ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወጽዓን ግህሰታትን ሳዕሪሩ ከም ዝጸንሐን ዘሎን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ካብ ዝፍለጥ ክንዲ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ኮይኑ’ሎ። ሕብረተ ሰብ ዓለም ንኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ብዝብል ከም ናይ ወጽዓ ኣብነት ካብ ዝጠቕሳ’ውን ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ተረድኦ ምስራጹ ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓጋዚ እዩ። እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝኸውን ግና ብተግባር ክስነ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።
“ህግደፍ ጸረ መሰረታዊ ረብሓታትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ዝብል ግንዛበ ካብ ውልቃዊ ጽልኢ ዝነቅል፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ምህዞ ዘይኮነ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ኣሳፊሑ ዘሎ ርኡይ ሓቂ እዩ። ናይ ህግደፍ ብዘይቅዋም ምምራሕ፡ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ዓጺኻ ንመንእሰይ ናብ ግዱድ ውትህድርና ምውሳድ፡ ብሓፈሻ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ምግሃስ ካብቶም ህግደፍ ኣንጻር ባህጊ ህዝቢ ምዃኑ ዘገንዝቡ መርኣያታት እዮም። እቲ ናይ ወጽዓ ስንብራት ካብ ህይወት ኤርትራዊ ሓሊፉ፡ ንውቅብቲ ኣስመራ ወሲኽካ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዘሎ ምልክት ጉዕዞ ናብ ምፍራስ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ምስሊ እዩ።
ህግደፍ ብተግባር ሰሪሑን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ መሊሱን ብምእማን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ከምዘይክእል ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብኣንጻሩ ብምፍርራሕ፡ ኣንፈት ብምቕያርን ዝተፈልየ ርኢቶ ዘለዎም ወገናት ብምጭዋይን እዩ ከረጋግጾ ክጽዕር ጸኒሑን ዘሎን። ካብኡ ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝኽእሉ ተሃወስቲ ስምዒታት እናመዝመዘ ክትዘርግ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕልን። እዚ ካብቲ ውሁድ ዓቕምን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ከይጉሕፎ ዘለዎ ስግኣት ዝነቅል ምዃኑ፡ ካብ ህዝብና እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን።
እዚ ሓደገኛ ተንኮል ህግደፍ ክንድቲ ዝተጸበዮ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ውልቃውን ግዝያውን ረብሓን ስምዒትን ዝሰኸሩ እምበር፡ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ብዘየማእክል ተሰሊቦም፡ “ናብ ድላይካ ውሰደና ንኺድ ጥራይ” ዝጭርሑ ውሑዳት ኣየጥረየን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝበዘሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ካብ ልቡ ኣውጺእዎ ክነሱ፡ ስቕታ መሪጹ ምህላዉ ከኣ ካብቲ ጉጅለ እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ከም ዝረገአ ማይ ኣጽቂጡ ዘሎ፡ ማዕበል ፈጢሩ እንተተገለባቢጡ ዕድመ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝሓጽር ዘማትእ ኣይኮነን።
እቲ ካብ ቅድሙ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ “ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ክትርዳእ ምኽኣል” ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ሓደ ኩበዖ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ተረድኦኻ ብተግባር ኣሰኒኻ ግዳይ ካብ ምዃን ምድሓን ድማ እቲ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ነዚ እውን ይርደኦ እዩ። እቲ ብቐጻሊ ዝወስዶ ክቱር ምቁጽጻርን ጨካን ተግባራትን ከኣ፡ ተዓብዒቡ ዘሎ ዘይዕግበት ህዝቢ ነዲሩ ገንፊሉ፡ ከይጉሕፎ ካብ ዘለዎ ስግኣት እዩ ዝነቅል። እንተኾነ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ህግደፍ “ከም ቁርን ኣስሓይታን” ዝፈርሖ ወሳኒ ክስተት ኣብ መዓልቱ ከም ዝገሃድ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ግዜኡ ክሳብ ዝነወሐ ዘውርዶ ማህሰይቲ ከም ዝገድድ ተረዲእካ ምቅልጣፍ ምምጻእ ናይቲ ማዕበል መሰረታዊ ምዃኑ ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ኮነ ውዳበታቱ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
ሎሚ’ውን ምስጢሩ ከምዘይወጽእ የማነ-ጸጋሙ ጠሚጡ ዘረጋገጸ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ ህግደፍን እቲ ብሰንኩ ዝወርዶ ዘሎ ድሕረትን ድኽነትን ዝምልክተ ክዛረብ እንከሎ፡ “እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር?” እትብል ሓረግ ዝጠቅስ ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራውያን ብደረጃ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ዝዝርግሖ መርበብ ስለያ ይምህምን ከም ዘሎ ዘመልክት ኮይኑ፡ ክሳብ ዝብተኽ ቃልሲ ይሓትት። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ናይታ ዝሓታ ሕቶ መልሲ ካብኡ እምበር ካብ ካልእ ዝጽበያ ከምዘይኮነት ከቶ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ምስምስ ህግደፍ፡ ሓደ እዋን ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን “ኩሉ ክኢልካ ናይ ምጽማም” ሓልዮት ይውሰድ ነይሩ። ግዜ ምስ ነወሐ ግና ናይ ገዛእ ርእስኻ መሰረታዊ ዋኒን ዘንጊዕካ፡ “ህግደፍ ድላዩ ይግበር” ናይ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ ሕማቕ ኣብነት ጌርካ ይውሰድ ከምዘሎ ህዝቢ ከስተውዕለሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ነቲ ሓልዮት፡ ምጽማምን ትዕግስትን ናይ ህዝቢ ከም ሕመቕን ዘይምስትውዓል ወሲዱ ተጠቒምሉ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣሜሪካ ንራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብ ናታ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሕሳብ ነቒላ እገዳ ህግደፍ ከተልዕል “ድሌት ኣርእያ” ብዝብል ኤርትራ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣጀንዳ ኮይናላ። ህግደፍ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሸንኮለል ኣጀንዳ ብምርካቡ ሕጉስ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣሜርካ ንምሕጓስ ንድሕሪት ተመሊሱ ነቶም ትማሊ ኣብ ብርኮም ዝድፋእ ዝነበረ ሩሲያ፡ ቻይናን ካለኦትን ብምጽራፍ “ናይ ምስልባጥ ባህርያቱ” የርኢ’ሎ። ጉዳዩ ምልዓል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህደፍ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ ኣጀንዳ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታቱን “ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ንታሕቲ” ምህላዉ ርኡይ እዩ።
ብኣንጻሩ ከም ኣሜሪካዊ ቲቦር ናጂ፡ ነርወጃዊ ክጀቲል ትሮንቮልን ዝኣመሰሉ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ነባራት ክኢላታት ዲፕሎማስን ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ጉዳይ እቲ እገዳ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ናይቲ ድምጾም ማእከል ከኣ፡ “ህግደፍ ብህዝቡ ዘይተኣምነ፡ ናይ ኣሜሪካ ተኣማኒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ብዝብል ንመንግስቲ ኣሜሪካ ጻዕርኹም ኣብ መወዳእታ ብጥልመት ህግደፍ ዝዛዘም ክኸውንዩ ዝብል ስምዕታ እዩ። ናይዞም ክኢላታትን ትካላትን መንቀሊ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ሓቀኛ እንታይነት ህግደፍ ዘርኢ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ካብ ስቕታ ወጺእካ ድምጽኻ ኣስምዕ። ብመሰረቱ ካብቲ ዝጸናሕካዮ ናይ 35 ዓመታት ደረቱ ዝሓለፈ ዘቤታዊ መግዛእቲ ናጻ ንክትወጽእ፡ ድምጽኻ ብናይ ዝኾነ ግዳማዊ ኣካል ዝትካእ ከምዘይኮነ ኣስትብህል። እቲ ድምጽኻ ከተስመዓሉ ዝግበኣካ ብዓብይኡ ካብቲ ተጻዒኑካ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ሓራ ንምዃን ኮይኑ፡ ከም ውግእን ኢድ ኣእታውነትን ዝኣመሰሉ ግዜን መልክዕን እናቐያየሩ ዝመጹ ኣጀንዳታት ህግደፍ እውን ደሃይካ ከተስምዕ፡ እውናዊ ሓላፍነትካ እዩ’ሞ ሃየ ብሓደ ድምጺ ተበራበር።
إرتريا- التوق -: رسالة التوق - فلنراجع أداءنا كمعارضة
Written by إرتريا- التوقሰፊሕ ፖለቲካውን ሲቪላውን ምትእኽኻብ ሱዳናውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ብምውህሃድ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ። እቶም ተሳተፍቲ ከም ዝገለጽዎ እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ፈተናታት ሰላም ሱዳን ፍሉይ ቆላሕታ ዝግበረሉ እዩ ኢለምዎ።
እቲ መግለጺ ዝወጸ ድሕሪ ጽዑቕ ምምኽኻር ኮይኑ፡ ኣብቲ ስምምዕ ዘብጽሕ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ፡ ኣፍልጦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን፡ ከምኡ ድማ ካብ ሱዳናውያን፡ ማሕበራዊ ሰልፊ ባዕስ፡ ሰልፊ ህዝባዊ ጉባአ፡ ብሄራዊ ሰልፊ ኡማ፡ ከምኡ እውን ምትእኽኻብ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ወሲኽካ፡ ብዙሓት ሲቪላዊ ማሕበራት ከም ዝተሳተፍዎ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪሩ።
እቲ ብ4 ሰነ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ናይቲ ስምምዕ ፈረምቲ ኣብ ሱዳን ሰፊሕ ብሱዳናውያን ዝምራሕ መጻኢ ሰላም ዘጣጥሕን መጻኢ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይታ ሃገር ዘጣጥሕ ኣካል ከም ዝተመዘዘ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ዘውጸአ ኣካል፡ እቲ ምዕባለ ቅሩብነት ፖለቲካውን ሲቪላውን ኣካላት ሱዳን ንቐጻሊ መፍትሕታትን ምውጋድ ጸቢብ ዓሌታውነትን ተልእኮ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መግለጺ፡ መስርሕ ዕርቅን ምፍጣር ሓድሽ ማሕበራዊ ርክብን ህዝቢ ዝማእከሉ መስርሕ ፍትሒ፡ ዜግነታዊ ማዕርነትን ምውጋድ ዓሌታዊን ኣግላልነትን ከም ዝካየድ ኣስፊሩ። በቲ ካልእ ወገን ግና ሰራዊት ሓርነት ሰዳን ዝተባህለ ብዓብደል ዋህድ ኣል ኑር ዝምራሕ ጉጅለ፡ እቲ ስምምዕ ንብሄራዊ ጉባአ ሱዳንን እስላማዊ ምንቅስቓስን ኣየሳተፈን ብዝብል ኣብቲ ስምምዕ ከምዘይፈረመ፡ እቲ ካባ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ምሕባሩ ኣዲስ ስታንዳርድ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብመንጽርቲ ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ኣኼባን ስምምዕን ሱዳናውያን ኣብ ዝተኣማምን ሰላም ከብጽሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ።
ኣብ ደብረብርሃን “ቻይና ካምፕ” ኣብ ዝበሃል መጽለሊ ካብ ዘለዉ ግዳያት
ሰብኣዊ ትካል ምውህሃድ መዕቆቢ፡ ምምሕዳር ባይትን ንብረትን ((HLP)፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ስግኣት ጸጥታን ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ዘስዓቦ ምምዝባልን ስእነት መጽለልን ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ብሰንኪ ነዚ ጸገማት ዘወግድ ዋሕዲ ገንዘብ ምግጣሙ ብዙሓት ዜጋታት ንሕሰም ይቃልዑ ከም ዘለዉ’ውን ኣፍሊጡ።
በቲ ኣብ 2026 ን2ይ ግዜ በቲ ትካል ዝወጸ ህጹጽ መዕቆብን ምምውህሃድ መደበራት ዝገልጽ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያ፡ ሶማሊያን ቤንሻንጉልን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዝበሎም ንቑጣታት ተመዛበልቲ ፈልዩ ኣለሊዩ ከም ዘሎ እውን ተፈሊጡ።
ብጸብጻብ ናይቲ ትካል ኣብዚ እዋንዚ፡ ናይ ክሊማ ለውጥን ዋሕዲ ቀረብን ተደሚሩ ብዙሓት ማሕበረሰብ ብፍላይ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዝናብ ግዜ ሳዕቤኑ ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሮ ግዜ ዝናብ ከይመጸ እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ቁጽሮም ኣብ ዘይመጣጠን ጻዕቂ ኣብ ጸበብቲ መጽለልታት እናነበሩ ይሳቐዩ ምህላዎም እውን ኣስፊሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብዘሎ ብዝሒ ተመዛበልቲ፡ ብ1ይ ደረጃ 67 ብ2ይ ደረጃ ድማ 76 ወረዳታት መጽለሊ ክስረሓሎም ተለልዮም ኣለዉ። ትግራይን ዓፋርን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝበዘሐ ንቑጣታት ዝተለለየሎም ምዃኖም ብምጥቃ ከኣ፡ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ ዝለዓለ ቁጽሪ ተመዝበልቲ ዘለወን እየን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ትካል እቶም ዘሰከፉ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ስደት ተመለስቲ እውን ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ።
ክልል ትግራይ ካብተን ተመዛበልቲ ብብዝሒ፡ ብስእነት ብቑዕ መጽለሊ ዝሳቐዩለን ቅድሚት ትስራዕ ኮይና፡ እንዳባጉና፡ ዓብይ ዓዲ፡ ዛላንበሳ፡ እቲ ትካል ከም ኣብነት ጠቒስወን ኣሎ። ካብ ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉልን ኦሮሞ፡ ዓፋርን እቲ ትካል ንኣብነት ዝጠቐሰን ንቑጣታት እውን ኣለዋ።
እቲ ትካል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጽረት መጽለልን ሳዕቤኑን ንምቅላል፡ ኣስታት 64 ሚሊዮን ዶላር ዘድልዮኳ እንተኾነ ካብዚ ዝረኸቦ 43% ጥራይ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣብ ዝተመርጻ 66 ቀዳምነት ዝወሃበን ወረዳታት ዝርከቡ 294, 126 ሰባት ብፍሉይ ንምሕጋዝ መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ እውን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ኣብ ኣለምዋጭ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ዳባት ዝርከብ መደበር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣካልዞም ናይ መጽለሊ ሕጽረት ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።
ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ ቪዛ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ዝነበሮም ኤምባሲታቱ ብዝለዓለ ደረጃ ክንኪ መደብ ኣውጺኡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተወሲኑ፡ ኣብ ኣሾሾይት ፕረስ ዝበጸሐ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ወርሒ ሰነ 2026 ዝትግበር ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ 50 መስርሕ ቪዛ ዘይካይድ ኤምባሲታትን ኣብያተ-ጽሕፈት ቆንስላን ናብ 20 ዘውርድ እዩ።
Bottom of Form
እቲ መደብ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብመልክዕ ዝተፈላለዩ ቪዛታት ናብ ሃገሩ ከምዘይኣትዉን እንተ ኣትዮም እውን ኣብ ኣሜሪካ ነዊሕ ከምዘይጸንሑ ንምግባሮምን ዘለዎ ድሌት ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዲፕሎማትን ቆንስላትን ኣሜሪካ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ ኣገልግሎት ቪዛ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ከምዝንኪ ናይ ምግባሩ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።
መስርሕ ቪዛ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣሚሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዝተወሰነ ገደብ ጉዕዞ ነኪዩ ጸኒሑ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ኣሚሪካ ቪዛ ዝሓትት ሰብ 15 ሺሕ ዶላር ከትሕዝ ምውሳኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኢቦላ ዝሰዓበ ገድብ ጉዕዞ፡ ካብቶም ሕቶ ቪዛ ናብ ኣሜሪካ ዘዳኽሙ ዘለዉ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። በዚ ሓድሽ ሕጊ ኣሜሪካ መሰረት ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ናብ ኣሚሪካ ዘእቱ ቪዛ ንምሕታት ናብ ሓንቲ ካብተን እቲ መሰል ዝተዋህባ ሃገራት ናይ ምጉዓዝ ብደሆ ከም ዘጋጥሞም ከሎ ጌና ይግለጽ ኣሎ።
ኣተን ቪዛ ከይህባ ዝእገዳ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ብሉእ ብምሉእ ዘይዕጸዋ ኮይኑነን እቶም ኣብኡ ዝተርፉ ሰራሕተኛታት ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ፓስፖርት ዘሕድሱ፡ ዝጠፈአ ዝትክኡን ንፍሉያት ዲፕሎማት ኣገልግሎት ቪዛ ዝህቡን ጥራይ ክኾኑ እዮም። መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዘገድዶ ካልእ ምኽንያት ጸጥታዊ ኩነታት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።
እተን 20 መስርሕ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ ከካይዳ ኣፍልጦ ዝወሃበን ኣምባሲታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣቢጃን፡ ኣክራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኬፕታውን፡ ዳካር፡ ዳርኤሰላም፡ ጅቡቲ፡ ጆሃንስበርግ፡ ካምፓላ፡ ኪጋሊ፡ ኪንሻሳ፡ ሌጎስ፡ ሎሜ፡ ሉዋንዳ ፡ ማላቦ፡ ሞንሮቪያ፡ ናይሮቢ፡ ፖርትልዊስ፡ ፕራያን ያውንደን ክኾና እየን።
إرتريا- التوق -: رسالة التوق - نظام حكم مغلق، وتأثيرات عابرة للحدود
Written by إرتريا- التوقMore...
ባህግና Eri Bahgna Media 31.05.2026 መግለጺ ኣቦ መንበር ፖሓኤ፡ ኢሳያስ ብዛዕባ ትራምፕ ገዲፉ፥ ብዛዕባ ነብሱ ግዳ ዘይዛረብ፡ መግለጺ መንእሰያት ሰልፊ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ሓጺር መእተዊ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ከመይነት ናይ ጽባሕ ሰልፍታት ኤርትራን” ብዝብል ኣርእስቲ ብ30 ጉንበት 2026 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ “ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ” ኣብ ዝሰርዖ ወርሓዊ መድረኽ እዩ ተዋሂቡ።
ወልደየሱስ ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ ሰልፊ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ቅድም ማሕበር ይበሃል ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ሰልፊ ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ሰባት ዝምስርትዎ፡ ከም ግንባርን ምንቅስቓስን ኣብ ህልዊ ኩነታት ጥራይ ዘተኩር ዘይኮነ፡ ኣርሒቕካ ናይ ምምዕዳው ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎ ውዳበ እዩ ኢሉ።
ሰልፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅርጻን ዝውንን ውዳበ ምዃኑ ብምብራህ ከኣ፡ ሓደ ካብቲ ሰልፊ ዝልለየሉ ንስልጣን ናይ ምውድዳር ተልእኮ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ኣስፊሑ ገሊጹ። ስልፍታት ከከም ፖለቲካዊ ባህሪአን ብዝተፈላለየ ኣስማት ከም ዝጽወዓ ከኣ ገሊጹ።
ናይቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዜ ህግደፍ ተነዲፉ ዘይተተግበረ ሕጊ ሰልፍታት ዝርዝር ትሕዝቶ ዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ብጻይ ወልደየሱ፡ ኣብቲ ናይ 1952 ሕገምንግስቲ ኤርትራ ከኣ “ህዝቢ ፖለቲካዊ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰል ኣለዎ” ዝብል ዓንቀጽ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ተዛማዲ ኣብነታት እውን ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ 40ታት ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ሰልፍታት ብዝሐንን ፖለቲካዊ ባህረአንን ኣመልኪቱ ተንቲኑ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና መሰጋገሪ መድረኽ ከም ዝህሉ ጠቒሱ፡ ነቲ ብደሆ ንምስጋር፡ ግደ ምምስራት ዘተኣማምን ሰልፊ ዕዙዝ ምዃኑ ብኣብነታት ናይ ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ብምቕጻል ከኣ ግደ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝጽበየና ዘሎ ብደሆ ኣብ ዝምልከት እውን ዘርዚሩ።
ብጻይ ወልደየሱስ መግለጺኡ ብምቕጻል ኣብ ኤርትራዊ ኩነታት ከይተደረተ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ሰልፍታት ኣፍሪቃ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣህጉር ሃገራት ካብ መግዛእቲ ናጻ ካብ ምውጻእ ሓሊፈን፡ ሰልፍታት በቲ ኣብ ስልጣ ዝመጽእ ኣካል ተዓብሊለን ብሓደ ሰልፊ ስለ ዝበሓታ ኣድማዒ ዓወት ከምዘየመዝገባ ናይ ሃገራት ተመኩሮ ዳህሲሱ።
ድሕሪቲ ሰፊሕ መግለጺ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር፡ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምና ሰልፍታት ኣብ ምምስራት ዝህሉ ብደሆታ፡ ሰልፍን ፖለቲካዊ ኣይድዮሎጅን፡ ኣብ ዓለምና ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ሓይሊ ትርጉምን፡ ምብርባር ሃይማኖታውን ብሄራውን ስምዒታት ብመንጽር ወሳኒ ግደ ሰልፊ፡ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣብ ምምስራት ሰልፊ ዝህልዎ ጽልዋ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ተላዒሎም ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድን ምስቲ ዛዕባ ዝዛመዱ ለበዋታት ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።
ሕብረት ኤውሮጳ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣይክዕዘብን’ዩ: ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ግና ክዕዘቡ እዮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጉጅለ ተዓዘብቲ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ናጻ ምጥቃም ዘመናዊ መራኸብታትን ተልእኮ ምዕዛብ ብናጻ ምፍጻምን ዝምልከቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሰማማዕ ሰለ ዘይከኣለ፡ 7ይ ዙርያ ምርጫ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ከምዘይዕዘብ ኣፍሊጡ።
ዝያዳ ዝርዝር ናይቶም ዘየሰማምዑ ነጥብታት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘይ ገደብ ምንቅስቓስ፡ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ወሃብቲ ድምጺ ዜጋትን ብቐጥታ ምርኻብን ሓበሬታታት ብዘይገደብ ምዝርጋሕን ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ መረዳድኢ ሰነድ ክኽትሙ ፈቓደኛታት ኣይኮኑን።
እቲ ሕብረት ነቲ ምርጫ ንዝዕዘቡ ሲቪካዊ ማሕበራት ንሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ሓገዝ ክገብር ከም ዝጸንሐ ግና ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ባሕቲ ሰነ 2026 ዝካየድ 7ይ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብናይ ቀደም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ ዝምራሕ፡ ካብ ኣባላቱ 61% ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና 73 ኣባላት ዘለዉዎ ተዓዛቢ ጉጅለ ብምምዳብ ክዕዘብ ተዳልዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ሕብረት ነዚ ጉጅለ ዝመደበ፡ ብፈደራላዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ዕድመ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ኣባላት፡ ነባራት ኣንበሳድራት፡ ኣብቲ ሕብረት መስርሕ ምርጫ ዝምልከቶም ክኢላታትን ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበራትን ከም ዝርከብዎም እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።
ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ተዋፊሮም፡ መስርሕ ኣጀማምራ ምርጫ፡ ኣደማምጻ፡ ኣተዓጻጽዋን ምቑጻር ድምጽን ብቐጻሊ ክዕዘቡ እዮም። እቲ ምዕዛብ ብመንጽር ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ ቀጥዕታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኽተሎ መትከላት ምርጫን ከም ዝካየድ ድማ ተፈሊጡ። እዚ ጉጅለ ተዓዘብቲ 3 ሰነ 2026 ኣፈናዊ ውጽኢት ትዕዝብቱ ዝምልከት መገልጺ ከውጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኢጋድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ ምድላዉ ወዲኡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ። ካብ ጅቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሰዳንን ኡጋንዳን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ኣብዚ ዞባዊ ተዓዛቢ ጉጅለ ከም ዝሳተፉ ከኣ ኣፍሊጡ። ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ተልእኮ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ብመንጽር ግሉጽነት፡ ተኣማንነትን ርትዓውነትን ደረጃኡ ዝሓለወ ምዃኑን ዘይምዃኑ ምርግጋጽ ከም ዝኸውን ኢጋድ ኣፍሊጡ።
ሻውዓይ ዙር ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ መልከዓት ዘለዎ ቅልውላዋት ይዓር ኣብ ዝሃለወሉ ኩነታት እዩ ዝካየድ ዘሎ። በዚ መሰረት ኣብ ክልል ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣይካየድን እዩ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ ብሰንኪ ቀጻሊ ውግኣት ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ምርጫ ኣይካየድን እዩ። ኣብተን ዝተረፋ ክልላት እውን ስግኣታት ኣሎ። ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን እውን ነቲ መስርሕ ምርጫ ብትሪ ይነቕፍዎ’ለዉ።
ምስጋና ኣብ ምዝርጋሕ መጻሕፍቲ ንዝተሳተፍኩም፣
ብጾት ኣባላት ሰደህኤን ተሓባበርትን
ዝኸበርከንን ዘኸበርኩምን መጽሓፍ "ተሞክሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን" ካልኣይቲ መጽሓፍ ድማ "ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ" ኣብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ብዝገበርኩሞ ድኻምን ጻዕርን እንዳኣመስገና፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ውጻኢቱ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ ንማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፤ €3.000,00 /ሰለስተ ሽሕ ኤውሮ/ ድማ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸፊፎይ ምልጋሱ ዝዝከር’ዩ።
ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ: ነቶም ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ውግእን ተፈጥሮዊ ጸገም ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን €2.000,00 /ክልተ ሽሕ ኤውሮ/፡ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸሪፎይ ድማ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ንኽውዕል ተወፍዩ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።
ዝተወፈየ ሓገዝ ዋላ’ኳ ከምቲ ዝድለ እንተዘይኮነ፥ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፥ ዋላ ኣይትታሓለበልካ” ከምዝባሃል፥ ኣብ ክልቲኡ ህዝባዊ ትካላት ዝተወፈየ ሓገዝ ገለ ጸገማት ኣብ ምቅላል ተርኡ ክገብር ከምዝኽእል ትስፉዋት ኢና።
ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓበራ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ንዘርኣኹሞ ትግሃትን ሓልዮትን ነዚ በጺሕናዮ ዘለና እወንታዊ ውጻኢት ተሓባቢርና ስለዘብጻሕናዮ ደጊምና ነመስግን።
ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ይዓንብብ!!
ኣኽበርትኹም
ድራር መንታይ
ፍስሃየ ሓጎስ
ንጉሰ ጸጋይ