ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈድራልን ክልል ትግራይ እናተኻየደ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ5 ታሕሳስ 2024 ምስ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍትን  ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ትግራይ ተዛትዩ። ኣብዚ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ መጻኢ ኣቕጣጫ ካብ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ክሳብ ኣብቲ ክልል ምርጫ ዝካየድ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝብል ከም ዝርከቦ ብተለቪዥን ፋና ብሮድካስት ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ።

ኣብዚ ኣኼባ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ  ብደረጃ ዞባ ዝረአ ዘሎ ስትራተጅያዊ ብደሆታት ሓቢርካ ምምካት ዝብል ምርድዳእ ከም ዝርከቦ’ውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣዚ ጉዳይ ብፍላይ ንናይ ሓባር ዕቤት ጥጡሕ ጸጥታዊ ምርግጋእን ምዕሩይ ምምሕዳርን ዘንጸባርቕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ከኣ  ተሓቢሩ።

እቲ ዜና ካልእ ኣገዳሲ ዝበሎ ዝተላዕለ ዛዕባ፡ ምምልሳ ተመዛበልቲ ናብ ናይ ቅድም መረበቶምን ምምላስ ዕጡቓት ዝነበሩ ናብ ሕብረተሰብን ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡  ንሃብቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝምልከት፡ ሕጋውን ስሩዕን መስርሕን ምዕሩይ ተጠቃምነትን ክልልን ሃገርን ብዘረጋግጽ ክምራሕ ኣብ ዝበል ምስምምዖም እዩ። ከምኡ እው ንኣገዳስነት ምሃብ ኣገዳሲ መንግስታዊ ኣገልግሎትን ብዝሓሸ ምምላስ ሕቶ ህዝብን ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዝተረዳድኡ ተጠቒሱ።

እዚ ከም ዘሎ እንከሎ፡ ውጽኢት ኣኼባ ኣዲስ ኣበባ፡ ብምውራድ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት ክዛዘም ትጽቢት  ኣብ ዝነበሮም ወገናት ዘይዕግበት ከም ዝፈጠረን፡ ብዙሓት ከኣ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላውሲ በዚዶ ይፍታሕ ይኸውን?” ዝብል ስክፍታ ከም ዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ይንጸባረቕ ኣሎ።

Thursday, 05 December 2024 19:29

Dimtsi Harnnet Kassel 05.12.2024

Written by

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፡ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝተዳለወሉ መደበር ክኣትዉ ከም ዝጀመሩ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዞም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣባላት ማእከላይ  እዚ ናይቲ ሰራዊት ኮይኖም፡ ሳኒ ነጋሳ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚኦም ብ1 ታሕሳስ 2024 ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ብዝተፈራረሞ ናይ ሰላም ስምምዕ መሰረት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ናይ ክልል ኦሮሚያ ቤት ጽሕፈት ርክብ ብ3 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብቲ ዝተዳለወሎም መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተቐበሉ እዮም። ክልል ኦሮሞ’ኳ ብወግዒ እንተዘይገለጾ፡ እቶም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ፡ ናይቲ ክልል ማሕበራዊ መድያታት ከም ዝጠቐሰኦ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ከባቢ ግንደበረት፡ ቾቢ፡ አልፋታ፡ ኣምቦ፡ ሚድከኛን ጂብታን ዝተባህሉ ቦታታት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኮይኖም ቁጽሮም ክሳብ 800 ከም ዝበጽሕ ተሓቢሩ።

ናይቲ  ካልእ ኣካል መሪሕነት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ ተጻራሪ መግለጺ፡ እቶም ጸዋዒት ተቐቢሎም ብስምምዕ ናብ ክልል ኦሮርሞ ኣትዮም ዝበሃሉ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኦሮሚያ ቃልሶም ንከዳኽም ባዕሉ ዝፈጥሮም እዮም ብዝብል ተቓውመኦም ገሊጾም። ነቶም ዝፈራረሙ ሓለፍቲ ድማ ኣቐዲሞም ካብቲ ሰራዊት ተሰጒጎም ዝነበሩ እዮም ኢለሞም። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ዝብልዎ፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝተፈራረምሉ ሰነድ  ኣይተገለጸን።

ቅድሚ ሕጂ እቲ ብኩምሳ ደሪባ ወይ ጃል ማሮ ዝምራሕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ታንዛንያ ዝያዳ 10 መዓልታት ዝወሰደ ዘተ ኣካይዱ ብዘይስምምዕ ከም ዝተበተነ ዝፍለጥ እዩ።

ኣንበሳድር ኮሎሚያ ኣነ መላኒያን ኣንበሳደር ሱዳን  ኢማድ መስጦፋ ኣላዊን ኣብ ካይሮ

ኮሎምቢያ ዜጋታታ ኣብ ውግእ ሱዳን ዕሱባት ኮይኖም፡ ኣብ ጐኒ’ቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ተወዋሪ ሓይሊ ተሰሊፎም ብምውግኦም፡  ናብቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ 24 ሰዓታት   2ተ ግዜ ይቕረታ ከም ዝሓተተ Sudan News Agency  ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሱዳን ኣፍሊጣ። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮሎምቢያ፡ ሉይስ ግልበርቶ ሙሪሎ፡ ንሱዳናዊ መሓዝኡ  ዓሊ ዩሱፍ ደዊሉ  ይቕረታኡ ከም ዝገለጸሉን  እቶም ኮሎምቢያውያን ዕሱባት ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ብዛዕባ ዝምለስሉ ኣገባብ ከም ዘዛራረቦን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዘውጸኦ መግለጺ  ኣፍሊጡ።

ኣንበሳደር ኮሎምቢያ ኣብ ግብጺ ኣነ ሚለና ብወገና፡ ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ ኣንበሳደር ሱዳን ተመሳሳሊ ወግዓዊ ናይ ይቕረታ መልእኽቲ ኣቕሪባ። እቲ ናይ ኮሎምቢያ ተደጋጋሚ መግለጺታት፡  ኮሎምቢያውያን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝወሰድዎ ኢድ ምእታዎም  ዘይቅቡል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኣገባብ ምዝርራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስፊሩ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ብወገኑ ነቲ ብኮሎምቢያ ዝተወስደ ናይ ይቕረታ ስጉምቲ፡ ሃንደበታውን ኣገራምን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብቲ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ኮሎሚያ ምስራሕን መጻኢ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምዕቃብን ኣድላይ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ብሊቢያ ኣቢለን ናብ ሱዳን ዝኣትዋ ዝነበራ ቃፍላይ  መካይን  ናይቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡  ኮሎምቢያዊ መንነት  ዝሕብር ሰነዳት ከም ዝረኸበ ሓቢሩ ምንባሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ህዝቢ ኤርትራ ተግባራት ህግደፍ ተረዲኡ፡ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ክስሕብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ካብ ህግደፍ ተስፋ ናይ ምቑራጹ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ትካል ኮነ ከም መራሒኡ ንዝኣተውዎ ቃል ዘየኽብሩ ምዃኖም እቲ ቀንዲ እዩ። ኣብ ዝኣተኻዮ ቃል ዘይምጽናዕ፡ ናይቲ ጉጅለ ባህሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ  ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብብዙሕ መልከዓትን ኣገባባትን ዝግለጽ’ውን እዩ።

ህግደፍ ኣብ ኤርትራ  ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ከም ዝትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ተኸቢርሉ ናይ ጸጋታቱ ማዕረ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን ዝምስረት ዝምድና፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት፡ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተሰረተ ከም ዝኸውን ክግበር፡ ኮታ ክሳብ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝብል ትስፉው ዝመስል፡ ግና ዘይትግበር  ቃል ዝኣቱ ዝነበረ ጉጅለ እዩ።

እቲ ዘይትግበር መብጸዓታት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ክሰርሖን ክፍንጠሖን ዝጸንሐ ዘይርጡብ ርክባት ናይ ዘይተኣማንነቱ ኣብነት እዩ። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ተመኩሮ ዝምድናኡ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ክልል ትግራይ ክኸዶ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ዝያዳ ኣስተብህሎ ዘድልዮን “ኣየናይ ክከሓድ ኣየናይከ ክእመን” ዘብልን እዩ። ምልስ ኢልካ ሓጺር ዳህሳስ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ተበላጺ ፍቕሪ መስሪቶም፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ጸረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጸምዎ በደል፡ ከም ታሪኽ ተመዝጊቡ ክዝከር ዝነብር እዩ።

ክልቲኦም ውድባት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንዝተወሰነ ዓመታት ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዓት’ኳ እንተነበሮም፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክተፋነኑን ክካሰሱን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ  ኣዝዩ መሪርን ዓለም ዘሰንበደን ኣጽናቲ ውግእ ኣትዮም፡ እዚ ዘይባሃል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት  ኣውሪዶም። እቲ ዘሕዝን ከኣ ደሓር’ውን ነዚ ኣሉታዊ ተመኩሮን ክሳራን ኣብ ክንዲ ዝመሃርሉ ብኻልእ መልክዕ ምቕጻሎም  እዩ።  

ኣብ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብሓፈሻ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ’ኳ ብሩህ  እንተነ በረ፡ ብፍላይ ኣንጻር’ቲ ኣብ ትግራይ ገዛኢ ዝነበረ ውድብ ህወሓት  ዘቕነዐ ምንባሩ ግና ምልክታት ነይሮም እዮም። ኢሳያስ እቲ “ወያነ ደጊም ጸወታ ተወዲኡ (WEYANE GAME OVER)” ዝበሎ ጭረሖ ኣቃሊሑ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣምረሐ፡ ፈታዊ ብልጽግናን ጸላኢን ህወሓትን ኮይኑ ክስለፍ ከም ዝወሰነ ርኡይ ነይሩ። በቲ ኣብ ኣደባባይ ዘስመዖ ቃል ከም ዝጸንዕን ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተዎ ቃል ንሓዋሩ ከም ዘይዕጸፍን ገይሮም ዝተረድእዎ  ውሑዳት ኣይነበሩን። ነቲ ናይ ቅድሚኡ “ኣሚንካ ናይ ምኽሓድ” ባህሪ ናይቲ ጉጅለ  ዘይዘንግዑ ወገናት ግና፡ “ኢሳያሲ ካብ መዓስ እዩ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ዝፈልጥ?” ዝብል ምልክታኦም ዘንጸባረቑን  ኣንጻር’ቲ ሐደገኛ ኣካይድኡ  ብሰልፍታት ብሰልፊ ከይተረፈ ተቓውመኦም ዝገለጹን ወገናት’ውን ነይሮም።

ነዚ ሓጺር ዝዕድሚኡ መብጸዓ ኢሳያስ ንምርጓድን ምምዕራግን ዝተዛረቡ ናይ ቀረባ ልኡኻቱ’ውን ነይሮም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብታ ናይ መጀመርያ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከም ናይ ምሳኻ ኢና ዘለና መልእኽቱ መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ምቕሉል መራሒ ረኺባና’ለና” ዝበለሉ ኣጋጣሚ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘስደመመ ኣዛራቢ ተረኽቦ ነይሩ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ “ኣነ ኢትዮጵያ ከይተበታተን ከይትገማማዕን ውያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስን እየ ዝድግፍ” ዝበለሉ  ኣጋጣሚ ከኣ ካልእ መስደመም ነይሩ።

ሎሚ በቲ ሓደ ወገን  ኩሉ’ቲ ንኢትዮጵያ ከም ሃገርን ንመራሒኣን ብህግደፍ ክወሃብ ዝጸንሐ ክብርን ናእዳን ክጥለም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ንትግራይ ዘጸልም ዝነበረ ቃላት  ይዕረ ከም ዘሎ ዘመላኽት፡ “ኣየናይ ክካሓድ፡ ኣየናይ ክእመን፡ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕንቅርቢት ተመን” ዝብል ዜማ ወዲ ገብሩ፡  ዘዘኻኽር ሃቐነታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ህግደፍ ሓሳቡ ከንጸባርቓሉ ብዘዋፍረን መድያታት፡ “ምስ ህዝቢ ትግራይ ጸገም የብልናን፡ ውግእ ምስ ትግራይ ንረብሓና ኣይኮነን……  ወዘተ”  ዝበሃል ዘሎ ተዓዚቦም፡ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብሉ  ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። “እቲ ቅድሚ ሕጂ  ንህዝቢ ትግራይ ተዘራርዮም ድከቱ ዘስትይዎ ደኣ እንታይ ጽልኢ ስለዝነበሮም እዮም?” ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ከም ዝኸውን እንድዒ።

ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ፕሮፖጋንዳ  ህግደፍ ክጸሉ ይኽእል እዩ ዝበልዎ ኣቶ ሰለሙን ድራር ኣዋፊሮም፡  “ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ጐኒ ትግራይ ኢና፡ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ዝገሃስ እንተኮይኑ፡ ከምቲ መጀመርያ ወያነ ብረታዊ ቃልሲ ክትጅምር እንከላ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ድሓር እውን ህዝባዊ ግንባር ምስ ኮነ መሊሱ፡ ዝገበሮ ኣበርክቶ እቲ ኣጠማምታ ከምኡ እዩ ክኸውን ዝግበኦ፡ ከምኡ እዩ ከኣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ። ሕጂ እውን ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ቆልዓ ናብ ካልእ ጌጋ ከይወስዳ ክትጥንቀቕ ይግባእ፡” ይብል።  እቲ ኣብ “ኣራት ኪሎ” ዘሎ ቆልዓ” ዝበሃል ዘሎ፡ ትማሊ ብኢሳያስ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ” ዝተባህለ፡ ታሕጓሱ ንምግላጽ ድማ፡ “ሓደ ሓደ ግዜ ብስም ኤርትራ እንተተዛረብኩ ኣይትሰንብዱ፡ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ እዩ”  እናበለ ዘኽመስምስ  ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምዃኑ እዩ።

ብወገን ትግራይ’ውን፡ ካብ መራሕቲ ህወሓት ጀሚርካ፡ ክሳብ ደገፍቶም ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታት ምስ ህግደፍ ይራኸቡ ከም ዘለዉ ብምእማን፡  ናብቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ውግእ ዘርዚርካ ብዘይውዳእን ክሳብ ብናይ “ጽንተት/GONECIDE/ ገበናት ዝኸስዎ ዝነበሩ ጉጅለ ህግደፍ ዘመዓድዉ  ዘለዉ ይመስሉ። ዋላ’ኳ ከምቲ “ክበልዕዎ ንዝደለዩ ኣባጉንባሕሲ ዛግራ ይብልዎ”  ከም ዝበሃል፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ምፍጣር ጸገም የብሉን” ብዝብል ከጎልብብዎ እንተፈተኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህግደፍ ምስኣቶም ክዛመድ ከምዘይክእል ዝስሕትዎ ኣይኮኑን። ክሳብ  እቲ “ህግደፍ ዝወገኣና ብኣብይ ኣሕመድ ተዓዲሙ እዩ፡ ስለዚ እቲ ገበነኛ እቲ ዓዳማይ እምበር፡ እቲ ተዓዳማይ ኣይኮነን”  ምባል በጺሖም፡ ንህግደፍ ካብ ገበን ከንጽህዎ ዝደናደኑ ከም ዘለዉ’ውን ይስማዕ እዩ።

ናይዚ ምግልባጥ ትርጉም፡ ነቲ ህግደፍን ብልጽግናን ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ዘካየድዎ ውግእ፡ ናብ ህግደፍን ህወሓትን ሓቢርካ፡ ኣንጻር ብልጽግና ምስላፍ ምቕያሩ እዩ። ስለዚ እቲ ብናይ ክሳብ ሕጂ  ዘይቅዱስ ዝምድናን ቃልን ህግደፍ ዘይረብሓ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ዝእለም ዘሎ ሓድሽ ውዲት’ውን ንረብሓኡ ከምዘይከውን ተረዲኡ ክበራበር ንጽውዕ።  

Tuesday, 03 December 2024 11:10

Elimination of Violence against women 2024

ምክትል ሚኒስተር፡ ሚኒስትሪ ሰላም ዝነበረ ኣቶ ታየ ደንደኣ

ላዕለዋይ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ታየ ደንደኣ ዝተባህለ ፖለቲከኛ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ንክፍታሕ ብ2 ታሕሳስ 2024 ከም ዝወሰነ፡ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ ብምጥቃስ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።

ምክትል ሚኒስተር፡ ሚኒስትሪ ሰላም ኮይኑ እናሰርሐ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ዝተኣስረ ኣቶ ታየ ደንደኣ፡ ብሰለስተ ክስታት እዩ ተኣሲሩ። እቲ ሓደ ዝተኸሰሉ ነጥቢ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ክነሱ፡ ጸረ ሰላም ሓይልታት ዝድግፍ ፖሮፖጋንዳ  ነዚሑ ዝበል ኮይኑ፡ ምስዚ ድማ ነቶም ጸረ ሰላም ዝተባህሉ ሓይልታት ግንባር ሓርነት ከም ዝድግፍ ኣብ ናይ ብፌስ ቡክ ገጺ ኣውጺኡ ዝብል ይብል። እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ገዝኡ ብፖሊስ ምስተጐርጐረ፡ ፈቓድ ዘየብሉ ዕጥቂ  ተረኺብዎ ዝብል እዩ።

.ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሕጂ፡ በቲ ክልተ ክስታት ሓሳብካ ብናይ ምግላጽ ሕገመንግስታዊ መሰሉ እዩ ተጠቒሙ፡ ብዝብል ናጻ ክብሎ እንከሎ፡ በታ ሳልሰይቲ ምስ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ እትተሓሓዝ ክሲ ግና ነብሱ ንምክልኻ መሰኻኽር ንከቕርብ እዩ በይኑ ነይሩ።

በዚ መሰረት ኣቶ ታየ ናብቲ እግባይ ዝበለሉ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ገዝኡ ዝተረኽበ ዕጥቂ ሕጋዊ ምዃኑ ንክምስክርሉ፡ ሚኒስተራት ዝርከብዎምን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ዝርከቦም መሰኻኽር ጸዊዑ ኣብ መስርሕ እንከሎ እዩ ብላዕላዋይ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ናይ ምፍታሕ ዕድል ከም ዝረኸበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

Page 1 of 580