ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ “2022 ዓሚ፡ 2023 ድማ ሎምዘበን” ኣብ ዝበሃላሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “መጻእኩ” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት’ውን ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ  ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ከኣ “እዛ ዓመት እዚኣስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ኢና ንብል ። ከብቲ ልሙድ መስርሕ ዘይወጸት ክነሳ፡ “ንሓንሳ ቀልጢፋትና ንሓንሳብ ድማ ደንጉያትና” ምባልና ልሙድ እዩ። ኣብታ ዓመት ሰብ ብዘምጽኦ ሕሰምን መከራን ብምምራር “እንኳዕ እዚኣስ ሓለፈትልና”፡ ብዝብል ምስጋናና እንገልጸሉ’ውን ኣሎ። በዚ ኮነ በቲ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2023ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።”

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ዓሚን ሎምዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ እቲ ንሕና እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግሞ ይግበኣና። እዛ ናይ ዓመታት ምርኽኻብ ንዓመታ’ውን ቆጸረኣ ኣኽቢራ ከም እትመጽእ ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ተመሊስና ንምውጋድ ዘይኮነ፡ ካብኡ ተማሂርና ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ንክንርከብን ዳግማይ ንከይንጋገን  እዩ።

ኣብዛ ጉዕዞኣ ወዲኣ ዓሚ ክትበሃል ተቐሪባ ዘላ 2022፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዋ  ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡን ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። ከምቲ “ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና  ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ፡ ኣብ 2023 ዝገጠመና ብደሆ’ውን ቀሊል ስለ ዘይከውን ዝያዳ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክንቅረበሉ ይግበኣና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን።  እንተኾነ ኮይኑስ፣  ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝተማረኹ፡ ዝሰንከሉን ሃላዋትቶም ከም ዝጠፍአን፡ ንምርግጋጽ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሓበሬታ እንጽበየሉ ዘይኮነ፡ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል፡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይኣተወን” ክብሉ ዝጸንሑ ኣብ ዓመተ-2022 ኩሉ ሓሶታቶም ተቐሊዑ ብመርተዖታት ስለ ዝተረጋገጸ መልክዕ ቀይሮም “ኣይወጽእን እዩ” ኣብ ምባል ኣለዉ። እዚ “ዒራ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ከም ዝባሃል፡ ህይወት ኤርትራዊ መንእሰይ ዘይዓጦም ምዃኖም ዘርኢ’ዩ። ኤርትራውያን ወተሃደራት ኣብ ዓውዲ ውግእ ትግራይ ተማሪኾም ዘጋጠሞም መከራ ነጊረሙና እዮም። “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ምቕታል ሲቪልን ምርሳይ ንብረቱን ተሳቲፉ” ዝብል ስማዕ፡ ነቶም ቀተልትን ራሰይትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍርን ርእሱ ዘድንን ስማዕ ኮይኑ’ሎ። እዚ ጉዳይዚ  ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ክንከታተሎ ዝጸንሕና እዩ። ኣብ 2023 ድማ መስርሕ ደቂቕ ምጽራይ ጌና ቀጻሊ እዩ።

ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ዝተራእየ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝወጠንዎ እሞ ህግደፍ ተደርጊምዎ ዝጸንሐ ውግእ “ኣየዋጸናን እዩ” ኢሎም መንገዲ ሰላም ዝሓዝሉ ኩነታት እውን ኣብ ዓመተ 2022 እዩ። እዚ ህርፋን ውግእ ህግደፍ ዝኾለፈ መንገዲ ሰላም፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ብቕልጡፍ ይስጉም ኣሎ። 2023 ከኣ ነቲ መስርሕ ተረኪባ ኣብ መፈጸምታ ናይ ምብጽሑ ሓላፍነት ክትርከብ እያ። ውጽኢት ናይዚ መስርሕ ሰላም፡ ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ከም ጐረቤት በቲ ሽግር ብኣሉታ ክንጽለው ዝጸናሕናን ንዞባናን ዘለዎ ፋይዳ እውን ልዑል እዩ።

2023 ካብ 2022 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽን ዝሑል ውግእ እንደገና ከይክሰት ዝስገኣሉን  ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ቀንዲ ተዋሳኢ፡ ኮይንሉ ዝጸንሐ ውግእ ኢትዮጵያ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ከዘንብል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና፡ ጋና ውግእ ዝቕጽለሉ ኩነታት ንምርካብ ኩሉ ይፍንቀለለይ እዩ፡ ዝበሎ ኣእማን ኣብ ምፍንቃል ይርከብ። ብግብሪ ግና ዝያዳ ኣብ ዝተነጸለሉን ዝተቓለዓሉን ደረጃ ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ንሓንሳብ እንዳ ዘሓለ ንሓንሳብ ድማ እንዳወዓየ መጻኢኡ ኣብ ዘይግመት ደረጃ ኣሎ። ሱዳናውያን ብዕልዋ ዝመጸ ወተሃደራዊ መንግስቲ ተቓዊሞም፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ምትካል ኣብ ቀጻሊ ዘተባብዕ ቃልሲ ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ፡ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ኣብ ዓመተ 2022  መሊሱ ገዲዱ እምበር ኣይነከየን። እኳ ደኣ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ፡ ናብ ዓውዲ ውግእ ዘይከተትኩም ብዝብል፡ ማእሰርቲ ስድራቤታት፡ ምዕጻው ኣባይቲ፡ ምርሳይ ንብረትን ጥሪትን ካልእ ግፍዕታትን ተወሲኽዎ ሰማይ ክዓርግዩ ጸኒሑን ዘሎን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ሎሚ’ውን ብዓብይኡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ፡ ውግእ እንተዘይኮይኑ ሰላማዊ መንገዲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ቅኑዕ መስመር  ስለ ዝወጸ  ናብ ደሓን ክምለስ ዘይሕሰብ እዩ።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2023 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ክማላእ ዝግበኦ ቅድመ-ኩነታት ሓደ፡  ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ተሳትፎን ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ንህግደፍን መጋበርያታቱን ስለ ዘርዕዶም፡ ንኸይዕወት ክጻብእዎ ባህርያዊ’ዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጀመሮ እሞ ኣብ መፈጸምታ ዘየብጸሖ ዕማማቱ ምትግባር፡ ናይ መጻኢ ዓመት ዕማማቱ ኣካል  ክኽውን እዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ብመሰረት ቅዋሙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝጋብእ ስሩዕ ጉባአኡ ኣብ 2023 ወርሒ ሓምለ ከካይድ እዩ። ድሮ ነዚ ንምዕዋት ኩሎም ኣካላቱ ብዙሕ መዳያት ኣብ ዘለዎ መስርሕ ምስንዳእ ኣልዉ። ስለዚ ምዕዋት 4ይ ጉባአ፡ ናይ መላእ ኣካላት ሰዲህኤ  ሓደ ናይ 2023 መሪሕ ዕማም ክኸውን እዩ።

ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝጸንሑ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ከም ዝተፈትሑ ምንጭታት ናይታ ቤተክርስትያ ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እዞም ጳጳስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብ15 ጥቅምቲ 2022 ዝተኣስሩ፡ ካብ ምገሻኦም ክምለሱ እንከለዉ  እዮም። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እዚ ማእሰርቲ ብሓፈሻ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ዝፈጥሮ በደል መቐጸልታ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናይቲ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ክፈጥሮ ዝጸንሐን ዘሎን ተጽዕኖ ኣካል እዩ።

እዞም ጳጳስ ምፍተሖም እምበር ዝተኣስርሉ ምኽንያት ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምእሳሮም ኮነ ምፍተሖም ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ምስዚ ኣብ ዝተጠሓሕዘ ቅድሚ ኣቡነ ፍቕረማርያም ናይ ሰገነይቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ-ክርስትያን ሃገረ ስብከት ኣተሓባባሪ ዝነበሩ ኣባ ምሕረተኣብ እስጢፋንኖስ እውን ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተኣኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ኣባ ፍቕረማርያም ከም ዝተፈጥሑ ተሓቡሩሎ።

ቅድሚ ሕጂ  ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ በታ ቤተክርስትያ ዝመሓደራ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ትካላት ብምውራሱ ዘይምቅዳው ፈጢሩ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብምኽንያት ማእሰርቲ ኣባ ፍቕረማርያምን ብጾቶምን ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መዘክር ኣብቕሪቡ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ መዘክሩ ዝምልከቶም ኤርትራውያንን ዓለምለኻውያን ኣካላት ንክፍትሑ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ህዝቢ እውን ተቓውሞኡ ከስምዕ ጸዊዑ እዩ።

Thursday, 29 December 2022 19:42

Dimtsi Harnnet Kassel 29.12.2022

Written by

ገያሾ ከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ መቐለ እናተበገሱ (ምስሊ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ)

ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን፡ ገያሾ ዝሓዘት  ቁጽሪ በረራ 104 ቦይንግ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ28 ታሕሳስ 2022 ኣብ ከተማ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ከም ዝዓረፈት፡ ተለቪዥን ትግራይ ሓቢራ። ጉዕዞ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ፡  ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 18 ኣዋር  ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምውጽኡ ተቛሪጹ እዩ ጸኒሑ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ከም ዘፍለጦ፡ ድሕሪ ሕጂ ዕለታዊ ሓደ በረራ  ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዘካይድ ኮይኑ፡ ናብ መቐለ ዝግበር በረራታት  ኩንነታት ገያሾ እናተራእየ ከም ዝውሰኽን ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ድማ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ክጅመር እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ድሕሪቲ ናብ ትግራይ በረራ ክጅምርዩ ዝብል ሓበሬታ ምዝርግሑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቲኬት ነፋሪት ኣብ  ዝሽየጠሉ ቦታታት ጸዕቂ ገያሾ ከም ዝተራእየን ክሳብ ዝመጽእ ሳምንቲ ዝግበር በረራታት  ቲኬት ተሸይጡ ከም ዝተወደአን ተሓቢሩ።

እዚ  ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ምብጸሖም ተኸቲሉ ዝተጀመረ ስሩዕ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣካልቲ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሮትርያን ናይሮብን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ቴለኮምን ብሄራዊ ባንክን  እውን ኣብዚ ሓጺር መዓልታት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ምሉእብምሉእ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ስጉምቲ ክወስዱ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ቅድሚ ውግእ ትግራይ ምጅማሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ዕለታዊ ካብ 10 ክሳብ 14 በረራታት ከም ዝነበሮ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኤርትራ ከባቢ ሰሜን ደንከል፡ ብ26 ታሕሳስ 2022 ብመዕቀኒ ሬክተር-ስኬል 5.5 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቅልውላው-24/CRISSI-24 ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እቲ ምንቅጥቃት ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ፡ ካብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ 150 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ምስ ትግራይ ኣብ ዝዳወብ  ኮይኑ፡ ክሳብ 10 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ዕምቆት ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ጠቒሱ።

በዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ማእከላይ ከባቢ ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ከባቢ ዓዲ ግራትን ናይ ምንቅጥቃጥ ስምዒት ፈጢሩ ከም ዝነበረ እውን ተሓቢሩ።

ብሰንክዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ጉድኣተ ከም ዝወረደ ዝሕብር ጸብጻብ ሽዑንሽዑ ኣይቀረበን። ምናልባት ግና ኣብ ጥቓቲ ምንቅጥቃጥ ዝተፈጥረሉ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጻ ጉድኣት ወሪዱ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ። እታ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ኩነታት ዝተፈጥረሉ ቦታ ካብ መራኸብታት ዝረሓቐ  ስለ ዝኾነ፡ ድሒሩ ዝመጽእ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተፈልየ ጸብጻብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ድሕሪቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ተገዲቡ ነይሩ  ዝኸውን ከም ዝኽእል ድማ እቲ ዜና ግምቱ ሂቡ።

ኣቕጣጫ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ (ከባቢ ዳባት) ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥቓ ከተማ ዳባት ኣብ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ  ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ኩነታት ከም ዝርከቡ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ናይቲ መደበር ኣብ ንመነባብሮ ሰባት ዘይምረጽ ቦታ ዝተደኮነ ብምዃኑ ኣደዳ ንህይወቶ ዝፈታተን ዛሕሊ ወዲቖም ምህላዎም፡ ቀዳማይ ጸገም ኮይኑ፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ቀረብ ዘየብሉ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገሞም እዩ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ሕክምናን ዝስተ ማይ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ቀረባት ዘይእኹል ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ብነፍሲ ወከፍ ሓደ ስደተኛ ኣብ ወርሒ ዝወሃብ መግቢ 7 ኪሎ ግራም ጥረ ስርናይ  ምዃኑ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ነዘን ስርናይ ቆሊኻ ንምብላዕ ወፊርካ እተምጸኦ ዕንጸይቲኳ ከምዘየለ ገሊጹ።

እቲ ካልእ ዝዓበየ ጸገም ኩነታት ጸጥታን ድሕነትን ኮይኑ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኩሉ ዝኣትዎ ሓለዋ ዘየብሉ መደበር ኣለምዋጭ፡  ካብኡ ወጺእካ ኣብ ከተማ ዳባት ገዛ ተኻሪኻ ምንባር እውን ጸጥታኡ ከም ዘየተኣማምን ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ከተማ ዳባት ኣብ ሰዓታት ምሸት ተጨውዩ ምስተወስደ፡ እቶም መንንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጨወይቲ፡ እቲ ዝተጨውየ ንክልቀቕ  ካብ 2 ክሳብ 1.5 ሚልዮን ብር ሓቲቶም ከም ዘለዉ እቲ ምንጪ ጠቒሱ፡

በዚ ኩነታት ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቱ ኣካላትን ተስፋ ዝቖረጹ ኣስታት 5 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ “ናብ ሃገርና ምለሱና” ኢሎም ከም ዝተመዝገቡን እቲ ምምዝጋብ ቀጻሊ ምህላዉን  ከኣ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም ትግርኛ ሓቢራ።

እዞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ብሰንኪ ውግእ ምስ ዓነወ፡ ካብኡ ዝሰገሩ ነባራት ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም።

 ሕብረት ኤውሮጳ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ኣልጀርስ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሰላምን ምርግጋእን  ሰሜን ኢትዮዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ ዘሪፖርተር ሓቢሩ። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ፡ ምስቲ ንባድመ ንኤርትራ ዝወሰነ ብይን ዶብን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዳህሲሱ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኩለ-መዳያዊ ህድኣት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምኡ እውን  ሰላማዊ ዕቤት ምርግጋጽ ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን  ወሳኒ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣተሓሒዙ፡  ጐረባብቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ፡ ተጻብኦ ብቐጻሊ ናይ ምቁራጽ  ውዕል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብራ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ናይቲ ሕብረት መግለጺ፡ ኣገዳስነት ስምምዕ ኣልጀርስ 2000ን፡ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018ን ጠቒሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ትግራይ ንክወጽእ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ንትግባረ  እቲ ህውከት ናይ ምቁራጽ ውዕል  ወሳኒ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።

ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር  2020 ንደሓር ናብ ትግራይ ምእታዉ ክቃወም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰላማዊ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ’ውን፡ ጌና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸን በደላት ይፍጸም ከምዘሎን ክሲ የሰምዕን ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ተኸተመ፡ ንዕስራ ዓመታት፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት እቲ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ኣይተተግበረን። ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ዓብይ ግደ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዘየሳተፈ  ዝምድና መንጎ ኤርትራን ትግራይን ምሕዳሱ፡  ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዝተባርዐ ውግእ ዝውሰድ ምዃኑ’ውን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቒሱ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውዕል ኢትዮጵያን ትግራይን “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ይወጹ” ክብል እንከሎ፡ ንሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡  “እንተላይ ካብ ባድመ ማለት ድዩ?” ዝብል ክንጸር ይግበኦ ነይሩ ክብል እውን ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይቲ ስምምዕ ኣተገባብራ ተቖጻጻሪ ኣካል ነዚ ከነጽሮ ከም ዝግበኦ እውን ኣመልኪቱ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውዳበታቱን ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቑዕን ርትዓውን  እዩ። ናይ ምቅዋሞም  ማእከላይ ሕመረት ድማ እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን  ኩለ-መዳያዊ ጭካነን በደልን እዩ። ህግደፍ ዝፍጽሞ በደላት ነዊሕ ዕድመን ስፍሓትን ስለ ዘለዎም፡ ወሰን ኢልካ ካብ ምዝርዛሩ፡ “ዘይፈጸሞ ዓይነት ግርፍዒ የለን” ኢልካዮ ምሕላፍ  ይምረጽ። ካብቲ ቀንዲ ቀንዱ  ኣብነት ንክኸውን ዝኣክል ንምጥቃስ ግና ህግደፍ፡  ብዘይሕገ-መንግስቲ ዝገዝእን ብህዝቢ ከይተመርጸ ዝመርሕን፡ ናይ ህዝቢ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝገፍፍ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝመሃርን ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ዝምስርትን ኣብያተ-ትምህርቱ ኣዕጽዩ፡ ናብ ውትህድርና ክስለፍ ዘገድድ፡ ናጽነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምርካብን ቁጠባዊ እቶት ምዕባይን ዘይፈቅድ፡ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክፍታሕ ዝግበኦ ምስሕሓባት ኣተዓባብዩ፡ ውግእ ብምኽፋት ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ከምትዳመ ክገብር ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ሞት፡ ምምዝባል፡ ዕንወት ንብረትን ምጽሕታር ጽልኢ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን ስለ ዘይዓጀቦ፡ እናሓደረ ብዘስደምም ቅኒት ተጠሊዑ፡ “ኣይከሰርናን” ምባሉ ብዙሕ ትርጉም ዝሓዘለ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት መርኣያ እዩ። ድሕሪዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ኣድጊ ንዝገበረካስ ጠይቂ ግበሮ” ዝበሃል፡ ነቲ ብቓንዛኡን ክሳራኡን ዝጻወት ዘሎ ጠላም ጉጅለ፡ ብውሽጡ ዘይኮነ፡ ብዝስማዕ በሪኽ ድምጺ፡ “ንስኻ ኣይናትናን፡ ንሕና’ውን ኣይናትካን” ክብሎ መተገብአ። ከምኡ ዘይምግባሩ  ካብቲ ንህግደፍ መሊሱ ዘሻድኖ ዘሎ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።

መራሒ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ፈዳሕዳሕ ኣብ ዝበለሉን ኣቐዲሙውን ኣብ ኤርትራ ኮይኑ “ኣይከሰርናን” ምስበለን፡ ብፍላይ ካብቶም ኣምለኽቱ፡ ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ብዙሓት ነይሮም። ምስ ደጋገመሎም ግና ጠላም መልእኽቱ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ። መንፈስ ናይ ኣበሃህላኡ፡ ነቲ ቅድም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደልን ጥልመትን መሊሱ ዝድርዕ ብደዐ እዩ። ገለ ህግደፍ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝነብር ኣካል ዝመስሎም ዘይቀበጹ ኤርትራዊ ወገናት፡ ኣብቲ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ መእረምታ ክገብር እናተጸበይዎ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ  ነቲ ዕብዳኑ መሊሱ ብዘበርኽ ደረጃ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ፡” ዝብል ሸርሑ ከተግብር ናብ ውግእ ትግራይ ተነቚቱ።

ህግደፍ ናብ ውግእ ትግራይ ዝኣተወ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናይ ቅድም ተግባሩ  ደም ከም ዝነበዐ  ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ “ኣበይ ከይበጽሕ” ብዝብል ንዕቀት  እዩ። ብሰንክዚ እኩይ ተግባሩ ከኣ እቲ ስንብራቱ ክሓዊ ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ፡ ብሞት፡ ብምስንካል፡ ደሃይ ብምጥፋእ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሻቕሎት ሓዘን ደሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ ክዕንገለሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽበሉን ዝነበሮ ሃገራዊ ንብረትን ጸጋን ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ዓንዩ። ህግደፍ ግና ናይ ውግእ ነጋዳይ ስለ ዝኾነ፡ እንተስ ኣእሚኑ እንተስ ኣደናጊሩ፡ ናብ ህዝብና ዘይበጽሐ ሕቡእ  መኽሰብ ኣኻዕቢቱ ከም ዝኸውን ይግመት። እቲ ኩነታት ጌና ሕጂ እውን ኣብ መስርሕ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና እንታይ ከም ዝዘንብ ኣይተፈልጠን።

በደልን ገበንን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሃገር ንኤርትራን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር፡ ናይ ህግደፍ ብሕታዊት ኩባንያ ስለ ዘይኮነት፡ ህግደፍ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ኣይክዋገየላን እዩ። ንኤርትራ ብሸሓኒ ዘረክቦም ዝመስሎም ህሩፋት መሻርኽቱውን ነዚ ከይዝንግዑ ነዘኻኽሮም። ካብቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምውጥዋጥ ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በብግዜኡ ቀይሕ መስመር እናሰገረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝበሎም ንኣብነት ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ። “ምትግባር ቀያድን ናይ መወዳእታን፡ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ዘልዕሉ ዝተጀመረ ሰላምና ክዘርጉ ዝደልዩ ወገናት እዮም፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንክመርሓና ንቓለዓለም ዘይኮነ፡ ብልበይ  ይፈቕደሉ ኣለኹ፡ ኣነ ከኣ ምስኡ ኣለኹ።”  ዝበሎ፡ ምልክት ሓደገኛ ክድዓት ስለ ዝኾነ፡ ወርትግ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። በዚ ተተባቢዕም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝምድሩን ዝጽሕፉን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን  ብዙሓት ምዃኖም ከኣ ዘቕስን ኣይኮነን።

ህግደፍ ነዚ ኩሉ ጉዱ ኣቐሚጡ፡ ናብዚ ሎሚ ኣወጻጽኣኡ ኣጸጊምዎ ዘሎ ውግእ ትግራይ ዝኣተወሉ ሓቀኛ ምኽንያት ሓቢኡ፡ “ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ እየ ናብ ውግእ ትግራይ ኣትየ”  ክብልን ነዚ ዘቃልሕሉ ብዙሓት ዘየገናዝቡ ኣፈኛታት ከዋፍርን እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክከታተሎ ጸኒሑ እዩ። ህግደፍ ብኽንዲዚ ደረጃ ክሕስውን ከተዓሻሽውን እንከሎ፡ እቲ መስዋእቱ ተዘንጊዑ ልኡላውነቱ  ዝተጋህሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደድሕሪ ናቱ ሓሸውየ ዝቆጻጸ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን። እዚ ግምቱ  ዘመልክቶ ከኣ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ  እዩ። ሕጂ ድማ እቶም ኣብ ትግራይ ዝጠፍኡ መንእሰያት ኣብ ምንታይ ጠፊኦም ከም ዝብሎም፡ እንግምቶ፡ኳ እንተኾነ ጽባሕ ከኣ ብጋህዲ ካብ ጠባሪ ልሳኑ እንሰምዖ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ህግደፍ ለጋጊቡ ብዘቕርበሉ ናይ ሓሶት ምኽንያት ክደዓዓስ ዘይኮነ፡ “ስለምንታይ፡ ንረብሓ መንከ?” ብዝብል ሕቶ ከዋጥሮን፡ ደጊም ምስኡ ከምዘየለ ከቕብጾን ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ሓላፍነት እዩ።

 

Page 6 of 501