ኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም ምስ ዘየብለን ሃገራት ተሰሪዓ

2025-08-25 20:43:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 46 times

ኣህጉራዊ ደረጃ ሰላም (Global Peace Index)፡ ዝተባህለ ትካል፡  “ቁጠባን ሰላምን” ምስ  ዝተባህለ ኣህጉራዊ ኣካል ብምትሕብባር ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም መርኣያ ብምውሳድን ብኣህጉር ደረጃ ኣብ ዝተፈላለዩ  ኩርነዓት ዝረኣይ ህውከትን ዘይምርግጋእን ኣብ ግምት ብምእታውን ንሃገራት ዝሃቦ ናይ ሰላም ኩነታት ደረጃ ኣውጺኡ። እቲ ሚዛን ንውሽጣዊ ኩነታት ናይተን ሃገራት ጥራይ ዝተዋህበ ዘይኮነ፡ ምስ ግዳማዊ ተጽዕኖታትን ዝምድናታትን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ውን  ኣብቲ ዓመታዊ  ጸብጻብ 2025 ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ኣብ ናይ 2025 ኣህጉራዊ መዕቀኒ ኩነታት ሰላም፡ ኤርትራ ካብ 163 ሃገራት ኣብ መበል 136 ተሰሪዓ “ዘተኣማምን ሰላም ምስ ዘየብለን ሃገራት” ተመዲባ’ላ። ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ኤርትራ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ ምድብ ኮይና፡ ኣብ መበል 144 ተሰሪዓ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ከኣ ካብ 44 ሃገራት ኤርትራ ኣብ መበል 32 ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 36 ሰፊረን።

እቲ ጸብጻብ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣወዳዲሩ ኣብ ዘስፈሮ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ሓቢረን ዘካየደኦ ፖለቲካዊ  ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ውግእኳ እንተዓረፈ፡ ሕጂ እውን ኣብ ሕድሕደን መጻኢኡ ምግማት ኣብ ዘጸገም ምስሕሓብ ኣትየን ኣለዋ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ክልቲአን ሃገራት ናብ ታሪኻዊ፡ ዓሌታዊ ምክፍፋልን ዘይርኡግ ቁጠባዊ ኩነታትን ባህሪ ዘለዎ ሓድሽን ዝሰፍሐን ውግእ ከይኣትዋ ከም ዘስግእ ጠቒሱ። እቲ ብጉዳይ ሰላም ዝግደስን ዓመታዊ ጸብጻብ ዘውጽእን ትካል፡ ንሃገራት ካብ ዝሓሸ ናብ ዝኸፈአ ዘርዚሩ ኣብ 5 ደረጃ ክኸፍለን እንከሎ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበኦ ጉጅለ 4ይ ደረጃ  እዩ።

ካብተን ኣብ 1ይ ተሰሪዐን ኣዝዩ ዘተኣማምን ሰላም ኣለወን ተባሂለን ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣይስላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ኦስውስትርያ፡ ኒውዜላንድ፡ ሲንጋፖርን ስዊዘርላንድ ይርከበአን፡ ካብተን ኣብ መወዳእታ ኣዝዩ ዘየተኣማን ሰላም ዝርከባ ተባሂለን ዝሰፈራ ከኣ፡ የመን፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣፍጋኒስታንን ዩክረይንን ይርከበአን።

እዚ ነቶም ከቢድ ገበናትን ጥሕሰታትን ክፍጸም እናረኣዩ፡ ድምጺ ተኹሲ ስለ ዘይስማዕ ጥራይ ኤርትራ ካብ ዓለምና “ናይ ሰላም ደሴት እያ” ዝብሉ ናብ ልቦም ንክምለሱ መበራበሪ እዩ።

Last modified on Monday, 25 August 2025 22:48