ኤርትራ ብ12 ታሕሳስ 2025 ከም ልማዳ ካብ ናይ ኢጋድ (IGAD) ኣባልነታ ከም ዝሰሓበት ኣፍሊጣ። ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ምስሓብ ኣባልነት ምኽንያት ዝተባህሉ ነጥብታት ተጠቒሶም ኣለዉ።

እቲ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጉጅለ ህግደፍ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ካብ 1993 ጀሚራ ምስ ኣባል ሃገራት ናይቲ ዞባዊ ትካል ብምትሕብባር፡ ከተበርክት ከም ዝጸንሐት  ጠቒሱ፡ እንተኾነ እቲ ትካል ንከባቢያዊ ምርግጋእን ቁጠባዊ ምትእስሳርን  ኣባል ሃገራትን ክሰርሕ ከምዘይጸንሐ ገሊጹ።

ካብቲ ኣባልነት ዘስሓቦ ነጥብታት ክጠቅስ እንከሎ ከኣ፡ ኢጋድ ብፍላይ ካብ 2005 ንደሓር ውድቀት ኣርእዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ኣንጻር ዝተወሰና ኣባል ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኤርትራ ኣዝዩ ሃሳይ ኮይኑ ከም ዝነበረን ኤርትራ ድማ በዚ ምኽንያት ኣብ 2007 ኣባልነታ ኣቋሪጻ ከም ዝጸንሐት ኣስፊሩ።

ድሕሪዚ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 እቲ ትካል መጸዋዕታ ኤርትራ ብምስማዕ ዳገመ ስርርዕ ብምክያድ የመሓይሹ ይኸውን ብዝብል፡ ኣባልነታ ከም ዘሕደሰት ጠቒሱ፡ እንተኾነ ከምቲ ናይ ቅድሙ ብዘይ ግሉጽ እስትራተጂ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ምኻዱ ስለ ዝቐጸለ፡ ካልእ ናይ ምስሓብ ኣባልነቱ  ምኽንያት ገይሩ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስፊርዎ።

ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ሓደ፡ ምስ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ሓቢርካ ዘይምስራሕን በምትከላቶም ናይ ዘይምምእዛዝ ስግንጢርን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎ ስምን ተሳትፎን እውን ምስጉን ኣይኮነን። ኣብዚ ኤርትራ ፈተውቲ ጐረባብቲ ከተብዝሓሉ ዝግበኣ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ምውሳድ ከኣ ውሕሉል ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ።

ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ መኽፈቲ 3ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ። ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብቲ ጉባአ ቃል ንምቅራብ ዕድል ብምርካቡ ብስም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ፖሓኤ ምስጋና ኣቕሪቡ። ሳልሳይ ጉባኤ ኤሃባዲለ ብዓወት ንኽዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ድማ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ገረዝጊሄር ኣተሓሒዙ፡ “ቅድም ቀዳድም  ኣብዚ 3ይ ጉባኤ ዓቢ ትጽቢት ከምዘሎና ክጠቅስ ባህ ይብለኒ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናና ምስ ኤሃባዲለ  ኣብ ዝተሓተትናሉ ግዜ፥ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤ ክገብሩ ኢዮም ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ መዓርፎኡ ዘየብጻሕናዮ ግን ብዕቱብ ጀሚርናዮ ዝነበርና ምቛም ሰፊሕ ጽላል ሓቢርና ከነቑሞ ኢና እንዳበልና ንምልስ ምንባርና ካብ ኩሉኹም ስዉር ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ጉባኤዚ ናትኩምን ብኣኹም ዝካየድን’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ እወንታዊ ውጽኢቱ ጥቕሚ ስለዘሎና ብማዕሬኹም ብሃንቀውታ ንጽበዮ ኔርና እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን።” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

“ጉባኤኹም ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት ሃገርናን ዞባናን ከምኡ’ውን ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ሓይሊ ቅኑዕ እዩ ዝዓይነቱ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እንኣትወሉ ዘሎና መድረኽ ስለዝዀነ፡ ምስዚ ተረኽቦታትዚ ዝመጣጠን ውሳኔታት ክውሰድ ተደላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ትስሕትዎ ኣይብልን” ድማ ኢሉ።።

ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እተወስዱ መርገጻት ንልዑላውነት ሃገርና ዝግህሱ ወይ ንክግሃስ ምኽንያት ዝዀኑ ምንባሮምን ምህላዎምን ብልቦና ንዝተዓዘበ ብሩህ እዩ፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ “ኤርትራ ብሰንኪ ምእጋድ ቅዋማዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክቱር ጭቆናን ሰብ ክነብረላ ዘይትኽእል ሃገር ስለ ዝዀነት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።”  ድሕሪ ምባል፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንምውጻእ  እቲ መፍትሒ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ምዃኑ፡ ፖሓኤ ከም ዝኣምን ኣስሚርሉ።

ኣተሓሒዙ ድማ ኤሃባዲለ፡ ንኣድላይነት ሰፊሕ ጽላል ኣብ 2ይ ጉባአኡ እውን ኣድህቦ ሂብዎ ምንባሩ ብምጥቃስ፡  ንሰለስተ  ዓመታት ዝኣክል ምስ ፖሓኤ ብሓባር ክሳብ ምንዳፍ ቻርተርን ዓንዲ ሕግን ተበጺሑ ከም ዝነበረን ፖሓኤ ንዓኡ ኣጽዲቑ ንክልተ ዓመታት ከም ዝተጓዕዘ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተኻየደ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ፡ ሕቶ ሓድነት ሃገራዊ ሓይልታት ብኣትኩሮ ተመልኪቱ ኣብቶም ሓያሎይ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ እንተላይ ኤሃባዲለ ዝኣምነሎም 4 ሃገራውያን መቖምያታት ዘትከለ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምምስራት ተደላይነት ዕዙዝ ምዃኑን ዝግባእ መጽናዕቲ ንምክያድ ምውሳኑን ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ምርግጋጹ ኣብ መደረኡ ጠቒስዎ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ጉባአ ኤሃባዲለ ዕዉትን ንብዙሓት ዝበራብርን ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ፡ ፖሓኤ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ድልዉነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ሁቻንግቹን፡ ብ8 ታሕሳስ 2025 ናብ ኤርትራ ንጽባሒቱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበጸሓ፡ ኣፍሮ ኢንሳይት (AFRO insight)  ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ናይቲ ኣንበሳደር ምብጻሕ ናብ ክልቲኡ ሃገራት ሃናጺ ምንባሩ ጠቒሳ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን  ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ዘይርጉእን ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝስሕብን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝተፈጸመ ምዃኑ እውን ሓቢራን

ኣብ ኣስመራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ልኡኽ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ከተሕይልን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሎ ግርጭታትን ዘይምርግጋእን ኣብ ምህዳእ ምስቲ ብህጉራዊ ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣወሃሂዳ ግደኣ ከተዕቢ ይግበኣ ከም ዝበሎ ንምንጭታት ኤርትራ ብምጥቃስ  ኣብቲ ጸብጻብ ኣስፊራ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ፡ ምስቲ ቻይናዊ ኣንበሳደር ብዛዕባ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣዘራሪብዎ። ኣብቲ ዘረብኡ ኢትዮጵያ ናብ ዞባዊ  ቁጠባዊ ምውህሃድ ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ክም ዝገለጸሉ ተሓቢሩ

ዝምድና ክልቴን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕማቕ ደረጃ እንከሎ፡ ናይቲ ፍሉይ ልእኽ  ድሕሪ ኣስመራ ብቐጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ፡ ቻይና ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ክትርዳእ ከም ዝወሰነት ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ቻይና ኣብቲ ተሃዋሲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ንምሽምጋል ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝህልዋ ዝምድና ሚዛናዊ ክኸውን ከም እትደሊ እውን ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።

ቻይና ካብተን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣራኺበን ከዛትያ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክጥቀስ ዝጸንሐ እዩ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ፡ ብ10 ታሕሳስ 2025 ናይቲ ቦርድ ዳይረክተር ወይዘሮ ሜላትውርቅ ሃይሉ ብዝሓበቶ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ዝርዝር ናይ ምርጫ  ኣተገባራ መስርሕ ዘውጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ ተወዳደርቲ ዝምገብሉ፡ ናይ ምርጫ ምልክቶም ዘፋልጥሉን መረጽቲ ዝምዝገብሉን ግዜ ኣገባብን ምጥቃስ፡ 1 ሰነ 2026 ድምጺ ከም ዝወሃብ ጠቒሱ፡ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ከኣ 11 ሰነ 2026 ከም ዝግለጽ ኣፍሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቅድሚ እቲ ዝርዝር ኣትገባብራ ምጽዳቑ ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከም ዝተመያየጠሉ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዕላውነቱ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ድሕሪ መደብ ናይቲ ቦርድ ብወግዒ ምዝርግሑ፡ ኣብ ትግራይ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ኣይካየድን እዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ምርጫ ምክያድን ዘይምክያድን ናይቲ ብ2020-2022 ውግእ ጠንቂ ካብ ዝኾኑ ሓደ  ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

 ምስ ብዝተተሓሕዘ እቲ ቦርድ ነቲ ብፕረሲደንትነት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብግዝያዊ ፈቓድ ክንቀሳቐስ ድሕሪ ጸኒሑ፡ ብ9 ታሕሳስ 2025 ወግዓዊ ኮይኑ ንክምዝገብ ወሲኑ። እዚ ብኣቶ ጌታቸው ረዳን ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ኣባላትን ዝምራሕ ውድብ “ብህወሓት ክፍጸም ዝጸንሐ ጌጋታት ከእርም እየ” ዝብል ውድብ ስምረት ኣብቲ ቀጻሊ ምርጫ ክሳተፍ እዩ።

በዚ መንጽር እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ትግራይ ክፈላለዩ ዝጸንሑ ውድባት ህወሓትን ስምረትን “ኣብ ትግራይ 7ይ ምርጫ ይካየድ ኣይካየድ” ኣብ ዝብል ካልእ መፈላለይ ዛዕባ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ን7ይ ግዜ ምርጫ ንምክያድ ምድላዋት ክካየድ እንከሎ   ኣብ ኤርትራ ግና ምርጫ ዘይተኻየደ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሕገመንግስትኮነ ሕጊ ምርጫ እውን የለን።

Thursday, 11 December 2025 21:13

Dimtsi Harnnet Kassel 11.12.2025

Written by

ኣብ ሱዳን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘኸትሎ ሓደጋ መመሊሱ ይብርኽ ከምዘሎ መርበብ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ኣልጀዚራ ነዚ ዝገለጸት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሎም ንምዕባይ የካይድዎ ዘለዉ ሓደገኛ ውድድር ብምጥቃስ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉም ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ከባቢ፡ ኣስታት 10 ሺሕ ሰልጠንቲ ዝሕዝ ወተሃደራዊ መዕለሚ መደበር ምኽፋት ምስ ጀመረ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ቦታታት ሱዳን ብተመሳሳሊ ሓድሽ ግንባር ንምኽፋት ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ምስ ዘርዘረት እያ።

ብጸብጻብ ኣልጀዚራ መሰረት፡ እቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ  ብሓልዮትን ኣድላይነትን ነገራዊ ዓቕሚ ኣቕራብነትን  ዓረብ ኤምረትስ ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ፡ ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ድማ ነቲ መደበር መስሪቶም ከመሓድርዎ እዮም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝምስረት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓድሽ ግንባር ግና መን ብድሕሪኡ ከም ዘሎ ዝምልከት ዘቕረበቶ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

 ኣብ ቤንሻንጉል መደበር ዝምስረተሉ  ዘሎ ምኽንያት ኣብ ጐኒ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝዋግኡ ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋታት  ዝዕለምሉ ኮይኑ፡ ንዓኡ ዘድልዩ ቀረባት ከኣ ብወደባት በርበራ ሶማሊላንድን ወደብ ሞምባሳ ኬንያን ኣቢሎም ምስ ኣተወኡ፡ ብመንገዲ ጸጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝመሓላለፉ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። ቤንሻንጉል ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ናብ ግዝኣት ቡሉ ናይል ንከስፋሕፍሕ ክሕግዞ ተሓሲቡ ምዃኑ እውን ዜናዊ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ፖርት ሱዳን ናይ 2ተ መዓልታት ዑደት ምክያዱ፡ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ዝጥቀመሉ ኣጽዋር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምጽዋዕ ይረገፍ ኣሎ ዝብሉ ዜናታት እውን ኣለዉ። እዚኩሉ  ተደሚሩ ከኣ ሱዳን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ኣዙር ውግእ ዘካይዳላ ሜዳ ናይ ምዃና ዕድል ሰፊሕ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7 ታሕሳት 2025 ኣኼባ ከም ዘካየደ ካብቲ ቤት ዝሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ መኸፈቲ እቲ ኣኼባ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ሓላፊ መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳን ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።

ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ምስ መንእሰያት፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ተራኺቡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሉላውነት ሃገርን ሓለዋኡን  ንምዝርራብ ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ከም ዘካየደን ኣብ መጻኢ እውን ክቕጽሎ ምዃኑን ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ ኣብ 2025 ዝጀመሮም መደባት ኣብ 2026 እውን ከም ዝቕጽሎምን ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ብምርኻብ ጻዕሩ ንክቕጽል ድልዊ ምህላዉ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ኣብ ቀጻሊ ዝገበር ጻዕሪ ምዕቃብ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ከይተወደቡ ኣማዕድዮም ዝዕዘቡ ዘለዉ መንእሰያት ከም ዝውደቡ ምግባርን፡ ምኽባር ሃገራውን ህዝባውን በዓላትን ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃቦም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ 2026 መዓልቲ ናጽነት ናይ ምኽባር መደብ ከም ዘለዎም  ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ኣብ መጻኢ ብዘለዎም ዓቕሚ፡ ብመንጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መትከላትን ሰልፎም ህዝብን ሃገርን ዝማእከሉ ቃልሲ ከካይዱ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቃልሲ ብሪገድ ንሓመዱ ዝረአ ዘሎ ምዕብልናታት፡ ሃገራውን ህዝባውን ቀይሕ መስመር ጥሒሱ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከየውድቕ፡ብትሪ ኣተሓሳሲቦም ክብል እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ። 

ህልዊ መሰረታዊ ጸገም ኤርትራውያን፡ ክቱርን ኩለ-መዳያዊ ጭቆናን ጉጅለ ህግደፍን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ እዩ። ከምዚ ሎሚ ብወገን መንግስቲ ብልጽግና ዝዋፈር ዘሎ ዝኣመሰለ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቃልሕ ግዳማዊ ተጸብኦ ከም ዘጋጥም’ኳ ዝረአ ዘሎ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ግና ህግደፍ ዝመበቆሉ ዘቤታዊ ጸገም እዩ። ብዛዕባ’ቲ ጸገምናን መፍትሒኡን ኣብ ገዛእ ሃገርና፡  ምስ ህዝብና ሓቢርና እንቃለሰሉ ባይታ ዘይምርካብና ከኣ ነቲ ጸገም ተደራራቢ ይገብሮ። ብሰንክዚ ኢና ከኣ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ክንቃለስ ተገዲድና ዘለና።

ኣብ ወጻኢ ከም መቃለሲ ዝምረጽ ቦታ ህዝብኻ ኣብ ዘለዎ ሃገር እዩ’ሞ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ዘይኣተዋ ሃገር ስለ ዘየለ ቃልስና በብደረጃኡ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ’ዩ። እቲ ቃልሲ ብህዝቢ፡ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህላወ ህዝቢ ከም ናይ ቃልሲ መዕቀኒ ዝውሰድ። ካብኡ ናብኡ እቲ ዝያዳ ዝምረጽ መቃለሲ ቦታ  ደሃይ ቃልስኻ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ደላይ ለውጢ ህዝቢ ብቐሊሉ ዝስመዓሉን ዝጸልወሉን ጐረቤት ሃገር እዩ። ኣብ ታሪኽ ቃልስና ንሱዳንን ህዝባን ፍሉይ ግምታ ክወሃቦም ዝጸንሐ ከኣ ብመንጽርዚ እዩ።  ኢትዮጵያ እውን ብፍላይ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ መነሃርያ ቃልስና ኮይና ጸኒሓ’ያ። እዘን ሃገራት ከም መነሃርያ ዝምረጻ፡ ጐረባብቲ ብምዃነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህዝብና ብእግሪ ከይተረፈ ተጓዒዙ ዝመላለሰን ብምዃነን’ውን እየን።

 ናይቶም ነተን ሃገራት ዝመርሕወን መንግስታት ፖለቲካዊ ባህሪ እውን ናቱ ግደ ነይርዎን ኣለዎን። በዚ መዕቀኒ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝነበሮም እወታዊ ግደ ታሪኽ ዝርሰዖ ኣይኮነን። መንግስታት ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ግዜ ሃጸይ ሃይለስላሴን ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግን፡  ኣንጻር ሰውራ ኤርትራ ይዋግኡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብኡ ኮይንካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ምዝካሩ ዘጸግም ኣይኮነን። ምስ ኩሉቲ ጸቢብ ዕድል ግና ኣማኢት ኤርትራውያን ብምስጢር ተወዲቦም ግቡኣቶም እናፈጸሙ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ኩነታት ኢትዮጵያ ብመንጽር ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ናብቲ  ኢህወደግ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ዝነበረሉ ኩነታት ዝምለስ ዘሎ እዩ ዝመስል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ኢህወደግ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ናጽናትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝማታእ ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ምእማን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ዲክታተርነት ተወጊዱ ህዝቢ ዝማእከሉ ሕገመንግስታዊ፡ ብዙሕነታ’ውን ዲሞክራሲያ’ውን ስርዓት ንክምስረት ብዘተባብዕ ስርዓት እያ ትምራሕ ነይራ። ኣብቲ መስርሕ ናቱ ሕሳባት እኳ እንተነበሮ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምግሃድ ንዝቃለሳ ውድባትን ሰልፍታትን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ተራኺበን ምእንቲ መሰሉ ንክቃለስ ኣለዓዒለን ዝውድባሉ ባይታ’ውን ዝፈቅድ እዩ ነይሩ። ብሳላ’ዚ ባይታዚ እየን ከኣ ምስ ኩሉ ድኽመታተን ኣስታት 13 ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነናተን ኮነ ናይ ሓባረን ኣብያተ-ቤት ጽሕፈት ከፊተን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘካይዳ ዝነበራ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ውድባት ኤርትራ፡ ዘሰማምዑ ነጥብታት’ኳ እንተነበርወን፡ ፍልልያት እውን ነይርወን እዩ። ካብቲ ከም ቀንዲ ድኽመተን ዝውሰድ ከኣ፡ ነቲ ዝነበረን ዕድል ተጠቒመን፡ ፍልልያተን ኣመሓዲረን ኣብቲ ዘሰማምዕን ኣትኪለን ሰጒመን ከድመዓ ዘይምቀዐን እዩ። እዘን ውደባታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራሉ ብርኢቶን ሓሳብን ካብ ምውድዳር ሓሊፈን፡ ብዓይኒ ጽልኢ ተረኣእየን፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ካብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ናይ ምውጋድ ሕልና ኣይነበረንን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብወግዒ ነተን ውድባት ብሓደ ዓይኒ ካብ ምርኣይን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ካብ ምምካርን ሓሊፉ፡ ብዘይካቲ ኣብ 1994 ዝተራእየ ምእሳር ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣብ 1998 ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ካለኦት ውዳበትን፡ ነቲ ሓደ ክሰጉግን ከግልልን ነቲ ካልእ ድማ፡ ብርኡይ ዝሓብሓብሉ ተመኩሮ ኣይነበረን። ውድባት  ቅርበተን ምስቲ መንግስቲ ዝተፈላለየ ደረጃ ከም ዝነበሮ ግና ዘይክሓድ እዩ።  

ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ዘሎ ኣካል  ደገፍቲ ኢና በሃልቲ፡ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት  “ቅድሚ ሕጂ ደም ንጹህ ዝፈሰሳ ሃገር፡ መጻወቲ በጋሚዶታት ደቂ ኣስመራ እንድያ ኮይና፡ ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝበሃል የለን። ዘይተቓለሰ ዋላ ምሁር ይኹን ናብ ስልጣን ገጹ ኣይቀርብን እዩ። ….ዝኾነ ነዚ ግንባር ዘይድግፍ እንተኮይኑ፡ ውድብ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ዋላ ብመዲያ ክንጉስጉሰሉ ኣለና።….መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈሪሙ ባይታ እንተሂቡና፡ ብጉልበትና፡ ብገንዘብናን ብሓሳብናን  ከነጥፈኦም ኣለና። ጸላእትና፡ ህግደፍ፡ ውድባት ኤርትራ፡ ህወሓትን ፋኖን እዮም” ዝብሉ ክለጣጥፉ እንከለዉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይመጾ ከም ዘሎ ዘጠንቅቖ ደወል እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ብዙሓት ባህርያቱ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምንፋግ ሓደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብቲ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ኣለዎም ንዝብሎም ተቓወምቱ ናይ ምውዳብ ዕድል ከምዘይረኽቡ ምግባር እዩ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝምድና ክምስርት እንከሎ፡ ካብ ዝሓቶም ቅድመ-ኩነታት ከኣ“ንተቓወምተይ ኣረክቡኒ ወይ ድማ ካብ ሃገርኩም ስጐጉለይ” ዝብል ቅድሚት ይስራዕ። ካብዚ ስግኣትን ጽበትን ብምንቃል ናይቲ ጉጅለ ስግረ ዶባዊ ቀንጻሊ ጉጅለ ምስ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ሓለፍቲ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተቐንጸሉን ተጨውዮም ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ኤርትራውያን ተቓለስቲ ታሪኽ ዝርሰዖም ኣይኮኑን።

ምስ ናይ ህግደፍ ብዝመሳሰል በሓቲ ኣካይዳ፡  “ኢትዮጵያ ነዓና ሓላል፡ ንኻለኦት ግና ሓራም”  ዝብል ስሰዐ ይቀላቐል ምህላዉ፡ “ከይጸመደ ኣንጐደ” ወይ “ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕድረናን” ዘብል እዩ። እዚ  እቲ “ኤርትራ ናይቶም ንህግደፍ ዘገልግሉ ጥራይ እያ” ዝብል ስሰዐን ብደዐን ከይደግም ዘሰክፍ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓንተቦ ኣስተብሂሉ ክቃለሶን ዝጽበዮ ዘሎ ዕማም እዩ። 

 

Page 3 of 626