ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካልእ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ ንሰማእታት ኤርትራ፡ “ብሳላኹም ልኡላዊ ሃገር ኮይንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና” ምባሎም፡ እንተዘይውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ። ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክንዝክሮ ከም ዝግበኣና ምውሳን ሕገ መንግስታዊ ክኸውን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላ ዝምስገኑላን ዕለት ክትህልዎም መን ወሲንቃ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብደብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓኤ ብምቕንጻሉ፡ ሕነ ንምፍዳይ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም ዓዶም ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት።
መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንኽትከውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገ መንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ስሱዕ ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ካልእ መድረኽ እሂንምሂን ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡ ሰማእታት ዝዝከሩላ ዕለት’ውን ብወግዒ ዝተወሰነት ኣይነበረትን።
ስለዚ 20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና እንዝክረላ መዓልቲ ጌርና ክንወስዳ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳ ናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን። ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ዘብጽሕዎ’ውን ኣለዉ። እቶም ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ፡ ኣባላት ካለኦት ውድባት ኤርትራ ኮይኖም ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ተነጺሮም ክውሰኽዎ እንከለዉ፡ እቲ ኣሃዝ ክንደይ ከም ዝበጽሕ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተረፈ ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ተባሂላ ዝተወሰነት ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ ናይ በኹሪ መግለጺኡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ክብል ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ሕድሮም ከይዝንጋዕ ዝገደፍዎ ቃልን ዝጠለመ እዩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ብኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶኡን ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ መዋጽኦ ይኸውን ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን መሊኡ ከይረግጽ፡ እግሩ ተኣሲሩን እናተሽቑረረ ይነብር ኣሎ።
ሕድሪ ሰማእታት ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ኢዩ። እንተኾነ ህግደፍ ብናይቶም ዝጠለሞም ክብሪ ንክጥቀም ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም እናሸቀጠ፡ ሃብቲ ምኻዕባትን ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ኣንጻር ህግደፍ ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ንናይ ህግደፍ ጥልመት ምእራም፡ ኣሰሩ ብምስዓብ፡ ክብሪ መስዋእትነት፡ ሰማእታት ዘናእሱ ወገናት ይቀላቐሉ ምህላዎም እዩ።
እቲ ቀንዲ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታት ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ድማ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ብምጭራሕ ጥራይ፡ ሕድሪ ሰማእታት ምኽባር ኣይኮነን። ወለድን ስድራቤትን ሰማእታት ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ሕድሪ ደቅና ይከበረልና” ብዝብል ስሙር ደራኺ ድምጺ ክኸውን ይግበኦ። ውላድካ ተሰዊኡ፡ ውላዱ እናተሰደ ሕጂ’ውን “ኢስያስ ይንበረልና” ኢልካ ምጽላይ ቅቡል ኣይኮነን።
ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ሕድሮም ብተግባር ብምኽባር እዮም ዝቐስኑ። ዘቕስኖም ከይሰራሕካ “ቅሰኑልና” ምባሎም ግና ዋጋ የብሉን።
እቲ ትማሊ ብጾቱ ኣብ ሜዳ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ተጋዳላይ”፡ ሎሚ ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ፡ ክልተሻብ’ዩ ተራእዩ። ሓርበኛዊ ታሪኹ ተደዊኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪ፡ ሰራቕን መሰል ንጹሃት ዝግህስን” እናተባህለ ይኽሰስ ኣሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ድማ ሕድሪ ብጾቱን ባህጊ ህዝቡን ዘይምኽባሩ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ተጠቒሙ ነብሱ ከድሕንን ሕድሪ ሰማእታቱ ከኽብርን ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና። እንተ ሕድሪ ሰማእታት ኣግራብ ብምትካል ዘይኮነ፡ ፍትሒ ብምንጋስ እዩ ዝትግበር።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
20 ሰነ 2023
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዶላር ከንቀሳቕስ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ሽያጥ ቲከት ዝኣከቦ 2.5 ሚልዮን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ከየእቱ መንግስቲ ኤርትራ የዕንቅፎ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብእንግሊዘኛ እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣብ ናይ 17 ሰነ 2023 ሕታማ ኣስፊራ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምዃኖም ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከከም ኩነታቱ ናብን ካብን ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ በረራታት ኣብጺሕዎ ኣሎ።
ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናቕፋ ክጥቀሙ ስለ ዘይክእሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዶላር ቀይሩ ክህቦም ሓቲተሞ፡ “ናይ ወጻኢ ሸርፊ የብለይን” ብዝብል ክተሓባበሮም ከምዘይከኣለ ምግላጾም ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቶም ዋና ኣካያዲ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ናይ ዓለምለኸ ትካል መጐዓዝያ ኣየር ምትሕብባር ከም ዝሓቱ’ውን ኣፍሊጦም።
ትካል ዓለምለኸ መጐዓዝያ ኣየር፡ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰለ ምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ ዶላር ይውስኽ ከም ዘሎን ናይዚ ሳዕቤን ንካልኦት ኣካላት እውን ብኣሉታ ከም ዝጸልው ጠቒሱ። ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዊልየ ዋልሽ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ መንግስታት ነዚ ንምፍታሕ ምስ ትካላት መንገዲ ኣየር ተሓባቢረን ክሰርሓ ከም ዝግበአን ብምጥቃስ፡ ቀጻልነት ርክብ መንገዲ ኣየርን መንግስታትን ቁጠባ ኣብ ምዕባይን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ናጀሪያ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣፍሊጣ።
ባህግና Bahgna 150: ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕተት ምስ ተጋዳላይ ብርሃነ ዘውደ ኣባል ማ.ባይቶ ሰዲህኤ 15.06.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት እውን ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ እዮም ጸኒሖምን ዘለዉን። ቃልሶም ንብዙሕነታዊ ዲሞክራሲ፡ ንሰላም፡ ንልዕልና ፍትሕን ልምዓትን እዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፍ፡ ብዘይውዳበ ከም ዘይዕወት ብምርዳእ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብዚ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፈን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት የሰጉማ ኣለዋ። ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኩሉ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ዓንዲ ሕቖ እዩ።
ምዕዋት ናይዚ ቃልሲ ካብ ምውጋድ እቲ ኣካላቱ ማህሚኑ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ወዲቑ ዘሎ ህግደፍ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ጸጋታትን መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን እቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ። ህግደፍ ክሳብ’ዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ፡ ንህዝብና ከየድከየን ምስሊ ኤርትራ ከይደወነን ብኣግኡ ክውገድ እናተገበኦ፡ ክሳብ ሎሚ ትልኽ ይብል ናይ ምህላዉ ምኽንያት፡ ብርታዐኡን ጥበቡን ወይ ብህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ተቐባልነት ገይሮም ዝርድእዎ ገለ ወገናት ኣለዉ። ርግጽ ህግደፍ ነብሱ ከድሕንን ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕን ዝምህዞ ተንኮላት፡ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማንን ዝምስርቶ ዘይቅዱስ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታትን ግምት ኣይወሃቦን እዩ ማለት ኣይኮነን። እንተ’ቲ ወሳኒ ናይ ዘይምውጋዱ ምኽንያት ግን፡ ናይቶም ንምውጋዱ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ድኽመት ምዃኑ ክሰሓት ዘይግበኦ ሓቂ እዩ። ድኽመትካ ምእማን መፍትሒ ንምርካብ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝ ምዃኑ ከኣ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።
ናይቶም ንህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ንምምጻእ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ድኽመት፡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። እቲ ድኽመታት ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊኡ ከኣ ወድዓዊ እዩ። እዞም ሓይልታት ብውሕዱ በዓል ቤታዊ ድኽመታቶም ንምውጋድ ካልእ ኣካል ክጽበይሉ ዘይግባእ እዩ። ካብዚ ጸገማትዚ ክወጽሉ ካብ ዝኽእልሉ መንገድታት እቲ መሰረታዊ ነቲ ተበቲኑ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሞም ናብ ሓደ መድረኽ ከሰልፍዎ ምብቃዕ እዩ። እዚ መዋጸኦ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል እምበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ዝከኣል እዮም ዘይክእልዎ ዘለዉ። እቲ “ወሳኒ ክንሱ ዝተዘንገዐ ተግባር” ዝበልናዮ እምበኣር ነቲ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ክትስለፍ ዘይምብቃዕ መሰረታዊ ሕጽረት ንምዝኽኻር እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ እንከለዎ፡ ኣብ ዘየስመዓሉ ደረጃ ብምህላዉ እንተዘይኮይኑ፡ ድሌቱ ከምቲ “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ወይ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ” ዝብል ቁምነገር ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት ሓቢሮም ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ክቃለሱ ቀጻሊ ጸዋዒቱ ምዃኑ ብዝረኸቦ ጸቢብ ኣጋጣሚታት ዘንጸባርቖ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝምርሕሉ ፖሊሲታትን ዘቕርብዎ ጸዋዒትን ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለስ ምዃኑ እዮም ዘቃልሑ። ህዝቢ ንጸዋዒቶም ሰሚዑ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ለውጢ ንክስለፍ ናይ ወትሩ ምሕጽንተኦም እዩ። እንተኾነ ክንድቲ ሰሚዑ ኣብ ጐኖም ክስለፍ ደጋጊም ዝጽውዕዎ፡ ንሳቶም ግና ምሕጽንታኡ ክሰምዑን ክተግብሩን ክንድቲ ዝድለ ቅሩባት የለዉን። ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ “ንህግደፍ ስዒርኩም ናብ ራህዋ ንክንበጽሕ ኣንጻሩ ሓቢርኩም ተሰለፉ” ዝብል እዩ። ካብቲ ብዛዕባ ሓይልታት ለውጢ ቅር ዝብሎ ሓቢሮም ዝቃለስሉ መድረኽ ክፈጥሩ ዘምኽኣሎም ምዃኑ ከኣ ደጋጊሙ ኣተንቢሁ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ሒዝካ ምውጣጥ ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ ኢና እንርከብ። ጫፋት ሒዝካ ምጉታት ዕድመ ህግደፍ ከንውሕ እንተዘይኮይኑ ንዋላ ሓደ ናይ ለውጢ ኣካል ከምዘየዕውት ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮ እዩ። እቲ ዘዕውት ካብ ጫፋት ምጉታት ወጺእካ ብመስርሕ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣብ ማእከላይ ነጥብ ክትራኸብ ብምብቃዕ ጥራይ እዩ። ናይቲ ማእከላይ መራኸቢ ነጥቢ መዕቀኒ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ክኸውን እንከሎ ከም ዘዕውት ከኣ ርዱእ እዩ። መባእታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንህግደፍ ኣወጊድካ ህዝባዊ ልዕልና ብዘውሕስ፡ ብተሳትፎኡ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። እዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ናይ ምዕዋት ኣካይዳ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ብዙሓት ዝተዓወትሉ መንገዲ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጽበዮን ካብ ምዝርዛር ሰጊርካ፡ ብግብሪ ከምኡ ኮይንካ ምቕራብ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ናብዚ ኩሉ ክትበቅዕ ከም ሓደ ኣገዳሲ ግንዛበ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት መወዳደሪ እምበር ምጻልእን መጻረፍን ጌርካ ዘይምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለና ኤርትራዊ ኣተሃላልዋን ናይ ለውጢ ቃልስናን እዩ። ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ ናዕብታት ነቲ ሻቕሎትና፣ ሻቕሎት ዝውስኸሉ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ተኣጒዱ ዝነበረ ውግእ ኣብ ርእሲ ሻቕሎት፣ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለናን እንርደኦ እዩ። ኣብ መወዳእታ በቲ ደጋጊምና ዝኣመምናዮን ዝጸዋዕናዮን ኣገባብ ምፍትሑ ድማ ዘተባብዕ እዩ። ሎሚ ድማ ዋላኳ በሰላኡ እንተዘይሓወየ፡ ጉዳይ ትግራይ ሰላማዊ ምስርሕ ብምሓዙ እናተተባባዕና፡ ካልእ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ናይ ጐረቤት ተርእዮ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ።
ብሰንክዚ ናይ ቃልስና ባይታ ኣብ ምምድማድን ህዝብና ኣብ ምዕቋብን ፍሉይ ታሪኽ ኣብ ዘለዋ ሱዳን ውግእ ምብርዑ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ኤርትራውያን ተመዛቢሎም ንሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ይሳቐዩ ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ገለን ተጨውዮም ገለን ድማ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም መተካእታ ዝሰኣንሉ ምርጫ ወሲዶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ናይዞም ግዳያት ድምጺ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎም። ዘስምዕዎ ድምጺ ኣድማዒ ዝኸውን ግና ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር እዩ። ስለዚ እቲ “ኣገዳሲ እንከሎ ዝተዘንገዐ ዕማም” ዝበልናዮ ዕማም መድረኻዊ እውን እዩ።
ስእሊ፡ ትካል መግቢ ዓለም
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ረዲአት መግቢ፡ ህግደፍ እውን ኢድ ከም ዝነበሮ፡ እቲ ብግዝያዊ ምምምሕዳር ትግራይ ተመዚዙ ከጻሪ ዝጸንሐ ሓይሊ ዕማም ኣረጋጊጹ። ብዘካይካ ህግደፍ ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣካላት ናይ ረዲአት ማሕበራትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባትን ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ ከም ዝጸንሖም እቲ ዘጻረየ ኣካል ሓቢሩ።
ብመሰረት ናይቲ መጻረይ ሓይሊ ዕማም ኣተሓባባሪ ጀነራል ፍሰሃ ኪዳነ፡ ዝገለጽዎ፡ ብመንግስቲ ህግደፍ፡ 2,900 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ ልዕሊ 43,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,440 ኩንታል ዓተርን ተወሲዱ። ከምኡ እውን 4,300 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 130,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 4,187 ኩንታል ዓተርን ብኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውሰድ እንከሎ፡ ብኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ፡ 1,500 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 42,759 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,424 ኩንታል ዓተርን ከም ዝተጠፋፍአ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ከም ኣካል ናይቲ ምጽራይ፡ ኣብዚ ምጥፍፋእ 186 ሰባት ኢድ ከም ዝነበሮም ክንጸር እንከሎ፡ ካብኣቶም ድሮ 7 ተኣሲሮም ኣለዉ። እቶም መጻረይቲ ብደረጃ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ብደርጃ ትግራይ እተን ብቐጥታ ዝተሳተፋ ኣካላት ኣየነጸሩን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኮነ ብኤርትራ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ከም ዘየለ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ምጽራይ ንክካየደ ዘገደደ፡ ትካላት መግቢ ዓለምን ረዲአት ሕቡራይ መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 82 ሺሕ ኩንታል ረዲአት ብኣካላት መንግስቲ ብዝተወሃሃደ መንገዲ ተጠፋፊኡ ብዝብል ቀረብ ረዲአት ምስ ኣቋረጹ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክዚ ምቁራጽ ቀረብ ረዲአት ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተጸበይቲ ረዲአት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ።
ሱሳን ኣርባዕተን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 134 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ብ12 ሰነ 2023 ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝሰገሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ጋሾራ ኣብ ዝበሃልን ቅድሚ ሕጂ ካብ ሊቢያ ዝተወስዱ ስደተኛታት ዝዕቆብሉን መደበር ከም ዝኣትዉ ተፈሊጡ። በቲ ዜና መሰረት እዞም ስደተኛታት፡ 64 ኤርትራውያን፡ 17 ኢትዮጵያውያን፡ 15 ሶማላውያን፡ 35 ሱዳናውያን፡ 2 ካሜሩናውያንን 1 ማላውያንን እዮም።
ጸብጻብ ናይቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት/IOM ከም ዘረድኦ፡ ስደተኛታት ነቲ ናብ ሊቢያ ዝወስድ መስመር ዝመርጽሉ ምኽንያት ብቐሊሉ ናብ ኤውሮጳ ንከስግሮም ኮም ዝኾነ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብዚ መስመር ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባት ሓደጋታት ዘጋጥመሉን ስድራቤታት ግዳያት ንምፍታሕ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደድሉ መስመር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሊቢያ፡ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዝሰኣኑ ናይቶም ዝሓየርዎም ዓመጸኛታት ባሮት ኮይኖም ብዘይክፍሊት ክሰርሑ ዝግደዱ ኩነታት ከም ዘሎ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
ብመሰረት እቲ ብ2019 ኣብ መንጎ ሩዋንዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሕቡራታ ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተኸተመ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ፡ እዚ ናይ ሎሚ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተገብረ ምስጋር ስደተኛታት መበል 14 ዙርያ እዩ።
ሃገራት ኣዕሩኽ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ሃ ደገፈን ገሊጸን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጉጅለ ሃገራት ኣዕሩኽ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ጀርመናዊ ዲፕሎማት ቮልከር ፐርዘስ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ዘለወን ደገፍ ገሊጸን። እዚ ደገፍ ናይቲ ጉጅለ ዝተገልጸ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን እቶም ዲፕሎማት ንክወጹን ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ከይተሓባበርዎምን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ ተኸቲሉ እዩ።
ኣባላት ናይቲ ንሱዳን ናብ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣብ ምስግጋር ክተሓጋገዝ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ኔዘርላንድስ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ስፐይን፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን እዮም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ዘውጽኡ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣናወሓሎም እዮም። ድሕሪ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ናይ ጀርመን ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ደኒስ ኩመታት ብስም ሃገሮምን ብስም እቲ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳንን፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ምሉእ ብምሉእ ክኹነን ዝግበኦ እዩ ኢለምዎ።
እቶም ጀርመናዊ ወሃቢ ቃል ከም ዝበልዎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ውግእ ክቋረጽ፡ ንምክልኻል ሲቪል ዜጋታትን ጽጉማት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡን ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ መስኪሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ጀርመናዊ ዲፕሎማት ኣብ ሱዳን ኮይኖም ምስራሕ እንተጸጊምዎም፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝኸፈትዎ ቤት ጽሕፈት ኮይኖም ተልእኮኦም ከም ዝቕጽሉ ሓቢሮም።
ፈረንሳን ኣሜሪካን ብወገነን፡ ምስቲ ናይ ጀርመን ዝመሳሰል፡ ንቀጻልነት ናይቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ዝድግፍ መግለጺ ኣውጺኦም። ብፍላይ ኣሜሪካ ብ27 ጉንበት 2023 ኣብቶም ጀርመናዊ ፍሉይ ልኡኽ ዘለዋ ዕበት ገሊጻ ምንባራ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ባህግና Bahgna 148፣ ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን በበይኖም እዮም ዝብል ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 11.06.2023
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዚቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10ን 11ን ሰነ 2023፡ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ሰሚናር፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ንምዕዋት ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋግጾም። አብ መኽፈቲ እዚ ሰሚናር ቃል ዘስመዐ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ ኣጸጋሚ ግዜ ኮቪድ-19ን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታትን ሰጊርና ኣብ ድሮ 4ይ ጉባአ ሰልፊ ምብጻሕና ዘሕብን እዩ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ባይቶ ተመዚዘን ክሰርሓ ንዝጸንሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባኤን ሓጻይት ሽማግለን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መደባቱ ኣብ ምዕዋትን ናይ ኤርትራዊ ውዳበታት ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ኣብ ምፍጣር ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪን መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢና ዘሎ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዘሕድሮ ተጾኖን ጠቒሱ።
ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገና ናይቲ ሰሚናር ኣጀንዳን መስርሕን ምስ ኣፋለጠት ናይታ ሽማግለ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዙ ከመይ ከም ዝነበረን ኣባላት ሰልፊ ንምዕዋት 4ይ ጉባኤ ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ጻዕርታቶምን ድሕሪ ምድህሳስ፡ ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንመላእ ኣባላት ሰልፍን ተሓባበርትን ኣመስጊና። መራሕቲ ንኡሳን ክፍልታት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገኖም፡ ኣብተን ዝመርሕወን ክፍልታት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብዝምልከት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።
ናይዚ ሰሚናር ቀንዲ ኣጀንዳታት፡ ናብ 4ይ ጉባአ ቀሪቡ ናይ ዝጸድቕ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ከምኡውን ስረሓት ሓጻይት ሽማግለን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ምድህሳስ ነይሩ። በዚ መሰረት ኣደ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ሓውቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ ሓጻይት ሽማግለ ዘካየደቶን ተካይዶ ዘላን ንጥፈታትን ኣብ ምንታይ ደረጃ በጺሑ ምህላዉን ብዝርዝር ኣረዲኣ። ካብቶም ናብ ጉባአ ቀሪቦም ንክምረጹ ብኣባላት ተሓጽዮም ዘለዉ ድማ፡ ክማልእዎ ዝድለ ዕማም ኣመልኪታ መብርሂ ሂባ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ መሊሳ።
ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልታት፡ ሰሚናር ብኣቦመንበርነት ሓላፊ ንኡስ ሽማግለ ምስንዳእ ንድፊ ሰነዳት ሓው ደስበለ ካሕሳይ እናተመርሑ፡ ካብቲ ንድፊ ክበርሃሎም ብዛዕባ ዝደልይዎም ሓሳባት በብዓንቀጹ ብዕምቆት ተመያይጦም። ኣድላይ ኣብ ዝበልዎ ድማ መተካእታ ሓሳባት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ጉባአ ብፍሉይ ክረኣዩ ዝበልዎም ነጥብታት እውን ኣነጺሮም። በዚ ድማ ክልቲኡ ሰነዳት ኣብቲ ጉባአ ቀሪቡ ንክጸድቕ ተጻፊፉ። ተሳተፍቲ ኣብ መዛዘሚ ሰሚናር ናብቲ ጉባአ ክቐርቡ ዝበልዎም ተወሰኽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።
ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ርእስቲ ብጨናፍር ክካየድ ዝጸንሐ ክትዓትን ምእካብ ኣገደስቲ ሓሳባትን፡ ብተመሳሳሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናራት ክካየድ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
Exclusive: Donor-funded food diversion in Ethiopia ‘coordinated, criminal scheme’; covers seven regions, involves federal and regional governments
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " Source: Addis Standard JUNE 8, 2023 Women in the Afar region of Ethiopia receive emergency food assistance. Photo: ©WFP/Claire Nevill Addis Abeba – Following the suspension of food aid delivery by the USAID and WFP, which at first " Martin Plaut |
Source: Addis Standard Women in the Afar region of Ethiopia receive emergency food assistance. Photo: ©WFP/Claire Nevill Addis Abeba – Following the suspension of food aid delivery by the USAID and WFP, which at first appeared to have been triggered by food aid diversion in the war-torn Tigray regional state, an internal memo of a recent meeting by the donor community in Ethiopia obtained by Addis Standard revealed that the result of an “extensive monitoring” over the course of the last two months conducted by USAID, the single largest food aid provider to Ethiopia, has identified “a country-wide diversion scheme primarily targeting donor-funded food commodities” and is “a coordinated and criminal scheme, which has prevented life-saving food assistance from reaching the most vulnerable.” A memo prepared by Humanitarian and Resilience Donor Group (HRDG), which is “a platform allowing donors to coordinate their activities in support of a strategic, effective, efficient, and principled humanitarian response,” among others, also shows that the “monitoring visits at 63 flour mills in seven of Ethiopia’s nine regions, and witnessed significant diversion of USAID-funded humanitarian food commodities across all seven regions.” A field trip by Addis Standard team in March to Borana, Oromia region, found community members in Yabelo, the administrative capital of the drought-hit Borana zone, in Southern Oromia, reeling in the midst of allegations on the rising cases of corruption in aid administration that saw a portion of the aid deliveries are taken for personal use by the people in charge of local aid distribution. The “scheme appears to be orchestrated” by federal and regional governments entities, “with military units across the country benefiting from humanitarian assistance. Private grain and flour traders and operators have also played a role in the scheme,” the memo reads. The monitoring by the USAID has also observed evidence of “diversion of other donor-funded commodities” including “wheat donated from France, Japan, and Ukraine through implementing partner World Food Program (WFP).” In September last year, Ukraine has donated 50,000 metric tons of grain for Ethiopia and Somalia through WFP, which has since been delivered in various batches. The outcome of the motioning seems to have a wide-range implication on the overall food aid delivery to Ethiopia. According to the HRDG memo, “there is a strong possibility that USAID will pause all USAID-supported food assistance across Ethiopia until further notice.” The US government has provided a whooping $1.8 billion aid in lifesaving assistance since the 2022 fiscal year alone. Although the possibility will leave “non-food aid” provisions unaffected, the USAID said before allowing any additional USAID-funded commodities to be distributed in Ethiopia, “the country’s humanitarian architecture must undergo significant and immediate reforms.” Stringent recommendationsThis comes in the backdrop of the 2023 joint appeal published in March by Ethiopian government and humanitarian partners which sought for $US 3.99 billion to assist over 20 million people across the country with food assistance. An estimated 13 million of this are targeted for humanitarian response in drought affected areas alone. Regardless of the needs however, the HRDG memo forwarded stringent recommendations to be implemented both by the donor community and the Ethiopian government. While the USAID called on other donors “to seize this opportunity to improve the humanitarian architecture in Ethiopia,” the humanitarian group itself recommended the Ethiopian government to implement a litany of measures, starting from “making public statement “condemning the humanitarian aid diversion and demanding that humanitarian staff throughout Ethiopia not be harassed in any way,” to identifying and dismantling the “organized structures orchestrating the diversion scheme(s).” Indicating the scale of the diversion that covers the unnamed seven regional states, the group also asked the federal government “to work with regional and local authorities to identify any diverted donor-funded commodities that are currently being stored illegally in Ethiopia and facilitate the safe return of those commodities into the custody of implementing partners.” Furthermore, in what shows to be a disruption in the periodic Food Security Phase Classification (IPC) reporting process, the recommendation called on the Ethiopian government top “define a timeline to reinstate the IPC process, in consultation with relevant stakeholders, and allow donors and their implementing partners to use IPC data and analysis to target food or alternative modalities of assistance only to the most vulnerable.” Compounded by the ongoing drought affecting millions, and the suspension of food aid, a recent assessment and observation by Famine early Warning System Network (FEWS NET) covering the months between June to September 2023, has classified Tigray region to be “worse than previously assessed” and southern and southeastern areas of Oromia and Somali regions to continue to face risk of extreme outcomes of the ongoing drought. FEWS NET classified both cases as “Emergency (IPC Phase 4).” WFP leadership resignation report and denialIt is in the midst of this crisis, which is described by a source close to the matter as “complete failure of the aid industry in Ethiopia,” that the news of the resignation of the senior leadership of the WFP in Ethiopia was reported by The New Humanitarian on Tuesday this week. According to the exclusive report, the “WFP country director Claude Jibidar and his deputy, Jennifer Bitonde, tendered their resignations at an all-staff meeting on 2 June”. The New Humanitarian also said the resignation happened “shortly before the findings of a probe into the misappropriation of food aid in the country are due to be made public.” WFP refuted the report and described it “inaccurate”; it insisted that “there has been no resignations by senior management in WFP Ethiopia”, but said the country director “is currently on leave and remains a WFP employee.” According to the source who spoke with Addis Standard on conditions of anonymity because of the sensitivity of the information, one of the “demands by the USAID” is to seen a “complete change in leadership at the WFP Ethiopia.” Although, it did not indicate any change in the leadership, WFP admitted that it was “in the midst of rolling out comprehensive, systemic measures to prevent any further interference with lifesaving food assistance from reaching those who depend on it for their survival.” Addis Standard’s requests for comments from Claire Nevill, WFP Ethiopia Head of Communications, Brenda Kariuki Senior Regional Communications Officer for Eastern Africa, as well as the WFP Global Media Team were unsuccessful. |
Ethiopia: Behind the World Food Programme resignations
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " On Monday the New Humanitarian broke the story of the resignation of the two most senior World Food Programme (WFP) staff in Ethiopia. The crux of the story was this: "WFP country director Claude Jibidar and his deputy, Jennifer Bitonde, tendered" Martin Plaut |
On Monday the New Humanitarian broke the story of the resignation of the two most senior World Food Programme (WFP) staff in Ethiopia. The crux of the story was this: "WFP country director Claude Jibidar and his deputy, Jennifer Bitonde, tendered their resignations at an all-staff meeting on 2 June, sources present at Friday’s 'emotional' gathering told The New Humanitarian, speaking on condition of anonymity due to the sensitivity of the information. The move followed an internal investigation launched last month over reports that significant amounts of food meant for hungry people in Ethiopia’s war-affected northern Tigray region had been sold on the commercial market." Why the resignations? What I hear from a source in Ethiopia is that the USAID found aid on local markets, first in Tigray (Alamata) but later across Ethiopia, including Gambella and the Somali region. The majority of this diversion of aid was said to have taken place since the January ceasefire in Tigray. The WFP tried to blame the beneficiaries or the NGO's they had been working with. Others suggested some was looted by Eritreans or by agencies working with local governments. These arguments were not regarded as credible, since there was evidence of aid being taken directly from government warehouses or sold by millers. USAID demanded a halt and a full explanation. USAID administrator Samantha Power made the announcement in a statement on 3rd of May, explaining that the aid had been intended “for the people of Tigray suffering under famine-like conditions”. “We have made the difficult decision to pause all USAID-supported food assistance in the Tigray region until further notice,” Power said. The Americans believed the Tigrayan authorities and Federal authorities were trying to defraud the US taxpayers. Investigations in Tigray and by the Federal government are now said to be close to being finalised. Another source commented: "It’s a scale of aid diversion I have never seen before and it implicates the governments at regional and federal level. The Ethiopian and the Tigrayans military were caught on camera taking wheat from mills. Worse still, they had contracts signed by the mills. Although this was first detected in Tigray it implicates at least 8 regions." "My friend a diplomat confirms the food aid corruption information. As of today, it seems an ‘open secret’ in diplomatic circles," a further source explained. What does it amount to? This must be among the most serious cases of aid diversion in many years and could lead to wholesale cuts in Ethiopian food aid, upon which many Ethiopians depend. Everyone knows that some aid is sold on local markets by ordinary people, but this is on a quite different scale. What has been uncovered goes way beyond this and amounts to officially sanctioned corruption. And with footage of troops taking food from warehouses and mills it could no longer be denied. USAID knew if the true scale came out and they had not acted then they would be blamed and heads would roll. Hence the dramatic decision to cut aid flows to Tigray, which has left the poorest of the poor without the assistance they so badly require. As the WFP said on 3rd of May 2023: The World Food Programme (WFP) is deeply concerned by the recent reports of significant diversion of humanitarian food assistance in Ethiopia’s Tigray Region. WFP takes this issue extremely seriously and will not tolerate any interference in its distribution of critical food aid to the most vulnerable women, men and children. WFP immediately launched a comprehensive investigation upon learning of the food diversion reports and has taken swift action to establish all the facts and further strengthen our controls. WFP has paused food distributions in Tigray, which will not resume until WFP can ensure that vital aid will reach its intended recipients. WFP is working closely with the regional authorities to identify any individuals involved in these activities, and to close any loopholes in the process of identifying and registering beneficiaries. WFP is also strongly reiterating to our cooperating partners that they monitor and report any illicit activities, and that they are enforcing the agreed controls. WFP prides itself on ensuring the proper use of donor contributions - with the most stringent controls and processes in order to best serve the millions of the hungry who depend on WFP’s lifesaving and life-changing assistance. The people of Tigray are still recovering from the impacts of a two-year conflict, which has left 84 per cent of the region in a food crisis. WFP is resolutely committed to ensure life-saving food assistance reaches those most in need efficiently and effectively. Word Food Programme Statement, 3 May 2023 |