ሎሚ’ውን ሕማም ደሓር ከይከውን!

2024-04-18 19:07:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 468 times

ቀይሕ ብኤርትራ ተሓቲቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ፡ ሓምላይ  ብኢትዮጵያ ተሓቲቱ  ንኤርትራ ዝተወስነ

ካብ 1998 ንደሓር ብደረጃ ዓለም ከይተፈ፡ ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ዛዕባታትና ሓደ፡ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንባሩ ዘይንርሰዖ እዩ። እዚ ዛዕባዚ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ምኽንያት ብሽፋን “ናይ ዶብ ምስሕሓብ”፡ ኣብ 1998-2000 ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም መሪርን ደማውን ዝተባህለ ውግእ ብምክያዱ እዩ። እንተኾነ ናይቲ ውግእ ጠንቂ “ናይ ዶብ”  ዝብል ስም ደኣ ተዋሂብዎ እምበር፡ ካልእ ሕቡእ ሕሳብ ዝነበሮ ምዃኑ ይግመት ነይሩ። ደሓር ግና በቶም ዘሳወርዎን ዝሕተትሉን ኣካላት ከይተረፈ፡ ጠንቁ ዶብ ከምዘይነበረ ኣዳዕዲዖም ዝዛረብሉ ዘለዉ’ዩ።

እቲ “ውግእ ባድመ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ዕንወትን ህልቂትን፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ መንጎ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  መለስ ዜናዊን ብዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣልጀርስ ናብ ካልእ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ። እቲ ስምምዕ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብ 25 ኪሎሜተር ርሕቀት ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ዞባ ተመስሪቱ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ክሰፍሮን  ጉዳይ ዶብ ብቐጻሊ ዝፈትሕ ኮሚሽን ክቐውምን ካብቶም ኣገዳስቲ ነጥብታት ስምምዕ ኣልጀርስ እዮም። በዚ መሰረት 5 ዓለም ለኻዊ ናይ ሕጊ ክኢላታት ዝኣባላቱ ኮሚሽን ተመስረተ። ናይቲ ኮሚሽን ብይን ቀያድን ናይ መወዳእታን ክኸውን መወከሲኡ ድማ ብ1900፡ 1902ን 1908 ኣብ መንጎ ንኤርትራ ትገዝእ ዝነበረት ኢጣልያን ንጉስ ኢትዮጵያ ዳግማዊ ምነሊክን ዝተፈረሙ ስምምዓትን ምስቲ ጉዳይ ዝምድና ዘለዎም ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ክኾኑን ኣካል ስምምዕ ኣልጀርስ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ጠበቓታቶም ኣቚሞምን ይሕግዘኒ ዝበልዎ መርተዕታት ኣቕሪቦምን ድሕሪ ንክልተ ዓመታት ምምጓት እቲ ኮሚሽን፡ ብ13 ማዝያ 2002 ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።   ኣብቲ ብይን  ዝተፈላለዩ ወገናት  ዝተፈላለየ ግብረ-መልሲ’ኳ እንተነበሮም፡ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብምንባሩ  ዘምጽእዎ ለውጢ ኣይነበረን። በቲ ብይን መሰረት ናይታ ከም መበገሲ ናይ ውግእ ጌርካ ዝተወስደት ሓውሲ ከተማ ባድመ ዋንነት ናብ ኤርትራ ስለ ዝተወሰነ፡ “ኤርትራ ረታዒት ኢትዮጵያ ከኣ ተረታዒት” ጌርካ ብምውሳድ ሰፊሕ ዳንኬራ ተወቒዕሉ’ዩ። እዚ ስምዒት ክሳብ ሎሚ እውን ኣሎ ። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እቲ ብይን ክሳብ ሎሚ ናይ መወዳእታ መልክዑ ስለ ዘይሓዘ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራ “ይብጸሓኒ” ኢላ እትጽበዮ ካብ ዝነበረት ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ናብ ኢትዮጵያ ተበይኑ እዩ ዝብል ግምት ስለ ዘሎ፡ ረታዕን ተረታዕን ኢልካ ዳንኬራ ዝውቀዓሉ ኣይኮነን።

ናይቲ ኮሚሽ ዶብ ሓላፍነት ብይን ምሃብን በቲ ብይን መሰረት ኣብ መሬት  ምልክት ምንባርን ኮይኑ፡ ኣብ መሬት ዝርአ ምልክታት ምስተተኽለ እዩ ተልእኮኡ ዛዚሙ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ ብይና ኣብ ወረቐት ምስ ኣስፈረት፡ ኣብ መሬት ምልክት ከንብር ኣይከኣለን። ናይዚ ዘይምኽኣሉ ጠንቂ ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ግዜን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እንዳፈጠሩ ዕንቅፋት ስለ ዝኾንዎ እዩ። ዋላ’ኳ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውሳነ “ብመትከል ንቕበሎ ኢና” እንተበሉ፡ ኣብቲ መጀመርያ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውሳነ ቅቡል ኮይኑ፡ “ቅድሚ ምትግባሩ ንዘራረብ” ስለ ዝበለ፡ እቲ መስርሕ ክስጉም ኣይከኣለን። ህግደፍ’ውን ዋላኳ ናይቲ ብይን ዘይምትግባር ንሕያሎ ዓመታት ከም መኽሰሲ ንኢትዮጵያን ደገፍታ ዝበለን ምዕራባውያን መንግስታትን ንኽጥቀመሉ ስለ ዝወጠነ፡ እቲ ብይን ንኣስታት 16 ዓመታት ጀሆ ተታሒዙ ጸኒሑ።

ህግደፍ እቲ ዕንቅፋት ክብሎ ዝጸንሐ ተኣልዩ ካብ ዝተባህለሉ 2018 ንደሓር’ውን ኣይኮነንዶ ከተግብሮ፡ ጉዳያይ ኢሉ ከቕልበሉ’ውን ቅሩብ ኣይኮነን። እዚ ዘርእየና ከኣ፡ ጉዳይ ዶብ ክልቲኦም ወገናት ከም መጣልዒ  ንስዉር ፖለቲካዊ ሕሳብ ይጥቀምሉ ምንባሮም እዩ። ንኣብነት ህግደፍ ጉዳይ ዶብ ከም ስልቲ ሕነ ንምፍዳይ መዕደጊ ግዜ፡  መህደሚ ካብ  ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባን ብልኡላውነት እናሸቀጠ መቐጸሊ ዕድመኡ ኣብ ስልጣንን ከም ዝተጠቕመሉን ይጥቀመሉ ከም ዘሎን ርኡይ እዩ። 

ምትግባርን ዘይምትግባርን ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ኣብ ሓደ እዋን ውዑይ መዘራረቢ ነይሩ እዩ። ገለ ወገናት እዚ ጉዳይ በቲ ሓደ ወገን ንመጻኢ ወለዶ ሕማም ደሓር ከይንገድፈሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህግደፍ ካብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ መሕብኢ በዓቲ ንከይጥቀመሉ ይጠረር ዝብል እምነት ዝነበሮ ወገን ነይሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ቀዳማይ ጸገምና ህግደፍ እምበር ዶብ ስለ ዘይኮነ፡ ይጽናሕ ዝብል፡  ምጥራር ዶብ ውድቀት ህግደፍ ከም ዘቀላጥፍ  ዝዘንገዐን ርኢቶ ዝሓዘ ነይሩ።

ናይ ዶብ ኣጀንዳ ክሳብ ሎሚ’ውን ዘይተዓጽወ፡ ምዝዛሙ ብህላወ ድማ ብዕድመ ክልቴን ሃገራት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ኣካል ዝተግብሮ እምበር፡ ኤርትራ ወይ  ኢትዮጵያ በበይነን ዝውስናሉ ኣጀንዳ ኣይኮነን። እቲ ኮሚሽን ዶብ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ምጥራሩ ክተሓባበሩ ክሳብ 2006 ቀጻሊ ጻዕርታት ኣካይዱ እዩ። ጻዕሩ ኣብ ዘይሰመረሉ ከኣ  ብ3 ሕዳር 2007 ናብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ነቲ ኣብ መሬት ኣዕኑድ ክትከለሉ ዝግበኦ ፍሉይ ቦታታት ኣብ ካርታ ኣመልኪቱ ኣረኪብዎም። ሎሚ እውን መስርሕ ምጥራር ዶብ ኣብ መሬት፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ እምበር፡ ኣፍካ መሊእካ “ካብዚ መሬት ኤርትራ ካብቲ  መሬት ኢትዮጵያ”  ኣብ ዝበሃለሉን “ብጽሒተይ ወሲደ ኣለኹ” ኣብ ዝብሃለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ። እዚ ሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዘይተተግበረ፡ ውግእ’ውን ከስዕብ ዝኽእል  ሕማም ደሓር ኮይኑ፡ ዘሰክፍ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ስምምዕ ኣልጀርስን ውዕል ፕሪቶርያን ክተሓዋወሱ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ስለዚ ከምቲ፡ ብንጉስ ዝተቖርጸት ኢድሲ ዳርጋ ዘላ ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝብጸሖ መሬት ወሱዱ ዝወሃብ ከኣ ኣረኪቡ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘለካ ንጹር ዶብ ንክትፈልጥ፡ እቲ ምጥራር ክትግበር ናይ ግድን ምዃኑ ተረዳእ። እቲ ዘይምጥራር  ብምስምስ ዶብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ሃዋህው ከኸትል ዝኽእል  ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ንህግደፍ እውን መሕብኢ ስለዝኾኖ፡  ጉዳይ ዶብ ሎሚ ሕማም ደሓር ከይከው፡ ናይ መወዳእታ መልክዑ ይሓዝ” ዝብል ድምጽኻ ከተበርኽ ይግበኣካ።

Last modified on Thursday, 18 April 2024 21:20