ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጉባአ ናይ ምግባር ምልክት ተርኢ ከምዘየላ ብ31 ታሕሳስ 2024 ብክታም ናይቲ ቦርድ ሓላፊት ሜላትወርቅ ሃይሉ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ኣብቲ ደብዳበኡ ህወሓት ጉባአ እተካይደሉ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 10 ለካቲት 2025 ዘብቅዕ፡ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ካብቲ ዝተመዝገበሉ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።
እቲ ቦርድ ብ9 ነሃሰ 2024 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ከም ሓዳስ ውድብ ምምዝጋባ ምሕባሩ ጠቒሱ፡ በቲ ዝተመዝገበትሉ ፍሉይ መምርሕን ኣገባብን መሰረት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ጉባአ ከተካይድ ዝእዝዝ ምዃኑ ኣስፊሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ህወሓት ነዚ ኣሰራርሓ ምእዝዝቲ ክትከውንን እቲ ዝካየድ ጉባአ ኣብ ህልውና ኣካላት ናይቲ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ክሳለጥ ከም ዝግበኦ ኣብዚ ናይ ብ31 ጥቅምቲ 2024 መልእኽቱ እውን ኣዘኻኺሩ።
ጉባአ ክካየድ 21 መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ንቦርድ ምርጫ ምሕባርን ንክዕዘብ ንመስርሕ እቲ ጉባአ ንምክትታል ዘኽእሎ ኩነታት ምጥጣሕን ከም ዘግባእ እውን ጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ክሳብዚ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 40 መዓልታት ጥራይ ዝተርፎ ንምክያድ ጉባአ ህወሓት ዝምልከት ናብቲ ቦርድ ዝበጸሓ ሓበሬታ ኮነ መጸዋዕታ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።
ናይቲ ቦርድ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ውድብ ህወሓት በቲ ዝተነግራ ኣገባብ እንተዘይተቐይዳ ሕጋዊ ሳዕቤት ከም ዘጋጥማ ስምዕታኡ ኣቕሪቡ። መሪሕነት ህወሓት እቲ ኣመዘጋግባ ከም ሓድሽ ዘይኮነ፡ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ደረጃ ከም ዝመልሶ ንክኸውን ዘቕረቦ ጥርዓን በቲ ቦርድ ምርጫ ከም ዝተነጽገ ኣብቲ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
እዚ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ነቲ እታ ውድብ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ኣካይደዮ ዝበለቶ እሞ ንጌታቸው ረዳን ብጾቱን ሰጒጐዮም ዝተባህለሉ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ መበል 14 ጉባአ ኣፍልጦ ዝነፍግ እዩ። ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ ክሳብ 10 ለካቲት 2025 ኣብ ዘሎ መዓልታት ጉባአ እንተዘየካይዳ ህወሓት በቲ ቦርድ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል እዩ።
መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ፣ ምስግጋር 2024 ናብ ዓመት 2025
Written by Bahgna MediaMedia
Eritrea.LIBERTY Magazine Issue Nr.86
Written by EPDP Foreign Affairs Officeመግለጺ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ሎሚ ኣብ ድሮ ምስግጋር ናይ 2025 ዓ.ም ኢና ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ “እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን” እናበለ ናይ ሰነይ ትምኒት መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምናን ኣመሓላሊፉ።
2024 ዓ.ም ኣብ ዓለምና ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተጋህደላ፥ መወዳደርቲ ዘይብሉ ሞት፡ ስንክልና፡ ብርሰትን ስደትን ዝተኻየዱላ፡ ናይ ዓለም ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራትን ተዓዘብቲ ዝዀኑላ ዓመት ኢያ ነይራ ኢሉ።
ነዚ ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ብሰላምን ብልዝብን እንተዘይኰይኑ፡ ብሓይሊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ፈተነታት ንዝያዳ ጥፍኣትን ዕንወትን እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ ዝርከቦ ኣይኰንን ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ እውን፡ ኣብ ክንዲ ንጐረባብቲ ሃገራት ናብ ቅልውላው ዘእቱ መደባት ምትላም፥ ብቐዳምነት ንውሽጣዊ ኰነታት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ክመልስ፥ ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ካብዚ ኣጋጢምው ዘሎ ድኽነት፡ ሕማም፥ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ናብ ንቡር ናይ ሰላም ህይወት ንኽመልሶ ኢሉ ክሓስብን ክጽዕርን ኣዘኻኺሩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ እቲ ኣብ 2024 ዝተኻየደ ዕዉት ዋዕላ ወይ ኮንፈረንስ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ 2025 ዝያዳ እናሰፍሐን ንኹሎም’ቶም ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ለውጥን ዝኣምኑ ሓይልታት ዝጥርንፍን ድሌታትን ባህግታትን ናይ ህዝብና ዘማልእ ዘመድረኽ ክኸውንን ዘለዎ ትጽቢትን ተስፋን ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ደጊሙ “እንቋዕ ናብ 2025 ዓመተ-ምህረት ኣብጽሓና፥ እዛ ዓመት’ዚኣ፡ ከኣ ንሃገርና ናብ ጐደና ሰላምን ልምዓትን ዘምርሑ ስርሓታት ዝካየዱላ፥ ድምጺ ውግእን ወረ ውግእን ዝንክየላ፥ ናይ ኣህዛብ ከባቢና ባህግታት ዝማልኡላ ዓመት ክትክውን ዘለዎ ትምኒትን ተስፋን ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጽ፥ ንኣባላት ፖ.ሓ.ኤ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ንምሕያል ዘድሊ ኩለንትናዊ ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ማሕበራውን ንጥፈታት ከይሰልከዩ ኣበርክትኦም ከዕዙዙ ጸዊዑ።
31 ታሕሳስ 2024
እነሆ 2024 ኣፋኒና ናብ ሓድሽ ዓመት 2025 ንኣቱ ኣለና። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” ዝብል ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ። ዓመተ 2024 ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕል ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ከቢድ ወጽዓ መሊሱ ክገድድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ዝተራእየላ ዓመት ኣይነበረትን። በቲ ካልእ ወገን ግና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንምድልዳል ዕዉት ኮንፈረንስ ዘካየድናላ ተስፋ እትህብ ዓምት ስለ ዝነበረት፡ ኣብ 2025 ከኣ ዝያዳ ከም እነሕይሎ ትስፉዋት ኢና።
ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት ኩነታት ተቐይሩ፡ ኣብ ሃገርና ራህዋ ዝዓስለሉ ኩነታት ንምፍጣር፡ ካብ ህግደፍ ንጽበዮ ዘይኮነ፡ ህዝብናን ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን፡ ኩነታትና ካብቲ ዝጸንሖ ብቓልሲ ኣሕይልና እነረጋግጾ እዩ እሞ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ክንበቅዕ መጸዋዕታይ የቕርብ።
ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ከባቢናን ዞባናን ካብ ወጥርን ስግኣትን ኣይደሓነን። እንርከባ ኣብ ዘለና ሓዳስ ዓመት ዘሰሓሕቡን ዘዋግኡን ዘለዉ ጉዳያት፡ ረብሓ ህዝብታት ማእከል ብዝገብሩ ሰላማውን ሕጋውን ኣገባባት ክፍትሑ እሞ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ትጽቢተይ ልዑል እዩ።
ኣብ 2024 ዓለምና’ውን ብኣዝዮም ኣዕነውትን ኣህለቕትን ውግኣትን ወጥርታትን ክትሕቆን እያ ጸኒሓ። ኣብ 2025 እዞም ወጥርታት ተፈቲሖም ዓለምና፣ ምሉእ ቆላሕተኣ ናብ ልምዓትን ሰላምን ዝኾነሉ ኩነታት ክቕየር ከኣ ትምኒተይ ኣዝዩ ዕዝዙ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ደጊመ “እንኳዕ ናብ ዓመተ-2025 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበልኩ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከኣ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ 2025 እውን ፖሊሲታት ሰልፎም ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ምሕያልን እቲ ልሙድ ተወፋይነቶም ከም ዘበርኹ ዘለኒ ትምኒት ልዑል ምዃኑ እገልጽ
ገረዝጊሄት ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
31 ታሕሳስ 2024
ኣብ ትግራይ ማእከላዊ ዞባ ከተማ ኣኽሱም ተጐልቢበን (ተሓጅበን) ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ ዝተኸልከላ ተመሃሮ፡ ኣንጻርቲ ምኽልካለን ተቓውሞ ከም ዘስመዓ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ፡ ነቲ ተግባር “ብሕገመንግስቲ ዝተዋህበና መሰል ዘየኽብርን ሃይማኖታዊ ነጻነት ዝግህስን እዩ ከም ዝበለኦ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸኦ፡ እቲ ምስ ተጐልቢብካ ናብ ቤት ትምህርቲ ምእታው ካብ ዝኽልከላ ሰሙናት ከም ዝሓለፈ እውን ገሊጸን። ኣተሓሒዘን ከም ዝበለኦ ድማ እተን ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምምሃር መሰለን እየን ነፊገንአን ምኽንያቱ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ተደላይነት ስለ ዘለዎ ኢለን። ብፍላይ ሓንቲ ተመሃሪት ከም ዝበለቶ ዋላ ሕብሩ ምስቲ ናይ ተመሃሮ ዲቪዛ ( ዩኒፎርም) ከመሳስለኦ ፈቲነን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ሓቢራ።
ጌቱ ካሕሳይ ዝተባህለ ወኪል እስላማዊ ጉዳያት ምስ ቤት ጽሕፈት ኣብያተ-ምህርቲ ናይቲ ዞባ ብዛዕባቲ ጉዳይ ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ንሱ እቲ ጸገም ብቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ እቲ ምጉልባብ (ምሕጃብ) ፍቑድ ምዃኑ ብደብዳበ ድሕሪ ምግላጹ ዝተፈጥረ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ጉዳያት ከተማ ኣኽሱም ብወገኑ ኣብ 10 ጥቅምቲ 2024፡ ደቂ ኣንስትዮ ተኸተልቲ ምስልምና ናይ ምጉልባብ ሃይማኖታዊ ግደታአን ክሕለወለን ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ናብተን ኣብያተ-ትምህርቲ ልኢኹ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። እቲ መልእኽቲ እቲ ምኽልካል ጉልባብ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካለኣይ ደረጃ፡ ወርዒ፡ ከንደያ፡ ኣደባባይን መሰቦን ተጽዕኖ ከም ዘሕደረ ኣፍሊጡ። በቲ ዜና መሰረት ናይ መበል 12 ክፍሊ ተመሃሮ ዝርከበአን 140 ተመሃሮ ምስ ጉልባብ ብዝተተሓሓዘ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኸልኪለን ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።
ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ጸሓፊ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ተግባር ቅድሚ ዝኣገረ ንተመሃሮ መበል 12 ክፍሊ ይሃሲ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ምክልኻል ተግባር ነቒፈምዎ። ከተማ ኣክሱም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ’ውን ብዛዕባ ምህናጽ መስጊድ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዘይተፈትሕ ዋጢጥ ዘለዋ እያ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
እነሆ “2024 ዛዚምና ናብ 2025 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2025ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።
እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን እምበር፡ እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል፡ ከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ክንመዝኖ እንከለና፡ 2024 ክንድቲ ዝተጸበናያ ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ኣይነበረትን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውግእ፡ ህልቂት፡ ምዝንባልን ዕንወትን ዝዓንደረላ ስለ ዝነበረት “ድሕሪኣ ይቕደወና” እትበሃል ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ነጻ ህያብ ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሱ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮ ንተግሆንዶ ኮይና ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ እውን ብዙሕ ሓሊፉ እዩ።
ኣብ 2024፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደዲፍ ዝሸጡን ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ንላዕሊ “ኣዝዩ ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ይኽእል። ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ ንመጻኢ’ውን ህግደዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2025’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ናይ 2024 ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብን ሃገርን ዝኸበደ መዘዝ ዘስዕብ ስለዝኾነ።
ህገድፍ ሎሚስ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሩ ተማሂሩ፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ክወቅዕዩ ይኸውን” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ነይሩ ይኸውን። እንተኾነ ብፍላይ ኢስያስ ብጉልባብ ቃለመጠይቕ ዝሃቦ መግለጽን ካለኦት ሓለፍቱን ዝኸድዎ ዘለዉ መንገድን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካብ ምንዳይ ውግእ ዝዕገስ ኣይመስልን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግብሪ ይውዕለሉ ኣብ መጻኢ ዝረአ ኮይኑ፡ ዘይቅዱስ ኪዳናት ክሳብ ምምስራት እውን ወሲኽሉ’ሎ።
ካብ ካለኣይ ፍርቂ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳን ዘይዕወት ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ከይተረፋ፡ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ፍልልይ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመተ-2025 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ግምታተን ይህባ’ለዋ። ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብዙሓት ወገናት ብምኽንያት ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ተተባቢዖም፡ ኢትዮጵያውያን ጸገማቶም ብፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ክፈትሑ’ዮም ዝብል እምነት ሓዲርዎም ነይሩ። ብግብሪ ግና ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ዕድል 2025 ኣብ ምፍታሕ እዚ፡ ነዓናው ዝጸልወና ናይ ጐረባብቲ ፖለቲካዊ ሕምስምስ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጻኢ ብትኹረት እንከታተሎ እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ 2025 ካብ 2024 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ከይረሓቕና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ ዘስግእ እዩ። ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣእዳዎም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ ከባቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ፡ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ደበና ስግኣ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ውዳበታት እምበር፡ እቲ ራህዋን ሰላማዊ መንገዲድን ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ዘዝፈሓሶ ተንኮል ምስ ፈሸሎ፡ ካልእ መንገዲ ጥፍኣት ካብ ምምሃዝ ኣብ’ዛ ንርከባ ዘለና ዓመት’ውን ዓዲ ኣይክውዕል እዩ።
ብደረጃ ዓለም፡ ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረሲዳንትነት ኣሜሪካ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ምስሕሓብ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ምትፍናን እስራኤልን ኢራንን፡ ናይ ሃገረ ሲርያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምእታ’ውን፡ ኣብ 2025 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ዓለም ብሃንቅውታ እትጽበዮም ዘላ እዮም። እቲ ዝፍራሕ 3ይ ውግእ ዓለም ከይክሰት ዝሰግኡ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2025፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቀዳማይ ኮንፈረንሱን ናይ ሓባር ፈስቲቫሉን ኣቢሉ በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት ብግብሪ ናይ ምንቅስቓስ ተግባሩ ምስፍሕን ምሕያልን ኣብ 2025 ዓብይ ግምት ዝህቦ ኣጀንድኡ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2025 ኣጀንዳኡ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።
ባህግና Bahgna Media 29 12 2024: ኣየናይ ክካሓድ፡ ኣየናይ ከኣ ክእመን፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራውን፡ ጽባሕ ክምስክራ እየን:
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም
ኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብ26 ታሕሳ 2024 ነቲ 2 ሰባት ዝሞትሉ ኩነታት መዓርፎ ነፈርቲ የመን ሰንዓ ዝምልከት መብርሂ ከም ዝሃበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ዶር ተድሮስ ኣብዚ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣብ የመን ብሓይልታት ሑቲ ንኣዋርሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናይቲ ንሱ ስማርሖ ዓለም ለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት ንምፍታሕን ኣብ የመን ዘሎ ጥዕናውን ሰብኣውን ኩነታት ንምድህሳስን ኣብ የመን ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ እንከሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብነፈርቲ ከም ዝተደብደበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ዶር ቴድሮስ ናይ ሰንዓ ስርሑ ወዲኡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ንሱን ብጾቱን ኣብ መስርሕ ምውጻእ እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝወደቑን ሓደ ካብ ኣባላት ጋንታ ነፋሪቱ በቲ ደብዳብ ከም ዝተወቕዐን እውን እቲ ትካል ሓቢሩ። እቲ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ፡ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ መቆጻጸሪ ታወርን ናይ ገያሾ መዕረፊ ኣዳራሽን በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተጐድአ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ሓደ ካብቲ ክልተ ብ26 ታሕሳስ 2024ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝመርሕዎ ምምሕዳር ካብ ዝተኻየዱ እሞ ራስ ኢሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓደ ሰብ ዝሞተሉ ደብዳባት እዩ። ዶር ተድሮስ ብስምቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ናብ ስድራቤት ናይቶም በቲ ደብዳብ ዝሞቱ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ምትሕልላፉ ከኣ እቲ ዜና ኣፍሊጡ
ኤርትራ ምስ ሶማሊያ ዝህልዋ ዝምድና ዳግማይ ከም እትሓስበሉ ምግላጻ ተሓቢሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምስ ኣቢይ ዝገበሮ ስምምዕ ኣንካራ ርክብ ኣብ ኣስመራ
ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ናብ ሕማቕ ደረጃ ክወርድ ተኽእሎ ከምዘሎ ምግላጻ ሶማሊያ ጋርድ (Somaliguardian)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። ኤርትራ ነዚ ዝገለጸት ድሕሪ’ቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝጸንሐ ወጥሪ ብመንጎኝነት ቱርኪ ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ምብጻሑ እያ። ኤርትራ ነቲ ናይ ኣንካራ ስምምዕ “ህዉኽን ዘይንጹርን” ብዝብል፡ ብትሪ ከም ዝነቐፈቶ ድማ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ዓብደልቃድር እድሪስ ዝተባህለ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃን ሶማሊያን፡ ሶማሊያ ከም ልኡላዊት ሃገር ዝገበረቶ ዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ፡ ኤርትራ ዘይተጽበየቶ፡ ህዉኽን ሃሳይን እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ዓብደልቃድር እድሪስ ኣተሓሒዙ ከም ዝገለጾ፡ ድሌት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ኣብ ምርካብ ንግዳዊ ወደብ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ምምስራት ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣተሓሒዙ ድማ ሶማሊያ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ መርገጺ እግሪ ምርካብ ክትሓስበሉ ኣለዋ ዝብል መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ። ኤርትራ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣስጋኢ ምዃኑ ብምርዳእ ንዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ዳግማይ ከም እትሓስበሊ ከኣ ጠቒሱ።
እቲ ብ13 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣንካራ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሶማላውያን እውን ሓያል ህዝባዊ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ፈጢሩ እዩ። ብዙሓት ሶማላውያን ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ዘለዎም ዘይዕግበት ኣንጸባሪቖም እዮም። እቲ ፕረሲደንት ድሕሪ ስምምዕ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምፍታሕ ጽኑዕን ቀጻልን ዲፕሎማሲያዊ መንግግዲ ኣብ ምኽታል ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ገይሮም ብምርዳእ ሕርቃኖም ዝገለጹ’ውን ብዙሓት እዮም።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ናይ ኤርትራ ሻቕሎት ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምስሕሓብ፡ ዝምድነኣ ምስ ሶማሊያ ከተሕይል ዝጸንሐት ግብጺ እውን ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ብ25 ታሕሳስ 2024 ልኡኻታ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ክትሰድድ እንከላ ፕረሲደንታ ድማ ናብ ኤርትራ ምጋሹ ዝዝከር’ዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መንጎአን ወተሃደራዊ ግጭት ስለ ዝተፈጥረ እሞ፡ ናይ ምክሳስ መግለጽታት ብምውጸአን እቲ ኣብ ኣንካራ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ከይፈርስ ንቡዝሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ።