ሓይሊ፡ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃኑ ሓደጋ

2025-04-08 11:24:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 268 times

ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓተ-መንግስቲ ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕልና ሕጊ ሕሉው ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ’ዩ። በዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ቅድሚ  ሕጊ ማዕረ መሰል ይህልዎ። ይኹን እምበር ብልዕልና ሕጊ ዘይምእዘዙ ዓመጽትን መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ግዝኣኣቶም ንምስፍሕፋሕን ንከኽእሎም  ሓይልን ዓመጽን ልዕሊ ሕጊ ክሰርዑን ይረኣዩ እዮም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝብን ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ዝምድና፡ ነዊሕ ዝዕድመኡን ንምግላጹ ዘደንጹን ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። እቲ ኩነታት ኣጠቓሊልካ  ክቐርብ ካብ ዝኽእለሉ፡ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መሰላቱን ዝተጻዕነሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዓሉ ኣቀማምጣ እዩ” ኢልካ ምጥቃስ ይከኣል። ሓይልታት ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ፡ ነዚ ግልቡጥን ሓደገኛን ኣቀማምጣ፡ ልዕልና ህዝብን ሕግን  ልዕሊ  መንግስትን ኣካላቱን ዝረጋገጸሉ ስርዓት ንምውሓስ እዩ።

ሕጊ፡ ንበብሓይልኻ ምኻድ ዓጊቱ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዕማማት ዝሰርዕን እንታይ ከምዝገብሩን እንታይ ከምዘይይገብሩን ዝውስን፡ በበይኑ ድሌታት ዘለዎም ኣካላት ተኸባቢሮምን ተደጋጊፎን ብሓባር ክነብሩ ዘኽእል ዳኛ እዩ። መላእ ዓለምን ህዝባን ድማ ከከም ኣድላይነቱ ብሰናይ ፈቓዶም እናተኸኣኣሉን እናተሓጋገዙን ዝነብሩ ዘለዉ፡ ብሃገራት ጀሚርካ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ዝጸደቑ ሕግታትን ቻርትታትን ተኣማሚኖም እዮም። ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ፡ ቻርተራትን ስምምዓትን እንተተሰሪዑ ግና፣ ዓለምና ናይ ልዕሊ 200 ልኡላዊ ሃገራት ዘይኮነት ናይ ኣዝየን ውሑዳት  ሃገራት መዕንደሪት መኾነት ነይራ።

ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ብጀኦግራፊያዊ ስፍሓታ ኣብ መበል 101፡ ብብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብ መበል 132 ከም እትርከብ ሰነዳት የርእዩ። እዚ ንቁጠባዊ ብልጫታት’ውን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ኤርትራ ዝዓበያን ዝሓየላን ሃገራት ከም ዘለዋ ዘመልክት እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ብሳላቲ ህዝብና ዘካየዶ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ብዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ተዓዛብነትን ዘካየዶ ህዝበ-ውሳነን፡ ካብ 28 ግንቦት 1993 ንደሓር ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ኮይና። በዚ ድማ ምስተን ሚልዮን ትርብዒት ማይላት ዝስፍሓተንን ብቢልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዘለወንን ሃገራት “ማዕረ ልኡላዊ” መሰል ኣለዋ። እዚ ልኡላዊ ክብሪ፡ ህግደፍ እንተሎ ዝህሉ፡ እንተሓለፈ ዝሓልፍ ዘይኮነ፡ ምስ ኤርትራን ህዝባን  ነባሪ’ዩ። እዚ ልኡላዊ ማዕርነት ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ስለ ዘይተሰርዐ ዝተረኽበ መሰል እዩ። ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ክብራ፡ ሓርነትን ዲሞክራሲን ዝደረበት ሃገር ንክትከውን እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ልኡላውነት ብልኡላውነት ህዝቢ እንተዘይተሰንዩ ምሉእነት ስለ ዘይህልዎ።

ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ክስራዕ እንከሎ፡  ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ኣካል ተመኩሮና ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ከቢድ ዝዋግኡን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ምንባሩ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ መግለጺ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን” ሓደጋ፡ ምስምሳት እናፈጠርካ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ሃገራት ዝረአ ወራሪ  ወስታታት እዩ።  ታሪኽ ወራርን ተወራርን ነዊሕ ዛንታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝቀላቐል ዘሎ ይመስል። ናይ ሩሲያ ወስታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ናይ እስራኤል ጋዛ ናይ ምጥቕላል ሃቐነን ብኣብነት ዝጥቀሱ ተረኽቦታት እዮም። ኣብዚ እቲ ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብተደጋጋሚ ዝደገፈ ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ “ምድፋር ልኡላውነት ናይ ምቅዋም ሞራል ኣለዎዶ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር እዩ። ወያ ከም ናይ ዓለምና ኣኽባሪት ሕጊ ፖሊስ፡  ጌርካ ክትውሰድ ዝጸንሐት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣንጻርቲ ዓለም ኣብ  ምትህድዳእ ግደ ዝነበሮም ሕግታት ብፕረሲደንታ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝውሰድ ዘሎ ህዉኽ ስጉምትታት፡ “ግሪን ላንድ  ተድልየኒ እያ” ዝብል ወስታ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ንክኸውን  ዘተባብዕ ሓደገኛ ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ዝብል ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘሎ መዝሙር ዝገልበጥካ እንተገልበጥካዮ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ክትሰርዕ ካብ ምድላይ ወጻኢ ዝትርጐም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ዝርዝር ከይነውሓና፡ ካብ ግዜ ንጉስ 2ይ ምነሊክ ጀሚርካ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሑ ውዕላትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠሓሒስካ ህርፋንካ ናይ ምትግባር ድሌት ንዕዘብ ስለ ዘለና። ዋላ ነቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተረኽቦ ኣጽኒሕካ፡ “ውዕል ኣልጀርስ እውን እኮ ክንጥሕሶ ንኽእል ኢና” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ’ሎ። ምናልባት “ዓለም ለኻዊ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጠቓቕማ ሕግታት ተመርኲስና፡ ብወደባት ኤርትራ ኣገልግሎት  ክንረክብ ኢና” ዝብል እንተዝነብር፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን ሓደጋ” ስለ ዘየስዕብ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ተጠቃሚ ስለ ዝኸውን መተቐበሎ።

እዚ ጠቕሙን ሳዕቤኑን እንታይ ከምዝኸውን፡ ኣመዛዚንካ ዘይተሓስበሉ ዝመስል፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ስበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ዶብ ኤርትራ ጥሒስካ ወደብ ብምውናን ጥራይ ጠጠው ዝብል ዝመስሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እቲ ምጥሓስ ሕጊ ሓንሳብ ምስ ተኸፍተ፡ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ናብኦም ከም ዝግልበጥ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ጽባሕ ካልእ ሓያል መጺኡ ንኦጋዴን ድዩ ንሞያለ፡ ወይ ኣልፋሽጋ “ናተይ እዩ” ምስ ዝብል፡ እቲ “ልኡላዊ መሬተይ እዩ” ዝብልሉ መርተዖ ካብ ኢዶም ከም ዝወጽእ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ዘሳሓሕብ ዘይተጠረረ ዶባት ከምዘለዋ ኣብ ግምት ከእትውዎ’ውን መተገብኦም።

እምበኣር፡ ሎሚ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ደፊእካ እንተኣቲኻ ጽባሕ እውን ንስኻ ግዳይ ናይ ምዃንካ ሓደጋ ክፉት ምዃኑ ርኢና ኣለና።  ስለዚ በቲ ሓደ ወገን  በመንጽርቲ ጐረቤትና ኢትዮጵያውያ ነቲ ኩነታት ይረእየሉ ኣለኹ ብእትብሎ ዘላ መዳያት፡ ታሪኽ፡ ቅርበት ናብ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ናይ ብሄራት ኣሰፋፍራ፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጸጥታን ደሕንነትን፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣህጉራዊ ሕግታትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ክገሃስ ዘይክእል ምዃኑ ኣስተውዒልና “ዓገብ ንልኡላዊ ግህሰት” ክንብል ግድነት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ትካላትን፡ ኣብ ልዕሊ ሕግታትን ቻርተራትን ጥሒሶም” ንሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ብምስራዕ፡ ዘይናቶም  ክውንኑ ሃንደፍደፍ ንዝብሉ ወገናት ተጽዕነኦም ከሕይሉን፡ ወረ ውግእ  ንዘቃልሑ “ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ተኸተል”  ንክብልዎ  ብቐጻሊ ክንጽውዕ  ይግበኣና። 

Last modified on Friday, 11 April 2025 08:23