ርእሰ-ዓቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ እትርከቦ ከባቢ ህድኣትን ምርግጋእን ካብ ዝሓርሞ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ዘይህድኣት ብውግእን ህልቂትን ዝተሰነየ እዩ። ንሱ ዘኽተሎ ስደትን ምምዝባልን ከኣ፡ ከም ዞባ  መለለይና ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ኣብ ከባቢና ዝርአ ውግኣት፡ በቲ ሓደ ወገን ንምጭቋንን ምውራርን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ድማ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ክካየድ ዝጸሐ መኸተ እዩ። ኤርትራ ቅድም ኣብ መንጎ ገዛእትን በሃግቲ ናጽነትን  ሎሚ ድማ  ኣብ መንጎ በሃግቲ ሓርነትን ጸረ ሓርነትን  ውግእ  ዝካየደላ ናይ ከባቢና  ሃገራት ናይ ጽንዓት ኣብነት ኮይና እትጥቀስ እያ።

ናይ ከባቢና ዘይምርግጋእ ጋና ከም ሕሉፍ ታሪኽ ተመዝጊቡ ፋይሉ ዝተዓጽወ ዘይኮነ፡ ንዓለም’ውን ዘየቕስን ህያው ክስተት እዩ። ከየርሓቕና ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ክልል ትግራይ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን እኳ እንተ ዳህሲስና ነዚ ዘይህዱእ ኩነታት እዩ ዘርእየና። እዚ ናይ ጐረባብትና ሃገራት ኣሰካፊ ደበና ናብ ኤርትራ’ውን ከይዘንብ  ኣስጋእነቱ ዘይራሓቐ ምዃኑ   ምስትውዓል የድሊ።  ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ምእንቲ ናጻነት ኣንጻር ናይ ርሑቕን ቀረባን ወረርትን ገዛእትን ፊት ንፊት ተዋጊኡ ተዓዊቱ። ብሰንክቲ ውግኣት ከኣ ኣብ ርእሲቲ ናይ ዓውዲ ውግእ ኩቡር መስዋእቲ፡  ብስደትን ምምዝባልን ዝግለጽ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዋጋ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን።  ናይ ሎሚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕድ ደቂ ሓደ ዜጋ ዝካየደ፡ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘንቀሎ ስለ ዝኾነ፡ ዝያዳ ንቕሓትን ምስትውዓልን ዘድልዮ ረቂቕን ዝተሓላለኸን እዩ።

ህዝቢ  ኣብ ኩሉቲ ምዕራፋትን ኣገባባትን ቃልሲ መሪሕ ተዋሳኢ እዩ። ብዘይካ ናቱ ተሳትፎ ዝዕወት ከምዘየለ ብምርዳእ ከኣ ቅድም ገዛእቲ ሎሚ ድማ ጨቆንቲ ኣንጻር መሰረታዊ ናጽነቱን መሰሉን ክንሶም፡ ዝሓልይሉን ምእንታኡ ዋጋ ዝኸፍሉን መሲሎም፡ ብስሙ ክምሕሉን ክጥሕሉን  ጸኒሖም።  ሎሚ እውን ህግደፍ ነዚ ቅዲ ምትላል ኣመላኹዑ ዘይትግበር መብጸዓታት እናኣተወን ክቕጽሎ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና እዩ። ኣብ ተመኩሮ ቃልስና፡ ከም እነስተውዕሎ፡ ኩሉ ብህዝቢ ዝምሕል ሓቀኛ ወገን ህዝቢ ከምዘይኮነ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ሓይልታት መግዛእቲ ብስም ህዝቢ ኤርትራ እንዳመሓሉ ብግብሪ ግና ፖሊሲ መሬቱ  እምበር ህዝቢ ኣየድልየናን ንምትግባር፡ “ዓሳ ንምጥፍእ ቀላይ ምንጻፍ” ብዝብል ፈሊጥ ይምርሑ ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ናይ ሎሚ ህግደፍ እውን ኩሉ ተግባሩ ጸረ ህዝቢ ክነሱ፡ ወገን ህዝቢ ንክመስል ወትሩ “ዓወት ንሓፋሽ” ይጭርሕ። ብግብሪ ግና ህዝብና  ከምቲ  ብሂጉ ዋጋ ዝኸፈለሉ ከምዘይተዓወተ ይርደኦ እዩ። ብስም’ቲ ዘይተዓወተ ህዝቢ “ዓወት ንሓፋሽ” ምጭራሕ ከኣ ካብ ዘይሓፍር ኣምሰሉነት ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል  ርትዓውን ሚዛናውን  ኤርትራዊ ተገንዚብዎ ዘሎ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ብሸርሒ ህግደፍ ከምዘይድህለል ንምርግጋጽ፡ “ኣንጻር ምዕዋተይ እንዳሰራሕኩምስ መድመቒ ጭረሖኹም ኣይትግበሩኒ”  ዝብል ማዕበላዊ ድምጺ ክስምዕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ጉጅለ ህግደፍ  ብዝኾነ መዕቀኒ ክምዘን እንከሎ፡ ጸረ ትጽቢትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ከምዚ መደምደምታ ንበጽሕ ኣለና ዓለም ዝፈለጦን ጸሓይ ዝወቕዖን ስለ ዝኾነ፡  ምምርማር ዘድልዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ብዘይካ ከምስል “ኩለንተናይ ንዓኻ” ዝብል መዝሙር፡  ከም ካለኦት ዲክታተራት’ኳ ሳሕቲ ኣብ ትሕተ- ቅርጻን ገለ መሰረታዊ ኣገልግሎትን “ከምዚኣ ዝኣመሰለት ናብ ህዝቢ ዝወገነት እትበሃል ኣውንታ” የብሉን ምስቶም ዕርቃን ህዝቢ ኣልቢሶም፡ ከብዱ መሊኦምን መባእታዊ ጥዕናውን ትምህርታውን ኣገልግሎት ሂቦምን፡  ካልእ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዝነፍጉ ደቂ ማሕበሩ ዲክታተራት እተወዳድሮ’ውን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ህዝቢ ክሳቐ እንከሎ ዝተዓወተ ዝመስሎ እኩይ እዩ። ናብዚ ዝብጸሖ ከኣ ኣዕሚቑ ዝሰረጸ ንዕቀቱን ጽልኡን  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ  ኤርትራ እዩ።

መለለይ ጸረ ህዝብነት ህግደፍ ብዙሕ መልከዓት ዝሓዘ  ኮይኑ፡ በብግዜኡ ህይወት ዝበልዕ፡ ንብረት ዘዕኑን ስም ሃገር ዝድውንን  ውግኣት ምኽፋት እቲ ጐሊሑ ዝረአ ተግባሩ እዩ። እዚ ተግባሩ ንኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ፡  ጐረባብትና ህዝብታት እውን ዘማስንን ዘማርርን  ዘሎ  እዩ። እቲ ዝያዳ ዝመረረ ዝገብሮ ከኣ ኣብቲ ሓሓሊፉ ዝኣጉዶ ሓዊ እቲ ከም ዕንጸይቲ ዝነድድን ዝስደድን መንእሰይ ኤርትራ’ምበር መራሕቲ ህግደፍን ኣዳኸርቶምን ዘይምዃኖም እዩ። ስለዚ ህግደፍ ብንብረትን መሰልን ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብህይወት መንእሰይ እውን ዝነግድ ተጣላዒ እዩ። “ንኽፉእ መልክዕ ብስም የጸባብቕዎ” ከም ዝበሃል፡ ህግደፍ ነቲ ሓሓሊፉ ዝኣጉዶ ውግኣት ንሓንሳብ “ምእንቲ ልኡላውነትና” ንሓንሰብ ድማ “ምእንቲ ህላወናና ከም ህዝቢ” እናበለ እዩ ዘጸባብቖ። ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ  ድማ ዕብዳን” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ብህግደፍ ስለ ዝተዳህለለ፡ ደፊሮም “ንወጽዓ ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ  ዝተቐበለ” ኢሎም ዝገልጽዎ ወገናት ኣለዉ። ብግብሪ ንልኡላውነትን ንህልውናን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ዘስግእ  ህግደፍ ባዕሉ  ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከም  ዝነገረና ምዝካር ይግባእ።

ህግደፍ ነዚ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ናይ ምንባር ዝንቡዕ ፖሊሲኡ ኮነ ኢሉ ስለ ዝረዓሞ፡ ክሳብ ዘይተሳዕረ ደንጊጹ ዘቋርጾ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ኳ፡ “ሱዳናውያን መንእሰያት ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ ኣለዉ፡ መካናይዝድ ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ውግእ ሱዳን ይሳተፍ ኣሎ”፡ ዝብሉ ምጽራይን ምክትታልን ዘድልዮም  ወረታት ይስምዑ ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ብመንጽርቲ ከመጾ ዝጸሐ ውዲታዊ  ተመኩሮ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ ክንዲ ናብ  ውሽጥኻ  ምቁማት ናብ ደገ ናይ ምምዕዳው ልማዱ፡  ምስዚ ናይ ሱዳን  ብዝተተሓሓዘ ዝውረ ዘሎ “ህግደፍ ውዒልዎ ይኸውን” ዝብል ተረደኦ ናይ ብዙሓት ተዕዘብቲ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ህግደፍ ብዘስምዖ  “ሎሚ እውን ጸላእቲ መጹና”  ዝቓንኡ ጸዋዒት፡ ዝድህለል  ኣመዛዚኑ ከስተብህል  ዝግበኦ።

“መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምን ኣይኽላእካ” ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምድህላል መለበሚ ክደሊ ርሑቕ ዘኽይድ የብሉን። ዝሓለፎ ተመኩሮ፡ ኣይኮነንዶ ንዓኡ ንኻለኦት’ውን ሃብታም መለበሚ እዩ። ስለዚ ኣብዚ  ቅልጡፍ ምቅይያራት ዝረኣየሉ ዘሎ ግዜ፡ “ደጊም ምድህላል ይኣክል “ ኢሉ፡ ካብ ተመኩሮኡ ክመሃርን ካብ ስግኣት ዘውጸኦ መሰረታዊ መፍትሒ ክረክብን ይግበኦ።

ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ማእሰርትን ኮሚተ ንፍትሕን ዝተባህላ ሰብኣዊ ትካላት፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገር ግብጺ ዝፍጸም ማእሰርቲ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ኣባላት ኮሚሽንን ፓርላማን ሕብረት ኢውሮጳ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብጃምላዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ዝግደስ ኣካል፡ ኣብቲ ሕብረት ስቓይን ግህሰትን ናይ ዝከላኸል ኮሚተ ኣባላት፡ ከምኡውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ናብ ዝሕለቑ ኣካላት ህጹጽ ፍታሕ ንክረኽቡ መጸዋዕታ ኣቕሪበን።

እተን ሰብኣዊ ትካላት ከም ዝጠቐሰኦ፡ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዝኣተዉሉ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ግብጻውያን ኣብ ክንዲ ብኣህጉራዊ ሕግታት ስደተኛታትን ንሳቶም ብዝኣተዉዎ ውዕልን ዝቕየዱ ብጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝቐበልዎምን ናብቲ ዝመጽዎ ዘይውሑስ ቦታ ንክምለሱ ከም ዘገድድዎምን ኣቃሊዐን።

ከምዚ ዝኣመሰል ኣንጻር መሰል ስደተኛታት ዝረአ ዘሎ ግህሰት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ንግብጺ ዝህቦ ደገፍ  ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን ምዃኑ እተን ግዱሳት ትካላት ተጠቒሰን። እተን  ትካላት ናብ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘቕረብኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ ክንዲ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ስደተኛታት ናብ ግብጺ ኣብ ዘእቱ ዶባት፡ መሰሎም ንምክልኻልን መንነቶም ናብ ዝምልከቶ ንምግላጽን ናብ ዝኽእልሉ ዘይሻራዊ ኣካል ዝቐርብሉ ኩነታት ንክፍጠር ጸዊዖም። ነብሶም ንምድሓን ናብታ ሃገር ስለ ዝኣትዉ ቪዛ ንከይሕተቱ ድማ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ግብጺ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ሱዳናውያን ኮይኖም፡ እቲ ኣብ 2021 ኣስታት 20,778 ዝነበረ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ወሲኹ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እዚ ከምዚ እንከሎ ግብጺ ብተደጋጋሚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዳ ናብ ህግደፍ ከተረክብ ዝጸንሐት ሃገር እያ።

ናይ ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዡ ቢንግ፡ ናይታ ሃገር መራሒ ዢ ፒንግ መልእኽቲ ንምብጻሕ  ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መጋቢት 2024 ዑደት ከም ዘካየደ መርበብ ሓበሬታ ኦል ኣፍሪቃ/ All AFRICA ኣፍሊጣ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጅቡቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ናብ መራሕቲ እተን ሃገራት መልእኽቱ ከብጽሕ እንከሎ፡ ናብ ኤርትራ ብዛዕባ ምብጽሑ ዝተሓበረ የለን።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ መራሕትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ብምርኻብ ቻይና ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ኣተኩሮ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝምድና ንምሕያል ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ዝተመያየጠ ተፈሊጡ። ብፍላይ ምስ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐራሪበን ከም ዝሰርሓ ምርድደኦም ጋሮውኦንላይን/Garow-online ዝተባህለት ናይ ሶማሊያ መርበብ ምንጭታት ቪላሶማሊያ ብምጥቃስ ኣፍሊጣ።

እቲ  ልኡኽ ቻይና ነዚ ዑደት ዘካየዶ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንክቲ ኣብ መንጎ የመናውያን ሑትን ምዕራባያውንን ብዝተፈጥረ ወጥሪ ኣጋጢሙ  ዘሎ ቅልውላው፡ ቻይና መራክባ’ኳ ዒላማ ዕጡቓት ሑቲ እንተዘይኮና፡ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ 500 ወተሃደራት ጥራይ ዝሓዘ ወተሃደራዊ መደበር ዝያዳ  ናይ ምድልዳሉ ምስ ዘለዋ መደብ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ናይ ዕደና፡ ህንጻን ጸዓትን ወፍርታት ዘለዋ ቻይና፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝተራእየ ቅልጡፍ ምቅይያራት ካብ 2022 ኣትሒዛ እያ ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ።

ምስሊ ሩባ ዓንሰባ ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ሓረስቶት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ጀራዲኖም ዘፍረይዎ ፍረታትን ኣሕምልትን ኣብ ሰሙን ክልተ ቀወምቲ መዓልታት ጥራይ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብህግደፍ ከም ዝተገደቡ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኽብታት ኤርትራ  ምንጭታተን ብምጥቃስ ሓቢረን። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ምህርቶም ናብ ዕዳጋ ዘውርዱ ሓረስቶት ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘጋጥሞም ከኣ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዚ ናይ ዕዳጋ መዓልታት ምድራት ስለምንታይ ከም ዝተወሰደ ኣብቲ ሓበሬታኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ነቲ ዕዳጋ ንናይ ህግደፍ ትካላት ንምሕዛእ ከም ዝኮነ ይግመት።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ጣልያን ዝነበረ መኽዘናትን ካልእ ንብረትን  ገዚእኩም ብዝብል ከም ዝወርስን ካብቶም ግዳያት ምውራስ ዝኾኑ ትካላት ሳቫና ዝተባህለ ሆቴል ከም ዝርከቦ ጠቒሶም፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብቲ ዞባ ኣስታት 22 ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከም ዝወረሰ ኣብቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየ ተገዲዶም ናብ ሳዋ ዝኣትዉ ዕሸላት ብጉዳዮም ብቐረባ ዝሕተት ዋሕስ ንከፈርሙ ዘገድድ ሕጊ ከም ዘውጸአ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ጉዕዞ ናብ ሳዋ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ጉንበት ከካይዶ ከም ዝመደበ  ተፈሊጡ።

እቲ ስርዓት ነዚ ሕጊ ዘውጸአ፡ ነቲ ኣብ ሳዋ እናተዓለሙ ኮነ ናብ ኣሃዱታት ምስተመደቡ፡ ዝረአ ምምልጥ ንምዕጋት እዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ዘጋጥም ህድማ እቲ ዝፈረመ ዋሕስ ተሓታታይ ንምግባሩ እዩ። እቶም ምንጭታት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሳዋ ተዓሊሞም ናብ ሰራዊት ዝተመደቡ መንእሰያት ብብዝሒ ይሃድሙ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዶብ ትግራይ ከባቢ ዛላንበሳ ካብ ዘላ ክፍለ ሰራዊት 58 ብብዝሒ  ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ እውን ካብ ግዱድ ዕስክርና ንምድሓን ካብ ሃገር ናይ ዝወጹ መንእሰያት ቤተሰብ ክሳብ ሓምሳ ሺሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድድ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ዝተፈላለያ ቦታታት፡ ብዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ኣጋጣምታት፡ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ክኣትዋን እዋናዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ክኾናን ዝተለምደ እዩ። ንኣብነት ሓውሲ ከተማ ባድመ ቅድም ካብ ኤርትራን ትግራይ ኢትዮጵያን ወጻኢ ብደረጃ ዓለም ዘይትፍለጥ ዝነበረት፡ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ግና ብዓለም ደረጃ፡ ኣዛራቢት ከም ዝኾነትን ጌና ኣዛራቢት ከም ዘላን ዝዝከር እዩ።

ኣብ ትግራይ 2020-2022 ዝተኻየደ ውግእ ድሕሪ 2ተ ዓመታት፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ናብ ካልእ ምዕራፍ ኣትዩ። በዚ ምኽንያት ከተማ ፕሪቶርያ’ውን ብዙሓት ቅድሚኡ ብዘይፈልጥዋ ዝነበሩ ትለዓል ኣላ። ኣብ መስርሕ ትግባረ እቲ ውዕል ውልቃይት (ዞባ ምዕራብ ትግራይ)፡ ዝያዳቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እትለዓል ኮይና ኣላ። ምልዓል ጥራይ ዘይኮነ እናሓደረት ኣብ ምትግባርን ዘይምትግባርን እቲ ውዕል ወሳኒ ቀላሲ ቦታ ሒዛ ኣላ።

ካብዚ ብምንቃል ድማ፡ ኣብ ካልእ ዝርዝር ንምእታው ዘይኮነ፡ ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ምስ ወልቃይት ብሓጺሩ ከነላልየኩም። ከባቢ ወልቃይት ብክልላዊ ሕገመንግስቲ ትግራይ፡ ሓንቲ ካብተን ዞባታት ትግራይ ኮይና፡ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ትበሃል።

ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ 3 ወረዳታት ኣለዋኣ። ንሳተን ድማ  ቃፍታ-ሑመራ፡ ወልቃይትን ጸገደን ይበሃላ።  ኣብታ ዞባ ዝዓበየትን ማእከል ምምሕዳርን ከተማ ሑመራ እያ። እዛ ዞባ፡ ብምብራቕ ምስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ብደቡብ ምስ ክልል ኣምሓራ፡ ብምዕራብ ምስ ሱዳን፡ ብሰሜን ድማ ምስ ሃገረ ኤርትራ ትዳወብ። ቃፍታ-ሑመራ፡ ሰቲት-ሑመራ፡ ወልቃይት፡ ጸገደ፡ ዳንሻ፡ ማይገባን ማይካድራን ኣብዛ ዞባ ዘለዋ ፍሉጣት ቀበሌታት  እየን።

Page 5 of 555