’ዚ ኰይኑ ከደልድሎ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።
በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ 4 መትከላት ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣካል ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ኰይኖም ግዴኦም ከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝዓለመ ትጽቢታት ምእንቲ ከርዊ፥ ነቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ምሉእ ሓላፍነት ክዋሃቦ ክብ ዝበለ ትጽቢት ኣሎ።
ጀሚርናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብዘትኣማምን መንገዲ ሸቶኡ ከም ዝሃርም ኣይንጠራጠርን፥ ከመይ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዝሰፍሐ ጥርናፈ ንኽረጋገጽ፥ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ክኽፈል፥ ክግበር ዘለዎ ሕድገታት ክግበር ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ቀዳምነታትና ሰሪዕና ንጉዓዝ ስለዘሎና እዩ። ምጥቕቓዕ ሕድሕድ ወጊድና፡ ናይ እንካን ሃባን ኢሂን ሚህን ባህሊ ሒዝና ክንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ፡
እቲ ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝቐውም መሪሕነት ክቕጽሎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎና። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ምስራጽ ውሕስነት ንምዕዋት ናይ ቀረባ መደብን መሰረት ናይታ ኣብ ኣእሙሮና ዘላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን እዩ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሕሱም ጨካን ምሕደራ ሓራ ዝገላገል ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ምዃኑ ይኣምን። ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ካልእ ሓይሊ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ሃለዋት ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ዘሎ ብንቕሓትን ትብዓትን ከይወገደ ሓራ ክኸውን ስለዘይክእል ብቐዳምነት ንፍርህን ራዕድን ደርቢዩ ንመሰሉ ክጣበቕ የድልዮ። ገባቲ ስርዓት
ሻዲኑ ዘሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ስለ ዝቦኾረ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ክምለስ ኣለዎ።
መላኺ ስርዓት ንልዑላውነት ሃገርና ክከላኸል ከም ዘይክእል፡ ብኣንጻሩ ብዘይ ወኸሳን ደገፍን ድልየትን ህዝብና ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ካብ ኣፍ’ቲ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “2 ህዝቢ ኢዮም ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ኣይከሰርናን. . . ወዘተ”. . . ክብል ከሎ ብግልጺ ምስማዕና እኹል ጭብጢ’ዩ። እዚ ርኡይ ጥልመት’ዩ። ኵሎም ሃገራውያን ድማ ኣንጻሩ ደው ክብሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።
እንተ’ቶም ዑቝባ ሓቲቶም ክነሶም ንሕና ምስ መንግስትና ዝብሉ ካልእ ኩሉ ገዲፎም ንጠቕሞም ክብሉ ኢዶምን እግሮምን መልሓሶምን ክዕቅቡ ነተሓሳስቦም። ንምዕዶና ነጺጎም ናይ ጥፍኣት መገዲ ክቕጽሉ ምስ ዝመርጹ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ነጠንቅቖም።
ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርከብ ዓመጻዊ ስጉምታት ተወጊዱ ንፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዝውተር ንጽውዕ።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ። ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።
ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!
ብሓድነት ንሓርነት!
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
6 ነሓሰ 2024
ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዝርከብ ንኽልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኢዩ።
ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሰሉስ ዕለት 5 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ቪዝባደን፡ ሃገር ጀርመን፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ: ነቲ ዋዕላ ብዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ኢያ ኬፊታቶ። ቀጺላ፤ ንኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፤ ንኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡ ምክትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፤ ንኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማስን መጽናዕትን ብዝገበርዎ ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋን፤ ንኹሎም ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈትን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን፤ ብኣካል ይኹን ብዙም ወይ ማንዛ ዝተሳተፉ ኣባላት ሚድያ ምስጋንኣንመጐሳን ገሊጻ። ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሚድያታት እዘን ዝስዕባ ኢየን።
1. ኤሪሳት/ Erisat
2. መስከረም 61 ነትወርክ/ September 61 Network
3. ኤሪፒእም /Eripm
4. ረድዮ ኤረና Radio Erena
5. ሃገረይ ቲቪ Hageray TV
6. ስኒትና ነትዎርክ Snitna ነትዎርክ
7. ኣሰና /Asena
ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቭል፡ ንሓው ኣለምሰገድ ኣርኣያ፡ በዓል ሞያ ምቕራጽ ቪድዮ፡ ካብ ምኽፋት ናይ’ቲ ዋዕላ ክሳብ ምዕጻው ነቲ ተረኽቦ ብቪድዮ ኣብ ምስናዱ፥ ከምኡ'ውን፡ ነተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሚድያታት ብሓበራ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ክብ ዝበለ ምስጋናኣን መጐሳን ገሊጻ።
ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ24 ለካቲት 2024 በኹሪ ኣኼባ ከምዘካየደት ሓቢራ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣደ መንበር፡ ምኽትል ኣደ መንበርን ዋና ጽሓፍን ተመሪጾም/ን። ብ2 መጋቢት 2024 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንነብሳ ኣብ 4 ንኡሳን ሽማግለታት ብምክፍፋል ስርሓ ጀሚራ። እተን 4 ንኡሳን ሽማግለታት ናይ ሰነዳት፡ ናይ ቀረብ/ሎጂስቲክስ፡ ዜናን ጉዳይ ተሳተፍቲ ዋዕላን መሳለጢታቱን ኢየን። ኣብ ልዕሊ’ቶም 9 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኦት ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምውሳኽ ድማ ስርሐን ጀሚረን።
ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምእካብ ናይ ሕድሕድ ምልላይ መደብ ድሕሪ ምክያድ፤ ንስርሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምልከት መምርሒታትን መብርሂታትን ድማ ኣመሓላሊፉላ። እቲ መምርሒታት ድማ፡-
1. ንድፊ ሰነዳት ዋዕላ ኣጻፊፋ ናብ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከተቕርብ፤
2. ንዋዕላ ዝምልከት ፋይናንስያዊ፡ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ምድላውን ዋዕላ ዝጋብኣሉ ቦታ ምርካብን፤
3. ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንምክያድ ዘድሊ ተክኒካዊ መሳለጢታት ምውዳድን ዝብል ነበረ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝጋብኣሉ ቦታ ኣብ ከተማ ቪዝባደን ክኸውን ብኣጋኡ ቦታ ብምሕዛእ፥ ወከልቲ ሰለስቲአን ፖለቲካዊ ሓይልታት ብኣካል ተራኺቦም ዝዝትይሉ መድረኽ ኣዳልያ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ዝርከቡን ዝርከባን ኣባላት ሰለስቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዙም ወይ ብማንዛ ክሳተፉ ዘኽእሎም ኩሉ ዝከኣል መሳለጢታትን ምድላዋትን ጌይራ። ጠቕላላ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ዋዕላ ብኣካልን ብዙምን 60 ኰይኑ ገሊኦም ብኣካል ገሊኦም ከኣ ብማንዛ/ ብዙም ኢዮም ተሳቲፎም።
ኣብ መደምደምታ፡ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ብሓለፍትን ኣባላትን ለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንዝተገብረላ ምትሕብባር ብምምስጋንን ዕዉት ዋዕላ ንክኸውን ንዘለለዋ ትምኒትን ተስፋን ብምግላጽን መደሪኣ ዛዚማ።
ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ኣካል፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ዘስምዖ ቃል ከም ዘለዎ ከነቕርቦ ኢና። ተኸታተሉና።
Bahgna Media 220: ፖሓኤ ኣብ ድሮ ዋዕላን ፈስቲቫልን 05.08.2024
Written by Bahgna MediaMedia
ካብቶም ናጻ ዝወጹ ግዳያት ብኸፊል
ሰራዊት ሱዳን ብ6 ነሃሰ 2024 ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ካርቱም ተዓጊቶም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ደናግል፡ ካህናትን 20 ሲቪል ደቡብ ሱዳናውያንን ናጻ ከም ዘውጸአ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ኣብ እምዱርማን ተዓጊቶም ከም ዝነበሩ ድማ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዞም ግዳያት ኣብቲ ቀጻሊ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ሸጃና ዝበሃል ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ደንበስኮ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ናይ ሰራዊት ምውግለጺ፡ ፍሉይ ስርሒት ብዝበሎ ናይ ሰራዊትን ክፍሊ ስለያን ናይ ሓባር ስጉምቲ ናጻ ምስ ወጹ፡ ናብታ ዝምድናዊ ሰላም ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን እዮም ተወሲዶም።
ናይቲ ሰራዊት መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኣዞም ግዳያት ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ናይ መግብን መድሃኒትን ቀረብ ዝግበረሎም ዝነበረ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከውጸኦም ፈቲኑ ዘይተዓወተሎም እዮም።
እቶም ኣባላት ደንበስኮ ተዓጊተምሉ ዝጸንሑ ከባቢ፡ ካብ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን ውግእ ዝተጀመረሉን ብቐጻሊ ክካየደሉ ዝጸንሐን ክፋል ከተማ ካርቱም እዩ።
ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ መኽፈቲ ስነ ስርዓት፡ ነቲ ቀጻሊ መስርሕ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መዚዙ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ኣቐዲሙ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበሉ ንድፊ ቻርተርን ዝመሓደረሉ ቅዋምን ኣጽዲቑ፡ ነቲ ጽላል ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ዝመርሕ ኣካል ብምስያም፡ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምትሕልልላፍን ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእን ተዛዚሙ።
ቻርተር ፖሓኤ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማን ናይቲ ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ከምኡ እውን ኣገባብ ቃልስን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ዝምስረቱ ግዝያውን መሰጋገርን መንግስታት ዝቖምሉ ኣገባብ፡ ዝዓምዎ ስረሓትን ዝህልዎም ዕድመን ዘብርሁ ዓንቀጻት ዝሓቖፈ እዩ።
ናይቲ ጽላል ቅዋም ከኣ ስም፡ ኣርማን ካልእ መላለይን ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ብዛዕባ መምዘኒ ኣባልነት ኣብቲ ጽላል፡ ግቡኣትን መሰላትን ኣባላትን ዘብርሁ ዓንቀጻት እውን ዘስፈረ እዩ። ስርዒታዊ ጽላል ፖሓኤ፡ ሓላፍነት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዘነጽሩ ዓንቀጻት ኣብዚ ቅዋም ይርከቡ።
ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ብዝለዓለ ተሳትፎ ዝግለጽ እሂንምሂን ዝሰፈኖ ተሳትፎ ነይርዎም። ኣብ መጻኢ መሪሕነት ጽላል ከተኲረሎም ብዛዕባ ዝግብእ ኣብ ዙርያ ምስፋሕ ኣባልነትን ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘተኮሩ ሃነጽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዋዕላ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 21 ቀወምትን 3 ተጠባበቕትን ዝኣባላታ ማእከላይ መሪሕነት መዚዙ። ምስዚ ከኣ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዝዳህሰሰ ፖለቲካዊ ውሳነታት ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ከሕልፍ እንከሎ፡ ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ድማ ስርሑ ዛዚሙ። ዋዕላ ኣብቲ መገለጺኡ ብኣካል ይኹን ብማንዛ ንዝተሳተፉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ መድያን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ዋዕላ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተላኣእከ ናይ ዓወትን ሰናይ ትምኒትን መልእኽታት ተነቢቦም።
ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ፡ መእተዊ ቃልን ዝሓለፈ ምንቅስቓስ ፖሓኤ ዝዳህሰሰ ጸብጻብን ብኣቦመንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ከምኡ ድማ መስርሕ ምድላው ከመይ ከም ዝነበረ ዘርኢ ጸብጻብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀሪቡ ድሕሪ ምይይጥ ከም ዘጽደቐ ዝዝከር እዩ።
ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ6 ነሃሰ 2024 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ትሕቲ “ብሓድነት ንሓርነት” ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ጀርመን ተኸፊቱ። ኣብዚ ዋዕላ በዝይካቶም ብኣካል ዝተሳተፉ ብናይ ዙም መራከቢ ዝሳተፉ ኣባላት’ውን ኣለዉ። ኣብ መኽፍቲ እዚ ዋዕላ፡ ድሕሪ ሓጺር ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ዋዕላ ንዘዳለዉን ኩሉ ክኢሎም ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉን ከምኡ‘ውን ብኣካልን ብዙምን ንዝተሳተፉ ጋዜጠናታትን መድያታትን ኣመጒሱ። ፖሓኤ ናብዚ ዋዕላዚ ንምብጻሕ ንዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞን ዝተሓልፉ ብደሆታትን ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ዘሎ ብዙሕ ገጻት ንዘለዎ በደላት ዘርዚሩ። መሰረታዊ ዕላማ ፖሓኤ ነዚ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ በደላት መኪትካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ንምብጻሕ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ። ፖሓኤ ዝቖመሎም 4ተ መሰረታዊ መዕቀንታት ብምጥቃስ ድማ እቶም ነቲ ጉዕዞ ምምስራት ጽላል ዝጀመርዎ እዞም ኣብዚ ዋዕላ በጺሖም ዘለዉ 3ተ ውድባት ጥራይ ከምዘይነበሩ ኣብቲ ቃሉ ጠቒሱ። ዲክታተር ኢስያስ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ንዘርእዮ ምጥላዕ ብምጥቃ ከኣ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣንጻርቲ ዝውጸዖም ዘሎ ጉጅለ ክቃለሱ ጸዊዑ።
ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ብወገና ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ሓጺር ጸብጻብ፡ እታ ሽማግለ ዝቖመትሉ ኣገባብን ኣብቲ መስርሕ ዝዓመመቶ ስራሕትን ዝምልከት ሓበሬታ ኣቕሪባ፡ እታ ሽማግለ ናብቲ ዋዕላ ዝቀርብ ንድፊ ሰነድ ኣብ ምድላው፡ ነቲ ዋዕላ ዘድሊ ገንዘብን ካልእ ቀረባትን ኣብ ምርካብን ቦታ ዋዕላ ኣብ ምድላውን ንዝገበረቶ ጸዕሪ ኣመልኪታ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዝተሓባበሩዋ ኣካላት ከኣ ኣመስጊና፡ ዋዕላ ንምክያድ ዘኽል ቁጽሪ ከም ዘሎ ኣበሲራ። ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉ ኣባላት ፖሓኤን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ ሚድያን ድማ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪባ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሕዋት ገረዝጊሀር ትወልደ፡ ያሲን መሓመድ ዓብደላን ካሕሳይ ጉፍላን ብሓባር ኣብ ጉዕዞ መሰጋገሪ ኣካል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጸሕፈት ፖሓኤ ዝተዓሙ ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቦም ብተሳተፍቲ ድማ ጸዲቑ።
ኣብ መወድእታ መኽፈቲ ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ቀጻሊ መስርሕ ኣኼባ እትመርሕ 3ተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጾም ቀጺሎም።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ካለኣይ ዙር ናይ ምድላው ኣኼባ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ነሃሰ 2024 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ምንጭታት ናይቲ ሕብረት ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድላው ዘተ፡ “ምስቲ ናይ ዝወደቐ ስርዓት ሓይልታት ውግእ ኣኼባ ምክያድ” ብምኹናን በዂሮም ዝነበሩ ኣካላት ሱዳን ኣብዚ 2ይ ዙር ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ዓቕሚ ሓይልታት ሰላምን ሲቪል ሕብረተሰን ሱዳን ኣብ ምስፋሕ ከም ዝሕግዝ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ኢጋድ፡ ላውረንስ ኮባንዲ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ዘሎ ርክብ ሱዳናውያን ከም ዝካየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ዙር ዘይንበርሩ ተሳተፍቲ ኣብዚ 2ይ ዙር ሰፊሕ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዝወሃቦም ኣረጋጊጹ።
ምንጭታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ፡ ጉጅለ ተዳሙን፡ ብኣል ሓሰን ኣል መርቃኒ ዝምራሕ ሰልፊ ኡማን ካለኦት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ዝበኾሩ ጉጅለታትን ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጾም። ብዛዕባ ተሳትፎ ናይቲ ኮሚኒስት ሰልፊ ሱዳን ግና ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን።
እቲ ኣሰናዳኢ ኣካል ብወገኑ ነቲ ኣኼባ ዝምልከት ተክኒካዊ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ብኣል ሂሉ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሕርነት ህዝቢ ሱዳን፡ ብዓብደል ዋህድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰልፊ ባዕስን ካለኦት ምንቅስቓሳት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።
ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ብወገኑ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ናይ ሱዳናውያን ኣኼባ ኣብ ዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ምዃኑ ብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምምሕዳር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊት ድሕንነት ሰቪል፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣምበሳደር ኡዝራ ዘያ፡ ካብ 4 ክሳብ 8 ነሃሰ 2024 ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ከም እትገይሽ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እታ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃን ሲቪላዊ ማሕበራትን ክትራኸብ እያ። ኣብቲ ርክባታ ብዛዕባ ኣገዳስነት ብዙሕነት፡ ግሉጽነትን ልዕልና ፍትሒ፡ ምምዕባል ሓለዋ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ዝምልከቶም ክትመያየጥ እያ። ብዘይካዚ እታ ኣመሪካዊት ሓላፊት ኣብ መደበር ስደተኛታት ከይዳ፡ ኩነታት ክንክን ህጻናት፡ ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ እውን ኣመሪካ ኣብቲ መደበር ንዝርከቡ ስደተኛታትን ማሕበረ ማሕበረሰብን ክትዕዘብ እያ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ሰብኣዊ ደገፍ እተቕርብ ሃገር ምዃና እውን ኣብቲ ዝወጸ ናይ መድያ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ መዚ ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኬንያ ተራኺባ ብዛዓብቲ ኣብ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ኣጀንዳ ከም እትመያየጥ እቲ ንመገሸኣ ብዝምልከት ናይ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዛ ኣመሪካዊት ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ኣመሪካን ዝጸንሓ ናይ 60 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኬንያ ግዝኣተ ሕጊ፡ ጸረ ምጥፍፋእን ተሓታትነትን ኣብ ምሕያል ዝሕግዙ ዛዕባታት ከም ዝተላዕሉ ተፈሊጡ።
ብዘይካዚ ዞባዊ ጉዳያት ከም እተልዕልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ምእካብን ኣብ ዝምልከቱ መሰረተ ሓሳባት ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከም ዘልዕሉ ተሓቢሩ።
More...
ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ መጠን ሸርፊ ብር ምስ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ብናጻ ዝውሰን ንክኸውን ብ29 ሓምለ 2024 ኣዊጁ። እዚ ኣዋጅ ዝወጸ ብሓፈሻ ካብ ግዜ ምምሕዳር ኢህወደግ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን፡ ባንኪ ዓለምን ካለኦት ትካላት ገንዘብን ከዋጥጥ ድሕሪ ምስንሑ ዝመጸ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኸትሎ ዝኽእል ቅልውላው ብምስጋእ እዚ ናይ ሽረፊ መጠን ካብ መንግስታዊ ምቁጽጻር ናጻ ንክገብሮ ቅሩብ ኣይነበረን። እንተኾነ ናይ ግድን ካብዞም ዓለም ለኻዊ ገንዘባዊ ትካላት ልቓሕ ስለ ዘድለዮ እሞ ነዚ ቅድመ ኩነት ከየማለኤ ልቓሕ ኮነ ሓገዝ ከምዘይወሃቦ ምስ ተነግሮ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ።
ድሕሪቲ ኣዋጃ ምውጽኡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ባንክ 57 ብር ዝሽረፍ ዝነበረ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ፡ ናብ 76.23 ብር ከም ዝደየበ፡ ኣብ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ናብ 90.60 ብር ከም ዝበረኸን እቲ ወሰኽ ኣብ መስርሕ ምድያብ ከም ዘሎን ብሉም በርግ/BLOOMBERG ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ኩነታት ናይ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ከመይ ደረጃ ምህላዉ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣብ ዶላር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ መዓልታት ክውስኽ እንከሎ ከኣ ብቐጻሊ ዝንህር ከም ዝኸውን ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት የመልክቱ ኣለዉ።
ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ብወገና ከም ዝገለጸቶ ድሕሪ እቲ ስጉምቲ ብብሄራዊ ባንክ ምውሳዱ እሞ ክትግበር ምጅማሩ ትካል ገንዘብ ዓለም/ IMF ኣብ 4ተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ንኢትዮጵያ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ብደረጃ ልቓሕን ሓገዝን ክወሃቦ እዩ ዝጽበ።
እዚ ኩነታት ዘስዓቦ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስግኣት ፈጥሩ ከም ዘሎን ኣብታ ሃገር ዝመደበሮም ናይ ወጻኢ ትካላት፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኬንያ ደሓር ድማ ኣብ ናጀርያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ከም ዝሰግኡ ይገልጹ ኣለዉ።
መንግስቲኢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኽሰት ናህሪ ንምክልኻል ብዝብል ዝተሓተ ደሞዝ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ 300% ዝበጽሕ ወሰኽ ክገብርኳ እንተወሰነ እቲ ስግኣት ብኸምዚ ከምዘይፍታሕ ብዙሓት ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድም ጉንበት-7 ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ኢዘማ ተሰይሙ ብዶር ብርሃኑ ነጋ እናተመርሐ ምስ ብልጽግና ዝጸርሕ ዘሎ ሰልፊ ንውሳነ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ “ግዜኡ ዘይሓለወ” ብዝብል ብወግዒ ተቓዊምዎ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዲሞራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራን ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዋስእሉ ዝጸንሑ ጽላል ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2024 ናብ ሓባራዊ ዋዕላን ፈስቲቫልን ክኣቱ እዩ። እቲ ዋዕላ ነቲ ዝጸንሔ ኣካይዳ ናብ ምቛም ወግዓዊ ጽላል ዘሰጋግር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፈስቲቫል ድማ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ዝብሰረሉ እዩ። ናይ ክልቲኡ ኣገደስቲ መድረኻት ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ድማ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ኣለዋ።
እዚ ዋዕላ ኣብ ርእሲ እቲ ጽላል ብወግዒ ዝምስረተሉ ምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ጽላል ዝምረሓሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ከጽድቕ እዩ። ኣብዚ ዝጸድቕ ውሽጣዊ ቅዋም እቲ ጽላል ካልኦት ኣባላት ወሲኹ ዝሰፍሓሉ መንገዲ ዝእምትን ኣብ ነንሕድሕዱ ከመይ ከም ዝናበብን ዘብርህ ዓንቀጻት ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ንመጻኢ ነቲ ጽላል ዝመርሕ ኣካል ምስ ተጠባበቕቱ ኣብዚ ዋዕላ ክስየም እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝስየም ሓጋጊ ኣካል ዝነጥፋ ፈጸምቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ክንጸራ እየን።
እዚ ጽላል ክሳብ ሕጂ ተመስሪትሎም ዘሎን ኣብቲ ዋዕላ ዝጸድቁን መሰረታዊ መዕቀኒ ኣዕኑድ ፡ ልኣላውነት ኤርትራን ህዝባን ምዕቃብ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ህግደፍ ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምውሓስ፡ ኤርትራዊ ብዙሕነት ምንጽብራቕን ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባርን ዝብሉን ነፍሲ ወከፎም ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓቖፉን እዮም። እዘን ጽላል ዘቑማ ዘለዋ ውድባት ካብዚ ውጻኢ ዘሰማምዐን የለን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚኣቶም ቀዳምነት ዝተዋህብሉ ምኽንያት፡ መሰረታውያን መለለይታት ቃልሲ ኤርትራ ኮይኖም፡ ብብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ተቐባልነት ስለ ዘለዎም ዝሰፈሐ ሓይሊ ንምጥርናፍ ዘኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ዝተወስዱ እዮም።
ናይዚ ጽላልዚ ምምስራት ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ተቓውሞ ኤርትራ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ስጉምቲ ዘይኮነ፡ ከም ቁልዒ ዝውሰድ እዩ። ነዚ ቁልዒ ንህግደፍ ክልብልቦ ናብ ዝኽእል ሓያል ህዝባዊ መጋርያ ንምምዕባሉ ድማ ናይ ኩሎም ብመንገዲ ምጥርናፍ ኣቢልካ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዝኣምኑ ወገናት ጻዕርን ተሳትፎን ከም ዝሓትት ፖሓኤ ኣዕዚዙ ይኣምንን ምእንታኡ ይቃለስን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ካልኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳበታት’ውን ከም ናቶም ክወስድዎን ክሳተፍዎን ፖሓኤ ወትሩ ዝጽውዕን ኣብቲ ዋዕላ ከጉልሖ ትጽቢት ዝግበረሉን።
ምምስራት ጽላል ኣብ ደንበት ተቓውሞ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝወድቕን ዝትንስእን ዘሎ እምብር፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከም ዘይተዓወተ ናይ ኩልና ተዘክሮ ዝምስክሮ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ዝሃቦ ትምህርቲ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ምትንሳእን ምውዳቕን ስግኣት ብምንቃል ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል ምስላ፡ “ተበግሶ ፖሓኤኸ ክዕወት ድዩ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይስማዕ እዩ። እዚ ስግኣት ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝነቅል እምበር፡ ካብ መሬት ሓፊስካ ዝውረ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ፖሓኤ’ውን ኣብ ግምት ዘየእትዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። እቶም ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ዝቐደመ መስርሕ ዝነበሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ምስ ትማሊ ዘይኮነስ ምስ ሎሚ ዝስጉሙ ዘለዉ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ቃልሲ ብውረድ ደይብ ዝተመልአ ኣብ መወዳእታ ብብራኸ ዝድምደም እምበር ልሙጽ መንገዲ ከምዘይኮነ ምርድኡ የድሊ። እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ከኣ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ሓጐጽጐጽ ዘይኮነ፡ ካብቲ ውድቀት ዘይምምሃር እዩ።
ስለዚ ናይዚ ፖሓኤ ዝምስርቶ ጽላል ናይ ምዕዋት ውሕስነት፡ በቲ ትማሊ ዘይነበረ ሎሚ ዝምዕብል ዘሎ “ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እዩ” ዝብል ግንዛበ ዝተበገሰ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ኮታ ናይ ሎሚ ናይ ምዕዋት ተስፋና ካብ ናይ ትማሊ ፍሽለት ምምሃርና ዝነቅል እዩ። ብኣተሓሳስባ ኣብቲ ናይ ትማሊ እንተንህሉ ግና ናብዚ ዋዕላ ንምብጻሕ ፖሓኤ ዝያዳ ሰለስተ ዓመታት ኣይምተጸመመን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈላልየካ ንእሽቶ ተጉልሕ፡ ነቲ ዘሰማማዕካ ዝዓበየ ዝያዳ ኣጀንዳ ንምግባሩ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተስፋ ዝህብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሕድሕድካ “ብማይ ቀጠነ” ምጽልላምን ምክሳስን ሎሚ ዘይምህላዉ ነቲ መንገዲ ምጽውዋርን ምክእኣልን ሒዝናዮ ንቃለስ ከም ዘለና ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ክንዕቅቦ ዝግበኣና እዩ።
ናይቲ ኣብ ጽላል ፖሓኤ ዝጠራነፍ ዘሎ ሓይሊ ናይ ብዝሕን ዓይነትን ውሱንነት ዘሰክፎም ወገናት እውን ይስምዑ እዮም። እዚ እውን ዘየዛርብ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እቲ ጽላል ሒዝዎ ይብገስ ናይ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንጹርነትን ህልዊ ኤርትራዊ ባይታን ዳህሲሱ ዝብገስ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዓቕሚ ምዃኑ ምርድኡ የድሊ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብመሰረቱ ጽላል ናይ ምፍጣር ምስጢር በበይኑ ክወፍር እንከሎ ዘየድምዕ ዝተበተነ ዓቕሚታት ናብ ሓደ ኣምጺእካ ከም ዘድምዕ ንምግባሩ ስለ ዝኾነ፡ ምምስራት ጽላል ካብ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ንምውጻእ ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት እቲ ቀዳማይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።
ዘይሩ ዘይሩ፡ ናይዚ ብወግዒ ዝምስረት ጽላል ፖሓኤ ረብሓን ኣገዳስነትን ንኣባል ውድባቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘንብር እዩ። ኣገዳስነቱ ክሳብ ክንድዚ ኣብተን ዝምስርተኦ ዘለዋ ውድባት ጥራይ ዝድረት ካብ ዘይኮነ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣባላት ናይቲ ጽላል ካብ ምዃን ጀሚሮም፡ ምስቲ ጽላል በብዝኽእልዎ ክተሓባበሩን ደገፎም በብዝጥዕሞም ኣገባባትን ክእለትን ከበርክቱን ፖሓኤ ኣብ ድሮ ዋዕላኡን ፈስቲቫሉን ይጽውዕ ኣሎ።