ምስሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ (ካብ ማሕበራዊ መዲያ)

ኣብ ጅቡቲ ብፍላይ ዓሊ-ዓዴሃ ኣብ ዝበሀል መደበር  ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመረ ጸገሞም መፍትሒ ስለ ዘይረኸበ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ “ኢሪሳት” ካብቲ ቦታ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢራ። ካብቲ ቀንዲ ጸገሞም ሕጽረት መግብን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ካብዞም ስደተኛታት ኣብቲ መደበር ክሳብ 8 ዓመት ዝጸንሑ ከም ዝርከብዎም ጠቒሱ፡ ካብቲ ቦታ ናብ 3ይ ሃገር ንክጣየሱ፡ ወይ ኣብታ ሃገር ሰሪሖም ክነባበሩ ዘቕረብዎ ጠለብን ካልእ ሕቶታትን ከምዘይተመለሰሎም ኣፍሊጡ። ብዘይካዚ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብጉዳዮም ከምዘይግደስን ሓለፍቲ ጅቡቲ ድማ ከም መርከቢ ሓገዝ ስለ ዝጥቀምሎም ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዘይደልይዎምን እቶም ስደተኛታት ከምዘቃልዑ ተፈሊጡ። ኩነታት ናይቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ጅቡትን መደበራት ኦበክን ሓሊ-ሖሌንን ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ተመሳሳሊ ምዃኑ  ተፈሊጡ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኑ፡ ክሳብ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ 1,600 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጻርዩ ከም ዝመዝገበ ጠቒሱ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2023 ንደሓር ግና ኣብ ጅቡቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ስደተኛታት ምጽራይን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምሃብን ከም ዘቋረጸ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ክሳብ 19 ሕዳር 2023፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ተመዝጊቦም ዘለዉ 426, 190 ስደተኛታት ልዕሊ 30 ሺሕ ኤርትራውያን  ከም ዝርከብዎም እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሓቢሩ። ብጸብጻብ ናይቲ  ኮሚሽን መሰረት ኣብ 2022 ጥራይ 37, 537 ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ናብ ዝተፈላለዩ ኣቕጣጫታት ተሰዲዶም።

Thursday, 21 December 2023 21:52

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 21.12.2023

Written by

ሓያሎ ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብቀይሕ ባሕሪ ዝመሓላለፋ መራክብ ብድሮንን ሚሳይላትን ከይጥቀዓ፡  ንምሕላው “ስርሒት ሓለዋ ምዕባለ” ብዝብል ኣብ ዝቐውም ሓይሊ ዕማም  ከም ዝሳተፋ ኣፍሊጠን። ነዚ ዝሓበሩ ወተሃደራዊ ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሊዮድ ኣዩስቲን ብ18 ታሕሳስ 2023 ብዛዕባ ኣድላይነት ሓባራዊ ስጉምቲ ንድሕነት ሰቪላዊ መራክብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዩ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብናይ የመን ጉጅለ ሑቲ ኣስታት 100 ግዜ ብድሮን ወይ ብላስቲክ ሚሳይላት ከም ዝተተኮሰን እቲ ተኹሲ  ን35 ሃገራት ናብ ዝትንክፋ 10 መራክብ ዘቕነዐ ምንባሩ፡ ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝተኻየደ ናይተን ሃገራት ኣካላት ጸጥታ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ከም ዝተገልጸ ተሓቢሩ። ነዚ “ስርሒት ሓለዋ ምዕባለ” ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት ንክምክታ ቅሩባት ምዃነን ካብ ዘረጋገጻ ሃገራት፡ ዓይ ብሪታንያ፡ ባህሬን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳይ፡ ኢጣልያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ነርወይ፡ ስቸልስን ስፐይንን ከም ዝርከአን ተሓቢሩ።

እቶም ኣሜሪካዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ እቲ ዕማም፡ ናይቲ ኣብ ባህሬን ዝመደበሩ፡ ውሁድ ሓይሊ ባሕርን 153 ዝበሃል 39 ሃገራት ዝሳተፍኦን ሓይሊ ዕማሙን ከም ዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ኣፍሊጦም። እዚ ሓይሊ ዕማም ናብ ወሽመጥ፡ ዖማን፡ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ፐርሺያ፡ ቀይሕ ባሕርን ዓደንን ዝጥምት ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ናይ ፈረንሳይ ሓይሊ ባሕሪ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 20 ሺሕ ዝኾና መራክብ ንግዲ፡ ብወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ይመሓላልፋ። እቲ መበል 153 ዝበሃል ሓይሊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ ኣብ 2022 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ዝከታተልን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባትን መራክብ ዝኸትሩ ኣካላትን ናይ ምቁጽጻር ዓማም ዘለዎ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጉጅለ ሑቲ የመን ናብኣቶም እንተ ተተኲሱ፡ ግብረ-መልሲ ከም ዝህቡ ኣፍሊጦም።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵይ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝወረደ ማህሰይቲ፡ ዘይኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከውጽእ ከም ዝወሰነ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብ20 ታሕሳስ 2023 ሓቢራ። እቲ ባንክ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብ31 ጥቅምቲ 2023  ኣብ ልዕሊ ክልተ ካብ ሰራሕተኛታቱ “ሰሻቕል ዲፕሎማሲያዊ ተረኽቦ” ዝበሎ፡ ማእሰርትን ጉድኣትን ምስ ወረደ ናብ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ እተኾነ መልሲ ከምዘይረኸበ ጠቒሱ።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ ናይቲ ባንክ ልምዓት ፕረሲደንት ኣኪንዉሚ ኣደሲና ብ29 ሕዳር 2023 ምስ ኣካላት መንግስቲ ዝራኸብ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝለኣኹ፡ እንተኾነ በዚ እውን ናይቲ ጸገም መፍትሒ ከም ዘይተረኽበ  ሓቢሮም። በዚ ድማ ባንኮም ስግኣት ከም ዝሓደሮን ድሕነት ናይቶም ሰራሕተኛታት  ክሕሎ ኣይክእልን እዩ ዝብል እምነት ከም ዝሓደሮን ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ጉዳይ ጸብጻብ ምስ ቀረቦኳ ከም ዘጻርዮን መልሲ ከም ዝህቦምን ቃል ኣትዩ እንተነበረ ብግብሪ ግና ዝኾነ መፍትሕን መልስን ኣይሃበሉን ተባሂሉ። ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ክሳብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ኢትዮጵያ 1.24 ቢልዮን ዶላር ዝግመት 22 ፕሮጀክትታት ከም ዝነበሮ ኣብቲ መግለጺኡ ተሓቢሩ።

ናይቲ ባንክ ፕረሲደንት፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ከምይዘዕጾን እቲ ውሳነ ከኣ ንኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ናይቲ ባንኪ ከምዘይምልከትን ክጠቕሱ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ግና እቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ኬንያ ወይ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕየር ይኽእልዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ሓዳስ ኣደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቃለ-መሓላ እናፈጸመት

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ኢትዮጵያ፡ ብ19 ታሕሳስ 2023 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ዝቐረበትሉ ሕጽይቲ ኣደመንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ መዝነት ከም ዘጽደቐ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እታ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ካብ ሓላፍነታ ንዝለቐቐት ናይ ቅድም ኣደ ንበር ናይቲ ቦርድ  ወ/ሮ ብቱካን መደቅሳ ንክትክእ ዝተመዘት ወ/ሮ ሜላትወርቅ ሃይሉ ምዃና እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ወ/ሮ ሜላትውርቅ ሃይሉ፡ ልዑል ደረጃ ትምህርትን ሃብታም ናይ ስራሕ ተመኩሮን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቦርድ  ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኮይና ከም ዝሰርሐትን ከኣ ኣብቲ ፓርላማ ተጠቒሱ።

ናብዚ ውጽኢት ንምብጻሕ 8 ኣባላት ዘለዉዋ ሕጹያት ከተጻሪ  ዝቖመት ኣካል ከም ዝነበረት እሞ ቅድም 55 ሕጹያት ኣዳልዩ፡ ደሓር ብምጽራይ ናብ 5 ኣጻርያ ኣብ መወዳእታ ድማ ነዛ መዝነታ ዝጸደቐላን ካኣያን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ከም ዘቕረበትን ኣብቲ መዝነታ ዝጸደቐሉ መስርሕ ተገሊጹ።

እቲ ብወግዒ ዝተገልጸ ምኽንያት ካብ ሓላፍነት ምልቃቕ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ሕማምን ናይ ስራሕ ድኻምን እዩ። እንተኾነ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጉዳይ ዳግመ-ምምዝጋብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከም ዕላዊ ውድብ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለዉ።

ጉዳይ ምርጫ ክለዓል እንከሎ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 32 ዓመታት ዝኾነ ምርጫ ከምዘየካየደትን፡ ህግደፍ ከኣ “ምርጫ ናይ ዲሞክራሲ መግለጺ ኣይኮነን” እናበለ ከም ዘላግጽን ዝፍለጥ እዩ።

ኤርትራውያን ሓድነትና ወትሩ ዋሕስ ዓወትናን ህልውናናን እዩ። ናይዚ ሓቅነት ንምርግጋጽ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። ብዓብይኡ ነቲ ነዊሕ ኣዝዩ ክቡር ዝዋግኡ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ክንበቅዕኳ፡ ብሃገር ዝበቆል ስርዓት ንጭቆን እንተሃለና፡ ዋና ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ምዃና ምስጢሩ ሓድነትና ምዃኑ ምስኩር እዩ። ብኣንጻሩ ናይ ግዳም ይኹኑ ናይ ውሽጢ ጸላእትና ንሓድነትና ከም ቁርን ኣስሓይታን ከም ዝፈርሕዎ ብታሪኽ ዝተረጋገጸን ሎሚ እውን ህያው ዘሎን እዩ። ስለዚ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራን ጸላእቱን ቅድም ኮነ ሎሚ “ከመይ ነይሩ ከምይከ ኣሎ? ክበሃል እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ ከኣ ደምበ ተቓውሞ ሓድነቱ ክዕቅብ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጸላእትና ድሑር ዝንባለታት ብምጽሕታር ሓድነት ህዝብና ከፍርሱ ዝግበር ምትሕንናቕን ምጥምጣምን እዩ።”  እንተዝበሃል፡ ግቡእ መልሲ እምበር ምግናን ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ሓድነቱ ዝዓቀበ እዩ ተዓዊቱ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድም ኮነ ሎሚ ፍልልያት የብሉን  ማለት ኣይኮነን። እዚ ሓድነቱ ኣብ ብዙሕነት ሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ፡ ባህሉ፡ ብሄሩ፡ ከባብያዊ ምምሕዳሩን ዝኣመሰሉን ፍልልያት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ። በዞም ፍልልያት ዝንጸባረቑ ስምዒታት እውን ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዛዕባታትን መድረኻትን ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ኣመዛዝና ምዕባለታትን ፍልልያት ክህልዉና ከኣ ንቡር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ በበይኑ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ናይ ምስላፍና ምስጢር እውን እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ዝፈጠሮ እዩ። “እቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ክሳብ ክንድዚ ብዝሒ ነናትና ውድብ ክህልወ ዘገድድ ሰፊሕን መሰረታውን ድዩ?” ዝብል ሕቶ ግና ከዛርብ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። በዚ ኮነ በቲ ቅድሚ ሕጂ ሓድነትና ኣጽኒዕና ተዓዊትና ክንብል እንከለና፡ ሳላ ንፍልልያትና ኣከኣኢልና፡ ነቲ መሰረታዊ ንኹልና ማዕረ ዝብጸሓና ኤርትራዊ ሸቶ ዘይዘንጋዕና ኢና።

ኣብቲ ቀዳማ ምዕራፍ ቃልስና እቲ ቅድሚት ዝሰራዕናዮ ዕማምና መግዛእቲ ስዒርካ፡ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ምውሓስ ነይሩ። ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ከኣ፡ ቀዳምነትና ውጽዓ ህግደፍ ኣወጊድካ ሓድነት ህዝባ ዝደልደለ፡ ሰላማዊት፡ ምዕብልትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር ምህናጽ እዩ። ኣብዚ ወዮም መግለጺ ብዙሕነትና ዝኾኑን መናብርትናን ዝበልናዮም ፍልልያት፡ ነቲ ዓብይ ናይ ሓባርና ባህጊ ብዘይዕቅፍዶ ይመሓደሩ ኣለዉ ኣይፋሎምን? ዝብል ሕቶ፡ ኣፍካ መሊእካ “እወ” ኢልካ እትምልሶ ዘይኮነ ጌና ጸገማት ዘለዉዎ ምዃኑ ርእይ እዩ። ክንድቲ ዝድለ ብናይ ሓባር ቅኒት ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ኣንጻር ህግደፍ ብዘተኣማምን ክንስለፍ ናይ ዘይምብቃዕና ምኽንያታት ሓደ ከኣ ንሱ እዩ። እንተኾነ እቲ ክሳብ ሎሚ ናብዚ ናይ ሓባር ጽላል ንምምጻእ ዝግበርናዮን ንገብሮ ዘለናን ፈተናታት ተስፋ ዘቑርጽ ስለ ዘይኮነን ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብልናን ብዘለና ዓቕሚ ክንደፍኣሉ ዝግበኣና ዕማም እዩ።

ናይ ሎሚ ጨቋኒና ህግደፍ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዕድመኡ ዘሕጽር ምዃኑ ተመኩሮ ቃልስና ዘርኣየናን ንሱ እውን ዝርደኦን እዩ። ስለዚ ከምቲ ንሕና ሓድነትና ክንዕቅብ እንጽዕቶ ንሱ ከኣ ሓድነትና ንምፍራስ ክሃልኽ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝፈረሰ ሓድነት እምበር ኣብ ዝደልደለ ሓድነት ህዝቢ ረብሓ ስለ ዘየብሉ። ህግደፍ ኣፍራሲ ዕላማኡ ንምዕዋት ዝጥቀመሉ ስልቲ፡ ነቲ ክመሓደር ዝግበኦ ፍልልያት ብግጉይን ዘይሓላፍነታውን ኣገባብ ብምሓዝ ቀዳምነትና ንክንስሕት ተንኮላት ምፍሓስ እዩ ዝጥቀም። ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ሳላ ጽንዓትን ምስትውዓልን ህዝብና፡ በዚ ኣፍራሲ ተኮላቱ ክንድቲ ዝሓልሞ ኣይተዓወተን። ቀዳሞት ገዛእቲ ኮኑ ህግደፍ ኣብ ምፍራስ ሓድነት ህዝብና  ዘይምዕዋቶም ድማ ቀንዲ ናይ ውድቀቶምን ስዕረቶምን ምኽንያት ከም ዝነበረን ዝኾነን ርዱእ ኮይኑ፡ ዝገድፎ ኣሉታዊ በሰላ ግና ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ከምዘይከውን ምስትብሃል ዘድልዮ  እዩ።  

 “ኣታሓሳስባታትና ኣቀራሪብና ንህግደፍ ተቓሊስና ንስዓሮ” ምባልና  ንፍልልያትና ነከኣእሎ እምበር ነወግድ ማለት ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እኳደኣ ከምቲ “ዕንበባ መሮር እውን ዝተፈላለዩ ሕብርታት ክህልዎ እንከሎ  ዝያዳ ይምልክዕ” ዝበሃል፡ ብዙሕነትና መልክዕናን ጸጋናን እዩ። ፍልልያትና መልክዕን ጸጋን ዝኸውን ግና ቀዳምነቱ ሓልዩ፡ ዝተሰርዐን ዝተወሃሃደን ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ። ናይ ኩልና ቀዳምነትን ረብሓን፡ ሕገመንግስታዊት፡ ህዝባዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ብምህናጽ ዘረጋገጽ እዩ። ስለዚ እቲ መግለጺ ብዙሕነትና ዝኾነ ፍልልያትና ናይ ብሓቂ ሓይልናን ዓቕምናን ምእንቲ ክኸውን፡ ነቲ ናይ ሓባር ቀዳምነትና ብዘይጻባእ ከነተግብሮ ናይ ግድነት እዩ። ምኽንያቱ እታ ናይ ሓባር ቀዳምነትና ዝበልናያ ጽባሕ ክትኮነልና ንቃለሰላ ዘለና ኤርትራ፡ ኣብ ዘይተረጋገጽትሉ ዋላ ሓንቲ ካብቲ ናይ መንነትና መግለጽታት ክዕወትስ ይትረፍ ክህልው እውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኢና ኤርትራ ብውሽጢ ኮነ ብደገ ኣብ ሓደጋ ኣብ እትኣትወሉ ሃይማኖት ኮነ ካልእ ናይ በይንና ንብሎ መንነት ህላወ’ውን የብሉን እንብል።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ዘቃልሰና፡ መድረኽ ክንፈጥር ዘይምኽእልና ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓብይ ብደሆ እዩ። እዚ ክንሃድመሉ ዘይንኽእል ብደሆ ብናይ ኩልና  ተሳትፎ እምበር፡ ብናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ጻዕሪ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ብግብሪ ርኢናዮ ኢና። ስለዚ እቶም ንምቅርራብ ዝጽዕቱ ዘለዉ ዝያዳ ናህሮም ክውስኽ፡ እቶም በዂሮምን ኣጽቂጦምን ዝጸንሑ ከኣ ክበራበሩ እዋኑ ምዃኑ ብትሪ ነዘኻኽር። በዚ ዘለናዮ ሓላፍዘላፍ ኣተሓሕዛ እንተቐጺልና ግና፡ መፍቶቲ  ኣብ ምቅርራብና ዘይኮነ፡ ኣብ ምትፍናና ዝረብሕ ህግደፍ ክንከውን ኢና። ስለዚ ኢና ከኣ “ክሳብ መዓስ ኢና መፍቶ ህግደፍ ክንከውን?” ዝብል ሕቶ ክንሓትት እንግደድ።

Sunday, 17 December 2023 21:04

Dimtsi Harnnet Sweden16.12.2023

Written by

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብዝሒ ኤርትራውያን ይእሰሩ ከም ዘለዉ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቶም ዝእሰሩ መብዛሕቶም፡ ካብ መዘናግዕን መእከብን ቦታታትን ኮይኖም ኣብ ጐደናታት ኣብ ዝግበር ጐርጓር ዝተሓዙ ከም ዘለዉ እውን ተፈሊጡ። ካብቶም ዝእሰሩ፡ መብዛሕትኦም  ናይ መንበሪ ፈቓዶም መዓልቱ ዘሕለፈ ምዃኑ  እውን ተሓቢሩ።

 ኣብዚ እዋንዚ እቲ “እንዳ ኣራ” እናተባህለ ዝጽዋዕ፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ ትካል “ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን”፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት መንበሪ ከሕድሰሎምን ናይ መርዓን ካልእ ሕጋዊ ኣገልግሎትን ክህቦምን ጀሚሩ ከም ዘሎ ከኣ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

በቶም ምንጭታት መሰረት እቲ ማእሰርቲ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ እምበር ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ዝምድና የብሉን ይብሉ። እንተኾነ ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ ኩነታት ስግኣት ስለ ዝሓደሮም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን ይወጹ ከም ዘለዉ ዝሕብሩ ወገናት ከኣ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ መዲትራኒያን ሊቢያ 61 ስደተኛታት ጥሒሎም ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ሮይተርስ ንዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት  ኣይ ኦ ኤም (IOM) ብምጥቃ  ሓቢራ። እቲ ብሮይተርስ ዝተዘርግሐ ዜና ካብቶም ግዳያት ካብ ናጀርያ፡ ጋምቢያን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ከም ዝርከብዎም ክጠቅስ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ምንባሮምን ዘይምንጋሮምን ዝበሎ  የለን።

እታ ስደተኛታት ጽዒና ዙዋራ ካብ እትበሃል ከተማ ሊቢያ ዝነቐለት ጃልባ 86 ሰባት ኣሳፊራ ከም ዝነበረትን ካብኣቶም 25 ከም ዝደሓኑን ካብቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ኣይ ኦ ኤም፡ እቲ እዞም ስደተኛታት ክሰግርሉ ዝፈተኑ መስመር ሓደገኛ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2023 ጥራይ ኣብቲ መስመር ኣስታት 2,200 ሰባት ከም ዝሞቱን እዚ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ከም ዝዛየደን  ኣፍሊጡ። ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት 153 ሺሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብመንገዲ ሊቢያ ኢጣልያ ከም ዝበጽሑ ድማ ተተቒሱ።

Page 17 of 554