ፍልልይ ርኢቶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዶብ

2024-04-20 20:15:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 220 times

ኣቶ ነብዩ ተድላ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብ18 ማዝያ 2024 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ መግለጺ፡ ንጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ከብርህ እንከሎ፡ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ እቲ ዶብ ዘሎ ማሕበረሰብ ብዘሳትፍ፡ ብክልቲኦም ወገናት ብዝቐውም ናይ ሓባር ኮሚተ ዝፍታሕ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ካብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተወከሉ ኣስታት 200 ተሳተፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ሰፊርዎ ዘሎ ቦታ ናይ ኤርትራ ድዩ ናይ ኢትዮጵያ ንምጽራይ ካብ ክልል ትግራይን ፍደራል መንግስትን ብኣባልነት ዝርከብዎ ኮሚተ ኣቚምና ኣለና፡ ድሕሪኡ በቲ ዝቐርበልና ጸብጻብ መሰረት ብዘተ ንፈትሖ ክኸውን እዩ” ኢሉ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ኣዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ ኣተሃላልዋ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ/ትግራይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ መሬቱ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ጉዳይ ዶብ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ብዘይምለስ ደረጃ ተወዲኡ እዩ ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ ነይሩ። እዚ ድማ ብወገን ኢትዮጵያ “ኣይተወደአን”  ብወገን ኤርትራ ከኣ “ተወዲኡ እዩ” ዝብሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ይንጸባረቐሉ ምህላዎም  ዘርኢ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብወገኑ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ሎሚ’ው ሕማም ደሓር ከይከውን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ “….. መስርሕ ምጥራር ዶብ ኣብ መሬት፡ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ እምበር፡ ኣፍካ መሊእካ “ካብዚ መሬት ኤርትራ ካብቲ  መሬት ኢትዮጵያ”  ኣብ ዝበሃለሉ ውዱእ  ደረጃ ዝብበጸሐ ኣይኮነን. ……….” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስፈረ ይዝከር።

Last modified on Saturday, 20 April 2024 22:23